snitna.com

22/01/2017 14:30 PM

ኩልኻ ኤርትራዊ - ተላዓል ንመሰልካ!

All Eritrean!

Stand up for your rights!

ኤርትራዊ - ተላዓል ንመሰልካ

ብቐዳምነት ን’Asmarino.com (ኣዝማሪኖ.ኮም)፡ ነዚ ኩሉ ኤርትራዊ ክፈልጦ ዝግባእ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት (Universal Declaration of Human Rights): ብቪድዮ መልክዕ ንህዝብና ከቕርቡሉ ምኽኣሎም ክብ ዝበለ ምስጋና ይግብኦም። ከምኡ'ውን ንኹሎም ኣብ ምፍራይ ናይዚ ቪድዮ'ዚ ዝተሓባበሩን ዝተሳተፉን። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ነዚ ቪድዮ'ዚ ደጋጊሙ ክሰምዖ፡ ምስ ህሉው ኩነታት ሃገርና ኣገናዚቡ ድማ ክጥምቶን፡ ካብዚ ተበጊሱ ኸኣ ብቕኑዕ ሕልና ምእንቲ ህዝቡ ክሰርሕን ይግባእ።

እዚ መሰል'ዚ፡ ሓደ ሰብ ፈትዩ ዝተዅቦ ዘይኮነስ፡ ባህሪያዊ ኣድማሳዊ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ክህሉ ዘለዎ ንቡር መሰል ደቂ-ሰባት ኢዩ። እዚ መሰላት'ዚ፡ ንኹሉ ሰብ፡ ክንፈጎ ዘይግባእ ባህሪያዊ መሰል ደቂ-ሰብ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት፡ ወይ ብዝኾነ ይኹን ምስምስ ድማ ክጉዕጸጽ ኣይግባእን። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ኣብ መጋባእያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ’1948 ብኣዋጅ መልክዕ ተደንጊጉ፡ ኩላተን መንግስታት ድማ ነዚ ኣዋጅ'ዚ ከተግብራኦ ሓላፍነት የሰክመን። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ መሰልን ድሕነትን ደቂ-ሰባት፡ ኣብ ሓደጋ ምስዝወድቕ ድማ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ብመሰረት አዚ ኣዋጅ'ዚ፡ ድሕነትን መሰልን ደቂ-ሰባት ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓለም ኣሻርያትና ኢያ፡ ምስተን ናይ ሽዑ ርእሰ-ሓያላን ወጊና።

ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ መሰላት'ዚ ብገዛእቲ ሓይልታት ስለዝተመንዝዐ ኢዩ እምበኣር፡ ን'30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኣልዒሉ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ብሉጻት ጀጋኑ ኸፊሉ፡ ናጽነቱ ዘውሓሰ። ሓርነቱ ግን ከምቲ ባህጉ ክዕወተሉ ኣይከኣለን። ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ-ዘመን (26 ዓመታት)፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓርነቱ ተጨፍሊቑ፡ ናብ ዝኸፍአ ጭቆና፡ ስደትን ህልቂትን ተደቕዲቑ ይርከብ። ህላወን መንነትን ኤርትራን ኤርትራውነትን ድማ ኣብ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት ወዲቑ ይርከብ ኣሎ። ህዝባ፡ ብኣሰንባዲ ናህሪ እናተዘቈ ናብ ስደት ዝውሕዝ ሃገር ኢና ሒዝና ንተርፍ ዘሎና። ህዝባ ዝተጓሕጉሐ ሃገር'ከ፡ ሃገር ናይ መን ኢያ ክትከውን ጽባሕ?

ኩልኻ ኤርትራዊ! ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ!

ከምኡ'ውን ውድባትን ማሕበራትን ኤርትራውያን!

ኣብ ሓድሕድና ኣባትር ምውጥዋጥ ይጽናሓልና። ሃገርና ንምድሓን ንጓየ። ነታ ትንፋሳ ክትዓርብ ትልኽ ትብል ዘላ ሃገርና ንምድሓን፡ ንኹሉ ዝጸንሐ ፍልልያትና፡ ብመንፈስ ናይ ዕርቂ ኣወጊድና፡ ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ክንሰምር ኣሎና። እዚ ተኽእሎ'ዚ ነባሪ ኣይኮነን። ህጹጽ ውሳኔን ስጉምቲን ዝሓትት ድማ ኢዩ። ስምረት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ፡- ተጋዳላይ፡ መንእሰይ፡ ዝተወደበን ዘይተወደበን፡ ኩሉ ደላይ ለውጢን ፍትሒን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ደገን ዘሎ ኤርትራዊ ይሓትት። በብዘሎናዮ፡ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፍና፡ ብሃገራዊ ጉዳይና ንዛተ።

ኣድማሳዊ መሰላት ዝተሓረመና፡ ንቡር ባህሪያዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላትና ዝተነፈግናን ህዝቢ ስለዝኾንና፡ ሓርነትና ንምርግጋጽ ክንለዓልን ክንቃለስን ሕጋዊ መሰል ኣሎና።

ዓወት ንኹሉ ፍትሒ ንምንጋስ ዝሰርሕ ኤርትራዊ!

ዓመት ሰላም፡ ፍትሒን ራህዋን ይግበረልና!

ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን) 22/01/2017



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-