28/10/2023 17:35 PM
ጉዕዞ ህይወተይ
ፍልጠትን ሓበሬታን ንኣእምሮ ወዲሰብ ይስሕልን የበርኽን።
ብ መምህር
ገብረጊዮርጊስ ፍስሃየ (ጆርጅ)
ሓዳስ መጽሓፍ ንሕትመት በቒዓ ተዘርጊሓትልኩም ኣላ።
ጉዕዞ ህይወተይ new book by Memhr Gebregiorgis Fessahaye GEORGE
ጉዕዞ ህይወተይ
ፍልጠትን ሓበሬታን ንኣእምሮ ወዲሰብ ይስሕልን የበርኽን።
ብ መምህር ገብረጊዮርጊስ ፍስሃየ (ጆርጅ)
ሓዳስ መጽሓፍ ንሕትመት በቒዓ ተዘርጊሓትልኩም ኣላ።
ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ በርሀ ብ1948 ኣብ ዓዲዂታመጽሐ'ኤርትራ ተወሊዱ " መባእታ ትምህርቱ ኣብ ዓዲዂታ! ማእከላይን 2ይን(ሓደ ዓመት) ደረጃ ኣብ ዓዲቐይሕ' 2ይ ደረጃ ኣብ ደቀምሓረ(2 ዓመት)' 2ይ ደረጃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ(1 ዓመት) ተማሂሩ º ብምቕጻል ' ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ብፊዚክስ/ቁጽሪ ብ1972 ቀዳማይ ዲግሪ ብማዕርግ ተመሪቑ" ን2 ዓመት ኣብ ኢትዮጵየ ምስ መሃረ ትምህርቱ ኣብ ብሪታንያ ብምቕጻል ማስተርስ ብሶሊድ ስተት ፊዚክስ ወዲኡ' ኣብ 2ይ ደረጃን ኮለጅን ለንደን ካብ 1979-2012 ብምምህርና ኣገልጊሉ " ኣብ ብሪታንያ እናነበረ፣ ኣባልን መስራትን ሓፋሽ ውድብ ህ/ግ ኣብ ብሪታንያ ብምዃን ብዝተፈላለየ ደረጃታት ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተኻፊሉ ። ሕጂ፣ ድሕሪ ጡረታ፣ ብሕታዊ ምምህርናን፣ ምትርጓም ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛን ኣምሓርኛን ከሰላስል ይርከብ።
መምህር ገብረጊዮርግስ ፍስሃየ (ጆርጅ) ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዝመዝገቦ ዕለታዊ መዘክር (ዳያሪ)“ ጉዕዞ ህይወተይ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንቑልዕነቱን ኣተዓባብያኡን፡ ካብ መባእታ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ፡ ፍልጠት ንምቕሳም ዘጋጠሞ ብደሆታትን ዘርኣዮ ጽንዓትን፡ ኣብ ንእስነቱ ዝሰረጾ ሃገራዊ ስምዒትን ተሳትፎኡን፡ ስደትን ብደሆታቱን፡ ፍቕርን ንእስነትን፡ ሓዳርን ምዕባይ ቐልዑን፡ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝነበሮ ተራን ኣብ መስርሕ ዘጋጠሞ ዕንቅፋትን፡ ምምህርናዊ ተመኩሮኡን ፍልጠቱን ንኸካፍል ካብ ለንደን ናብ በረኻታት ሳሕልን ኣብ ነጻ ኤርትራን ዝገበሮ ወለንታዊ ጉዕዞን ኣበርክቶን፡ ድሒሩ`ውን ሰብኣዊ መሰልን ሓርነታዊ ልዑላዊ ክብሪ ህዝቢ ንክኽበር ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝገበሮ ተሳትፎን እትገልጽ መጽሓፍ ነቢበያ። ኣብ ማእረ ፊደላት እውን ድሩት ኣበርክቶ ገይረ።
ብርእይቶይ እዛ ካብ ዕለታዊ ዝኽርታት እተጻሕፈት ንውልቃዊ ህይወት መምህር ገብረግዮርጊስ እትገልጽ መጽሓፍ፡ ነቶም ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ነንእሽቶ ተራ ዝነበረና ሰባት፡ ዋላ እውን ብድሩት ዓቕሚ ይኹን ንተመኩሮና ዝገልጽ መጽሓፍ ብምብርካት ንመጻኢ ወለዶ ንዝዓሞቐ ምርምር ክሕግዞ ዝኽእል ነንእሽቶ ኣበርክቶ ክንገብር ሓላፍነትና እተዘኻኽር ኮይና ረኺበያ በዚ ድማ ንመምህር ገብረግዮርጊስ ስለቲ ዕለታዊ መዝገብ ናይ ምሓዝ ዝምባለኡን ኣበርክቶኡን አመስግኖ ። እቶም ትግርኛ ከንብቡ ዝኽእሉ ናእሽቱ አሕዋትናን ደቅናን ከኣ ዝተጻሕፈ ኣይመውትንዩ” ዝብል ሓቀኛ ብሂል እንታይ ማለት ምዃኑ ብኣብነት ክመሃሩላ ተስፋ እገብር።
ጋዜጠኛ ተጋዳላይ ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ)
ሓበሬታ፡-
ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ ንምርካብ፡ በዚ ዝስዕብ ሓበሬታ፡ ንዋና መጽሓፍ ደውሉ፡-
Here below is Authors' contact number:
+44(0)7947751994
Other Articles by Mr. Fessahaye Gebregiorgis GEORGE:
ካልእ ጽሑፋት ብ`መምህር ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ(ጆርጅ):-
- Other Articles by Mr. Fessahaye Gebregiorgis GEORGE:
- ካልእ ጽሑፋት ብ`መምህር ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ(ጆርጅ):-
- ደሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ቁርቁስ ወሎዶታት። ተርጓሚ--ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ (ጆርጅ)፡ ለንደን፣ ግንቦት 24, 2020. Democracy in Africa. translated by Mr. Fessahaye Gebregiorgis, London 24 May 2020.
- ናይ ርእሰማል ምስጢር፡ (The Mystery of Capital, By Hernando De Soto) "ስለምንታይ እዩ ርእሰማልነት ኣብ ምዕራብ ሃገራት ተዓዊቱ፣ ኣብ ካልእ ኩሉ ቦታ ግን ፈሺሉ" Black Swan edition 2001. ብ'ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ(ጆርጅ) by Mr. Fessahaye Gebregiorgis, London December 2020.
- ግዝኣተ-ሕጊ፡ እንታይ ማለት እዩ? What is the meaning of Rule-of-Law? ብ'ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ(ጆርጅ) by Mr. Fessahaye Gebregiorgis, London March 2020.
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)