Home  About us   Contact us

Copyright © 2013 - 2015  www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

Home መእተዊ  |  Articles ጽሑፋት  |  Documents ሰነዳት | Culture ባህሊ  |  Links ምትእስሳር  |  Archives ከብሒ  |  Contact us ርኸቡና

                                                

Share on Facebook Share on Twitter Share via e-mail Print Share on Google Bookmarks

ትውልዲ “ኣለና” 6ይ ክፋል፤

ብእንግሊዝ ብ40ታት ዝተወስደ ንብረት ጸብጻብ።

ብ’ኣራራት ኢዮብ  23 May 2015


ሓይልታት እንግሊዝ ንጥልያን ኣብ ከረን ሲዒሩ ሓይሉ ብምቕጻል ብ1941 ኣብ ኣስመራ ኣተወ። ካብዚ ግዜ እዚ ኣትሒዙ ትውልዲ “ኣለና” ድሩትን ኣብ “ልክዕ”ን “ኣይልክዕን” ወይ ኣብ ፍትሓውነት ዝኣቱን ምስኡ ድማ ናይ ወሰዱልና፣ ኣሕደጉናን ዝብል ናይ ግዳይነት ስሚዒት ዘሕድር ሓበረታ ሰኒቑ ንኽጋዓዝ ተደሪኹ። ታሪኽ ጻዕዳን ጸሊምን ኣይኮነን። ስጥም ዝበለን ነናቱ መስርሕ ዘለዎን ታሪኻዊ መበገሲ ሒዙ ዝጋዓዝ ሰንሰለት እዩ። ዘዘበሉኻ እናተቐበልካ ካብ ምውሳድ ባዕልኻ ተመራሚርካ ስለምንታይ ከምዚን ከምትን ተባሂሉ ኢልካ ናይ ምሕሳብ ክእለት ናይ ምጥራይ ግዜ ኣኺሉ እዩ። ናይዛ “ንብረት” ወሲዶም ዝበሃል እዋን ከመይ ነበረ ንምትንታን ኣብዚ ክፍተን እዩ።


ኩነታት ግዝኣታት ኢጣልያ ብእንግሊዝ ይተሓዝ።


እንግሊዛውያን ኣብ ኤርትራ ክኣቱው እንከለዉ ንኩለን ጥልያን ዝሓዘን ግዝኣታት ማለት ሊብያን ሶማልን ናይ ሎሚ ጁቡቲን ንምሓዝ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣካይዶም እዮም ዝሓዝዎ። ንሃይለ ስላሴ ሒዞም ናብ ናይ ንግስነት ስልጣኑ ብግንቦት 5, 1941 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብጽሕዎ። ክሳብ እቲ እዋን እቲ ተሓለቕቲ ናይ ቦታኡን ንሱ እውን ናቶም ድሌት ክሕሉ ከምዘለዎ እናኣረድኡ እዮም ኣትዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ምስኣተዉ ድማ እቲ ሃገር ከም “ዝተሳዕረ ናይ ጸላኢ ቦታ” ብእንግሊዝ (Occupied Enemy Territory Administration) i.e. OETA ዝብል ስያሜ ሃብዎ። ኣብዚ ዝወጽአ ጽሑፍ ናይ ተውዶር ቨስታል ነጸብራቕ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዝብል ተወከስ። “ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ” ከምዝበሃል ድማ ኣብቲ ናቶም መዝገበ ቃላት እዚ ማለት ነቲ ቦታ ከም ናይ ጸላኢ ጥልያን ንብረት ክውስድ ከምዘለዎን ናይዚ ሳዕቤን ድማ እቲ ንብረት ናይ ጥልያን ድኣምበር ናይ ኢትዮጵያ ከምዘይኮነ ዘርኢ ስጉምትታት ወሰዱ።


Imperial Italy in Africa (ግዝኣት ኢጣልያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘርኢ ስእሊ)

















ቅድሚ እንግሊዝ ናብ ኤርትራ ምድሃቡን ብዛዕባ ንብረት ጥልያን ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዶም፣ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ሓለፍቲ እንግሊዝ ናይ ጥልያን ንብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ከምዝገብርዎ ድሮ መዲቦም ነበሩ። ስለዚ ምውሳድን ምሻጥን ብምብራስን ንብረት ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ተጀሚሩ።


ንብረት ጥልያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ (“ITALIAN ASSETS IN THE HORN”) ብዝብል ስም እቲ ብኣቑሕን ክእለትን ጉልበት ናይ ጠላይንን ደቀባትን ኣብ መሬት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተሰረተ ቁጠባዊ ሃብቲ በብሓደ እናተመንቆሰ ናብተን ናይ እንግሊዝ ግዝኣታት ገዓዘ። ከምቲ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ፣ ጥልያን ይኹን ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ ናይዚ ንብረታት ዋጋ ካሕሳ ኣይረኸባን። ክረኽባ ይኽእላ ኔረን ግን ቦታአን ኣብ ኣፍሪቃ ስለዝነበረን ስለዘይተዘከረን እቲ መስርሕ ኣይተገብረን። ታሪኽ ኩናት ደቅሰብ ንብረት ናይ ስዑር ሓይሊ ምውሳድ ንቡር እዩ ኔሩ። ኣብ ስልጡናት ሃገራት ግን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ኣብ ግብሪ ኣይውዓል እምበር ናይ ኩናት ሕግታትን ድሕሪ ኩናት እውን ናይ ምክሓስ ኣብነታት ኣሎ።

  

እዚ ታሪኽ እዚ ዝበዝሕ ካብ መዝገባት ናይ እንግሊዝ ዝተረኸበ ሓበረታ ኮይኑ ብተወሳኺ በቲ ፍሉጥ ሪቻርድ ፓንክረስት ዝተጋለጸ ጸብጻባት ይምርኮስ። (ገጻት 139-145 ሚከላ ሮንግ, I did not do it for you)።


ካብ ኤርትራ እተወሰደ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ክነጻጸር እንከሎ ብዓቕሚ እውን ዝወሓደ ነበረ። ንሙሶሊኒ ዝሰዓሩ እንግሊዝ ብንብረት ዝመጽአ ኩሉ ናብ ሓደ ናይ “ሃበኒ ሃበኒ” ዝመጸዊዑ ናይ ምዝማት ስጉምቲ ኣስዓበ።


ካብ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ንብረት ታሪኽ። 1941-1945


ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝገበርዎ ኢጣልያውያን ኣብ ኢትዮጵያ እውን ናይ ነዊሕ እዋን ጠመተ ኣብ ግምት ብምእታዉ ኣብዘን ሓጸርቲ ሓሙሽተ ዓመት ብልቦም ሆስፒታላት፣ ሆተላት፣ ናይ ቡስጣ ኣብያተ ኣገልግሎት፣ ተለፎን መራኸቢ፣ ፋብሪካታትን ናይ ማይ ሓጽቢ ገደባት ሰርሑ። ካብ 1935 – 1940 ጥልያን ኣስታት 53 ቢሊዮን ናይ ሎሚ ሊረ ኣብቲ ኩናትን በርገሳዊ ስርሓት ኣብ ኢትዮጵያ ኣጥፍእት። ካብ 1937-1941 10 ቢሊዮን ሊረ ናይ ሎሚ ንሱ ድማ ኣብ ጽርግያታትን ካልኦት ስራሓትን ጠፍአ ክብል ጂያን ካርሎ ፖደስታ ሃጸይነት ኣብ ምህናጽ መጽሓፍ ሰኒዱ ይርከብ።


ካብቲ ዝተወሰደ ንብረት ሓደ ክሳብ ኣብ ዓመት ኣስታት 6,000 መኻይን ዘዕሪ ፋብሪካ፣ እቲ ዝበለጸ ናይ ሓርጭን ቢስኮቲ ፋብሪካ ኣብ ኣፍሪቃን የጠቓልል። ሓደ 400 ኩቢክ መተር ጋዝ ዘውጽእ ናይ ኦክሲጅን ፋብሪካን ናይ ጡጥ ትካላት። ነዚ ዝረኣዩ ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ካብ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሕዝቢ ዘየገልግል “ዝያዳ” ጌሩ ብምጥማት ኣብ ግዝኣታቱን ከምዝሓልፍ ጌሩ።


ኣስታት ሓሙሽተ መዓልቲ ድሕሪ ናይ ጥልያን ብወግዒ ስዕረት ምቕባል ሕዳር 27, 1941 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነበረ ሓላፊ ጀነራል ወትሃርል, ናብ ለንደን ተለግራም ለኣኸ። እዚ ድማ ኩለን እተን ጥልያን ዝተኸለን ፋብሪካታት ከመይ ኢለን ናብ ናይ እንግሊዝ ግዝኣታት ተዓሺገን ከምዝግዕዛ ዝነግር ነበረ። ኣብዚ ተለግራም እዚ 11 ኣዝየን ኣገደስቲ ዝበሃላ ፋብሪካታት ኣብ ሰለስተ ኣገደስቲ ኣርእስታት (1) ክዕሸጋን ክለኣኻን ዝኽእላ (2) ንናይ ኢትዮጵያ ቁጠባ ኣዝየን ስለዘገድሳ ክንቀሳቐሳ የብለንን ዝበሃላን (3) ክንቀሳቐሳ የብለንን ምኽንያቱ ኣብቲ መስርሕ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱን ኪሳራኡን ስለዝበዝሕ ይትረፍ ዝብል ነበረ።


እንግሊዝ ነዚ ጉዳይ ክገልጽዎ እንከለዉ ኣንጻር ናይ ናዚን ፋሽስትን ምስፍሕፋሕ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ናይ ገንዘብ ዋሕዲ ከምዝነበረ እዩ። እዚ ሓቂ እዩ ኣብ ፓርላማ እንግሊዝ እውን ተዘሪቡሉን ብበጀት ከምዝኸዱ ጸቕጢ ይግበረሎም ኔሩ። ስለዚ እዞም “ዝያዳ” ርእሰ ማል ብ”ጸላኢ” ዝተገዝኡ ስለዝኾኑ ግድነት ነቲ ሰዓሪ እንተተዋሂቡ ገንዘብ ተቖጢቡ ማለት እዩ።


እዘን ንብረታት ንኤርትራን ኢትዮጵያን ምግዳፍ መፍሸሊ ርእሰ ማል እዩ ዝብል እምንቶ እውን ነበሮም። እቶም ናይ ጥልያን ኪኢላታት ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም ከምዝምለሱ ስለዝግበር ዘሎ እቲ ናይ ፋብሪካ ስርሓት ደው ክብል እዩ። ናይ ብዙሓት እንግሊዛውያን መደምደምታ ኣብቲ እዋን እቲ፣ ኢትዮጵያውያን ናይ ተክኒክ ክእለት ስለዘይብሎም፣ ብድሕሪ ምኻድ ደቂ ጥልያን ኩሉ ስርሓት ደው ክብል እዩ። ስለዚ ልክዕ ከምቲ “ሓንቲ ኣደ እቲ ቆልዓ ነዛ መጻወቲት ኣይክእላን እዩ ኢላ እተሕድጎ” ንደቀባት ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ኣይክእልዎን ማለት ድሑራት ሕብረተ ሰብ እዮም ብዝብል ርእይቶ እቲ ናይ ምውሳድን ምግባትን ንብረት ናይ እንግሊዝ ሓለፍቲ ኮነ ኢሎም ተተሓሓዝዎ።


እቲ እዋን ናይ ኩናት እዋን ስለዝነበረ ናይ ኣቑሑ ኣድላይነት ንኪዳን ሓይልታት ክኸይድ ግድነት እዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎ። ንኩናት ዝውዕል ኣቑሑ ካብ ኢትዮጵያ ይኹን ካልኦት ግዝኣታት እንግሊዝ ናብ ዓውዲ ኩናት ኣይጠቐመን ወይ ኣይግዓዘን ኣይኮነን ዝበሃል ዘሎ። ንኣብነት ሃይለ ስላሰ ንዝተበላሸዋ ታንክታትን ንምዕራይ ዘድሊ ግራይንደራት ክሓትዎን እሞ እዘን መሳርሕታት ኣብ ኢትዮጵያ እንተለዋ ናብ ሊብያ ክኸዳ ኣለወን ኢሎም ክጠልቡ እንከለዉ ተቐባልነት ክነብሮ ይኽእል። ምኽንያቱ ኣቑሑ ካብ ኣውሮጳ ከተምጽእ ግዜን ርሕቀትን ናይ ኩናት ህጹጽነት ኣብ ግምት የእቱ ስለዝኾነ። እዚ ኣርእስቲ ግን ነዚ ኣይኮነን ዘልዕል። ጽርግያታት መስርሒ ኣቑሑ ናብ ህንዲ፣ ጡብ ዝሰርሕ ፋብሪካ ናብ ናይሮቢ ከንያ፣ ኦክሲጂን ፋብሪካ ናብ ዩጋንዳ ክግዕዝ ምግባር ግን ዋላ ሓንቲ ወተሃደራዊ ዕላማ ኣብቲ ኩናት ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣይጠቅምን። ኣብ ክንዲ ነተን ናይ ጥልያን ፋብሪካታት ናብቲ ክጠቕማሉ ዝኽእላ ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ዓውደ ኩናት ኣብ ክንዲ ምግዓዝ ምምሕዳር ነዚኣተን እንግሊዝ ናብ ኣዝዩ ርሑቕ ዝኾነ ማለት ናይ እንግሊዝ ሶማልን፣ ከንያን፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ፓኪስታንን ንኽግዕዝ መምርሕታት ኣውጽአ።


እተን ኣብ መፈለምታ ኣብ ዕላማ ዝኣተዋ 11 ፋብሪካታት ገዲፍካ ነተን ንነበርቲ ኢትዮጵያ ብልክዕ ዝትንክፋን መዓልታዊ መብልዒ ደቅ ሰብ ዝኾና ፋብሪካታ ከይተረፋ ኣብቲ ዝርዝር ክኸዳ ኣለወን ዝብሃላ ኣተዋ። ንኣብነት ናይ ኦክሲጅን ፋብሪካ ምልዓልን ምግዓዝን ንናይ ኢትዮጵያ ሆስፒታላት ንደቅ ሰብ ዘድሕን ማለት ሕሙማት ዘድልዮም ንብረት እካ እንተኾነ እተን ፋብሪካታትሲ ተጠርኒፈን ከምዝግዕዛ ተገብረ። ካልእ ናይ ወረቓቕቲ መሳርሒ ክዕግዝ ምኻኑ ዝተሓበሮ ሓደ ብሪጋደር ነዚ ጉዳይ ምስተመልከቶ፣ እዚ እንተድኣ ተወሲዱ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣብ መስርሕ መዓልታዊ ጉዳዩ ንመጽሓፊ ዘድልዮ ወረቓቕቲ ክስእን ይኽእል እዩሞ ንግደፎ ዝብል መረዳእታ ምስ ለኣኸ፣ ብላዕለዋይ ኣካል እቲ ሕቶኡ ተጋስዩ ሓለፈን እቲ ፋብሪካ ድማ ተዓጽዩን እቲ ንብረት ድማ ተወስደ።


ኣብ መወዳእታ 1941 እተን ናይ መጀመርታ ጥማር ፋብሪካታት ካብ ኢትዮጵያ ወጽኣ። ካብዚ ሓሊፎም ሓለፍቲ ምምሕዳር ወተሃደራዊ እንግሊዝ ጠመተኦም ናብ ኮኔል ኤለክትሪክ ፋብሪካ ዘምበየ። እቶም ኪኢላታቶም ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻባት ናይዚ ኤለክትሪክ ፋብሪካ ምግዓዝ ንኢትዮጵያ ዓቢ ማህረምትን ኪሳራን ምኻኑ እናነገርዎም ክነሱ ኣተኩርኦም ግን ጌና ኣይተረፈን።


እቲ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ዝተባህለ ንብረት ኣስታት 16 ገጽ ዝመልእ ኮይኑ ናይ ሳሙና ፋብሪካን፣ ናይ ዲዝል ትራክተራት፣ ድልድላትን፣ ብዙሓት ናይ ከቢድ ጽዕነት መኻይንን፣ ናይ ማይ ዝዓቑራ መሳርሕታትን፣ ዘይቲ ዝጽምቃን ናይ ዕንጸይትን ናይ ማዕድን መሳርሕታት ዘጠቓልል ነበረ። ኣብዚ ናይዚ ኩሉ ዋጋ ንኢትዮጵያ ክንከፍል ኢና ይብሉ ኔሮም ግንከ እቲ ኩነት ናብ ሰዓሪነት እናኸደ ምስመጸ “ብምግዛእ ዝተረኽበ ንብረት” ዝብል ተስፋ ተጣሒሱ ማለት ኣብ ጽሑፍ እውን ኣሎ፣ ኣይበልናን ብምባል ነቲ ጉዳይ ዓጸውዎ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ንብረት ናይ ስዕረት ሓይሊ ኢጣልያ እዩ ዝብል ወረ ኣብ ዓለምን ብፍላይ ድማ ግዝኣታት እንግሊዝ ምስተዘርግሐ፣ እቶም ሓለፍቲ እዚ እባ እዚ ሃቡና ናብ ዝብል ናይ መሸጣ ጻውዒት ካብ ካይሮ ክሳብ ከንያ ዘለዉ ኣብ ዕዳጋ ኣተዉ።


እዚ ዓቢይ መሸጣ ንብረት “ንዑባ ውሰዱ” ዝብል ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ እንከሎ ሃይለ ስላሴ ሱቕ ኢሉ ኣይረኣየን። ቅድሚ ኣብ ስልጣን ምምላሱ ንመንግስቲ እንግሊዝ “ውልቃዊ ንብረት ናብ እንግሊዝ ክምለስ” ዝብል ከምዝፈረመ ኣይረስዖን። ምኽንያቱ ናብ ስልጣን ክመልስዎ እንከለዉ ዝሃቦ ስምምዕ ስለዝነበረ። ኣብዚ ዕጡቓት ወተሃደራት እንግሊዝ ኣብ ኩሉ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ኣንጻሮም ምምልላስ እውን ኣብ ሓደጋ ዘምርሕ ስለዝነበረ ወግዓዊ ምትፍናን ከምዘይከኣል ቀልጢፉ ተገንዘበ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓይሊ ስርዓቱ ብዘይ ጸግዒ ናይ እንግሊዝ ወተሃደራት ደው ክብል ኣይክእልን እዩ ኔሩ። ድፕሎማሲያዊ ምምልላስ እንግሊዝን ሃይለ ስላሰን ካልእ ታሪኽ እዩ፣ ኣብቲ እዋን ንዝምልከት ኣንጻሩ ንዝተላዕሉ ናይ ጎጃም ብበላይ ዘለቀን ናይ ትግራይ ናይ “ወያነ” ምልዓል ክደቁስ እንከሎ ብሓይልታት እንግሊዝን ደብዳብ ተሓጊዙ እዩ ሓሊፉዎ።


ናብ ንብረት ምውሳድ ክንምለስ እቲ ክስተተ እናገደደ ምስከደ ሃይለ ስላሰ ግድነት ኣንጻር እዚ ስጉምታት ክዛረብ ጀመረ። ሃይለስላሰን ሚኒስተራቶም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣዝዮም ከምዝተሰምዖምን ብዛዕባ ፋብሪካታት ምግዓዝ እውን ንዓይ ተዛሪቦምኒ ክብል ሓደ ሓላፊ እንግሊዝ ኣተንብሀ። ኢትዮጵያውያን ኣመሓደርትን ሓለፍትን ንጉሶምን እቲ ምውሳድ ምስበዝሖም፣ ብየካቲት 1942 ሃይለ ስላሰ ነቶም ኣብ ጅማ ዝነበሩ ሓለፍቲ ነቲ እንግሊዝ ክወስድዎ ዝመደቡ ናይ ገመድ ፋብሪካ ንኸይህቡ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። እዚ ኣብ መንጎ እንግሊዝን ናይ ኢትዮጵያ ተኸላኸልትን ክመጽእ ንዝኽእል ምትፍናንን ወተሃደራዊ ምጉናጽ ኣብ ግምት ዘእተዉ ይመስሉ። ኣብዚ ዘይሓሰብዎ ስለዘጋጠሞም እቶም እንግሊዝ ኣንሰሓቡ።


ኣብዚ ናይ ጅማ ዘጋጠመ ሽግር ሮበርት ሃው ዝተባህለ ናይ እንግሊዝ ሚኒስተር ነቲ ጉዳይ ክፈትሕ ትእዛዝ ተዋህቦ። ምስ ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ዝገበሮ ዘረባ ነተን እንግሊዝ ዝደለየተን ጌና ክግዕዛን ክውሰዳን ዝተባህላ ነገራት ዝርዝር ኣቕረበ። እዚኣተን ናይ ረድዮ መራኸቢ ስተሽትን፣ ናይ ጽርግያ መስርሒ ኣቑሑ፣ ናይ ቸመንቶ ፋብሪካ፣ ብምቕራብ እዘኣተን እንተድኣ ዘይተረኪበን እንግሊዝ ናይ ኢትዮጵያ ነጻነት ከምዘይትፈልጥ ከም መፈራርሒ ጌሩ ኣቕረበ። ሃጸይ ሃይለ ስላሰ ኣዝዩ ሰንበደን በዚ ቅሉዕ መፈራርሒ ናይ ወኪል እንግሊዝ ተተንከፈ።


ሃው ከም ሚኒስተር ናይ እንግሊዝ መጠን ነቲ ዝገበሮ ምፍርራሕ ተኣዚዙ እካ እንተኾነ፣ እዘን ዝተዘርዘራ ነገራት እንትድኣ ካብ ኢትዮጵያ ተወሲደን ብድሕሪኡ ዝያዳ ጠለባት ካብ እንግሊዝ እንተዘይህሉ እዩ ዝሓይሽ ብምባል ነቲ ነገር ኣብ መደምደምታ ኣብጽሖ። ንሱ ንመንግስቱ ጸብጻብ ከመሓላልፍ እንከሎ፣ ኢትዮጵያውያን ፈቲና ጸሊእና ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ነታ ሃገር ከምድላዮም ከምዝወርርዋን ንብረታ ጋሕጉሖም ከምዝወሰዱ እዮም ዝኣምኑ፣ ክብል ንኣሕሉቑ መልእኽቲ ሰደደ። ንሱ ኣስታት 80 ካብ ሚእቲ ዝኸውን ጥልያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገድፍዎ ንብረት ከምዝወሰድና ኢሎም ይኣምኑ። ብፍላይ እቲ 4 ሚልዮን ዝዋግኡ ናይ ሕክምና መኽዘን ኣዝዩ ከምዝተሰምዖም ይገልጹ በለ።


እዚ ናይ ጠላባት ምግባር ጉዳይ ደው ክሳብ ዝብል ግን እቲ ዝበለጸ ናይ ጥልያን ፋብሪካታት ገዓዘ። እቲ እንግሊዛውያን ኣብ ደብዳበታቶም ማለት ‘scorched earth policy’ ብድሕሪ ኩናት ብድሕረይ ዝነደደ ይንደድ ዝዓይነቱ ስራሕ ቀጸለ። ፍልይ ዝበለ ኣብነት ካብ ያቨሎ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝተላእከ ተለግራም ክረአ እንከሎ “ናይ ያቨሎ ሆስፒታል መኽደኒ ንኽንወስዶ እንተፈተንና ኣብኡ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ኣብዮም ከልከሉና።” ነቲ ኢትዮጵያውያን ፖሊስ ዝነብሩሉ ቤት ጽሕፈት ዝምልከት “ብዝከኣል ማዓጹን መስኮታት ሆስፒታል እንተተገድፈ ይሓይሽ” ዝብል መልእኽቲ ተመሓላለፈ። እዚ ኹሉ ተረፍ መረፍ ናይ ምምላእ ስጉምቲ ክሓስብዎ እንከለዉ እቶም እንግሊዝ ኣብዝን ወድኸምዝን ምትህልላኽ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣይተራእዮምን። “ካብ ኢትዮጵያ ፋብሪካን ትካልን ክረክብ ኢልካ ኣይትሕሰብ።” ክብል ሓደ ሓላፊ ናብ ናይ ካይሮ ቤት ጽሕፈት ብነሓሰ 1942 ዝለኣኾ መልእኽቲ ኣሎ። “ብድሕሪ ሕጂ ኣየድልን እዩ” ዝብል እቲ ጉዳይ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ከምዝተረፈ ዘረድእ ጽሑፍ ሰደደ።


እዚ ሽዱሽተ ወርሒ ዝወሰደ ናይ ዕዳጋ ተብተብ ደው በለ። ኣብዚ እዋን እዚ እንግሊዝ ኣህጉራዊ ሕግታት ጢሒሶምን ምስቲ ነጻ ከውጽእዎ ዝተበገሱ መንግስቲ ኣብ ወተሃደራዊ ምትፍናንን ኣትዮምን ዳርጋ 80 ካብ ሚእቲ ጥልያን ዝተኸሎ ንብረት ኣግዒዞም። “ኢትዮጵያ ወላ ሓንቲ ሳንቲም ኣይረኸበትን። ከምኡ እውን ጥልያን” ክብል ሪቻርድ ፓንክረስት ኪኢላን ፈላጥን ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ይገልጽ። ኣብዚ ዋላ ሓደ ናይ ጥልያን ይኹን ናይ ጀርመን ጋዜጣ ነዚ ተረኽቦ ኣይፈለጦን።


ነዚ ዝፈልጡ እንተዝነበሩ ብሓይልታት ኪዳን እንተተሳዒርኩም ከምዚ ዓዲ እንግሊዝ ንኢትዮጵያ ጌራታ ዘላ ከምኡ ክተገብረኩም እያ ዝብል ርእይቶ ምሃለወን ነቲ ኣብ ትሕቲ ጥልያን ይኹን ጀርመን ዝነበረ ግዝኣታት ኢድ ናይ ምሃብ ስጉምቲ ምደንጎየን እቲ ሕዝቢ ስምባደን ዘይምትእምማን ኣብ ናይ ኪዳን ሓይልታት ምገበረ ኔሩ። ግንከ እቲ ወረ ኣይተዘርግሐን ኣይተፈልጠን እውን።


ድሕሪ ኩናት ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ በቲ ጥልያን ዝገደፎ እትስጉም፣ ግድነት ሓደ ኢላ ቁጠባዊ መደብ ከተውጽእ ተገደደት። ሃይለ ስላሰ ድማ ተቐይሙን ነቲ ጉዳይ ኣብ ትሒቲ ስኑ ሒዙ ምስደልደለን፣ ምምሓዳር እንግሊዝ ምስለገሰን፣ ሓገዝ ክደሊ እንከሎ ናብ ካልኦት ሃገራት ድኣምበር ናብ እንግሊዝ ገጹ ኣይጠመተን።


ሪቻርድ ፓንክረስት ነዚ ናይ እንግሊዝ ጠባይ ክገልጽ እንከሎ ኣብቲ ናይቲ እዋን ዝነበሩ ኣመሓደርቲ ናይ ግዝኣታት ዝነበሩ ሰባት ነጻን ስልጣን ዘለዎ ናይ ኣፍሪቃ ንጉስ ይኹን መራሒ ነብሱ ኪኢሉ ክገዝእ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣይነበረን ይብል። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዓለም ግዝኣት ክሳብ “ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እንግሊዝ ጸሓይ ኣይትጠልቕን እያ”  ዝበሃለሉ ግዜ ዝነበሩ እንግሊዛውያን ኣማሓደርቲ ነቲ ድሕሪ 20 ዓመት ዝመጽአ ነጻነት ግዝኣታት ኣብል ኣምር ኣይነበሮምን። ስለዚ ድማ እቲ ንብረት ምውሳድ ከም ናቶም ግቡእን ከም ድላዮም ዝገብሩሉ ኩነት ወሰድዎ። ታሪኽ ግን ካልእ ኮይኑ ተረኽበን ኣፍሪቃ ድማ በብሓደ ነጻ ክትወጽእ ከኣለት።

 

British Empire 1919 (ግዝኣት ብሪጣንያ 1919 ዘርኢ ስእሊ)













ካብ ኤርትራ ዝተወስደ ንብረት ታሪኽ። 1941-1952


ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ብድሕሪ ስዕረት ጥልያን ኣብ ከረን ግንቦት 1941 እያ ኣትያ። ጥልያን ነታ “ቦኽሪ ግዝኣት” (La Colonia Primogenita) ኢሉ ዝሰመያ ኤርትራ ምስ ኣተወ፣ መንበሪ ጠላይን ክትከውንን ርእሳ ክትክእልን ብማለት ድልድላትን ጽርግያታትን ፋብሪካታትን ዓበይቲ ናይ ሕርሻ ትካላትን ሰርሐ። ካብተን ፍሉጣትን ውሩያትን ትካል ተለፈሪካ ካብ ኣስመራ ባጽዕ ዝነበረት እያ። እዚኣ ምስ ስእሊ ትረአ ዘላ ትካል እቲ ኣብ መንጎ ናይ ገድሊ ኤርትራውያን ኣዝዩ ዝጥቀስ ናይ እንግሊዝ ጸሓፋይን ሓላፊ ነበር ኣብቲ ሃገር፣ ትረቫስኪስ ድሕሪ 1941 ካብ ኤርትራ ዝወጽእ ዝነበረ ናይ ወርቂ ማእቶት ካብ 17,000 ናብ 3,000 ኣውንሲ ከምዝጎደለ ኣብታ ኤርትራ፤ ኣብ መስርሕ ለውጢ እትርከብ ግዝኣት እትብል መጽሓፉ ጠቒሱ። Eritrea: A Colony in Transition: 1941–1952, Oxford University Press, 1960። ከምኡ እውን ናይ ዓሳ ምግፋፍ ስራሕ ብሰንኪ መተካእታ ዘይርከቦ ኣቑሑ ብናይ ኪዳን ሓይልታት ምውሳድ ማእቶቱ ኣንቆልቆለ።


እታ ተለፈሪካ ሓለፍቲ እንግሊዝ ኣብ ኣስመራ ነዚ ኣውሪድካ ኣብተን ግዝኣታት እንግሊዝ ዝኾና በርማን ሱዳንን ፍልስጥኤምን ንኽሽየጥ ብዙሕ ጻዕሪ እካ እንተኣከየዱ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ለንደን ኣብ ትሕቲ መጉዚት ዘላ ግዝኣት ንብረት ምሻጥ ከምዘይፍቀድን እንተተጌሩ ድማ ከም ራስያ ከምዝውሰድን ስለዝነገርዎምን ብዘይ ቅጥዒ ምሻጥ እምቢ ስለዝበለዎምን ተለፈሪካ ካብዚ ዲሒና። ግን ዲሒና እውን ኣይደሓነትን ኣብ ግዜ ፈደረሽን ብሰብኣይ ጋሎም ንጃንሆይ ጀነራል ኣቢይ ኣበበ ሃጸያዊ ወኪል ኢትዮጵያን ድሓር ድማ ብወግዒ ኣማሓዳሪ ኤርትራ 1959-64 ተሸይጣ።


The Eritrean Ropeway, completed in 1937, ran 71.8 km from near Massawa to the south end of Asmara. This was the longest cableway ever. It covered a distance which was over twice the current one longest in the world which has less than 35 km in Lapland. It was rendered non-operational by the British removing the engines shortly after their victory at Keren in World War II. The assemblage stood for over twenty years and was still in very good condition in 1962 Ralph Reinhold.


እተን ብእንግሊዝ ተሸይጠንን ተወሲደንን ዝበሃላ ፋብሪካታትን ትካላትን ኣየኖት ነበራ ንዝብል ሕቶ ካብቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝተደርፈ ንጀምር። “እዚ እንግሊዝ እዚ ነኻል ሰልዱ፣……. ቅለቱና ዘይብለና ኣግሂዱ” ይብሃል ነበረ። ናይ እንግሊዝ ሽሩፍ ሰልዲ ከቢብን ኣብ ማእከሉ ነኻል ነበሮ።  


ምፍራስ ወደብ ምጽዋዕን ምሻጥ ንወጻኢ።


ካብቲ ብወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ንዝተሸጠን ዝግዓዘን ዝብሃል ንብረት እቲ ዝዓበየ ናይ ወደብ ምጽዋዕ ትካልን ሆስፒታል ምፍራስ እዩ። መንግስቲ ጥልያን ኣዚ ኣዝዩ ስለዝሕረቖም ወኪሎም ናብ ሓለፍቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ለኣኹ። ንሱ ድማ ናይቲ ዕንወት ካብ ዝጅመር ክሳብ ዝውዳእ ዘርኢ ስእሊ ኣቕረበ። እዚ ብፋሽስቲ ጥልያን ዝተሰርሐ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ወደብ፣ 1,000 ኣባላት ዝሕዝ ነበረ። ምስኡ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ማእከላይ ቤት ጽሕፈትን 500 ዓራት ዝሕዝ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣየር መዝሓሊ ትካል ዝነበሮ ሆስፒታል፣ ናይ በንዚና መኽዘናት፣ ናይ ማይ መዕቆሪ ታንክ፣ ናይ ኤለትሪክ ትካል፣ ናይ ሓይሊ ባሕሪ መኽዘናት፣ ምስኡ ቤት ጽሕፈት ናይ ጉምሩክ ቅድም ብደው ከሎን ግን ድሓር ብነታጉ ምስተበተነን ኣብ ልዕሊኡ ነዚ ዘጽርዩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ዘርኢ ነበረ። ካብ 75 ንላዕሊ ዝኸውን ሕንጻታት ፈሪሱ። ተወሳኺ ስእሊ ድማ እቲ ካብዚ ዝበረሰ ዝተረኸበ ናይ ሓጺን በትርታትን ብሎኮታትን ብደንቢ ተጸፍጺፉ ንወጻኢ ክግዕዝ ተዳልዩ ይረአ።


ሓደ ናይ ቸመንቶ ፋብሪካ ናብ ሓደ እንግሊዛዊ ተሸጠን ንሱ ድማ ንሱዳን ኣግዓዞ። (ገጽ 145) እዚ ከም ናይ ውልቀ ግጥም ማለት ስምምዕ ክኸውን ይኽእል። ነታ ሃገር ግን ጎዲልዋ። ኣብ ጉራዕ ዝነበረ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሮዶርም ጉራዕ (ስእሊ ረአ) ካብ ኤርትራ ተወሲዱ ንኽዓኑ ናብ ምስሪ ተወስደ ዝበሃል ሓቂ ኣይኮነን። ኣሜሪካውያን ባዕሎም ኣብዚ እንተገዲፍናዮ ንጸላኢ መሳርሒ ክኸውንን ኣስጋኢ እዩ ኢሎም ስለዝሓሰቡ ኣዕነውዎ።


እዚ ኩሉ ዕንወት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን በቲ ግዜ እቲ “ጸሊም” ኣፍሪቃን ስልጡን ደቅሰብ ዘይፈልጥዎን ዘይግደሱሉን ቦታ ክግበር እንከሎ ዓለም ከይፈለጠት ምኸደት ኔራ። ግን ካብ ሓደ ዘይተሓስበ ምንጪ እዚ ኩሉ ክቃላዕ ተኻኢሉ። እዚ ምንጪ ድማ እቲ ብኢትዮጵያውነታን ዴስነውነታን ተሓላቕነታ ናይ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትፍለጥ ሲልቭያ ፓንክረስት ነበረት። (page 145, Wrong) ፓንክረስት ንባዕላ ብዛዕባ እዚ “ኤርትራ ኣብ ጽባሕ፤ ሕሉፍን መጻኢን ናይዛ “ቦኽሪ ግዝኣት” ጥልያንን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጥንቲ ወደባዊት ኣውራጃ” (Eritrea on the Eve: The past and future of Italy”s first born colony, Ethiopia’s Ancient Sea Province) ትብል መጽሓፍ ኣውጺኣ እያ።


ዝንሳፈፍ ወደብን ክልተ ግረደራት ናብ ፓኪስታንን ምስርን ማልታን ተላኢኹ። 500 ዝኸውን ናይ ዘይቲ መዕቆሪ በሪሱን 20 ናይ ረድዮ መደበራት ተበቲነን። ወደብ ምጽዋዕ ሰለስተ ርብዒ ዓቕማ ተወሲዱ ክትብል ኣብ መጽሓፋ ሲልቭያ ፓንክረስት ኣስፈረቶ። “ኤርትራ ኣብ ጽባሕን” ካልእ ኣብ ጋዜጣታት ዝወጽአ ጽሑፋት ኣቃሊዓ። ስልቭያ ኣብ ሕብረት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዓቢ ናይ ፕሮፓጋንዳን ጽሑፍን ኣበርኪታ እያ። እዚ ናታ ምርጫ እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ሰነድ ሰነድ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ናይ ጸሓፊት ግዜኣን ዓቕማን፣ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝገበሮ ናይ ትካላትን ፋብሪካታትን ምውሳድን ምብራስን ወሲዳ ስለዝሰነደቶ ክሳብ ለይቲ ሎሚ እንሆ ኣብ ናይ ሚከላ ሮንግ መጽሓፍን ካልእን እውን ከም መረዳእታ ይቐርብ ኣሎ። ሓደ ንታሪኽ ዝገደፈቶ ብሂል እንተሎ ስለምንታይ ናይ መንግስትኺ ክሳብ ክንድዚ ክትነቕፊ እንከለኺ ናይ ኢትዮጵያን መራሒኣን ድኣ ዘይትነቕፊ ዝብል ሕቶ ምስቀረበላ፣ “ኣነ ንመንግስተይ ይነቅፍ፤ ናይ ኢትዮጵያ ምንቃፍ ድማ ንኢትዮጵያውያን እገድፎ” ክትብል መሊሳ ብምባል ሚከላ ሮንግ ኣብ መጽሓፋ ኣስፊራቶ ትርከብ። ወይ ዝገበርልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ከም ዝበሃል ድማ ኣብ ሰነዳት ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ዕንወት ናይዛ ወይዘሮ እዚኣ ውጺኢት ስርሓን ምክትታላን እዩ።


ካልእ ዝተወሰደን ዝበረሰ ንብረት ኣብ ዓሰብ ንኣብነት ዝነበረ ናይ ረድዮ መደብር ባዕሎም ጥልያን ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ከይወድቕ ምእንቲ ኣፍሪሶምዎ። ናይ ጨው ፋብሪካ ጌና ኣብ ዓሰብ ኣሎ። ካብ ኣቑርደት ንጎንደር ኢትዮጵያ ንኸራኽብ ብጥልያን ዝተገዝአን ዝተተኽለን 300 ዝኣክል ናይ ባቡር መኻይንን ናይ ባቡር መራኸቢ ኣቑሑ ተሸይጡ። ገለ ገለ እንግሊዝ ዘምጽእዎ ንኩናት ኣንጻር ጥልያን ክጥዕሞም እካ እንተኾነ እቲ ዝበዝሕ ጥልያን ዝተኸልዎ ንብረትን ትካላትን እዩ ኔሩ። ሕሉፍ ሓሊፍዎም ሓለፍቲ እንግሊዝ ነቲ ንብረት ብልክዕ ዋጋ እንተዝሸጥዎ ርዱእ ምኾነ። ገሊኡ ካብ ፍርቂ ድርብ ዋጋ ንታሕቲ እዩ ተሸይጡ። እንግሊዝ ንኤርትራ ክገድፋ እንከሎ መንግስቲ እትዮጵያ ንምምሕዳር ኤርትራ ኣጥፊአዮ ዝበሎ ዋጋ ናይ 950,000 ፓውንድ ኣኽፈልዋ (ገጽ 147 ሮንግ)። እዚ ብናይ ሎሚ ሕሳብ ክረእ እንከሎ ኢትዮጵያ ኣስታት 15.6 ሚልዮን ፓውንድ ዝበጽሕ ከፊላ ማለት እዩ።  


ሲልቭያ ፓንክረስት ደደሕሪኦም እናኸደት ነቶም ሓለፍቲ እንግሊዝ ምስ ኣሸገረቶም “ኣይተገብረን” ዳርጋ ዝብሉ ዝነበሩ ግን ሓደ ስሙ ክሳብ ሎሚ ዘይተፈልጠ ሓለፊ ነዘን ዝኽተላ ኣመልኪቱ ንብረት ከምእተወሰደን እተሸጠን ሓቢሩ። እዚ ሓላፊ እዚ ብዛዕባ ዝተወሰደን ዝተሸጠን ኣቑሑት ሓቅነት ኣለዎዶ የብሉን ኢሉ ምስተሓተተ፣ ዋላሓንቲ የለን ክብል ጸኒሑ፣ ግን ብርሰት ወደብ ምጽዋዕ ከም ንቡር ጌሩ ገሊጽዎ። ቀጺሉ ዓበይቲ መራኽብን ሓንቲ ትንሳፈፍ ወደብ ከም ናይ ተዓዋቲ ስልማት (Spoils to the victor) ተወሲደን ተሸይጠን ይብል። ምስኡ ናይ ዘይቲ መውጽኢ ትካል ኣብ ራስ ዶጋን እውን ከምኡ። ኣብ ዙላ 5.7 ኪሎ መተር ናይ ሓዲድ ሓጺን, 850 ናይ ሓዲድ ነቑጣታት፣ 3 ቶን መሳምር፣ 20 ካልእ ምስኡ ዝኸይድ መሳርሒን፣ 71 ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መኻይን “ዝበላሾ ኣቑሑ” ተባሂሉ ናብ ከንያ ተላኢኹ።


ካልእ 1,500 ትሪኮላታ፤ 3 ንኣሽቱ ክረናት, 1 ናይ ሓጺን ጂቲ, 1 ናይ ሓጺን ናይ ምልክት ትካል፣ 1 ናይ ሓጺን ድካን፣ ተመሊሱ ንጥልያን ተሸይጡ። ኣብ ዓሰብ ዝጠሓላን ዝተበላሸዋን መራኽብ ከም ናይ ስዕረት ራስያ ኣቑሑ ተወሲደን ከብቕዓ ናይ ኩባንያ ጥልያን ኣጂፕ ዝኾነ ናይ ዘይቲ መርከቢ መሳርሒ ኣብ ዳህላክ እውን ከም ናይ ስዕረት ራስያ ተወሲዱ። ኣብ ሕጥምሎ 45 ኪሎ መተር ዝንውሓቱ ናይ ሓጺን ሓዲድ ምናልባት ንኩናት ክስርሓሉ ይኽእል ብዝብል መመኽነይታ ተበንቁሱ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ተላኢኹ።  ልክዕ ከምዚ ድማ 77 ናይ ባቡር ዋጎን (መኻይን) 31 ኪሎ መተር ዝንውሓቱ ሓዲድ (እዚ ጥልያን ኣብ መንጎ ኣቑርደትን ቢሻን ክገብርዎ ዝሓሰቡ) እውን ከምኡ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ተላእከ። ተወሳኺ ሓላፍቲ ምምሕዳር እንግሊዝ 100 ናይ ባቡር መኻይንን 2 ናይ ዲዝል ሎኮሞቲቭን 2 ሞቶር ትሮሊ እውን ካብ ካልእ ከምዝረኸቡ ሓቢሮም።  


ኣብዚ ጉዳይ እዚ፣ ሓለፍቲ ናይ ኤርትራ ንግዲ ቤት ምኽሪ፣ ድሕሪ ምምጻእ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ብ1947 ምስተሓተቱ ዝሃብዎ መልሲ ንተዓዘብ። ስለምንታይ ናይ ኤርትራ ቁጠባ ታሕቲ ወሪዱ ከምዘሎ ዝሓተትዎ ኣባል ክነግር እንከሎ ኣብ ኤርትራ ዝበለጸን ዝሓየለን ፋብሪካታታ ማለት ናይ ጡጥ መኻይንናን፣ ላንቻን ፊያት መኻይን ትካላት ምብራስ ጌሩ ጠቒስዎ። እቶም ኮሚሽን መልሲ ካብ እንግሊዝ ኣይረኸቡን። ናይ ኤርትራ ንግዲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግምት ግን ብናይ ግዜኡ 1,700 ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሺልንግ ማለት ብናይ ሎሚ 1.85 ቢልዮን ፓውንድ ይብል። እዝን ወድኸምዝን ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ግን በቲ ሽዑ ዝነበረት ኤርትራ ክረአ እንከሎ መጻኢኣ እተበርተዓሉን ብቑጠባ እትዓብየሉን ኩነት ኣብ ዝተሓተ ኩነት ይርከብ ኔሩ። ነዚ ድማ ዓበይቲ መንግስታትን ኢትዮጵያ እውን ክትሽቅጠሉ ማለት ርእሳ ኣይትኽእልን እያ ተባሂላ ዝብል መልሲ ሃበ።


መደምደምታ፤


እዚ ታሪኽ እዩ። እቲ ዘገርም ሃይለ ስላሰ ምሁርን ናይ ክብሪ ዲግሪታትን ናይ ቃንቃታትን ፖለቲካ ክእለት ይሃልዎ እምበር ዘደልዮ ሓገዛት ካብ ምዕራባውያንን ምስረኸበን ንኣዲስ ኣበባ ከማዕብል ምስ ጀመረ፣ ኣብ ኣስመራ ካብ 10 ንላዕሊ ደርቢ ዘለዎ ሕንጻ ከይስራሕ ኣገደ ክባሃል ነቢርናዮ።። እንተ ገንዘብ ዘለዎም ምስዝርከቡ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዝለኣኽ ዝነበረ። ስለዚ እዩ ድማ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ብግዜ ሃይለ ሰላሰ ዝተሰርሓ ካብ 4 ወይ 5 ኣይበዝሓን እየን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግን ኣብቲ እዋን እቲ ብዙሓ ኣባይቲ ተሰሪሑ። ከምቲ ስነ ኣምሮእውያን ዝብልዎ ንርእስኻ ብሕማቕ እንተተታሒዝካ፣ ንብድሕሪኻ ዝመጽእ ብሕማቕ ትሕዝ። ሃይለ ስላሰ ካብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ንላዕሊ ዝምዕብል ከተማ ክርኢ ኣይደልን እዩ ኔሩ። ስለዚ ድማ ንኹለን ኣውራጃታት ብዓይኒ ውድድር ድኣ እምበር ከም ግዝኣቱስ ክምዕብላ ኣይደለየን። ስለዚ ድማ ብግዜ ሃጸይነት ሃይለ ስላሰ እቲ ርኡይ ምዕባለ ኣብ ሽዋን ኣዲስ ኣበባን ተማእኪሉ ተረፈ።