Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

Search our site መድለዪ:
 










ዓለምላኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን

Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots Movement

المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الارترية

gieegm@googlegroups.com

--------------------------------------------------------------

ክፉት ደብዳበ ንኹሎም መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት


ሃቐና ናይዚ ክፉት ደብዳበ’ዚ ነቶም ኣስማቶምን ኣድራሽኦምን ክንረኽቦ ዘይከኣልና መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት ንምብጻሕ እዩ። ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ደብዳበ ናብ አብ ታሕቶ ተጠቒሶም ዘለዉ 20 መራሕቲ ውድባት ተላኢኹ’ሎ።


ርእሰ ጉዳይ፡ ሕዝቢ ዝሰረቱ ህዝባዊ ቃልሲ (Grass-Root Movement) ንደምዳሚ ዓወት


ኣቐዲምና ሕውነታውን ሃገራውን ሰላምታና ነቕርበልኩም።  ብምቕጻል፡ ንምድሓን ህዝቡኹምን ሃገርኩምን እትገብሩዎ ዘለኹም ተወፋይነት ከነመስግነኩምን ከነድንቐኩምን ንፈቱ።


ሎሚ ነዛ ደብዳቤ ንጽሕፈልኩም ዘሎና ናይ ውድብኩም ምሉእ ደገፍን ምትሕብባርን ን ዓለምላኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን (ዓለምላኻዊ ተበግሶ) ብትሕትና ንምሕታት እዩ። ናይዚ ተበግሶ`ዚ ዓላማ ንኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ምምሓው ናይዚ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እጃሞም ንኸበርክቱ ዘኸእሎም ባይታ ምጥጣሕ እዩ። እዞም ነዚ መልእኽቲ እንልእከልኩም ዘለና ግዱሳት ዜጋታት ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ክቐውም ንእምሞ ዘለና መሪሕነት ንምቅልጣፍ ንነጥፍ ዘሎና አሳለጥቲ ደኣ እምበር ፡ ድሮ ውክልና ወይ ስልጣን ዝሓዝና ሰባት ወይውን ስልጣን ናይ ምሓዝ ድልየት ይኹን መደብ ዘለና ከምዘይኮና ከነነጽር ንፈቱ።


ናይዚ ተበግሶ`ዚ ታራን እማመን ኣተገባብራ ምምራጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ፡ ብከባብያዊ ምንቕቓሕን ጎስጓስን ጀሚሩ አብ ኩሉ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ኤርትራውያን ዝርከቡሉ ከተማታት/ከባቢታት ብህዝቢ ዝምረጹ ሕጋውያን ወከልቲ ብምምራጽ ፡ እቶም ናይ ከባቢታት ወከልቲ ተኣኪቦም ናይ ሃገር ወከልቲ ይመርጹ፡ ብድሕሪኡ ብደረጃ ክፍሊ ዓለም ፡ አብ መወዳእታ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ናይ ምቛም መስርሕ ምስላጥ እዩ።  


ዕማም ናይቲ ብህዝቢ ዝቐውም ዓላምለኻዊ መሪሕነት ፡ ምስ ፖለቲካውያን ውድባትን አብ ኤርትራ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ብምትሕብባር ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ፡ ነቲ ዘሎ ውልቀምልኪ ብምልጋስ ናብ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዘሰጋግረና መደብ ዕዮ ምንዳፍ እዩ።


ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኩሉ ተጻቦኦታት ብጽንዓትን ሓቦን ተጋዲሉ ናጽነቱ ዝጨበጠ ሓያል ህዝቢ እዩ። ሎሚ ድሕሪ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ብልጽግትን ምዕብልትን ኤርትራ ዝርእየሉ`ምበር ሕሰም ዝበራረየሉ ጊዜ ክኸውን ኣይምተገበአን። እንታይሞ ይገበር፡ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፡ ህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ስለዘይጠዓሞ ናብ እግሩ ዝመርሖ ብብዝሒ ይስደድ ኣሎ። መንእሰያትና፡ ቆልዓ ሰበይቲ ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣደዳ ሞትን ስቓይን ይኾኑ ኣለዉ። ሃገር ባዲማ ኣብ ኣዚዩ ዘሰክፍ ሓደጋ ወዲቓ ኣላ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ እዋን፡ ዝኾነ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ንኹነታት ሃገሩን ሕሰም ህዝቡን እንዳረኣየ፡ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ስምዒት ከም ዘይብሉ ጉኡዝ ወይ ከም ዘይምልከቶ መሲሉ ካብ ማዕዶ ክዕዘብ ዘይትጽቢታዊ ተረኽቦ እዩ። ስለ ዝኮነ እዩ ድማ ብዙሓት ኤርትራዊያን፡ ብውልቂ ኮነ ብጥርኑፍ እንቢ ንምልኪ ኢሎም ምስ ደምበ ፍትሒ ወጊኖም እጃሞም ዘበርክቱ ዘለዉ። እዚ ተባዕ ተበግሶ ድማ ክነኣድን ክሰዓብን ዘለዎ ኣብነታዊ ስጉምቲ`ዩ።


ደምበ ፍትሒ ግን ስለምንታይ ክሳዕ ሕጂ ክዕወት ዘይከኣለ፧  እዚ ሕቶ`ዚ ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ደላዪ ፍትሒ ኮይኑ ዝድዉል ግናኸ መልሲ ዘይተረኽቦ ዓቢ ሕቶ እዩ። እቲ ሕቶ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሰያስ ብሰንኪ ኣጽናትን ኣዕናውን ጨቋኒ ኣገዛዝኣኡ፡ ካብ ገዛእ ህዝቡን ማሕበረተሰብ ዓለምን ተነጺሉ ናብ ዘይተርፍ ውድቀት ተገማጊሙ ክነሱ፡ ስለምንታይ ክወድቕ ዘይከኣለ ዝብል እዩ። እምበኣር ነዚ ሕቶ ብሓባር ንኽንምልስ ኢና ተበግሶ ወሲድና ዘለና። መልሲ ናይዚ ሕቶ፡ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ኮረሻ ተወጢሑ ሸይሸይ ዝብል ዘሎ ኣብ ድልዱል ኣዕኑድ ስለዝቖመ ኣይኮነን፤ ብኣንጻሩኳ ደኣ ብዓለባ ሳሬት እዩ ተንጠልጢሉ ዘሎ፤ የግዳስ ደምበ ፍትሒ ነዚ ውልቀመላኺ ዝምሕወሉ ውጥናቱ ኣነጺሩ ብምትሕብባር ክቃለስ ስለዘይከኣለ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ብተናጸል ዝገበርናዮ ቃልሲ ዝሓሸ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ቀደም ምተዓወትና ሕሰም ህዝብና`ውን ሽዑ መብቀዐ ነይሩ። ስለዚ ካብዚ እንመሃሮ - ብተናጸል ሓይልና ብምምቕቓል ክመጽእ ዝኽእል ዓወት ዘይምህላዉ እዩ። ኣብዚ ድማ ኩልና ንሰማማዕ ይመስለና። ዕምሪ ናይዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣሕጺርና ንህዝብና ሓራ ከነውጽእን ንሃገርና ካብ ሓደጋ ከነድሕናን ብሕብረት ንለዓል።


እስከ ብምስትውዓል ንጠምት፣ ዝፈላሉዩናዶ ዘሕቡሩና ይበዝሑ፧ ዘሕብሩና’ባ። እቶም ናእሽቱ ዝፈላሉዩና ስለምንታይ ንኽበታቱኑና ቦታ ንህቦም፧ ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክህልዎ ናይ ግድን ድዩ፧ ሓደ ኣረኣእያ ክህልወና ኢልካ ምሕሳብ ዘይኩውንነታዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ተደላይ`ውን ኣይኮነን። ከመይሲ ፍልልያትና ጽባቐናን ብርታዐናን እንበር ምልክት ድኻምና ክኸውን ስለ ዘይግብኦ። ድኻም ዝኸውን ግን ፍልልያትና ዓቂብና ናይ ሓባር ራእይን ዕላማን ምስ ዘይህልወና ጥራሕ`ዩ።  


ኩላትና እንኣምነሉን ንኹሉ ኤርትራዊ መፍትሒ ዝኸውንን፡ ህዝቢ ባዕሉ ተኻቲዑ ኣብ ዘጽድቖ ቅዋም ዝስረት ዲሞክራስያዊ ስርዓት እዩ። ስልጣን ናብ ህዝቢ እንተ ወሪዱ፡ ኩሉ ሰብ ድማ ብሕጊ ተማእዚዙ እንተ ኸይዱ እንታይ ዘሰሓሕብ ኣለና፧ ቃልስናን ድልየትናን ስልጣን ናብ ህዝቢ ንኸነረክብዶ ኣይኮነን፧ ስልጣን ብህዝቢ እንተተወኒኑ ልዕልና ሕጊ እንተ ነጊሱ፡ ኩለን ሰልፍታት ብመሰረት ሕጊ ምርጫ ብሉጽ ዝብለኦ ሃገራዊ ፕሮግራመን ሒዘን ናብ ህዝቢ ክቐርባን ክወዳደራን ምቹእ ባይታ ክፈጥረለን እዩ። እዚ ክኸውን ግን፡ መጀመሪያ እዚ ስርዓት ክእለን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከልን ኣለዎ። እዚ ማለት ግን ፖለቲካውያን ውድባት ፈጺመን ይሕቀቓ ማለትና ዘይኮነስ ፡ አብዚ እዋን’ዚ ኩሉ ዓቕምና ናብቲ ወሳንን መጀመርያ ክኸውን ዘለዎን ክቐንዕ ኣለዎ። ነዚ ክንገብር ግን ኣብ መንጎና ምርድዳእ፡ ግሉጽነት፡ ታሓታትነት፡ ሓድሕድ ምጽውዋርን ምክብባርን ፡ መሳርሒ ቃልስና ብምግባር ከነማዕብሎም ኣዚዩ ከድለየና እዩ።  


እምበኣር፡ ኣሳለጥቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ነዚ እዋናውን ታሪኻውን ዝኾነ ሕቶ ምሳኹም ንምምኽኻር ኢና ተበግሶ ወሲድና ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ ዘሎና። እቲ መፍትሒ ኢልና ንእምሞ ዘሎና ሓሳብ፡ ኩሉ ሰብ ዝሳተፎ ህዝባዊ ቃልሲ (grass-root movement) ንምልዕዓል እዩ። ህዝቢ ዝሰረቱ ሰፊሕ ምንቅስቃስ ንዝተበገሰሉ ዕላማ ኣብ ዝሓጸረን ብዉሑድ ንዋትን  ሸቶኡ ክሃርም እንተ ኾይኑ ግን፡ መጀመርያ በብኸባቢኡ ክነቅሕን ክውደብን ኣለዎ። ህዝብና ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ስለ ዝርከብ፡ ንጥፈታቱ ብኸባቢያውን ዓለም ለኻውን ደረጃታት ክወሃሃድን ክምእዘንን ብግዲ ከድሊ እዩ። ነዚ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልና ዝኣመምናዮ ድማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ (bottom - up) ዝዝርጋሕ መሳርዕ መሪሕነት እዩ።  


ህዝቢ በብኸባቢኡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ወከልቱ ክመርጽ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብወከልቲ ህዝቢ ዝምረጽ ዓለም ለኻዊ መሪሕነት ክቐውም እዩ። እዚ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ ምንቅስቓስ ብምምራሕ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበር ስዉር ምንቅስቓስ ተሳንዩ ንሓደ ዕላማ ከምዝሰርሕ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ። በዚ መገዲ ድማ ዕድመ ምልኪ ኣሕጺርና ንሃገርና ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብምስግጋር ፡ ህዝብና ፍረ ጻምኡ ክረክብ ተቓወምቲ ሰልፍታት ድማ ተወዳዲረን ስልጣን ንኽሕዛ ጥጡሕ ባይታ ክህልወን እዩ።


ነዚ ዘይተርፍ ሽቶ ንምህራም፡ ጉዕዞ ቃልስና ቀሊል ከምዘይኮነ ኣጸቢቕና ንግንዘብ ኢና። እንተኾነ ግን ቃልስና ካብ ህዝብና ዝምንጩን  ብህዝብና ዝዕየን ንረብሓ ህዝብና ዝውዕልን ክሳዕ ዝኾነ፡ ዓወትና ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሕሉፍ ታሪኽና ዘረጋግጾ ሓቂ እዚ ስለ ዝኾነ።  


ትሕዝቶ መልእኽትና ከምዘለዎ ንምርድኡ ምእንቲ ክጥዕመኩም : እማመና ምስ`ዚ ደብዳበ ኣተሓሒዝና ንልእከልኩም ኣለና። ዝኾነ ይኹን ርእይቶ ወይ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ለኣኹልና፤ ብወገንና ቅልጡፍ ምላሽ ክንህበሉ ኢና። እማመና ንምንባብ ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ ጠውቑ።

http://www.snitna.com/archive_news/2016_05/gieegm_an_urgent_call_to_all_eritreans_worldwide23may2016.html


ኣብ መወዳእታ፡ ብስም ኣሳለጥቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ፡ ደገፍኩም፡ ተሳትፎኹምን ኣበርክቶኹምን ብእኽብሮት እንዳ ሓተትና፡ ምሳኹም ብምትሕብባር ንኽንሰርሕ ድሉዋት ምዃንና በዚ ጽቡቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

   

ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ!!!

ዓለምለኻዊ ተበግሶ






التاريخ : 1 أغسطس 2016

التنظيمات السياسية الإريترية

المرجع: حركة الشعب  من أجل  النصر الحاسم في إرتريا

نود أن أولا أن نعرب عن تحيانا وتقديرنا  لكم  كرفيق فى مسيرة نضالنا المشترك . كما  نود أن نؤكد  لكم عظيم اعجابنا وتقديرنا  لتفانيكم  ولتضحياتكم الشخصية من اجل خلاص الشعب الارترى .

 نكتب إليكم اليوم طلبا لدعمكم ومباركتكم  للمبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الارترية (المبادرة العالمية) في المهجر. حيث تهدف هذه المبادرة الى تمهيد الطريق للارتريين في المهجر للمشاركة بفعالية في إنهاء معاناة الشعب الإرتري. اما الغاية النهائية  ل "المبادرة العالمية" فهى انتخاب قيادات عالمية شرعية بدءا من مستوى القاعدة في كل مكان من جميع أنحاء العالم وحيثما تواجدت اعداد هامة من الإرتريين.

تنحصر مسؤولية هذه القيادات العالمية في العمل - بالتعاون مع احزاب المعارضة السياسية وقوى التغيير داخل البلاد - على إعداد مسودة اولية لخارطة الطريق اللازمة لوضع نهاية  للنظام الدكتاتوري والانتقال بإرتريا إلى الديمقراطية . ونحن نؤمن بأن عملية التعاون هذه والتي تشرك جميع الارتريين في المهجر سوف  تسهم فى تسريع سقوط النظام الدكتاتوري.  وتحقيقا لهذه الغاية . فإننا نتوقع  دعمكم المخلص والتام لهذه المبادرة التى تهدف إلى تعزيز جهود حفز الارتريين في جميع أنحاء العالم للمشاركة في وضع حد لمعاناة شعبهم.

ونحن مقتنعون أنه ليس هناك اى إرتري يمكن ان لا يحزن لهذا الوضع المزري الذى تعيشه بلادنا . ومع ذلك يبدو إن معظم الارتريين في المهجر قد استسلموا للواقع لأنهم  ببساطة  لا يدرون كيف يمكن ان يلعبوا دورهم في انهاء معاناة شعبهم. ونحن نعتقد ان النصر لا يمكن أن يتحقق إلا إذا اتحد جميع الارتريين. وما تسعى اليه المبادرة العالمية هو اشراك جميع الارتريين فى المهجر في حل مشاكل بلدهم.

الارتريون شعب قوي تمكنوا من تحقيق استقلالهم بعد سنوات من النضال الشجاع والباسل  ضد مضطهديهم. وكان ينبغى اليوم ، أى بعد مضى 25 عاما على تحقيق الاستقلال، أن يكون قد حان الوقت لرؤية إرتريا المزدهرة والمتقدمة – وليس لان يتجرع هذا الشعب كأس المرارة  والمحن .

وللحقيقة  فإن ما حدث للارتريين بعد كل تضحياتهم الجسيمة هذه يعتبر احد مفارقات التاريخ المحزنة . فقد  اصبح شعبنا يشقى في عقر داره وابنائه يغادرون بلدهم بأعداد كبيرة وبأى وسيلة كانت بحثا عن  ملجأ آمن . وفى خضم مسيرة البحث عن ملجأ  آمن ، و في الطريق إلى المنافى تواجه  نسائنا وشبابنا وأطفالنا كل اشكال المعاناة القاسية للغاية والموت. أما وطننا  فقد اصبح يتعرض للتفريغ من سكانه على نحو مقلق للغاية.

في هذه الأوقات العصيبة، لا يمكن لاى ارترى  لديه ضمير حى  أن يقف مكتوف  اليدين أو يتظاهر بأنه / أنها  لم ير  ولم  يسمع  بما يحدث، أو أن الأمر لا يعنيه  ، بل  ان هذا هو السبب الذى يدفع  كثير من الارتريين كأفراد أو كأعضاء في جماعات منظمة الى الوقوف ضد الدكتاتورية والانضمام الى المعارضة والمساهمة في مسيرتها  الظافرة لامحالة . ولهذا فإن هذه  المبادرة الشجاعة  تستحق  ان تنال  إعجابنا والسير خلفها كنموذج يحتذي .

علينا أن نواجه الآن السؤال القائل : لماذا لم ينجح  نضالنا العادل هذا حتى الآن ، على الرغم من الجهود الكبيرة التى نقوم  بها لإلغاء الدكتاتورية ؟. هذا السؤال الهام يتردد في ذهن كل إرتري ينشد العدالة. ومع ذلك، لا توجد أي إجابة مرضية لهذا  السؤال حتى الآن. وهنا تكمن  المسألة الجوهرية  للقضية : لماذا لم ينهار نظام الدكتاتور اسياس على الرغم من أن حكم عصابة هقدف قد تعفن ، واصبح النظام  معزولا من الشعب والمجتمع الدولي على حد سواء ؟ صحيح  أن النظام ، على شفا انهيارلا مفر منه ، لكن ذلك  لم يحدث بعد ، والعمل على ايجاد اجابة لهذا السؤال المحير يتطلب تضافر جهودنا المشتركة.

ومن الواضح أن اسياس لا يزال في السلطة ليس لأن أركان نظامه قوية   ، بل فى الحقيقة هو متشبث بالحكم باطراف اصابعه  ، ودفعة صغيرة لكن قوية كفيلة بأن ترمية نحو الهاوية . هذه الدفعة الصغيرة  هى ما ينقص العمل  المعارض ،و هو ما عجزت عن القيام به  حتى الآن . ولكن، يبقى السؤال :  لماذا هى  هذه  المهمة سهلة وصعبة  فى آن معا  ؟  نحن لدينا إجابة  لهذا اللغز , فدعاة العدالة ، ومهما  كانت  اعدادهم  كبيرة   قد  عجزوا  عن القيام  بهذه الدفعة الأخيرة ضد النظام لأنهم  ليسوا موحدين وتحت قيادة مركزية ذات اهداف واستراتيجية مشتركة . فلو كان خيار  النضال  بشكل متفرق لاسقاط  النظام  هو البديل الانجع او الافضل  لكنا الآن قد  حققنا  هدفنا  منذ امد  بعيد وكنا قد رأينا بالفعل نهاية معاناة شعبنا. غير اننا نعلم جميعا أنه وبعد عدة عقود ضائعة من البدايات الخاطئة، لم نحقق ما كان ينبغي أن ننجزه .و الآن  ينبغى وضع حد  لتبادل الاتهامات وسوء الظن وفتح صفحة جديدة . الدرس الذي علينا جميعا تعلمه هو أن نضالاتنا المتفرقة لن تحقق لنا النتائج المرجوة ونحن نعتقد أننا نتفق جميعا على هذه  الحقيقة .

لكل ذلك، فإننا بحاجة ماسة إلى التوحد والوقوف معا للقضاء على الدكتاتورية وتحرير شعبنا. دعونا  لمرة واحدة نمعن التفكير والنظر فى واقعنا ! أليس صحيحا ان ما يجمعنا اكثر مما يفرقنا ؟ لماذا ندع الاختلافات الثانوية بيننا تمنعنا من العمل معا؟ هل من الصواب أن نتوقع الجميع أن يفكر بنفس الطريقة ، بما في ذلك  أصدقائنا وخصومنا ؟ هذا التوقع ليس غير واقعي فحسب وإنما أيضا لا لزوم له . وذلك لأن، خلافاتنا  ليست علامات ضعفنا  وانما  تعكس في الواقع جمالنا  وقوتنا - ولا يمكن أن تكون نقطة ضعف إلا إذا كنا نركز ونعطى الاولوية لاختلافاتنا وبالتالي تحول بيننا وبين وجود رؤية وغاية مشتركة .

ونحن نعتقد أن حل ناجع ودائم للأزمة الإرترية يمكن أن يتحقق فقط عندما يناقش الشعب علنا القضايا ذات الصلة بالحياة العامة ويتأسس النظام الديمقراطي والدستوري. إذا تم نقل السلطة السياسية في نهاية المطاف للشعب وتأكد سيادة القانون، فإنه ستتوفرآلية لإيجاد حل سلمي للاختلافات السياسية – وحينها لن يكون هناك صدع سياسي خطير. وفي ظل

النظام الديمقراطي الجديد ، وسيكون بوسع جميع الأحزاب السياسية الإرترية مجال للحركة بحرية وستكون حرة في تقديم البرامج السياسية للشعب لتنتخب للمناصب التنفيذية العامة  ومهما يكن فإنه لجعل هذا ممكنا ينبغى القضاء على الدكتاتورية أولا واحلال النظام الدستوري الديمقراطي محلها. هذا هو السبب الذى يدعونا لأن نتحد ونحشد جميع

طاقاتنا وإزالة الديكتاتورية التي تعرقل طريق تقدمنا نحو مستقبل يسوده السلام والازدهار. بيد  ان علبنا  ان نعى، الديمقراطية لا يمكن أن تمارس إلا إذا شجعنا ازدهار ثقافة التفاهم والانفتاح والمساءلة والتسامح والاحترام المتبادل.

في الواقع، هذه هي الأدوات الحيوية فى كفاحنا من أجل ترسيخ الديمقراطية والعدالة، ونحن في حاجة  للعمل بنشاط لتعزيزها فى اوساط  أبناء شعبنا.

لكل هذه الاسباب تطرح المبادرة العالمية لتعزيز قواعد الحركة الإرترية هذه  القضية الآنية والتاريخية . الفكرة الاساسية التي نقترحها كحل تستند الى تحريك  او حركة القواعد الجماهيرية . وحتى تحقق حركة الجماهير الإرترية اهدافها في

أقصر وقت وبأقل تكلفة، ينبغى يحظى الارتريين في جميع أنحاء العالم بالتوجيه السليم والحصول ويتم تأطيرهم على المستوىات المحلية والإقليمية ثم العالمية في نهاية المطاف. هذه المقاربة التى تستند على التسلسل الهرمى التصاعدى إلذى يبدأ من القاعدة لينتهى فى القمة لنهج  والتى تشكل فيها قواعد الجماهير الشعبية المصدر الاساسى للسلطة السياسية. ونحن نعتبر أن هذا هو جوهر الديمقراطية.

الارتريون في جميع أنحاء العالم سيختارون  ممثليهم فى انتخابات حرة ونزيهة.  ومن ثم يشكل الممثلون المنتخبون مجالس (برلمانات)محلية وإقليمية وعالمية . وسيعين المجلس (البرلمان)الارتري العالمي مجلس قيادة تنفيذى ارترى عالمى يتمتع بصلاحيات  تنفيذية. وسيكون من مهام المجلس القيادى تنسيق وتوجيه النضالات العريضة للمعارضة في المهجر وربط هذا الامر بقوى المقاومة داخل إرتريا. وستعمل القيادة العالمية الإرترية على تمكين قوى المعارضة فى الداخل والخارج من العمل معا لنفس الهدف من خلال التنسيق مع بعضها البعض. هذا هو الطريق الذى نعتقد ان من شأنه أن يقصر من عمر هذه الدكتاتورية الرهيبة ويشكل فاتحة لعصر جديد من السلام والديمقراطية والتقدم في بلدنا الحبيب.

نحن ندرك أن نضالنا المشترك لن يكون سهلا.  لكن طالما ان مهمتنا تنبع من أبناء شعبنا، وتحظى بدعمهم  وانها لأجلهم وليس لشيء آخر فإننا واثقون بأن انتصار نضالنا حتمى  وهذا ما يشهد به  تاريخنا الباهر .

لتسهيل فهم محتويات رسالتنا هذه كما ينبغى ، نرفق لكم  طيه الوثيقة الأصلية التى تستند عليها هذه الرسالة. وإذا كانت لديكم أي آراء أو استفسارات  تخصنا،يرجى التكرم  بابلاغنا  ذلك مبكرا وسنقدم لكم الرد على الفور .

فى الختام ، ونيابة عن المبادرة العالمية، نود أن نعرب عن رغبتنا العظيمة للعمل معكم بشأن هذا الحدث الهام  والعمل لإنجاح مهمتنا المشتركة. كما نطلب منكم بكل آيات الاحترام  تقديم دعمكم او مشاركتكم  واسهامكم المقدر  لما نحاول  ان نقوم  به .


النصر  لناشدى العدالة !!!

المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الارترية









Open Letter to Eritrean Political Party Leaders:

Appealing for Understanding and Support

Note:  This Open Letter is addressed to those Eritrean Political Party Leaders whose names and addresses we could not find. A similar letter has been emailed individually to 20 opposition party leaders listed below.

We would like to first express our greetings and regards to you as compatriots in our common struggle

We wish to assure you of our utmost admiration and gratitude for your dedication and the personal sacrifices you have endured over so many years for the salvation of the Eritrean people.  

We are writing to seek your support for the Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots Movement in the Diaspora (Global Initiative).  The ultimate goal of the Global Initiative is to elect legitimate Global Leaders starting at the grassroots level in every locality worldwide where there are critical mass of Eritreans.

The charge of this Global Leaders is to prepare/craft a blue print of a road map to end the dictatorial regime and transition Eritrea to democracy, in collaboration with the Opposition Political Parties and forces of change inside the country.

We believe this collaborative process, which engages all Eritreans in the Diaspora, will accelerate the demise of the dictatorial regime.  To this end, we expect your enthusiastic and full support of the initiative to empower Eritreans worldwide to participate in ending the suffering of their people.  

We are convinced that there is no Eritrean who is not saddened by the dire situation in our country. Yet, most Eritreans in the Diaspora seem to have given up simply because they do not see how they can play a role in ending the suffering of their people.  We believe success can only be achieved if all Eritreans are united. Hence, what Global Initiative is doing is to involve all Diaspora Eritreans in solving their country’s problems.  


It is clear that Isaias is still in power not because the pillars of his regime are strong.  In fact, the regime is just hanging to power just with its fingertips.  A little but vital push will unhinge the regime and force it to suddenly plummet down the cliff.  Therefore, we urgently need to stand up together to abolish the dictatorship and set our people free.  This is why we have to work together, muster all our strength, and remove the dictatorship that is blocking our way forward to a peaceful and prosperous future.  


The key idea, which we are proposing as a solution, is based on the grassroots movement.  If the Eritrean mass movement is to achieve its goal within the shortest time and at a minimum cost, Eritreans all over the world must be provided with a proper orientation and get organized at local, then regional and finally global levels.  This is based on the bottom-up approach in which the people at the grassroots level constitute the ultimate source of political authority.  We consider this to be the essence of democracy.  


Eritreans in various localities around the world will be choosing their representatives in a free and fair election.  The elected representatives will form local, regional and global assemblies. The global Eritrean assembly, or the provisional Hagerawi Baito, will appoint an Eritrean global leadership council with executive powers.  The duty of the council will be to coordinate and direct the broad opposition struggle in the diaspora and link it up with the resistance forces within Eritrea.  The Eritrean global leadership will enable the inside and outside forces to work together with the same aim in coordination with each other.  This is the way, we believe, will shorten the life span of this terrible dictatorship and usher in a new era of peace, democracy and progress in our beloved country.


Since our mission originates from our people, is supported by our people and is for nothing else but the interest of our people, we know that the success of our struggle is assured.  This is what our remarkable history testifies.


For the convenience of understanding the contents of our message as they are, we are attaching the original document to this letter.  If you have any views or questions for us, please kindly let us know at the earliest.  We are prepared to provide you with our prompt reply.


We trust you have read the “Urgent Call to All Eritreans World-Wide” that was posted in several Eritrean websites on the 25th Anniversary of Eritrean Independence. We urge you to read it if you have not yet done so. You can find it using the following link,

http://www.snitna.com/archive_news/2016_05/gieegm_an_urgent_call_to_all_eritreans_worldwide23may2016.html


Finally, on behalf of Global Initiative, we wish to express our great desire to work with you on this important endeavor for the success of our joint mission.  

Once again, we respectfully request for your much valued support, participation and contribution to promote what we are trying to do. We look forward to your positive response.


Victory for seekers of justice!!!

Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots Movement


Individual letters have been sent to the following Opposition Political Leaders.

1. Eritrean Liberation Front (ELF), Hussein Khalifa

2. Eritrean National Salvation Front (ENSF), Dr. Habte Tesfamariam

3. Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), Menghisteab Asmerom

4. Eritrean Democratic Party (EDP), Dr. Tesfai Sebhatu (Brinji)

5. Democratic Front for Eritrean Unity (Sagem), Jemal Saleh

6. Eritrean Congress Party (ECP), Herui T. Bairu

7. Eritrean Nahda Party (ENP), Abdulrahman Taha Nur

8. Democratic Mov’t for the Lib of Eritrean Kunama (DMLEK),

9. Red Sea Afar Dem Organization (RSADO), Ibrahim Harun

10. Eritrean Islamic Islah Movement (Islah), Adem Ismail

11. Eritrean Islamic Congress (EIC), Abdella Hamid

12. Eritrean Islamic Party for Justice & Development (EIPJD), Saleh M Osman

13. Eritrean National Salvation Front (ENSF), Ogbazghi Debus

14. Eritrean Unity for Democratic Change (EUDC), Yohanne Asmelash

15. Eritrean Federal Democratic Party (EFDP), Bashir Ishaq

16. Eritrean Solidarity Movement for Nat Salvation (ESMNS), Tesfu Atsbha

17. Eritrean Saho Democratic Movement (ESDM), Yusuf Hulul

18. Eritrean Rev Democratic Front (ERDF), Berhane Hailu (Hanjema)

19. Afar Movement (AM), Ahmed Yousuf Mohamed

20. United Democratic Front (UDF), Tesfamichael N. Mehari




See also Related:

Seminar by GIEEGM on 29 July 2016:

PART - One  / ቀዳማይ ክፋል



Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe