snitna.com

15/12/2016 04:55 AM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

ሻሙናይ ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! "ሰብ ዚምነዮ ኩሉ ሰናይ እዩ፤ ንኺረኽቦ ግን ኩሉ ሰናይ ኣይገብርን!
ሰይጣን ዝኣመና፣ ማይ ዝዘገና፣ (ዝሓፈሳ) ፍረ ዝሰኣና!
ሳላ ሓምሊ ዚሓለፈ ጸገም፡ እንታይ ኣኹራዓካ ስገም?
ስልጣን መላኺ ደረት የብሉን!"
ስሙ ኣጥፊኡ ስም ኣቦኡ ዘጥፍእ፡ ይሃቦ ኲናት ዚደፍእ!"

'ካብቲ ፈጣሪ ዚሃበና ብሉጽ ህያባት ክልተ፡ "ሓርነትን ኣማንን" እየን። እቶም ዕድል ደቂ ሰብ ኣብ ኢዶም ዚሓዙ ሰባት ወይ ሓይልታት፡ ነዘን ቅዱሳት ህያባት እዚአን ብንጹህ ሕልና ኣብ ግብሪ እንተዘውዕሉወን፡ ዓለም ብቕጽበት ናብ መንግስተ ሰማይ ምተለወጠት! ግናኸ ክንደይሳዕ ብስመን ዝገደደ ገበን ዘይፍጸም!

ጠላይን ቀደም ንኤርትራውያን፡ በቲ ሞራላውን ፖለቲካውን ሓይሊ ቀቲሎሞም ዚነበሩ ብስም ሓለዋ ኣማን፡ ማለት ብምኽንያት ጸጥታ'ዩ ነይሩ። እንግሊዛውያን እውን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓዊ ዘእተዉ፡ ብስም ሓድነት'ዩ ነይሩ። እንተኾነ ጣልያን ንኤርትራውያን ከይቀተሉን ከይኣሰሩን ሃገር ኪሕልዉ ኣይምኸኣሉንዶ!? እንግሊዛውያንከ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኤርትራውያን ሓዊ ከይኣጎዱ ንሃገር ብሓድነት ኪመርሑዋ ኣይምኸኣሉንዶ!?"

 

'ኣነ እተወለድኩሉ ዓመት 1905 ዓ.ም. እዩ፤ እተወለድኩሉ ዓዲ ድማ "ዓዲ ዛርና ላዕላይ" ይብሃል። ኣቦይ፡ ወልደማርያም ኪዳነ ወዲ ደጃች ወልደ ስላሰ ካብ ሃብታማት'ዩ እኳ እንተዘይበልኩ ካብቶም ኣስተርሕዮም ዚነብሩ ሓረስቶት ዓድና'ዩ ኔሩ ንምባል ግን እደፍር። ናይቲ ግዜ ሃብቲ ብጥሪት'ዩ ዚግመት ዝነበረ፣ ስለዚ፡ ብዙሓት ከብትን ኣጣልን ኔረንኦ፡ ክልተ ጽምዲ ብዕራይ ምስ መብረኦምውን ኔሮሞ፣ ኣድገ በቕሊውን ከምኡ፤ በዚ ምኽንያት ከኣ ዓመታት ቁልዕነተይ፡ ኣብ ምጉሳይ ከብትን መጽዓኛን፡ ኣብ ዕዮ ማሕረስ፡ ኣብ ጸወታ ኲዕሶ፡ ያህለል፡ ሻኲን ካልእን'የ ኣሕሊፈዮ።

 

ወዲ 15 ዓመት ምስ መላእኩ ድማ'የ ኣመት ትምህርቲ ክገብር ዝጀመርኩ፤ ቀዳመይቲ መምህረይ ድማ ሓብተይ ነበረት። ዓባይ ሓብተይ ናይ ሽወደናዊት ምስዮን መምህር ስለ ዝነበረት፡ ንባብን ጽሕፈትን ቋንቋ ትግርኛ ብዝግባእ መሃረትኒ።

 

ወዲ 18 ዓመት ምስ ኮንኩ ግን ኣቦይ ኣብ 1923 ዓ.ም. ካብ ከብትና ሓደ ክልተ ሸይጡ ንኣይን ንሓደ ሃብተኣብ ዚብሃል ንእሽቶ ሓወይን ናብታ፡ ናይቲ እዋን ዓባይ ቤት ትምህርቲ ዝነበረት፡ "ሽወደናዊት ሚስዮን ኣስመራ" ኣእተወና፤ ሓሙሻይ ክፍሊ ምስ ወዳእና ድማ ናብ ዓድና ተመለስና። ኣብቲ እዋን ንኤርትራውያን ካብኡ ንላዕሊ ንኺመሃሩ ብመንግስቲ ጣልያን ይፍቀድ ኣይነበረን።

 

ኣቦይ ትምህርቲ ዘይምቕጻልና ብዙሕ ኣጉሃዮ። በዚ መሰረት ድማ በለ፥ 'ኣነ ንደቀይ ናብ ወጻኢ ሃገር ሰዲደ ከምህሮም ኣይከኣለንን'ዩ፣ ኣብዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ግን ዋላ ኩለን ጥሪተይ ሸይጠ ከምህሮም'የ!' ኢሉ ምስ ፈከረ፡ ሽወደናውያን ጥሪቱ ኪሸይጥ ኣይሓደጉዎን፤ ንኣይን ንሓወይን ድማ ኣብ 1927 ዓ.ም. ናብቲ ሻቡ ኣብ በለዛ ኣማሕዲሮሙዎ ዚነበሩ ኤርትራውያን መምሃራን ዚምልመልሉ ቤት ትምህርቲ ኣእቲዮም ስለ ዘምሃሩና፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት መዓርግ ኣገልግሎት ምምህርና ተዋሂቡና፡ ተመሪቕና ወጻእና።

   

ኣነ ብድሕሪ ምምራቐይ፡ ኣብ "ቤት ትምህርቲ ኣስመራ" ከገልግል ተመዲበ። ድሕሪኡውን ኣብ ቤት ትምህርቲ "ሶሱና" ኣብ ኣውራጃ ጋሽ ባርካ ኣገልጊለ። ኣብ ጋሽ ባርካ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ንክምሃርውን ብምስዮናዊት ኣመቤት ሲግነ በርይ ተሓጊዘ ዕድል ረኺበስ ተማሂረ ኔረ። ኣብ 1934 ዓ.ም. ምስዮናውያን ኩላቶም ካብ ኤርትራ ተሰጒጎም ናብ ሃገሮም ኪምለሱ ምስ ነቐሉ ከኣ ንኣይ ኣብ "ቤት ትምህርቲ ኣስመራ" ኣገልግሎተይ ንኽቕጽል ሓላፍነት ሃቡኒ። ክሳዕ 1941 ዓ.ም. ድማ ብብዙሕ ቁጣባውን ምምሕዳራውን ሽግራት ኣገልግሎተይ ቀጸልኩ።

 

ኣብ መጀመርታ 1942 ዓ.ም. ሓድሽ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ወኪል ርእሰ መምህር (director) ኮይነ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ንኸገልግል ዝደሊ እንተኾይነ ተወከሱኒ። ኣብ ቀዳማይ ክፍላ 1942 ዓ.ም. ድማ ኣብኡ ክሰርሕ ጀመርኩ። ክሳዕ መወዳእታ 1948 ዓ.ም. ድማ ኣገልገልኩ። ስራሕ ጋዜጠኝነት ዘሕደገኒ ምኽንያት፡ ንናጽነት ኤርትራ ንኽሰርሕ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩን ዝደለኹን'ዩ ዝነበረ። በዚ መሰረት ከኣ ኣብ ነሓሰ 1949 ዓ.ም. ምስ እብራሂም ሱልጣንን ካልኦት ልኡኻት ማሕበራት ናጽነትን ናብ ሕቡራት መንግስታት፡ ናብ ኒውዮርክ ከድኩ።

 

ካብ ኒውዮርክ ኣመሪካ ናብ ሃገረይ ምስ ተመለስኩ፡ ብቐጥታ ሓንቲ፡ "ሓንቲ ኤርትራ" ዝስማ ብቋንቋ ትግርኛ እትሕተም ሰሙናዊት ጋዜጣ ከዳሉ ጀመርኩ። ዕላማኣ ድማ ከምቲ ስማ ዝሕብሮ ንሓድነትን ልኡላውነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምሕላው ነበረ። እዚ ድማ ነቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ዚገብሮ ዚነበረ ናይ ምፍልላይ ፖለቲካ ምቅዋምን ምክልኻልን ነበረ። ጋዜጣ "ሓንቲ ኤርትራ" ከኣ ልሳን ናይ "ሰልፊ ናጽነት" ነበረት።

 

ካብ 1949 ዓ.ም. ክሳዕ 1952 ዓ.ም. ከኣ ከም መራሒ ናይ ጋዜጣ፡ "ሓንቲ ኤርትራ"፣ ከም ፕረዚደንት ናይ ማሕበር፡ "ናጻ ኤርትራ"፣ ከምኡውን ከም ሰክረታሪ ጀነራል ናይ "ሰልፊ ናጽነት" ኮይነ ኣገልገልኩ። ኣብ መወዳእታ ንህዝቢ ኤርትራ ዝወፈኹሉ ዓቢ ወፈያ ከኣ ምምስራት "ማሕበር ሓርነታዊ ስምረት ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ማ.ሓ. ስ. ሰ. ኤ)" ነበረ። እወ፡ እዚኣ ኣነ ደማዊ ዋጋ ከፊለ ነቲ ብልቢ ዘፍቅሮ ህዝቢ ኤርትራ ዘወፈኹዋ ወፈያ እያ'ሞ ከምዚ ዚበለ ዕውት ወፈያ ከወፊ ምኽኣለይ ደስታን ሓበንን ይስምዓኒ!

 

ኣብቲ እዋን እቶም ንመንግስቲ ጣልያን ንምስዓር ብትግርኛን ብጣልያንኛን እተጻሕፈ ወረቓቕቲ ብነፈርቲ ኣብ ልዕሌና እናደርበዩ፡ ሰሰናዩ ዚብሉናን ዚሰብኩናን ዚነበሩ፡ ናብ ሃገርና እትው ምስ በሉ ቅጽበታዊ ለውጢ ክንርኢ ብሃረርታ ንጽበ ነበርና። ማለት፡ እትው ብዚበሉ ዓድና ዚህቡና፡ እንተ ከፍአ ከኣ ክሳዕ ዚኾነ ዚኸውን ባዕላቶም ዘማሓድሩና'ዩ ዚመስለና ዚነበረ፤ ግናኸ ከምኡ ኣይነበረን።

 

ኣብ መንጎ እቶም ኪገዝኡና ዚጸንሑ ኢጣላውያንን ሓደስቲ ገዛእቲ እንግሊዛውያንን፡ ምሕዝነት ሄሮድስን ጲላጦስን ዚመስል ምሕዝነት ተፈጥረ፤ ስልጣን ምምሕዳር ብምልኡ ኣብ ኢድ እቶም ብውግእ ዚሰዓሩዎም ኢጣላውያን ኪጸንሕ ኣዘዙ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ መሬቱ ተጓነየ! ነቲ ፖለቲካዊ ጸበባ፡ ቁጠባዊ ቁልውላው፡ ስራሕ ምስኣን፡ ጥምየት፡ ዕርቃንን ካልእን ተወሰኾ'ሞ ህዝቢ ኤርትራ ዚገብሮ ጨነቖ!' ቃል ሓርበኛ ኣቦና ነፍሲሄር ወልደኣብ ወልደማርያም ወርሒ ሕዳር 1982 ዓ.ም. ሮማ ኢጣልያ።

 

ምንጪ ጽሟቕ ጽሑፍ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ 25 ግንቦት 2005

 

እዚ ብሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ 1942 ዓ.ም. ዚተጠቕሰ ኣብ ምምሕዳር እንግሊዝ ዚነበረ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ ኣብ 2016 ዓ.ም. እውን ብዝኸፍአ መልክዑ ብጉጅለ ህግደፍ ዳግም ተኸሲቱ ከም ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ፋህም (መስተውዓሊ) ዚግንዘቦ ሓቂ'ዩ። ሽዑስ'ኳ እንተኸፍአ ኤትራዊ ስድራቤት ኣብ ቤቱ ብሓባር ተጠርኒፉ፡ ዚገፎን ዚኣስሮን ዘይብሉ፡ እንተወሓደ ወናኒ ነብሱ ኮይኑ ይነብር ኔሩ'ዩ፣ ሎሚኸ ነብሱ ባዕሉ ዚውንን ደቁ ሓቊፉ ብሰላም ዚነብርን ኤርትራዊ ዜጋ ኣሎድዩ!? መልሱ፡ የለን'ዩ! ኩሉ ኤርትራዊ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ሰብኣይ ሰበይቱ ተበታቲኑ፡ ግዳይ ናይ ጅር ህግደፍ ኮይኑ'ዩ!

 

ምብትታን ስድራቤት ማለት፡ ምጥፋእ ባህልን ቋንቋን ማለት'ዩ! ምስኣን ሓልዮትን ምትሕግጋዝን ማለት'ዩ! ምጥፋእ ክብርን መንነትን ማለት'ዩ! ምስኣን ፍቕርን ሓድነትን ማለት'ዩ! ምስኣን ሓይልን ዕብየትን ማለት'ዩ! ምፍጣር ድኽነትን እልበትን ማለት'ዩ! ምኽሳት ሰደትን ሞትን ማለት'ዩ! ብሓጺሩ ምስኣን ሃገርን ክብረትን ማለት'ዩ! ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ናብራ ጊላን ጊላነትን ከም ኣብ ግዜ ኢሳያስ ጌሩ ተረዲኡዎን ኣስተማቒሩዎን ኣይፈልጥን'ዩ፤ ምኽንያቱ፡ ብቋንቋ ኣደኡ ይምኮሮ ስለ ዘሎ!

 

*   *   *

ኣብ 9ይ ክፋል ይቕጽል...

ጉጅለ ህግደፍ: ማርሻ ድሕሪት'ምበር ማርሻ ቅድሚት የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 15/12/2016



Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-