ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና ንወደብ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

29/09/2020 20:54 PM

ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና
ንወደብ

ብ`ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና ንወደብ።

ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና ንወደብ።
ብኣቶ ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ዓማጺ ስርዓት ብሃንደበት ካብ መሬት ተላዒሉ ኣይኮነን ኣብ ልዕሊ ምሉእ ሃገርን ህዝብን ወንጀል ዝፈጸመን ሒማቕ ዕላማኡ ዝቕጽሎ ዘሎን። ህዝቢ ከመይ ከምዘሎ ኣጽኒዑ ምስ ኣለለየ ኢዩ ኩሉ ክገብር እኽእልየ ኢሉ ምስ ኣረጋገጸ ዘዋጽኦ ነቲ ሕሉፍ ተግባሩ መሊሹ ዝደግሞ ዘሎ። ኩሉ ጊዜ ጭርሖና ህዝቢ እንተተላዒሉ ዝዓግቶ ሐይሊ የለን ኢዩ፣ እወ እቲ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ኢዩ፣ግን ህዝቢ ክገብር ዝኽእል ካብ መጀመርያ መኣዙኑ ተስተኻኺሉ ሐላፍነቱ ተረዲኡ ምስ ዝትሐዝ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሕታት ናይ መንግስቲ ቦታ ብሐላፍነት ተመዲቦም ዝሰርሑ ሰብ መዚ ኩሎም እንተስ ብጥቕሚ እንተስ ብፍርሒ ሐቢሮም ካብ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዝተመሐላለፈ መልእኽቲ ወዓል ሕደር ዘይብሉ ናይ ውልቆም ጭካነ ጨሚሮም ብምፍጻም ነቲ ክገብር ይኽእልዩ ኢሎም ዝጠርጠርዎ ጅግና ደድሕሪኡ ተኸታቲሎም ኣሰሩ ከምዝጠፍእ ዝገብሩ ዘለው።ስለዚ ኣብ ላዕሊ ተቐሚጦም ብዘይዕርፍቲ ዘበላሸውዎ ዘለውስ እቲ ኣብ ታሕቲ ንየማን ወይ ንጸጋም ከይጥምት ተኸልኪሉ ዘሎ ሐፋሽ ንተባላሸወ ከዕርየልና ክንጽበ የብልናን። ህዝቢ መዓልታዊ መነባብሮኡ ተመዓራርዩ መሰሉን ግደታኡን ፈሊጡ ክነብር ከሎ ንኹሉ ዝመጽእ ሐደጋ ክምክቶ ምኸኣለ። ነቲ ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንገስትን ፖለቲከኛታትን ጋዘጠኛታትን ብመላኺ ስርዓት ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ህዝቢ ፖለቲካዊ ስርርዕ ስለ ዘይነበሮ ነቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ሕዲሽ ብምዃኑ ቀልጢፉ ግብረ መልሲ ወሲዱ ዘየድሐኖም፣ ቅድሚ ምእሳሮም ሐደ ዝተወደበ ኣካል ስለ ዘይነበረ ኩሉ በበይኑ ተፈላልዩ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ስቅታ ኢዩ መሪጹ። ኩነታት ኣለልዩ መኣዝኑ ከየመዓራሪ ድማ ብስዉርን ጋህድን ናይ ውሽጢ ወራር ተለኣኣኽቲ መሳርዕ ጸጥታ ኣዋፊሩ ምህዳን ምስ ጀመረ ሃብታም ምስ ገንዘቡ ምሁር ምስ ፍልጠቱ መንእሰይ ምስ ሐይሉ ፋሕ ኢሉ ከም ዝስደድ ኢዩ ኮይኑ።

ድሒሩ ድማ ኣብ ደገ ኣብ ስደት ህዝቢ በብዝመስሎ ኣብ ዝተፈላለያ ብፖለቲካዊ ውድባት፣ ኣብ ሲቪክ ማሕበራት ተሰሪዑ ይቃለስ ኣሎ፣ ይቃለስ እምበር ኣብዚ ኩሉ ዝሐለፈ ናይ ተቓውሞ ዓመታት ግን ብግብሪ ነዚ ጨካን ስርዓት ኣብ ውሽጢ ሃገር ህላወኡ ዘዳኽም ኣብ ደገ መሐውር ዲፕሎሲ ቤት ጽሕፈታቱ ዘልምስ ጨካን ስጉምቲ ዘኽእል ዓቕሚ ኣይተወስደን።

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ከኣ ናይ ኩሎም ተቃወምቲ ሐይልታት መበገሲ ዕላማ ሐደን ንመላኺ ስርዓት ኣልጊስካ ሐንቲ ፍትሐዊት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምቛም ኢዩ፣ ኣብ ስራሕ ዝረኤ ግን ካብ ምቅርራብ ምርሕሐቕ ኣብ ክንዲ ምስማር ምብትታን (ምፍንጫል) ክፍጸም ኢና ሪና። እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ጥቕሚ ሃገር ተቐድም ናይታ ዘቖምካያ ንእሽቶይ ውድብ መራሒ ምዃን ይሕሸኒ ስለ ተባህለ ኢዩ። ሃለዋትካ ከተረጋግጽ ድማ ኣብ ዓመታዊ ሃገራዊ በዓላት መዓልቲ እንዳ መረጽካ መደብ ፈስቲቫላት ተዳሉሞ ከማኻ ዝመሰሉ መራሕቲ ናይ ካልኦት ውድባት መዳምቕቲ ኣብ ፈስቲቫላት ትዕድም። ምስ ቤተስብ ምስ ዓርከ-መሐዛ ክራኸቡ ነቲ ኣብ ማዕጾ ዝጸንሖም ዋጋ መእተዊ ገንዘብ ከፊሎም ክጻወቱ ዝመጽኡ ኣጋይሽ ከም ኣባላት ውድብካ ዝተሐተትዎ ግቡኦም ዘማልኡ ኣምሲልካ ነብስኻ ኣተዓሻሺኻ ቃላት እንዳሰሐሐልካ ከተስተማቕር ንብዙሕ ዓመታት ክስርሐሉ ጸኒሑ። ከም ሐቂ ግን ሐደ ብልቢ ብህዝቡ ዝግደስን ቃንዛ ህዝቡ ዝሕሞን ፖለቲካዊ ስልጣን ክሕዝ ዝጽበን ሰብ ብሐንቲ ንእሽቶይ ውድብ ጀሚሩ ዝበለጸ ስራሕ ሰሪሑ ንኻላኦት ኣርኣያ ኮይኑ ንኻልኦት ውድባት ኣብ ሐደ ጠርኒፉ ሐያል መራሒ ክኸውን እንተዝጽዕር ብዙሐት ሰባት፣ መንእሰያት፣ሰብ ሞያ፣ማሕበራት ዘበርከትካዮ ቃልሲ ተዓዚበን ከም ዝስዕባኻ ምግባር ምሐሸ። ሐይሊ ተቓውሞ ድማ ብፖለቲካን ኤኮኖሚን ዓብዩ ደልዲሉ ዝጀመሮ ዕዮ ኣብ መወዳእታ ሕምብርቲ ዓይኒ ከዳዓት ሃሪሙ ምተዓወተ።

ኣብ ውድብ ምቛምን ውድብ ምዕባይን ዘይተዓወትናሉ ዓቢ ምኽንያት ኮይኑ ቀይዱ ሒዙና ኣሎ ክብሃል ዝከኣል ቀንዲ ነገር ዝተፈላለየ ላዕላይን ታሕታይን ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም፣ ነዊሕን ሐጺርን ደረጃ ተመክሮ ዘለዎም፣ዝተፈላለየ ሞያዊ ስራሕ ዘለዎም፣ መንእሰይ ከምኡውን ብጥንቃቔ ክተሐዙ ዘለዎም ሰብ ጸጋ ደቂ ሃገር ንኹሎም ኣብ ውድባት ሐዊሽካ ምስታፍ ዘስዕቦ ጌጋታትን ምዝንባልን ኣብ ግምት ከየእቶኻ ኹሉ ኣብ ፖለቲካውያን ውድባት ጥራይ ክኣቱ ስለ ንደሊ ኢዩ፣ ኣብ ጉዕዞ ግን ሰባት ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሐ ኩርኳሕ ኮይኑ ስለ ዝረኽብዎ ኣይጻወርዎን ትዕግስቲ ኣይገብሩን ኣይቅጽልዎን ምስ ምሉእ ድልየቶም ቦታይ ዝብልዎ ቦታ ስኢኖም ብዘይ ምቅላሶም አንዳጉረምረሙ መወዳእታ ኣብ ቦታ ስቕ ይኣትዉ። ብዙሕ ሰብ ደኺመ ከይበለ ምስ እዚ ኩሉ ናይ ቃልሲ ፍልልያት ሕልናኡ ከየድከመ ዝኽእሎ ዕዮ በብዝጥዕሞ የካይድ ኣሎ፣ኣብ መንጎውን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብ ቃልሲ ዘብኮሩ ብዙሐት ከም ዝጎደሉና ክንርስዕ የብልናን። እዚ ጉዳይዚ ንኹሉ ወዲ ሃገር ብሐደ ኢዩ ዝብጽሖ፣ ስለዚ ድማዩ ኩሉ ኣብ ቃልሲ ተሳቲፉ ከከም ዓቕሙ ከበርክት ዝደሊ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ኣተሓሕዛና ህርኩትነት ይጠፍእ ሸለልትነት ይበዝሕ ስለዘሎ ክቃለሱ ዝኽእሉ ሰባት ትዕዝብቶም ወሲዶም ኣብ ብሕታዊ ጥቕሚ ብምጥማት ብማሕበራዊ ናብራ ከይዘናበሉን ከይወድቁን ግዜኦም ሐልዮም ክሰርሑ፣ ስድራ ክምስርቱ፣ ጽጉማት ወለዲ ክሕግዙ፣ ክመሃሩ ይደልዩ። ዳርጋ ኩልና ኣብ ስደት እንነብር ኣብ ዓድና ጽዒርና ዘጥረናዮ ብድሕሬና እንጥምቶ ዝገደፍናዮ ሃብተይ ወይ ንብረተይ እንብሎ ዋንነት ስለ ዘይብልና ነቲ ጎዲሉና እንብሎ ነገራት ከነማልእ ደኾን ይኸውን ብቑጠዔ ዘይንብገስ ዘሎና። ኣይመስለንን ቀንዲ ጎዲሉና ዘሎ ኣንፈት ዘትሕዘና ንጹር ተበግሶ ዘይንርኢ ስለ ዘሎና ጥራይ ኢዩ ብቑጠዓ ዘይንብገስ ዘሎና፣ንብረቶም ኣብ ሃገር ዝገደፉውን ኣለዉ እንድዮም! ኣበይ ድኣ ኣለዉ ክቑጥዑ ኣይረኣዩን።

እንበኣርከስ ኣብዚ ጉዳይዚ ክንዕዘቦ ዘሎና ነገር ኣሎ ክሕግዘናውን ይኽእልዩ። ስልጣን ፖለቲካውን ዕብየት ኤኮኖሚያውን ለውጢ ናይ ሐንቲ ሃገር ባዕሉ ከም ተኣምር በሎኽ ኢሉ ዝወጽእ ኣይኮነን፣ እንታይደኣ ሐያል ጻዕሪ በቶም ኣብ መንጎ ጉጅለ ዕብየት ኤኮኖሚያዊ ለውጢ ዝደልዩን፣ ኣብ መንጎ ጉጅለ ስልጣን ፖለቲካዊ ለውጢ ዝደልዩን ከምኡውን በቶም ንስልጣን ፖለቲካን ኤኮኖሚን መጢኖም ወይ ጨቢጦም ብናቶም ቁጽጽር ክቕጽሉ ዝደልዩ ገዛእቲ ጉጅለን ዝግበር ተቓውሞታትን ምፍሕፋሕን ዝፈጥሮ ውጽኢት ከም ዝመጽእ ተረዲእና ኣብ ክንዲ ተሐዋዊሽና ሐላፍዘላፍ ኮንና ፍረ ዘይብሉ ብሐደ መገዲ ንጎዓዝ ተፈላሊና ረረብሐና ኣለሊና ነቲ ጎዲሉና ዘሎ መሰልን ዕንወት ሃገርን ንምምላስ ብሐቕን ብምርዳእን ክንፍጽሞ ምእንቲ እቶም ስልጣን ፖለቲካ ክንሕዝ ንደሊ ኢና እትብሉ ነቲ ቅኑዕ መራሒ ስኢኑ ንቡር ናብራ ጎዲሉዎ ዘሎ ህዝቢ ከተመሐድሩ እትደልዩ ኣብ ሐደ ኩኑ።

እቶም ሃብተይ ንብረተይ ተወሲዱኒ ኣሎ ኣምሊሰ ብዝማዕበለ ኣሰራርሐ ኣነ ዝጥቀመሉ ህዝበይ ዝረብሐሉ ክቕጽሎ እትብሉ ኣብ ሐደ ኩኑ።

ኣቱም ዝተፈላለየ ሞያ ዘጥሬኹም ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ልምዓት ሃገር ተዋፊርኩም ናይ ትምህርቲ ሐገዝ ንዘድልዩ ሐገዝ ክትህቡ ኣብ ኩሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ተሳቲፍኩም ከተበርክቱ እትኽእሉ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ስረሐት ተዋፊርኩም ክትሃንጹን ከተልምዑን ኣብቲ ፍረ ጻማኹም እትርእይሉ ቦታታት ኣለሊኹም ኣብ ሐድ ኩኑ።

እዘን ኣብ ሰለስተ ጉጅለታት ተመዲበን ዘለዋ ክፍሊ ዕዮታት ምስ ማዕበል ምንቅስቓስ ይኣክል ተላዚበን ብዝቐልጠፈን ብዝቐለለን ብዉሑድ ቁጽሪ ነናተን ወከልቲ ሊኢኸን ሐደ ጽላል መስሪተን ፈኪረን ብቁጠዓ ኣብ ላዕላይ ቦታ ምምሕዳር ኣርኣያ እንተኾይነን ኩሉ እቲ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ዘሎ ብዙሕ ህዝቢ ግበር እንተተባህለ ክገብርዩ ተለዓል እንተተባህለ ድማ ክለዓልዩ። እዚ ዓይነት ኣሰራርሐ ነቲ ድሕሪ ውድቀት መላኺ ስርዓት ናይ መንግስቲ ስልጣን ብሐደ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተወደበ ክብሐት ዘይኮነስ ብሐባር ብሃገር ዘትዩ፣ ተቓሊሱ ናይ ሐባር ዓወት ዘምጽኤ ኩሉ ዘዝግብኦ ቦት ክሕዝዩ። ፖለትከኛታት ንስልጣኖም ክከላኸሉ፣ ሰብ ጸጋ ንሃብቶም ክብሉ፣ ኣብ ገጠርን ከተማታትን ዝነብር ሐፋሽ ንመሰሉ ክብል፣ ኣብ ክቢ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ኩሎም ብሐባር ዝቖመ ሕገ መንግስቲ ውሕስነት ክህልዎ ኢዩ።

ኩሎም ኣብ ምልጋስ ነዚ እኩይ ስርዓት ዝተቃለሱ ኣካላት ጸማ ስርሖም ፍርያት ጸጋ ኩሉ ሕብረተሰቦም እንዳረኣዩ ኮሪዖምን ከቢሮምን ክነብሩ ኢዮም።

ረብሐና ኣለሊና ተወዲብና ብቑጥዔ ንቃለስ፣

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና፣

ገብረዝጊ ኣፍወርቂ
25 መስከረም 2020

1ይ ክፋል ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።

2ይ ክፋል ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።

3ይ ክፋል ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።


Share with friends:

ቐይሕ ባሕሪ (ዓሰብ፡ ባጽዕ) ኣብ ልቢ ኢትዮጵያውያን።


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: