ስድራቤት ሚራባል

06/03/2018 20:28 PM

ስድራቤት ሚራባል

(ተርጓሚት ናብ ትግርኛ፡- ዘውዲ ተስፋማሪያም፡ ብድምጺ ኣንባቢት፡- እልልታ ብርሃነ)



ስድራቤት ሚራባል
(ተርጓሚት ናብ ትግርኛ፡- ዘውዲ ተስፋማሪያም፡ ብድምጺ ኣንባቢት፡- እልልታ ብርሃነ)

ስድራቤት ሚራባል

ኣብ ዶመኒካን ረፑብሊክ ሓደ ኤንሪኮ ሚራባል ፌርናንደዝ ዝብሃል ማእከላይ መነባብሮ ዝነበሮ ሰብ ምስ በዓልቲቤቱን ምስ ኣርባዕተ ኣዋልድ ደቁን ይነብር ነበረ። እታ በዅሪ ጓሉ ፓትሪያ ኣብ 1924 ክትውለድ ከላ፡ ካልአይቲ ኣዴላ፡ ሳልሰይቲ ሚኔርቫ እታ ሕሳስልደ ድማ ማርያ ተሬዛ ይብሃላ ነበራ። እዘን ኣርባዕተ ኣሕዋት ርኹባትን ፈቃራትን ስድራ ስለ ዝነበሩወን ኣብ ሓደ ጽቡቕ ናይ ካቶሊክ ቤትምህርቲ ክመሃራ ዕድል ረኺበን። ብትምህርተን ኣመና ንፉዓት መልክዐን’ውን ውቁባት ነይረን። ሽዑ አብ ዶመኒካን ረፑቡሊክ ራፋኤል ሌዮኒታስ ትሩሲሆ ኣብ 1930 ንክልተ እብረ ፕረሲደንት ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ 1952 ቅዋም ብምጥሓስ ንዕድመኡ ምሉእ ፕረሲደንት ከም ዝኾነ ኣወጀ። እዚ (ኤል ሴፈ) ወይ ድማ እቲ ሓለቓ ኢሉ ንርእሱ ዘጠመቐ ውልቀመላኺ እምብዛ ርጉም፡ ዓመጸኛን ህልኸኛን ኮይኑ ኣዝዩ ግፍዐኛ ሰብ’ዩ ነይሩ። ንህዝቢ ናይታ ሃገር ድማ በቲ ጨካን ምሕደራኡ ፈጥፈጥ ኣበሎ። ንተቓወምቱ ክኣስርን ክቐትልን ከሎ፡ ንዘስግኡዎ በብሓደ ኣብ ርእሲ ምሕቃቕ፡ ብኣባላት ጸጥታኡ ንምሉእ ህዝቢ አርዓዶ። ኣብ ግዜ ምሕደራ ኤል ሴፈ እተን ኣርባዕተ ደቂ ሚራቫል ንኣሽቱ እየን ነይረን። እታ ሳልሰይቲ ሚኔርቫ ጓል 15 ዓመት ምስ ኣኸለት ነቦአ ትምህርታ ክትቅጽል ለመነቶ። ኣብቲ እዋን’ቲ ደቂአንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ልዑል ግስጋሰ ከርእያ ዘተባባዕ ሃዋህዉ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ወላዲኣ ንሕቶኣ ብሕጕስ መንፈስ ተቐቢሉ ትምህርታ ክትቅጽል ኣፍቀደላ።

ሚኔርቫ ትምህርታ ምስ ቀጸለት ብዛዕባ ኵነታት ሃገራ ከተስተውዕል ጀመረት። ፖለቲካ ናይ ሃገራ ክርድኣን ከተሓሳስባን ድማ ጀመረ። ብፍላይ እቲ ብማዕከናት ዜና ወጻኢ ብዛዕባ ኣብ ሃገራ ዘሎ ስርዓት ዝፍኖ ዝነበረ ዜና ይኹን መግለጺ ኣብ ኣእምሮኣ ብዙሕ ሕቶታት አበገሰ። እተን ሬድዮታት “ዲክታተር፡ ውልቀመላኺ፡ ሕጊ አልቦ . . .” ዝብል መግለጽታት’የን ዝህባ ነይረን። አብቲ ሃገር ሰፊኑ ዝነበረ ስርዓት ነቲ ሕብረተሰብ ብምሉኡ ስለ ዝተቘጻጸሮ፡ ናይ ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ምእካብ መሰላት ኣይነበረን። ብሓጺሩ እቲ ህዝቢ ተዓፊኑ እዩ ዝነብር ነይሩ። እዘን ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ዘቃልሖኦ ዝነበራ ፈነወ ንሚኔርቫን መማህርታን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵነታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ምዃኑ ክበርሃለን ጀመረ። ሽዑ እያ ድማ ሚኔርቫ ሕጊ ክትመሃር ዝወሰነት። ልክዕ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ሓደ ፔሪክሌስ ፍራንኮ ዝተባህለ ከምኣ ብዛዕባ ሃገሩ ዝግደስ፡ ኣብ ሳንቶ ዶሚንጎ ዘሎ ግፍዐኛ ስርዓት ክእለ ኣለዎ ዝብል፡ ተስፋ ዘሎዎ መንእሰይ ተላለየት። ካብዚ ዝተበገሰ ፍራንኮ ድሮ ብኣባላት ጸጥታ ኤል ሴፈ ክእሰርን ክፍታሕን ጀሚሩ’ሎ። እዚ ነገር’ዚ ንባዕሉ ንሚኔርቫ ናይ ቃልሲ መንፈሳ ከለዓዕሎ ጀሚሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነሕዋታ’ውን ብፖለቲካ ሃገረን ከም ዝጽለዋ ገይሩወን። ንውልቀ መላኺ ኤል ሴፌ ድማ ከም ሓደ ደመኛ ጸላኢአን ቈጸሮኦ። ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ኤል ሴፈ ነታ ስድራቤት ብምልእታ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ተላእከላ። ሽዑ እተን ኣሕዋት መልኣከ ሞት ዝጽውዐን ዘሎ ኮይኑ ተሰምዐን። እቲ ዕድመ ኣብ አደራሽ ቤተመንግስቲ እዩ ነይሩ። እቶም ወለዲ አማራጺ ስለ ዘይነበሮም ነቲ ዕድመ ክቕበሉዎ ነይሩዎም። ዕላማ ናይ ኤል ሴፈ ንጎራዙ ናይቲ ሃገር ዓዲሙ ባህ ዝበለቶ ንምራጽ’ዩ ነይሩ።

ኣብቲ ዕድመ ምስ ዝተረኽባ ቈናጁ ከዕልልን ቀመጽመጽ ክብልን ድማ ኣምሰየ። ሓንሳብ ምስ ሓንቲ ጸኒሑ ምስ ሓንቲ ካልእ ከዕልልን ክተናኸፍን ድሕሪ ምምሳይ ናይ መወዳእታ ምርጫኡ ሚኔርቫ ኮነት። ንሚኔርቫ ክምስጣ ስለ ዝደለየ፡ “ነፋሪተይ ከርእየኪ ትደልዪዶ?” ክብል ምስ ተወከሳ፡ “ደሓን የቐንየለይ፡” ክትብል መለሰትሉ። ቀዳመይቲ ናይ ዕድመ ምሸት ብሰላም ተዛዚማ እታ ስድራ ብሰላም ኣብ መንበሪ ገዛኣ በጽሐት። ናይ ካልአይ መዓልቲ ናብ ሚኔርቫ ጥራይ ዝተላእከ ደብዳቤ ግን ዕድመ ዘይኮነስ ትእዛዝ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ሚኔርቫ ናብ ቤተመንግስቲ ዘይኮነ ናብቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ ናይ ኤል ሴፈ ውልቃዊ መናፈሻ ክትመጽእ ዝጠልብ ነይሩ። ሚኔርቫ ብሕርቃን በግ ኢላ፡ “ኣይከይድን’የ” በለት። አቦአ ግን “እዛ ጓለይ፡ እዚ ርዅስ ሰብኣይ ነገር ከየምጽአልና እንተ ኸድኪ ይሓይሽ” በላ። ወላዲታ ድማ “በቃ ደሓን፡ አነን አቦኽን ምሳኺ ክንከይድ ኢና ኣጆኺ፡” ኢላ ምስ ኣተባብዓታ ግን ቃል ወለዳ ክተኽብር ከይፈተወት ሕራይ በለት። ተተሓሒዞም ድማ ናብቲ ዝተባህሉዎ ዕድመ ተበገሱ። ኤል ሴፈ ነቶም ኣጋይሽ “እንቋዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል ንሚኔርቫ ብኢዳ ሒዙ መሪሑዋ ንውሽጢ ቀጸለ። ሚኔርቫ ነቲ ኣብ መንደቕ ተሰቒሉ ዝነበረ፡ ኤል ሴፈ ዓቢ ጠበንጃ ሒዙ እናሃደነ ከሎ ዘርኢ ዓቢ ስእሊ ትርኢ ነበረት። ኤል ሴፈ ብድሕሪአ ጽግዕ ኢሉ፡ “ገዚፍ መሳርሒ ትፈትዊ ኢኺ” በላ። ሕርቃና ጥርዚ በጺሑ ኣዒንታ በርበረ መሰላ። ድምብርጽ ከይበላ፡ “ሰላም ዘይትህበና! ግደፈና’ስኪ! እንታይ ዝገበርና ሰባት ኢና?” ኸኣ በለቶ ብዓውታ። ነዚ ዝተዓዘቡ አቦን አደን ብራዕዲ ተዋሕጡ። ካልእ ዘረባ ከይወሰኸት ከላ ብኢዳ እናወጠጡ፡ “አኽቢርኩም ዝዓደምኩምና ነመስግን . . .፡” ኢሎም ዘረባኦም ምስ ጀመሩ፡ ሚኔርቫ፡ “ግደፋኒ፡ አይወዳእኩን ዘለኹ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ተኣሲሩ ንዘሎ ኣፍቃሪየይ ፔሪክለስ ፍራንኮ ክትፈትሖ ኣለካ፡” በለቶ ብትብዓት። እቲ ዕድመ ብግቡእ ከይተዛዘመ ድማ ሚኔርቫ ምስ ወለዳ ብሰላም ገዛኦም በጽሑ። ኣሕዋታ ንኤል ሴፈ ዝበለቶ ምስ ሰምዓ ክድግፋኣ ከለዋ፡ ኤል ሴፈ ግን ኣይደቀሰላን።

ድሕሪ ገለ መዓልታት ሕነኡ መታን ክፈዲ ነቦ ሚኔርቫ ኣሰሮ። እታ ስድራቤት ብምልእታ ሽዑ እያ ምሉእ ብምሉእ ኣንጻር ኤል ሴፈ ዝተስአት። ኩላተን ኣሕዋት ብመትከል ኣንጻር ኤል ሴፈ ደው በላ። ናይ ሚኔርቫ ድፍረትን ንዕቀትን ዝገረሞ ኤል ሴፈ፡ “ክርእያ እየ!” ኢሉ ብምፍካር አብ ብርቱዕ ህልኽ አተወ። ናይ አቦኣ ምእሳር ጥራይ ስለ ዘየዕገቦ ድማ ንሚኔርቫን ንመሓዙታን’ውን ኣብ ቀይዲ ኣእተወን። መርመርታ፡ “ምስ ማሕበርነታዊ ሰልፊ (ሶሳሊስት ሰልፊ) እንታይ ርክብ ኣሎኪ?” እናበሉ ብዛዕባ መስራቲ ሰልፊ ዝነበረ ኣፍቃሪኣ ፍራንኮ ብምሕታት ኢሰብኣዊ መርመራ ኣካየዱላ። “ንኤል ሴፈ ናይ ጣዕሳ ፎርም እንተ መሊእኪ ናጻ ክንሰደኪ ኢና፡” ብምባል’ውን ከታልሉዋ ፈቲኖም። ብፍላይ ብዛዕባ መስራቲ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝነበረ ፍራንኮ ደጋጊሞም ሓቲቶማ። ንሳ ግን “እንታይ ገደሰኩም? ምስ ዝደለኹዎ ሰብ ክራኸብ ወይ ክመሓዞ መሰለይ እዩ፡” ኢላ ኣቕበጸቶም። ኣብ መወዳእታ ቀቢጾም ምስ ፈነዉዋ ዳግማይ ኣብ ትምህርታ ተመልሰት። ሽዑ እዋን እያ ድማ ማኖሎ ምስ ዝብሃል መንእሰይ ብምልላይ ብዙሕ ከይደንጐየት ዝተመርዓወቶ። ማኖሎ ካብኣ ብዘይፍለ ጸረ ምልካዊ ምሕደራ ኤል ሴፈ ኮነ። ማኖሎ ንሚኔርቫን ንቓልስን ብማዕረ ቃልኪዳን ኣትዩሎም። እተን ክልተ ኣሕዋት ሚኔርቫ ብወገነን ተቓወምቲ ምልካዊ ምሕደራ ስለ ዝነበራ እታ ስድራቤት ብምልእታ ናብ ደጀን ሰውራ ተቐየረት። ሚኔርቫ ናይ ትምህርታ መዛዘሚ ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባትን አድላይነት ለውጢ ኣብ ምሕደራ መንግስቲ (ለውጢ ናይ ዘሎ ስርዓት) ዝብል’ዩ ነይሩ።

ኣብ 1957 ሚኔርቫ ኣብ ሃገራ፡ ናይ መጀመርያ ብሕጊ ናይ ዶክተርነት መዓርግ ዝረኸበት ጓልኣንስተይቲ ክትከውን በቕዐት። ኣብ ግዜ ምምራቓ ካብ ኢድ ኤል ሴፈ ምስክርነታ ክትቅበል ከላ፡ “እንቋዕ ሓጐሰኪ” ክብል ሓጪጩላ። አስዒቡ “ሓንቲ ነገር ክርደአኪ፡ አነ ብህይወተይ ክሳዕ ዘለኹ ፍቓድ ረኺበ ብሞያይ ክሰርሕ’የ ኢልኪ ከይትሓልሚ። ጕዳይኪ ባዕለይ ክከታተሎ ምዃነይ ፍለጢ” ዝብል ቃላት ኣስምዓ። አብቲ እዋን’ቲ አብ ላቲን አሜሪካ ብርክት ዝበሉ በዓል ባቲስታ ናይ ክዩባ ዝርከቡዎም ውልቀ መለኽቲ ካብ ስልጣን ክእለዩ ጀሚሮም ነይሮም። ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ሳንቶ ዶሚንጎን ዓቢ ተስፋ ዘሕደሩሉ ወቕቲ’ዩ ነይሩ። በዓል ሚኔርቫን መቓልስታን ድማ ደገፍ ናይ ተቓለስቲ ክዩባ ክረኽቡ ሃንቀው በሉ። ንመንግስቲ ኤል ሴፈ ንምእላይ ብዕለት 14 ሰነ ምንቅስቓስ 14 ሰነ ዝብል ስም ዝሓዘ ሰልፊ ተመስሪሩ ለውጢ ከምጽእ ተበገሰ። ሚኔርቫ ምስ ብጾታ’ውን ተጸንበረቶ። ንሳን ክልተ ኣሕዋታን ድማ ጽምብላሊዕ ዝብል ምስጢራዊ መጸውዒ ተዋህበን። እቶም ኣባላት ምስጢራዊ ውድብ ናይቲ ሰልፊ ኵሉ ጊዜ’ዮም ዝእሰሩን ዝፍትሑን ነይሮም። ሚኔርቫን ኣሕዋታን ምስ ሰብኡተን ዝበዝሐ ግዜኦም አብ ኣብያተ ማእሰርቲ እየን ዝሕልፎኦ ነይረን።ሚኔርቫ ምስ ክልተ ኣሕዋታ አብ ካራንታ ዝብሃል ውሩይ፡ ዝኸፈአን ዝጸንዐን ቤትማእሰርቲ ብመግረፍቲ ተሳቕየን። ካብዚ ዝተበገሰ እዘን ሰለስተ ኣሕዋት ብህዝቢ ተፈላጥነት ክረኽባ ጀመራ። ብፍላይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓገብ ክትብል ብምጅማር ደገፋ ለገሰትለን። ድሕር’ዚ ኣህጉራዊ አቓልቦ ክረኽባን ተፈላጥነተን ክዓዝዝን ምስ ጀመረ፡ ጸቕጢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝበርትዖ ኤል ሴፈ ክሲ ክምስርተለን ተገደደ። ስለዚ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣስጋእቲ እየን፡ ክድዓት ፈጺመን ብዝብል ክሲ ንሓሙሽተ ዓመታት ከም ዝፍረዳ ገበረ። ንሳተን ፍርደን ወዲኤን ከወጽኣ ከለዋ፡ ሰብኡተን ግን አብ ቤትማእሰርቲ ከም ዝጸንሑ ተገይሩ። ህዝቢ ሳንቶ ዶሚንጎ ነዘን ተቓለስቲ ኣሕዋት ከም ምልክት ተስፋ ናይ ናጽነት ክስእለንን ከለልየንን ጀመረ። እዚ ድማ ንኤል ሴፈ ብሓቂ ዝስግእ ጕዳይ ነይሩ። ሚኔርቫን ኣሕዋታን፡ ናይ ህዝቢ ደገፍ ምርካበን ንኤል ሴፈ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረሉ ስለ ዝፈለጣ ብመጠኑ ስክፍታ ሓደረን። ኣብዚ ዝጥቀስ ዘሎ እዋን ንተቓወምቲ ብሓደጋ መኪና ዝተሃርሙ ኣምሲልካ ምቕንጻልን ምጭዋይን ገኒኑ ስለ ዝነበረ ክጥንቀቓ ግድነት ኮነን። ካብታ ዝፈረሖኦ አይወጽኣን ዕለት 25 ሕዳር 1960 ንሰብኡተን ክበጽሓ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸዳ ከለዋ ተጸናጺኖም፡ አብ ጽምዋ መንገዲ ክጽበዩወን ድሕሪ ምጽናሕ ብሓንቲ መኪና ዓገቱወን። ንሰለስቲአን ብጎዘሞ ጨፍጪፎም ብምቕታል ድማ አብ መኪናአን ኣእትዮም ንገደል አጽዲፎም ቀተሉወን። ኤል ሴፈ ኣቐዲሙ ከም ዝተገልጸ፡ “ካብ ቤተመንግስቲ ብቃሬዛ’ምበር ህይወት ኣይወጽእን’የ፡ ካብ ስልጣነይ ዘውርደኒ የሎን፡” እናበለ ይፍክር ስለ ዝነበረ፡ መዓልቱ ይቃረብ ከም ዘሎ ዝፈለጠ ይመስል ነይሩ። ካብ ዝፈርሖ ኣይወጽአን
ዕለት 30 ግንቦት 1961 ንኤል ሴፈ ሒዛ ዝነበረት መኪና ብዕጡቓት ምስ ተዓግተት ካብ ስሳ ጥይት ንላዕሊ ተተኵሱዋ መንፊት ኮነት። ኤል ሴፈ ድማ ብኡንብኡ ሞተ። ኤል ሴፈ ብድምር ኣብ ናይ ሰላሳን ሓደን ዓመት ናይ ስልጣን ዕድመኡ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ንጹሃት ዜጋታት ቀንጺሉ። ድሕሪ ሞቱ ግን ህዝቢ ዶመኒካን ረፑብሊክ ካብ ናይ ሰላሳ ዓመታት ናይ ጸልማት ዘመን ተገላጊሉ። እቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጀጋኑ ሓርበኛታት ተባህሉን ተሸለሙን። ኣብ ልዕሊ’ዘን ሰለስተ ተቓለስቲ ኣሕዋት ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ግፍዒ ንኸይርሳዕን ከይድገምን ተባሂሉ፡ 25 ሕዳር 1960 ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ንዝተፈጸመ ግፍዒ ብደረጃ ዓለም ዝዝክረላ መዓልቲ ኮይና ክትውዕል ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወሲኑ። ኣብ ዶመኒካን ረፑብሊክ ድማ እዘን ሰለስተ ኣሕዋት ዝተወልዳላ ኣውራጃ፡ ብስመን ማለት ሄርማናስ ሚራባል ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ። ንክብሪ ናይዘን ሰለስተ ኣሕዋት ተባሂሉ፡ ዝፍለጣሉ ዝነበራ ምስጢራዊ መጸውዒ ሮዛ ጽምብላሊዕን ናይ ሰለስቲአን ስእልን አብ ናይቲ ሃገር ገንዘብ 200 ፔዞ ገንዘብ ከም ዝሕተም ተገይሩ።

ደራሲት

( Pénélope Bagieu ፔኖሎፕ ባጂዎ )
ምንጪ ካብ 'Les culottées' ሰብ ስረ ወይ ሰብ ዝና ማለት እዩ፡ ዘርእስታ ናይ ፈረንሳይ መጽሓፍ፡
ብ ዘውዲ ተስፋማሪያም፡ ጥሪ 2018 ዝተተርጎመ።

ኣንባቢት፥-

እልልታ ብርሃነ

ምስጋና፥-

- ነዛ ንእሽቶይ ዛንታ ክትርጉማ ብሞራልን ብሓሳብን፡ ዘተባባዕኩምኒ፡ ምስጋናይ ይብጻሕኩም።
- ጽሑፈይ ተነባቢ ንክኸውን ተገዲስካ እርማትን ደገፍን ዝገበርካለይ፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ተመልሶ፡ ኣዝየ አመስግነካ።
- ነዛ ሓጻር ዛንታ፡ ንክትንበብን ናብ ሰማዕቲ ንኽትበጽሕን ዝተሓባበርኩምኒ፡ ምስጋናይ ልዑል ኢዩ።


ስድራቤት-ሚራባል (ብዘውዲ-ተስፋማሪያም) 2018-03-06


Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Network of Eritrean Women [NEW] Symposium 2014



Share with friends: