snitna.com

15/11/2016 02:54 PM

ባሕሪ ላምባዱሳ

ብፍረወይኒ ገርግሽ

LEARNING TO LISTEN AND LISTENING TO LEARN ባሕሪ ላምባዱሳ ታሪኽ ንገርለይ
ጭንቂ’የ ረኺበ ምስታ ሕጻን ጓለይ
ዕትብቲ ናታ’ዩ ተጠምጢሙ ኣብ ነብሰይ

     ኣንቲ'ደይ ሓላለይ ክንደይ ትጭክኒ
     ምጥዓም ሲኡኑኒ ምጥዓም ሲኡኑኒ
     ዕትብተይ ክቖርጾ መቐስ ዘይትብኒ

ኣንቲ ህጻን ጓለይ ንዒ ግደፍኒ
ይሪኤኪ ኣለኹ ምዓስ ጠፊኡኒ
ተጨኒቐ እኮየ ዓቕለይ ጠፊኡኒ
ከይነግረኪ ኸኣ ከይትስንብድኒ
የሕለቕልቕ ኣለኹ ሞት መጺኣትኒ

     እሞ እንታይድኣ ጌረኪ ንቡር ትኸልእኒ
     ኣብ ከብዲ ክጸንሕ እምበር ምሓሸኒ

ንዓይ ምሓሸኒ ብንቡር ክወልደኪ
ኣብ ጎነይ ሓቝፈ ጡበይ ከቕምሰኪ
እቲ ሕንፋፍ ናትኪ ባዕለይ ክጸርገልኪ
ምኣስ ፈትየ ኾይነ ካባይ ክፈልየኪ
እቲ ማዕበል እኮ'ዩ ደፊኡ ኣውጺኡኪ

     ኣይነቝሐን ኣዒንተይ ከይሪኦ ት'ባሕሪ
     እግሪ ኣይተኸልኩን መንገዲ ከዐሪ
     የዕቑበኒ ኢለዮ ንዓሳ ነባሪ
     ኣይጨከነለይን ት'ማዕበል ከዛሪ

ተዓሚኸን ኔረን ኣጻብዕቲ ኢደይ
ሓፈትፈት ክትብል ከይደልያ ነታ ኣደይ
ተሓኒቑ ኔሩ ዋላ ትክሳደይ

     ዓው ኢለ ከይበኪ ከይስማዕ እቲ ድምጸይ
     ሕማቕ ሞት'የ መይተ ተጠሚሩ ነብሰይ

ኣብ ባሕሪ ተወሊደ እልልታ ዘይብሉ
ኣብኡ መይተ መግነዚ ዘይረኸብኩሉ
ግን ለዋሃት ረኺበ ንሬሳይ ዘልዕሉ

     ምሳይ ከኣ ኔሮም ሰለስተ ቖልዑ
     ራብዓይቶም ኣነ ሳንዱቕ ተሰሪዑ

ደቂ ሓንቲ ኣደዮም ክብሉ ምስ ሰማዕኩ
ታስመይ ምፍጣራስ መሊሰ ጸላእኩ

     ኣንቲደይ እቶም መራሕቲኸ እቶም ተዕልልሎም
     ዋላ ንህጻን ድዮም ድንጋጸ ዘይብሎም

እዞም መራሕትና እወ ኣዴኺ ክጭክኑ
ከም እንስሳ መሮር ዜግኦም ዝሃድኑ
እዞም መራሕትና እወ ክጭክኑ
ሓመድ ከይለበስና ጓይላ ዝውጥኑ
ሕልና ኣልቦዮም ወግዒ ዝሰኣኑ
ሬሳ ዜጋታቶም ምቕባር ዝፍንፍኑ

     በሉ ሓደራኹም ግዜ ከይትቐትሉ
     ዳሕሮት ከይርከቡ ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ

ብሓደ ዘትዩ ብሓደ ምኸሩ
ብሓድነት ኢኹም ኣባይኩም ትስዕሩ

ብፍረወይኒ ገርግሽ

Share with friends: