መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንምዝካር

ﯾوم اﻟﻣﺣﺎر ﯾن اﻹر ﺗر ﯾن اﻟﻘداﻣﻰ - ن دﻋوة ﻟﻛﻞ اﻻر ﺗر ﯾ

Eritrean Veterans Day


Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LiveJournal Share via e-mail Print
The Martyr has spoken ስዉእ ተዛሪቡ

1


Design: Yohannes Berhe

Powered by: snitna.com

Home መእተዊ  About us ብዛዕባና Events መደባት  Documentary ሰነዳት  Archives ከብሒ 

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንምዝካር

ﯾوم اﻟﻣﺣﺎر ﯾن اﻹر ﺗر ﯾن اﻟﻘداﻣﻰ - ن دﻋوة ﻟﻛﻞ اﻻر ﺗر ﯾ

Eritrean Veterans Day


Home መእተዊ  About us ብዛዕባና Events መደባት  Documentary ሰነዳት  Archives ከብሒ 
Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LiveJournal Share via e-mail Print

24/07/2016 21:49 PM

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ

ብሳሙኤል ገብረሂወት


ኣብዚ ቕንያት እዚ ኣብ መርበባት ሓበሬታን ሬድዮ ደለይቲ ፍትሕን ብዛዕባ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ምህላው መዓልቲ ሓርበኛታት ብዝምልከት ቅዱስ ሓሳብ  ክዝረብ ቀንዩ ኣሎ።  እቲ መንቀሊኡ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ሓያሎ ኣዋርሕ ይገብር ሰይቲ ስዉእ ውፍይቲ ተቓላሲት ኪኪ ጸጋይ፡  "ንሓርበኛታትና ካብ 365 ዕለታት ዓመት: ሓንቲ መዓልቲ መሪጽና ክንዝክሮም ኣለና!" ዝብል ሓሳብ ኣንቂላ ምስ ሓደ ሓደ ተቓለስቲ ክትዘራረብ ጀሚራ።  እቲ ሓሳብ ኣብ ብዙሓት ብሓርበኛታቶም ዝግደሱ ደቂ ሃገር ስለዝጸንሐ፡ ነዚ ቅዱስ ሓሳብ እዚ ዝኣመኑሉ ግዱሳት ሃገራውያን አሕዋት፡ ብዛዕባ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን መዓልቲ ሓርበኛታት ንንውሕ ዝበለ እዋን ብምዝርራብ፡ ክሳብ ዳሕራይ እዋን ህዝቢ ብሰፊሕ ተሳትፎ ዘትዩን መኺሩን ዝሓሸት ዝብላ ዕለት ዝመርጽ፡ ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ  ምስናይ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታኣ ግዚያዊት ሃገራዊት መዓልቲ ሓርበኛታት ክትከውን ኣሚሞም። ስለዝኾነ እትመጽእ ዘላ ቀዳም ሽዱሽተ ነሓሰ ቀዳመይቲ ሃገራዊት መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኮይና ክትበዓል እያ።


ንምዃኑ ስለምንታይ እዩ መዓልቲ ሓርበኛታት ክህልወና ዘድሊ፤ እንታይ ኣገዳስነትከ ኣለዎ፤ ኣብ ርእሲ እቲ ዘለና ሃገራውን ህዝባውን በዕላት ካልእ በዓል ምውሳኽከ ንምንታይ የድሊ፤ ዝብል ሕቶታት ክለዓል ባህሪያዊ እዩ። እታ ነዚ ሓሳብ'ዚ ዘንቀለትን ነቲ ሓሳብ ዘራጎዱ ግዱሳት ሃገራውያንን  እውን ነዚ ሕቶታት እዚ ኣልዒሎሞን  ዘትዮምሉ እኳ እንተኾኑ፡ እዚ ዓንቀጽ እዚ  እውን ንታሪኻዊ ድሕረ ባይታን ኣመዓባብላ መዓልቲ ሓርበኛታት ኣብ ዓለምናን ኣብ ሃገርናን ዳህሲሱ ርካቡ ከቕርብ እዩ።

 

ይኹን እምበር ቅድሚ ኣድላይነት ህላዌ መዓልቲ ሓርበኛታት፡ ብመጀመርታ በቲ ቀንዲ ዛዕባ፡  ማለት፡ ብትርጉም  ሓርበኛን ሓርበኝነትን ክንዛረብ።  እታ ሓርበኛ እትብል ቃል፡ ንሓርበኝነት፡ ማለት ነቲ ተግባርን ፍጻሜን እትገልጽ ወይ እትውክል ቃል ኮይና፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገር ንምርግጋጽን ንምሕላውን ክብል ኣብ መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል  ተሰሊፉ በጃ ህዝቡን ሃገሩን ህይወቱ ንክብጁ ዝተሰለፈ፡ ውጻእ መዓተ - ኩናትን መኸተ ቃልስን ንዝኾነ ሰብ እትገልጽ  ቃል እያ።  ሓርበኛነት ከኣ ንትርጉም ሓርበኛ ንምብራህ ንዝተገልጸ ተግባር ምፍጻም ማለት እዩ።


እዚ እቲ ናይ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ኣድማሳዊ መግለጺ ኮይኑ፡ ኤርትራዊ መግለጺ ንሓርበኝነትከ እንታይ ኮን ምኾነ ዝብል ሕቶ ክህልወና ይኽእል እዩ። ብኣረዳድኣይ፡ ኤርትራዊ ትርጉም ንሓርበኛን ሓርበኝነት እውን ካብቲ ኣድማሳዊ ትርጉም ኣይፍለን እዩ።  ምናልባት  መን እዩ እቲ "ሓርበኛ" ክበሃል ዝኽእል ወይ ዝግበኦ ሰብ ዝብል ሕቶ፡ ጽባሕ ንግሆ  ቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ዝተተኽለሉ እዋን  እቲ ቅዋም ዘውሕሶ ሃገራዊ ባይቶ ዝውስኖ እኳ ይኹን እምበር፡  ንትርጉም ሓርበኛን ሓርበኛነትን ግን  ምስ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታናን ፖለቲካዊ ጉዕዞናን ብምዝማድ ኤርትራዊ  ትርጉምን መግለጽን ክንህበሉ ይከኣል እዩ።


ኤርትራና፡ ኣብ 1980፡  ብመግዛእታዊ ውዑል ከም ሃገር ካብ እትቐውም  ኣትሒዛ፡ ዜጋታታ፡ ሃገራዊ ክብሮም ከውሕሱን  ክዕቅቡን ንመግዛእታዊ ምልኪ ብዝተፈላለየ ሜላን ኣገባብን ገጢሞሙዎ እዮም። ብሰንኪ እምቢታኦም ኣብያኦምን ከኣ ክሳብ ኣብ ደሴታት ዳህላክን ናኹራን ፈቐዶ ካርቼሊታትን ብጽኑዕ ተሓይሮም ዝጠፍኡን ዝሓቐቑን ሓርበኛታት ኣበዋትና ብዙሓት እዮም።  ዋላኳ ክሳብ ሕጂ ጽጹይ መጽናዕቲ ተኻይድሉ ብዝርዝን ብዝግባእን እንተዘይተሰነደ፡ ኣብ ሕልናን ዝኽርን ህዝብና ግን ወትሩ ስኑድ እዩ።


እዚ ሰብኣዊ ክብሩን መሰላቱን ከኽብር ብዝኽእሎ ዘበለ ኣገባብ ዝተቓለሰ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ንትርጉም ሓርበኛን ሓርበኛነትን ምስ ኩሉ ምረቱን መስዋእቱን ብግብሪ ፈቲኑዎን ተዋሲኡሉን ስለዝኾነ፡  ሓርበኛ ዝብሎ፡ ኩሉ ድሌታቱን ረብሑኡን ምእንቲ ረብሓ ህዝብን ሃገሩን ንኽስውእ ዝተቓለሰ ውፉይ ዜጋ እዩ።


እዚ፡ ከም ማንም ህዝቢ ዓለም፡ (ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ከም ህዝቢ  ደላይ ፍትሕን ሰላምን ስለዝኾነ) ብሰላምን ቅሳነትን ብሕግን ስርዓትን ክነባበር ዝደሊ ጭዋ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተኸታተልቲ መግዛእታዊ ሓይልታት ሰብኣዊ ክብረቱ ረጊጾም መሰላቱ ጓዕጺጾም ምስ ደሃኹዎ ፡ ሓርበኛታት መራሕቱ፡ እምቢ ንመግዛእቲ እምቢ ንምልኪ ብምባል ደቂ ሃገር ኣኽቲቶም ብበትርን ጭማራን  ኣንጻር ዓረርን ኣጽዋርን ገጢሞም እዮም።   ሃገር ከምጽኡን ሃገር ክዕቅቡን ኣብ ብረታዊ ቓልስን ድሕሪኡን ዝወደቑ ብኽብሪ እንዝክሮም ጀጋኑን፡ ውጻእ መዓት መሪር ዓውደ ኩናትን ኣበዋትና  አሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ እቶም ሃገር ብሓበን እትዝክሮም ሓርበኛታት እዮም።


ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር መቐጸልታ ፖለቲካዊ መኸተ ወለድናን  ህዝብናን ስለዝኾነ  ሰውራ ኤርትራ ሓርበኝነት ኣበዋቱ ክደግምን መስተንክራዊ ቅያ ክፍጽምን ኣይጸገሞን። ብኣድልዎ ዓለማዊ ሓይልን ዓሎቕ ጎረባብቱን ዝተበደለ  ህዝቢ ኤርትራ መሰሉን ክብሩን ንምርግጋጽ መሪር ጉዕዞ መኸተን ብደሆን ዝተጓዕዘ ሓርበኛ ህዝቢ እዩ። ሓርበኝነት፡ ሃገረይ፡ ህዝበይ፡ ወገነይ፡ ጸግዐይ፡ ዶባተይ፡ ርስተይ፡ ክብረተይ፡ ዝብል ሃገራውን ህዝባውን ወኒ እዩ።  


ብረታዊ ቃልስና፡  ብረታዊ ጎንጽን  አሕዋትን ኣሓትን  ደቂ ሓንቲ ስድራ ዘፋለሰ ኩናት ሓድሕድ እውን ስለዝነበሮ፡ ብጓህን ቃንዛን እንዝክሮ ጸሊም ታሪኽ ኣለዎ።  እቲ ክቡር ደም  ዝሓተተ ጎንጺ ክልተ አሕዋት ኣብ ውሽጡ ዓሚቝ ምህሮን ተመኩሮን ስለዘለዎ ደቅና ካብ ጌጋታት ወለዶም ንኪመሃሩ  ብዝግባእ ክንምህረሉ ይግባእ። እዛ ንኽብሪ ሓርበኛታት እተሓጽየት ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ እምበኣር፡ ኩናት ሓድሕድ እተጸየነ ህዝቢ ኣስመራን ከባቢኣን ኣብ 1974 ናብ ወከ ዛግር ብምውሓዝ  ኣብ ክልተ ግንባራት ተፋጢጦም ንዝነበሩ ደቁ ዝዓረቐላ፡ ወርሒ ዕርቅን ተስፋን ስለዝኾነት እያ መዓልቲ ሓርበኛታት ክትከውን ተሓርያ ዘላ። ብዛዕባ እቲ እዋንን ፍጻሜን ኣብቲ እዋንን ቦታን ዝነበሩን ዝወዓሉን ዓራቖን ተዓረቕትን ብዝሰፍሐ ከዘንትዉልና ስለዝኾኑ፡ እዚ ዓንቀጽ እዚ ንኣገዳስነትን ርዝነትን እታ ዕለት ጥራሕ እዩ ከጉልሕ።


ወዮ ደኣ ገና ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ኣዚዩ ጭንቑን ተኣፋፍን እዋን ይርከቡ ኣለው እምበር፡ ተረከብቲ ሕድሪ አሕዋትናን ደቅናን ታሪኽ ቅያን ጀግንነትን ወለዶምን ኣበዋቶምን ኪመሃሩሉን ክኾርዑልን፡ ካብቲ ጸጽብቑ ክመሃሪ ካብቲ ሕሉፍ ጌጋታት ክምኮሩ፡ ካብ ሓርበኛታቶም ቀጥታዊ  ሓበሬታ መታን ክረኽቡ ህላወ መዓልቲ ሓርበኛታት ኣገዳሲ እዩ።


እዞም ኣብ ስደት እንነብር ዜጋታት ኣብተን እንነብረለን ዘለና ስልጡናት ሃገራት ንዘሎ ኩለንትናዊ ተመኩሮ ክንመሃረሉን፡ ነቲ ምስ ክውንነትና ዝኸይድ መዳያቱ  ብቕዱስ ቅንኢ ክንቀድሖንሲ  ነውሪ ኣይኮነን። ህዝቢ እተን ስልጡናት ሃገራት ንሓርበኛታቶም  ፍልይቲ ናይ ዝኽሪ ዕለት ሰይሞም  ዝግባእ ክብሪ ብምሃብ፡ ሓርበኛታቶም ንናጽነት ሃገሮም ኮነ ንምክልኻል ልዑላውነቶም ኣብ ዘካየድዎ ተጋድሎ ንዘሕለፉዎ ሓድሕዳዊ ፍቕርን ብጻይነትን ተወፋይነትን ጀግንነትን ብዘኹርዕ መገዲ  ናብ መንእሰያት ወለዶ ከሰጋግሩዎ ንርእን ንሰምዕን ኢና። እሞ ንሕናኸ፡ እቶም ከም ሃገር ካብ እንፍጥር ኣትሒዝና ክሳብ ሕጂ ሃገር  ኣብ ምፍጥራ ኮነ ኣብ ምዕቃባ፡ ከምኡ እውን ሰብኣዊ ሓርነት ንምጉንጻፍ ኣብ ቃልሲ እንርከብ ህዝቢ ከመይ ንሓርበኛታትና በቲ ዝግባእን ክኸውን ዘለዎ ኣገባብን ክብርን ዘይንክሮምን ዘይነኽብሮም።


ርግጽ እዩ፡ በብምኽንያቱ ዝበዓል ንሃገራዊ ክብርናን ጉዕዞናን ዝገልጽ ሃገራዊ በዓላትን፡ ንኽልቲኡ ሃይማኖታት ህዝብና ዝውክል ህዝባዊ በዓላትን ኣሎና። እቲ ምስ ብረታዊ ተጋድሎና ዝተኣሳሰር ሃገራዊ በዓላትና ጥራይ እኳ፡ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ባሕቲ መሰከረም፤ መዓልቲ ናጽነትና 24 ግንቦት፤ ዕለተ ሰማእታትና 20 ሰነ፡ ማለት ሰለስተ ቀንድን ዓበይትን በዓላት ኣለዋና። ነዘን በዓላት እዚኣተን ክውን ዝገበረን ቃልሲ ፈሊሙ ኣብ መፈጸምትኡ ዘብጸሐን ሓርበኛ ህዝብና፡ ሓንቲ መዓልቲ ካብ ዕለታት ዓመት መዓልቲ ሓርበኛታት ሰምዩ ንሓርበኛታቱ ክብሪ እንተሃበ፡ መሊሱ ክብሩ ይኹላዕን ይደምቕን እምበር ኣይጉዳእን እዩ።


ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፡  በቲ ንቡርን ሕጋውን ኣካይዳ፡ መን እዩ "ሓርበኛ" ንዝበሃል ሕቶ፡ ጽባሕ ንግሆ  ቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ዝተተኽለሉ እዋን  እቲ ቅዋም ዘውሕሶ ሃገራዊ ባይቶ ዝውስኖ እኳ ይኹን እምበር፡  መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነትን ምውሓስ ልዑላውነትን ብኹለንትናኡ ስለዝተሳተፈ ብምልኡ ሓርበኛ እዩ። እዛ ሕጂ ንፈለማ እዋን ከም ሃገራዊት ግዝያዊት መዓልቲ ሓርበኛታት ክትከውን ተኣሚማ ዘላ  6 ነሓሰ እምበኣር፡ ኣብ ኤርትራውያን ውድባት ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ብረት ዓጢቑ ዝተቓለሰ ኮነ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ምኽባር ልዑላውነት ዝተዋስአ ዋርሳይ ይከኣሎ ጥራሕ ዘይኮነ እታ ዝርካባ ፍቕዲ እንቋቑሖ ዝሃበትን እንጣጢዕን በጺቢጻ ደቃ ዝዓንገለትን ሓርበኛ ወላዲትን እቲ ክሳብ ቅድመ ግንባራት ኣትዩ ስንቅን ዕጥቅን ዘቐበለን ውጉኣት ዘልዓለን ስዉኣቱ ዝቐበረን  ካልእ ኩሉ ብዓቕሙ ዘበርከተን ዝተሳተፈነ ሃገራዊ  ብምልኡ ሓርበኛ እዩ። ኣብዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ ከኣ ብሓበን ክዝከርን ክኽበርን ይግበኦ። ክሳብ ውዳበና አሕይልና ዓቕምታትና ኣወሃዲድና ንሓርበኛታት ዝበቅዕ ዕለተ ጽንብል እነካይድ፡ ለብዘበን ኣኣብ ዘላናዮን በብዓቕምናን ን06 ነሓሰ 2016 ከም ፈላሚት ኤርራዊት መዓልቲ ሓርበኛታት ክንቀበላን  ከነብዕላን እቲ ኽብሪ ንዓና ነቶም ንሓርበኛታትና ክብሪ እንህብ ዜጋታት ኢዩ እሞ ክብሪ ይሰማዓና!!


ሳሙኤል ገብረሂወት

22/07/2016