snitna.com

15/11/2016 23:02 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

ሓምሻይ ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!"ረመጽ ወዲ ጓህሪ፡ ቁጡዕ ወዲ ነብሪ!
ረጒድ በትሪ እንተ ዘይወቓዕካሉ ተፈራርሓሉ!
ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ፡ ሕማቕ ሰብ መናሸዊ!
ርእሲ ማል ኣግማል፡ ርእሲ ሃብቲ ትምህርቲ!
ርጉም ኣይወለድ፡ እንተ ተወልደ ከኣ ኣይዕበ!"

እቲ ብ 15 መስከረም 1952 ዓ.ም. ዚቘመ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምስታ ብኹሉምሉ ካብኡ ኣዝያ ትድሕር ዝነበረት ኢትዮጵያ ምቁራን፡ ተጽዕኖ'ምበር ምርጫኡ ኣይነበረን። እዚ ክንብል ከለና ግን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ፡ ምሉእ ብምሉእ ይነጽግ ኔሩ'ዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ናይዚ ሓደ ጭቡጥ ኣብነት ከኣ እቲ ኣቐዲምና ኣብ ራብዓይ ክፋል ዚነበብናዮ ኣቀባብላ ምእታው ጃንሆይ ናብ ኤርትራ ህያው ምስክር'ዩ።

እቲ ቀንዲ ስውር ህልኽን ጸገምን ግን መብዛሕትኦም ክርስትያን ኤርትራውያን ንኢትዮጵያ ብዓይኒ ሃይማኖት ብምጥማት፡ ክቐርቡዋን ክዛመዱዋን ኪደልዩ ከለዉ፣ መብዛሕትኦም ኣመንቲ ምስልምና ከኣ ብምኽንያት ሃይማኖት ካብ ኢትዮጵያ ኪርሕቑ ይቃለሱ ስለ ዚነበሩ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ኤርትራውያን ብዚተራእየ ናይ ዘይምስምማዕ ኩነታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዚረብሓሉ ጽቡቕ ናይ ጎበጣ ኣጋጣሚ ተፈጥረ። ገለ ክፋል ኣብ መጽሓፍ "ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ" ገጽ 102 ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ነዚ ዘይምስምማዕ ሕድሕድ ኤርትራውያን ብንጹር ይገልጾ፡-

'እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ዚካየድ ዚነበረ ክትዓት፡ ኣብ ክንዲ መጻኢ ዕድል መላእ ሃገር ዚኸውን ጉጅለኣውን ውልቃውን ረብሓታት ብዘቐድም ናይ ህልኽን ውድድርን ትሕዝቶ ይዕብልሎ ስለ ዚነበረ፡ ዝኾነ ብሓደ ወገን ዚቐርብ ሓሳባት ወይ ዚውሰድ ስጉምታት፡ እቲ ካልእ ወገን ብዓይኒ ጥርጣረ ወይ ቅርሕንቲ ስለ ዚርእዮ፡ ናይ ሕድሕድ ምትእምማንን ናይ ሓሳባት ምጽውዋርን ወይ ሕድገታት ናይ ምግባርን ጠባይ ይርአ ኣይነበረን' ይብል።

ሓደ ካልእ ነዚ ናይ ዘይምስናይ ባህልን ልምድን ኤርትራውያን ዚተዓዘበ፡ ኣብ ገለ እዋን ሓደ ስሙ ዘይሓዝኩዎ ኣማሓዳሪ ሓማሴን፡ ሰራየን ኣከለጉዛይን ዚነበረ እንግሊዛዊ ክኢላ፡ (Senior Divisionel Officer) ብወገኑ፡ ከምዚ ኪብል ርእይቶኡ ሂቡ ነበረ፡- 'ኤርትራውያን ጎራሓት፡ ፈላጣትን ኪኢላታትን'ዮም፣ በዚ መገዲ'ዚ ከኣ ካብቶም ካልኦት ህዝብታት ኣፍሪቃ፡ ዋላውን ካብ ኤውሮጳውያን ከይተረፈ ድሕር ኪብሉ ኣይምኸኣሉን፤ ግናኸ ሓደ ነዚ ክውን ከይከውን ዚዕንቅጽ ቊንቊነ ነፍስን ስጋን ዚኾነ ኣበር ኣሎዎም፤ ንሱ ከኣ ናይ ሕድሕድ ጽልእን ቅርሕንትን'ዩ!' ኢሉ ነበረ።

ህዝቢውን ኣቐዲሙ ኣብ ጋዜጣታት ደሃይን ጋዜጣታት ኢትዮጵያን ከምዚ ኪብል ንኣባላት ባይቶ ርእይቶኡን ማዕዳኡን ሂቡ ኔሩ'ዩ፡- 'ህዝቢ ኤርትራ ሰላም'ዩ ዚደሊ ዘሎ! ሰላም ምስ ጎረባብቱ፡ ሰላም ምስ ፈተውቱ፡ ሰላም ምስ ጸላእቱ፡ ሰላም ኣብ ዓዲ፡ ሰላም ኣብ መገዲ፡ ሰላም ኣብ ከተማ፡ ሰላም ኣብ በረኻ'ዩ ዚደሊ ዘሎ'ሞ፡ ነዚ ሰላም'ዚ ንምምጻእ፡ ብንጽህና ልቢ፡ ብቕኑዕ ሕልና፡ ተጒላባ ብዘይብሉ ልባዊ ፍቕሪ፡ ሓሲብኩምን ሰሪሕኩምን፣ ካብ ቤትኩም ንሰላም ኢልኩም ንኺትነቕሉ ሓደራ ክንብለኩም ንፈቱ' ብምባል፡ ሓላፍነታዊ ምኽሪ ይልግስ ነበረ።

'ባይቶ ሰላም መንእሰያት ኤርትራ' ዚተባህለ ማሕበር መንእሰያትውን ብወገኑ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል፡ ኣብቲ ብ 13 ግንቦት 1952 ዓ.ም. ዚገበሮ ኣኼባ፡ ናብ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ኣዝዩ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣማሓላሊፉ ነበረ፡-

'ሰላም ነቲ ንኣኻትኩም ብፍላይ ዚትንኪ፡ ናይ ርእስኹም ሓሳብን ርእይቶን ኣርሒቕኩም ምእንቲ ጠቕላላ ጥቕምን ረብሓን ናይቲ ዚለኣኸኩም ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ምስ እትሰርሑ'ዩ ኪርከብ ዚኽእል።'

'ብፍላይ ከኣ 'ሓሳባተይን ርእይቶይን ካብ ዘይስማዕስ እንታይ ገደሰኒ' ምባል፡ ናይ ብሕትኻ ሓሳባትን ድላይን እምበር ናይቲ ዚለኣኸካ ከምዘይኮነ ምፍላጥ የድሊ፤ ወከልቲ ህዝቢ ምዃን ንኸቢድ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን እምበር ንሽመትን ንዝናን ከምዘይኮነ ተረዲእኩም፡ ብቕንዕናን ብስምምዕን ምስዘይትሰርሑ ከኣ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ተምጽኡ ከም ዘለኹም ኪትግንዘቡ ይግባእ፣ ኩሉ ሓሳባትኩምን ምንዮትኩምን ንዕብየት ህዝብን ሃገርን ጥራይ ኪኸውን ጸሎትና'ዩ' ብምባል ልቢ ኣባላት ባይቶን ህዝብን ዚትንክፍ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ነበሩ።

