13/10/2023 23:55 PM
ኤርትራ ከም ፍልስጤም፡
ተጻበኦ ኢትዮጵያ ኣብ ርእሲ ልዕላውነት ኤርትራ
ብ.ዶር ገብረ ገብረማርያም
ኤርትራ ከም ፍልስጤም፡ ተጻበኦ ኢትዮጵያ ኣብ ርእሲ ልዕላውነት ኤርትራ
ብ.ዶር ገብረ ገብረማርያም
ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምዝዛሙ፡ ኤርትራ ዋላዃ ከም ኩለን ኣብ ትሕቲ ናይ ኣውሮጳ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ናጽ ክትወጽእ ዝግባኣ እንተነበረ፡ እንተስ ብስንፍና ኤርትራውያን እንተስ ከም ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ካብ ናይ ኣውሮጳ መግዛእቲ (ጥልያን ዳሓር ካኣ ኢንግሊዝ) ናብ ናይ ኣፍርቃ (ኢትዮጵያ) መዛእቲ ኢያ ተስጋጊራ። እቶም ናይ 1940ታትን ናይ 1950ታትን ኤርትራውያን ተቃለስቲ ዘካይድዎም ኤርትራ ናጻ ናይ ምግባር ሰላምዊ ቃልስታት ፍረ ስለዘይተርኽቦም፡ ኤርትራዊ ቃልሲ ናብ ጎነጽ ክሰጋገር ባህርያዊ ኢዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ካኣ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኤርትራ ካብ 01 መስከረም 1961 ክስባ ናጽነት ኤርትራ ብግብሪ ኣብ 24 ግንበት 1991 ዝረጋገጽ ቀጺሉ። ነዚ ብግብሪ ዝተረጋገጸ ናጽነት፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝተማእከለ ረፈረንደም ኣቢሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ 99.8% እወ ንናጽነት ብምድማጽ ኣብ ማዝያ 1993 ሕጋውነት ኣልቢስዎ፣ ኤርትራ ካኣ ብኣህግራዊ ሕጊ መስረት ከም ሓንቲ ሕጋዊት ኣካል ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኮይና ተምዝጊባን ብኹለን ሃገራት ዓለም ዲፕሎማስያዊ ኣፍልጦ ርኺባን። ከምዝፍለጥ፡ ካብተን ናይ መጀመሪያ ንልዕላውነት ኤርትራ ኣፍልጦ ዝሃባ ሃገራት ኢትዮጵያ ኢያ ነይራ።
ኣብዚ ልዕላውነት ንምጭባጥን ሃገር ንምርካብን ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሮ ነዊሕን ጽንኩሩን ተጋድሎ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ክቡር ሂወቶም ከፍሎም፣ ኣካላቶም ጎዲሎም፣ ንእስነቶም ኣብልዮም፣ ብግፍዒ ተቸፍጪፎምን ንስደት ተዳሪጎምን ኢዮም። ስለዝኾነ፡ ልዕላውነት ኤርትራ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝትኸፈሎ፡ ኣዝዩ ክቡርን ንህልውናን ቀጻልነትን ቀጸልቲ ወለዶታት ኤርትራ ወሳኒ ዝኾነ ህያብ ሰማኣታት ኤርትራ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እዚ ክቡር ህያብ፡ ናይ ምዕቃብን ተኸናኺንካ ናይ ምሓዝን ሓልፍነት ናይቲ ተረካባይ ወለዶ ስለዝኾነ፡ ልዕላውነት ህያብ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደራ ኢዩ’ውን። እዚ ማለት ካኣ፡ ነብሲ-ውከፍ ወለዶ ኤርትራ ናጽነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ከይድፈር ናይ ምክልኻልን ናይ ምዕቃብን ሓላፍነት ኣለዎ ማለት ኢዩ።
ኩላህና ከምንፈልጦ፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ናይ ናጽነት ዓመታት (30+ ዓመታት)፡ ልዕላውነት ኤርትራ ውሽጣውን ግዳማውን ተጻበኦታት ክገጥምዎ ጸኒሖም ኢዮም። እቲ ቀንድን ኣሸጋርን፡ እቲ ናይ ውሽጢ ተጻበኦ ኮይኑ፡ ብቀንዱ ካብ ባህርያትን ተግባራት እቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ዓመጽቲ ኢዩ። እዚ ግጅለ እዚ፡ ንኤርትራ ብኹሉ መዳያት ዓቕምታታ (ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፡ ስነ-ህዝባዊ፣ ወ.ዘ.ተ.) ንኽትዳኸም ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ጉጉይ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሜላ ብምኽያድ ዲፕሎማስያዊ ቁመና ኤርትራ ከምዝዳኸም ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን ኢዩ’ውን። እቶም ካብ ሓምለ 2018 ኣትሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ክገብሮም ዝጸንሐ ዘይቅርዕዋት ዝምድናታትን ዘይግሉጻት ስምምዓትን፡ ኤርትራ ናይ ምጉባጥን ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምውናን ሕልምታትን ድሌታትን ኢትዮጵያ እንደገና ከምዝባራበር ካብዝገበሩ ምኽንያታት እቶም ቀንዲ ኢዮም። እቶም ኩሎም ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ዝበሎም ዘረባታት ከም ኣብነታት እስከ ንውስድ፡ -
1. ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ዝብል እንተሎ፡ ታሪኽ ዘይፈልጥ ኢዩ፤ ሓደ ህዝቢ ኢዮም
2. ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዋላ ሓንቲ ኣይከሰርና
3. ካብ ሕጂ ንዳሓር ንስኻ (ዶ/ር ኣብዪ) ኢኻ መራሒና፣ ስላጣነይ ሂበካ ኣለኹ፣ ብስሚዒት ዘይኮነስ፡ ናይ ባሓቂ ብልበይ ኢየ፡ ስላጣነይ ሂበካ ኣለኹ
4. ኣነ ክንደይ ተሪፉኒ ኮይኑ፡ ኣሪገ ኢዩ። ንኤርትራ ንዓካ ገዲፈላ ይኸይድ ስለዘልኹ ግን ቀሲነ ኣለኹ፡ ወ.ዘ.ተ.
ብተወሳኪ፡ ኣብ መጋባእያ ዓለም ተጠሊዑ፡ ኢሳያስ ልዕላውነት ሃገራት ብኻሎት ሃገራት ክጋሃስ ድጋፉ ዝሃበን ዝጎስጎሰን ኢዩ። ዩክሬን ብሩስያ ንኽትውረር ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣኬባታት ከይተረፈ፡ ጉጅለ ኢሳያስ ወግዓዊ ድጋፉ ዝሃበ ኢዩ። ስለዝኾነ ካኣ፡ ኢትዮጵያውያን “ዓሰብ ናትና ኢያ፣ ቀይሕ ባሕሪ ናትና ኢዩ” ካብ ምባል ሓሊፎም ሕጂ ብወግዒ ብጠቕላይ ሚኒስተሮምን ብፓርላመኦምን ኣቢሎም፡ ንኤርትራ ንኸውርዋ ምድላዋቶም ከምዝወድኡ ክገልጹ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝብገስ ኣንጻር ልዕላውነት ኤርትራ ተጻበኦ፡ ዋላዃ ሓዱሽ እንተዘይኮነ፡ ኣብዚ ሳዓት እዚ ከምዚ ዓይነት ወስታ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝኸፍአ ሓደገኛ ኢዩ። እቱይ ምንታይሲ፡ ኤርትራ ብኹሉ መዳያታ ተዳኺማ ስለዘላ - ብሰንኪ ኢሳያስ፡ መንእሰይ ኤርትራ ንሰደት ስለዝተዳረገ፣ ቁጠባ ኤርትራ ባይታ ስለዝዘበጠ፣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝተዳኸመ፣ ኤርትራ ኣብ ዓለም የዕሩኽ ስለዘይብላን ዓለም ካኣ ዘይፍትሓዊት ስለዝኾነት።
ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንኽትጎብጥ ተዳልየ ኣለኹ ኣብትብለሉ ዘላ ጊዜ፡ ኤርትራዊ ብኩሉ ዓቕሙ ንሃገሩ ከምዝከላኸል ምንም ጥርጥር የብለይን። ይኹን’ምበር፡ ብሰንኪ ኢሳያስ፡ ኤርትራዊ ሃገር ካብ ምውናን (ሃገር ስለዘላቶ) ብጀካ ስደትን ሕሰምን’ሞ እንታይ ዝኸሰቦ መኽሰብ ኣሎ’ዩ ዝብል ምጉት ዘልዕል ወገን ክህሉ ስለዝኽእል፡ እዚ ካኣ ኣብ ገለ ወገናት ኤርትራውያን ምድንጋር ብምፍጣር ሃገሮም ካብ ምክልኻል ከየሰናኽሎም ኣስተብህሎ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ መንጎ ሃገር ምህላውን ዘይምህላውን ዘሎ ጋግ ብጣዕሚ ገፊሕ ኢዩ። ከም ህዝቢ ሃገር እንተዘይብልካ፡ ከምዛ ንህዝቢ ፍልስጤም ገጢማቶም ዘላ ዕድል ኢያ ትገጥመካ። ምልኪ ሎሚ እንተሎ ጽባሕ ይፈርስ፡ ሃገር እንተዘየብልካ ግን ሃገር ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዋላ’ውን ዝገበርካ እንተገበርካ ዝኸፈልካ እንተኸፈልካ ሃገር ዘይክትርከብ ትኽእል ኢያ። ጣጥኡ ካኣ ዘላኣለማዊ ባርነትን ብርሰትን ኢዩ። ተሞኩሮታት ህዝብታት ኩርድን ፍልስጤምን እዚ ሓቂ እዚ ኢዩ ዝምህረና። ካብ ተመክሮ ሰውራ ኤርትራ ንማሃሮ’ውን፡ ሃገር ምርካብ ቀሊል ዋጋ ከምዘይክፈሎ ኢዩ። ከምቲ ኣቦው ዝብልዎ፥ “ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቅስ ከም ናሓስ ይቑጸር” ኮይኑ፡ ወርቅና ከይነጥፍኣ ንኹሉ ኤርትራዊ ሓደራ ክብል ይደሊ። እዚ ማለት ካኣ፡ ልዕላውነት ኤርትራ ምክልኻል ናይ ነብሲ-ወከፍና ሓላፍነትን ግዴታን ምዃኑ ተገንዚብና፡ ኩሉ ዝካኣለና ንምግባር ድልዋት ክንከውን ኣለና ማለት ኢዩ።
ሓደገኛነት ናይዚ ጉዳይ እዚ ንብዙሕ ጊዜ ክንዛረበሉ ዝጽናሕን ኢዩ። ከም ኣብነት ነዛ ጥብቆ ተኸታተሉ፥
ATV: ከጠብታ ውኃ እስከ ባሕር ውኃ / ካብ ንጣብ-ማይ ክሳብ ማይ-ባሕሪ። መደረ 1ይ ሚ/ር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ቀይሕ-ባሕርን ማይን።
See also more articles from Dr Gebre Gebremariam:
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)