This free script provided by
JavaScript Kit
26/10/2020 23:52 PM
ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል፡ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ሎሚ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ሎንዶን ዓሪፉ።
ብርሃነ፡ ነባር ጋዜጠኛ (Sudan Now)፡ ገባር ሰናይን፡ ደላይ ስኒትን ፍትሒን፡ ኣዝዩ ፍቱውን ምቕሉልን ሓው ኢዩ ነይሩ። ንስኒትን ሓድነትን ዝነበሮ ባህጊን ሕልሚን፡ ክሳብ መወዳእታ ዕለቱ፡ ምስ ከምኡ ብጾቱ ኾይኑ፡ ብዙሕ ጻዕሪ ምግባሩ ይፍለጥ። ከም ውጽኢት ናይዚ ጻዕሪ`ዚ ድማ፡ ኣብዚ ዓመት`ዚ፡ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ዘሐጉሰ ምቅርራብን ምውህሃድን ፖለቲካዊያን ውድባት ኤርትራ ርኢና። ኣብ ናይ መራኸቢ ብዙሓንና ይኹን ሲቪካዊ ማሕበራትና፡ ተማሳሳሊ ድሌትን ሕልሚን ከምዝነበሮ፡ ካብ ዕላላቱ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ኢዩ። ወዲ ሰብ፡ ኣብዛ ዓለም ነባሪ ኣይኮነን፡ ነባሪ ታሪኽ ሰሪሑ ግን ብስርሑ እናተዘከረ ይነብር። ኩሉ ንሱ ዝጀመሮ ትልሚ ናይ ሓድነትን ሰላምን፡ በቶም ምስኡ ዝተዋስኡ ሃገራዊያን፡ ኣብ ዕዉት መፈጸምታኡ ከምዝበጽሕ ብምግባር፡ ንነፍስሔር ሓውና ብርሃነ ወልደገብሪኤል፡ ዘሎና ናይ ሕልና ክብሪ ክንገልጸሉ ምዃንና፡ ዘሎኒ ትምኒት ወሰን የብሉን።
ብርሃነ፡ ብሰላም ዕረፍ። ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበልካ።
ንመላእ ቤተሰብን ፈተውቲን ድማ፡ ጽንዓት ይሃብ።
ዮውሃንስ ጸጋይ (ስኒትና.ኮም)
October 26, 2020
ክቡር ተቓላሳይን ጋዜጠኛን ብርሃነ ወልደገብርኤል SUDAN NOW ትማሊ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2020 ዓሪፉ (AAN Media 27-Oct-2020)
See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-
• ናይ ሓዘን መልእኽቲ ንስድራቤት ነፍስሔር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ካብ ዮውሃንስ ጸጋይ (መርበብ ሓበሬታ ስኒትና)
• ገዲም ጋዜጠኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራዊ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ዓሪፉ (BBC ትግርኛ 27-Oct-2020)
• Obituary: Berhane Woldegabriel: A noble universal human being (Hedgait 27-Oct-2020)
• ክቡር ተቓላሳይን ጋዜጠኛን ብርሃነ ወልደገብርኤል SUDAN NOW ትማሊ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2020 ዓሪፉ (AAN Media 27-Oct-2020)
• A Message of Condolence, From GI – Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots Movement
• ናይ ሓዘን መልእኽቲ ንስድራቤት ነፍስሔር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ካብ ወ/ሮ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ባዓታይ
• ቃል መሪር ሓዘን ብምኽንያት ዕርፍቲ ሃገራዊ ጋዜጠኛ ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን ናው)፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ 30 ጥቅምቲ 2020
• መልቀስ፡ ድሓን ኩን!! መምህር ብርሃነ ወልደገብሪኤል። ብ`ሃይለ ገብረ ትንሳኤ ዘብሄር ሰራየ!!! ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና፡