Placeholder Picture
Placeholder Picture
8ይ ክፋል፡- ዘተ ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምብራቕ ጀርመን፣ ከምኡ'ውን ን ህ.ግ. ምእላይ ዝቐረበ ሐሳብ።

01/04/2023 22:35 PM

8ይ ክፋል፡
ዘተ ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምብራቕ ጀርመን፣
ከምኡ'ውን ን ህ. ግ. ምእላይ ዝቐረበ ሐሳብ።

Discussion with veteran Abdella Suleiman Humed.

ኣዘራራቢ- መምህር ኢብራሂም ኢድሪስ
ተርጓሚ - ግርማይ ዘሚኪኤል

8ይ ክፋል - ዘተ ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምብራቕ ጀርመን፣ ከምኡ'ውን ን ህ. ግ. ምእላይ ዝቐረበ ሐሳብ።

8ይ ክፋል - ዘተ ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምብራቕ ጀርመን፣ ከምኡ'ውን ን ህ. ግ. ምእላይ ዝቐረበ ሐሳብ።

ትርጉም ሻምናይ ክፋል ዝርርብ ምስ ተጋዳላይ ዓብደላ ስሌማን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ብመንገዲ ሰላም ሜድያ መስኮት አዳል፣ አብ መደብ ካብ ኤርትራዊ መዘክር።

