snitna.com

21/01/2017 00:01 AM

ንጉሰ ነገስት ሰማእታት!

ወዲ ዓሊ


ንጉሰ ነገስት፡ ኴንካ ናይ ሰማእታት
መሰል ህዝቢ፡ ኪትመልስ ክብርታት
ንሓርነት ነቒልካ፡ ዓጢቕካ ታንክታት
ፍትሕን ደሞክራስን ኣዊጅካ ንሰዓታት
ፍርዶም ከይሃብካዮም ንብዓል ጽኪታት
ጅግና ተጠሊምካ ተቐይሩ ኩነታት!

ኣንታ ወዲ ዓሊ ጎብለል ናይ ሓርነት
እተን ታንክታትካ ጎመአን ሰንሰለት
ህዝቢ ከየድሕና ካብ ድሑር ጊላነት
ምዕራፍ ከይዛዘማ መጽሓፍ ናይ ምልክነት
ብርዒ ተሰይሩወን ከሲርና ብኡነት!

ንኣይ ይጥዓመኒ ፍጹም እንከይበልካ
ንህዝብን ሃገርን ከም ዚተቓለስካ
ብድርብ መስዋእቲ ስለ ዘመስከርካ
ሃምበል ወዲ ዓሊ ስኑድ'ዩ ታሪኽካ!

እቶም እናለኽበጡ ግን ብጸላም ዚተሾሙ
ኣይርድኡሉን'ዮም ንህዝቢ ጸገሙ
ኣብ ጥምየት ከይሓጊ ኣብ ጥምየት ከሪሙ
ሰርቦም ኣየማዕዱ ኣርዑት ተስኪሙ!

ኤርትራ ህዝብኺ!

እንትርፎ ሓርነት ነብስኻ ምውናን
ኤርትራ ህዝብኺ ካልእ ኣይሓተትናን
ከምዘይከስከስናልኪ ደምናን ኣዕጽምትናን
ብስምኪ ኪፍጸም ስቓይናን ጥፍኣትናን
ንምንታይ ፈቒድኪ *ዘለማን ጭቆናን? *ዓመጽን፡ መርገጽትን

ኣታ ሓወይ!

ክልቴና ኣሕዋት እንተንተኣማመን
ኣይምተነኸስናን ብመንደላይ ተመን
መለሳ ዘይብሉ'ወ ልዕሊ ርብዒ ዘመን
ወላድ መኻን ኮይኑ ህዝቢ ኣይምዘኽተመን!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 21/01/2017

Share with friends:


 

 

Share with friends: