01/09/2023 00:41 AM
መበል 62 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡
ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
الذكرى 62 لبداية الكفاح التحريري المسلح للشعب الإريتري، 1 سبتمبر 1961
62nd anniversary of the beginning of the Eritrean people's' armed liberation struggle, September 1, 1961.
1961 - 2023
ሎሚ'ውን ብመንእሰያትና ክወግሕ'ዩ!
ሎሚ'ውን ብመንእሰያትና ክወግሕ'ዩ!
መበል 62 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡
ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
الذكرى 62 لبداية الكفاح التحريري المسلح للشعب الإريتري، 1 سبتمبر 1961
62nd anniversary of the beginning of the Eritrean people's' armed liberation struggle, September 1, 1961. (1961 - 2023)
እታ ሓበንን ትእምርቲ ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት፡ ፈላሚት ዕለት ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ እነሆ 62 ዓመታ ኣእኪላ ደበኽ ኢላትና ኣላ።
እቶም ኣብዛ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን ሓርነትን ንምጉንጻፍ፡ በጃ ክሓልፉ ዝተወፈዩ ሓርበኛታትና፡ ብመሪሕነት ጅግና ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ እታ ፈላሚት ጥይት ኣብ ጎቦ ኣዳል (ባርካ) ኣበሲሮም። እቶም ኣዝዮም ውሑዳት ጀጋኑ ሓርበኛታት፡ ብኣዝዩ ድሑርን ውሑድን ዓቕሚ ብረት፡ ብረታዊ ተጋድሎ ከልዕሉ ከለዉ፡ እንትርፎ ብጾቶምን ህዝቦምን፡ ኣብ ካልእ እምንቶ ኣይነበሮምን። ኮነ ኸኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ጻት ንጻት፡ ካብ ራስ-ቃሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ፡ ናብ ሰውራኡ ውሒዙ፡ ንሳላሳ ዓመታት፡ በጃ ህዝቡን በጃ`ታ ሓላል መሬቱን ብጅግንንተት ተጋዲሉ፡ ተሰዊኡ። መሪርን ብዙሕ ሓጎጽጎጽን ዝመልኦ ጉዕዞ ሰውራና ሰጊሩ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናጽነት ሃገሩ ኣረጋጊጹ።
ባሕቲ መስከረም፡ ልዕሊ`ተን ኩለን ሃገራዊ በዓላትና ኢያ።
ንሳ ዝወለደታ ኸኣ፡ መዓልቲ ናጽነትና ኢያ። ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝነቐለ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕላምኡ፡ ንሃገርና ኤርትራ ካብ መግዛእታዊ ጎበጣ ናጻ ምውጻእን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገሩ ብሓርነት ንኽነብር ምርግጋጽን ኢዩ ነይሩ። ባዕዳዊ ገዛኢ፡ ብቕልጽም ተጋዳላይን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ተሓግሒጉ ውጺኡ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናጽነት ኤርትራ ተራጋጊጹ። ኣብቲ ካብ ሚያዝያ 23-25, 1993 ዝተኻየደ መላእ ዓለም እተዓዘቦን ዝመስከረሉን መስርሕ ምድማጽ ህዝባዊ ረፈረንዱም ተኻይዱ፡ 99.81 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ `እወ ንናጽነት` ብምድማጽ፡ ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ተራጋጊጹ፡ ሃገርና ማዕረ ሃገራት ተሰሪዓ፡ ኮሪዕና።
እነሆ ሎሚ ግን፡ ኣብ ዝሓለፋ 32 ዓመታት ድሕሪ ምርግጋጽ ልዑላውነትና፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓርነቱ፡ መሰላቱን ኩሉ ክብርታቱን ተጋሂሱ፡ ኣብ ኣስካሕካሒ ዘቤታዊ ጊልያነት ይነብር ኣሎ። ስለዝኾነ፡ ህዝብና ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ። በዚ ምኽንያት`ዚ፡ ባሕቲ መስከረም መበል 62 ዝኽሪ ክንጽምብል ከሎና፡ ነቲ ንሳ ዝነቐለትሉ ሓርነታዊ ዕላማ፡ ገና ዘይተመልአ ጉዕዞ ተሪፉና ከምዘሎ ብምስትንታንን፡ ነዚ ተሪፉ ዘሎ ሓርነታዊ ጉዕዞ ንምዕዋቱ ግቡእ ዜግነታዊ መስዋእቲን ስራሕን ክንገብር ከምዘሎና ብምዝካርን ኢዩ። እታ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት፡ ክሳብ ኣብ ሸቶኣ እትበጽሕ፡ ብዘይ ምስልካይ ዓቲርናያ ክንምርሽ ናይ ኩልና ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ቀንዲ ሓላፍነት ኢዩ። ከምቲ ልዑላውነት መሬትና ዘረጋገጽና፡ ልዑላውነትን መሰልን ህዝብና ከምእነረጋግጽ ከኣ ናይ ግድን ኢዩ።
በዚ ምኽያት`ዚ፡ ሎሚ ዓመት ጽምብል ባሕቲ መስከረም፡ "ሎሚ'ውን ብመንእሰያትና ክወግሕ'ዩ!" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ክንጽምብላ ይግባእ።
`ሽም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ` ከምዝበሃል፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓተ ምልኪን ራዕዲን፡ ንሓዋሩ ሓግሒጎም ንምድርባይ ተላዒሎም ኣለዉ። ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝተጠልመ ሓርነት ህዝብና፡ ናብ ቦትኡ ንምምላስ ከኣ፡ ሽግ ሓርነት ናይ ባሕቲ መስከረም የምበልብሉ ኣለዉ። ኤርትራውያን ወለዲን ነባራት ሓርበኛታትን ከኣ፡ ኣብ ጎኒ ደቆም ብምዃን፡ ምኽሮምን ተሞኩሮኦም ዘካፍልሉ፡ ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መድርኽ ኣቲና ኣሎና። እዚ ዉዕዉዕ ቃልሲ፡ ኣብ ሓርነታዊ ሸቶኡ ከይበጽሐ ደው ኣይብልን ኢዩ። ከም ትማሊ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎና፡ ናይቲ ሓርነት ህዝብና ንምርግጋጽ እነካይዶ ቃልሲ እውን ዓወቱ ናይ ግድን ኢዩ።
ንሕና ኤርትራውያን፡ ኣብ ብዙሕ ክንፈላለ ንኽእል ንኸውን። ኣብ ሃገራዊ ፍቕርና፡ ልዑላውነት ሃገርናን ህዝብናን ግን፡ ከም ኤርትራውያን፡ ኣይንፈላለን ኢና። እሞ፡ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ባሕቲ መስከረም እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዘመስከርናዮ ሓድነት፡ ዳግማይ ንምትራሩ፡ መብጽዓ እንኣትወላን፡ ሓርነታዊ ቃልስና ንምሕያል ብግብሪ እንውፈየላን፡ ኣጋጣሚ ጌርና ክንጥቀመላ ይግባእ።
ዮሃና! ነቶም ክወግሕ ምዃኑ ከይተጣርራጠሩ፡ በጃ ዝሓለፉልና ጀጋኑ።
መርበብ ሓበሬታ፡ ስኒትና.ኮም።
ካብዚ ብምቕጻል፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝበጽሓናን፡ ዝረኸብናዮን ነዛ ዕለትን ወርሒን`ዚ ዝምልከት ጸብጻባት፡ መግለጺታትን ሓበሬታን፡ ኣብ ታሕቲ ከነስዕበልኩም ኢና። ነዚ ገጽ ዚ፡ በብእዋኑ ብትሕዝቶ ከነሀብትሞ ስለዝኾንና፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ድማ ንላቦ።
Eritrean Political Forces September 1 Commomoration.
ሓባራዊ ዘተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ብምኽንያት መስከረም 1 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡
02 September 2023
Part-1:
Part-1:
Part-2:
Facebook Live:
https://www.facebook.com/100000484413327/videos/1041978100503060/
Atv Asena Live - ዝኽሪ ሓደ መስከረም ናይ መትከል ዶ ናይ ቃልዓለም?
KM: ሃገርና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ብሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ ዝተዳለወ መደብ ጽንብል ብሕቲ መስከረም 1961 ሎሚ ብዒሉ 1Sep23።
2 September 2023"ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ ፈስቲቫላት፣ኤርትራ ኪፍጸም ዚጸንሐ ውጡን መጥቃዕቲ፡ ኣሸባሪ ተግባር እዩ።" ኣምበሳደር ዓንደብርሃን ወ/ገርጊስ
First September Eritrean Liberation Front (E.L.F.) Song.
Sened ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት 1 መስከረም 1961
ምስ ነባር ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ
Interview with author of the book "Hamid Idris Awate" Tegadalay Haileselassie Woldu - ERi-TV
መግለጺ ህዝባዊ ግንባር | PFDJ Statement on 60th Anniversary of start of the armed struggle - ERi-TV
ዝኽሪ ሓደ መስከረም | Commemoration of 60th anniversary of September 1st -Cinema Roma, Aug. 31, 2021|ERi-TV
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)