ጭርጭር ዓበደ ህግደፍ

28/04/2020 23:15 PM

ጭርጭር ዓበደ ህግደፍ፡
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣሎዶ ሞይቱ!

(ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኢል 28-04-2020)

ጭርጭር ዓበደ ህግደፍ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣሎዶ ሞይቱ!

ጭርጭር ዓበደ ህግደፍ፡
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣሎዶ ሞይቱ!
(ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኢል 28-04-2020)

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ሓሚሙ ካብዝብሃል ቅንያት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብ ኣስመራ ዘይንቡር ምንቅስቓሳት ክርአ ከምዝቐነየ ሰሚዕና ኢና። ጸኒሕና ክኣ፣ ነቲ ዝነበረ ጥርጣረ ዘራጕድ ኩነታት፣ መንግስታት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲታተን ብምጕዳል ንዜጋታተን ካብ ኢርትራ ክወጹ መጸዋዕተ ገይረን። ብዘይ ከቢድ ስኽፍታ ከምኡ ስጉምቲ ክወስዳ ኣይምኸኣላን ዝብል ገምጋም ምውሳድ ክኣ ቅቡል ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ንቡር ኩነታት ከምዘየሎስ ፍሉጥ ኢዩ። ነዚ ወረዚ ዘራጕድ ሓበሬታውን ተረኺቡ ኣሎ። ለካስ፡ እታ ናይ ኮሮና ቫይረስ መከላኸሊ ጽዒና ዝነበረት ናይ ኤትዮጵያ መንገዲ ኣየር ኣብ ኣስመራ ከይትዓልብ ዝተኸልከለት ኣብ ህግደፍ ወጥሪ ተኸፊቱ ስለዝነበረ ኢዩ። ነቲ ካብ ቻይና ዝተረኽበ ሓገዝ ንምክፍፋል፣ ባዕሉ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንሱዳን ንኤርትራን ጅቡትን ከረክበን ኣብታ ኣየር ተሳፋራይ ኢዩ ነይሩ። ንሱዳን ምስ ኣረከበ ብኤርትራ ጌሩ ንጅቡቲ ክኸይድ ኢዩ ነይሩ እቲ መደብ። ውልቀ መላኺ ስለዘይነበረ ግና፡ ህግደፋውያን ምስጢር ከይፍድሖም ክብሉ ኢዮም ነቲ ናይ ምኽልካል ስጉምቲ ወሲዶም።

ብቕንያቱውን፣ ወዮ ድኣ ንዓና ኤርትራውያን ግርህነት ብዙሕ ስለዘጥቅዓና እምበር፣ ኣብ ሃገርና ሃንደበታዊ ጸገም ከምዘሎ ዝሕብሩ ነገራትሲ ተራእዮም ነይሮም ኢዮም። ውልቀ መላኺ ንዓዲ ሃሎ ክመላለስ ከሎ ኣብቲ የማነ ጸጋም ኣብ ደረት መገዲ ዝርከባ ዓድድታት፡ ኢሰያስ ሓለፈ፡ ኢሰያስ ተመልሰ፡ ስለዝብላ፡ ድሃይ ምስ ኣጥፍአ ወረ ከይናዛሕ ምእንቲ ንእንባ ገደም ደዪቡ ዝብል ወረ ተዘርጊሑ። እዚ በቶም ዓዋሉ መራሕቲ ህግደፍ ብ`03 ኣቢሎም ዝዘርግሕዎ መደናገሪ ሓበሬታ ከምዝነበረ ኩሉ ኤርትራዊ ኣይተሰቆሮን ነይሩ። ካብኡ ዝኸፍአ ተግባራትውን ተፈጺሙ ኢዩ። ህዝቢ ኣስመራ ሃመቱን ኣቓልብኡን ንምጥዋይ ማይ ተሓሪሙ ብጎሮርኡ ተታሒዙ ኢዩ ቀንዩ - ኣሎውን። ናዕቢ ከይልዓል ተፈሪሑ ከምዝተገብረ ሕጂ በሪሁልና ኢዩ። እቲ ዝገደድ ራዕዲ ናይ ህግደፍ ዝተራእየ ግና በቲ ኣብ ምልእቲ ሃገር ዝተኻየደ ግፋ ኢዩ ነይሩ። እዚ ዘይብሃል መንእሰይ ክኣ ኣብ መዳጎኒ ስፍራታት ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ ዝሓለፈ ምዓልታት ሓደ መደናገሪ ሓበሬታውን ሰሚዕና። ወይዘሮ ሳባ፣ ሰበይቱ ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ወዳ ኣብርሃም፣ ሓምሳ ሽሕ ናቕፋ ንመከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ከምዘበርከቱ ተሓቢሩ። እዚውን አንተዀነ፣ ኣሎዉ እባ ኢዮም ንመበሊ ህግደፍ ዝተጠቕሙሉ ሜላ ኢዩ ዝመስል።

ገለ ናይ ኤርትራውያን መራኸቢ ሚድያታት፣ መራሒ ህግደፍ ኣበይ ኣሎ ኢለን ብምሕታት ነቲ ሓሚሙ ዝብል ትሒም-ትሒም ኣቃሊሐንኦ ኢየን። ክፍኣት ህግደፍ ሓሊፉ ስለዝጸንሕ ግና ነዚ ሓበሬታ ንምብራዝን ኣተሓሳስባ ሰማዒ ንምዝዋርን ብዙሕ ዘመተ ተኻዪዱ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተገብረ ድራማ`ሞ መስተንክር ኢዩ። ወጅሃቱ ዝጠፍአ መራሒ ህግደፍ ኣብ ተለቪዥን ተቐልቂሉ መእሰሪ ዘየብሉ ሀለውለው ተዛሪቡ። ሓቂ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ መልኣኹ ዝርሓቖ ምስሊ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኢና ርኢና። ምስቲ ናይ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ መጀመርታ ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ዝተገብረ ናይ ድራር ዕድመ ዝነበረ ወዛሕዛሕ እንተዘኪርናን ኣወዳዲርናን - ሽዑስ ኣቶ ኢሳያስ ምራኽ ዝውሓጠ ዓርሞሾሽ ኢዩ ዝመስል ነይሩ ።

እዚ ኩሉ ምልክታት፡ ምስቲ ኣብ ኣስመራ ዘይንቡር ምንቅስቓሳት ይረአ`ሎ ዝብል ጭቡጥ ሓበሬታ ወሲኽካ፣ መራሒ ህግደፍ ሓሚሙ ተደኒሱ ከምዝነበረ ክግመት ይክኣል። ሞይቱ ኢዩ ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረውን ይናፋሕ ኣሎ።

ነገር ከምዚ ኢሎ እንከሎ እንታይ ኤርትራዊ ምድላዋት ብውሽጥን ብወጻእን ይግበር ኣሎ ዝብል እዋናዊ ሕቶ ክቐርብ ግቡእ ኢዩ። ኣብዚ እዋንዚ፥ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ኣብ ዓቢ ጸገም፣ ሃገርና ክኣ ኣብ ኣቓልቦ ተጻባእቲ ወዲቓ ኣብ ዘላትሉ፣ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብዘይሓላፍነታዊ ትርኪ-ምርኪ ጓል መንገዲ ምትኳሩ ዘሕዝን ተርእዮ ኢዩ። ህዝቢ ይጸንት ኢዩ ዘሎ፣ ጸላእቲ ኤርትራ ክኣ ዕድል ዝረኽቡሉ መዓልቲ ክመጸሎም ዓይኖም ኣፍጢጦም ይጽበዩ ኢዮም ዘሎዉ። እሞ እንታይ ይገበር ንዝብል ሕቶ፥

1. እዘን ኣብ ወጻኢ ዘሎዋ ስማውያን ውድባትን ከምኡውን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብዝቐልጠፈ ሓቢረን ሓደ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝነብር ህዝቢ ግዜኣዊ ውክልና ዘሎዎ ኣካል ምቛም። እዚ ኣካል እዚ ክዉን ንምግባር ተራ ዓበይትን ምሁራትን ደቂ ሃገር ኣዝዩ ዕዙዝ ምዃኑ ተረዲኦም ቅልጡፍ ጎስጓስ ከካይዱ ዘድሊ ስጉምቲ ክወስዱ።

2. እዚ ኣብ ቁጽሪ 1 ዘሎ ኣካል ምስ ኣብ ውሽጢ ዝቕልቀል ደላይ ለውጢ ኣካል ብምሕባር ሓደ ጊዜኣዊ መሰጋገሪ ስርዓት ምትካል፡፡

ጊዜኣዊ መሰጋገሪ ኣካል ክወስዶ ዝግብኦ ህጹጽ ኣዋጅ፥

ህ) ንህዝቢ ዘረጋግእ መግለጽን ጻውዒትን ምሕላፍ

ለ) ሰራዊት ኤርትራ ከም ወትሩ ልኡላውነት ሃገር ከይድፈር ናይ ተጠንቀቕ ምድላዋት ምእዛዝ።

እዚ ሓሳባት እዚ ብኸመይ ኣገባብ ኢዩ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል? ኣብዚ ጉዳይዚ ተራ ኤርትራውያን ሚድያታት ኣዝዩ ወሳኒ ኢዩ ክኸውን፣ ብሕልፊ ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት፥

• ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ኤርትራ ወግዓዊ ወካሊ ዝኸውን ኣካል ኣብ ምምስራት ጽዑቕ ጎስጓስ ምክያድ

• ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ኣርዑት ህግደፍ ንምልቓቕ ዝልዓሉ ምንቅስቓሳት ምስ እዚ ኣብ ወጻኢ ዝቐውም ኣካል ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ንኽኣትዉ ዘድሊ ምኽርን፡ ለበዋን፡ ምሕጽንታን ምትሕልላፍ።

እቲ ጉዳይ ናይ ውልቀ መላኺ ህላወ ወይ ሞት ኣይኮነን። ብናቱ ምድናስ ወይ ሞት ክመጽእ ዝኽእል ከቢድ ሃገራዊ ጸገም ግና ክግመት ይክኣል ኢዩ። እዞም ወኻሩ ኰይኖም ኣስቂጦም ዘሎዉ ጀነራላት ኣብ ሽዑ በጺሖምሲኮ ኣናብስ ክዀኑልና ኢዮም። ኣብናይ ሕድሕድ ቀውሲ ተላዒሉ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከይትኣቱ ኩሉ ኤርትራዊ ክስቆሮ ክኽእል ኣሎዎ። ብከምኡ ኣጓሃሂሮም ንልኡላውነት ሃገር ክደፍሩ ዓይኖም ኣፍጢጦም ዝጽበዩ ጸላእቲ ከምዘሎዉና ክዝንጋዕ የብሉን። ንቓሕ! ተጠንቀቕ ህዝበይ።

ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኢል 28-04-2020


Share with friends:


See also Recent Articles by Dr. Berhane Woldemichael / ኣቐዲሞም ብ’ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል ዝወጹ ጽሑፋት፡-


ቐይሕ ባሕሪ (ዓሰብ፡ ባጽዕ) ኣብ ልቢ ኢትዮጲያውያን


• ካሳየ ጨመዳ! መዲድ ተሰኪምካ ይቕሬታ ሕተት (ብ`ልዕመት)

• ንመስርዕ ለማ፡ ኤርትራ መሬታ`ምበር ህዝባ ከም ዘየድልዮም ዘነጽር ግምገማ

• ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS (24 March 2001)


Share with friends: