|
|
04/06/2016 01:41 AM
ከተማ ጀነቭ -
ብመትከልን ዕላማን ፍጹም ዝፈላለዩ፡
ክልተ ሰላማዊ ሰልፍታት ክትርኢ ኢያ።
ብ’ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን -
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ከባቢ 21-
እዚ ክሲ'ዚ፡ ብቐንዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ገበን ፈጺሞም ተባሂሎም ተኸሲሶም ዘለዉ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝቐርብ ዘሎ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ናብ ፍሉያት "ገበነኛታት" ተባሂሎም ዝተጠቕሱ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ደሚርካ፡ ዝቐረበ ልዕሊ 500 ጭብጥታት ዝቐረበሉ ክሲ፡ ከም ንኤርትራን ህዝባን ንምምብርካኽን ልዑላውነታ ንምድፋርን ዝቐረበ ብኻልኦት ዝተደረኸ ናይ ሓሶት ጠቐነ ኢዩ፡ ብምባል፡ ዳርጋ ካብ ምጅማር ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ናይ 2016 ኣትሒዙ፡ ጽዑቕ ጎስጓስ ኣብ ህዝቢ ከካይድ ምጽንሑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡-
ስርዓት ኣስመራ፡ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ስጉምቲ ጥራይ ተሓጺሩ ኣይኣኸሎን። ኣብ ትሕቲኡ ንዝርከባ ተቓወምቲ ውድባት እውን፡ ብዝተወደበ ኣገባብ፡ ኣባላተን ኣብቲ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ንክፍርሙ ይግድድዎም ኣለዉ (ጸጋማይ ቪድዮ ተመልከት)።
ኣብ ዕለት 30 ግንቦት 2016፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ክሳብ ነቲ ክስታት ኣጽኒዑ ምላሽ ንምሃብ ዕድል ዝረክብ፡ እቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ኣቐዲሙ ናብ ህዝቢ ከይዝርጋሕ ዝጽውዕ ደብዳቤ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ልኢኹ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ስርዓት ኣስመራ፡ ክሳብ ክንደይ በዚ ጉዳይ'ዚ ተሻቒሉ ምህላዉ ዘመልክት ኢዩ።
ዓሚ 22 ሰነ 2015፡ ብወገን ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን፡ ነይሩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ደለይቲ ለውጢ፡ ነድሪ ስለዝወሰኸሎም፡ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተወደበ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናህሪን ብዝሒን ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ኣብ 26 ሰነ 2015 ተኻይዱ። ኣብዚ ዓመት'ዚ (2016) እውን ተመሳሳሊ ምድላዋት ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ይግበር ኣሎ። ብመሰረት ደለይቲ ፍትሒ ኣውጺኦሞ ዘለዉ ሓበሬታ፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብ ዕለት 23 ሰነ 2016፡ ኣብ ከተማ ጀነቭ ክካየድ ኢዩ።
ስለዚ ናይ ሎሚ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ከተማ ጀነቭ፡ ክልተ፡ ግን ከኣ፡ ብመትከልን ዕላማን ፍጹም ዝፈላለዩ፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ክትርኢ ኢያ። እቶም ደገፍቲ መንግስቲ፡-
ኤርትራውያን፡ ኣብ ዓድና ቅዋማዊ ስርዓትን ናጻ ቤት ፍርዲን ስለዘይብልና፡ ንቡር ዝተሓረመና ህዝቢ ኢና። ድሕሪ'ቲ ንሳላሳ (30) ዓመታት ዝኸፈልናዮ መሪር ዋጋ ናይ ናጽነትን ሓርነትን መስዋእቲ፡ ሕጂ ድሕሪ ርብዒ-
እታ መርማሪት ኮሚሽን፡ ኣብ ክንዲ'ቲ ኣፉ ተሎጒሙ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ክንዲ እቶም ገበን ዝወረዶም ኤርትራውያንን ኮይና ድማ፡ ናይ ዝተፈጸመ ገበናት ኣማኢታት ክስታት ተቐቢላ፡ ንኻልኣይ ዓመታ ኣብ ምጽራይ ጸኒሓ። እዛ ኮሚሽን እዚኣ፡ ናብ ኤርትራ ኣትያ ናጻ ኾይና ናይቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ክስታት ወይ ገበናት መጽናዕታ ከተካይድን ከተጻሪን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ኳ ኣጽዲቑዎን፡ ንኤርትራ ድማ ብተደጋጋሚ ክጽውዕን እንተጸንሐ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ሓንጊዱ ጸማም እዝኒ ኢዩ ሂቡዎ ጸኒሑ። ሓደ "ናጻ ኢየ!" "ገበን ኣይፈጸምኩን!" ኢሉ ብነብሱ ዝተኣማመንን ግለ-
ዝኾነ ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ሰብ፡ ንመባአታዊ መሰል ናይ ደቂ-
ኤርትራ ፍትሒን ሰላምን የውርደላ!
ዮውሃንስ ጸጋይ
ሎንዶን (ዓባይ ብሪጣንያ)
04 June 2016