ንሓይሊ ባሕርና ንምድኻም ዝተወጠነ ሜላ (2ይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

29/06/2019 13:45 PM

ንሓይሊ ባሕርና ንምድኻም ዝተወጠነ ሜላ
(2ይን መወዳእታን ክፋል)

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ

ንሓይሊ ባሕርና ንምድኻም ዝተወጠነ ሜላ
ሽዳ (ሳእኒ) ከዕጥቆም ዘይካለ ስርዓት ምኻኑ ኣብ ‘ዛ ስእሊ ኣተኵርና ንትዓዘብ።

ንሓይሊ ባሕርና ንምድኻም ዝተወጠነ ሜላ (2ይን መወዳእታን ክፋል)
ጽሑፍ ብ 'ሰሎሞን ዮውሃንስ

2ይን መወዳእታን ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል በዚ ናይ ኣዴና ኣደይ ለተየሱስዘረባ እየ ተፈንየኩም “እንተኾነ እቲ ምግዳልሲ ንዓኹም`ውን ኣይገደፈን ብኣኹም ድኣ ይወዳእ እንበር በላና” ኣደይ ለተየሱስ። ከም ቃለን እንተዝወዳእ ክንደይ ኮን ምጥዓመ ነይሩ፧ ኣበይ እሞ ምስ ሕልሚ ልጅ ሃጸይ ኢሳይያስ።እትብል እየ ተፋንየኩም ነይረ፡ ሕጂ ድማ ናይ መወዳእታ ክፋል የቅርበልኩም፤

ብወገን ማማ ሰውራ ብመደበር ዑቁባት ኣቢላ ኣብ መሰርዕ ህዝባዊ ሰራዊት ተሰሊፋ ኣብ ጨንፈር መጓዓዝያ ሙዉፋር ተመዲባ ክሳብ ዕለተ መስዋእታ ብተወፋይነት ነብሳን ደቃን ተቃሊሳ። እቶም ተሓዚሎምን ተሓንጊሮም ዝወጹ ደቃ ድማ ኣብ ቤት ትምህረቲ ሰውራ ዓብዮም ተማሂሮም ድሕሪ እቲ ቦኹሪ ወዳ የውሃንስ ጂንዮ (ብጆን ጥልያኖ) ዝፈለጥ ዝነበረ ኣብ 1981 ናብ ሓይልታት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ ኣብ 1990 ኣብ ክፍለ ሰራዊት 85 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ኣብቲ ዝነበረ ምርብራብ ኣሰር ዲኡን ብጾቱን ሲዒቡ። እንተኾነ፡ ሎሚ ኣይከሰርናዮምን ተባሂሎም ብወልቀ መላኺ ኢሳይያስን ስዓብቱን። ድሕሪ 13 ዓመት ካብቶም ተሓንጊሮም ንሜዳ ዝወረደ ግርማይ ጂንዮ (ሕሸ) ድማ ኣብ ባሕረያ ተመዲቡ ብፈጣን ጃልባ ንባጽዕ ሓራ ዘውጽአ ኢዩ። እንተ ሎሚ እቶም ሽዑ እተሳዓሩ ብዓል ብ/ጀኔራል ካሳየ ጨመዳ ታሪኽ ስዕረቶም ብምልካዊ ስርዓት ልጅ ሃጸይ ኢሰያስ ሂወት ሰዅዑ ኣይተሳዓርናን ቀይሕ ባሕሪ ናትና ኣብ ምባል ልሳኖም የንበድብዱ ኣለዉ። እንተ ማማ ሰዉራ ግን፡ ነታ ድሓን ኩኒ ኢላ እተፋነወታ ከተማ ባጽዕ ሓንቲ ሰኮንድ`ውን ትኹን ምሰ ደቃ ኣብዚኣ ኢኹም ተወሊድኹም ከይበለቶምን ከይተላበወቶምን ኣብ እናዳ ናባል በይዝ ተሰዊኣ። ቆጸርኣ ድማ ምስ ግርማይ ጂንዮ (ሕሸ) ወዳ ምኻን ተሪፉ ምስ መዳሕንቲ ደቃ እተቀብረሉ ከተማ ባጽዕ ድኣ ኮነ፡ ኣብኡ ድማ ተቀቢራ። ከተማ ባጽዕ ኣብ ሂወት ህዝብን ተጋደልትን ፍሉይ መዝገብ ፍቅርን ኩናትን ዘሕደረት፡ ካብ ብዙሕ ገለ ኣብነት ንምጥቃስ ንፍቅሪ እንተኾነ ግን ሎሚስ ምስ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ እቲ ፍቅሪ ጠፊኡ ኢዩ እንበር፡ እቲ ቀደምስ በቲ ወናም ሰነ-ጥበባዊ ዑሰማን ዓብደርሒም `ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ጥቃ ደንደስ ባሕሪ ትዝ ኢሉ ተዘኪሩኒ ዘሕለፈኩዎ ፍቅሪ….`ይብል። ብወገን ሓርበኛ ነብሰሄር የማነ (ባርያ) ድማ `ላሎየ ላሎ ወደባት ዓደይ ይርኣየኒ ኣሎ ባቡር ነቂለ ስዓት ኣኺሉ` እናበለ ፖለቲካ ዝደረፈላ ወለዶ ታሪኽ 60ታት ንሎሚ የዘንቱ። ንምሕራር ወደብ ባጽዕ ኣብ ጨዉ ሳሊና እተደብዩ ውሑዳት ኣይነበሩን። ንኩናት ዝምልከት ድማ እቲ ኣብ ክልቲኡ ፈተነ ምሕራር ዝተገብረ ውግእ ንምግላጽ፡ ብወገን ብዙሓት ሓርበኛታት ስዉኣት ተጋደልቲ ደሪፈሙላ። ሓደ ኣብነት ስውእ ዕቁባጋብር ብ1977 ንኩናት ሰሊና ቆዚሙላ፡ ወዲ ትኹልን ካልኦት ቡዙሓት ስውኣትን ህልዋትን ድማ ደጊሞሙላ። ኣብ 1990 ንባጽዕ ምሕራር ጅግንነት ተጋደልቲ `ባጽዕ ስየ ወዲ ኤረይ መጺኡኪ ቀትሪ ምድሪ ሓይሊ ባሕሪ ፈጣን ጃልባ ገይሩ፡ ባጽዕ ዝብልዋስ ገለ ኣለዋ ሰሊና ትመስክር…` ይብል ወዲ ትኹል። እታ ጸዋርን ጽንዕትን ሓርበኛ ጓል ኣንከረ ድማ ብተደጋጋሚ ንባጽዕ ደሪፋትላ ንብዓት ጽንዓታ ዝነጸገት። `ብሰሊና ፈጊዱ ዝደኸመ የሎን ተኸፊሉ ኢዩ ሕነ ኣብ ፈንቅል ጀጋኑ ሰብ መትከል ይዘከሩ ሎሚ…ከም ቀደም መሲልዎም እቲ ዓውዲ ሳሊና መሲልዎም ጹንዕ ዕርዲ…...ብዓል ጋንባለ ምስ ሽድኡ ወጊሓ ኣላ ለይቲ ሳልኡ…..` ትብል እታ ሓርበኛ ኣብረሀት ኣንከረ። ኣብ ልዕሊ ተቀማጦ ህዘቢ ባጽዕ ድማ ዘይሕከኽ በሰላ ደብዳብ መርከብን ነፈርትን ህያብ ቅጽበት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢያ። ኣብዚ`ውን ኣይተወድአን፡ ሎሚ ድማ ሰርዓት ውለቀ መላኪ ነዚ ግፍዒ ቀዳሞት ንመድጋም ድቃስ ኣልቦ ኮይኑ ስርዓት ዘራጊቶ ኣይከሰርኩን ኣነ ይብለና ኣሎ።

ብዘይካ ኢዚ ድማ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምስኡ ኣራጕዳ ዘወጽኦቶ ጽሑፍ ብኸምዚ ዝቅጽል ኣሰንያቶ ትርከብ።

“ሚኒስተር ዜና ሚሊሽያ ሑቲ”፡ ኣብ’ታ ብኢራን እትምወል መደበር ቴለቪዥን ‘መያዲን’፡ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ሕሱር ጠቐነ ወርዊሩ ኣሎ። ትሕዝቶ ናይ’ዚ ብ24 መጋቢት ዝተጋውሐ ውጹእ ሓሶት፡ “ናይ ዳዕሽን ኣልቓዒዳን ሽበራውያን፡ ድሕሪ’ቲ ናይ መወዳእታ ስዕረቶም፡ 4 ብርጌዳት ካብ ቱርኪ ኣብ ኤርትራ ይተኣኻኸቡ ኣለዉ። ዕላማኦም ከኣ፡ ንስምምዕ ሑደይዳ ንምዝራግ’ዩ” ዝብልን ካልእ ሃተውተውን ይርከቦ። እዚ፡ ብቓናኡ ካብ’ቲ “ኣልጀዚራ” ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ (መጋቢት) ብዛዕባ ዓሰብ ዘናፈሰቶ ጠቐነ ዝፍለ ኣይኰነን። እንተ መርገጺን ቃልስን ኤርትራ ኣንጻር ሽበራን ጥሩፍነትን፡ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ - ምስክርነት ዘየድልዮ - ንጹርን ዘይልወጥን እዩ። ሚኒስትሪ ዜና ኣስመራ - 4 ሚያዝያ 2019” `ንዓይ ንኣንጭዋስ ኣብ ልቆታ` ምዃኑ ኢዩ እቲ ነገር። መርገጺ ስርዓት ልጂ ሃጸይ ኢሳይያስ ኣንጻር ሽበራን ጥሩፍነትን፡ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ - ምስክርነት ዘየድልዮ - ንጹርን ዘይልወጥን እዩ ትብለና ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ። እቲ ሓቂ ግን ነዚ ሕቡእ ኣኼባ እንተላይ ንሚንስትሪ ዜና ኣስመራ እተሰወረዶ ነይሩ ይኸውን፧

ንሓይሊ ባሕርና ንምድኻም ዝተወጠነ ሜላ
እዚ ሕቡእ ኣኼባ ምስ ናይ ምብራቅ ሱዳን ሰብ ድርብ ዜግነት ናይ ኤርትራን ሱዳንን እንታይ ዘይተፋሕሰ ተንኮል ኮን ነይሩ ይኸውን፧

መንግስቲ ‘ዓዳላ ዎ ተንሚያ’ ናይ ቱርኪ፡ ብምወላን ኣገልጋልነትን ቐጠር፡ ብኣሳሳይነት መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ መሬት ሱዳን - ኣንጻር ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ሸርሒታት፡ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ብሕልፊ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብገፊሕ፡ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ብፍሉይ ዝማዕበለ እዋናዊ ክስተት ንምዝራግ፡ እቲ ሸርሒታት ናብ ዝበረኸ ጽፍሒ ሃሊሉ’ሎ። ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት፡ መንግስቲ ቱርኪ ብጉልባብ “ራብጠት ዑለማእ ኤርትሪያ”፡ ብኣቦ-መንበር “ኣል’ሓራካ ኣል’እስላሚያ ኣል’ኤርትሪያ” ናይ ዝበሃል ውድብ፡ ኣብ ቱርኪ ቤት-ጽሕፈት ከፊቱ’ሎ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ውሑዳት ሳምንቲ፡ ብስም’ቲ ምንቅስቓስ ኣብ ካርቱም ኣብ እተኻየደ ድግስ፡ ኣንጻር ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዕቡድ ጭደራ ሰሚዑ ዘየስደመሞ ሰብ ’ውን የለን። ‘ዓጀብ ሸዀርተት!’ ዘብል’ዩ። ሚኒስትሪ ዜናኣስመራ 3 ሚያዝያ 2019

ንሓይሊ ባሕርና ንምድኻም ዝተወጠነ ሜላ
ተጣላዒ መርግጺ ምልካዊ ስርዓት ልጅ ሃፀይ ትማሊ ምስ ተቃወምቲ ስርዓት ምብራቅ ሱዳን ሎሚ ድማ ምስ ወትሃደራዊ ስርዓት ሱዳን ይጣላዕ ኣሎ።

ኣቤት ስርዓት ወልቀ መላኺ ልጅ ሃጸይ ኢሳይያስ `ኣደ ሓባል በልያ ከይቀደመትኪ` ኢዩ ነገሩ። ኣብ ታሪኽ ሃገርና እታ እንኮ ዓረባዊት ሃገር ቐጠር ብጀካ እቲ ቁጠባዊ ሓገዝ ንኤርትራን ንውልቀ መላኺ ኢሰያስ መሸራሸሪት ዝበረትን ድማ ኣብ መሬትና ደንከልያ ዶብ ምስ ጁቡቲ ዓቀብቲ ሰላም ዝኾኑ ወትሃደራት ዘሰፈረት ኢያ ዝነበረት። እንተ ሎሚ ድማ ዘራጊት ሰላምን መዋሊት ግብረ ሽበራ ብምባል ይዉንጅላ ኣሎ። እታ ናይ ሎሚ መሻርኽቱ ዝኾነት ሱዑዱን ኢማራትን ኣብ መሬትና ባሕርናን ሰፊረን ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝቢን የመን ዓቢ ዕንወትን ህልቂትን ብምሽራኽ ገበናዊ ተራ ይጸወት ምህላዉ ግን በንጻሩ ኣይተረድኦን ኣሎ። እዘን ናይ ኪዳን መሻርኽቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብና`ውን ከይተረፈ ብፍላይ ህዝቢ ዓፋር ዓቢ ሽበራን ዕንወትን ህልቂትን ይፍጽም ኣሎ። የመናዉያን ኣብ መሬት ኤርትራ ዝሰልጠኑ ብስዑዲ ተመዊሎም ዝንቀሳቀሱ ዘለዉ ድኣ ካብ መደበር ግብረ ሽበራ ካብ ሙኻን እንታይ ይፈልዮ፧ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ብምንታይ ካብ ግብረ ሽበራ ይፍለ፧ ካብ ኣሸበርትን ከዳሚ ናይ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝኾነ ስርዓት ንነብሱ ሓራ ጌሩ፡ ሎሚ ኣነ ምስክር ዘየድልዮ ጻድቅ ኢየ ይብለና ኣሎ። “እንተ መርገጺን ቃልስን ኤርትራ ኣንጻር ሽበራን ጥሩፍነትን፡ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ - ምስክርነት ዘየድልዮ - ንጹርን ዘይልወጥን እዩ ትብለና ሓቂ ዝትሓረማ ጋዜጥኡ ሓዳስ ኤርትራ። ሚኒስትሪ ዜና ኣስመራ - 4 ሚያዝያ 2019” ከይሓፈረ ከይ ሓነኸ። ንህዝብና ብሕሱም ራዕድን ሽበራን እናገዘእ እናኣጽነተን፡ ሕጂ ንብዓት ሓርገጽ ከነብዕ ዝፍት ዘሎ።

ንሓይሊ ባሕርና ንምድኻም ዝተወጠነ ሜላ
ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ናይ ምብራቅ ሱዳን እንታይ ንምስዋር ኢዩ፧

እዚ ገበነኛ ስርዓት ዝገብሮ ዘሎ ኣካይዳ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይኮነስ እንታይ ድኣ ኣብ መንጎ ዉልቀ መላኺ ልጅ ሃጸይ ኢሳይያስን ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይን ዘሎ ሕልሞም ከይዝረጎም ኢዩ ስግኣቶም። ሰለዚ ኩቡራት ኤርትራዊያን ነዚ ሑስርን ብላይን ሽጣርኦም ፍልስፍና ንዱያት “ንደመር በፍቅር ዓሰብ ልናቀር” ግን ሓድነትና ኢያ ናይ ዚኣ መፈንጠርያ። እታ ወቅታዊትን ጥንታዊትን ምስጢር ጽንዓት ዓወትና ዝኾነት ወሽጣዊት ሓድነትና ከም ዓረ ኣትሪና ናይ ግዳም ተጻባእቲ ድማ ብዓወት ንመክት።

እዚ ስርዓት ውልቀ መላኺ ልጅ ሃጸይ ኢሰያስ ሎሚ ኣብ 20 ሰነ ሕጂ`ውን እንተኾነ፡ ንሱ እንታይ ግዱ ኣይከሰርናን ኢሉ እንተ ኣህተፍተፈ ግን ይዋእ ድኣ እታ ዝተረፍት ኽፋል ስድራ ቤት እንበር፡ ዝናብዮም ሲኢኖም ተበታቲኖም ኣብ ሰድርኦም ተሰዊኦም ዘምጽዋ ሃገር መዕቆቢ ሲኢኖም ኣብ ፍቆዶ ስደት ብዘይ መንነት ኣብ እስራኤልን ካልእን ተደርብዮም ኣለው። ወለዶም ብጽምዲ እተሰውኡላ ሃገር ደቆምሲ ካብ ማእሰርቲ ዘምለጡ ድማ ኣብ ፍቆዶ ሰህራን ባሕርን ይጠፍኡ ኣለዉ። ሎሚ ካብኦም ሰንሊኮም ዝተረፉ፡ ኣብ ፍቆድኡ ተደርብየም ብፍላይ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ብዘይ ኣላይን መሰረታዊ ንጽህናዊ ክንክንን ቀረብ መድሃኒትን ስኢኖም ብዘስዓበሎም ረኽሲታት እናተሳቀዩ ይሓልፉ ኣለዉ። ብፍላይ እቶም “ሕንቃቀ” ኢዩ፡ ኣብ ገዝኦም ሰንበት ሰንበት በጊዕ ዘይተሓርደሎም ኢዮም ደልዮም” ዝተባህሉ ሱንኩላን ኣብ ቃኘው ን28 ዓመት ኣብ ኮንተነር ተደርብዮም ይርከቡ ኣለዉ። ኣብ ስርዓት ውልቀ መላኺ ልጅ ሃጸይ ኢሳይያስ “ካብ ሰፍኢ ዘቐበለስ ሰፍኢ ዝበለ” ነጊሱ፡ ንስንኩላን ተባሂሉ ኣብ ማይ ተመናይ እተሃንጸ ኣባይቲ ድማ ንወይጠታቱ ተዓዲሉ። ስንኩላትና ድማ ኣብ ኮንተነር ናይ ቃኛው ይበልዩ ኣለው። ሎሚ ድሕሪ እዚ ኹሉ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ጸይቂ ግፍዓዊ ስርዓት ውልቀ መላኺ ልጅ ሃጸይ ኢሳይያስ ይኣኽለና። ሎሚኸ እንታይ ክደግመና ድሕሪ 28 ዓመት ግፍዓዊ መግዛእታዊ ምልኪ። ህዝብናን ሃገርናን ፈጺሙ ካየጽነተና እንከሎ፡ ሃየ ሓቢርና ኣብዛ ናይ ዙር ፈንቅል መንእሰያት ወሎዶ፡ ሓደራኹም ኣይንኹን ሰብ ማዕዶ፡ ንሰናይ ተበግስኦም ነራጉዶ፡ ንምልካዊ ስርዓት ክንውግዶ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና
ዓወት ንደለይቲ ፍትሓዊ ስርዓት
ሰሎሞን ዮውሃንስ
23/06/2019

ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል፡    2ይ ክፋል፡


Share with friends:


See also past articles Mr. Solomon Yohannes.
ካልኦት ብ' ኣቶ ሰሎሞን ዮውሃንስ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: