Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

09/08/2014 12:36 PM

ካብ ጥፍኣት ዜጋታቱ
ጓይላ ዝዓጥጦ ስርዓት

[snitna.com]

ካብ ጥፍኣት ዜጋታቱ ጓይላ ዝዓጥጦ ስርዓት

ካብ ጥፍኣት ዜጋታቱ ጓይላ ዝዓጥጦ ስርዓት

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሰቃቂ ሂወት፡ ገለ ካብቲ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ገለ ድማ ‘ተመን ዝረኣየ ካብ ልሕጺ ተዳህለ’ ከምዝበሃል፡ ካብቲ ክመጽኦም ዝኽእል ታኼላ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ንምህዳም፡ ገለ ድማ ብሰንኪቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ድኽነት ናይ ናብራ፡ ቁጠባዊ ሽግር ወለዶም ንምቅላል፡ ካብ ዓዶም ክነፍጹ ይርከቡ ኣለዉ። ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ኤርትራውያን፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብሰንኪ’ዚ ኩነታት’ዚ ተሰዲዶም ኣለዉ። እቲ ናህሪ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናገደደ’ምበር ክዝሕል ኣይተራአየን።

እዞም ኩሉ ዕድመን ጾታን ዝርከቦም ኤርትራውያን፡ ኣብ ክትጸውየሉ ዘሰቅቕ ሓደጋታት ይወድቁ ምህላዎም ኣዝዩ ዘጉሂ ተርእዮ ኢዩ። ኣብ ማአከላይ ባሕሪ፡ ከምኡውን ምድረበዳታት ሲናይን ሊብያን፡ ይጠፍኡ፡ ግዳያት ጭውያን ዓሳታትን ይኾኑ ኣለዉ።  

ነዞም ኩነታት ኣገዲዱዎም ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ሓደጋ ዝወድቁ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ መንግስታዊ-ማዕከናት ኤርትራ፡ ብዝተፈላለየ ኣስማት ከጠምቕኦም ከምዝተሰምዓን ዝተራአያን ዝዝከር ኢዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ መራሒ-ሃገር፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ “ኣብ መስርሕ ጸገም ዝኾነካ ሰብ እንተሎ ከለየልካ ከሎ ይሓይሽ ” ክብል ከምዘባጨወሎም ዝዝከር ኢዩ። ሕልናን ልቦናን ኩሉ ኤርትራዊ ግን ካብዚ ናይ “መራሕ-ሃገር”  እምንቶ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኢዩ፡ ነዚ ኩነታት ብዓቢይ ሓዘንን ጓሂን ኢዩ ዝትምቶ።

ናይቶም ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ሓደጋ ዝወደቑስ ሕራይ ብመንግስታዊ ማዕከናትን ደገፍቲ ናይቲ ስሮኣትን ተጸሪፎምን ተዘሊፎምን፡ እቶም ትማሊ ናብ 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክወርዱ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ዕሸላት መንእሰያትና ምስ ጠፍኡ’ኸ ድኣ፡ ንስሙ’ኳ ኣብ ርእሰ-ዓንቀጽ ዜና ዘይመጽኣሉ ኩነታት ስለምንታይ ኢዩ። ኤሪ-ቲቪ፡ ኣብ ሃገረ-ካናዳ ዝተገብረ ጽምብል ፈስቲቫል ከመኡ ድማ ካልእ ከባቢያዊን ኣህጉራዊን ዜናታት ከም ርእሰ-ዓንቀጽ ጠቒሳ ጥራይ ሓሊፋ፡ ኣብ መወዳአታ ናይቲ ዜናታት ድማ ከም ጥብቆ ናይ ጽሉቕ ሓበሬታ ጥራይ ሂባ። ከም ግቡአ፡ እቲ ኣብ ጥንቁልሓስ ከባቢ ከረን ኣስታት 17 - 25 መነሰያት ቀዚፉ ዝበሃል ዘሎ ዜና፡ ከም ቀንዲ ዜና ኮይኑ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ብቐዳምነት ክስራዕ ነይሩዎ።  ንስርዓት ህግደፍ ግን፡ ጓይላ’ምበር እዚ ኣይንታዩን ኢዩ። እዚ ዘመልክቶ እንተሃልዩ ድማ ክቱር ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህይወት ዜጋታት ከምዘለዎ ኢዩ። እቶም ኣንበብቲ ዜና፡ ተዳልዩን ተሰሪዑን ዝተዋህቦም ስለዘቕርቡ፡ ብሕልናኦም ከምዝሓዝኑ ፍሉጥ ኢዩ።

ዓገብ! ዓገብ! ንበል ኤርትራውያን!

ስኒትና


Share with friends:

See also related:

Robel Tesfai: Victim of 'National Service' Slavery in Eritrea


Copyright© 2013 -  www.snitna.com
All rights Reserved.

Contact us ርኸቡና