Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print
Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና


Search our site መድለዪ:
 






17/09/2016 23፡28 PM

14 መጋቢት 1953 ምስ 18 መስከረም 2001

በበይነን ዚተወልዳ መናቱ ዕለታት!

 

ሓደ ኣብ መሮር ባዕሉ በቚሉ ፍረ ዚህብ ገረብ ወይ ኦም፡ ፍረኡ ምቁርን ጥዕና ዚህብን እንተኾይኑ፡ ልክዕ ከምቲ ባዕልኻ ኣብ ግራትካ ዚተኸልካዮ ገረብ ኣራንሺ ይኹን ቱፋሕ (ሜለ) ኣብ ሓጋይ ማይ እናኣስተኻ፡ ኣብ ግዜ ክረምቲ ድማ እናኾስኰስካን እናጸሃኻን ትከናኸኖ ኢኻ! ጥዑም ፍረኡ እናሃበካ ከሎ ከኣ ግድን ባዕለይ ዘይተኸልኩዎ ኢልካ ካብ ምንክብካቡን ካብ ምእላዩን ኣይትቑጠብን ኢኻ!

 

ባዕልኻ ተመኒኻ ተኺልካ ዘጽደቕካዮን ኣብ ፍረ ዘብጻሕካዮን ኦም ገደናኻ ክነሱ፡ ከምቲ ዘይትፈልጦ ባዕሉ ዚበቘለ ገረብ መሮር፡ ኣብ ክንዲ ፍረ ወይኒ ፍረ ዓጭቀልን ሕሞርን ምፍራዩ ከይኣኽሎ፡ እንደገና ብእሾኹ ጌሩውን ኪወግኣካ እንተጀሚሩ ግን ክሳራኡን ጓሂኡን ካብቲ ናይ መሮር ኦም ከም ዚዓብን ከም ዚሕይልን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

እምበኣርከስ ክቡራትን ክቡራንን ነበብቲ፡ መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ከም ዚብሃል፡ ከምቲ ድሮ ተገንዚብኩሞ ዘለኹም፡ እዚ ፍጻመ'ዚ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢሙ'ሎ፤ ንህዝቢ ኤርትራ ፍረ ዓጭቀልን ሕሞርን ዘፍሪ ተዋጋኢ ኣሻዂ ገረብ መሮር ኣጋጢሙዎ ኣሎ። እዚ ባዕሉ ኣብ ገደና ህዝቢ ኤርትራ ዚበቘለ እሾኽ መሮር'ዚ ቅድሚ 15 ዓመታት ልክዕ ከምዚ ሎሚ ዕለት፡ ኣብ 18 መስከረም 2001 ነዚ ዚስዕብ ሓጺር ኣዳናጋሪ መግለጺ ብምሃብ፡ ዓቢ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ፈጺሙ ኣሎ።

 

እዚ መግለጺ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ህግደፍ'ዚ፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ንግዜኡ ከም ዚተኣገዳን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ገበን ኪፍጽሙ ዚጸንሑ ሰባት ከም ዚቐየደን እዩ ኣርዲኡና። ኣብዚ ሕጂ ኣስተውዑሉ፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ገበን ፈጺሞም ዚተባህሉ ሰባት ገበኖም እንታይ ምዃኑ ኣብ ዚቕጽል ግዜ ንህዝቢ ከም ዚነግር ብምሕባር፡ እተን ናይ ብሓቲ ጋዜጣትት ድማ ንግዜኡ ከም ዝተኣገዳ'ዩ ዚሕብር ኔሩ። እዚ ዚተዋህበ ናይ ሓሶት መብጽዓ መዓስ ከም ዚፍጸም ግን ዚፈልጦ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ከምዘይፍጸም ግን ኩሉ ህዝቢ ይፈልጦ'ዩ።

 

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ልክዕ ከምዚ ናይ ጉጅለ መንግስቲ ህግደፍ ናይ 2001 ተግባራት፡ በቲ ኣብ 1952 ዚቖመ ናይ መጀምርያ መንግስቲ ኤርትራ እውን ተመሳሳሊ ፍጻመ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣጋጢሙ ኔሩ'ዩ። ፍልልዩ፡ እቲ ብመንግስቲ፡ እቲ ድማ ብሸፋቱ ምፍጻሙ ጥራይ እዩ። ኣየነኦም'ዮም ስራሕ መንስቲ ሰሪሖም፡ ኣየንኦምከ ስራሕ ሸፋቱ ሰሪሖም ንምፍላጥ ከኣ ካብቲ ባዕሉ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ 2005 ዘሕተሞ "ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ" ዘርእስቱ መጽሓፍ ከም ዘለዎ ዚተወስደ ስጉምቲ መንግስቲ ኤርትራን ካብታ ረቡዕ 19 መስከረም 2001 ዝተሓትመት ቀለም ህግደፍ ጋዜጣ 'ሓዳስ ኤርትራን' ብምንጽጻር ንኺትርድኡን ፍርድኹም ኪትህቡን ቀጺልና ነቕርበልኩም፥

 

እቲ ብዕለት 14 መጋቢት 1953 ኣብ መበል 26 ሕታማ ጋዜጣኡ ዚተዓጽወቶ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ "ደሃይ ኤርትራ" ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ማሓሙድ፡ ነቲ ካብ ሕገ መንግስቲ ወጻኢ ስጉምቲ ዚወሰደ ኣካል ንኺትብድህ ወይ ንኺትምጉት ዘኽእል ዓንቀጽ 90(3) መሰረት ብምግባር፡ ነቲ ነታ ጋዜጣ ንኸይትሕተም ዚኣገደን ንኣኡን ንምኽትሉ ኣቶ ኤልያስ ተኽሉን ከኣ ከሲሱ ናብ ፍርዲ ዘቕረበን መንግስቲ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ፡ ናብ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ጠሪዑ ከሰሶ።

 

እቲ ጥርዓን ጋዜጠኛ ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ማሓሙድ፡ ዚረኣየ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ውሳነኡ ሃበ፥ 'ኩሉ ነባሪ ኤርትራ ዚኾነ ሰብ፡ ርእይቶኡ ብዝኾነ መገዲ ንኺገልጽን ብኻልኦት ብዛዕባ ዚዝርጋሕ ርእይቶታት ንኺመሃርን ምሉእ መሰል ኣሎዎ' ዚብል ዓንቀጽ 30 ናይ መንግስቲ ይፈቅድ'ዩ፤ በዚ መሰረት ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ቅድሚ ይኹን ድሕሪ ምሕታመን ሰንሱር ክግበራ ወይ ብኢደ ዋኒናዊ ኣጋባብ ክጽቀጣ ከምዘይግባእ የነጽር' ይብል።

 

ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ብምቕጻል፥ 'ውልቀ ዜጋታት ኣብ ጋዜጣታት ናይ ጽሑፍ መጥቃዕቲ ምስ ዚወርዶም፡ በቲ ዜጋታት ካብ ጸለመ ንኺከላኸሉ ዘኽእሎም ኣንጻር ጸለመ ዚተሓገገ ዓንቀጻት ፍትሒ ኪሓቱ ይኽእሉ'ዮም፤ መንግስቲውን ንነብሱ ኮነ ንሕብረተሰብ ካብ ዚፈላሊ ተግባራት ንምክልኻል ዘኽእሎ ሕጊ ከም ዘሎዎ ይፈልጥ'ዩ' በለ። ላዕለዋይ ዳኛ ብምቕጻል፥

 

'ሰንሱር ወይ እገዳ ናይ ምሕታም ዚፍቀድ፡ ንህዝባዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሓደገኛ ዝኾነ ህጹጽ ኩነታት ምስ ዘጋጥም፡ ባይቶ ኣብ መጋባእያ ኣውሪዱ'ዩ ዚውስኖ፤ እዚውን እቲ ሓደገኛ ኩነታት ክሳዕ ዚእለ ጥራይ እዩ ዚፍቀድ። ሓደገኛ ኩነታት ምስ ተኣልየ ከኣ ብቐጥታ ኪለዓል ይግባእ' በለ። በዚ መሰረት ከኣ ላዕለዋይ ዳኛ ኤርትራብ 19 ነሓሰ 1953 ኣብ ዚወዓለ መጋባእያ፡ ነቲ ብትእዛዝ ኮምሽነር ፖሊስን ሰክረታሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን መንግስቲ ተድላ ባይሩ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዚተገብረ ጋዜጣ ናይ ምእጋድ ውሳነ ሰረዞ

 

እታ ዳግም ንኽትሕተም ልዕልና ሕጊ ዘፍቀደላ ጋዜጣ 'ደሃይ ኤርትራ' ከኣ ብ 5 መጋቢት 1954 ኣብ ዚፈለመ ቀዳማይ ሕታማ "ደሃይ ተኸፊታ" ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ ነዚ ዚስዕብ ጽሑፍ ኣስፈረት፥ 'ናጻ ጋዜጣ ዘይብሉ ህዝቢ፡ ናጽነት ኣሎዎ ኪብሃል ኣይከኣልን'ዩ! ምኽንያቱ ከኣ ሓደ ህዝቢ ጥቕሙን ጉድኣቱን ብጽሑፍን ብቓሉን ንኸመልክት እንድሕሪ ዘይተፈቒዱሉ ኣየናይ ዓይነት ናጽነት ኣሎዎ ኪብሃል ይከኣል? ህዝቢ ንዝተጓነፎ ሽግርን መከራን ብግልጺ ከመልክት እንተዘይኪኢሉኸ ኣብ ክንዲ ናጽነት ኣብ ባርነት'ዩ ዘሎ እንተበልና ካብ ሓቂ ከምዘይረሓቕና ይርደኣና፤ ስለዚ ድማ ነዚ ኣብ ዓለምና ነጊሱ ዘሎ ሕጊ ደሞክራስያ ዘናሽዉዎ ሰባት እንተልዮም፡ ጌጋኦም ኪእርሙ ንዕድም? ከመይሲ፡ ሕማም እንተዘይተሓከመ ሕሙም ከምዘይሕሾ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ።'

 

'ገለ ሰባት ኣብ መንግስቲ ዘሎ ጉድለትን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ሽግርን እናፈለጡ፡ ንግዜኡ ኪፍተዉ ኪብሉ ውዳሰ ከንቱ እንተወደሱ፡ ክውንን ዘይኩውንን እንተጸሓፉን እንተተዛረቡን እዚ ንመንግስትን ህዝብን ጉድኣት'ምበር ጥቕሚ ከምዘይኮነ ኪፈልጡ ይግባእ። ስለዚ፡ ናጻ ጋዜጣ ኪብሃል ከሎ፡ ጥቕሙ ንህዝቢ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ዝያዳ ንመንግስቲ'ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ንመንግስቲ ዚስወሮ ነገርን ኩነታት ህዝብን ብዘይሓደ ድኻምን ጻዕርን ካብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ እናቐሰመ፡ ናብራ ህዝቢ ከመሓይሽን ሽግራት ኪፈትሕን ስለ ዚኽእል።' ብምባል ደሃይ ኤርትራ ዳግም ስራሓ ጀመረት።

ምንጪ መጽሓፍ፥ "ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ" ገጽ 498-502

 

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን እስከ ልቢ ንበል? ካብዚ ጭብጥታት'ዚ ተበጊስናስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ናብ ባርነት'ምበር ናብ ናጽነት ተሰጋጊሩዶ ክንብል ንኽእል? ምኽንያቱ፡ ኣብ መግዛእቲ ዋላ ሕማቕን ሕሱምን ይኹን መንግስቲ ኣሎ፣ ኣብ ባርነት ግን ብዘይካ ሽፍታ መንግስቲ ዚብሃል ነገር የለን! ስለዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ እዋን መንግስቲ ስለ ዘይብሉ፡ ኣብ ባርነት ኣሎ ክንብል ንኽእል ኢና።

 

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!


ካብ ሓውኹም መሲናስ 18/09/2016


Victims of Eritrea's Black history, September 18 2001

    Read more - ኣብዚ ጠውቑ















Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe