Placeholder Picture
Placeholder Picture
ዘየቋርጽ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮ-ኤርትራ

26/10/2023 21:33 PM

ዘየቋርጽ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ኢትዮ-ኤርትራ

Ethio-Eritrea: Relentless political crisis.

ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል By Mr. Gebreyesus Woldemichael.

ዘየቋርጽ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮ-ኤርትራ

ዘየቋርጽ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮ-ኤርትራ

ጠንቂ ወይ መዝዝ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮ-ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ መቓን ምስፍሕፋሕን ምግባትን መሬት ክግለጽ ዝክኣል፡ ብምልሓቕ ኤርትራ ጀሚሩ ኲናት ዶብ-ባድመ ቀጺሉ ሕጂ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ይብጽሓና ዝብል ጠለብ ተላዒሉ። ጸቢብን ኣጓባባዕን (bullying) ፖለቲካዊ ዕንደራ ናይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ'ዚ ኣዘንቲንኻ ዝውዳእ ኣይኮነን። ቅልውላው ኢትዮ-ኤርትራ ብቐጻሊ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኣንዳተሰጋገረ ልዕሊ3 ወሎዶታት ኣቚጺሩ'ሎ። በንጻሩ፡ ኣብዘን ዝተጠቕሳ መዋል 3 ወለዶታት፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክፍለ-ዓለማት፡ ኣብ ልምዓትን፡ እኹል ቀረብ መግብን፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት- ማይን ጽዓትን መጎዓዝያን ሕክምናን- ብሓጺሩ ኣብ ሓፈሻዊ መነባብሮ ህዝብታት ምምሕያሽ ዝንኣድ፡ ኣዕጋቢ ምዕባለ ተገይሩ'ሎ። ሕጂ'ሞ ክኣ ኣብ ምግላጹን ምርድኡን ዘጸግም ዝተራቐቐ ተክኖሎጂ ተኣታትዩ፡ ዕለታዊ መነባብሮ ወድ-ሰብ ከቃልል ይርከብ። እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እስከ ሓንቲ ደቒቕ ወሲድና ኣብዚ ዞባና ቀርኒ-ኣፍሪቃ እንታይን ክንደይ ተጨበጥቲ ዘበናዊ ነገራት ከም ዝበኾሩና ኣዕሚቕና ነስተንትን ንጸብጽብን (reflect & enumerate)።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ቀ/ሚ ዶር ኣቢይ፡ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ኣደናጋሪን ግሉጽነት ዝጎደሎ ዝርርብ ኣሰሚዑ ነቲ ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ ነዳዲ ኣፍሲስሉ። እቲ ዝርርብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘተኮረ ምዃኑ ብሩህ ይኹን ኣምበር ንሰማዕቱ እንተይ ከረድኦም ከምዝደለየ ግሉጽ ኣይኮነን። ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ምዝራብ ስለምንታይ ንፈርሕ ኢሉ ጀሚሩ፡ ብታሪኽ ብጆግራፊ ብኤኮኖሚ ብዘር(ወሎዶ) ኢትዮጵያ መሰል ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘለዋ ተሰኒዱ ኣሎ ይብል። ብሓይሊ ብጎንጺ ዘይኮነ ብልዝብ ብውዕል ከም ድርድር ግድብ ኣባይ ዝመስል ክኸውን ይኽእል ኢዩ ይብል። ብተወሳኺ ጎረባብቲ ሃገራት ሶማልን ጅቡቲን ኣልዒሉ፡ ዘረባ ሓዋዊሱ ነቲ ምድንጋርን ሕንፍሽፍሽን ስለዘጋደዶ፡ ብወገን ሶማልን ጅቡቲን ወግዓዊ ግብረ-መልሲ ክህባሉ ተገዲደን። ቀጺሉ ክኣ ቀይሕ ባሕርን ፈለግ ኣባይን ሂወት ኢትዮጵያ እዮም፣ ኣስዒቡ ድማ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ "ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ተፈጥራዊ ዶብ ኮይኑ ይነብር" ኢሎም ኢሉ ይጠቅስ። ናይ ኣኽሱም ንግንስነት ታሪኽ፡ ናይ ሃይለስላሴ ታሪኽ፡ ናይ ዓፋር ታሪኽ ኮታ ይድግፈኒ እዩ ዝበሎ ኣንዳዘናጠለ (cherry-pick) ንሰማዕቱ ብሃበስ-ቀደስ ኢትዮጵያ ወናኒት ቀይሕ ባሕሪ ከምዝኾነት ከእምንን ከረድእን ፈቲኑ። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ግን፡ ንዶክ ኣብይ ታሪኽ ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ግዜ ራእሲ ኣሉላ እዩ ደስኪሉ ወይ ጠጠው ኢሉ። ንኣብይ ዶብ መግዛእታዊ ውዕላት (ጣልያንን-ምነሊክን) ታሪኽ ኣይኮነን። ንኣብይ ድሕሪ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ዝተመዝገበ ናጽነት ኤርትራ ታሪኽ ኣይኮነን። ንኣብይ ኮሚሽን ዶብ ሕቡራት መንግስታት ንዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ዝምልከት ዘሕለፎ ብይን ታሪኻዊ ሰነድ ኣይኮነን። ንኣብይ ኣብ 2018 ዓም ብዘይ ቅድመ ኲነት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ክሕንጽጽ ተበጊሰ ኣለኹ ኢሉ ንዓለም ኣቅሊሑ ናይ ሰላም ኖቨል ሽልማት ዝወሰዶ ታሪኽ ኣይኮነን። ዶክ ኣቢይ ይፍቶ ይጽላእ፡ ኤርትራ ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ኣባል ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ምዃና ንሱ ክድምስሶ ሓይሊ ወይ ስልጣን የብሉን። እቲ ካልእ ከም መርትዖ ዘቕረቦ ናይ ጆግራፊ፡ ቁጠባ ወለዶ(ዘር) ዝብለ ግን ናይ ደናቁር ጸቢብ ኣረኣእያ ዘለዎም ስነ ልቦና ዝጎደሎም ሰባት ስነ-መጎተ ስለ ዝኾነ ካብ ምቅላዕ ዕሸላዊ ኣተሓሳስብኡ ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

ቀይሕ ባሕሪ፡ ብታሪኽ ብጆግራፊ ኤኮኖሚ ብወሎዶ(ዘር) ተፈጥሮዊ ብጽሒት ኢትዮጵያ እዩ ዝብል ናይ ሃለውለው መጎተ ገዲፍካ፡ ከምቲ ወደባት ጅቡቲ፡ ሶማል፡ ከንያ፡ ሱዳን፡ ንኢትዮጵያ ዘይብጽሓኣ፡ ወደባት ኤርትራ እውን ከም ዘይብጽሓኣ ርዒምካ፡ ኣብ ልዝብ ምቕራብ እዩ ዝድለ። ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ ብክራይ(lease) ብወፍሪ (investment) ወይ ካልእ ንቡር፡ ንግዳዊ ውዕል ካልኦት ኣፍደገ ብሕሪ ዘይብለን ሃገራት ዝኽተልኦ ቅጥዒ ተኸቲልካ ተፈራርሚካ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ይክኣል እዩ። ብዛዕባ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ቀይሕ ባሕሪ ጠገለ ዘለዎ ዝርርብ ክግበር ጸገም የብሉን። ብናይ ኢትዮጵያ ኣየር-መንግድ ብርኪ (shares–stock market??) ወይ ብርኪ ግድብ ትሃድሶ ንወደብ ባጽዕን ዓሰብን ኣብ ዕዳጋ ኣውሪድካ ምውጋይ ግን ጥዕና ዘለዎ(serious business) ዘረባ ዋኒን ኣይኮነን። እቲ መበገሲ ጸገም፡ መግልጺ ኣብይ ዝኸውንን ዘይከውንን ክሕሰብ ዘይክኣልን፡ ገፈጥ-መፈጥ ብሓንሳእ እዩ ዝድርጉሖ- ሓሰሩን ገፈሉን ክርዳዱን ምህርቱን። ከምቲ ኣብ ዓውዲ ድሕሪ መኼዳ-እኽሊ ብመስአ ንንፋስ ትብትኖ እዩ ዝብትኖ። መግለጺኡ ቁምነገር ኣልቦ እዩ ኢልካ ምድምዳም ግን ዝክኣል ኣይኮነን። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን በቲ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ይብጽሓ እዩ ዝብል ዕሸላዊ ስነ-መጎተ ኣብይ ተደፋፊእና (provoke) ዘናውጽ፡ ዘሻቕል ሸበድበድ ዘብል የብልናን። ይኹን እምበር፡ ከይተሃመልና ከይተዛነና ንመጻኢ ምዕባለታት ኢትዮ-ኤርትራ ከም ወትሩ ብኣትክሮ ምክትታልና ክንቅጽሎ ይግባእ።

ATV: ከጠብታ ውኃ እስከ ባሕር ውኃ / ካብ ንጣብ-ማይ ክሳብ ማይ-ባሕሪ።
መደረ 1ይ ሚ/ር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ቀይሕ-ባሕርን ማይን።

ዕላማ ኣቢይ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ንምርካብ፡ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ንፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳ ሃልኪ፡ ስልጣንካ ንምድልዳል፡ ካብ ጽፍዒት ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራ ንምምላጥ እንተኾኑ ግን ንግዜ ዝግደፍ እዩ። ነገር ግን፡ ንትግራይ ረሚስካ፡ ነምሓራ ዘራሪካ፡ ንኦሮሞ ፈላሊኻ፡ ንዝተረፉ ህዝብታት ኢትዮጵያ ረሲዕካ፡ ንትዮጵያ ክትበታትና እንተዘይኮኑ ቀጻልነት ሓንቲ ኢትዮጵያ ብርግጽ ዘውሕስ ኣይኮነን። ብዛዕባ ኤርትራ ዝምልከት ግን ብሓደ ምስላ ለባማት ወለዲ ክዛዝሞ "ኣብዘይ መንጠቢትክን ኣይተእትዋ ኢድክን"።

ኣብ ታሪኽ ንድሓር ምልስ ኢልና፡ ካብ ወሎዶ ናብ ወሎዶ ክሰጋገር ዝጸንሐ ቅልውላው ኢትዮ-ኤርትራ ሓጺር ንፈተሻ ክገበር። ብመጀመርያ በታ ዓባይ ሃገር ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ዝተዓደለት፡ ግን ብቑዓት መራሕቲ-መንግስቲ ዘይተዓደለት ኢትዮጵያ ክንጅምር። ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ዘበኑ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ህንጸት-ሃገር ክጓየያ ከለዋ፡ ናይ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ "መሬት ለኣራሹ" ዝብል ጨርሖም ነጺጉ፣ ክምኡ'ውን ካብ ናይ ሽዑ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ "ዝማዕበለት ኤርትራ ብዓመጽ ጓዕጺጽካ ናብ ኢትዮጵያ ተልሕቓ ኣለኻ፡ ርኢና ከም ዘይርኣና፡ ዓይንና ጸቒጥና ሸልል ንብለካ ኣለና። ብዝኾነ፡ ነዚ ኣጋጣሚ'ዚ ተጠቒምካ ንኢትዮጵያ ዘበናዊት ረፑብሊክ (Modern Republic) ግበራ" ዝብል መኽሪ ተለጊስሉ። ሃጸይ ሃይለስላሰ ነዚ ኩሉ ጸማም እዝኒ ሂቡ፡ ንኢትዮጵያ ብጎሮርኣ ዓትዒቱ ሓኒቑ፡ ነቲ ዲቕ ዝበለ ምሰፍናዊ ስርዓቱ ብዘይ ሓደ ምምሕያሽ ብብድዐ ክቕጽሎ መሪጹ። ኣብ ኤርትራ ድማ "መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን እዩ" ዝብል ኣረሜናዊ ፖሊሲ ተኸቲሉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰሪሑ ከይዕንገል፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ብግዜ ጣልያን ዝተመስረታ ፋብሪካታት ተዓጽየን ጠቕሊለን ናብ ኢትዮጵያ ክግዕዛ ኣገዲዱወን። ክይኑ ግን፡ ንሱ'ውን ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ድሕሪ'ዚ ኩሉ ግፍዒ ግዜኡ ኣኺሉ፡ ብድፍኢት ህዝባዊ ማዕበል፡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ-መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ብውርደት ተኣልዩ።

እቲ ንሃይለስላሰ ካብ ስልጣኑ ዝዓለዎ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ድማ፡ ብዘይ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ክሳዳ ክትቁረጽ እያ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሑ። ስለዚ ብሓይሊ "እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሶው" ኣይግዛእን ዝበለ ኤርትራዊ ጥይት ኣኾልሶ ብዘስምዕ ጭርሖ፡ ንጉዳይ ኤርትራ ብብረታዊ ጎንጺ፡ ብነፈርቲ ደብዳብን፡ መንእሰያት ብሰልኪ ምሕናቕን፡ ማእሰርትን፣ ሽሾ ሰራዊት ኣዕጢቑ፡ ወራር ድሕሪ ወራር ኣካይዱ፡ ብኲናት ባርዕ ፍታሕ ክረኽበሉ ፈቲኑ። ኮይኑ ግን፡ ንሱ'ውን ኣብ ዝተናወሐ ምርብራብ ናይ ናጽነት ኲናት ኤርትራ ተሳዕሩ ጭርኡ ደጒሉ ናብ ሃገሩ ሃዲሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ደርግ ካብ ስልጣኑ ተባሪሩ።

ንደርግ ካብ ስልጣን ዘባረረ፡ ብ ኢህወደግ ዝፍለጥ 'ጥምረ-ሰልፍታት' ኢትዮጵያ፡ ብ ነፍሰ-ሄር ቀዳምይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ዝምራሕ ብወከልቲ ክልላት ዝቖመ ፈደራላዊ ስርዓት ተኺሉ። እዚ ስርዓት እዚ ካብ ኩሎም ቅድሚኡ ዝነበሩ ስርዓታት ሓደ ኣገዳሲ ደሚቑ ዝልለየሉ፡ ንናጽነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ዝኣምን መርገጺኡ ወይ መትከሉ እዩ። ቀይሕ ባሕሪ ይኹን ዓሰብ ናይ ኤርትራ እምበር ናይ ኢትዮጵያ ኣይኮነን ዝብል ንጹር መረግጺ ወይ መትከል ዘለዎ ናይ መጀመርያ ስርዓት ኢትዮጵያ ንሱ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኢሂወድግ ካብ ካልኦት ስርዓታት ኢትዮጵያ ካልእ ዝልለየሉ ክኣ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ክትነብር ወይ ክትብልጽግ ኣይካልን እዩ ዝብል ናይ ሓሶት ስነ-መጎተ (ኣብይ'ውን ሕጂ ዝደግሞ ዘሎ)፡ ብግብሪ ግጉይ ምዃኑ ዘረጋገጸን ዘመስከረን ስርዓት እዩ። ስለምታይሲ፡ ኢትይጵያ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢሂወድግ ብዘይ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ኣድንቖትን ናእዳን ዓለም ዘተጎናጸፈን ዘትረፈን ቁጠባዊ ዕብየትን፡ ህንጸት ትሐተ-ቅርጻን፡ ምስፋሕ ላዕለዋይ ትምህርትን፡ ምድኳን ዘበናዊ ከተማታትን፡ ምንጻፍ መገዲ ባቡር፡ ህንጻ ተሃድሶ ግድብ፡ ምድላብን ምኽዕባትን ሃብቲ፡ (10% ዓመታዊ ቁጠባዊ ዕብየት) ዘመዘገበሉ ወርቃዊ መዋእል ሽዑ ስለዝኾነ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ኢህወደግ ኣብ ሓጺር ግዜ ብኩለንተናዊ መዳያት ኣዚያ ንቕድሚት ከም ዝሰጎመት ዋላ ተቓወምቲ ናይቲ ስርዓት ዝመንሉ ጉዳይ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ነገር ግን፡ ብፈደራላዊ ቅዋምን ምስረታ ሕበረ-ብሄራዊ ክልላትን ዘይተሓጎሱ ደገፍቲ ኣሃዳዊት ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ወግናት ኣለዉ።፡ ኣብ ብሄራዊ መንነት ዝተመስረተ፡ ብሄራዊ ምፍሕፋሕ ዘኸትል፡ ዝምድና ህዝብታት ዘላሕልሕ፡ ንምምቓል ኢትዮጵያ ዝዕድምን ዘቃልዕን ቅዋምን ምክፍፋል ክልላትን እዩ ጠንቁ ዝብል መርትዖ ይቕርቡ።

ዶር ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስመጸ፡ ንኢህወደግ ካብ ክሳዳ ቆሪጹ ሓዲሽ 'ብልጽግና ፓርቲ' ዝብል ስም ኣጠሚቑ፡ ሃዋርያ ሰለላም መሲሉ፡ ካብ 2018 ዓም ጀሚሩ፡ ፈለማ ምስ ኤርትራ ዕርቂ-ሰላም፡ ብዘይ ቅድመ-ኲነት ምሕንጻጽ ዶብ ክትግበር ዝብል ወግዓዊ ምግለጺ ኣቃሊሑ ንዓለን ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣታሊሉ ናይ ሰላም ኖቨል ሽልማት ተጎናጺፉ። ንኹሉ ፍልልያትና ብዘይ ደም ምፍሳስ ብፍቕሪ ክንሰግሮ ኢና፡ "ፍቅር ያሸንፋል" ክብል መን ዘይሰመዐ። ነገር ግን፡ ምፍሳስ ደም ክጅምር፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዓዲሙ ደማዊን ኣዕናውን ኩለንተናዊ ውግእ ሕድ-ሕድ ኣብ ትግራይን ክጅምር ግዜ ኣይወሰደን። ንህዝብን ትካላትን ንብረትን ክልል ትግራይ ደምሲሱ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክደግሞ ንዕዘብ ኣለና። ኣብ ክልል ኦሮሞ'ውን ብሰበብ ኦነግ ዝተባሃለ ዕጡቕ ሓይሊ ክድምስስ እየ ዝብል ዘመተ ንብዙሕ ክፋላት ክልል ኦሮሞ ኣብ ረመጽ ኣጒድዎ ይርከብ። ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ፡ ሰብ ወፊሩ ወይ ግይሹ ናብ ቤቱ ክምለስ ብዙሕ ስግኣት እዩ ዘለዎ። ብሕጽር ዝበለ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ኣብ ውግእ ሕድ-ሕድ ተሸሚሙ ይርከብ። ብዙሓት ተመራመርትን ተንተንትን ናይቲ ሃገር ከም ዝጽብጽብዎ ድማ፡ ኣብ ሓጺር ዕድመ ስልጣን ዶር ኣብይ፡ ካብ ዝሓለፉ ስርዓታት ዝተዓጻጸፈ፡ ሂወት ምልዮናት ኢትዮጵያውያን ብኸንቱ ከም ዝተቐዝፈ ብኣሃዛት ዝተደገፈ መርትዖታት ይቕርቡ።

ኣብ ኤርትራ ምስ ንምለስ፡ ካብ ዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኩሎም ዝሓመቐን ዝገደደን ሃገራዊ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ብድኽነትን ጥሜትን ስቓይን ስደትን ጥፍኣትን ህዝቡ ዝሕጎስ፡ ኣብ 30 ዓመታት ዕድሚኡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ማይን፡ ጽዓትን፡ መጓዓዝያን፡ ሕክምናን ከቕርብ ዘይክኣለ፡ ብወልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ ስርዓት ህግደፍ ስልጣን ብሒቱ ይርከብ። ህዝብና ኣፍሪዩን ሰሪሑን ብምህርቱ ኮሪዑ ሂወቱ ክመርሕ ዘይክእል ሕብረተ-ሰብ፡ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ዜጋታት ተጸባዪ ናይ ሓዋላ-ቁጠባ ገይርዎ። ንሃገር ረሚሱን ኣድክዩን፡ ንህዝቢ ኣርዒዱን ከይሓፈረ ኣብ ስልጣን የሽካዕልል ኣሎ። ካብ ርእስኻ-ምኽኣል ዝብል ጓንጓ ጨርሖኡ፡ ናብ ተጸባዪ ሓዋላ ቀይርዎ። መስደመም። ስርዓት ህግደፍ ካብ ካልኦት ስርዓታት ጎሉሑ ዝልለየሉ ድማ፡ ብመደብን ብመጽናዕትን፡ ኮነ ኢሉ፡ ንህዝቡ ዝሞቊሕን ዘሳቕን ዘድክን፣ ንሃገሩ ድማ ዝረመሰን ዝድሃኸን ዘዕነወን፡ ናብ ምድራዊት ሲኦል ዘቐየረ ጨካን ስርዓት ብምዃኑ እዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ንሃገሩ ኣድኪሙ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ክዘርግን ክዕገርግርን ኣምኣት ኣሻት ገንዘብ ኤርትራ ንተቓወምቲ ጎረባብቲ ዜጋታት እንዳመወለ ትቓወምቲ ወድባት ክጫጭሕ ዝጸንሐ ስርዓት እዩ። ብዚ ሰብብ እዚ ድማ ኤርትራ ብ ው.ሕ.መ ካብ እገዳ ናብ እገዳ ከየዕረፈት ክትሰጋገር ጸኒሓ።

ኣብ መደምደምታ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ እዋናዊ ክስተት፥ እቲ ዘይቅዱስ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ኣብይን ዝተኸተመ ኣብ 9 ሓምለ 2018 ዓም፡ ናይ 5-ነጥቢ ጉልቡብ ናይ ሰላምን ዕርቂን ስምምዕ ክልተ መራሕቲ፡ ኣብቲ ሰነድ ዝተጠቕሱ፡ ዶብ ከይተሓንጸጸ፡ ቁጠባዊ ውህደት ከይተረኽበ፡ ዝምድናታት ህዝቢ ከይተመሓየሸ፣ ነቲ ሚስጢራውን ቀንደን ሓደን ኣጀንድኦም፡ ንሕውሓት ምንብርኻኽ ብዝብል ምስምስ ብመቕዘፍቲ ምልዮናት ህዝቢን፡ ዕንወት ትካላትን ንብረትን ትግራይ ተዛዚሙ። ባርባራዊ ህልቂት ህዝቢ ትግራይ ብዋጋ እሻሕት መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምፍጻሙ እውን ክስመረሉ ይግባእ።

ሎሚ ክልቲኦም መራሕቲ ከብድን ሕቖን ኮይኖም ነናይ ገዛእ ርእሶም ኣጀንዳታት ሰሪዖም ምንቅስቓስ ዝጀመሩ ይመስሉ። ኣብ መንጎኦም ዘይምትእምማንን ጥልመትን ሰፊኑ ናብ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ ዝተሰጋገሩ ይመስሉ። ሕዝቢ ዘይተኻፈሎን ዘይፈልጡን ውዕል ክልተ መራሕቲ ትካልዊ ስለዘይነበረ ውዒሉ ሓዲሩ ከም ዝፈሽል ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ሕጂ ዝኽሰት ዘሎ ናይ ክስን ክድዓትን ጥልመትን ቃላት ምልውዋጣ ኣብ ሞንጎ ስርዓታት ህግደፍን ብልጽግናን ናበይ ገጹ ከም ዝምርሕ ዘገም ኢልካ ምስ ግዜ ብህድኣት ዝርአ እመስለኒ።

ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ
ውድቀት ንክድዓት ሃገር
ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልኣለም

ገብረየሱስ ወልደሚካኤል
ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)




See also more articles by Mr. Gebreyesus Woldemichael
ካልኦት ብ'እቶ ገብረየሱስ ወልደሚካኤል ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: