ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና ንወደብ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

24/10/2020 20:05 PM

ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና
ንወደብ
2ይ ክፋል

ብ`ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና ንወደብ።

ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና ንወደብ።
2ይ ክፋል
ብኣቶ ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ኩሎም ደቂ ሃገር ዓቦይትን ነኣሽቱን: ክልቲኡ ጸወታታት: ኣብ ሃገሮም ብሐደ ክብሪ:ረብሐ: ፍትወት|ፍቕሪ ኣለዎም። ምእንቲ ኤርትራ ልዕላውነታ ክሕሎን ህዝባ ብመንነቱ ከቢሩ ክነብር ድማ ኩሉ ዘዝከኣሎ ኣበርኪቱ ክሳብ እታ ዝውንና ክብርቲ ሂወቱ ወፊዩ ነጻነት ክዉን ዝገበረ ህዝብ ኢዩ። ኮይኑ ግን ነቲ ኩሉ ጽቡቕ ፍጻሜታት ብዘይካ ናይ ብሕቱ ጥቕሚ ናይ ህዝቢ ጥቕሚ ዘየገድሶ ሐደ ስሱዕ ኢሳያስ ምስ ውሑዳት ተኣዘዝቱ ንብርኽቲ ሃገርና ኣፍሪሱ ሕሰም ከዲንዋ: ህዝቢ ድማ ክብርታቱ ተመንጢሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይነብር ኣሎ። ንጥምየትን ሕማምን ተቓሊዑ ኣብ ዓዱ ሰላም ሲኢኑ ነብሱ ከድሕን ንስደት ይጎዓዝ ኣሎ። ክብረትናን መንነትናን ኣብ ሃገርና ጥራይ ኢዩ: ዝኾነ ይኹን ጽቡቕ ወይ ክፉእ ኣብ ቦታ ስደት ኩሉ ሐደ ኢዩ። ብዘይ ሃገር ክብረትን መንነትን:ብዘይ ወለዲ ኣቦን ኣደን: ብዘይ ሐብትን ሐውን: ብዘይ ቤተሰብን: ብዘይ መተዓብይቲ: ብዘይ ዓርኪ|መሐዛ ካብ ኩሉ ተፈሊኻ ኣብ ቦታ ስደት ምንባር ኩልና ንፈልጦ ጽምዋ ኢዩ። ሃገርና ክብርና: ረብሐና: ፍቕርና ስለዝኾነት ኣብ ዘዘሎናዮ ቦታ ኮንና ኣብ ዝመረጽናዮ ተወዲብና ወይ ብብውልቅና ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ንቃለስ ኣሎና። ኩልና እንፈልጦን እንኣምኖን ነቲ ጠንቂ ስደትን ሕሰምን ዝኾነ ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ስዒርካ ሰላምን ደሞክራሲን ምትካል ኢዩ። ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ዝቃለስ ዘሎ ህዝብና ብዝሒ ቁጽሩ ክንድቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኢዩ። እቲ ቐንዲ ጎዲሉና ዘሎ ንምምልኡ ግን ቀስኢልና ህድእ ኢልና ሐሲብና ዘዓውቱና ነገራት ፈሊና ኣብ ክንዲ ኣብ ሐደ ንኸውን ኣብ ብዙሐት ጨናፍር ተመቓቂልና መመቖምያና ኣንጠልጢልና ጠጠው ስለ ዝበልና ኢዩ። እቶም ኣቐዲሞም ውድባት ዝመስረቱ እቲ ዝወሰድዎ ዓይነት ኣወዳድባ ባዕሎም ይፈልጥዎ፣ እቶም ኣብቲ ዝጸንሖም ውድብ ኣትዮም ዝተሰርዑ ኣባላት ግን ንነገራት ከሳልጡን ክሰልጦምን ኢሎም ኢዮም ኣትየሞ፣ ሓሳባቶም ግን ኣይሰመረሎምን። ዝቀደመ ዓይነት ኣወዳድባ ስለ ዘይሰለጠ ድማ ጸላኢና ኣካያይዳና ተዓዚቡ ክሕጭጭን ከላግጽን ንርእዮ ኣሎና። እንብኣርከስ ሕጫጨን ላግጽን ምእንቲ መወዳእታ ክግበረሉ ኩሉ ንፍትሕን ሰላምን ዝቃለስ ጉዳይና ሐንቲን ቀላልን ብዙሕ ሐተታ ዘይብላ ነቲ ኣብ ርእስና ተንጠልጢሉ ዘሎ መርዘን ምድርባይ ኢዩ። ስለዚ ካብዚ ዘሎናዮ ዓይነት ኣወዳድባ ወጺእና ህግደፍ ንምውዳቅ ዘቅላጥፍ ህጹጽ ናይ ሕጂ መደብ ስራሕን: ድሕሪ ምውዳቑ ክስርሑ ዘለዎም ነጥብታት ፈላሊና እቲ ዝቐለለ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ወሲድና ብሐድሽ መደብ ወጠጥ ዘይብሉ ኣወዳድባ ንወደብ። ብዙሐት በብሞያኦም ተወዳዲቦም ዝሰርሑ ኣለዉ ዘይተወደቡ ዘለዉ ድማ ከክእለቶምን ረረብሐኦምን ኣለሊዮም ተወዲቦም ኣብዚ ጊዜን ዕርፍትን ዘይህብ ሃገራዊ ስራሕ እጃሞም ክገብሩ ይጽውዑ። ማእሰርትን መቕዘፍትን ኣብ ምሉእ ሕብረተሰብና ፈጢርዎ ዘሎ ስቓይን ቃንዛን ንኹልና ብማዕረ የሕምመናን የሳቕየናን ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ውሽጡ ሑሩር ኢዩ። ካብ ኩሉ ግን ወለድን ህጻናትን ናይ ኩሎም ስድራ ቤት እቶም ግዳያት ምስሊ ገጾምን ቅርጺ ኣካሎምን ኣብ ቅድሚኦም ከምቲ ዝፈልጥዎ ኩሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ቅጅል እንዳበለ ስለ ዝርኣዮም ንብዓቶም ሐሐንሳብ ብገጾም ከንጠብጥብ ሐሐንሳብ ድማ ንውሽጢ ኣካላቶም ፈሲሱ ከንሰቕስቑ ንዓመታት ብስቓይ ይነብሩ ኣለዉ። መሬት ኤርትራ ድማ ብተምሳሳሊ መጉዳእቲ ቁስላ በሰላ ኮይኑ እንዳተሳቐየት ትነብር ኣላ። እንብኣርከስ ምእንቲ ንኹላትና ክጥዕመና ሃገርና ሰላም ክትረክብ ህዝብና ክቐስን ካብዚ ክፋእዚ ክንወጽእ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ እትውክል ካብ ኩለን ፖለቲካውያን ውድባት: ህዝባውያን ማሕበራት: ምንቅስቓስ ይኣክል: ሰብ ሞያ ምሁራትን ሰብ ጸጋን ዝተዋጽኤት ሐንቲ ናይ ስራሕ ኣመሐዳሪት ሽማገለ ስለ ተድሊ ዘቲኻ ተላዚብካ ካብዞም ዝስዕቡ ክፍልታት ክትቀውም ተመራጺ ይኸውን።

1. ሰብ ሞያ በቢክእለቶም ወከልቶም ክሰዱ፣
2. ስብ ጸጋ ወከልቶም ክሰዱ፣
3. ሲቪላውያን ማሕበራት ወከልቶም ክሰዱ፣
4. ብሓባር ዝሰርሑ ፖለቲካውያን ውድባት ወከልቶም ክሰዱ፣
5. ምንቕስቓስ ይኣክል ብዓለም ደረጃ ወከልቶም ክሰዱ፣
6. ኣዴታት ወከልተን ክሰዳ፣

ስራሕ እዛ ሽማገለ ኣብ ምውዳቕ ነዚ ዓማጺ ስርዓት እትክተሎ መደብ ዕዮ ብደረጃ ናይ ኣብ ስደት ክግበር ዝከኣል ዓቕሚ ሰብ ኣለልያ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ: መንእሰይ: ሐይልታት ሰራዊት ተኣሳሲራ እሞ ኣቐዲማ ነቲ ንምውዳቑ ዝጠቅም ዓቦይቲ ጉዳያት ጥራይ ኣነጺራ ብመሐዝ ክትሰርሕ ኣለዋ። ነቲ ድሕሪ ምውዳቑ ናይ ነዊሕ ራኢ ዝጠመተ መደባት ድማ ከይረሰዔት ንዕኡ ዝኸውን ጊዜ ትፈልየሉ።

ኣብ ምድላው ነዛ ኣማሐዳሪት ሽማግለ ብዙሕ ስራሕ ከድሊ ኢዩ፣

1. ቁጽሪ ብዝሕን. ዋሕድን ናይዛ ኣማሐዳሪት ሽማግለ ምስ መደብ ስረሓ ዝተመጣጠነ ይኸውን፣
2. ብዝሒ ቁጽሪ ኣማሐዳሪት ሽማግለ ምእንቲ ቅርጡው ክኽውን ካብ ምሉእ ዓለም ብሚእቲታት ዘይኮነስ ብዓሰርቴታት ብዝሒ ቁጽሪ ይውሰን፣
3. ቅደም ተከተል መደብ ስራሕ ናይ ሕጂን ናይ ድሕሪ ምውዳቑን ተፈልዮም ክውሰኑ ኣለዎም፣3

ዓይነት ስራሕ

ሀ. ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት አብ ስደትን ውሽጢ ሃገርን ተተአሳስር፣
ለ. ገንዘባዊ ጉዳያት ካብ አብ ስደት ዘሎና ገንዘብ ሰሊዓ ትእክብ፣
ሐ. ናይ ዜና ጉዳያት ኣፍ ሕዝቢ ኮይና ተገልግል፣

ኣብ ዝሐለፈ ዓመታት ናይ ተቓውሞ ሐይልታት ዓቕምታተን ኣወሃሂደን ብሐባር ኣብ ምልጋስ ስርዓት ህገደፍ ብሐደ ክስረሐሉ ዝጥዕም ብዙሕ ተበግሶታት ተወሲዱ ብስምምዕ ዝተሐንጸጸ መደብ ዕዮ ዝወጽኤ ክንዕዘብ ጸኒሕና። ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሎምስ ይሐይሽ ይኸውን ሐሳብና ክሰምረልና ኢዩ ዝብል እምነት ነይርዎ። ኮይኑ ግን ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ንጹር መግለጺ ዘይተዋህቦ ኣብ ገጊዜኡ ደው ክብል ተዓዚብና። ደው ኢልካ ጸኒሕካ ወይ ጉዳይ ውድብካ፣ ማሕበርካ ከተቐድም ኣብ ምስላጥ ተወሲንካ ጸኒሕካ ሐዲሽ መድረኽ ክፍጠር ከሎ ገለ ምንቅስቓሳት ምልዕዓል ክጅምራ ከለዋ ድማ ኣብ ዝጸናሕካ ጽኒሕካ ተቐደምኩ ተመንጠልኩ ብዝሕብር ናይ ንሕና`ውን ኣሎና ዘስምዕ ናህሪ ጉያ ጉያ ፍሉይ ምትእኽኻብ ይግበር። ጊዜ ወሲዱ ድማ ደሃይ ዘይብሉ የስቕጥ። ካብዚ ዓይነት ድኻማት ክንወጽእ ጸገምናን ጉድለትናን ኣለሊና ጥውጥዋይ መገዲ ገዲፍና ውረድ ደይብ ዘይብሉ ንጹርን ቀሊልን ትኽ ዝበለ ብመደብ ሕድሕዳዊ ምክብባርን ልዝብን ተመሪሕና በርቲዕና እንተሰሪሕና ክንዕወት ኢና። ኩሉ ህዝቢ እቲ ዓቢ ጠንቅን ሳዕቤናቱን ናይ ጸላኢ ህዝብናን ሃገርናን ኣዳቒቁ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝኾነ ይፈልጥዩ። በቲ ካልኣይ ሸነኽ ድማ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሐደ ጸኒሖም ክፈላለዩ ክፈናጨሉ ጸኒሖም። ዘይተዓወተሉ ምኽንያት ድማ ሕንጻጽ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ኣብ ስራሕ ኣተራጉማኡን ስለ ዘይተሰማምዔ ኤዩ። ምፍንጫል ዋሕዲ ኣባላት፣ ዋሕዲ ገንዘብ፣ ዕንቅፋት ስራሕ ዘየድሊ ሸንኮለል የኸትል። ሕምቀትካ ይቃላዕ መስሐቕ ሸራፋት ይገብረካ ካብዚ ወጺእና ብሐዲሽ ጥርናፈን ውዳቤን ንስራሕ።

ከባቢና ሰላም የብሉን ካብ መዓልቲ ናብቲ ዝቕጽል መዓልቲ እንዳኸፍኤ ክኸይድ ሰባት ክቕተሉ ክዘናበሉ ንርኢ ኣሎና። ጉዳይ ሃገርና ከመይ ከምዘሎ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብናቱ ገምጋም ዝበጽሖ መረዳእታ እምበር ዋላ እቶም ኣብ ስልጣን ናይቲ ስርዓት ዘለዉ ሐለፍቲ ይኹኑ እቶም ተለኣኣኽትን ምሳኻ ኣሎና እንዳበሉ መጨፍጨፊ ስድርኦምን ቤተሰቦምን ዝኸውን ሕፍኖ ገንዘብ ዝጉዱፉሉ ኣብ ስደት ዝነብሩ ብምልኦም ደገፍቲ`ውን ዝፈልጥዎ ሐበሬታ የለን። ፍጹም መላኺ ኢሳያስ ኣብ ባይቶን ፈጻሚት ኣካላትን ዘይብሉ ሒማቕ ጊዜ ብጉዳይ ሃገርና ሰገጥ ከይበለ ምስቶም ቀንዲ ጸላእትና ተመሐዚዩ ዝደለዮ ይገብር ኣሎ። ኣካይድኡ እንዳረኤና ብኸምዚ እንኸዶ ዘሎና እንተቐጺልና ድላዩ ክፍጽምዩ፣ ድሐር ኩሉ ነገራት ምስ ተወድኤ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ከይከውን ሕጂ ሃገርና ከም ሃገር ጠጠው ከነብላ ሐላፍነትና ንውሰድ፣ ብሃገርና ንጸጸት ጥዑይ ሃገራውነት ሒዝና ከምቲ ንኽፍኣት ከይደ ቀሰ ዝሐድር ንሕና ድማ ንምድሐን ሃገርና ክንደክም የብልናን ። እታ ኣመሐዳሪት ሽማግለ ተመዚዛ ስርሐ ምስ ጀመረት ኩሉ እትዓሞ ስራሕ እንዳ ተቖጻጸርና ኣብ ክንዲ ነፍሲ ወከፍና ኮይና ትሰርሐልና ኣላ ኢልና ፈቲናን ኣሚንናን ኣብ ነናብራና ተመሊሽና ጎጉዳይና እንዳአማላእና ዝሐተተትና ነገራት ክንገብር ቅሩባትን ፈጸምትን ክንከውን ኣሎና።

ብምስምማዕ ዝቐለለን ዝሐጸረን መገዲ ተኸቲልና ክንዕወት ኢና፣

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና፣

ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

1ይ ክፋል ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።

2ይ ክፋል ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።

3ይ ክፋል ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።


Share with friends:

ቐይሕ ባሕሪ (ዓሰብ፡ ባጽዕ) ኣብ ልቢ ኢትዮጵያውያን።


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: