Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 



ማዓር ዓዱ ገዲፉ፡

ማዓር አንዳማቱ ዝደሊ ኤርትራዊ

የለን።


ተኸታታሊ ናይዚ ብ'ኤሪቲቪ (ERI-TV) ቀሪቡ ዘሎ መደብ፡ ከተስተውዕለሉ ዝግባአ ነገር፥-


(1) ሽግርን ጠንቂን ስደት፥ ካብ ሱዳን ወይ ሊብያ ዘይኮነስ፡ ካብ ውሽጢ ዓድና ኤርትራ ኢዩ ዝጅምር። ነዚ ግሁድ ሓቂ'ዚ ክኽውል ዝፍትን፡ ሰማዒት ኤርትራዊት አዝኒ'ውን ዝረክብ ኣይመስለንን። ንውሑዳት ግሩሃት ግን ከደናግር ይኸአል ይኸውን።

ማዓር ዓዱ ገዲፉ፡ ማዓር አንዳማቱ ዝደሊ ኤርትራዊ የለን

(2) ኤውሮጳ ኮነ ኣመሪካ፡ ብዕልቕልቕ ደለይቲ ዑቕባ፡ ዓቕለን ጸቢቡወን ኢዩ ዘሎ። ንኩሉ ስደተኛ፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ክጥርዝኦ አውን ዝጸልኣ ኣይመስለንን። አንተኾነ ግን ከምኡ ከይገብራ ዝቕይደን ኣህጉራዊ መሰል ደቂ-ሰብ ኣሎ። ስለዚ፡ ብስኹን ሕልና ንዝሓስብ ሰብ፡ እዘን ሃገራት እዚእተን፡ በየናይ መለክዒ ወይ ረብሓ ስለዘለወን ኢዩ ንስደት ኤርትራዊያን ከም ጠንቂ ጌርካ ክውቀሳ ዝከኣል? ብእንጻሩ እኳ'ድእ፡ ህይወት ኤርትራውያን ካብ ኣፍ-ዓሳ ብምድሓነን ሞገስ ይግብአን።


(3) ልክዕ'ዩ፡ ስደት፡ ብፍላይ ከኣ እዚ ንኤርትራዊ ኣብዚ እዋን'ዚ ጎኒፉዎ ዘሎ፡ ናይ ኣማኢት እሽሓት ጨለቅዕ መንእሰያት ስደት፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኤርትራ፡ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ስደት ድማ ከም ሽሙ ጥዑም ኣይኮነን። ካብ ዓድኻ ወጺእካ ኩሉ ጥዑም'ዩ ማለት እይኮነን፡፡ አቲ ክብረት፡ ቅሳነት፡ ምዉቕ ስድራቢታዊን ሕብረተሰባዊን ህይወት፡ ኣብ ዓድኻ ኢዩ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት ዝርከብ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንቡር ተሓሪሙዎ፡ ዝወለደ ከምዘይወለደ መኻን ኮይኑ፡ ምቅሊት ዝጥውሮ ውላዱ ተነፊጉ፡ ኣብ ንእዲ ዘልዕሎ ስኢኑ፡ ናብ ሓመድ ድበ ይኸይድ ኣሎ። ፍጥር ዝበለ ቆልዓ ድማ፡ ኣደዳ ዝሓለፉ ኣሓቱን ኣያታቱን ከይከውን፡ ኣብ ኣገልግሎት ንመዋእሉ ከይቁረን፡ ካብ ንእስነቱ መዋጽኦ ንምርካብ ሃንቀው ይብልን፡ እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ናይ ዕሸላት ደቅና ቅዝፈትን ስደትን ድማ ጠንቁ እዚ ኢዩ። እቲ ዘንፍጾም ዘሎ ኣብ ውሽጢ ዓድና ሰሪቱ ዘሎ ጸገም ከይተኣልየ ድማ ፍታሕ ክርከብ ዝከኣል ኣይኮነን። አቲ ፍታሕ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስልጣን ተረኪቡ፡ ንሱ፡ ብቅዋማዊ ባይቶኡ ኣቢሉ ዝቆጻጸሮ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል ምስ ዝበቅዕ ጥራይ ኢዩ።


አሞ፡ ዝኸበርኩም ደቂ ኤርትራ!


ንሓድሕድና ንከባበር፡ ንሓቂ ክንደፍን ኣይንፈትን፡፡ ንሓድሕድና ኣይንጸላለም። ትማሊ፡ ካብ ሓንቱ ማህጸን ወጺእና፡ ናብ ሻዕቢያን ጀብሃን ብሓጎስ፡ ንሓደ ቅዱስ ዕላማ፡ ማለት፡ ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ኢና ተሰሊፍና ወይ ተጋዲልና። ሕጂ'ውን፡ ኣብ ክልተ ደምበ፡ ማለት፡ ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓትን፡ ካልኦት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝደፍኡ ሓይልታትን ምስላፍና፡ ሓጥያት የብሉን። እታ ምጭውቲ ዓድና ንኹልና እኺሉ ብዝተርፍ ዓቕሚ ከተአንግደና ትኽእል ኢያ። ኢቲ ከይንፋቐር፡ ኢሂን ምሂን ከይንበሃሃል ዝዕንቅፈና ጥራይ ዘይኮነ፡ ለይቲን መዓልቱን ብዝተራቐቐ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ዘታልለና ዘሎ ናይ ሓባር ጸላኢና ፈሊና ከነለልዮን ክንቃለሶን ኣሎና። ሃገር ናይ ህዝቢ ድኣምበር፡ ብሕታዊት ንብረት ናይ ሓደ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ ኣይኮነትን። ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ህይወትን መሰላትን እውን ከምኡ፡ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ኢዩ። ስለዚ፡ ኩልና፡ ንመሰል ሓፋሽ ህዝብና ደው ንበል፡ ነዚ ዕላማ'ዚ ድማ ኣበርቲዕና ንስራሕ። በዚ መንፈስ'ዚ እንተተጋዒዝና፡ ራህዋ ህዝብና ቀልጢፉ ክመጽእ ኢዩ፡ ስደት ህዝብና ድማ ንሓዋሩ ከብቅዕ ኢዩ።


ዓወት ንውጹዕ ሓፋሽ ህዝብና!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሞጎስን፡ ነቶም ራህዋ ህዝቢ ኢርትራ ከምዝረጋገጽ እናተኣማመኑ፡ ነታ ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩልና ጀጋኑ!

መብጽዓ ሰማአታትና፡ ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ: ኩልና ሓላፍነት ኣሎና።


ካብ ሓውኹም

 ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን -- ዓ/ብሪጣንያ)

 18 August 2015






Snitna: Code of Conduct

መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

[Snitna.com  ስኒትና]

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more





Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe