Placeholder Picture
Placeholder Picture
ቴማ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣገደስቲ ኩውንነት ኣጒዲልካ።

10/12/2023 18:59 PM

ቴማ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ፡
ኣገደስቲ ኩውንነት ኣጒዲልካ።

(The theme of Red Sea Ownership: Leaving out the Relevant Context)

ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል By Mr. Gebreyesus Woldemichael.

ቴማ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣገደስቲ ኩውንነት ኣጒዲልካ።

ቴማ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣገደስቲ ኩውንነት ኣጒዲልካ።
ቴማ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣገደስቲ ኩውንነት ኣጒዲልካ። (The theme of Red Sea Ownership: Leaving out the Relevant Context)

ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪን ምትፍናን ንዘለዉ ወገናት፡ ዘይሻራዊ ፖልቲካዊ መርገጺ ምሓዝ፡ ክትዛረበሉ ቀሊል ኣብ ተግባር ከተውዕሎ ግን ከቢድ ጉዳይ እዩ። ፖለቲካዊ መርገጺ ምእንቲ ጥቕሚ ህዝብኻን ልዕላውነት ሃገርካን ትኽትሎ ሜላን ስትራተጅን ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እዩ፡ ክለተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ተጻረርቲ ወገናት ኣብ ክቢ ጠረቤዛ ተቐሚጦም፡ ብልዝብ ብድርድር ብእንካን-ሃባን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ውዕል ተፈራሪሞም ንጉዳዮም መዕለቢ ዝገብርሉ። እዚ ኣገባብ'ዚ ብመጠኑ ኣሰናፍን ተሰናፍን ዘይብሉ፡ ኩሎም ወገናት ተጠቀምቲ ኮይኖም ዝወጽሉ (win win situation) ኣገባብ እዩ። እቲ ካልእ ግጉይ ኣፈታትሓ ግጭት ግን፡ ሓይሊ ሚዛን ምሳይ ኣሎ ኢሉ ዝኣምን ወገን ዝኽተሎ፡ ሓይሊን ጎንጽን ተጠቒምካ ንተጻረርትኻ ስዕረት ኣጎልቢብካ (zero-sum game)፡ ጥራይ ኢዶም ከም ዝፋነዉ ምግባር እዩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰሙናት፡ ስነ-ልቦና ኣልቦ ዶር ኣብይ፡ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ምስኡ ድማ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ኣልዒሉ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ፡ ሶማል፡ ጅቡቲ ስለ ዝተናኸፈን ነቲ ቅልውላው ናብቲ ዞባ ኣስፊሕዎን ኣላቢዕዎን እዩ። መግለጺ ኣብይ ዘበገሶ፡ ናይ ኩሉ ወገናት ማዕከናት ዜና 'ማሕበራዊ-መድያን' ምስኡ ዝተኣሳሰረ ቴማታት ክደጋግማ ምስማዕን ምዕዛብን ልሙድ ኮይኑ ቀኒዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንረብሓኻ ትኽተሎ ፖለቲካዊን ሕጋውን መግለጺታት ኣብ ቦትኡ ከሎ፣ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ምሁራን(elites) ትግራዎት ሓዊስካ፡ "ክበልዑዎ ዝደለዩ ኣባ ጉምባሕሲ ዛግራ ይብልዎ" ከም ዝብሃል፡ ዓይኒ- ሕፍረት ዘይብሉ ዝምቡዕ ታሪኽ ክደጋገሙን ታሪኽ ክጥምዙዙን፡ ሰሚዕካ ከም ዘይሰማዕካ ምሕላፍ፡ ካብ የዋህነት ሓሊፉ፡ ሓልፍነትካ ምዝንግዕ ኮይኑ ስለ ዝተራእየኒ፡ ብሕልፊ ብ ኣቶ(ኣይተ) ገብሩ ኣስራት ዝቐረበ ትረኻ ምምእዛኑ ምፍታን ይሓሽ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሐ።

ቅድም-ቀዳድም፡ ብመጀመሪያ ግን፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ኩሉ ግፍዕታት፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ኩሎም ጽሑፋተይ ዘነጸርክዎን ዝኾነንክዎን፡ ሕጅ'ውን ደጊመ ኣትሪረ እኹንኖ። ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን፡ ኣሓትን፡ ህጻናትን፡ ሃይምኖታዊ ትካላትን፡ ትካላት ሕክምና፡ ዋኒናዊ ትካላትን፡ ናይ ትምህርቲ ትካላትን፡ ትሕተ-ቅርጻን - ብሓፈሻ ኣብ ስነ-ኣእምሮዊን ኣካላውን ጉድኣት፡ ህልቂት ሂወት ህዝብን ንብረትን ትግራይ- ኣረሜናዊ ኢሰብኣዊ ተግባራት፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ተፈጺሙ እዩ። እዚ እቕረ ዘይብሃለሉ፡ ብዝኾነ ኣገባብ ወይ ዓይነት ምኽኑይ ዘይከውን፡ ኣብ ታሪኽ ክዝከር ዝነብር፡ ጨካን ተግብራት ምዃኑ ብልባዊ ሓዘን እዝክሮ። ከምዚ ዝኣምሰለ ኢሰባኣዊ ተግባራት፡ ይትረፍሲ ኣብ ልዕሊ ሓው ጎረቤት ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ፍጡር ወዲ-ኣዳም ዘይትምነዮ እከይ ተግባራት እዩ። ኩሉ ዝንቡዕ ዝኾነ ኣመለኻኽታ ወይ ግንዛቤ ብዛዓባ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒ ሓደ ካብቲ ክምእዘን ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ሓቅን ፍትሕን ረጊጽካ ካልእ 'ኣማራጺ ሓቂ' ብምድላይ፡ ዕርቅን ሰላምን ኣየውርድን እዩ።

እዚ ኩሉ ኮይኑ ከይኣክል፡ ኣብ ኣብይ ዝሃንደሶ ኣጀንዳ ኢዶም መሊሶም፡ ኣብ መዋል ቅድመ-ታሪኽን፡ ቅድሚ ምትእትታው ምግዛእቲ ኤውሮጳውያን ሃገራት ዝነበረ፡ ዶብ ኣልቦ ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ንድሓር ተመሊሶም ክትርኹ ዝፍትኑ፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ሓድሽ ባርዕ ኲናት ክውልዑን ከሳውሩን ዝደልዩ ሰባት ኣይተሳእኑን። ጠ/ሚ ኣብይ ናይ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ዘመን ታሪኽ ኣልዒሉ፡ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ትውንን እያ ምባሉ ኣገሪሙና። ሕጂ ክኣ፡ "ዝሓለፋ መጻ ጣይታ/እንጀራ ዝልምጻ" በለት ሰበይቲ ከም ዝብሃል፡ ኣብ መጀመርያ 90ታት ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ከምኡ'ውን ኣባል ሕውሓት ነበር፡ ቶ ገብሩ ኣስራት፡ ኣብ ርእዮት ዝብሃል መድያ ቀሪቡ፡ ብዛዕበ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ኣመልኪቱ ዝገደደ ዝንቡዕ ቃለ-መሕትት ገይሩ'ሎ። ንርእይትኡ ይድግፍ እዩ ዝበሎ፡ ካብ መጽሓፉ እንደጠቐሰ፡ ታሪኻውን ፖለቲካውን ሕጋውን ቁጠባውን ዝሃቦ ኣደናጋሪ መግለጺ ትንታኔ ንኣቓልቦይ ስሒቡዎ። ኣቶ ገብሩ ናይ እክሱም ስልጣነ ናይ ዛጉዬ ንግስነት (dynasty) ከባቢ 1270 ዓም፡ ናይ ሃጸይ ይኩኖ ኣምላክ ንግስነት፣ ብድሕሪ ኢትዮጵያ ምስማያ፡ ዝነበሩ ነገስታት ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንጸላኢ ኣሕሊፎም ሂቦሞ ኣይፍልጡን ይብል። ወከልቶም ነገስታት ባሕሪ-ነጋሽ እንዳሾሙ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ዘጠቓልል ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ይሕልዉዎ ነይሮም ይብል። መቸም ብኢትዮጵያ ዝተባሕተ ታሪኽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ኣልቦ ዘምስል ትንተና ንጎኒ ገዲፈ፡ ነቲ ቀይሕ ባሕሪ ኣየድፈርዎን ዝብል ዝይቅኑዕ ትረኻ ከማእዝኖ ክፍትን። ኣቶ ገብሩ ናይ ዘበነ እንእኒ ታሪኽ ካብ ጠቐሰ፣ ብድሕሪኡ ዝመጹ ንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝተቖጻጺሩ ግዝኣት ኦቶማን (ቱርኪ ከባቢ 1579 ዓም)፣ ስዒቦም ንቱርኪ ተኪኦም ቀይሕ ባሕሪ ዝተቖጻጸሩ (ከባቢ 1865 ዓም) ግብጻውያን ስለ ምንታይ ዘይጠቐሶም። እቲ ዘይክሓድ ሓቂ ታሪኽ፡ ሃጸይ ምነሊክ ገና ናብዚ ናይ ሎሚ ኦሮሞ መሬት ብወራራት ከስፋፍሕ ከሎ፡ ኢትዮጵያ ንገዛእ-ርእሳ ንጹር ዶባት ዘይነበራ መዋል፡ እዩ ጣልያን ካብ 1890ዓም ጀሚራ ንኤርትራ ገዚኣታ፡ ካብ 1941-1952 ዓም ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ነይራ፡ ካብ 1952-1962 ዓም ብዓመጽ ኣብ ትሕቲ ዝንቡዕ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ተቖሪና ከም ዝነብረት፡ ኣቶ ገብሩ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ምዓስ ድኣሉ ኢትዮጵያ ንባሕሪ ካብ ወራራት ሓልያቶ?ነዚ ኩሉ ታሪኽ ጎሲኻን ቀቢርካን ቀይሕ ባሕሪ ብነገስታት ኢትዮጵያ ተሓልዩ፡ ኣይተደፍረን ኢልካ ክትንየት ቅኑዕ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣምሰለ ኣደናጋሪ ፍብረኻ ታርኽ ድማ፡ ሸለል ኢልካ ብቐሊል ዝሕለፍ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ዘበናት ኣካል ኢትዮጵያ ነይራ ዝብል ሰነ-መጎት፡ ርሑቕ ዘይከይድ ጭብጢ ወይ መርትዖ ኣልቦ መጎተ እዩ። እዚ ስነ-መጎተ'ዚ ሓደ ካብቲ ክምእዘን ዘለዎ ዝንቡዕ ትረኻ ኢትዮጵያውን እዩ።

ኤርትራ፡ ሊብያ፡ ሶማል ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ድሕሪ ምጽንሐን፡ ጣልያን ኣብ 1941 ብ እንግሊዝ ተሳዒረ ምስ ወጸት፡ ጉዳይ መጻኢ ዕድለን ብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክብየን ተወሲኑ። ልብያን ሶማልን ብኡ ንብኡ ናጽነተን ክጎናጸፋ ተወሲኑ። ኤርትራ ግን ን10-ዓመት ክሳዕ 1952 ዓ ም ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ክትጸንሕ ተበይኑ። ኣብ ውሽጢ'ዘን 10 ዓመታት፡ ድሕሪ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ውድብ ሕብራት መንግስታት ብድፊኢትን ጸቕጥን ሓያላን ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ተሻሪኸን፡ ኤርትራ ኣብ ቲሕቲ ፍትሓዊ ዘይኮነ ዝምቡዕ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝሕልዎ/ዝመርሖ ፈደረሽን ከምትቁረን ተግይሩ። ምስላ ቀዳሞት ከም ዝብሎ፡ "ዝብኢ ኣባጊዕ ሓሉ፡ መፍቶተይ" ኮይኑ፡ ብሽርሕታትን ትህዲደን ኢድ-ብምጥዋያን ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ ናብ ኢትዮጵያ ክልሕቓ ግዜ ኣይወሰደን።

ይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ንጉብጣን ዓመጽን ኢትዮጵያ ከም ዘይተቐበሎ ብቕጽበት እዩ ተጋሂዱ። ነቲ ብሰላማዊ መንግዲ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ፡ ናብ ዕጥቃዊ ብረታዊ ቃልሲ ኣሳጊርዎ። ስለዚ ነቲ ብዓመጽ ዝስዓበ መግዛእቲ ስርዓት ሃይለስላሰን ስርዓት ደርግን ክሳዕ ዘውድቕ ብብረት ተጋዲሉ እዩ ንስርዓት ኢትዮጵያ ስዒሩ ካብ መሬት ኤርትራ ጸራሪግዎ። ብተወሳኺ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ነገራር፥ 1) ኤርትራ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ውዕል መግዛእታዊ ዶብ ዘለዋ ሃገር እያ 2) ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (Organization of African Unity- OAU) ኣብ ናይ 1964 ቻርተሩ፡ መግዛእታዊ ዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ ቅቡል ምዃኑ ኣጽዲቕዎ እዩ፡ 3) 30-ዓመት ተዋጊኣ፡ ብዋጋ ሂወት ኣሻሓት መንእሰያታ ናጽነታ ዝተጎናጸፈት እምበር፡ ከምቲ በረዝቲ ታሪኽ ዝብልዎ፡ ናጽነታ ብማንም ኣካል ዝተለገሰላ ሃገር ኣይኮነትን 4) ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈርዱም እወ ንናጽነት ኣይፋል ምስ ኢትዮጵያ ኣድሚጹ፡ ልዑላውነታ ዘረጋገጸት ኣባል ሕቡራት መንግስታት ሃገር እያ 5) ብ ውድብ ሕብራት መንግስታት ዝተመዘ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ መግዛእትዊ ውዕላት መሰረት ዝገብረ ንጹር ብይን ዶብ ሂቡ እዩ። ስለዝኾነ፡ ሕጋዊ ልዑላውነት ኤርትራ ቀይሕ ባሕሪ ዘተቓልል፡ ሓደ ካብቲ ክምእዘን ዘለዎ ዝንቡዕ ግንዛቤን ኣተሓሳስባን ኢትዮጵያውያን እዩ።

ኣቶ ገብሩ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ንሱን ገለ ሒደት ዝሰመዮም ትግራዎት ብጾቱን(ኣስማቶም ክዕቅቦ መሪጸ)፡ ኢትዮጵያ ወናኒት ቀይሕ ባሕሪ ምዃና ካብ ዝብል መርገጺኦም ፈልከት ከም ዘይበሉ እዩ ኣስሚርሉ። ሕውሓት ከም ውድብ ግን ኣብ ልዑላውነት ኤርትራ ከም ዝኣምን ኣቶ ገብሩ ኣይክሓደን። እኳድኣ፡ ንነፍሰ-ሄር ጠ/ሚ መለስ ዜናዊ፡ ተሓላቕን ሓላይን ኤርትራ ከም ዝነበረ፡ ካብ ጥቕሚ ኢትዮጵያን ንላዕሊ ጥቕሚ ኤርትራ ዘገድሶ እዩ ነይሩ ኢሉ ይኸሶ። እቲ ዘገርም ግን፡ ብናታይ ኣረኣእያ፡ ዓለም ዝመስክረሉ፡ ፈተውትን ጸላእትን ዘይክሕድዎ፡ ኣብ ሓጺር ዕድመ- ስልጣኑ፡ መለስ ዜናዊ ካልኦት መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘየመዝገብዎ፡ ኣደናቒ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ፡ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ምንጻፍ ትሕተ-ቅርጻ፡ ምድኳን ዘበናዊ ከተማታት፡ ዘላቒ መሰርተ-ምዕባለ ኣንጺፉ እዩ ሓሊፉ። ካብቶም ዝሓደጎም ውርሻታት (legacies) እመነ-ቁርንዓት ክብሃሉ ዝኽእሉ ሒደት ምጥቃስ፡ ግድብ ትሓድሶ፡ መስመር ምድረ-ባብራት፡ ላዕለዋይ ትምሃርቲ - ዩኒቨርስታት - ይርከብዎም።

ኣቶ ገብሩ፡ ኣብ ኲናት ዶብ ኣመልኪቱ፡ መለስ ዜናዊ ካብ 5-6 KM ንላዕሊ ንውሽጢ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ከይንኣቱ ከልኪሉና። ድሓር ክኣ ንሸምገልቲ 24 ስዓታት(ድሩት) ዕድል ሃቡኒ ኢሉ፡ ቀጺሉ ክኣ ኣብ ዓወት ከለና ኣስመራ ከኣይንእቱ መለስ እዩ ከልኪሉና ኢሉ ይኸስስ። ኣቶ ገብሩ ናብ ልዑላዊት ሃገር ኤርትራ፡ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ኣትዮም፡ መንግስቲ ዘይገልበጡ እዩ ኣስቆርቊሩ ሓዚኑ። ኮይኑ ግን፡ ብጸቕጢ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኹን ወይስ ኣብ 24 ሰዓታት ክቀንዖ ስለ ዘይክኣለ፡ ስርዓት ኢሃደግ ኣብ ክሊ ጠረቤዛ ክደራደር ተሰማሚዑ። እዚ ድማ ናይ ድኻም ምልክት ዘኮነስ፡ ተወሳኺ ዘየደሊ ደም ከየፍሰስካ ዝሓሸ ናብ ሰላምን ዕርቅን ዘምርሕ፡ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግጭት ስለ ዝኾነ፡ ጌጋ ኣይነበረን። እዚ ኩሉ ንኢትዮጵያ ዘበርከተ ጠ/ሚ መለስ ዜናዊ፡ ጥቕሚ ኤርትራ እምበር ጥቕሚ ኢትዮጵያ ኣይግድሶን እዩ ነይሩ ኢልካ ምኽሳስ፡ ጣቋ ዘይብሉ፡ ካብ ውልቃዊ ጽልኢ ዝመንጨ እመስለኒ። ስለዚ ጠ/ሚ መለስ፡ ንኢትዮጵያ ዘይሓሊ ጌርካ ምውንጃል ሓደ ካብቲ ክምእዘን ዘለዎ ናይ ኣቶ ገብሩን መሰላቱን ቀይናን ትረኻ እዩ። እቶ ገብሩ፡ ታሪኽ መበል 13 ክፍለ-ዘበን ንግስነት ዛጉዬ፡ ይኩኖ ኣምላኽ ተቐቢሉ ከብቅዕ፡ ናይ 20 ክፍለ-ዘበን (1900፡ 1902፡ 1908 Treaties) ውዕላት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ዝኣረገ ውዕላት ኢሉ ክነጽግ ወይ ውዱቕ ክገብር ኣይግባእን። እዚ'ውን ክምእዘን ዘለዎ ዝንቡዕ ኣመለኻኽታ ወይ ግንዛቤ ኣቶ ገብሩ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣቶ ገብሩ(ካልኦት ብዙሓት'ውን ምስኡ)፡ ሓደ ናይ ቁጠባዊ ድኽመት ኢትዮጵያ ጠንቂ ኢሎም ዝኣምንዎ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምውናና እዩ። እቲ ዘገርም (irony) ነገር ግን፡ ከምቲ ኣቶ ገብሩ ዝኣምኖ ዘይኮነስ፡ ኢትዮጵያ ባሕሪ ኣብ ዘይትውንነሉ ግዜ፡ ኣብ ግዜ ስርዓት ኢሃደግ እያ ብዓለም ናእዳ ዘትረፈ ኣብ ታሪኻ ተራእዩ ዘይፈልጥ 10% ታት ቁጠባዊ ዕብየት ብሓቂ ዘመዝገበት። ስለዚ ናይ ኣቶ ገብሩን መሰልቱን፡ ድኽመት ቁጠባ ኢትዮጵያ ጠንቁ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምውናና እዩ ዝብል ግጉይ ግምገማ ሓደ ካብቲ ክምእዘን ዘልዎ ስነ-መጎተ እዩ።

ካልእ ናይ ኣቶ ገብሩ ኣዘራርባ፡ ኤርትራውያን ከማና ሓለይቲ ኣይኮኑን፡ ስለምንታይ ሰራዊት ህግደፍ(ሰራዊት ሻዕብያ እዩ ዝብል ንሱ) ክሳብ ውሽጢ ሽረ ልዑላዊ መሬትና ኣትዮም፡ ስለምታይ ኣብ ባድመ ጠጠው ዘይበሉ ይብል። ሓቁ እዩ ኣብ ባድመ ጠጠው ክብሉ ምተገብአ፣ ንውሽጢ ትግራይ ዘኽይድ ኣይነብሮምን። ኣነ'ውን እኹንኖ ። በቲ ካልእ ወግን ግን፡ ኣቶ ገብሩ ስለ ምንታይ ሰራዊት ኢሃደግ ኣብ ኲናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ባድመ ጠጠው ዘይበለ? ስለምንታይ ንኸብዲ ኤርትራ ክሳብ ባረንቱ መሪሹ? ስለምንታይከ ንዓሰብ ክሕዛ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ? ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ንዑኡ ዝሕደግ እዩ። ኣቶ ገብሩ ኣዳዕዲዑ፡ ደረቱ ነፊሑ፡ መለስ ካብ ዶብ ልዕሊ 5-6 KM ንውሽጢ ኤርትራ ከይንኣቱ ከልኪሉና፡ ኣስመራ ከይንኣቱ ከልኪሉና ኢሉ (መንግስቲ ዘይገምጠለ እመስለኒ) ከስቆርቅር ተሰሚዑ። ሰራዊት ኢሃደግ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ምእታዉ፡ ዓሰብ ክሕዝ ምፍታኑ፡ ኣስመራ ኣትዩ መንግስቲ ክግምጥል ድልየቱ ዶኾን ይኸውን ወይስ ብኮሚሽን ዶብ ብይን ኣይቅየድን፡ ካብ ባድመ ኣበደን ኣይንወጽእን ብምባሉ፡ ንኢሳያስ/ህግደፍ ሕነ ክፈዲ ደፋፊእዎ? ሕነ ዝፈድዩ፡ "ኢድ ሸናሒት ጸናሒት" እንድዮም ዝብሉ። ኣነ እኳ ካብ መጀመሪያ ተግባራት ክልቲኦም ስርዓታት ህግደፍን ኢሃደግን እቃወም እየ ነይረ። እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኣብ ፖለቲካ ክልቲኡ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን (ብፍላይ ንረብሓታት ኣሕዋት ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን) ብህጹጽ ክምእዘን ዘለዎ ግናይ ናይ መራሕቲ ምትህልላኽ እዩ። ብሓፈሻ፡ ካብ ቅርሕንትን፡ ሕነ-ምፍዳይን፡ ምትንዃልን ምጥልላፍን ሰይታናዊ ዓንኬል ወጺእና፡ ብምዕቡል ኣገባብ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ክሊ ጠረቤዛ ቀሪብና፡ ብላዛ ዘለዎ ልዝብ ጉዳይና እንተነሳልጥ ምሓሸ እመስለኒ።
ወዳሕንኩም።

ዝኽሪ ንሰማእታት

ውድቀት ንክድዓት ሃገር

ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልኣለም

ገብረየሱስ ወልደሚካኤል
ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)


Atv Asena Live - ግብረመልሲ ንኣቶ ገብሩ ኣስራት - ብኣቶ ገርግስ

“መለስ እንድንገደል እቅድ ነበረው” ከእሳቱ ቀለበት እንዴት እንውጣ? ቆይታ ከአቶ ገብሩ አስራት ጋር 11/24/23




See also more articles by Mr. Gebreyesus Woldemichael
ካልኦት ብ'እቶ ገብረየሱስ ወልደሚካኤል ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: