Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

17/05/2016 12፡53 PM

ኤርትራውያን ደቂ ዓደይ!

ልቢ ከነዕቢ ኣሎና፡



ብኣጋጣሚ’ዛ ድሕሪ ሰሙን ኣብዚ ወርሒ’ዚ እነብዕላ ክብርቲ ዕለተ-ናጽነትና፡ ሃገራዊ ዕርቂ፡ መፍትሕ ናይ ኩሉ ጸገማትና ኢዩ! ኢለ ጽሑፈይ ክጅምር ከሎኹ ባህ! ይብለኒ።


እወ፡ ሃገራዊ ዕርቂ፡ መፍትሕ ናይ ኩሉ ጸገማትና ኢዩ። "ደቀይ! ደቂ-ዓደይ! ሓንቲ ኢድ ክኑ!"  ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ኣብ 1987  ዘመሓላለፉልና ለበዋ ኢዩ።  "ህዝቢ ኤርትራ፡ ብገዛእ ርእሱ ኢዩ ዘውዲ ደፊኡ ዝርከብ ዘሎ፡ ነዛ ዘውዲ’ዚኣ ዝትንክያ ድማ ወይለኡ!" እዚ’ውን ናይ 1987 ቃል ናይ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ኢዩ።  


ከምቲ ሓርበኛታት ኣቦታትና ዝበሉዎ፡ ደቆም ድማ ዝወደቕናሉ ዕላማ፡ ኤርትራና ብቅልጽም ናይ መላእ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ድኣም’በር፡ ብውሑዳን ጉጅለ ወይ “ብተኣምራታዊ ውሕልነት ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ” ዝመጸት ኣይኮነትን።


ኣብታ ተወሊድና ዝዓበናላን ደምና ዝኸፈልናላን ዓዲ፡ ሓደ ወገን ነቲ ካልእ ደፊኡ ኣውጺኡ ሰላም ከስፍን ከቶ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ሓንቲ መኣዲ ተቐሪቦም ዝድረሩ ኣባላት ሓንቲ ስድራ'ኳ እንተኾኑ፡ በኣረኣእያ ዝተፈላለዩ ኢዮም። ይኹን'ምበር፡ ንቤቶም ዝምልከት ጉዳይ’ሲ ሓቢሮም እናተላዘቡ ኢዮም ዘነባብሩን ዝፈትሑዎን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ናይ ልዕሊ-ሽሕ ዓመት ሕጊ እንዳ'ባን ባይቶ ዓዲን ልምዲ ዘለዎ፡ ከምቲ ናይ ካልእ ሸነኻት ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ፡ ኣፋዊ ዘይኮነ፡ ብጽሑፍ ዝተሰነደ ታሪኽን ክቡር ባህሊን ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ። ኣብቲ ክቡር ባህሉ ድማ፡ ንኹሉ ሽግራት ሕብረተ-ሰብ መፍትሒ ዘገልግል ያታዊ ትካላትን ልቦና ዝመልኦ ልምዲን ነይሩዎ። እዚ ክቡር ልምዲን ሓያል ዓቕሚን ህዝብና ግን፡ ከም ኣብ ቁራዕ ዝተደፍነ ሽምዓ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ሃገርና ከብርህ ዕድል ኣይረኸበን። ሙሉእ ሓርነት ረኾቡ፡ ክሰርሕ ኣይከኣለን። እምበኣር፡- እቲ ናጽነት ሃገርና፡ ሙሉእ ምእንቲ ክኸውን'ሲ፡ መላእ ሕብረተ-ሰብናን እቲ ክቡር ባህሉን ትካላቱን ብሓርነት ክንቀሳቐስ ምስ ዝፍቀደሉ ጥራይ ኢዩ። ኣብዚ ደረጃዚ ከይንበጽሕ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፡ ሓሊኹ ሒዙና ይርከብ ኣሎ። እቲ ኣብ 1997 በቲ ሽዑ ዝነበረ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ እንተኾነ’ውን፡ ክሳብ ሕጂ፡ ብዝተፈላለየ ዘይቅቡል ምስምሳት ከይተተግበረ ጸኒሑ ኣሎ። ቅዋማዊት ኤርትራ ምምስራት፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲን ቀዳማይን ዓወታት ናይ ዝሓለፈ 25 ዓመታት እዋን ናጽነት ኤርትራ ኢዩ ክኸውን ነይሩዎ። እዚ ድማ፡ ትኳቦ ወይ ጽቡቕ ድሌት ናይ ውልቀ-መራሒ ዘይኮነስ፡ ብደምናን መስዋእትናን ዝተኸተመ መሰልና! ኢዩ። እዚ እናኾነ እምበኣር፡-



እዛ መዓልቲ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነትና፡ ተሓጒስና ከነብዕላ ኣሎና!


መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ መዓልቲ ናጽነትና፡ ካብ መዓሙቕ ልብና ብዝወጽእ ሓቀኛ ስምዒት፡ ሓቢርና ክንጽምብላ ይግብኣና። ብሰንኪ ፈላላዪ ኣተሓሕዛን ፖሊሲን ስርዓት ህግደፍ ሓቢርካ ምብዓላ ኣይተኻእለን'ምበር፡ ከም ግቡእ፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት፡ ኩልና ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ፡ ሓቢርና ኣብ ሓደ ዳስ ከነብዕላ ኢዩ ዝግባኣና ነይሩ። ከምኡ'ውን ካልኦት ዓበይቲ ሃገራዊ በዓላትና፡ ከም መዓልቲ ስዉኣት። ብሰንኪ ፈላላዪ ኣተሓሕዛን ፖሊሲን ስርዓት ህግደፍ፡ እዚ ካብ ዘይተኻእለ ግን፡ በብዘለናዮ ወገንን ፖለቲካዊ ጥርናፈታትናን፡ ነዛ ንልዑላውነት ኤርትራና ዘረጋገጸት፡ ክቡርን ረዚንን መስዋእቲ ከፊልና ዝረኸብናያ ዕለተ-ናጽነትና፡ ተሓጒስና ክንጽምብላ ይግባእ። መን ነቲ ጽምብል ወዲቡዎ ብዘየገድስ፡ ክንዓናቕፎ ኣይግባእን። ኤርትራውያን ደቂ ዓደይ! ልቢ ከነዕቢ ኣሎና! ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና፡ ልቢ ከተዕብዩ ኣሎኩም! እቲ ክቡር ዋጋ ተኸፊሉዎ ዝተጨበጠ ልዑላውነት ሃገርና፡ ክብሩ ክሃስስ የብሉን! ኣበየ ሃገራት፡ ኣኽራናት፡ ውድባትን ስድራቤታትን ኤርትራ፡ ብዉዕዉዕ መንፈስ ክብዕል ኣለዎ። ሃገራውነትናን ሃገራዊ ወኒናን ክሃስስ ከነፍቅድ ኣይግባአን። እታ ሃገራዊ መንነትናን ልዑላውነትናን ዘረጋገጸት ክብርቲ መዓልቲ፡ ካብቲ ብዘይ ፍቓድ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ፡ ንጥፍኣት ዝዳርገና ዘሎ ስርዓተ-ምልኪ ሃገርና፡ ፈሊና ክንርእያ ክንክእል ኣሎና። ኣብ መጻኢ፡ ኩልና ኣብ ሓደ ዳስ ኮይንና ክንጽምብላ ምዃንና ከነስተውዕል ይግባእ።


ልክዕ'ዩ፡ ኣብቲ ብመንገዲ "ኤምባሲታት ሃገረ-ኤርትራ"ን መሳርሒኡ ዝኾና ማሕበረኮማትን ተወዲቡ ዝግበር በዓላት፡ እቶም ኣሳሰይቲ ናይቲ ጽምብላት፡ ንፖለቲካዊ ዕላማ ናይቲ ህሉው ስርዓት ክጥቀሙሉ ኢዮም። ኣበዚ ኣጋጣሚ'ዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ወጽዓን፡ ህሉው ኩነታት ሃገርናን፡ ብዝምልከት፡ ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂን ክውንነትን ኣዝዩ ዝረሓቐን ዘየሎን ጸብጻባትን መደረታትን ከስምዑ ኢዮም። ብኣንጻሩ፡ እቶም ኣብ ጸግዒ ደምበ ደለይቲ-ፍትሒ ኮይኖም፡ ንዲሞክራሲያዊትን ቅዋማዊትን ኤርትራ ዝጠልቡን ዝቃለሱን ደቂ-ኤርትራ፡ ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ናጽነቶም፡- ለበዋን ሕድሪን ስዉኣትና እንታይ ከምዝነበረ ዝዝክሩላ፡ እቲ ንስዉኣትና ዝኣቶናዮ መብጽዓ ስለምንታይ ተጠሊሙ? ዝድህስሱላ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስእነት-ፍትሒን ብዓቢኡ፡ ዘስተንትኑላን፡ ንፍትሒ ዘለዎም ተወፋይነትን መብጽዓን ዳግም ዘሐይሉላን መዓልቲ ኮይና ክትውዕል ኢያ።    

እምበኣር፡-


እዛ ዓመት'ዚኣ፡ ጻማ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍደየላ፡ ኣብ ማሕዩር ተሰዊሮም ዘለዉ ዜጋታትናን ብሰንኩ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ዝርከቡ ስድራቤቶምን፡ ፍትሒን ራህዋን ዝረኽቡላ፡ ኩሉ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተጎድአን ዝሰንከለን ዜጋን ስድራቤትን ድማ ካሕሳን ሞሳን ዝረኽቡላ ዓመት ክትኮነልና፡ ብኣጋጣሚ'ዚ ናይ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራና፡ ዘሎኒ ሰናይ ትምኒት ይገልጽ።  


ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን - ዓባይ ብሪጣንያ)

17 May 2016