Placeholder Picture
Placeholder Picture
ጉዕዞ ህይወተይ new book by Memhr Gebregiorgis Fessahaye GEORGE

28/10/2023 17:35 PM

ጉዕዞ ህይወተይ

ፍልጠትን ሓበሬታን ንኣእምሮ ወዲሰብ ይስሕልን የበርኽን።
ብ መምህር
ገብረጊዮርጊስ ፍስሃየ (ጆርጅ)

ሓዳስ መጽሓፍ ንሕትመት በቒዓ ተዘርጊሓትልኩም ኣላ።
ጉዕዞ ህይወተይ new book by Memhr Gebregiorgis Fessahaye GEORGE

ጉዕዞ ህይወተይ new book by Memhr Gebregiorgis Fessahaye GEORGE

ጉዕዞ ህይወተይ
ፍልጠትን ሓበሬታን ንኣእምሮ ወዲሰብ ይስሕልን የበርኽን።
ብ መምህር ገብረጊዮርጊስ ፍስሃየ (ጆርጅ)
ሓዳስ መጽሓፍ ንሕትመት በቒዓ ተዘርጊሓትልኩም ኣላ።

ጉዕዞ ህይወተይ new book by Memhr Gebregiorgis Fessahaye GEORGE

ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ በርሀ ብ1948 ኣብ ዓዲዂታመጽሐ'ኤርትራ ተወሊዱ " መባእታ ትምህርቱ ኣብ ዓዲዂታ! ማእከላይን 2ይን(ሓደ ዓመት) ደረጃ ኣብ ዓዲቐይሕ' 2ይ ደረጃ ኣብ ደቀምሓረ(2 ዓመት)' 2ይ ደረጃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ(1 ዓመት) ተማሂሩ º ብምቕጻል ' ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ብፊዚክስ/ቁጽሪ ብ1972 ቀዳማይ ዲግሪ ብማዕርግ ተመሪቑ" ን2 ዓመት ኣብ ኢትዮጵየ ምስ መሃረ ትምህርቱ ኣብ ብሪታንያ ብምቕጻል ማስተርስ ብሶሊድ ስተት ፊዚክስ ወዲኡ' ኣብ 2ይ ደረጃን ኮለጅን ለንደን ካብ 1979-2012 ብምምህርና ኣገልጊሉ " ኣብ ብሪታንያ እናነበረ፣ ኣባልን መስራትን ሓፋሽ ውድብ ህ/ግ ኣብ ብሪታንያ ብምዃን ብዝተፈላለየ ደረጃታት ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተኻፊሉ ። ሕጂ፣ ድሕሪ ጡረታ፣ ብሕታዊ ምምህርናን፣ ምትርጓም ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛን ኣምሓርኛን ከሰላስል ይርከብ።

መምህር ገብረጊዮርግስ ፍስሃየ (ጆርጅ) ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዝመዝገቦ ዕለታዊ መዘክር (ዳያሪ)“ ጉዕዞ ህይወተይ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንቑልዕነቱን ኣተዓባብያኡን፡ ካብ መባእታ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ፡ ፍልጠት ንምቕሳም ዘጋጠሞ ብደሆታትን ዘርኣዮ ጽንዓትን፡ ኣብ ንእስነቱ ዝሰረጾ ሃገራዊ ስምዒትን ተሳትፎኡን፡ ስደትን ብደሆታቱን፡ ፍቕርን ንእስነትን፡ ሓዳርን ምዕባይ ቐልዑን፡ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝነበሮ ተራን ኣብ መስርሕ ዘጋጠሞ ዕንቅፋትን፡ ምምህርናዊ ተመኩሮኡን ፍልጠቱን ንኸካፍል ካብ ለንደን ናብ በረኻታት ሳሕልን ኣብ ነጻ ኤርትራን ዝገበሮ ወለንታዊ ጉዕዞን ኣበርክቶን፡ ድሒሩ`ውን ሰብኣዊ መሰልን ሓርነታዊ ልዑላዊ ክብሪ ህዝቢ ንክኽበር ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝገበሮ ተሳትፎን እትገልጽ መጽሓፍ ነቢበያ። ኣብ ማእረ ፊደላት እውን ድሩት ኣበርክቶ ገይረ።

ብርእይቶይ እዛ ካብ ዕለታዊ ዝኽርታት እተጻሕፈት ንውልቃዊ ህይወት መምህር ገብረግዮርጊስ እትገልጽ መጽሓፍ፡ ነቶም ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ነንእሽቶ ተራ ዝነበረና ሰባት፡ ዋላ እውን ብድሩት ዓቕሚ ይኹን ንተመኩሮና ዝገልጽ መጽሓፍ ብምብርካት ንመጻኢ ወለዶ ንዝዓሞቐ ምርምር ክሕግዞ ዝኽእል ነንእሽቶ ኣበርክቶ ክንገብር ሓላፍነትና እተዘኻኽር ኮይና ረኺበያ በዚ ድማ ንመምህር ገብረግዮርጊስ ስለቲ ዕለታዊ መዝገብ ናይ ምሓዝ ዝምባለኡን ኣበርክቶኡን አመስግኖ ። እቶም ትግርኛ ከንብቡ ዝኽእሉ ናእሽቱ አሕዋትናን ደቅናን ከኣ ዝተጻሕፈ ኣይመውትንዩ” ዝብል ሓቀኛ ብሂል እንታይ ማለት ምዃኑ ብኣብነት ክመሃሩላ ተስፋ እገብር።

ጋዜጠኛ ተጋዳላይ ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ)

ሓበሬታ፡-
ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ ንምርካብ፡ በዚ ዝስዕብ ሓበሬታ፡ ንዋና መጽሓፍ ደውሉ፡-
Here below is Authors' contact number:
+44(0)7947751994




Other Articles by Mr. Fessahaye Gebregiorgis GEORGE:
ካልእ ጽሑፋት ብ`መምህር ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ(ጆርጅ):-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: