Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 





ጉዳይ ጀጋኑ ስንኩላን ኤርትራውያን ብ’ዮውሃንስ ጸጋይ (18 November 2015)

ብቐዳምነት ሰላም ንኹልኹም ኤርትራውያን!

ኣብዚ ናይ ሎሚ ሓጺር መልእኽተይ፡ ከምዚ ኣብ ኣርእስቲ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ብዛዕባ ጉዳይ’ቶም ምእንቲ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝሰንከሉን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡን ጀጋኑና ኢዩ።

ከምቲ ኩልና እንፈልጦ፡ ብሰሪ’ቲ ክሳብ ሕጂ ፈውሲ ዘይተገብረሉ፡ ምምቕቓል ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ክልተ ውድባት፡ ማለት እታ ኣደ ሰውራና ዝኾነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)ን፡ እታ ኣብ 1970 ካብኣ እተፈንጨለት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)ን፡ ዝወለዶ ሳዕቤን፡ ገና ግቡእ ናብዮትን ክንክንን ዘይረኸቡ ስንኩላን ሓርነት፡ ኣብ ሱዳን (ከሰላ) ከምዘለዉ ይፍለጥ። እቶም ካልእ ስንኩላትና ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ህግሓኤ እናተቓለሱ ዝሰንከሉ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኢዩ።

እዞም ጀጋኑ ስንኩላትና፡ ብሰንኪ ከቢድ መውጋእቶምን ምስ ዕድመ እናገደደ ዝኸይድ ቃንዛኦምን፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ናይ ናብራ ኩነታት ከምዝርከቡ፡ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ

ንኣብነት፡ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ማሕበር ስንኩላን ሓርበኛታት ኩናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ስ.ሓ.ኩ.ኤ) መምህር ገብረብርሃን ኢያሱን ምክትሉ ኣቶ ፍስሃየ ተስፋማርያምን፡ ብዕለት 25 ጉንቦት 2015 ምስ መጽሔት ‘ብርዕና’ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለመሕትት፡ ካብ 1976 ኣትሒዞም፡ ን’ሳላሳ (30) ዓመታት  ኣብ ከቢድ ቃንዛ ዝነብሩ ስንኩላን ከምዘለዉን፡ ንቃንዛ ዝኸውን መድሃኒታት ሕጽረት ከምዘሎን ብ ምሕባር፡ እቲ ብኣባላት ሃማደኤ ሽወደን ባህላዊ ምሸት ዝተኣከበ ገንዘብ ተዓዲጉ ዝተላእከ ፈውሲ ቃንዛ፡ ዓቢ ሓገዝ ከምዝገበረን፡ እዚ ሰናይ ተግባር ክዓዝዝ ከምዘለዎን ተላብዮም። እዞም ስንኩላትና’ዚኦም፡ ደድሕሪ ስዉኣትና ተሰሪዖም፡ ብቐዳምነት ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ክግበረሎም፡ ሓደ ካብቲ ናይ መንግስቲን ሃገርን ቀዳምነታት ኢዩ ክኸውን ነይሩዎ። ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ንስንኩላን ዝኸውን ኣባይቲ ክህነጽ’ዩ ተባሂሉ ተጋዊሑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሓር ግን ህጣሙ ጠፊኡ፡ እቲ ዝተሃንጸ ኣባይቲ’ኸ ንመን’ዩ ተዋሂቡ? ብዛዕባ ምህናጽ ናይቲ ንስኩላን ዝተባህለ ኣባይቲ ዝምልከት፡ ሓደ ምስ ኩባንያ ህንጻ ሰገን ተቖጺሩ ዝሰርሐ ዝተጣየሰ ተጋዳላይ፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ኣስታት 500 ዝኸውን ኣባይቲ ንስንኩላን ተባሂሉ ይስራሕ ምንባሩ ይሕብር (ካብ መበል 25 ደቒቕ ንደሓር ናይዚ ቪድዮ’ዚ ስምዑዎ - ኣብዚ ጠውቑ)። እቲ ሕቶ፡ ‘እዚ ኣባ ይቲ’ዚ ንመን ተዋሂቡ ???’ ኢዩ።

ኣብ 1994፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ማይሓባር ተኣኪቦም ዝነበሩ፡ ምርኩስ ዝሓዙ ጀጋኑ ኣካለ-ስንኩላንና፡ ዝተፈጸመ ናይ ብረት ግብረ-መልሲን መቕተልቲን ናይ ትማሊ ተዘክሮ ኢዩ። ነቲ ሽዑ፡ “ናብራ ሓሲሙና፡ ሽግርና ይረኣየልና!” ኢሉ ዝጠለበ ስንኩል ተጋዳላይ፡ መራሒ ሃገረ-ኤርትራ ኣቶ ኢ ሳይያስ ኣፈወርቂ፡ “እዚ ሕንቃቐ ኢዩ። መንግስቲ ኣብ ኣፍ-ደጌኹም በጊዕ ከውድቐልኩም ኣይኮነን…” ብምባል ከባጭወሉ ከሎ፡ ንብዙሓት ካብቶም ኣብኡ ኣንቀሳቐስቲ ዝተባህሉ ስንኩላን ድማ ከምዝዳጎኖም ይፍለጥ


ናብራ ናይቶም ኣብ መዓስከር ደንደን ዝነብሩ  ብ’ዓረብያ ዝጓዓዙ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት።

እቶም ሕማቕ ናይ ብጾቶም ዝረኣዩ፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ ስደት ዝርከቡ መቕርብን መቓልስቶምን፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝጻቐዩ ዘለዉ ብጾቶም፡ ብዓቕሞም ንምሕጋዞም፡ ንብረት ናብ ኤርትራ ኣብ ዝልእኹሉ እዋን ድማ፡ ናይ ጉምሩክን ካልእን ጸገማት ከምዘጋጥሞም ይፍለጥ

እዞም ጀጋኑ ስንኩላንና፡ ዓው ኢሎም ዘእውዩሉ ደብሪ የብሎምን። ለይቲ ምስ መዓልቲ፡ ኣብቲ ንጥዑይ ሰብ’ኳ ዘይበቅዕ መጽለሊ እናነበሩ ከለዉ፡ መንግስቲ ግን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝርከቡ ሰብ ዶላራት፡ መሬት ህዝቢ እናመንዝዐ፡ ብናጻ ጉልበት ኤርትራውያን ኣባይቲ እናስርሐ፡ መኻዕበቲ ናይ ወጻኢ ሸርፉ ገይሩዎ ይርከብ። ብጣዕሚ ዘሕዝን ኩነታት ኢዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ገነት ዘይተሰርሓሎም ኣይኮንናን ንብል ዘሎና፡ እንታይ’ድኣ፡ ኣብ ካልእ ዘየድሊ ነገራት ዘይተኣደነ ወጻኢታት ክግበር ከሎ፡ ነዞም ስንኩላን ዝኸውን ግቡእ ክብሪ ግን ኣይተዋህበን። ጀጋኑ ስንኩላንና ብግቡእ ዘይተኽብር ሃገር ድማ፡ ልዑላውነት ሃገር ንምውሓስ ዝብገስ ውፉይ ዜጋ ንክህልዋ ዘይሕሰብ ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ንዝሓለፈ 25 ዓመታት (ካብ ድሕሪ ናጽነት)፡ ከምዚ ክኸውን ተደልዩ? እምበኣር፡ እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብጽሞና ከስተንትኖ ዝግባእ ሕቶ ኢዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝግበር፡ እቲ በጃ ሃገር ዝሰንከለ ዜጋ፡ እቲ ዝለዓለ ክብሪ ይወሃቦ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝለዓለ ኣገልግሎትን መነባብሮን እውን ይግበረሉ ኢዩ። እስከ ናብ ከተማታት ኤርትራ ዘለዉ፡ ማለት፡ ኣብ መዓስከራት ተኣኪቦም ዘለዉ ኮነ፡ ምስ ስድራቤቶም ዘለዉ ናይ ኩናት ስንኩላትና ንተዓዘብ! ኣብተን መንግስታዊ ወይ ሓውሲ-መንግስታዊ ዝበሃላ ኣውቶቡሳት ብናጻ ክጎዓዙ ይፍቀደሎም’ዶ? ምስ ኩነታት ናህሪ ዋጋታት ተዛሚዱ ምምሕያሽ ደሞዝ ወይ መልዕሎ ይግበረሎም’ዶ? እቲ ንቡር ከምኡ ኢዩ ክኸውን ነይሩዎ። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ከስተባህለሉ ይግባእ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነታት፡ ገለ ኣዝዩ ውሑድ፡ ማለት ብዕሊ ክፍለጥ ዝኸኣለ ኣጋጣሚታት ኮይኑ፡ ብዙሕ ማሕበራዊ ሽግራት ስንኩላትና ገና ኣብ እዝኒ ሰማዕቲ ከይበጽሐ፡ ንጀጋኑና ግን የሳቕዮም ምህላዉ ክፍለጥ ዝግብኦ ኢዩ። እምበኣር፡ ናይቶም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ “ብግቡአ ይናበዩ ኣለዉ” እናተባህለ ዝንገረሎም ጀጋኑ ስንኩላትና፡ ኩነታቶም እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኢዩ።

ካብዚ ብምስዓብ ድማ፡ ኩነታት ናይቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ማለት ኣብ ሱዳን (ከሰላ) ብፍላይ ዝርከቡ፡ ናባዪ ዘይብሎም ጀጋኑ ስንኩላና ክጠቅስ ኢየ።

እዞም ጀጋኑ ስንኩላንና፡ ድሕሪ ምስጓግ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ ንኩነታቶም ዝከታተል ብቑዕ ኣካል ነይሩ ወይ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ብፍላይ እቲ ኣካላት ተሓኤ ዝነበረ ውድባት፡ ኣብ ሱዳን ዝነበሮ ኣብያተ-ጽሕፈታት ምዕጻዉን ናብ ካልእ ከባቢታት ክግዕዝ ምስ ተገደደን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ስንኩላን ዝነበረ ዓቕሚ ይኹን ቆላሕታ ኣዝ ዩ ተዳኺሙ ኢዩ።

ንሽግራቶም ዘቃልል፡ ማሕበር ኣቑሞም ደገፋት ክግበረሎም ዝሓቱ’ኳ እንተኾኑ፡ ሂወቶም ገና ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። እቶም ክሳብ ሕጂ ከይተሓለሉ ቆላሕታቖም ዝገብሩ ዘለዉ ኣብ ደገ ዝርከቡ ኣካላትን ውልቀሰባትን፡ ኣዝዩ ክብ ዝበለ ምስጋና ዝግበኦም ኢዩ። ከምኡ’ውን ማዕከናት ራድዮ ከም፡ ድምጺ ኤርትራ ሃሊፋክስ (ናዝ የማነ)፡ ከምኡ’ውን መርበብ ሓበሬታ መስከረም.ነት፡ ነዞም ኣብ ከሰላ ዝርከቡ ስንኩላን፡ ህዝቢ በብዓቕሙ ደገፋት ንከበርክተሎም፡ ሓበሬታ ብምትሕልላፍን ብምልጣፍን ብምስራሖም፡ ኣዝዩ ዝምስገን ኣበርክቶ ምዃኑን፡ ካልኦት ድማ ኣሰሮም ክስዕቡን ግቡእ ምዃኑ ክላቦ ይደሊ።

እምበኣረይከስ፡ ኩነታት ጀጋኑ ስንኩላትና፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዘለዉ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኢዮም ዘለዉ። እቶም ኣብ ከሰላ ዝርከቡ ስንኩላትና ድማ ካብኡ ዝገደደ፡ ኣብ ሕማቕ ኣለዉ።

ተራና ከም ኤርትራውያን እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ተራና ከም ኤርትራውያን እንታይ ክኸውን ኣለዎ? ዝተወጽዑ ጀጋኑና፡ በጃ ሃገር ዝወደቑን ዝሰንከሉን ኣርካናትና፡ እናተሳቐዩ ኢድና ኣጣሚርና ስቕ ክንብል ኣይግባእን። ልክዕ’ዩ፡ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ዓዲ ፍትሒን ሕጊን ምስ ኮነት፡ ጉዳያትና ብባይቶናን እቲ ባዕልና እንገርሖ መንግስትናን ምስ መጸ ጥራይ ኢዩ ዝረጋገጽ። ክሳብ ሽዑ ግን፡ ብፍላይ እቶም ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ረድኤታዊ ንጥፈታትን ክንዋሳእ ዝጸናሕናን ዘሎናን ኤርትራውያንን መሓዙትናን፡ ነዚ ጉዳይ ስንኩላን’ዚ ከም ዘየላቡ ጉዳይ ወሲድና ክንሰርሓሉ፡ ነቲ ዘሎ ስግራት ድማ ከነቃልለሎም ክንሰርሕ ይግባኣና። እዚ፡ ንኹሎም እንከላይ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዘለዉ ስንኩላትና እውን ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ። ከከም መጠን ሽግራቶም ተጸኒዑን ተራእዩን፡ ሓገዛት ክውፈየሎምን፡ ኩሉ ኣድላዩ ዘበለ ናይ መሰላትን ጥብቅናን ደገፋት ክማልኣሎምን የድሊ።

እዚ ናይ ጀጋኑ ስንኩላንና ሕቶ፡ ንኩልና ኤርትራውያን፡ ውድብ ከይፈለየ፡ ብሓባር ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ። ወዮ ድኣ ሕልና ዘለዎን ሓላፍነታዊን መንግስቲ ዘይብልና ኮይኑ’ምበር፡ ከምቲ ግቡእ፡ እቲ ፍታሕ ካብ መንግስቲ ክመጽእ እንተዝኽእል ኣዝዩ ቀሊል ምኾነ ነይሩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብኣቦ መንበር ማሕበር ስንኩላን ዝተገልጸ ግን፡ እቲ ኣብ ዓድና ዘሎ መንግስቲ፡ ንስለያዊን ካልእ ፈንጠዝያን፡ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ህዝቢ እናህለኸ ከሎ፡ ነዞም ብቃንዛ ንሳላሳ (30) ዓመታት ብቃንዛ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስንኩላትና፡ እቲ ቀሊል ፈውሲ ቃንዛ’ኳ ክቕርበሎም ኣይከኣለን። ስለዚ፡ ጻውዒተይ ንኹሉ ኤርትራዊ ውድባት፡ ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ኢዩ። ማዕረ-ማዕረ ናይቲ ንፍትሒን ንመሰልን፡ ብሓባር ክንደጋገፍን ኢሂን-ምሂን ክንበሃሃልን እንገብሮ ዘሎና ኣበየ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ማሕበረኮማት ኤርትራውያን፡ ነዚ ጉዳይ ስንኩላትና ፍታሕ ንምግባር ሓደ ካብ ኣጀንዳና ንግበሮ። ንመንግስቲ ኤርትራ’ውን ሓላፍነት ስለዘለዎ፡ ፍታሕ ንኽገብር ብሰላማዊ ሰልፍታትን ካልእ ኣገባባትን ክንቅስቦ ክንክእል ኣሎና። ከምቲ ምስ ሰበይቱ ዝተፋትሐ ሰብኣይ ቀለብ ቆልዓ ክኸፍል ዝግደድ፡ ነቶም ኣብ ከሰላ ዝርከቡ ጀጋኑ ስንኩላትናን ስድራቤቶምን ናይ ምጥዋር ሓላፍነት፡ ዋላ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ፡ ከነገድዶ ክንክእል ኣሎና።

እዚ ዘቕርቦ ዘሎኹ ሓሳብ፡ ነቲ ናይ ጀጋኑ ስንኩላንና ኩነታት ኣብ ከመይ ደረጃ ከምዘሎ ንምእማት ኮይኑ፡ ብኡኡ መጠን ድማ ነቲ ሽግር ንምፍትሑ ኢደይ ኢድካ ክንበሃሃልን፡ ንምትግባሩ ኣድላዪ ዝኾነ ውደባ ከነማዕብልን ኢዩ። እቶም ምሁራትን ዓቕሚ ዘለኩምን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነዚ ኣፈናዊ ሓሳብ’ዚ ከተዕዝዙዎን ዝያዳ ኣድማዒ ከምዝኸውን ክትገብሩዎን ትኽእሉ ኢኹም ዝብል ሓያል እምንቶ ኣሎኒ።


ፍትሒን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!

ሕድሪ ጀጋኑና ንዘልኣለም ይኽበር!


ዮውሃንስ ጸጋይ

ሎንዶን (ዓባይ ብሪጣንያ)

18 November 2015     


ርእይቶ ንምሃብ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ጠውቑ፡-























Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe