Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

27/06/2016 23:01 PM


ንዝኽሪ ዓቢ ስነጥበባዊ ኣቦና ነፍስሔር ትኳቦ ወልደማሪያም   ኣንታ ዓቢ መምህር!



ጥንታዊት ማትኣ ናይ ጥበባት ኣደ

ደቕኪ እምበር ከይዶም በብሓደ

እቲ ዕዙዝ ሃብትኺ ናትኪ ግደ

ሞያኽን ታሪኽክን እንከይተሰነደ

ትኳቦዉን ሎሚ ብሞት ምስ ተወስደ

ብልቢ ሓዚነ ኣመና ሰንቢደ!



                   ኣብ 91 ዓመት ዕድመኦም ብ25 ሰነ 2016 ዓሪፎም

ኣቦታት ማትኣ ባህሊ ዚደኮኑ

ናጽነት ረኺቦም ሃገር ሓራ ኮይኑ

እፎይ ኢሎም መምሃራን ቊሩብ ከይቀሰኑ

ታሪኾም ከዉሩሱ ዕድል ተሳኢኑ

ጠርናፊ ዘይብሎም ምስ ተበታተኑ

በብሓደ ከይዶም በሃራት ጀጋኑ!



ሓንቲ ኮይና ቅኒት መለሳ ዘይብላ

ዉዱብና እናበልካ ዘይቋርጽ ጓይላ

እዚ ኹሉ *ማእምር እዚ ኹሉ ኪኢላ *ፈላጥ፡ መምህር

ኣብታ ማህደር ህግደፍ ስሙ እንተዘየላ

ዋላ ኮኾብ ትኹን መን እዩ'ሞ ከልዕላ!?


ፈቲኻ ጸሊእካ ሓንቲ'ያ እታ ዕድል

ሞያኻን ነብስኻን ፈሊጥካ ኪትብድል

ሕልናኻ ሼጥኻ ክብርኻ ኪትቀትል

ኣብ ትሕቲኡ ኴንካ ንህግደፍ ተገልገል!


ካብ ህግደፍ ወጻኢ ካልእ እንተፈቲንካ

'ኮብሊሉ' ትበሃል ህዝቢ ከይስዕበካ

ገዳይም ድምጻዉያን ኣቦታት ረሲዕካ

ህጻዉንቲ ቁልዑ ኣብ ዉዱብ ጠርኒፍካ

ባህሊ ኣቦታቶም ፍጹም ከይዉረስካ

'ንህዝባዊ ግንባር ወድሱ' እናበልካ

እንታይ ፋይዳ ኣለዎ ኳና እንተነድቕካ!?


ነቶም ባህሊ ሃገር እግሪ ዘትከሉዎ

ብኽብሪ ዓዲምካ ካብ ዘዘለዉዎ

ንንኡስ ወልዶ ሃብቶም ከዉሩሱዎ

ነዚ ዕድል'ዚ እንተዝረኽቡዎ

ፍርያት ባህልና ህይወት ምሃሎዎ!


ወዲ ወልደማርያም ኣንታ ዓቢ መምህር

ብጥዑም ድምጽኻ ኣብ መድርኽ ኪትዝምር

ህያዉ እንተትኸዉን ዘልኣለም ኪትነብር

እቲ ለዋህ ህዝብኻ ዜማኻ ዘፍቅር

ሕጂ ኣይምተከዘን ንኣኻ ኪዝክር!


ኣይሓለፍካን ግና ኣለኻ ምሳና

መርዋሕ ድምጽኻ እቲ ጥዑም ቃና

ወግሓ ጸብሐ ወትሩ እናሰማዕና

ሞይቱ እንድዩ ኪንብል እናዘነጋዕካና

ዚከኣል ኣይኮነን ዋላ እንተፈተንና

ኣቦ ዜማ ሃገር ክቡር ወላዲና

ስምካ ኣይመዉትን'ዩ ኣለኻ ኣብ ልብና !


ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ክብርን ንሓርበኛ ኣቦና ፡ ገዲም ድምጻዊ


ትኳቦ ወ/ማርያም፡ ጽንዓት ንስድራ ቤቱን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን!


ካብ ሓውኹም መሲናስ 27/06/2016