አዘራራቢ:- መምህር ኢብራሂም ኢድሪስ
ትርጉም:- ግርማይ ዘሚኪኤል

ሕቶ - ተጋዳላይ ዓብደላ ስሌማን፡ ቅድሚ ዑደት ሶቭየት ሕብረት ናብ ምብራቕ ጀርመን በጺሕካ ኔርካ፡ ብዛዕባዚ እንታይ ትብለና?
መልሲ - አብ ደማስቆ ከለኹ ናይ ካርቱም ቤት ጽሕፈትና ሐላፊ ስዉእ ኢዮብ ብስራት፡ ደዊሉ ሐደ አገዳሲ ሰብ ከረኽበካ ስለ ዝሐተተ ንካርቱም ክመጽእ ሓቢሩኒ፡ ንጽባሒቱ ንካርቱም ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተ ድቀ በጺሔ፡ እቲ ዝደልየኒ ዘሎ ሰብ መምህር ዓባስ ዘኪ አብ ሱዳን ናይ ውድብ ሐርነት ፈለስጢን ቤት ጽሕፈት ሐላፊ ምዃኑ ኸኣ ፈሊጠ። ተደዊልሉ ግዜ ከይወሰደ ኣብ ቤት ጽሕፈትና መጺኡ ረኺቡኒ፡ ዝደልየካ ዘለኹ አነ አይኮንኩን፡ ናይ ምብራቕ ጀርመን ኣምበሳደር ኢዩ ኢሉና፡ ተተሐሒዝና ናብ ኢምባሲ ምብራቕ ጀርመን ከይደ ተራኺበዮ። ኣብ በርሊን ዘተ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግምባርን መንግስቲ ኢትዮጵያን ይካየድ ስለ ዘሎ አብቲ ዘተ ክትሳተፉ ንደልየኩም አሎና ኢሉኒ። መልሰይ፡ ኣብ ዘይንፈልጦ ንሳልስቲ ዝአክል ዝካየድ ዘሎ ዘተ ክንሳተፍ ድልዋት አይኮናን፡ በንጻሩ ብስምምዕ 20 ጥቅምቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘተ ብናይ ሐባር ናይ ዘተ ሸማግለ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ብዝኾነ ኣብ መደብ ዝተታሕዘ ምስ ደሳዊ ሰልፊ ምብራቕ ጀርመን ንምርኻብ ምብጻሕ ስለ ዘሎኒ ክኽይድ ምዃነይ ሐቢረዮ ንደማስቆ ተመሊሰ። በአይ ዝምራሕ አል-ዜን ያሲን፣ ሳልሕ ኢያይ፣ ዮሐንስ ዘርእማርያም ዝሐቖፈ ልኡኽ አዳልየ ንጀርመን ኬድና፡ ምሸት በርሊን አቲና። ብኡ ንቡኡ፡ ረመዳን ምሐመድ ኑር ናብቲ ኣዕሪፍናሉ ዝነበርና ሆቴል መጺኡ፡ እዚ ኢዩ ንትዮጵያውያን ዘቕረብናሎም ሓሳብ ኢሉ፡ 58 ገጽ ዝሓዘ ጽሑፍ ሂቡና፡ ይብገሱ ክምዘለዉ ደማ ሓቢሩና፡ ብድሕሪኦም ድሕሪ ሐደ ሰዓት አቢሉ ይኸውን፡ ጀርመናውያን መጺኦሙና፡ ህ. ግ. ንዘተ ዘቕረብዎ ሐሳብ ኢሎም ከኣ 68 ገጽ ዝሐዘ ጽሑፍ ሂቦሙና፣ ምስ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ አቶ ብርሃኑ ባዩ ናይ ኢህአፓ (ሰውራዊ ሰልፊ ሕዝቢ ኢትዮጵያ) ናይ ወጻኢ ዝምድና ሓላፊ ኣብ ህላውየኦም ክንራኸብ ሓቲቶሙና፣ ሕቶኦም ተቕቢልናዮ፣ አኼባ ብመጥቃዕቲ ዝመስል ዘረባ ብርሃኑ ባዩ ተጀሚሩ፡ አብ ዘረብኡ 9 ነጥቢ ዝሐዘ ፍታሕ ከም ዘቕረቡ፡ ብአና ከምተነጽገ ዝምድናና ምስ አድሐርሐርቲ ሐይልታት አሜርካ ከይተረፈት ገሊጹ ዘረብኡ ዓጽዩ፣ ብወገና፡ ቀዳማይ ነገር ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ከም ዘይኮነት፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ፍትሐውን ሕጋውን ከም ዝኾነ ገሊጽና፡ እቲ አኼባ ብኸምዚ ተዓጽዩ ካብዚ ንንየው ምርኻብና ምስ ጀርመናውያን እውን አይተኻየደን። ንጽባሒቱ ንደማስቆ ተመሊስና። ኢሳያስ ብቐጥታ ንቤሩት ከይዱ ብቤት ጽሕፈት ወድብ ሐርነት ፈለስጢን ኣቢሉ ንያስር ዓረፋት ክረክብ ፈቲኑ፡ ንሱ ስራሕ ስለ ዝነበሮ፡ ንፍሩቕ ቐዱሚ ሰዲዱሉ። ንዓረፋት ዝደለኹሉ፡ ዘተ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንበይንና ስለ ዘካየድና ተ. ሐ. ኤ. አብ ኩኔተ ተጠንቀቕ ክህልዉ ኢዮም፣ ስለዚ ኣብ ዘየድሊ ጎንጺ ከይንአቱ ሞንጎኛ ኮንኩም ከተሰማምዑና ኢሉዎ፣ ያስር ዓረፋት፡ እዚ ዓቢ ጉዳይ ኢዩ ካብ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝኾነ፡ ንየመናውያን ክንሓቶም ክንተሐባበሮም ይከአል ኢዩ ኢሉ፡ ናብ የመናውያን መሪሕዎ፡ ፍቓደኛታት ኮይኖም ኣብ ዓደን ኩሎም ላዕለዎት መራሕቲ ፕረሲደንት ሳልሚን ሩበይዕ ዓሊ፣ ዓሊ ናስር መሐመድ፣ ኣቦመንበር ማሕበራዊ ሰልፊ የመን ዓደልፈታሕ እስማዒል ዘተረኽብዎ አኼባ ተኻይዱ ናብ ስምምዕ 20 ጥቅምቲ ክንምለስ ብእኡ ክንምእዘዝ ኣሰማሚዖሙና። ቅድሚ አኼባ ምጅማርና ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ዘተ ተኻይዱ ድዩ ኢሉ ሐቲቱና አሕመድ ናስር ንሕና ንፈልጦ ዝተኻየደ ዘተ የሎን ኢሉ መሊሱለይ።

ሕቶ - እዚ አኼባ መዓስ ኢዩ ኔሩ?
መልሲ - እንተዘይተጋግየ 1978 እዩ ኔሩ።

ሕቶ - ዛጊት ሰነድ ዘይረኸብኩሉ ሐደ ሕቶ ክሐተካ አፍቅደለይ፡ አብ ሞንጎ ሰልፊ ሕዝብን (ህ. ግ.) ደሞክራስያዊ ሰልፊ ዕዮን (ተ. ሐ. ኤ.) ሐድነት ናይ ጻጋም ሓይልታት ንምፍጣር ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሰልፍታት ተኻይደ ኔሩ፡ ብዛዕባዚ እንታይ ትብለና?
መልሲ - ብዛዕባዚ ትብሎ ዘሎኻ ዘተ ብአካል ስለ ዘይተሳተፍኩዎ ብዙሕ ዝብሎ የብለይን፡ እቲ ዘተ ከም ዘተገብረ ግና ብአባላት መሪሕነት ሰልፊ ተሓቢረ።

ሕቶ - እቲ ዘተ ኣበይ ኢዩ ተኻይዱ? አብ ምንታይከ በጺሑ?
መልሲ - ከምቲ ዝገለጽኩልካ ንውህደት ክልቲኡ ሰልፍታት ተዘትይሉ፡ ብወገን ህ ግ እቲ ሐድነት ቅጽበታዊ ዘይኮነ፡ መድረኻዊ ክኽውን ዝብል ርእይቶ ኔሩዎም፣ ዘተ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ሃዋሻይት (ባርካ ታሕታይ) ኢዩ ኔሩ።

ሕቶ - ከም ዝፍለጥ ስምምዕ 20 ጥቅምቲ ይኹን፡ ውህደት ክልቲኡ ሰልፍታት አይተዓወተን፣ ኣብዚ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ አሎ። ሐሳብ ምውህሃድ ሰልፍታት ከም ውጥን ብሰልፊ ኢዩ ቀሪቡ፡ እዚ ማለት አብ ውሽጢ ሰልፊ ዕዮ፡ ናብዚ ወገንዚ ዝደፍእ መስመር ስለ ዝነበረ ድዩ?
መልሲ - እወ ሐድነት ሰልፍታት ዝርኢ ወገን ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዕዮ ኔሩ፣ ገዜ ብዝምልከት ርግጸኛ አይኮንኩን፡ ክም ዝመስልኒ ግና ኣብ ከባቢ 1977 ኢዩ ኢቲ ዘተ ተጌሩ።

ሕቶ - ብዛዕባ ጉዳይ ሰልፍታት ካብ ኣልዕልና መርገጽ ዴሳዊ ሰልፍታት ዓረብ ከመይ ይመስል ኔሩ?
መልሲ - ከም ናይ ሰልፊ ዕዮ ሐላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ምስ ዴሳዊ ሰልፊ ዒራቕ፣ ዴሳዊ ሰልፊ ሊባኖን፣ ዴሳዊ ሰልፊ ሱዳን ርኽክባት አካይደ ኔረ። ብዘይካ መርገጽ ዴሳዊ ሰልፊ ሱዳን፡ ናይ ኩሎም መርገጽ አሉታዊ ኢዩ ኔሩ። ናይ ሱዳን ዴሳዊ መርገጽ እውን ድሕሪ 1977 ንእንርድኦ ምኽንያት ተለዊጡ።

ሕቶ - ምስዚ ምስ ሰልፍታት ዓረብን ማሕበራዊ ስርዓታትን ተተሓሒዙ፡ ምስ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፍታት ኤውሮጳ ዝምድና ንምፍጣር ጻዕርታት ይግብር ኔሩ፣ ተጋዳላይ ዶክተር ሃብተ፣ ተጋዳላይ ዑመር ጃብር ካሎኦትን አብዚ መዳይዚ ይነጥፉ ከም ዝነበሩ ሰሚዔ፡ ብዛዕባዚ እንታይ ትሕብረና?
መልሲ - አነ ብአካል ኣብቲ ምስተን ናይ ኤውሮጳ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፍታት ዝግበር ዝነበረ ርክባት አይተሳተፍኩን፡ ግን እቲ ዝግበር ዝነበረ ፈተነታት በቶም ዝጠቐስካዮም ተጋደልትን ካልኦትን፡ ብአይ ዝተመርሔ ብአፍልጦይ ኢዩ ተገይሩ። ቤት ጽሕፈትና ኣብ ዓዲ ጥልያንን ፈረንሳን ዝነአድ ዝምድና ኔሩዎም፡ ብፍላይ ሐላፊ ቤት ጽሕፈት ፈረንሳ ተጋዳላይ መሓመድ አቡበከር ሉሙምባ፡ ሓያል ዝምድና ፈጢሩ ኔሩ። እንተ ብዛዕባ እቲ ብተጋዳላይ ኢብራሂም ቶቲል ዝተመርሔ ልኡኽ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ምስ ዴሳዊ ሰልፊ ጥልያን ዝተገብረ ዘተ፡ ስጋብ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣፍልጦ የብለይን።

ሕቶ - ዶክተር ነገደ ካብ ሰልፊ መኤሶን (መላእ ኢትዮጵያ ሶሻሊስት ምንቅስቃስ) ኣባል ደርጊ ምስ መሪሕነት ተ. ሐ. ኤ. ኣብ ዓደን ተራኺቡ ይበሃል። ሐቅነቱ ስጋብ ክንደይ ኢዩ?
መልሲ - ብሕጽር ዝበለ፡ ሐበሬታ የብለይን፣ ብዛዕባ ዓደን ካብ ኣልዓልካ ድሕርቲ ነዓናን ንህዝባዊ ግምባርን ንምስምማዕ ዝተገብረ አኼባ፡ ፕረሲደንት ሳልሚን ርቤይዕ ዓሊ፡ ንበይንና ረኺቡ ብጾትና (የመናውያን) ብዛዕባ ዘተ ምስራቕ ጀርመን ይፈልጡ ኔሮም ኢዮም፡ ስለዚ ንስኻትኩም ኣብ ዝኾነ ዝግበር ዘተ ህልውናኹም ኣረጋግጹ፡ እንተወሓደ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ትፈልጡ፡ ብርእይቶይ፡ ተገዲሱ ይምዕድን ይመክርን የጠንቅቕን ኢዩ ኔሩ።

ሕቶ - ንታሪኽ ሓደ አገዳሲ ሕቶ ከቕርበልካ አፍቅደለይ፡ ምምላሱን ዘይምምላሱን ንዓኻ ዝግደፍ እዩ፣ ተጋዳላይ ዓብደላ፡ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ፡ ንህዝባዊ ግንባር ንኽትኣሊ (to liquidate) ዕጥቅን ስንቅን ብቕራብ፡ ካብ ማሕበረዊ ደምበ ምድፍፋእ ወይ ሐሳብ ቀሪቡ ኔሩዶ?
መልሲ - እወ እዚ ሐሳብዚ ቀሪቡልና ኢዩ። ግና ካብ ማሕበራዊ ደምበ ዘይኮነ ብቀዳማይ ሚኒስተር ደቡብ የመን፡ ዓሊ ናስር መሐመድ ኢዩ ቀሪቡ። ብ1979 ብዝገበረለይ መጸዋዕታ፡ ምስ ናይ የመን ሓላፊ ቤት ጽሕፈትና ተጋዳላይ ኢድሪስ ሕመዳይ ኮይነ ተራኺበዮ፣ አብቲ ዘቕረበልና ጽሟቕ ሐሳብ ከምዚ ይብል "ህዝባዊ ግምባር ነዚ ዞባን፣ ንገስገስቲ ሐይልታትን፣ ንዓኹምን ሐደገኛ ውድብ ኢዩ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ምምኽኻር ተገይሩ፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ምእላዩ ኮይኑ ተረኺቡ፡ ነዚ ንምትግባር ድማ ንሕና ዘድልየኩም እኹል ዓይነታዊ ብረትን ስንቅን ዓቕምና ዝፈቕዶ ገንዘባዊ ሐገዝ ክንህበኩም ቅሩባት ኢና። ተቐላጢፍኩም ዝርዝር ዘድልየኩም ኣጽዋር ንአምበሳደርና ኣብ ሱዳን ሃብዎ፡ እንተደአ ተሰማሚዕኩም ድማ፡ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ስታፍ ከነራኽበኩም ንኽእል ኢና።" ኣነ እቲ ዝቐረበ ሐሳብ ስለ ዘይተቐበልኩዎ እዚ ጉዳይ ቐሊል አይኮነን፡ ልክዕ'ዩ ንሕና ናይ ዓቕሚ ሰብ ጸብለልታ ስጋብ 35.000 ዝበጽሕ ዕጡቕ ህዝባዊ ማሊሽያ አሎና፡ እንተኾነ ግና እቲ ኣብ መንጎናን መንጎኦምን ዘሎ ፍልልይ ዓቢ አይኮነን፣ ካልአይ፡ ብዙሐት ሰዓብቲ ዘለውዎ ውድብ ኢዩ ኢለ መሊሰሉ። መልሰይ ደስ ስለ ዘይበሎ፡ ኣዚ ቐሪቡ ዘሎ ሐሳብ ምስ መሪሕነትካ ተዘራረበሉ ኢሉኒ፣ እወ ክዘራረበሉ ኢየ ኢለዮ ንካርቱም ተመሊሰ፡ ንኣምበሳደር ድቡብ የመን ኣብ ሱዳን ረኺበዮ። ንሱውን ብወገኑ እዚ ዕድል'ዚ ከምልጠኩም የብሉን፡ ቀልጢፍኩም ዝርዝር ናይ ዘድልየኩም ኣጽዋር ልኣኹለይ ኢሉኒ። ብድሕርዚ ብቐጥታ ንሜዳ አትየ እዚ ሐደገኛ ሐሳብ'ዚ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል መሪሕነት ክዝረበሉ ኣለዎ ኢለ ወሲነ፡ ምስ አቦ መንበር አሕመድ ናስር ተራኺበ ሐቢረዮ። ብርእይቶይ ከም ዘይድግፎ ገሊጸሉ፡ ብወገኑ ንሕና ሎሚ ንህዝባዊ ግምባር ነቲ ምሳና ኮይኑ ጸላኢ ዝወቅዕ ዘሎ ሐይሊ ክንአልየሎም፡ ጽባሕ ድማ ንሳቶም ንዓና ክኣልዩና ማለት ኢዩ ተበሃሂልና፡ ከይተጋወሔ ክንዓብጦ ወሲንና ተዓቢጡ ድማ ተሪፉ።

ሕቶ - ናብ ካልኦት ኣባላት መሪሕነት ወይ ናብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዕዮ፡ ኢብራሂም መሐመድ ዓሊ፡ ከተቕርቦ ዘይመምረጺኻ ምኽንያት እንታይ ኒዩ?
መልሲ - ከምቲ ደጋጊመ ዝገለጽኩዎ እቲ ጉዳይ ቀሊል ጉዳይ አይኮነን፡ ሐደገኛ ስለ ዝኾነ ክቃላዕ አይደለኹን። ካልአይ ድማ ንመላእ ውድብ ዝምልከት ስለ ዝኾነ ናብ ሰልፊ ከቕርቦ አይተራእየንን። በዚ ምኽንያት ነቦ መንበር ውድብ ጥራይ ሐቢረ።

ኣብ 9ይ ክፋል ይቕጽል...

ካልእ ክፋላት ኣብዚ ታሕተዋይ ጠውቑ፡-

• 7ይ ክፋል፡ ስምምዕ ጥቅምቲ፣ ቀዳማይ ዑደት ልኡኽ ተ ሓ ኤ ንሶቭየት ሕብረት

• 8ይ ክፋል፡ ዘተ ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምብራቕ ጀርመን፡ ከምኡውን ንህግ ምእላይ ዝቐረበ ሓሳብ


Salam Media Production: 3 Mar 2023 - A journey through the Eritrean history with freedom fighter Abdullah Suliman | Episode 7
رحلة في الذاكرة الاريترية مع المناضل عبدالله سليمان | الحلقة السابعة




See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: