Placeholder Picture
Placeholder Picture
ዓሰብ፡ መበቆልን ምንጭን ኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝብን

10/12/2023 18:59 PM

ዓሰብ፡ መበቆልን ምንጭን ኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝብን
Assab: The Cradle of Eritrea as a Sovereign Nation-State and People.

ብ.ዶር ገብረ ገብረማርያም

ዓሰብ፡ መበቆልን ምንጭን ኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝብን

ዓሰብ፡ መበቆልን ምንጭን ኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝብን
Assab: The Cradle of Eritrea as a Sovereign Nation-State and People.
ብ.ዶር ገብረ ገብረማርያም

ዋላዃ፡ ኣንጻር ልዕላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ምልኡነትን ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝስንዘሩ ሰይጣናዊ ወስታታት ሓደስቲ እንተዘይኮኑ፡ እዚ ሕጂ ብእዉጅ “ዓሰብ ናትና ኢያ፣ ቀይሕ ባሕሪ ናትና ኢዩ፣ ወ.ዘ.ተ” እንዳተባህለ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽዑቕ ጎስጓሳት ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ወታሃደራዊ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ወስታ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ርእሲ ኤርትራ ናይ ውግእ ኣዋጅ ከምዝኣወጀት ኢዩ ዝቕጸር። ዓሰብ፡ ትማሊ ኤርትራ፣ ሎሚ ኤርትራ፣ ጽባሕ ኤርትራ ኢያ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መብቕልን ምንጭን ኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝብን ኢያ’ውን። እምባኣር ኢትዮጵያውያን ዓሰብ ናትና ኢያ ክብሉ ከልዉ፡ ምንጪ ልዕላውነት ኤርትራ ንምፍራስን ንኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝብን ንምሕቓቕን ዓሊሞም ይሰርሑ ከምዘለዉ ዝሕብር ኢዩ። መሰረት ሃገርነት ኣብ ኣብ ኣፍሪቃ ኣውሮጳዊ መግዛእቲ ስለዝኾነ፡ ንድሕሪት ናብ ታሪኽ (ቅድመ ኣውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ) ተመሊስካ ምምጓት ዘድሊ ኣይኮነን። ይኹን’ምበር፡ ኢትዮጵያ (ኢትዮጵያ ኣብ ጊዜ ሚለኒክ ኢያ ተሰሪሓ) ኣብ ታሪካ ይትረፍዶ ንዓሰብ ክትውንን፡ ዝኾነ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ነይርዋ’ውን ከምዘይፈልጥ ምዝኽኻር ግን ኣገዳሲ ኢዩ። ኣሞ ዳኣ እዚ ሕጂ ብጠ/ሚስተር ኢትዮጵያ ዝህውተት ዘሎ ሃንቀውታ ድሌት ናይ ኣፍደገ ባሕሪ እንታይ’ዩ ጣውቁኡ? ዕሽነት ዶ ቁልዕነት ዘበገሶ? ክልቲኡ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ካኣ ኢዩ ሓደገኛ ወስታ ዝገብሮ። ብዓብይኡ ክኣ ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝዘንገዐ ኢዩ።

ታሪኽ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 130 ዓመታት: ታሪኽ ኣንጻር ዓመጽ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሮ ቃልሲ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ብውሕዱ ኣርባዕተ ወሎዶታት ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ውግእን ረጽምን ንመሰሎምን ክብሮምን ካብ ባዕዳውያን ተጻባእቲ ንምክልኻልን ኣንጻር ናይ ውሽጥ ዓመጽን ኢዮም የሕሊፎሞ። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ቤተ-ሰብ ህያው ታሪኽ ኢዩ። ንኣብነት ብናተይ ዕድመ ዘለና ቤተ-ሰባት እንተወሰድና፡ ኣባሓጎታትና ኣንጻር ናይ ትግራይ መሳፍንትን ኣንጻር ጣልያንን፤ ኣቦታትና ኣንጻር ጣልያንን ኣንጻር ኢትዮጵያን፤ ንሕና ኸኣ ኣንጻር ኢትዮጵያ ተዋጊእና ኣብ መጨረሻ ልዕላውነት ኤርትራ ተረጋጊጹ። ድሕሪ ናጻነት እንተኾነ’ውን ደቅና ንሉዕላውነት ኤርትራ ካብ ግዳማዊ ተጻቦኦታት ኣብ ምክልኻል ተዋጊኦም ገና’ውን እቲ ናይ ግዳም ወስታ ስለዘይቃሃመ ኣብ ምክልኻል ኣለዉ። እዚ ንወሎደታት ዝቐጸለ ቃልሲ ብመሰረቱ ንኤርትራዊ መሰልን ክብርን ንምርግጋጽን ንምክልኻልን ዝተገብረ ቃልሲ ኢዩ። ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ዓሌትን ሃይማኖትን ብሓደ ኮይኖም ኣንጻር ዓመጽትን ጎበጥትን ዝተሰውእሉን ዝተዋድቕሉን ቃልሲ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ንህዝቢ ኤርትራ ብዓሌት፡ ብወገን፡ ብሃይማኖት፡ወ.ዘ.ተ. ከፋፊሎም ከዳኽምዎን ክገዝእዎን፤ በቲ ካልእ ሸነኽ’ከኣ ህዝቢ ኤርትራ እምቢ ንመግዛእቲ፡ እምቢ ንዓመጽ፡ እምቢ ንምክፍፋል ኢሉ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝተቓልሰሉ መዋእል ኢዩ። ስለዚ ኤርትራውነት ብናይ ቡዙሓት ኤርትራዊ ወሎዶታት የዕጽምትን ደምን ዝተነድቐ ኽቡር መንነት ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ምዕቃብ ኤርትራውነት ኣብ ዝኾነ ኩነት ኣብ “እንተን ግንን” ዘይኣቱ ክሳዳዊ-ዓላማ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓይሊ ክኾውን ይግባእ።

ኣብዚኣ፡ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ጎበጣን ባዕዳዊ መግዛእቲን ዝተገበረ ኣህግራዊ ሕግታት ዝተኸተለ ሕጋዊ ናይ መሰል ቃልሲ ምንባሩ ምዝኽኻር ኣገዳሲ ይመስለኒ። ንኣብነት፡ ኣብ ታሕሳስ 14, 1960 ዝተኣወጀ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበሩ የህዛብ ነጻ ክወጹ ኣለዎም ዝብል ኣህግራዊ ሕጊ (Decolonization Declaration of 14 December 1960) እተተመልከትና፡ ኩሎም ሰባት (የህዛብ) መሰል ርእሰ-ውሳነ (Rights of Self-Determination) ከምዘለዎም ኢዩ ዝድንግግ። እቲ ኣብ ጥቅምቲ 12, 1970 ዝተፈረም ውዕል ካኣ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ዝነብሩ የህዛብ ብኹሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣንጻር ገዛእቲ ሓልታት ናይ ምቅላስ መሰረታዊ መስል ከምዘለዎም የረጋግጽ። ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ኩሉ ዓይነት ኣገባባት ቃልሲ ብምጥቃም ተቃልሱ ኤርትራዊ መንነትን ናጻ ሃገርን ፈጢሩ ኢዩ። ሎሚ ኤርትራ ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር (Sovereign Nation State) ኢያ፡ ምስ ኩለን ልዑላውያን ሃገራት ዓለም ካኣ ብናጻ ክትዋሳእ መሰላ ኢዩ። ዝለዚ፡ ካብ 1993 ንዳሓር፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ዝኾነት ሃገርን፡ ኢትዮጵያ ወስኽካ፡ ዝህሉ ዝምድና/ርኽባት፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ልዑላውያን ሃገራት ዝህሉ ዝምድና ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ረብሓ መሰረት ዝገበሩ፡ ንዕኡ ዝገዝኡ ሕግታትን ልምድታትን ካኣ ኣለዉ - ብሓይሊ ዘይናትካ ምውሳድ ግን ብኣህግራዊ ሕጊ ክልኩል ኢዩ። ካብ ቡዝሓት ውሕዳት ንምጥቃስ ዝኣክል፦

1) ዝኾነት ሃገር ልዕላዊ መስል ናይ ካልእ ልዕላዊት ሃገር ክትግህስ የብላን - ኣብ ዝኾነ ኩነት ኩልኩል ኢይ።

2) ዝኾነት ሃገር፡ ሃገራዊ ረብሓኣ (National Interest) ኣብ ምርግጋጽ ማእከል ዝገበረ ዝምድና ኢያ ትገብር።

3) ኣብ ዓለምለኻዊ ዝምድና (International Relations)፡ ቀዋሚ ሃገራዊ ረብሓ (Permanent National Interest እንተዘይኮይኑ፡ ቀዋሚ ዓርኪ ወይ’ውን ጸላኢ (Permanent Friend or Enemy) ዝባሃል ነገር የልቦን።

4) ከይብሉኒ ወይ ናይ ጽድቂ ዝባሃል ነገር የልቦን። ኩለን ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን ሃገራዊ ረብሓታት ከርጋግጻ ኢየን ዝጽዕታ። ሓንቲ ሃገር ካብቲ ትገብሮ ዝምድና እንታይን ክንደይን ትረክብ ዝውስኖ፡ ኣብቲ ዘለዋ ናይ ሓይሊ (ቁጠባዊ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ወዘተ) ሚዛን ኢዩ ዝምርኮስ።

ስለዚ፡ ዝኾነ ኣካል (መንግስቲ፣ ውድብ፣ ሰልፊ፣ ምንቅስቓስ፣ ዋላ’ውን ውልቀ-ዜጋ) ንሃገሩ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ምስ ናይ ካልእ ሃገር ኣካል (መንግስቲ፣ ውድብ፣ ሰልፊ፣ ምንቅስቓስ፣ ዋላ’ውን ውልቀ-ዜጋ) ክዝቲ ከሎ፡ ኩሉ ጊዜ እንተነትን ግንን ብዘይብሉ (wihout iffs and buts) ናይ ሃገሩ ሃገራዊ ረብሓ (National Interest) ንምርግጋጽ ኢዩ ክጽዕት ዘለዎ። እዚ ዘግነታዊ ሓላፍነትን ግዴታን ኮይኑ፡ ንሃገራዊ ረብሓ የሕሊፍካ ምሃብ ይኹን፡ ንሃገራዊ ረብሓ ዝሃሲ ተግባራት ምግባር፡ ከም ክሕደት ምፍጻም (Committing Treason) ኢዩ ዝቑጸር።

ምስዚ ብዝታኣሳሰር፡ክስተባህለሎም ዘለዎም መሰረታውያን መትከላት፡ ካብ ቡዙሓት፡ ነዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይካኣል፦

1) መሰረታዊ ጻገማት ኤርትራ ምልኪ ዝመበገሲኡ ካብ ፍትሕን ሕግን ምጥፋእ (ዘይምህላው) ዝነቐለ ስለዝኾነ መፍቲሒኡ ከኣ ምልኪ ኣልጊስካ ፍትሕን ሕግን ዲሞክራስን ዝነገሳ ሃገር ምትካል ኢዩ።

2) ፍትሒን ሕግን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ንምትካል፡ መጀመሪያ ሃገረ-ኤርትራ ክትህሉ ስለዘለዋ፡ ሉዕላውነት ሃገር ምዕቓብን ምክልኻልን ከም ቀዳምይ ዕማሙ ምሰርዕ። ብዋጋ ክብርን ሉዕላውነትን ኤርትራ ዝትከል ዲሞክራሲ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ - ሃገር እንተዘየላ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ይኹን ፍትሒ ምዝራብ ኣይካኣልን ትርጉም’ውን ኣይህልዎን።

3) ጸገማት ኤርትራ ብኤርትራዊ ናይ መፍትሒ ዋንነት ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ። ብባዕዳውያን ተቓሚሙን ተዓሺጉን ናብ ኤርትራ ዝስደድ መፍትሒ ክህሉ ኣይክእልን ጥራሕ ዘይኮነስ ብመሰረቱ’ውን ናይ ባዕዳውያን ቀጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ ኢድ ምትእትታው ናይ ሕጅን ናይ መጻእን ናይ ኤርትራ ሃገራዊ መስልን ክብርን ዝግህስ ስለዝኾነ ብትብዓት ምምካቱ።

4) ብሃገር ደረጃ ተወዲብካ ናይ ‘ህዝቢ ሓይሊ (ትርናዐ) ማዕበል’ (People Power Movement) ዝሕመረቱ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ምክያድ እቲ እንኮ መንገዲ ናብ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምንጻፍ ናይ ሰላማዊ ቅብብል ስልጣን ባህልን ዋሓስ ቀጻልነት ፍትሕን ዲሞክራስን፡ ምዕባለን ብልጽግናን ኣብ ኤርትራ ኢዩ።

ነዚ ሕጂ ብኢትዮጵያ ዝስንዘር ዘሎ ሰይጣናዊ ወስታ፡ “ንኢሳያስን ንስርዓቱን ንምልዋጥ ዝዓለመ ኢዩ፣ኢትዮጵያ ብሓገዝን ድፍኢትን ኢማራት (ሕቡራት ኢማራት ዓረብ)ክትገብሮ ትደሊ ዘላ ኢዩ፣ ናይ ኣመሪካ ባርኾት ዘለው ኢዩ፣ ወ.ዘ.ተ.” ብዝብሉ ምስምሳት ምኽኑይን ናብ ኢሳያስ ዝቐንዐ’ምበር ኣንጻር ልዕላውነት ኤርትራ ከምዘይቀንዐ ኣምስልካ ምቕራብ ግቡእ ኣንኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብጣዕሚ ሓደገኛ ኢዩ። እቲ ወስታ ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ምዃኑ ምግንዛብ ብጣዕሚ ኣግዳሲ ኢዩ - ኢትዮጵያ ተገቲራ ንኤርትራ ከፍርሳ ኢየ ትብል ኣላ። እቲ ወስታ፡ሕዱር ሕማም ኢትዮጵያ ዘበገሶ’ምበር፡ ኣመሪካ ስለዝደለየቶ ወይ’ውን ኢማራት ስለትደፍኣሉ ኣይኮነን። ዓላምኡ ካኣ ንኤርትራ ከምልዕላዊት ሃገር ምሕቃቕ ኢዩ። ምኽላኻል ልዕላውነት ኤርትራን ህዝባን ካኣ ናይ ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ (ብንጽል ይኹን ብእኩብ) ሓላፍነትን ግዴታን ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሃገሩን ህዝቡን ንምኽልኻል እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ክሓስበሉን ክዳለወሉን ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። ኤርትራ ጠፊኣ ኢሳያስ ምስኣ እንተጠፍአ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ኢዩ ዝኸስርን ኣደዳ ዘላኣለማዊ ጥፍኣት ዝኸውንን። ምቕያር ስርዓት ይኹን ምቕያር መራሒ/ሕቲ፡ ልዕላዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ’ውን ክዝንጋዕ የብሉን። ኢትዮጵያ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መራሒ ይኹን ስርዓት ክትቅይረሉ መስል ይኹን ብቅዓት የብላን። ከምዚ ዓይነት ዓሻ ድፍረት ኣብ ርእሲ ልዕላውነት ህዝቢ ግቡእ ዓጸፈይታ ምላሽ ክረኽብ ኣለዎ።

ጸዋዒተይ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ምኽልኻል ልዕላውነትን ህዝብን ኤርትራ ዕማምን ሓላፍነትን ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ’ምበር ንዝኽነ ጉጅለ ዝግደፍ ስለዘይኮነ፡ ኣብ ሃገርን ኣብ ደገን ዘለኻ ኩልኻ ኤርትራዊ ሓድነትካ ኣደልዲልካ ነዚ ተጠጅልካ ዘሎ ሰጣናዊ ወስታ ሎሚ’ውን ከምቀደምካ ንኽትምክቶን ነኸተምክኖን ይምሕጸን። ዕድል ህዝቢ ፍልስጤም መታን ከይገጥመና፡ ክንዕሹ የብልናን። ኩሉ ዝካኣል ሃገር ሒዝካ ጥራሕ ኢዩ።

ዝተቃለሰ ይዕወት ህዝቢ ኤርትራ ይዕወት

ATV: ከጠብታ ውኃ እስከ ባሕር ውኃ / ካብ ንጣብ-ማይ ክሳብ ማይ-ባሕሪ። መደረ 1ይ ሚ/ር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ቀይሕ-ባሕርን ማይን።




See also more articles from Dr Gebre Gebremariam:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: