Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print
Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

ሰለስተ ጥቅምቲ!  

 

ታራኻዊት ዕለት ሰለሰተ ጥቅምቲ

ኣብዚ ጸሊም ማህደር ታሪኽ ኣጋንንቲ

ስምኪ ተሰምዩ ናይ ህልቂት መዓልቲ

ኣርማ ቅዝፈት ኴንኪ ናይ ጸላም ሓወልቲ!

 


ብምሕደራ ምልኪ ሃገሮም ገዲፎም

ኣማእት ኣብ ስደት ባሕሪ እናቐዘፎም

ሓርነት ስኢኖም ክብሮም ተገፊፎም

ጥዑም ከይረኣዩ ዕሸላት ሓሊፎም

ጓኖት ሕማቕ ርእዮም ሬሳኦም ገፊፎም

ክሳዕ ሰብ ዚረኽቡ ቀቢሩ ዘዕርፎም

ኣብ ጋህሲ ኣንቢሮሞም ብሓደ ጸፍጺፎም!

 

ሰብኣዊ መሰሉ ወትሩ እናተጋህሰ

በረኻ ዚወጸ ናብ ቤቱ ከይተመልሰ

ሬሳ ናይ ኣሕዋቱ ሓመድ ከይለበሰ

ልቢ ወላዲቱ እንከይተደበሰ

ነቲ በዳሊኡ ገንዘብ ዚኸሓሰ

መንኮን'ዩ እቲ ምሉኽ ሓሞቱ ዚፈሰሰ!?

 

ጠንቂ ናይ ስደቱ ፍጹም ዘይርድኦ

*ዘላሚ ዚውድስ ካብ ቤቱ ዘውጽኦ  *ረጋጺ፡ ጨቋኒ

ደኒኑ ዚልሕስ ነቲ ዚተፍኦ

ዓዋን ባሕረኛ'ዩ ኮምፓስ ዚጠፍኦ!

 

ስረኡ ዓጢቑ ንምልኪ ዘይገጥሞ

ጥፍኣት ናይ ኣሕዋቱ ፍጹም ዘየሕሞ

ኣብ ጓይላ ዚሓድር ንነብሱ ኪጥዕሞ

ሕድርኻ እናበሎ ንብጻዩ ዚጠለሞ

ንዕሩብ ሕልና መንፈስ ዚሃደሞ

ግዜ ዶክተሩ'ዩ ባዕሉ ይሓክሞ!

 

ራህዋን ቅሳነትን ሓርነት ስኢንኩም

ወፍሪ ዓቕሊ ጽበት ስደት ዚመረጽኩም

ኣብ ሲናይን ሳህራን መከራ ዘሕለፍኩም

ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ብላሽ ዚጠፋእኩም

ወትሩ ካብዛ ልቡ እንከይፈለየኩም

ክሳዕ እተዕርፉ ኣብታ መረበትኩም

ይረባረብ ኣሎ ህዝቢ ምስ ኣባይኩም

ቀሪቡ'ዩ ደጊም ኪምለስ ሒዙኩም!

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ነቶም 'ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን' ዚተባህሉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!

 

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!


ካብ ሓውኹም መሲናስ 03/10/2016