Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

04/06/2016 01:41 AM

ከተማ ጀነቭ - ሰነ 2016፡

ብመትከልን ዕላማን ፍጹም ዝፈላለዩ፡

 ክልተ ሰላማዊ ሰልፍታት ክትርኢ ኢያ።

ብ’ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን - ዓባይ ብሪጣንያ)


ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ከባቢ 21-23 ሰነ 2016 ዘሎ እዋን፡ ኣብ ከተማ ጀነቭ (ስዊዘርላንድ) ተኣኪቡ፡ ነቲ ብሰበስልጣን ኤርትራ ተፈጺሙ ዝበሃል ክስታት፡- ግህሰት ኣንጻር ሰብኣውነት (Crimes against humanity)፡ ምስ ጭብጥታቱ ኣልዒሉ ክዝቲን ክውስንን ኢዩ።


እዚ ክሲ'ዚ፡ ብቐንዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ገበን ፈጺሞም ተባሂሎም ተኸሲሶም ዘለዉ ሰበስልጣን ኤርትራ  ዝቐርብ ዘሎ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ናብ ፍሉያት "ገበነኛታት" ተባሂሎም ዝተጠቕሱ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ደሚርካ፡ ዝቐረበ ልዕሊ 500 ጭብጥታት ዝቐረበሉ ክሲ፡ ከም ንኤርትራን ህዝባን ንምምብርካኽን ልዑላውነታ ንምድፋርን ዝቐረበ ብኻልኦት ዝተደረኸ ናይ ሓሶት ጠቐነ ኢዩ፡ ብምባል፡ ዳርጋ ካብ ምጅማር ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ናይ 2016 ኣትሒዙ፡ ጽዑቕ ጎስጓስ ኣብ ህዝቢ ከካይድ ምጽንሑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡- ብፍላይ ከኣ ኣብተን ንኽትነብረለን ናይ ግድን ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ዘድልየካ ሃገራት (ንኣብነት ሃገራት ኣዕራብን ገለ ሃገራት ኣፍሪቃን)፡ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዳርጋ ብግዲ ክበሃል ብዝከኣል ኣገባብ፡ ከምኡ'ውን ንዘይፈልጡ ገርሀኛታት ብምድንጋር፡- "ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየለ፡ ህዝቢን መንግስቲን ተኸባቢሩ ከምዝኸይድን" ዘምስልን ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ካብ ብህዝቢ ዝቐረበሉ ክስታትን ጭብጥታትን ተሞርኲሱ ዝቐረበ ክሲ ድማ ዝኹንን ክታም (ፊርማ) ከምዘንብሩ ክግበር ጸኒሑ ኣሎ። እቲ ክዘውር ዝቐ ነየ ምስጢራዊ ሰነዳቶም ከምዝሕብሮ ድማ፡ ንዕለት 21 ሰነ 2016፡ ኣብ ጀነቫ፡ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ክገብሩ መደብ ኣለዎም። እዚ፡ ንወርሓት ክኸይድ ዝጸንሐ ኣወዳድባ'ዚ፡ ዋላኳ “ናይ ህዝቢ ተበግሶ” ምዃኑ ክመስል እንተተፈተነ፡ ሰፊሕ ኩለንተናዊ (እንከላይ ፋይናንሳዊ) ደገፍ ናይ ስርዓት ኣስመራ ከምዝህልዎ ኣየጠራጥርን።

ስርዓት ኣስመራ፡ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ስጉምቲ ጥራይ ተሓጺሩ ኣይኣኸሎን። ኣብ ትሕቲኡ ንዝርከባ ተቓወምቲ ውድባት እውን፡ ብዝተወደበ ኣገባብ፡ ኣባላተን ኣብቲ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት  ኤርትራ፡ ዝገብሮ  ዘሎ ወፍሪ ንክፍርሙ ይግድድዎም ኣለዉ (ጸጋማይ ቪድዮ ተመልከት)።


ኣብ ዕለት 30 ግንቦት 2016፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ክሳብ ነቲ ክስታት ኣጽኒዑ ምላሽ ንምሃብ ዕድል ዝረክብ፡ እቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ኣቐዲሙ ናብ ህዝቢ ከይዝርጋሕ ዝጽውዕ ደብዳቤ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ልኢኹ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ስርዓት ኣስመራ፡ ክሳብ ክንደይ በዚ ጉዳይ'ዚ ተሻቒሉ ምህላዉ ዘመልክት ኢዩ።


ዓሚ 22 ሰነ 2015፡ ብወገን ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን፡ ነይሩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ደለይቲ ለውጢ፡ ነድሪ ስለዝወሰኸሎም፡ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተወደበ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናህሪን ብዝሒን ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ኣብ 26 ሰነ 2015 ተኻይዱ። ኣብዚ ዓመት'ዚ (2016) እውን ተመሳሳሊ ምድላዋት ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ይግበር ኣሎ። ብመሰረት ደለይቲ ፍትሒ ኣውጺኦሞ ዘለዉ ሓበሬታ፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብ ዕለት 23 ሰነ 2016 ኣብ ከተማ ጀነቭ ክካየድ ኢዩ።


ስለዚ ናይ ሎሚ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ከተማ ጀነቭ፡ ክልተ፡ ግን ከኣ፡ ብመትከልን ዕላማን ፍጹም ዝፈላለዩ፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ክትርኢ ኢያ። እቶም ደገፍቲ መንግስቲ፡- ነቲ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ውልቀሰባት ዝቐረበ ክሲን መርትዖታትን፡ "ሓሶት'ዩ፡ ከምኡ ዝበሃል የለን! ኣብ ኤርትራ ፈጺሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የለን! ንሕና-ንሱ! ንሱ-ንሕና!...ወዘተ" እናበሉ ክጭድሩ ኢዮም። እቶም ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ድማ፡- "ገበነኛታት ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ይቕረቡ! ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ይበል! ናይ ፖለቲካ፡ እምነትን ሕልናን እሱራት ይፈትሑ!...ወዘተ" እናበሉ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ ዝጠልብ ሰልፊ ከካይዱ ኢዮም። ሓደ ህዝቢ - ክልተ ልቢ፡ ይብልኹም ከምዚ ኢዩ።


ኤርትራውያን፡ ኣብ ዓድና ቅዋማዊ ስርዓትን ናጻ ቤት ፍርዲን ስለዘይብልና፡ ንቡር ዝተሓረመና ህዝቢ ኢና። ድሕሪ'ቲ ንሳላሳ (30) ዓመታት ዝኸፈልናዮ መሪር ዋጋ ናይ ናጽነትን ሓርነትን መስዋእቲ፡ ሕጂ ድሕሪ ርብዒ-ዘመን ናጽነት ኤርትራ’ውን እንተኾነ፡ ነታ ዝሓለምናያ ሓራ ኤርትራ ክንምስርታ ኣይከኣልናን። ዕላማን ሕድሪን ሰማእታትና፡ ብጠላማት መራሕቲ ተጨውዩ ተሪፉ። እምበኣረይከስ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እንከሎናን ልዕና-ሕጊ ኣብ ዝተሳእነሉን ኩነታት ኤርትራ፡ ሳላ ጻዕሪ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን፡ ኣውያትና ሰማዒ እዝኒ ረኺቡስ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትቀውም ዝበቕዐ።


እታ መርማሪት ኮሚሽን፡ ኣብ ክንዲ'ቲ ኣፉ ተሎጒሙ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ክንዲ እቶም ገበን ዝወረዶም ኤርትራውያንን ኮይና ድማ፡ ናይ ዝተፈጸመ ገበናት ኣማኢታት ክስታት ተቐቢላ፡ ንኻልኣይ ዓመታ ኣብ ምጽራይ ጸኒሓ። እዛ ኮሚሽን እዚኣ፡ ናብ ኤርትራ ኣትያ ናጻ ኾይና ናይቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ክስታት ወይ ገበናት መጽናዕታ ከተካይድን ከተጻሪን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ኳ ኣጽዲቑዎን፡ ንኤርትራ ድማ ብተደጋጋሚ ክጽውዕን እንተጸንሐ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ሓንጊዱ ጸማም እዝኒ ኢዩ ሂቡዎ ጸኒሑ። ሓደ "ናጻ ኢየ!" "ገበን ኣይፈጸምኩን!" ኢሉ ብነብሱ ዝተኣማመንን ግለ-ሰብ ወይ መንግስቲ፡ ንጽህናኡ ከረጋግጽ፡ ንኸምዜኣ ዝኣመሰለት ኮሚሽን፡ ናጻ ማዕጾ ከፊቱ ክቕበላን ስራሓታ ከተሳልጥ ድማ ክተሓባበራን ምተገበአ። ይኹን'ምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ነዚ ቅኑዕ ስጉምቲ'ዚ ምውሳድ፡ ንዜጋታት ኤርትራ፡ "ኣቤት ኣባህሉኒ" ብዘስምዕ ወረቓቕቲ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ኣዳልዩ ንደገፍቱ ከምዝመልኡዎን ከምዝፍርሙሉን ኣብ ምግባር ኢዩ ተተኺሉ ክሰርሕ ጸኒሑ ዘሎ።


ዝኾነ ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ሰብ፡ ንመባአታዊ መሰል ናይ ደቂ-ሰብ ይጣበቕ’የ ዝብል ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ምሁር’የ ዝብል ኣካል፡ ገበናት ንምጽራይን ገበነኛታት ናብ ናጻ ቤት ፍርዲ ንክቐርቡ ዝግበር ጻዕሪን፡ ክዓናቕፎ ኣይግባእን። ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ድማ፡ ንፍትሒ ክስለፍ ሓላፍነትን ግቡእን ኣለዎ።


ኤርትራ ፍትሒን ሰላምን የውርደላ!

ዮውሃንስ ጸጋይ

ሎንዶን (ዓባይ ብሪጣንያ)

04 June 2016