Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

12/07/2016 18:20 PM


ክልሰ-ሓሳባዊ ትርጉምን

ግብራዊ ህላወን `ሓድነት`

ብ’ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን


ፖለቲከኛታት፡ ነዛ ሓድነት እትብል ቃል መምስ ድሌታቶም ኣመሳሲሎም ዝተፈላለ ትርጉም ብምሃብ ኣብ ባይታ ብግብሪ እንከላ ከምዘየላ፡ ፈጺማ ትንፋስ ዘይብላ ክንሳ ድማ ከም ህያው ኣምሲሎም ክውርቕዋ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ ይኸውን ስለ ዘሎ፡ መጣልዒት ጆኴሮም ኮይና ክበሃል ይከኣል። ብኸመይን መኣስን ኢዮም ምስላ ዝቐያይርዎ ቅድሚ ምግላጽና፡ ቀንዲ ትርጉማን ግብራዊ ህላወኣን ምብራህ ኣድላይ ኮይኑ ይስመዓና። ስዒቡ ምስ ህሉው ኩነታትና ብምዝማድ ምግላጻ ክፍተን ኢዩ።


`ሓድነት` ኣብ ናይ ትግርኛ መዝገበ ቃላት ብተክአ ተስፋይ ዝተዳለወ፥ ብሓደ ምዃን፡ ሕብረት፡ ስምረት ብምባል ተተርጊሙ ኣሎ። መሰረት እዛ ቃል እዚኣ ካብ `ሓደ` (እንኮ) ዝብል ኣሃዝ ዝወጸት ኮይና፡ መጀመሪ ናይ መዓቀኒ ህሉው ኩነት ወይ ግኡዝ ኢያ። እቲ ብዙሕ ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ ብሓደ ክኸውን (ክሓብር፡ ክሕወስ) እንከሎ ሓድነት ጌሩ ሰሚሩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ`ዚ ብንጹር ክበርህ ዘለዎ ነብሲ-ወከፍ ንጽል `ሓደ` ምዃኑ ዓቂቡ ኢዩ ምስ`ቲ ካልእ ተሓዊሱ ሓድነት ዝፈጥር። ውልቃውነቱ (ሓደ ምዃኑ) ዘጥፈአ ወይ ዘህሰሰን ዝተበለለን ምስ ካልእ ክሓብርን ሓድነት ክፈጥርን ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ብሕትውነቱ ስለ ዘጥፈአ እንታውነት ናይ`ቲ ዝተሓወሶ ኢዩ ዝሕዝ።


ሓድነት ብቋንቋ እንግሊዝ ካብ unit ዝብል ነቒሉ ኢዩ unity ዝብል። እቲ መበገሲ ዝኾነ ቃል unit ምስ`ቲ ናይ ትግርኛ  `ሓደ` እንብሎ ፍልልይ ኣለዎ። ምኽንያቱ unit ንጽል ዘይኮነ እኩብ መስፈሪ ወይ መግለጺ ናይ ጥሙር ነገር ኢዩ።  Unit: any d ivision of quantity accepted as a standard of measurement or exchange; an assemblage of parts that is regarded as a single entity; ካብዚ እንርደኦ ንጽል ዘይኮነ እኩብ መስፈሪ ወይ መግለጺ ናይ ሓደ ዓይነት ኢዩ።  Unity: an unreduced or unbroken completeness or totality; the quality of being united into one; (English WordNet) እዚ ነቲ ሓድነት ዝብል ልዓቱ ይመስል። ስለዚ ንሓድነት ብunity ቶርጊምና ክንግልገለሉ ይቐርብ። ከም ትርጉም ናይ ትግርኛ፡ ንሓድነት ሓደ ምዃን ጌርና ክንወስዶ ምስ እንፍትን ግን፡ ፍጹም ሓደ ዝበሃል ነገር ስለ ዘየለ ናብ ጌጋ ክመርሓና ይኽእል ኢዩ። ሓደ ጥራሕ ኢዩ ሓደ እምበር ብዙሓት ሓደ ክኾኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ኣብነት የማናይን ጸጋማይን ኣእዳው ናይ ሓደ ሰብ`ውን ዝተፈላለያ ኢየን። እንተኾነ ተሓባቢረን ብሓድነት ተደጋጊፈን ክሰርሓ ይኽእላ። ዘራኽብ ነገራውን መንፈሳውን ጥቅሚ እንተዘየሎ ዋላ`ውን ብጸቕጢ ሕብረት ክፍጠር ኣሸጋሪ ኢዩ። ሓድነት ንኽህሉ ከም ማግኔት ዝስሕብ ቀንዲ ረቛሒ ሓባራዊ ጠቕሚ ኢዩ። እዚ ዝግለጽ ዘሎ ሓባራዊ ጠቕሚ ምስ ዘይመዓራረ ምፍልላይ ይስዕብ።


ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ኣቋውምኡን እንታይ ይመስል ከም ዛዕባ ኣልዒልና ክንዛረበሉ፡ ታሪኻዊ መሰረቱ ንሞያውያንን ንግዜን ገዲፍና፡ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሓደ ዘመን ኣረዳድኣ ህዝብና ኣድሂብና ምትንታን ኢዩ ብዝቐለለ ክስወጠና ዝኽእልን ውጽኢት እንረኽበሉን። ዘይከሓድ ሓቂ ኤርትራ ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ውጽኢት መግዛእቲ ኢያ። ዝተፈላለ ብሄር፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖትን ባህልን ዋላ ይሃልዋ ኣብ ቃልሲ ዝተመስረተ ሓድነት ትውንን። ምረት መግዛእቲ ንጽንዑነት ናይ ሓድነትና ከም ዝሃነጾ ሕሉፍ ታሪኽና መርትዖ ኢዩ።


ኣቦታትና ነቲ ኣብ ሓምሳታት ዝነበረ ውጥን ናይ ምክፍፋል ንምብርዓን፡ ንሕጊ ሃይማኖቶም ከም ናይ ውልቆም መጠን ብካልኣዊ ሰሪዖም፡ ኣስላማይን ክስታናይን ዝሓረድዎ ብሓባር በብእምነቶም ጸልዮም ብምብላዕ ንሓድነትና ኪዳን ኣትየሙላ። ብኸም`ዚ ዝኣመሰለ ተሪር ቃልሲ ካብ ምክፍፋል ንስክላ ዘድሓንዋ ሃገር፡ ዋል`ኳ ብፈደረሽን ትቆረን እቲ ውዕል ምስ ፈረሰ ንእንባራጦርያዊ መግዛእቲ ንምብዳህ ብረታዊ ቃልሲ ንምልዓል ዘኽኣለ ንሶም ዘንጸፍዎ መሰረት ኢዩ። ድሕሪ ዓወት ናይ`ቲ መሪር ረጽሚ፡ መሰሉ ብድምጺ ምርጫ ኣምሊሱ ልኡላውነት ሃገሩ ኣረጋጊጹ፡ ኤርትራዊ መንነት ምዕቃብ ዘኽኣሎ ቀዳማይ ረቋሒ፡ ሓድነቱ ምዃኑ ምስክር ኣየድልዮን።


ሳልሳይ ጒዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ `ንምርግጋጽ ፍትሒ` ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡  ሓድነትና እንታይ ይመስል ዝብል ሕቶ፡ መልሱ ነጸብራቕ ናይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋሁው ስለ ዝኾነ ካብ ስሩ ምርኣይ የድሊ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ጉድለታት፡ ንሓድነት ኣብ ምጥንኻርን ናጽነት ኣብ ምጉንጻፍን መዳርግቲ ኣይነበሮን። ኣብ ምትካል ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ግን፡ ኣይከም`ቲ ሃንቀውታናን። ምኽንያቱ፡ ፖለቲካዊ መሪሕነት ውድባት፡ ኣብ ዘበነ ገድሊ ዝፈጸምዎ ጉድለት ስለ ዘይተኣመንሉ፡ ንህዝቢ ይቕረታ ሓቲቶም ክነጽህሉን ክመሃርሉን ስለ ዘይከኣሉ፡ ኣንጊሆም ናብ ምጉዕጻጽ ፍትሒ ኢዮም ኣንቂዶም።


ንሰላሳ ዓመት ብረታዊ ጎነጽ ዘሰላሰለ ውድብ መሪሕካ ጉድለት ኣይፈጸምኩን ካብ ምባል፡ ንሕና ብጹኣን ነብያት ኢና ምባል ይቐልል። እቲ ጉድለት፡ ምእንቲ ናጽነት ሰኣን ዓቕምን ብዘይፍላጥን ዲዩ ወይስ ኮነ ኢልካ ንረብሓን ስልጣንን ተፈጺሙ፡ ኣጻርዩ ናይ ምውሳን ስልጣን ናይ ሓፋሽ ግደ ደኣ`ምበር፡ ባዕላቶም እቶም ተሓተቲ መሓርትን ደምደምትን ክኾኑ ኣይግባእን። እዚ ስለ ዘይተገብረ ኢዩ እቲ ብናጽነት ተደቢሱ በሰላ ጥራሕ ተሪፉ ዝነበረ መጉዳእቲ፡ ክረክስ ግዜ ዘይወሰደ። ውልቃዊ ረብሓን ምኽዋል ካብ ሕሉፍ ተሓታትነት ዝምኽንያቱ፡ ኣንጻር ሓድነትን ፍትሕን መርገጺ ምውሳድ ጠንቂ ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ዕንወት ክኸውን ዘኽኣለ ጉዳይ ኢዩ። እንሆ ድማ ሕጂ፡ ካብ`ቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዘይሓይሽ ናይ ሳይበር ግጭት ብዘይመርትዖን ሕጋዊ ፍርድን ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ብስም ደገፍቲ ህግዲፍ፡ ተቋወምቲ፡ ጸግዒ ወያነን ወገንነትን ብዝብል ምኽንያታት ብምክፍፋል፡ በቲ ከም ሴፍ ዝምብልሑ መላሕስ ክቃናጸሉ፡ ካብ መዳፍዕ ዝብርትዕ ቃላቶም ክረፋተቱ ባይታ ተዳልዩሎም፡ ነቲ ስሙር ህዝቢ ንምፍልላይ ዘሳስዩ ኣርሆታት ይናዓዉ ኣለዉ።


ካብ`ዚ ሃዋሁው ብምብጋስ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይግለጽ? ነዚ ሕቶ`ዚ ንምምላስ ብቐዳምነት ክረአ ዝግበኦ፡ ንሓድነት ዝጠምር ናይ ሓባር ጠቕሚ ብዛዕባ ምህላውን ዘይምህላውን ምርግጋጽ ኢዩ ሕመረት ናይ`ቲ መልሲ። ህዝቢ ኤርትራ`ምበኣር ኣብ ውሽጡ ክጉሰ ዘይክእል ፍሉይነታት ዋላ ይሃልዎ ሓባራዊ ዝኾነ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ልዕሊኡ ይወርድ ምህላዉ እንሰማምዓሉ ሓቂ ኢዩ። ሰብኣዊ መሰሉ ብግብሪ ዘየኽበረ ወገን፡ ካልእ ውልቃዊ፡ ጉጅላውን ወገናውን ሕትኡ ክምለስ ወይ ክሕሎ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ከም`ቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መድረኻት ናይ ቃልሲ ንሓንቲ ኤርትራ ዝፈጠርናዮ ጽኑዕ ሓድነት፡ ሕጂ`ውን ነቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርና ንምሕላው፡ ዝተጠልመ ሕድርን መብጽዓታትን ንምትግባር ኣብ ምስራሕ ዘለና ጥሙሕ ኣይቅየርን ኢዩ። እዚ መንፈስ`ዚ ኣብ ቦትኡ ክሳብ ዝሃለወ፡ እዞም ኣብ ዘይእዋኑ ዝቀላቐሉ ዘለዉ ናይ ፍሉያት ወገናት ጠለባት፡ ናቶም ብሕታዊ ሕቶ ጥራሕ ከምዘይኮነ ኩልና ክንፈልጦ ይግባእ። ረብሓ ሓደ ወገን ካብ መሰል መላእ ህዝቢ ኣግሊልካ ከም ውልቃዊ ጉዳይ ብዋንነት ሒዝካ ምስራሕ ንሓባራዊ ሕቶ ጅሆ ምሓዝ ኢዩ።


ደቂ-ሰብ ብባህሪና ትኲረት እንህቦ ጉዳይ ውልቃዊ ጠቕምና ኢዩ። ነዚ ረብሓ`ዚ ንምርካብ እንኽተሎ ሜላ ብዙሕ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድመና ዝጎንፈና ሓባራዊ ረብሓ ዕቤቱ ብዘየገድስ ድሕር`ቲ ብሕታዊ ጉዳይና ናይ ምስራዕ ጠባይ ኣለና። እንተኾነ፡ ሓባራዊ ረብሓ ዘይዓቀብካሉ ወገን ኣብ ውሽጡ ውልቃዊ ጠቕምኻ ክሕልወልካ ኣይክእልን። ካብኡ ሓሊፉ መድረኽ ዝሰርዖ ቀዳምነታት ምህላዉ`ውን ክዝንጋዕ ኣይግባእን።


ብሕጽር ዝበለ ኣብ ሓንቲ ብፍትሒ ዘይትመሓደር ሃገር መሰል ማሕበራውያን ሓይልታት፡ ብሄራት፡ ሃይማኖታት…ወዘተ ክሕሎ ይኽእል`ዶ? ነብሲ ወከፍ እዞም ዝተጠቕሱ ጉጅለታትከ ተነጻጺሎም ብምቅላስ ነናይ ጉጅለኦም መሰል ከኽብሩ ግብራዊ ዲዩ? መልሲ ናይ`ዚ ንጹር ኮይኑ፡ ማሕበራውያን ጉጅለታት ህዝቢ ሓንቲ ሃገር፡ ኣቋውመኦም ከም መወዳደቢ ኣብ ትሕቲ ጽላል ንሓባራዊ ዲሞክራስያዊ መሰል ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ከገልግል ይኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ንዕኡ ቀዳምነት ምስራዕ፡ ጠቕሙ ንረብሓ`ቶም ብምፍንጫል ናብ ኮረሻ ስልጣን ዝመጣጠሩ ወይ መሕብኢ ገበነኛታት ኢዩ ዝኸውን። ክንዮው`ዚ እዞም ብምፍልላይ ዝረብሑ ወገናት፡ በቲ ዘራኽቦም ነጥቢ ተሓባቢሮም ሓንከርቲ ክዓስቡን ብግዝያዊ ምትላል ኣብ ጎድኖም ከሰልፉን ከም ዝኽእሉ ኣየጠራጥርን።


ተመክሮና ዘረጋገጾ ሓቂ፡ ህዝብና `ንማሕረሻ ምራን ሓነቖ፡ ከርፈስ ጠወቖ` ኮይንዎ ሓድ-ሕድ ዘይፋተዉ ደመኛታት`ውን ንሓባራዊ ጠቕሞም ይዘራረይሉ ኣለዉ። ንተጋደልቲ ነበር ካብ ህዝቢ ነጺልካ ቃልሲ ንምድኻም ናይ ወይጦታት ዘመተን፡ ካባ ፍልስፍና ብምኽዳን ኣንጻር ሰማእታት ናይ ምጒስጓስ ትልሚ ምብትታና ዘፍ ምስ በለ፡ እንሆ ድማ ሕጂ ኣብ facebook live ጉልባቡ ቐሊዑ ንኽቡር ስነ-ምግባርና ዝጅልሕ መንእሰይ ንርኢ ኣለና። እዚ ነቲ ንዝተገረሀ ወገን ንግዚኡ ኣብ ስምዒት ከእትዎ ዝኽእል`ኳ እንተኾነ፡ ምግሃድ ናይ`ቶም ብድሕሪ መጋረጃ ዘለዉ እኪታት ምስነጸረ እቶም እንጀራ ቈልወጠን ዝበልዑ ከም ክንቲት ከምዝፎኽሱ ኣየጠራጥርን።


ንጸረ ሓድነት መንቀሊኡን ምኽንያቱን ምፍላጥ ካብ ነቶም ፈላለይቲ ምልላይ ንላዕሊ የገድሰና። ምኽንያቱ፡ ተኸዊለምሉ ዘለዉ ጉልባብ ጠንቁን ሳዕቤኑን እንተ ፈሊጥናዮ፡ ባህርያቶም ስለ ዝገሃድ ብዛዕባ መንነቶም ዘጨንቕ ኣይኮነን። ዝኾነ ሳንኩፍ ዝግረዞን በዓል ቂም ዝሕወሶን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መስርሕ ዝጉለል ኢዩ።


ናይ ዕለታት 21/23 ሰነ 2016 ሰለማዊ ሰልፊ ጀነቭ ዘብርሆ ነገር እንተልዩ ሓድነት ኤርትራውያን ኢዩ። ንዝኾነ የዋህ ሰብ ክልተ ኣንጻር ዝመርገጺኦም ሰልፍታት እንታይ ዘራኽብ ኣለዎም ዘየብል ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ብዕምቆት ከይኣተኻ እቲ ካብ 12-13 ሺሕ ዝበጽሕ ገምጋማዊ ቁጽሪ ኣብ ዕለት 23 ሰነ ዝተሰለፈ ንሓቀኛ ትርግታ ልቢ መላእ ህዝብና ዝገልጽ ኢዩ። እቲ ኣብ 21 ሰነ ዝነበረ ካብ 2-3 ሺሕ ዝተገምገመ ድማ፡ ነቶም ንመሳርሒ ዝተጸንበሩ ኣባላት `ግንቦት ሸውዓተ` ገሊፍካ፡ ነቶም ከም `ኣብታይ ክዕንድሩ ርእዮም ዝዓንደሩ` ትርጉም ናይ`ቲ ሰልፊ ዘይተረድኡ ኣሊኻ፡ ነቶም `ብዘበን ዉቤ ዝጸመሙ` በሃማት ወጊንካ፡ ነቶም ብኣስገዳድን ብምፍርራህን ተሓዊሶም ጎተት ዝብሉ ዝነበሩ ጎሊልካ፡ ክንደይ ኢዮም ብልቢ ንስርዓት ህግዲፍ ከም ፍትሓዊ ስርዓት ኣሚነምሉ ንኽከላኸልሉ ዝተሰለፉ? ብዓይኒ ቁጽሪ`ውን እንተኾነ ዜሮን ትሕቲኡን ምወረደ። ምኽንያቱ፡ ንሓቀኛ ድሌታት ህዝቢ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ዝምርምር መሳርሒ ሃልዩ ውጽኢት እንተዝረአ፡ እቶም ምስ`ቲ ስርዓት ዘለዉ ዝመስለና ላዕለዎት ሰበ ስልጥንን ሚኒስተራትን`ውን ከይተረፉ ብሕልና ኣብ`ቲ ናይ 23 ሰነ ከምዝወዓሉ ምተረጋገጸ። ስለ`ዚ፡ ኩሉ`ቲ ኣብ ክልቲኡ ሰልፍታት ዝነበረ ኤርትራዊ መንነት፡ ስምዒትን ዘንበልበለ ባንዴራታትን ብሓደ ኢዩ ኔሩ። ኣራግጻ ኣእጋርና ተመዓራርዩ ኣብ ሓደ መስርዕ ክንስለፍ ንፉዓት ዓለምቲ ጥራሕ ኢዮም ዘድልዩና ዘለዉ።


ብሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝስከፍ ወገን እንተደኣ ሃልዩ፡ ትርጉም ሓድነት ዘይርዳእ ወይ መንነትን ባህግን ህዝብና ዘይፈልጥ ጥራሕ ኢዩ። እቶም ብስም ገለ ጉጅለታት ምኽንያት ፈጢሮም ንሓድነትና ክፈታተኑ ዝህቅኑ፡ ልዕሊ ማንም ነቲ ዝጠቕስዎ ወገን ስለ ዝሓልይሉ ዘይኮነ፡ ከም መሳልል ንኽጥቀምሉን ክሕብእሉን ካብ ዘለዎም ድሌት ዝነቅል`ምበር፡ ንሓቀኛ ክውንነት እቲ ወገና ዝብልዎ ዝውክል ኣይኮነን። እቶም ብምድኻም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ `ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ` ዝጽበዩ ስትራተጂካውያን ኣማዕደውቲ`ውን እንተኾነ ብመንቀላወጥቲ ልኡኻቶም ዝሰልጥ ከም ዘይኮነ ካብ ሕሉፍ ታርኽና ክመሃርዎ ይግበኦም ኔሩ።


ዘሎ ጫቕ ምራቕ ናይ ውልቀ ሰባትን ቅድመ ኩነት ኣቐሚጦም ንጒዕዞ ምርግጋጽ ፍትሒ ክገትኡ ዝፍትኑ ሰብ ኢንታን፡ ሓድነት ህዝብና ብተኸታታሊ ንሰለስተ ወለዶ መስዋእቲ ከም ዝተኸፍሎ፡ ብዙሕነት ናይ ብሄር፡ ሃይማኖትን ኣውራጃን ድማ መለለዪ ሕላገትና እንከባበረሉ ጸጋና ምዃኑ ዘይምፍላጦም ኢዮም ዝዕሸዉ ዘለዉ። ፍጹም ዝበሃል ነገር ስለ ዘየሎ፡ ቀለልቲ ከዛርቡ ዝኽእሉ ነገራት ክህልዉ ባህርያዊ ኢዩ። ከም`ዚ ዓይነት ደቀቕቲ ስምዒታት ብማግኔት ሓባራዊ ጠቕሚ ተሳሒቦም ምልኣት ዝፈጥሩ`ምበር ተነጻጺጎም ዝፈላልዩ ኣይኮኑን። ባህግን ድሌትን ናይ ህዝብና፡ ብሕጊ እትመሓደር ማዕርነትን መሰልን ናይ ኩሉ ዜጋ ዝሕለወላ ብልጽግቲ ኤርትራ ንምፍጣር ኢዩ። ኣብ`ዚ ዘለና ኣረኣእያ ስለ ዘይቅየር ብዛዕባ ሓድነትና ኣየጠራጥርን። ትምኒት ናይ`ቶም ኣብ ቁጽሪ ዘይኣትዉ ነዳያን ግን፡ ጽላሎት ናይ ዘየሎ ነገር ኢዩ።


ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ነባሪ ኢዩ!!

ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን

kiflu23@yahoo.com