Placeholder Picture
Placeholder Picture
መበል 62 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።

01/09/2023 00:41 AM

መበል 62 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡
ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
الذكرى 62 لبداية الكفاح التحريري المسلح للشعب الإريتري، 1 سبتمبر 1961

62nd anniversary of the beginning of the Eritrean people's' armed liberation struggle, September 1, 1961.

1961 - 2023

ሎሚ'ውን ብመንእሰያትና ክወግሕ'ዩ!

62nd anniversary of the beginning of the Eritrean people's' armed liberation struggle, September 1, 1961.

ሎሚ'ውን ብመንእሰያትና ክወግሕ'ዩ!

መበል 62 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡
ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
الذكرى 62 لبداية الكفاح التحريري المسلح للشعب الإريتري، 1 سبتمبر 1961
62nd anniversary of the beginning of the Eritrean people's' armed liberation struggle, September 1, 1961. (1961 - 2023)

እታ ሓበንን ትእምርቲ ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት፡ ፈላሚት ዕለት ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ እነሆ 62 ዓመታ ኣእኪላ ደበኽ ኢላትና ኣላ።

እቶም ኣብዛ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን ሓርነትን ንምጉንጻፍ፡ በጃ ክሓልፉ ዝተወፈዩ ሓርበኛታትና፡ ብመሪሕነት ጅግና ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ እታ ፈላሚት ጥይት ኣብ ጎቦ ኣዳል (ባርካ) ኣበሲሮም። እቶም ኣዝዮም ውሑዳት ጀጋኑ ሓርበኛታት፡ ብኣዝዩ ድሑርን ውሑድን ዓቕሚ ብረት፡ ብረታዊ ተጋድሎ ከልዕሉ ከለዉ፡ እንትርፎ ብጾቶምን ህዝቦምን፡ ኣብ ካልእ እምንቶ ኣይነበሮምን። ኮነ ኸኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ጻት ንጻት፡ ካብ ራስ-ቃሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ፡ ናብ ሰውራኡ ውሒዙ፡ ንሳላሳ ዓመታት፡ በጃ ህዝቡን በጃ`ታ ሓላል መሬቱን ብጅግንንተት ተጋዲሉ፡ ተሰዊኡ። መሪርን ብዙሕ ሓጎጽጎጽን ዝመልኦ ጉዕዞ ሰውራና ሰጊሩ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናጽነት ሃገሩ ኣረጋጊጹ።

ባሕቲ መስከረም፡ ልዕሊ`ተን ኩለን ሃገራዊ በዓላትና ኢያ።
ንሳ ዝወለደታ ኸኣ፡ መዓልቲ ናጽነትና ኢያ። ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝነቐለ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕላምኡ፡ ንሃገርና ኤርትራ ካብ መግዛእታዊ ጎበጣ ናጻ ምውጻእን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገሩ ብሓርነት ንኽነብር ምርግጋጽን ኢዩ ነይሩ። ባዕዳዊ ገዛኢ፡ ብቕልጽም ተጋዳላይን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ተሓግሒጉ ውጺኡ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናጽነት ኤርትራ ተራጋጊጹ። ኣብቲ ካብ ሚያዝያ 23-25, 1993 ዝተኻየደ መላእ ዓለም እተዓዘቦን ዝመስከረሉን መስርሕ ምድማጽ ህዝባዊ ረፈረንዱም ተኻይዱ፡ 99.81 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ `እወ ንናጽነት` ብምድማጽ፡ ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ተራጋጊጹ፡ ሃገርና ማዕረ ሃገራት ተሰሪዓ፡ ኮሪዕና።

እነሆ ሎሚ ግን፡ ኣብ ዝሓለፋ 32 ዓመታት ድሕሪ ምርግጋጽ ልዑላውነትና፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓርነቱ፡ መሰላቱን ኩሉ ክብርታቱን ተጋሂሱ፡ ኣብ ኣስካሕካሒ ዘቤታዊ ጊልያነት ይነብር ኣሎ። ስለዝኾነ፡ ህዝብና ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ። በዚ ምኽንያት`ዚ፡ ባሕቲ መስከረም መበል 62 ዝኽሪ ክንጽምብል ከሎና፡ ነቲ ንሳ ዝነቐለትሉ ሓርነታዊ ዕላማ፡ ገና ዘይተመልአ ጉዕዞ ተሪፉና ከምዘሎ ብምስትንታንን፡ ነዚ ተሪፉ ዘሎ ሓርነታዊ ጉዕዞ ንምዕዋቱ ግቡእ ዜግነታዊ መስዋእቲን ስራሕን ክንገብር ከምዘሎና ብምዝካርን ኢዩ። እታ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት፡ ክሳብ ኣብ ሸቶኣ እትበጽሕ፡ ብዘይ ምስልካይ ዓቲርናያ ክንምርሽ ናይ ኩልና ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ቀንዲ ሓላፍነት ኢዩ። ከምቲ ልዑላውነት መሬትና ዘረጋገጽና፡ ልዑላውነትን መሰልን ህዝብና ከምእነረጋግጽ ከኣ ናይ ግድን ኢዩ።
በዚ ምኽያት`ዚ፡ ሎሚ ዓመት ጽምብል ባሕቲ መስከረም፡ "ሎሚ'ውን ብመንእሰያትና ክወግሕ'ዩ!" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ክንጽምብላ ይግባእ።

`ሽም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ` ከምዝበሃል፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓተ ምልኪን ራዕዲን፡ ንሓዋሩ ሓግሒጎም ንምድርባይ ተላዒሎም ኣለዉ። ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝተጠልመ ሓርነት ህዝብና፡ ናብ ቦትኡ ንምምላስ ከኣ፡ ሽግ ሓርነት ናይ ባሕቲ መስከረም የምበልብሉ ኣለዉ። ኤርትራውያን ወለዲን ነባራት ሓርበኛታትን ከኣ፡ ኣብ ጎኒ ደቆም ብምዃን፡ ምኽሮምን ተሞኩሮኦም ዘካፍልሉ፡ ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መድርኽ ኣቲና ኣሎና። እዚ ዉዕዉዕ ቃልሲ፡ ኣብ ሓርነታዊ ሸቶኡ ከይበጽሐ ደው ኣይብልን ኢዩ። ከም ትማሊ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎና፡ ናይቲ ሓርነት ህዝብና ንምርግጋጽ እነካይዶ ቃልሲ እውን ዓወቱ ናይ ግድን ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን፡ ኣብ ብዙሕ ክንፈላለ ንኽእል ንኸውን። ኣብ ሃገራዊ ፍቕርና፡ ልዑላውነት ሃገርናን ህዝብናን ግን፡ ከም ኤርትራውያን፡ ኣይንፈላለን ኢና። እሞ፡ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ባሕቲ መስከረም እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዘመስከርናዮ ሓድነት፡ ዳግማይ ንምትራሩ፡ መብጽዓ እንኣትወላን፡ ሓርነታዊ ቃልስና ንምሕያል ብግብሪ እንውፈየላን፡ ኣጋጣሚ ጌርና ክንጥቀመላ ይግባእ።

ዮሃና! ነቶም ክወግሕ ምዃኑ ከይተጣርራጠሩ፡ በጃ ዝሓለፉልና ጀጋኑ።

መርበብ ሓበሬታ፡ ስኒትና.ኮም።

ካብዚ ብምቕጻል፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝበጽሓናን፡ ዝረኸብናዮን ነዛ ዕለትን ወርሒን`ዚ ዝምልከት ጸብጻባት፡ መግለጺታትን ሓበሬታን፡ ኣብ ታሕቲ ከነስዕበልኩም ኢና። ነዚ ገጽ ዚ፡ በብእዋኑ ብትሕዝቶ ከነሀብትሞ ስለዝኾንና፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ድማ ንላቦ።


Eritrean Political Forces September 1 Commomoration.
ሓባራዊ ዘተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ብምኽንያት መስከረም 1 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡
02 September 2023

Part-1:

Part-1:   Part-2:  
Facebook Live:
https://www.facebook.com/100000484413327/videos/1041978100503060/


EPSM_For_Justice: መበል 62 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም:
``እዛ ንምስርታ ዘለና ሰውራ፡ ካብ ሕጂ ጽርይቲ ምስ ዘይትኸውን፡ ክትጠፍእ ትኽእል`ያ`` ኣለም ሰገድ ተስፋይ፡ ካብ ፈደረሽን ክሳብ ጎበጣ፡ ገጽ 542።
1. መኸተ ህዝቢ ኤርትራ፡ ማእለያ ዘይብሎም ሰማእታትን መለክዒ ዘይርከቦ ንብረትን ዓቕሚ ሰብን ከፊሉ፡ ንዝተመንዘዐ ሃገራዊ መሰሉ ከምልስ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ መስሪቱ።
2. ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመግዛእታዊ ኢትዮጵያ ክሰዕርን መሰሉ ከረጋግጽን ዝኣወጆ እምበር፡ ካብ ኢትዮጵያ ንክፍንጨል ኣይነበረን። ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ ጥሕሰት ስለዝፈጸመት።
3. ኤርትራ (ብዘይካ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ)፡ ኣካል ኢትዮጵያ ኰይና ኣይትፈልጥን። ኤርትራ፡ ከም ሃገር ወሰናስና ተነጺሩ ማእከላዊ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር ካብ ትኸውን 123 ዓመታት ገይራ ኣላ። ኢትዮጵያ ግን 110 ዓመታት`ያ ገይራ።
4. ጀጋኑ ኤርትራውያን ተቓላስቲ፡ ኣብ ብፖለቲካ 1960ታት ተኣሲሮም ናብ ፍርዲ ምስ ቀረቡ ኢትዮጵያ፡ (1)ንስኻትኩም ኣብ ኤርትራ ክትእስሩን ክትፈርዱን ሕጋዊ ስልጣን የብልኩም። (2) መንነትና፡ ኤርትራውነት`ዩ ኢሎም ብድፍረት መሊሶም።
5. ዶብ ኮሚሽን፡ ኣብ ኣህጉራዊ ውዑላት ተመርኲሱ`ዩ ንብዪን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣቕሪቡ።
6. ሎሚ፡ ገለ ሰባት (ኤርትራውያን) ዜግነትና- ኤርትራዊ፡ መንነትና ትግራውነት ዝብልዎ ሓሳብ.. ኣይ-ሰነሞጎታዊ፡ ኣይ-ሕጋዊ፡ ኣይ-ፖለቲካዊ... ናይ ናጽላ ኣምር`ዩ።
7. ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ፡ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክትጐብጣ ከላ ትም ምባልና፡ ታሪኻዊ ጌጋ`ዩ ነይሩ።


Atv Asena Live - ዝኽሪ ሓደ መስከረም ናይ መትከል ዶ ናይ ቃልዓለም?


Dialogue for Common Awarenes is inviting you to a scheduled Zoom meeting.
Topic:
The Historic Anniversary September 1, 1961 and the Situation in Eritrea Regime and Opposition
ዝኽሪ ታሪኻዊት ባሕቲ መስከረምን: ኩነታት ኤርትራን ( ብደረጃ ስርዓትን፣ ተቃውሞ ደንበን)
ዶ/ ነጋሽ ዑስማን አቦ ወንበር ፈጻሚ ቤ/ጽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ذكرى سبتمبر التاريخية وأوضاع إرتريا - نظامًا ومعارضة
دكتور/ نقاش عثمان ابراهيم رئيس المكتب التنفيذي للمجلس الوطني الارتري للتغيير الديمقراطي


KM: ሃገርና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ብሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ ዝተዳለወ መደብ ጽንብል ብሕቲ መስከረም 1961 ሎሚ ብዒሉ 1Sep23።


2 September 2023"ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ ፈስቲቫላት፣ኤርትራ ኪፍጸም ዚጸንሐ ውጡን መጥቃዕቲ፡ ኣሸባሪ ተግባር እዩ።" ኣምበሳደር ዓንደብርሃን ወ/ገርጊስ


ሃገራዊት ሰውራዊት መዝሙር፡ ሓደ መስከረም፡


First September Eritrean Liberation Front (E.L.F.) Song.


Radio Saeyob راديو سأيوب ራድዮ ሰእዮብ Friday, 01 September 2023
ፍንቱይ በርናምጅ እብ መናሰበት ኣልፋትሕ ምን ሰብተምበር ንዳል ሸዐብ ኤረትርየ!


Sened ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት 1 መስከረም 1961
ምስ ነባር ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ


Interview with author of the book "Hamid Idris Awate" Tegadalay Haileselassie Woldu - ERi-TV


ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ።
ፍሉይ መደብ ብባይቶ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል
ዝጅምረሉ ሰዓት Time: 10pm Asmara, 9pm Berlin, 8pm UK:


መግለጺ ህዝባዊ ግንባር | PFDJ Statement on 60th Anniversary of start of the armed struggle - ERi-TV


ዝኽሪ ሓደ መስከረም | Commemoration of 60th anniversary of September 1st -Cinema Roma, Aug. 31, 2021|ERi-TV




Our YEMANE BARYA
“ሃገረይ ዝበለ ተዘኪሩ ይነብር”!

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: