Home  About us   Contact us

Copyright © 2013 - 2016  www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

መበቆል ህዝቢ ኤርትራ

Genealogy of Eritrean People

ቅዋም ኤርትራ

Eritrean Constitution


Dr. Bereket Habteselassie

ሃይለ ወለንስኤ (ድሩዕ)፡

እዋኑ እዋን ለውጢ ኢዩ!

It is Time for Change!

Injustice in Eritrea - hidden story


Eritrea easy start page

Educational - Free ናጻ-ትምህርቲ

Emnetu’s Eritrea ሰነዳት

Eri-Diaspora Businesses

Eri-Paltalk Rooms ፓልቶክ

ERITRIP

Eriitrea - Tourist Attractions

Haddas Ertra

Eritrea - Religious Holidays

Business ideas

Insurance quotes

Health & Personal care

Travel and Home products

Smart products online

EveryDay Services


መንግስቲ! መንግስቲ! መንግስቲ! መንግስቲ! መንግስቲ! መንግስቲ...!

 ብ’መሲናስ  11 October 2015


ኣቱም 'ኣብ ኤርትራ ሃገርና መንግስቲ ኣሎ!' እትብሉ ሰባት፡ ሰባት እንተኴንኩም ማለተይ እየ! ምኽንያቱ፡ ሰብ ማለት ሕልና ማለት ስለ ዝኾነ! ሕልና ዘሎዎ ሰብ ከኣ እናፈለጠ፡ ንጸሊም ጻዕዳ ኣይብልን'ዩ! በሉ'ስከ ኣበየናይ ናይ ዓለም ሃገር ኣሎ፡ ዜጋታቱ ብኸምዚ ትርእዩዎ ዘለኹም መሪር ግፍዒ እናተሳቐዩ ከለዉ፡ ንኣውያቶም እዝኒ ከሊኡ፡ ብኣብ ሶማል፡ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ኣብ ዒራቕን፡ ብኣሸበርቲ ብዝተቐትለ እንኮ ናይ ወጻኢ ዜጋ፡ ብመራኸቢ ብዙሃኑ ለይትን ቀትርን ዓንገረር ዚብል!? ብዘይካ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ፈያት (ሸፋቱ) ካልእ ከምዚ ዚገብር መንግስቲ እንተልዩዶ ክትነግሩኒ ምኸኣልኩም!? ልዕሊ ዜጋታቱ፡ ዜጋትታት ዓዲ ሃገር ዘገድሱዎ ስርዓትስ ኣብ መፈጠርኩም ርኢኹም ትፈልጡ!? ዋላ ብታሪኽውን ሰሚዕኩም ትፈልጡዶ!? ሽፍታ'ኳ ንሓደ ብመንግስቲ ዝተማረኾ ኣባሉ ንምድሓን ኩሉ ዚከኣሎ ዚገብር!

 

ንዑ'ባ በጃኻትኩም ነታ ሓቂ ዋላ መራር ትኹን፡ ስለ ሓቂ ኢልኩም ጨልጡዋ'ሞ፡ ዓው ኢልኩም ኣብ ቅድሚ ፈጣርን ሰብን ሓቂ ተዛረቡ! 'ኣብ ኤርትራ መንግስቲ የለን!' በሉ። እምበኣር፡ እታ ኤርትራውያን መጀምርያ ክንፈልጣ ዘለና ሓቂ፡ መንግስቲ ከምዘይብልና ምግንዛብ'ያ! ብድሕሪ'ዚ፡ ማለት መንግስቲ ከምዘይብልና ምስ ፈለጥና፡ ዋላ ኣዝዩ ሕማቕ ይኹን፡ መንግስቲ ንኽህልወና ንጽዕር ማለት'ዩ! ኣበየናይ ዓዲ ርኢኹም ትፈልጡ ልዕሊ 350 ዜጋታቱ፡ ብሓንቲ ደቒቕ ተቐዚፎሞ ክነሱ፡ ባንዴራ ሃገሮም ንሳልስቲ ዘየድንን ህዝቡ ዘየጸናንዕን!? ኣበየናይ ዓዲ ርኹም ትፈልጡ፡ ሓደ መንግስቲ ንዝደለዮ ሰብ፡ ካብቲ ዝለዓለ ምሁር ይኹን ብዓል ስልጣን ጀሚሩ ክሳብ እቲ ዝተሓተ ወተሃደር ይኹን ጓሳ፡ ኣብ ዝደለዮ ግዜን ቦታን መጺኡ ብምጭዋይ፡ ከም ንብረት ሕድሪ ኣብ ጸላም ዳጒኑ ዘሐቅቕ!? ኣንታ ክንደይ ኢልና'ሞ ክንጠቕስ ኢና ናይዚ ጉጅለ'ዚ ዘይመንግስታዊ ተግባራት!

 

ኣነ ኣቐዲመ ኣብ ኤርትራ ሃገርና መንግስቲ ከምዘየለ ፈሊጠ'የ፤ ስለዚ ድማ'የ ብምሉእ ልበይን ዓቕመይን መንግስቲ ንክህልወና ዝጽዕር ዘለኹ! ቃንዛ ኣሕዋትና፡ ዋላ ቊሩብ ኣይስመዓናንድዩ!? ረኣዩዎ'ሞ እዚ ህያው ምስክር፡ ስቅያትን መቕዘፍትን ኣሕዋኣትና! እዚ'ኮ በጃ ዜጋታቱ ዝጣበቕን ህይወቶም ዘድሕንን መንግስቲ ንክልወና ንኽንጽዕት ዚድርኽ ፍጻመ'ዩ! ካብ ከምዚ ዝበለ ስቅያት ከድሕነና ዘይክእል፡ ዓለም ብዓለሙ ናትና ምዃኑ ዘረጋገጾ'ሞ ብባዕዳዊ ሓይሊ ተወሪሩ ዘሎ መሬትና ኣምሊሱ፡ ዶባት ሃገርና ከውሕስ ዘይክእል፡ መሰረታዊ ቀረባት፡ ማለት ከም ባኒ፡ ማይ፡ ኤለትሪክ ወዘተ. ከውሕስ ዘይክእል ጉጅለስ መንግስቲ'ዩ ይብሃል!?

 

በየናይ መልክዒ!? ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ክንዲ ምዕባለ ዓለም ብዝፈጠሮ ማሽን፡ ግዜን ጉልበትን ዓቂቡ ልምዓቱ ዘቃላጥፍ፡ ንቈልዓ ዝሓዘላ ኣደታት ኣፍራዛ ኣትሒዙ፡ ጎቦታት ብምፍሓሩ ዝንየት ጉጅለ እኮ ኢና መንግስቲ ንብሎ ዘለና! ኣብቲ ንፕሮፖጋንዳ ኢሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሃኑ ዘቕርቦ ስእልታት ህዝብና'ሞ ብልቢ ተዓዘቡዎ! ንሓደ ብሓይሉ ኣብ ዝፋን ህዝቢ ኮፍ ስለ ዝበለ ጥራይ!? ታንክታትን ጠበናጁን ስለ ዝዓጠቐ ጥራይ!? ግዱድ ዓሽከር ስለ ዘሎዎ ጥራይ!? ዓለም ከም መንግስቲ ዘይኮነስ ከም ህዝቢ ኤርትራ ተቐቢላ፡ ነቶም ብስም ኣምበሳደር ገንዘብ ዘዋጽኡሉ ካድራቱ፡ ኣብ ሃገራ ንኽቅመጡ ስለ ዝፈቐደትሎም ጥራይስ መንግስቲ ከጸውዖ ይኽእል!? እዋእ! መንግስቲ ማለት እንታይ ማለትድዩ!?

 

መንግስቲ ማለት ትርጉሙ ብዙሕ ኪኸውን ይኽእል እንድዩ፡ ንኣይ ግን መንግስቲ ማለት ብውሑዱ፡ ኣብ ሓደ ዓቢ ናይ ህዝቢ ትካል፡ ብዋጋ ተቖጺሩ ዚሰርሕ ኣገልጋሊ ህዝቢ ማለት'ዩ! ብሓጺሩ ተገልጋሊ ወይ ጎይታ ህዝቢ ዘይኮነስ ኣገልጋሊ ወይ ድማ በቲ ትሑት ደረጃኡ ጊላ ህዝቢ ማለት'ዩ! ነቲ ዓቢ ትካል ህዝቢ (ሃገር) ብግሉጽነት፡ ብተሓታትነት፡ ብሓፈሻኡ ብሕጊ (ብቅዋም) ከመሓድር ብቕዓት እንተ ጎዲሉዎ ከኣ እቲ ዋና ትካል (ህዝቢ) ኣብ ዝደለዮ ግዜ፡ ንኣኡ ኣልዩ ካልእ ኪኢላ ዝቖጽረሉ ኣጋጣሚ ፈጢሩ፡ ብዘይጸገም ዚቕይሮ ምስ ዚኸውን'ዩ መግስቲ ዚብሃል።

 

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ ምስቲ ንዘበናት ዘሕለፍናዮ ናይ ባዕልና መንግስቲ ናይ ምውናን ባህጊ ተጣሚሩ፡ ክቱር መንግስቲ ክህልወና ናይ ምድላይ ባህጊ ከም ዘለና ይርድኣኒ'ዩ! ግን ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ክንረኽቦ ኣይተዓደልናን! ገና ኤርትራዊ መንግስቲ ኣይተኸልናን! መንግስቲ የብልናን! ከም ዝህልወና ግን ጥርጥር የብለይን! ምኽንያቱ፡ ሕጂ ብናይ ኩሉ ግናይ ተመክሮ ዘቕቢብና ስለ ዘሎና፡ ዳግም ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓዘቕቲ ንኣትወሉ ዕድል ወይ ኣጋጣሚ ብፍጹም ኣይክህሉን'ዩ ዚብል ምሉእ እምነት ኣሎኒ!

 

መራሒና፡ እዚ ትማሊ ብምኽንያት መበል 24 ዓመት ናይ ማሕዩር ግዜኡ፡ ብመገዲ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣቢልና፡ ራኢኡ ብድምጹ ዝሰማዕናዮ ጅግና ኤርትራዊ፡ ብርጋደር ጀነራል ቢተወደድ ኣብርሃ ኔሩ እንተዝኸውን ኔሩ፡ ሕጂ ኣበይ ምሃለና ኢልና ክንሓስብ ሕልናና ኪድርኸና ኣለዎ! ኣነ ክቱር ጽምኢ ኤርትራዊ መግስቲ ስለ ዘሎኒ፡ ኣቐዲመ ከምዚ ዚስዕብ ኢለ ኔረ'የ፥ ሕጂውን ደጊመ እብል ኣለኹ።

 

ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ክባራረዩልና

ወራር ድሕሪ ወራር ብጽንዓት መኪትና

ብመስዋእቲ ኣእላፍ ሃገር ምስ ወነንና

ካብቲ ዝሓለፈ ሎሚ ከፊኡና

ጉጅለ ሸፋቱ ደም ኣንቢዖሙና

ዋላ ሕሱም ይኹን መንግስቲ ናፊቕና!

 

እወ። ዋላ ኣዝዩ ሕሱም ወይ ሕማቕ ይኹን መንግስቲ የድልየና ኣሎ!

 

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

 

ካብ ሓውኹም መሲናስ 11-10-2015