እታ ንጹር ሕገ መንግስትን ኤውሮጳዊ ስርዓተ ሕግን እትውንን ዝነበረት ሃገርና ኤርትራ፡ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር፡ ናይ ኢትዮጵያ ቅዋምን ሕጋውያን ቅርጽታትን ዘመናዊ ከም ዚኸውን ንምግባር ብቐጥታ ኪስርሓሉ ከም ዚነበሮ ናይ ሽዑ ገምገምቲ ፖለቲካ መኺሮም ከም ዚነበሩ ይፍለጥ። እቲ ንልሕቀት ኤርትራ ናብ ኢትዮጳያ ኪሰርሕ ብጃንሆይ ዚተላእከ፡ እንደራሴ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ኣንዳርጋቸው መሳይ እውን ብ 27 ሚያዝያ 1953 ዓ.ም. ናብ ባይቶ ኤርትራ ቀሪቡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ትርጉም ፈደረሽን ንኣኡን ንመንግስቱን እንታይ ምዃኑ ኣነጸረ። ከምዚ ድማ በለ፡-

'ኤርትራ ሓንቲ ክፍሊ ናይ ኢትዮጵያ ኮይና፡ ውሽጣዊ ምምሕዳር ንክህሉዋ ብሕቡራት መንግስታት ተወሲኑ ኣሎ፣ ብግርማዊ ጃንሆይ ከኣ ጸኒዑ፤ 'ፈደራስዮን' ዚብሃል ስም ከኣ ተዋሂቡዎ ኣሎ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ዚብሃል ስም ግን የለን! ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ኤርትራ ትብሃል ክፍሊ ሃገር ኣላ። ስለዚ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚብሃል ኣጸዋውዓ ካብ ማንም መንፈስ ኪእረም ይግባእ።' በለ።

ድሕሪ'ዚ ከኣ ብስውርን ብጋህድን ኩሉ ጉዕዞን ኣንፈትን ኢትዮጵያውያን፡ ንኤርትራውያን ምድኻምን ምንብርካኽን ጥራይ ኮነ። እቲ ቀዳማይ ናይዚ መጥቃዕቲ'ዚ ከኣ ቁጠባዊ ማሕነቕቲ ነበረ። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ሽፍትነትን ዓመጽን፣ ከምኡውን ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ከይተረፈ ኣብ ጎደናታት ክልምናን ዘይንቡር ስራሕ ክሰርሓን ጀመራ። ልመናን ምንዝርናን ዳርጋ ከም ንቡር ኪርአ ጀመረ። ናይ ምዝራብ መሰል ኣሎኩም፡ 'ናጽነት ኣሎኩም' ንብሃል ኣለና። ስራሕ ስኢንካ ስድራኻ ከተዕንግል ዘይምኽኣልስ ናጽነት ድዩ!? ወዘተ.' ዚብል መረረ ህዝቢ ብቐጻሊ ተሰምዐ።

ቅድሚኡ ኣብቲ ጽኑዕ ሃይማኖት ዚሰረቱ ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብልሽውናን ጉቦን ዚብሃል ፈጺሙ ይፍለጥ ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኣቶ ተድላ ባይሩ፡ ካብ መንግስቲ እንግሊዝ ባዶ ካዝና ስለ ዚተቐበለ፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ንምኽፋል ከይተረፈ ይጽገም ከም ዚነበረ ይፍለጥ። መራሕ መንግስትን ሚኒስተራቱን ከኣ ካብቲ ዚተሰልዓሎም ወርሓዊ ደሞዝ ፍርቂ እናተኸፍሉ ንመንግስቶም እግሪ ከትክሉዎ ይጽዕሩ ከም ዝነበሩውን ታሪኽ የዘንቱ'ዩ።

7 ሚያዝያ 1953 ዓ.ም.   ኣለን ስሚዝ ዚተባህለ ናይ ኤርትራ ዋና ናይ ሕሳብ ተቘጻጻሪ ዚነበረ እንግሊዛዊ፡ ንብጽሒት ኤርትራ ካብ ኣታዊታት ጉምሩክ ኣመልኪቱ፡ ናብ ሰክረታሪ ፋይናንስ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣቶ ተኽለሃይማኖት በዅሩ፡ ብኣኦም ኣቢሉ ድማ ናብ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣብ ዚጸሓፎ ደብዳቤ፡ ኤርትራ ብሰንኪ ጉድለት ኣታዊታት ጉምሩክን ካልእን ኣዝዩ ከቢድ ቁጠባዊ ክሳራ ትስከም ከም ዝነበረት ሓበረ። እዚ ሕቶን ምልክታን'ዚ ሰማዒ ምስ ሰኣነሉ ከኣ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስራሑ ተሰናበተ። ኣቐዲሙ ሓደ ዊልሶን ሂስኮት ዚትባህለ ኣማኻሪ ቁጠባ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ፡ ቁጠባ ኤርትራ ንምምሕያሽ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ኪፍጸም ከም ዘለዎ ዚሃቦ ምኽሪ ስለ ዘይተሰምዐ፡ ብፍቓዱ ካብ ስራሑ ለቒቑ ነበረ።

ዊልሶን ሂስኮት 'ቁጠባዊ ጸገማት ኤርትራ ንምፍታሕ፡ ቀዳማይ ኤርትራ ግቡእ ናይ ግምሩክ ብጽሒታ ካብ ኢትዮጵያ ክትረክብ ኣለዋ፣ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ህዝቢ ብኸቢድ ጽዕነት ግብሪ ስለ ዚተሳቐየ፡ ግብሪ ኪመሓየሽ ኣለዎ' ብምባል ምኽሩ ለጊሱ ነበረ። እንተኾነ እዚ ኪትግበር ስለ ዘይረኣዮ፡ ናብ መንግስቲ ተድላ ብፍላይ ድማ ናብ መራሒ መንግስቲ ዚቐንዐ ሓያል ነቐፌታ ኣቕረበ። እቲ እንግሊዛዊ ክኢላ ቁጠባ፡ ነቐፌታኡ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣቕረቦ፡-

ኣብዚ መንግስቲ ናይ ዓብላልነት ኣካይዳ ይርአ ኣሎ! እቶም ሰክረተሪያት ኣብ ደቀቕቲ ጉዳያት ከይተረፈ ናይ ባዕሎም ውሳነ ኪህቡ ይኽእሉ የለውን። በዚ ምኽንያት ክኣ ናብ ተራ ጸሓፍቲ ተቐይሮም ኣለዉ! መንግስቲ ነታ መልእኽታትን ርእይቶታትን ህዝቢ ናብ መንግስቲ ንምብጻሕ ትሕግዞ ዝነበረት እንኮ ጋዜጣ ብሕቲ ብምዕጻዉ፡ ናይ ፕረስ ናጽነት ጥሒሱ ኣሎ። መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሓሳቡ ዘይሰማማዕ ርእይቶ ንዚሃቡዎ ሰበ ስልጣናት ብዘይኣፍልጦ ባይቶ ከባርርን ኪእግድን ይረኣ እሎ!' ወዘተ. ብምባል መረርኡ ብግልጺ ናብ ባይቶ ኣቕረበ። ብኸምዚ ኣጋባብ ከኣ እቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ብሞያኦም ንኪሕግዙዎ ብመንግስቲ እንግሊዝ ብድሕሪት ተሪፎም ዚነበሩ እንግሊዛውያን፡ በብሓደ ናብ ሃገሮም ኪምለሱ ጀመሩ።

ኣብዚ ንእግረመገደይ ከነጽሮ ዚደሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እንተሎ፡ እቲ ወትሩ ንልሕቀት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዚምልከት፡ ብጉጅለ ህግደፍ ዚንገረና ናይ ዓመጽን ሸፈጥን መግለጺ፡ 100 ካብ 100 ሓሶት ምዃኑን ምፍራስ መንግስቲ ኤርትራን ምጥፋእ ሃገረ ኤርትራን ቀንዲ ተሓተትቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካን እንግሊዝን ዘይኮኑስ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ። ሰሪ ጉድለት ንቕሓትን ዘይምስምማዕን፡ ኤርትራውያን ንሃገርና ኤርትራ ከም ዘጥፍአ ካብ ማይ ንግሆ ዚጸሪ ሓቂ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ደጊመ ክሕብር እፈቱ። ንኣብነት፥ ገለ ኣባላት ባይቶ ወርሓዊ ደሞዞም 175 ብር ክነሱ ናብ እንደራሴ ከይዶም ወረ ብምቅብባል ግን 250 ብር ይኽፈሎም ከም ዚነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።

ከምኡውን ኤርትራውያን ካብ መራሒ መንግስቲ ጀሚርካ ኩሎም ኣባል ባይቶ፡ ኣብ ሰልሰተ ደምበ ተመቓቒሎም፡ ገለ ኣነስዮነ (ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ) ገለ ድማ ፈደራስዮነ (ፈደራላዊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ) ገለውን ምሉእ ናጽነት ብምጥላብ፡ ካብ ሓድነትን ፍቕርን ብምርሕሓቕ፡ ኢትዮጵያ ሰናይ ድሌታ ንኽሰምር ኣሳሰይቲ ጥፍኣት ናጽነቶምን ሃገሮምን ከም ዚነበሩ ዘይከሓድ ሓቂ'ዩ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ሽፍትነት ተዋፊሮም ንህዝቢ ዘከላብቱን ንመንግስቶም ዘዳኽሙን ዚነበሩን ቊጽሪ ዘይብሎም ፋኖታት እውን ኤርትራውያን'ዮም ኔሮም። እኩብ ድምር ናይዚ ኩሉ ጠንቅታት ድማ'ዩ ንሃገርና ኤርትራ ናጽነታ ዚኾለፈ! ብተወሳኺ ንፍሉይ ረብሓ ኣመሪካ ተባሂሉ፡ ጃንሆይ ንሃገርና ንኪጎብጡ ቀጠልያ መብራህቲ ተወሊዑሎም ነበረ። ድምጺ ኤርትራውያን ኣብ መጋባእያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንከይስማዕውን ኣመሪካ ዚከኣላ ከም ዝገበረት ዚርሳዕ ኣይኮነን።

*   *   *

እቲ፡ ካብቲ ኣብ በረኻታት ሳሕል ዚሰርሓሉ ዚነበረ ናይ ዓመጽን ናይ ዘይተሓታትነትን ምስጡር ጉዕዞ ኪላቐቕ ዘይደለየን ዘይፈተነን መራሕ ስርዓት ህግደፍ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ናብ ስልጣኑ ጥራይ ዘተኰረ ግጉይ ኣካይዳኡ፡ ጠንቅን ሳዕብየንን ከናድየሉ ግድነት ስለ ዝኾነ፡ ቀልጢፉ ንኣመሪካን ንወያነን ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ድማ ንማሕበረሰብ ዓለም፡ ከም ታሪኻውያን በደልቲ ህዝቢ ኤርትራ ብምቊጻርን ብጽዑቕ ብምጉስጓስን፡ ገንሸል ክፍኣቱ ንኺኾኑዎ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣቕረቦም።

ዝኾነ ንግጉይን ግዕዙይን ኣካይዳ ስርዓት ህግደፍ ኪነቅፍን ኪእርምን ዚፈተነ ዜጋ ከኣ 'ልኡኽ ወያነ፡ ሰላይ ኣመሪካ፡ ወዘተ.' እናተባህለ ብዘይሕግን ፍርድን ጨዊኻ ከም ዚሓቅቕ ተገብረ። ሰብ በብዚወጾ ሓታቲ ዘይብሉ ጠፊኡ ተረፈ! እዚ ስጉምቲ'ዚ ከኣ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ራዕድን ሽበራን ፈጠረ። ዕላማኡ ንሱ ስለ ዚነበረ ከኣ መራሕ ምልኪ በዚ ቀዳማይ ዓወት ጨቢጡ ተሸንሀ!

ኤርትራ ብሓደ ርእሲ ከም ትሓስብን ከም ትጓዓዝን ንምግባር ከኣ "ሓደ ልቢ" ዚብል ናስትሮ መሊእካ ጭራዋጣን ከበሮን ብምሕዋስ ልዕሊ ዓቐን ከም ዚወዓዋዕ ተግብረ! ሓደ ልቢ ዘይበለን ዚተፈልየ ሓሳብ ዘቕረበን ዜጋ ከኣ ብታርጌት ኪህረም ጀመረ። ዘዝተቓወመን ካብ ጉጅለ ህግደፍ ፍልይ ዚበለ ርእይቶን ሓሳባትን ዘሎዎ ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ብስም 'ሃገራዊ ድሕነት' እናቐጻዕካን እናኣሕቐቅካን ኩሉ ኣብ ገዛእ መሬቱን ዓዱን ዋላ ብጥሙይ ከብዱ፡ ብሰላምን ቅሳነትን ኪነብር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ስለ ዘብጽሑዎ፡ ኤርትራዊ፡ ከም ተዂላ ናብ ደምበአን ዚኣተወን ኣባጊዕ፡ ዶባት ጎረባብቲ ሃገራት ጠጥሒሱ ብመሬትን ባሕርን ናብ ግዳም ነፈጸ!

ኣብ ታሪኹ ርእዩዎን ሰሚዑዎን ዘይፈልጥ፡ መዘና ኣልቦ ውርደትን ሕስረትን ኣብ ዘበነ ኢሳያስ ኣጋጠሞ! ኤርትራዊ እናተበሳበሰን እናተሰደን ከሎ፡ እታ ብስሙ እትምኽነ ዘላ ሃገሩ ከኣ ኣብ ክንዲ ትለምዕን ትዓብን ማዕረ ማዕሪኡ ክትዝኽትምን ክትደክን ንኹሉ ብኣዒንቱ ዘይኮነስ ብልቡ ዚርኢ ሰብ ደሚቓ ትርአ ኣላ! ዋላ'ኳ ሰብን ሃገርን ኪወዳደሩ ዘይክእሉ ክልተ ናይ ሰማይን መሬትን ክብሪ ዘሎዎም ጫፋት እንተኾኑ፡ ከም መደዓዓስን መጸናንዕን ግን ኤርትራ ሃገርና ህዝባ ጠፊኡ ንሳ እንተትለምዕን እንተተብልጽግን’ውን ኣይምተጸልአን፡ ኢልካ ምድዕዓስ ምተራእየ ኔሩ፡ እንተኾነ እዚውን ኣልቦ ደኣ ኮነ!

ላዕሊ ንበል ታሕቲ ግን ንዝኾነ ጸገም ጠንቂ ኣሎዎ። ጸገም ኤርትራውያን፡ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት መንግስቲ ተድላ ባይሩ፡ ኢትዮጵያውያንን ተደናገጽቶም ኤርትራውያንን እንተኔሮም፡ ጠንቂ ጸገም ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ስርዓት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ሓደን ሓደን'ዩ። ንሱ ከኣ ፕረዚደንት ህግደፍ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ'ዩ! ጠንቂ ኩሉ ሕሰምን ሽግርን ኤርትራውያን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ዘይርዳእን ዘይፈልጥን ሰብ እንተሎ ከም ሰብ ይሓስብ የለን ማለት'ዩ!

ኣብ ታሪኽ ህዝብታትን ሃገራትን ዓለም ህንጻ ሃገር ብኣዋጅ ንዘይተወሰነ ግዜ ደው ዘበለ ስርዓት እንተልዩ፡ እቲ እንኮን ናይ መጀመርያን ስርዓት ህግደፍ ጥራይ እዩ! ኣብዚ ብዙሓት ሰባት ገዛ ምንዳቕ ጥራይ ዚተኸልከለ ዚምስሎም ኣለዉ፣ እንተኾነ እቲ ተኣጊዱ ዘሎ ቤት ምህናጽ ጥራይ ኣይኮነን፣ ኣዝዩ ብዙሕ'ዩ። ገለ ካብኡ፡ እንጂነር፡ መሃንድስ፡ ነዳቓይ፡ (እምብሬዛ) ለሓሚ (ፋግሮ)፡ ኤለትሪሻን፡ ጸራባይ ዕንጨይቲ (ፈለኛሞ)፡ ሰራሕ ጡብን ብሊኮትን፡ ለማጽን ድራብሊኮን (ሻምብቆታት ፈሳሲ ዘጋጣጥም ክኢላ) ወዘተ፡ ኩሉ ካብ እትዋት ህንጻ ዚነብር ዚነበረ ድኻ ኤርትራዊ'ዩ፡ ጸሙ ዚሓድርን ኣብ ምልማን ተዋፊሩን ዘሎ! ኣብ ግዜ ኢሳያስ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ መጽለሊ ስኢኑ ምሽጋሩ፡ ሰሪሑ ድራር ዕለቱ ዚምእርረሉ ዚነበረ ምንጪ ኣታዊኡውን ስለ ዚተዓጽዎ ናብ ስደትን ልመናን ዚተዋፈረ ኤርትራዊ ዜጋ ኣደኡ ትቑጸሮ'ዩ ዘብል።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ብናይ ህጹጽ ግዜ መሰጋገሪ እዋን፡ ማለት ብኩፖን ካብ ዚቕለብ ክንደይ ዓመት ኣቚጺሩ ከም ዘሎውን ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ይጸብጽቦ። ቅድም ይዝከረኒ ኣብ ግዜ ደርጊ፡ ኩፖን፡ ንድኻታት ንምሕጋዝ ጥራይ ተባሂሉ፡ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ከይገበረካ'ዩ ዚስርሓሉ ኔሩ። እወ ይዝከረኒ ነተን ካብ ቀበሌና፡ ቀበሌ 09 ዘምጻእኩወን 10 በሊዕካየን ዘይጽገባ ምቁራት ባኒ እንዳ ኣልፋ፡ ክልተ ካብኣተን ብኹባያ ሻሂ ኣካፍየ እናቘረስኩ ከለኹ፡ ካብታ ዓቢ ሓወይ ንግሆን ምሸትን ናብ እዝኑ ኣጸጊዑ፡ ዜና ዚሰምዓላ ዚነበረ ራድዮ ድምጺ ሓፋሽ ካብ ሳሕል፡ ብዛዕባ ናብራ ኩፖን ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ከተማርርን ክትጽየንን ከላ ሎሚ ኮይኑ ይረኣየኒ። ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ዚፍጠር ኣትሒዙ ብዙሕ ሽግርን መከራን፡ ኣደራዕን ከርተትን ኣሕሊፉ'ዩ እሞ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ግን ኣይከም ናይ ግዜ ህግደፍን!

ኣብ ግዜ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዘይወረደ በደል የለን! ሕሉፍ ሓሊፉ እቲ ቀደም ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ብኣታሓሳስባን ብግብርን ዘብቀዐ መሸጣ ወዲ ሰብ፡ ሎሚ ኣብዚ 21 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ክቡር ህይወት ከፊሉ ብጅግንነት ናጽነቱ ዚጨበጠ ኤርትራዊ ዜጋ ዳግም ኪፍጸም ንርእዮ ኣለና! ንወዲ ሰብ ከኣ ካብዚ ዚኸፍእ ሕስረትን ውርደትን የለን! እዚ ከኣ ኣብቶም መንግስታት ዘይብሎም ሶማላውያን ይኹን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትንውን ኣይተፈጸመን። ሓቂ ንምዝራብ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ እንኮ መንግስቲ ዘይብሉ ዜጋ ኤርትራዊ ጥራይ እዩ! ኣብ ዝሓጸረ ግዜ፡ ተሰማሚዑን ሰሚሩን ኣብ ሃገሩ መንግስቲ እንተዘይተኺሉ ከኣ፡ መወዳእትኡ መግለጺ ኣይክርከቦን'ዩ!

*   *   *

ኣብ 6ይ ክፋል ይቕጽል...

ጉጅለ ህግደፍ: ማርሻ ድሕሪት'ምበር ማርሻ ቅድሚት የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 15/11/2016



Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-