Placeholder Picture
Placeholder Picture
Biographies of prominent Eritreans, books published, by Emnetu Tesfay.

27/03/2024 12:39 PM updated

Biographies of prominent Eritreans, books published,
by Emnetu Tesfay
ታሪኽ ህይወት ናይ ልሉያት ኤርትራውያን ዝሓዛ መጻሕፍቲ፡
ብኣቶ እምነቱ ተስፋይ።

Mr. Emnetu Tesfay

ጸሓፊ ኣቶ እምነቱ ተስፋይ፡ መን`ዩ?

ኣቶ እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝካየድ ዝነበረ እዋን ቃልሲ፡ ዓቢይ እጃም ዝነበሮ፡ ሕጂ ድማ፡ ታሪኽ ህይወት፡ ናይ ፍሉይ ታሪኽን ኣበርክቶን ዝነበሮም ፍሉጣት ኤርትራውያን፡ ኣብ ምስናድ፡ ከይተሓለለ! ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን ምሁር ኤርትራዊ ሓው ኢዩ። ፍርያቱ: ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ እምነቱ.ኮም (www.Emnetu.com) ብምስናድ፡ ንኹሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ብናጻ ተነባቢ ከምዝኸውን ገይሩዎ ይርከብ። ዛጊት፡ ናይ ብዙሓት ልሉይ ተራ ዝነበሮም ብሃገር ደረጃ ኣብ ታሪኽና ክስነዱን ክፍለጡን ዘለዎም ኤርትራውያን ክጽሕፍ ኪኢሉ ኣሎ። ኣብ ዘካይዶ ታሪኽ ናይ ምጥርናፍ ስራሕ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ጻውዒት ይገብር። ገለ ካብቲ ሃብታም ተመኩሮኡ፡ ካብዚ ምስ TV-Sened Eritra (ቲቪ ሰነድ ኤርትራ) ዘካየዶ ዕላል ክንግንዘብ ንኽእል።



TV-Sened Eritra:
Interview with Emnetu Tesfay
(ምስ ቲቪ ሰነድ ኤርትራ፡ ዕላል ምስ ደራሲ እምነቱ ተስፋይ)


Biographies of prominent Eritreans, books published by Emnetu Tesfay:
ብኣቶ እምነቱ ተስፋይ ብመጽሓፍ መልክዕ ዝተዳለዋ፡ ታሪኽ ህይወት ናይ ልሉያት ኤርትራውያን ዝሓዛ መጻሕፍቲ ኣብዚ ታሕተዋይ ሊንክ እነሆ፦



ኣብዚ ወርሒ'ዚ ክትምረቕ ተዳልያ ዘላ። Coming soon this Month:
ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም፡

ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም

ኣቶ እምነቱ ተስፋይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ብዙሓት ዝሓለፉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ታሪኽ ህይወቶም ጽሒፉ ኣሎ። ሓንቲ ዓባይ ለበዋ ዘላቶ፣ ዝኾነ ሰብ ሓበሬታ ብዛዕባ ዝሓለፉ ጀጋኑ ኤርትራ ዘለዎ/ዘለዋ ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ፣ ነቲ ሰነዳት ክሰድሉ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ታሪኽ ናይ ዝሓለፉ ጀጋኑና እንተዘይሰኒድዎ እታ ገመድ ምስ መጻኢ ወለዶታት ተራኽበና ተበቲኻ ማለት እዩ። ጀጋኑና ዝፈልጦም ኣይክረኽቡን እዮም። ኣድራሻ www.emnetu.com

ጥቕስታት ኣቦና ወልደኣብ ወ/ማርያም

ንናጽነት ኤርትራ ልዕሊ 63 ዓመታት ደልየያ … ሕጂ ኸኣ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብገዛእ ቅልጽሙ'ዩ ዘውዲ ደፊኡ ዝርከብ ዘሎ፣ እግዚኣብሄር ድማ ባሪኹሉ ኢዩ'ሞ፡ ነዛ ዘውዲ ዝትንክያ ወይልኡ!

ሓርነት ናይ እግዚኣብሄር ህያብ ኢያ። እግዚኣብሄር ንነፍስ ወከፍኩም ሓራ ገይሩ ኢዩ ፈጢርኩም ዘሎ እሞ፡ ፈቲኹም ወይ ዓሺኹም ኣብ ኣርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ፡

ሃገር ማለት ሰባት ኢዮም፡፡ እቶም ኣብታ መሬት ኣቦታትካን መሬትካን ዝነብሩ፡ ሕብርኻ ዝሕብሮም፡ ልሳንካ ድማ ዝልሳኖም ሰባት፡ ንሳቶም ኢዮም ሃገርካ። ንኣኣቶም ዘይተፍቅር እንተ ዄንካ፡ ሃገርካ ዘይተፍቅር ሰብ ምዃንካ ኣጸቢቕካ ተረዳእ። ህዝብኻ ኣፍቅር።

ሃገር ኣምጺኣናያ ብስጋይ ስጋኻ፡ ግን ከኣ ንጠንቀቕ ከይነጥፍኣ ብኣነዶ ንስኻ!

መመረቕታ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም።

This is one of the happiest days of my life. I am so happy to see this unprecedented idea has become a reality. Singers and artists from all continents and oceanic regions of our world have paid tribute to Eritrea's icon Weldeab Weldemariam by singing his own composed/translated songs in Mezmur Selam.
My advice to viewers is to watch the video from start to finish on a PC screen.
እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓንቲ ካብተን ኣብ ህይወተይ ዘሐጉሳ መዓልታት እያ። እቲ ካብ ንቡር ወጻኢ ዝኾነ ሓሳብ ክውን ኮይኑ ምህላዉ ምርኣየይ ኣዝየ ሕጉስ እየ። ኣብ ኩለን ኣህጉራትን ውቅያኖሳዊ ዞባታት ዓለምና ዝርከቡ መዘምራንን ስነጥበባውያንን ፣ ነተን ኣብ መዝሙር ሰላም ዝርከባ መዛሙር ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብምዝማር ፣ ዘኪሮሞምን ወዲሶሞምን ብምርኣየይ።
ን ረኣይቲ ዝህቦ ምኽሪ፣ ነዛ ቪድዮ ካብ መጀመርታ ክሳብ መጨረሻ ኣብ ዓቢ ሻሽ (screen) ናይ ኮምፑተር PC ምርኣያ እዩ።


Eritrean veteran Woldeab Woldemariam, tells the story of Seven Killing Attempts on his life, in the 1940s and 1950s.
ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣብ 1940ታትን 1950ታትን፡ ኣብ ልዕሊ ህይወቶም ዝተፈጸመ ሸውዓተ ፈተነ-ቅትለታት፡ ብቃላቶም ከዘንትዉ ከለዉ።
ምንጪ ቪድዮ ካብ ኤሪ-ቲቪ ኮይኑ፡ ንተዓዛቢ ዝያዳ ንምርዳእ ክሕግዝ ድሕረ-ባይታ ገበርን ቅድመ-ጽሑፍን ገይረ ኣዳልየዮ ኣሎኹ። ሓርበኛታትና፡ ወትሩ ይዘከሩ!
🌹🌹🌹
Yohannes Tseggay Berhe




ታሪኽ ህይወት ኣዝማች በርሀ ገብረኪዳን።

“ዓለም ስለ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ዝነብሩ ኣህዛብ እናጸዓረት ከላ ፡ ባዕሉ ኣርዑት ዝደሊ ፡ ቆራቚሮ ጸሪቡ ኣብ ክሳዱ ሰቒሉ ብቚራዓት ሕነቚኒ ዝብል ፍጡር ፡ መወዳእት ኡ ኽጸግባ እዩ።” ኣዝማች በርሀ ገብረኪዳን።
መጎሰ ብሓደ ኣድናቒ ኣዝማች በርሀ ገብረኪዳን

ድሕሪ ዋዕላ ተራእምኒ …… በዛ መሬት ኣይትምጹኒ
ነዛ ሃገር ነዛ ርተይ …… ይምርሓያ ወዲ ዓደይ
ኣይደልን አደረሽን …… ምስ ዝኾነት ንኽንቁረን
እንተኾንኩም ፈረድትና …… ስምዕዎሞ ዝድምጽና
ሓቂ ሒዝኩም ፍረዱ …… ናጽነትና እመኑልና
ኢሉ ኣዝማች በርሀ …… ብስብእነት ተሟጒቱ
የእሚኑዎም ንልኡኻት …… ደፊሩ ብትብዓት
ከይበጽሐ ግን መዕለቢኡ …… ከይተመለሰ ቲ ሕትኡ
ቀዲማቶ ታ መስዋእቲ …… ስለ መሬት ስለ ርስቲ

መመረቕታ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ኣዝማች በርሀ ገብረኪዳን 'ኣባ መርዚ' ምስ ሓዳስ ደርፊ ዘርእሰናይ ግርማይ


Biography of Gen. Aman Michael Andom
ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም።

“ከም ወተሃደር ፣ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ምስ ፈረንሳዊ ናፖልዮን ዝወዳደር እዩ። ብነብሱ ዝተኣናነንን ፍሽኽታ ዘይፍለዮን መኮነንንን ብዓል ስልጣንን እዩ ነይሩ። ወተሃደራቱ ስሞም ይፈልጦምን ብስሞም ይጽውዖምን ነይሩ። ዝተረኽበ ምግብን መስተን ፣ ምስ ወተሃደራቱ ብሓባር ዩ ዝምገብ ነይሩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ጀነራል ኣማን ብወተሃደራቱ ኣዝዩ ፍቱውን ህቡብን ነበረ። ፍትሕን ሓቅን ሒዙ ከይተወላወለ ዝጎዓዘሉ ዝነበረ መንገዲ እዩ”።
“እንተኾነ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ፣ ሓደ ዘይንጸል ባህርያዊ ጠባይ ናይ ድኽመት ነይርዎ። ንሱ ድማ ፣ ልዑል እምነት ኣብቶም ኣብ ኣከባቢኡ ዝነበሩን መሳርሕቱን ምግባር እዩ። እዚ ጥርጣረን ጥንቃቐን ዘይብሉ እምነት ኣብ ሰብ ፣ ክሳዕ ህይወቱ ኣብ ምጥፋእ ኣብጺሕዎ እዩ“።

መመረቕታ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም


Biography of Raessi Tessema Asberom ታሪኽ ህይወት ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም።

ራእሲ ተሰማ ቅርሲ ስነ-ምግባር ብሩህ ውርሻ ዝገደፈ ህያው ምልክት ሓበን እዩ። ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ንጣብ ጸሎሎ የብሉን: ኣበር ኣይርከብን።
ብሓቂ መርኣያ ሃገራውነት እውን እዩ። ጭቆና ካብ ዝመጽአ ወገን ይምጻእ ብዘየገድስ ራእሲ ተሰማ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዘይፍትሓውነት ወትሩ ምስ ተቓለሰ እዩ። ታሪኽ ንራእሲ ተሰማ ኣስበሮም ንኤርትራን ኤርትራውያንን ኩርዓት ዝገደፈ ከም ዓብዪ መራሕ ሃገር ክዝክሮ እዩ።

መመረቕታ መጽሓፍ ሓርበኛ ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም ኣብ መደብ ድርሳን


Biography of Tseggay Iyassu. ታሪኽ ህይወት ጠበቓ ጸጋይ ኢያሱ።

ጠበቓ ጸጋይ እያሱ ከም ሓደ ተውህቦ ዘሎዎ ጻዕራም ተመሃራይ ጀሚሩ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ድማ ኣዝዩ ፍሉጥ ጠበቓ፡ ክኢላ ቋንቋ፡ ደራሲ፡ መምህር፡ ርእሰ-መምህር፡ መዳራይ፡ ኪኸውን በቒዑ። ጠበቓ ጸጋይ እያሱ ብኤርትራውነቱ ዚሕበን ፍሉጥ ሓርበኛ እዩ ነይሩ። በቲ ዝውንኖ ዝነበረ ሰፊሕ ፖለቲካዊውን ሕጋውን ብልሓትን ርክባትን፡ ንናጽነት ኤርትራን ንመሰል ኤርትራውያንን፡ መጀመርያ ኣብ ኤርትራ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ሜዳን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ብትብዓት ተቓሊሱ ዝተዓወተ እዩ። እዚ፡ ኣብ ነብሱን ኣብ ስድራቤቱን ዓቢ ጕድኣት ከም ዘስዓበሉ ድማ ይፍለጥ።

መመረቕታ ሓዳስ መጽሓፍ 'ጠበቓ ጸጋይ ኢያሱ ደላዩ ነጻነትን ፍትሕን' ኣብ ዙም


Biography of Tukue Yehdego. ታሪኽ ህይወት ትኩእ ይሕደጎ።

ትኩእ ብኣእምሮን ኣካልን ሓያል ሰብ ነይሩ። እዚ ይኹን እምበር ከም ዘይዕድሚኡን ግዜኡን ኣዝዩ ትሑት ነይሩ። ሕያዋይ ነይሩ ፣ እንተኾነ ድኹም ኣይነበረን።ተባዕ ነይሩ ፣ እንተኾነ ተባኣሳይ ወይ መዕገርገሪ ኣይነበረን። ትሑት ነይሩ ፣ እንተኾነ ሓፋር ኣይነበረን። ብዓል ርእሰ-ተኣማንነት ነይሩ ፣ እንተኾነ ትዕቢተኛ ኣይነበረን። ትኩእ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝኣምን ሰብ ነይሩ ፣ ንኻልኦት ናይ ምንእኣስ ባህሪ ግን ኣይነበሮን።


Blatta Kahsay Malu. ታሪኽ ህይወት ብላታ ካሕሳይ ማሉ

ሓደ ማሰኛ ንወዲ ማሉ ከምዚ ዚስዕብ ኣውሎ ዘውደቐሉ።
‘ቈልዓ ተወሊድካ ሓየት ሉዋ፡
ኣንታ ዘይትጥሓስ ሓጹር ጋባ፡
ኣንታ ዘይፍንቀል ከውሒ ሩባ፡
የማን ዘሎ ጭርናዕ ከይቶኽባ፡
ጸጋም ዘሎ ጭርናዕ ከይቶኽባ፡
ዓደ’ቦኻ ገበርካያ ኩርባ፡
መንግስቲ ብሪጣንያ ርእያ ተዛሪባ፡
ጽልማ ለጎጭዋ ርእያ ተዓዚባ፡
ናባኻ ትብል ኣላ ዓለም ተረከባ።’
እተባህለሉ።


Biography of Dr. Embaye Woldemariam (English version)

Although Dr. Embaye Woldemariam played a signicant role in contemporary Ethiopian history, no records are available pertaining to his activities. Searching in libraries and museums, one does not find written material exclusively in his name, despite the fact that he spent his entire life serving diligently and with his utmost intellectual capacity to a country which he presumed his own. In many other countries, such a personality like him would be honoured with the erecting of a statue in his name. Unfortunately, the country which he served all his life, even went so far as to erase his name from the history books, just because to Ethiopians, he was an alien. He and Blatan Ghetta Lorenzo Taezaz are among the least mentioned political figures in the chronicles of Ethiopian history

Biography of Dr. Embaye Woldemariam. ታሪኽ ህይወት ዶክተር እምባየ ወልደማርያም

ዶክቶር እምባየ ወልደማርያም ፡ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ዝተጻወቶ ተራ ኣዝዩ ልዑል’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ንኣበርክቶኡን ተርኡን ዝምስክሩ ሰነዳት ፣ ብቐሊሉ ዝርከቡ ኣይኮኑን። እዛ ከም ሃገሩ ሓሲቡ ፣ ፍልጠቱ ከይበቐቐ ብዓቢ ትግሃትን ተወፋይነትን ፣ ንምሉእ ዕድሚኡ ዝሰርሓላ ዓዲ ፣ ኣብ ኣብያተ መጽሓፍቲ ይኹን ኣብያተ መዘክር ፣ ንዕኡ ዝምልከት ጽሑፋት ፣ ንጽድቂኳ ሓንቲ ቃል ኣይሰነደትሉን። ኣብ ካልኦት ሃገራት ፣ ከምዚ ናይ ብዓል ዶክቶር እምባየ ዝኣመሰለ ፣ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባት ፣ ንኽብሮም ብስሞም ሓወልቲ’ዩ ዝትከለሎም። እዚ በዓል ዓቢ ዉዕለቶም ዝነበረ ክቡር ሰብ ግን ፡ ኢትዮጵያውያን ከም ጓና ስለ ዝቖጽርዎ ፣ ኣብ ናይ ታሪኽ መጽሓፍቶም ስሙ ከም ዘይሰፈር ገይሮሞ። ንሱን ኣቶ ሎረንዞ ታእዛዝን ፣ ኣብ መዝገበ ፍጻመታት ታሪኽ ኢትዮጵያ ፣ ስሞም ከምቲ ዝግባእ ዘይሰፈረ ሰባት እዮም።


ታሪኽ ህይወት ደግያት መሓሪ ዓንደመስቀል ከምኡ`ውን ታሪኽ ህይወት ስነጥበባዊ ሃይለ።

እቲ ቀንዲ ደግያት መሓሪ ዓንደመስቀል ዘመስገኖምን፡ ኣርሒቖም ዝሓስቡ እዮም ነይሮም ዘብሎምን ድማ፡ እቲ ኣብ መርዓ ወዶም ኣብ ቅድሚ ራእሲ ኪዳነማርያም ርሳስ፡ ብርዕን ፍትሕን ብምጥቃስ ዘስምዕዎ ፈኸራ እዩ። እዚ ዓብዪ ትርጉም ዝሓዘን ንብራኸ ንቕሓቶም ዘንጸባርቕን እዩ ነይሩ። እታ ግጥሚ ‘ኤርትራውያን ንሃገርኩም ኤርትራ ብሰላም ከተመሓድርዋ እትኽእሉ፡ ብትምህርቲ እንተ ሰልጢንኩምን ፍትሓውያን እንተ ዄንኹምን ኢኹም፡’ ዝብል ሓያል መልእኽቲ ዝነበሮ ስለ ዝኾነ፡ ኵሉ ሳዕ ክንዝክሮን ከነተግብሮን ሓደራ ኢሎምና ስለ ዝሓለፉ እዩ።
መመረቕታ መጽሓፍ 'ክልተ ጀጋኑ ካብ ሓደ ስድራ' ደግያት መሓሪን ወዲ ወዶም ሃይለ ወልደሚካኤልን( ሃይለ ሰኣላይ)

ሃይለ ኣዝዩ ተባዕ፡ ንዘጋጠሞ ሽግራት ብዘይ ባእስን ቈየቛን ክፈትሕን ከዝሕልን ዝኽእል ሰብ’ዩ ነይሩ። ሓድሽ ነገር እንተ ርእዩ ንኽፈልጦን ንኸተግብሮን ግዜ ይወስደሉ ኣይነበረን። ብነብስኻ ምትእምማንን ኣብቲ ክትገብሮ እትደሊ ምሉእ ኣድህቦ ምግባርን፡ ሓደ ካብቲ መለለዪ ዝነበረ ባህርያት’ዩ። እቲ ምስኡ ዝተፈጥረ ጠባያት ይኹን ባህርያት፡ ተመሃራይን መምህርን ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ውን ኣይተቐየረን። ከም በርጌስ ይኹን ከም ተጋዳላይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ’ውን፡ ነቲ ዝውንኖ ስነ-ጥበባዊ ብቕዓት ካብ ምትግባር ኣየቋረጸን። እቲ ፍቕርን ኣኽብሮትን ሰብ፡ ከምኡ’ውን እቲ ምቕሉልነትን ተዋዛይነትን ምስኡ ተጓዒዙ ምስኡ ድማ ተቐቢሩ። ሃይለ፡ ኣብ ባህርያዊ ተፈጥሮ ፍሉይ ግንዛበ፡ ንፍጡራት ድማ፡ ፍሉይ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ከም ዝነበሮ ኣብ ሜዳ መቓልስቱ ብዝነበረ ሰብ ተገሊጹ ኣሎ።


Biography of Kidane Kiflu ታሪኽ ህይወት ኪዳነ ክፍሉ።

Kidane Kiflu used to encourage high school students in Eritrea to advance their education. I remember during the summer holidays, he and colleagues used to organize debates at YMCA in Edaga Hamus, Asmara. Trophies were given to those who did the best. At the same time, he used to inform them about the struggle, its objectives, and the role they should play to promote it. He was selflessly committed revolutionary and teacher, who was able to raise the level of consciousness of his compatriots and juniors.
Kidane was not an ordinary person in the eyes of the Eritrean university students. There were many who considered him to be the voice of of the Eritrean people who were struggling to achieve independence of Eritrea from Ethiopian occupation. Kidane was above all a man of action.


“ኪዳነ ክፍሉ ኣብ ኤርትራ ንተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ንክነፍዑ የተባብዕ ነይሩ። ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝርከብ YMCA ኣብ ግዜ ክረምቲ ዕረፍቲ ንሱን ኣዕሩኽቱን ክትዓት የካይዱ ነበሩ።” ከምኡውን ንዕላማታት ናይ ቃልስን ክጻወትዎ ዘለዎም ተራን ይሕብሮም ነበረ። ብኣጋኡ ዉፉይ ሰውራዊ እዩ ነይሩ ፡ ከምኡውን ነብሰኣልቦነት ዝውንንን ንመዛንኡን ምንኣሱን ናብ ደረጃ ንቕሓት ከምጽእዝኽእል መምህርን ዉንዩ ነይሩ። ንኪዳነ ክፍሉ ቀ.ሃ.ስ. ዩኒቨርሲቲ ንንጡፍ ፖለቲካዊ ቃልሲ መንጠሪ ባይታ ባይታ እዩ ኮይንዎ።
ኪዳነ ክፍሉ ኣብ ኣዒንቲ ኤርትራውያን ተመሃሩ ዩኒቨርሲቲ ከም ሓደ ተራ ሰብ ኣይነበረን። ብዙሓት ድማ ንነጻነት ምንቅስቃስ ኤርትራ ኣንጻር ጎበጣ ብኢትዮጵያ መራሕ ድምጺ ኮይኑ ክመርሖም ይጽበይዎ ነይሮም። ልዕሊ ኩሉ ኪዳነ ክፍሉ ናይ ተግባር ሰብ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ትነብሩ፣ ታሪኽ ህይወት ዝሓለፉ ጀጋኑና ንክተንብቡ
ንኣቶ ብጹዕኣምላኽ ኣርኣያ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ተለፎን ደዊልኩም ተወከሱ፡-
44 - 7958 691166




See also Related:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: