ነባር ጋዜጠኛ፡ ገባር ሰናይን ደላይ ፍትሒን፡ ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል፡ ዓሪፉ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

26/10/2020 23:52 PM

ነባር ጋዜጠኛ፡ ገባር ሰናይን ደላይ ፍትሒን፡
ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል፡
ብዝሓደሮ ሕማም፡ ሎሚ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2020፡
ኣብ ሎንዶን ዓሪፉ።

ብርሃነ፡ ብሰላም ዕረፍ። ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበልካ

ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል፡ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ሎሚ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ሎንዶን ዓሪፉ።

ብርሃነ፡ ነባር ጋዜጠኛ (Sudan Now)፡ ገባር ሰናይን፡ ደላይ ስኒትን ፍትሒን፡ ኣዝዩ ፍቱውን ምቕሉልን ሓው ኢዩ ነይሩ። ንስኒትን ሓድነትን ዝነበሮ ባህጊን ሕልሚን፡ ክሳብ መወዳእታ ዕለቱ፡ ምስ ከምኡ ብጾቱ ኾይኑ፡ ብዙሕ ጻዕሪ ምግባሩ ይፍለጥ። ከም ውጽኢት ናይዚ ጻዕሪ`ዚ ድማ፡ ኣብዚ ዓመት`ዚ፡ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ዘሐጉሰ ምቅርራብን ምውህሃድን ፖለቲካዊያን ውድባት ኤርትራ ርኢና። ኣብ ናይ መራኸቢ ብዙሓንና ይኹን ሲቪካዊ ማሕበራትና፡ ተማሳሳሊ ድሌትን ሕልሚን ከምዝነበሮ፡ ካብ ዕላላቱ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ኢዩ። ወዲ ሰብ፡ ኣብዛ ዓለም ነባሪ ኣይኮነን፡ ነባሪ ታሪኽ ሰሪሑ ግን ብስርሑ እናተዘከረ ይነብር። ኩሉ ንሱ ዝጀመሮ ትልሚ ናይ ሓድነትን ሰላምን፡ በቶም ምስኡ ዝተዋስኡ ሃገራዊያን፡ ኣብ ዕዉት መፈጸምታኡ ከምዝበጽሕ ብምግባር፡ ንነፍስሔር ሓውና ብርሃነ ወልደገብሪኤል፡ ዘሎና ናይ ሕልና ክብሪ ክንገልጸሉ ምዃንና፡ ዘሎኒ ትምኒት ወሰን የብሉን።

ብርሃነ፡ ብሰላም ዕረፍ። ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበልካ።

ንመላእ ቤተሰብን ፈተውቲን ድማ፡ ጽንዓት ይሃብ።

ዮውሃንስ ጸጋይ (ስኒትና.ኮም)
October 26, 2020


ክቡር ተቓላሳይን ጋዜጠኛን ብርሃነ ወልደገብርኤል SUDAN NOW ትማሊ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2020 ዓሪፉ (AAN Media 27-Oct-2020)

ዝርርብ ምስ ነብሲሄር ነባር ጋዜጠኛ፡ ኣክቲቪስት ዕርቅን ስኒትን ብርሃነ ወ/ገብሪኤል - ሓምለ 2017 ዝተኻየደ (መዘኻኸሪ ንገለ ካብ ኣበርክቶኡ) (ATV: 27-Oct-2020)



Share with friends:

See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ናይ ሓዘን መልእኽቲ ንስድራቤት ነፍስሔር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ካብ ዮውሃንስ ጸጋይ (መርበብ ሓበሬታ ስኒትና)

ገዲም ጋዜጠኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራዊ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ዓሪፉ (BBC ትግርኛ 27-Oct-2020)

Obituary: Berhane Woldegabriel: A noble universal human being (Hedgait 27-Oct-2020)

ክቡር ተቓላሳይን ጋዜጠኛን ብርሃነ ወልደገብርኤል SUDAN NOW ትማሊ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2020 ዓሪፉ (AAN Media 27-Oct-2020)

ዝርርብ ምስ ነብሲሄር ነባር ጋዜጠኛ፡ ኣክቲቪስት ዕርቅን ስኒትን ብርሃነ ወ/ገብሪኤል - ሓምለ 2017 ዝተኻየደ (መዘኻኸሪ ንገለ ካብ ኣበርክቶኡ) (ATV: 27-Oct-2020)

A Message of Condolence, From GI – Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots Movement

ናይ ሓዘን መልእኽቲ ንስድራቤት ነፍስሔር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ካብ ወ/ሮ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ባዓታይ

ቃል መሪር ሓዘን ብምኽንያት ዕርፍቲ ሃገራዊ ጋዜጠኛ ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን ናው)፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ 30 ጥቅምቲ 2020

መልቀስ፡ ድሓን ኩን!! መምህር ብርሃነ ወልደገብሪኤል። ብ`ሃይለ ገብረ ትንሳኤ ዘብሄር ሰራየ!!! ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና፡


See also recent Articles by By Haile-G-Tensae / ካልእ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ`ኣቶ ዮውሃንስ ጸጋይ


Share with friends: