Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/03/2014 20:15 PM

ቦሎኛ  
- መናሃርያ ቃልሲ ሓርነትና ’ምበር
መደልደሊ ጭቆናና ክትከውን ኣይግባእን

ዮውሃንስ ጸጋይ - ሎንዶን - 26 ሰነ 2014

ቦሎኛ - መናሃርያ ቃልሲ ሓርነትና

ኣብ ዓቕመ-ኣዳም ዘይበቕዐት ንኡስ ዕድመይ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈ፡ ብመትከልን ስነ-ሓሳብን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ተሓጺበ፡ ኣብኡ ዓብየ ተጋዲለ፡ ሰንኪለ፡ ዝበሃግኩዋ ናጽነት ክርኢ በቒዐ። እታ ዝበሃግኩዋ ሓርነት ህዝበይ ግን ክርእያ ኣይበቓዕኩን። ከም ኩሉ መላእ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባህገይ፡ ራህዋን ቅሳነትን ህዝበይ ንምርኣይ ኢዩ። ሎሚ ክጽሕፍ ተበጊሰሉ ዘሎኹ፡ ብዙሕ ከይሓሰብኩ፡ ብዛዕባ ታሪኻዊት ቦሎኛን፡ ኣብኣ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ፈስቲቫል ህግደፍ (ህዝባዊ ግንባር ንዲሚክራሲን ፍትሒን) ኢዩ።

ናይ ትማሊ ቦሎኛ  ብዓይኒ ተጋደልቲን ሓፋሽ ህዝቢን

ናይ ትማሊ ቦሎኛ፡ ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ንሰዓቢ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ሃገራዊ ወኒ ክብ ኣብ ምባል ናህሪ ዝወሰኸት፡ ተሳትፎ ኤርትራውያን ኣብ መስርሕ ናጽነታውን ሓርነታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ተወሳኺ ናህሪ ዝወሰኸትን ኢያ። ነቶም ኣብ ውሽጢ ሜዳ ኤርትራ ቃለስ ዝነበርና ተጋደልቲ ድማ፡ ናይ ቃልሲ ፍናንን ናይ ምግዳል መንፈስን ኣብ ምሕያል ዓበይ ኣበርክቶ ከምዝነበራ ዝሰሓት ኣይኮነን። ኪኖ’ዚ ዝተጠቕሰ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ወጻኢ ተሰዲዶም ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ከም ሕምብርቲ መራኸቢ፡  ከም መለዋወጢ ሓበሬታ ናይ ውሽጢ ሜዳን ወጻኢን ዝካየድ ዝነበረ ምዕባለታት ቃልሲን፡ ከምኡውን ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ዝላለዩላ ኣጋጣሚ፡ ከምኡ’ውን በቲ ሃብታም ሃገራዊ ኤርትራዊ ባህሊ ዝሕጎሱላ ዓመታዊት ወቕቲ ወይ ንግደት፡ ኢያ ነይራ።  ብሕጽር ዝበለ፡ ቦሎኛ፡ ሕመረትን ፍናንን ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልስና ኢያ ነይራ።  ብመላእ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ድማ፡ ከም ትእምርቲ ናይ ጽንዓት፡ ሓድነትን ሓበንን ኤርትራውያን ኢያ እትልለ።

ይዝከረኒ’ወ፡ ከም ኩሉ መቓልስተይ ሓርበኛ ተጋዳላይ! ብድምጺ-ሓፋሽ-ኤርትራ፡ መቓልሕ ቦሎኛ ክንሰምዕ ከሎና፡ ተወፋይነት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ተወፋይነት ኣዴታት ኢጣልያ፡  ክንሰምዕ ከሎና፡ ዝስማዓና ዝነበረ ናይ ቃልሲ ፍናን ኣዝዩ ሓያል  ኢዩ ነይሩ።

ቦሎኛ፡ ንሓፋሽ-ውዱባት ህዝባዊ ግንባር ማእከል ዝገበረት ትንበር እምበር፡ ትእምርቲ ኤርትራዊ ኢያ ነይራ። ዓበይቲ መራሕቲ ቃልሲ ኤርትራውያን ዝኾኑ፡- ከም ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ወኒ ኤርትራውያን ዘበራበሩ ዓበይቲ ኣቦታት ሃገራውያን ሙዚቀኛታት ዘሳተፈትን፡ ብዙሕ ሰሚናራት ዝተኻየደላን ማእከል ኢያ ነይራ።

ቦሎኛ ሎሚ’ኽ?

ቦሎኛ፡ ከም ኩለን ኣብ መላእ ዓለም ዝነበራ ናይ ኤርትራ ናይ ደገፍ ማሕበራት (Eritrea Support Committees & Affiliated Organisations)፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ኣትሒዛ፡ ዝነበራ ሽግ ሃጢሙ፡ ተረሲዓ ኢያ ጸኒሓ።

ቦሎኛ ሎሚ፡ ኣብታ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ማለት ዓሚ ጥቅምቲ 2013፡ ኣማኢት ሬሳታት ኣሕዋትናን ዕሸላት ደቅናን፡ ናብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረላ ሃገርና ኤርትራ ከየዕረፈ፡ ኣብ ግዝያዊ መካነ-መቃብር ዝተነብረላ ሃገረ-ኢጣልያ ኢያ ዘላ።  ንብዓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ኣዴታት ኣይነቐጸን፡ ሃገረ-ኤርትራ፡ ግቡእን ፍሉይን መዓልቲ -ሓዘን ኣይኣወጀን፡ ፕረሲደንት-ሃገረ-ኤርትራ፡ ከም ንቡር መራሕሒ ክገብሮ ዝግባእ ድንጋጸን ነቲ “የገልግለካ ኢየ” ዝብሎ ህዝቡ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ቀሪቡ ንስሙ’ኳ፡ ንስድራ መወትቲ፡ ጽንዓት ይሃብኩም ኣይበሎምን። ከምኡ’ውን፡ ንቡር ሰብኣዊ-ሕልና ዝጎዶሎም ኤርትራውያን፡ ዳርጋ ኣብ ልዕሊ ግብኣተ-መሬት ዘይተፈጸመሉ ሬሳታት ምስዕሳዕ ብዘስምዕ ኣገባብ፡ ላዕለዎት መራሕቲ  መንግስቲን ህግደፍን ዝባረኹዎ ዳንኬራታት ብምውዳብ ክስዕስዑ ዓለም ተዓዚባቶም ኢያ። ናይዞም ድሒሮም ዝተገልጹ፡ ታሪኽ ጽባሕ ክሓትቶም ምዃኑ ዘየጠራጥር’ኳ እንተኾነ፡ ብሕልናኦም እውን ደቂሶም ዝሓድሩ ኣይመስለኒን።

ዓሚ፡ ኣብ 2013፡ ብ’ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ቦሎኛ፡ እቲ ዝነበራ ታሪኽ ዳግማይ ብምሕዳስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ፡ ቃልሱ ንሓርነት ዘበራብረላ ተበግሶ ተወሲዱ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ብውሑድ ቁጽሪ ይጀመር እምበር፡ እቲ ተበግሶ ዝተባባዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ’ውን ብዝሓሸ መልክዑ ክድገም ትጽቢት ኣሎ፡ ክኸውን ዘለዎ ድማ ኢዩ።

 

ንሓርነቱ ዝተላዕለ ኤርትራዊ፡ ማለት፡ ንሰናይ ተበግሶን ጻውዒትን ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ከምኡውን በብዓዱ ዝግበር ዘሎ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡  ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ሰሪቱ ዘሎ፡ ብግዕዙይን ብልሹውን ምሕደራ ናይቲ ብውሑዳት መራሕቲ ህግደፍ ዝዕብለል መንግስቲ፡ ዝወርድ ዘሎ ኣስካሕካሒ ምግሃስ ሓርነትን መሰልን  ኤርትራውያን፡  ፍጹም-ጥልመት ዕላማታት ሰውራ ኤርትራ፡ ብቃልሱ ንምጭባጡ፡  ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ቦሎኛ ማእከል መነሃርያኡ ክገብራ ትምኒተይ ኢዩ።

እዚ ምዕባለ ከምዚ ዝተጠቕሰ እናሃለወ፡ ብወገን ህግደፍ፡ ሃንደበት ናይ ሃታሃታ ተበግሶ ብምውሳድ ኣብ ቦሎኛ ናይ “40 ዝኽሪ ፈስቲቫል” ክገብር ይዳሎ ኣሎ። ከምዚ ዝውረ ዘሎ፡ ብመንግስቲ መጋዓዝያ ክኽፈለሎም እውን ኢዩ።  ኣብታ፡ ሬሳታት ኤርትራውያን ገና ንቡር ሓመድ-ኣዳም ዘይረኸበላ ኢጣልያ እትርከብ ቦሎኛ፡ ገርሂ-ልበን ኣዴታት ምስቶም ጎሓላሉን ልኡኻቶምን ክስዕስዓ ኢየን። እታ ብሓርበኛ እትፍለጥ ዝነበረት ኣደ፡ ውላዳ ንመስዋእቲ ኣተባቢዓ ዘሰለፈት ኣደ፡ ጽባሕ፡ ኣብ ቦሎኛ ኣንጻር ዕላማታት መስዋእቲ ደቃ ክትስዕስዕ ክንዕዘብ ኢና። እቶም ንዕላማታት ሰውራ ኤርትራ ጨውዮም ግዝኣተ-ግፍዒን-ሽበራን ዘስፈኑ መራሕቲ ህግደፍ ድማ፡ ዲስኩር ከስምዑ ኢዮም።

ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኢዱ ኣጣሚሩ ክዕዘብ ኣይግባእን!

ታሪኽ ቦሎኛ፡ ብገዛእቲ ጉጅለ ህግደፍን ብዝተታለሉ ሰዓብቶምን፡ ምስላ ክብለል ከነፍቅድ ኣይግባእን!

ኤርትራዊ፡ ናብታ ትእምርቲ ሓርነት ኤርትራዊያን ዝነበረት ቦሎኛ ተጓዒዙ፡ ሽግ ሓርነት መሊሱ ክውልዕ ኣለዎ!

ቦሎኛ፡  መናሃርያ ቃልሲ ሓርነትና’ምበር፡ መደልደሊ ጭቆናና ክትከውን ኣይግባእን።

ዮውሃንስ ጸጋይ
ሎንዶን  
26 June 2014

ርእይቶ ንምሃብን ንምክትታልን ኣብዚ ጠውቑ።  For Comments click here


Share with friends:

Copyright© 2013 -  www.snitna.com
All rights Reserved.

Contact us ርኸቡና