ኩሎም መንገድታት ናብ ሮማ የብጽሑ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

16/08/2019 04:15 AM

”ኩሎም መንገድታት ናብ ሮማ የብጽሑ”
ኩሎም ተቓለስቲ ክኣ ናብ ይኣክል የምርሑ

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) - ነሓሰ 15/2019

ኩሎም መንገድታት ናብ ሮማ የብጽሑ

”ኩሎም መንገድታት ናብ ሮማ የብጽሑ” ኩሎም ተቓለስቲ ክኣ ናብ ይኣክል የምርሑ
ነሓሰ 15/2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

“ALL ROADS LEAD TO ROME - TUTTE LE STRADE PORTANO A ROMA” ቀደም ብ 1100 ዓ/ም ኩሎም መንገድታት ናብ ሮማ የምርሑ ወይ የብጽሑ ዝብል ኣበሃህላ ነይሩ። ብግዜ ግዝኣት ሮማ ሮማውያን ኣብ መሃንድስነት ብልጫ ነይሩዎም። ንሱ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዝሰርሕዎ መንገዲ ድልዱል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንኹሉ መንገድታት ካብ ሮማ ከም ዝብገስ ብምግባር፡ ከተማ ሮማ መማእከሊት ከም እትኸውን ጌሮም ሰሪሖማ። ሮማ ሕምብርቲ ከተማታት ግዝኣት ሃጸያዊት ሮም (Roman Empire) ነይራን ኣላን።

ከም ነጸብረቕታ ኣብ ሃገርና ኤርትራ እንተርኢናዮ: እተን ኣለዋ ዝብሃላ ከተማታትና፡ ኣብ ግዜ ግዝኣት ጥልያን ዝማዕበላ፡ ናብ ኣስመራ ከም ዘምርሓ ወይ ኣስመራ ‘ዝማእከለን ጌሮም ሰሪሖመን። እዚ ሓረግ’ዚ (idiom) ማለት ኩሎም መንገድታት ናብ ሮም የምርሑ (ALLROADS LEAD TO ROME) ዝብል፡ ተራ ትርጒም ጥራይ ዘለዎ ኣይኰነን። ሓረጋዊ ትርጒሙ፡ ማእከል ናይ ሓደ ነገር ማለት ኢዩ። መጀመርያ ነዚ ሓረግ’ዚ ዝተጠቕመሉ ወይ ዝበሎ፡ ፈረንሳዊ ኤለይን ደ ሊለ Alain de Lille ዝበሃል ፈረንሳዊ ናይ እምነት ስነ መጽናዕቲ ብዓል ሞያን ገጣማይን (Theologian and Poet) ኢዩ። ነዚ ሓረግ’ዚ፡ ኩሎም መትንታት ወይ ምንቅስቓሳት ኣብ ማእከል ናይ ሓደ ነገር የምርሑ ኣብ ዝብል ኣምር ክፈላሰፍ ከሎ’ዩ ተጠቒሙሉ።

ነዚ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ’ዚ ኣምጺአዮ ዘለኹ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ዘሎ ሃለዋት ንምምዛንን መርሓ-ገበይ (Road map) ናይ ኣገባብ ኣቀላልሳና ንምህንዳስን፡ ወይ ክኣ ንምእማትን ንኽሕግዘኒ ስለ ዝደለኹ ኢየ። ብርግጽ ሊለ Alain de Lille ዝበሎ ኣበሃህላ ኣዚዩ ጠቓሚ ወይ ኣገዳሲ ፍልስፍና ኢዩ። ዋላውን ኣብ ባዮሎጂካዊ ሂወትና እንተረኤና፡ ኩሎም መትንታት ናይ ደምና ናብ ልቢ የምርሑ ክንብል ከለና፡ ኣብ ክውንነት ኣቀላልሳና እንተድኣ ኣዛሚድናዮ፡ ማእከልና ኣበይ ከም ምዃኑ ሃሰስ ክንብል ኣመት ክህበና ዝኽእል መረዳእታ ኢዩ።

ኣብ ታሪኽና ምስ እንውከስ፡ መብዛሕትኡ ፍሽለትና፡ ማእከል ናይ ቃልሲ ስለዝጠፍኣና ኢዩ። ማእከል ናይ ቃልሲ እንተተሰዊሩካ ክትመርሕ ወይ ክትምራሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ጒዳይ፡ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝርከቦ፡ ሰሚርካ ምስራሕ እንተጠፊኡካ፡ ማእከል ናይ ስምረታዊ ኣሰራርሓ ጠፊኡካ’ሎ ማለት’ዩ። ኣሉታዊ መረዳእታ ክንጠቅስ እንተዀንና፡ ሕድ-ሕድ ኲናት፡ ማእከል ናይ ቃልሲ ወይ ሕምብርቲ ናይ ቃልሲ እንተጠፊኡካ ዘንጸባርቕ ተርእዮ ኢዩ። ኣወንታዊ መረዳእታ ክኣ፡ ሰሙር ግንባር ፈጢርካ ንጸላእትኻ ከተባርርን ንሃገርካ ክተማዕብልን ከለኻ ከም ናይ ዓወት ተርእዮ ክግለጽ ይክኣል።

ማእከል ናይ ቃልሲ፡ ብተመሳሳሊ ከም ጸሓይ ማእከል ናይ ሶላራዊ ስርዓት (Solar system) ኢልካ’ውን ከተዛምዶ ትኽእል ኢኻ፡፡ ኩሉ ማእከል ኣለዎ። ኣብ ተራ ናብራ ንስድራ-ቤት ዘማእክልዎ ኣቦን ኣደን ኢዮም። ንዓድታት ዘማእክልወን ዳኛታትን ሽማግለታትን ብዓቢኡ ክኣ ባይቶታት ዓድታትን ኢዮም። ንላዕሊ እንዳ ደየበ ኣብ ሃገር ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ክኣ፡ ነሃገር ዘማእክልዋ ባይቶ ሃገርን እቲ ባይቶ ዝህንድሶ ስርዓተ-ምሕደራን ሰነዳቱን ኢዩ። ማእከል ኣብ ክውንነት ቃልስና ዓቢ ወሳኒ ትርጒም ኣለዎ። ብዘይ ማእከል እንተድኣ ክንቃለስ ፈቲንና፡ ኣብታ ዘለናያ ዓንኬል ናይ ውደባ፡ ናይ ገዛእ ርእስና እሱራት ኰንና ንተርፍ።

ኤርትራውያን እቲ ንኹላትና ዘርብሓና ማእከል ናይ ቃልሲ ስለ ዘይረኸብናዮ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ከም እንበታተን ኰንና፡ ዝተረፍና ክኣ ኣብ ገዛእ ሃገርና እስረኛታት ኰንና ንርከብ። ኣብ ቃልሲ ንለውጢ፡ ማእከል ዘፈለጠ ይእከብ፡ ማእከል ዝጠፍኦ ክኣ ፋሕ ብትን ኢሉ ከም እንስሳ ይኽብከብ። In a struggle for change, if you loose the centre, you are in disarray and as a result you scatter. On the contrary, if you find the centre, you are in unison and as a result you gather.

ማእከል ምፍላጥ ኣብ ቃልሲ ሰፊሕ’ዩ ትርጒሙ። ንህልዊ ኲነታት ማለት ንወድዓዊ ከነታት፡ብግቡእ ምምዛንን፡ ምእዙዝ ናይቲ ዝተረዳእካዮ ኲነታት ምዃንን’ዩ። ስለምንታይ ኢዩ ኩሉ ግዜ ብሓባር ምስራሕ ምስማር ዝጠፍኣና ግን ክንምልሶ ክንበቅዕ ኣለና። ክንዝንግዖ ዘይግብኣና፡ ኣብ ኣእምሮና ክቕረጽ ዘለዎ ኣዚዩ ዓቢ ምኽንያት ኣሎ። ብዘይ ምኽንያት ክንበታተን፡ ናይ ገዛእ ገዛና እስረኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ምኽንያት ግን ብተገዳስነት ተመራሚርና ክንረኽቦ ግድን ክኸውን ኣለዎ።

እቲ ንማእከልና ክንረኽቦ ዘየኽኣለና ምኽንያት ክንረኽቦ እንተዘይክኢልና፡ ቃልሲ ተመኒዩና ናብ ቀቢጸ ተስፋ ኣቲና፡ እቲ ዝተረፈ ዕድልና ናብ ንብሰ-ቅትለት (suicidal commitment) ምስግጋር ኢዩ። እዚ ድማ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ብዙሕ ግዜ ዝርአ ኢዩ። ብሃገር ደረጃ ክኣ ተደፊርና ድሮ ኣብ ገምገም ጥፍኣተ-ሃገር ብምህላውና፡ ኲላትና ኣብ እንጽርጽሮት ንርከብ። እንታይ ኢዩ እቲ ምኽንያት እንታይከ’ዩ እቲ መልሲ?

እቲ ምኽንያት ክኣ ኩሉ ዓቕምታትና፡ ከም ውልቀ-ሰብ ኣብ ውልቀ ሃለዋትና፡ ከም ውድብ ወይ ከም ፓርቲ ክኣ፡ ኣብ ውልቀ ውድባትናን ፓርትታትናን ስለዝጽንቀቕ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ጸልማት ኣብ ናይ ብሕትውና ብዓቲ ተቐቢርና ስለ እንነብር’ዩ። “we are consumed on domestic issues” ስለ’ዚ ኢና ኣደዳ ገዛእቲ ሓይልታትን፡ ውሽጣውያን ይኹኑ ግዳማውያን መለኽትን፡ ግዲ-ኣልቦ ዝዀኑ መሽካዕለልትን ኰንና ክንሳቐ ንነብር።

እቲ ፍታሕ ነቲ ህልዊ ኲነታት ምፍላጥ፡ ምርዳእ፡ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ምምዕባል፡ ካብቲ ተኣሲርካሉ ዘለኻ ብሕቱው ብዓቲ ክኣ ምውጻእ’ዩ። ኣተሃላልዋና ብትኽክል እንተመዚንናዮ ኣንጻር ህልዊ፡ እዋናዊ ወይ ኣንጻር ወድዓዊ ኲነታት ኢዩ። ሓደ ኣንጻር ህልዊ ኲነታት ዝዀነ ውልቀ-ሰብ ይኹን ውድብ፡ ዝንጉዕ ማለት (Hackler) ስለዝዀነ ክከላበት ግድን’ዩ።

ሓደ ንህልዊ ኲነታት ብግቡእ ተረዲኡ ነብሱ ዝቕይር ግን፡ ንብዙሓት’ውን ናብ ለውጢ ክሰጋገሩ ክሕግዝ፡ ወይ ዓቢ ግደ ከበርክት ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ለውጢ ንብዙሓት ከምጽኣሎም ኢየ ኢልካ ላዕልን ታሕትን ምባል፡ እቲ ኣዚዩ ዝቐለለ ነብስኻ ምቕያር ወይ ኣብ ነብስኻ ለውጢ ከምዝርአ ምግባር’ዩ።

ሎሚ ብዙሓት ኣብ ታተ ናይ ነብስኻ ምቕያር ንርከብ ኣለና። ብዓቢኡ እቶም ቆራጻት ዘበሉ ሰብኣዮም ሰበይቶም ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ካብቲ ናይ ጸልማት ብዓቲ መላኺ ስርዓትን ዓሳክሩን ፈንጢሶም፡ ናብ ደምበ ቃልሲ ዝመጹ ዘለዉ ኢዩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዋላውን ኣብ ደምበ ናይ ቃልሲ ዝነበርና ነባራት ተቓለስቲ፡ ማእከል ናይ ቃልሲ ኣብ ግምት ብምእታው ነብሰ-ለውጢ ክንገብር ንጀማምር ኣለና።

ዓወትና ኣብ ነብሰ ምቕያር ዝሰረቱ ኰይኑ፡ ነቲ ራዕዲ መለኽቲ ኣብ ዝባንና ዝነበረ፡ ኣብ ዝባኖም ከም ዝምለስ ክንገብር ምስ እንበቅዕ፡ እቲ “ኲርማጅሲ ሃሪማ ተእዊ” ዝብል ምስላ፡ ምስላና ክኸውን ኢዩ። ነዚ ራዕዲ ክንቅይሮ እንተዘይ ክኢልና ግን፡ ጸላእትና ከም ውጽኢት ስንፍናና፡ ነዚ ምስላ ተጠቒሞም ኣብ ዝባንና ምሽክዕላል ክቕጽሉ ኢዮም።

እምብኣር ነብሰ-ለውጢ፡ ኣብ መስርሕ ናይ ቃልሲ ፖለቲካዊ ትርጒሙ፡ ማለት ኣብ ክውንነትና ክንርእዮ ከለና፡ ነቲ ምልካዊ ራዕዲ ኣብ ህዝብና ዝነበረ፡ ነጥበ መቐይሮ ዝፈጥረሉ ስለዝዀነ። እንሆ ክኣ ሎሚ እቲ ራዕዲ ናብ ካንሸሎ ናይ መለኽቲ የድህብ ብምህለዉ፡ ተቓወምቲ ደረቶም ነፊሖም መንእሰይ ኣምሪሖም ንኸተማታት፡ ብህዝባዊ ተቓውሞታት ከዕለቕልቕዎ ከለዉ ንርኢ’ለና፡ መለኽትን ኰራኲሮምን ክኣ ተሸቝሪሮም ብሕብእብእ፡ ኣብ ምልካዊ ገዳማት፡ ርእሶም ኣድኒኖም ዘይምልከቶም ብዓላት ብሕፍረት የብዕሉ ኣለዉ።

ነብሰ-ምቕያር ግን ብድልየት ጥራይ ዘንጸባርቕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ብድልየት ሰላማዊ ናብራ፡ ነጻነት፡ ሰላም፡ ክንናፍቕ ንኽእል ኢና፡ ድሌት ግን ማለት (Desire) እቲ እትትምነዮ ናፍቖትን ሰላምን ፍቕርን ዘይኰነስ፡ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ተግባራዊ ናብራ ወይ ዝጭበጥ ሂወት’ዩ።

ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ህዝብና ክከሓስ እንተድኣ ኰይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ነብሰ-ምቕያር ክገብር ዝግብኦ፡ እቲ ከይተወደብካ ቃልሲ ኣይዕወትን ኢዩ ዝብል ክለሳ ሓሳብ ሒዙ ዘሎ፡ ውድባት ደምበ ተቓውሞ ማእከሉ ምስዝፈልጥ ኢዩ። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለና፡ ፈቲና ጸሊእና፡ ማእከል ናይ ቃልስና ድማ፡ እዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መንእሰይ ነብሪ ጎልጎል ኤርትራ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ምዃኑ ከለልያ እንተኽኢለን ጥራይ ኢዩ።

ነዚ ህዝባዊ መንቅስቓስ’ዚ ብሕጽረታቱ ኣመኽንየን ዕጥይጥይ ክብላ እንተዀይነን ግን፡ ኣብ ሓደ ሕጂ ዘይተጋህደ፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና ተፈቲንና ዝሰዓርናዮ፡ ትሕተ ባይታዊ ጥልዕ ጒብስ፡ ከም እንደገና ኣብ ፈተና ምእታው ከጋጥም ስለዝኽእል፡ ስቓይ ህዝብና ከም ዝናዋሕ ዝገብር ሓደገኛ መስኮት ከድዓት ክኽፈት ይኽእል ኢዩ። ዞናውን ዓለም-ለኻውን ማሕለኻታት ጥልመት፡ ከም ቀደሙን ከም ኣመሉን፡ ንድኽመትና ኣብ ረብሕኡ ንምውዓል፡ የንጸላልወና ከም ዘሎ ክዝንጋዕ የብሉን። “ተባዕ ኣይሞተ፡ ፈራህ ኣይሞተ፡ ላንግላንጋ ሞተ” ከምዝብሃል፡ ኣብ ሓደገኛ ገምገም ጸድፊ ኣብ ላንግ-ላንጋ ተንጠልጢለና ከይንተርፍ ክንጥንቀቕ ይግብኣና።

እቲ ምስጢር ኣበይ ትነብር ዘይኰነስ፡ ከመይ ትነብር’ዩ፡ ሕማቕ ናብራ ደቅና፡ ኣብ ቅድሜና እግሪ እግርና ኣርኪቡ፡ ከም ውጽኢት ሕመቕና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ስለዘለና፡ ብቕሳነት ክንነብር ንኽእለሉ ኲነታት ኣይኰነን። ብትኽክል ሃገርና ነፍቅራ እንተድኣ ኰንና፡ ንደቅና ከነፍቅር ይግብኣና። ንቃልሲ ደቅኻ ምቍንጻብ ኣብ’ዚ ወለዶ ናትና ክጅመር የብሉን። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረት ዓጢቕና ክንጋደል፡ ክንከላበት፡ ክንጠሚ ክንጸምእ ምስርኣዩ፡ ቀዳሞት ኣቦታትናን አዴታትናን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ ኩሎም የለዉን፡ ዋይ ደቀይ! ንሕና እንዲና ለኪመናኩም ብማለት ኣብ ጎንና ተሰሊፎም ተቓሊሶም ግዳማዊ ጸላኢ ከምዝባረር ጌሮም’ዮም። ውሽጣዊ ኣባይ ከም እንወልደሎም ስለዘይፈለጡ ግን፡ ብዒሕታ ዳርጋ ኩሎም ተፋንዮም።

ሕጂ ምስ ደቅና ደው ንበል፡ ማእከል ናይ ቃልሲ ይኣክል ተላዒሉ’ሎ። እዚ ዕድል እዚ ኣብ ክውንነትና ተተምኒኻ ዘይትረኽቦ ተርእዮ ኢዩ። ምስ ይኣክል ዓጢቕና ዋላ ብምርኲስ ኣኣብ ዘለናዮ ከተማ ደው ንበል። እቲ ኹሉ ዝተረፈ ይኣክል ባዕሉ ክገባድዶ ኢዩ። ሃገርና ብውሽጢ ኣዚያ ተጨቍና ስለዘላ፡ ምሒር ጭቆና ዓቕሊ ዘግብር ስለ ዘይኰነ፡ ኣብ ጥጅእ ናይ ለውጢ ትርከብ ኣላ። ኣብ ግዳም ዘለና ግዴና ክንዲ ምግባር፡ ግዜና ኣብ ጥልዕ-ጒብስ እንተሕሊፍናዮ ግን፡ እቲ ውሽጣዊ መስርሕ ኣሻዂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ፡ ብኣጋባብ ኣቃላልሳና ዕጉባት ክዀኑ ኣይክእሉን’ዮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንተ ተቐየሙና’ውን ሃለዋትና ዝምስክሮ ወድዓዊ ሓቂ ኢዩ።

ግዜ እንዳኣባኸንና እንተድኣ ኬድና፡ ናይ መጀመርያ ዝነበረ ፍቕሪ ሃገርና፡ ዘልኣለማዊ ክኸውን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ዋላ’ውን ኣብ ሂወት ውልቀ-ሰባት፡ ከምቲ ኣብ ገለ ጽሑፋት ዝርከብ፡ ናይ መጀመርያ ፍቕርኻ ነባሪ ዘይክኸውን ይኽእል ኢዩ፡ መጀመርያ እተፍቅሮ ወይ እተፍቅራ፡ ግዜ ብዝወልዶ ምኽንያት፡ ዝነበረ ክበንን ዘይነበረ ክመጽእ ይርአ’ዩ። ብሃገር ደረጃ ክንርእዮ ከለና፡ ንዓና’ውን ይቀላቐለና ኣሎ። ምጽማም ክንስእን ከለናን፡ ተስፋ ኣብ ዝርሕቀናን፡ እንታይዶ ክተገብረልና ኢያ ኤርትራ ምባል፡ እንዳ ተኣታተወና ይኸይድ ኣሎ። ንመለሳ ኣይንመለሳ ብዘየገድስ፡ ሰላማዊትን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ እንተ ተፈጢራ፡ ንዓና ኣብ ዘለና ንሃሉ ኲርዓትናን ሓበንናን ኢያ።

ካብ ደቂ’ዛ ድኻ ሃገር፡ ደቂ’ዛ ሃብታም ሃገር፡ ካብ ደቂ’ዛ ድሕርቲ ሃገር፡ ደቂ’ዛ ምዕብልቲ ሃገር ክትብሃልን፡ ብሓበን ክትግለጽ ከለኻን ብቐሊል ዝርከብ መንፈሳዊ ዕግበት ኣይኰነን። ካብ ርሑቕ ይኹን ካብ ቀረባ፡ ንህዝብኻን መበቆልካን ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ክትርእዮም ከለኻ፡ ከም ውጽኢት ቃልሲ’ምበር ብጥራዩ ዝርከብ ስለዘይኰነ፡ ኣብ ዘለኻ ሃሉ ኣመት ቃልሲ ምግባር ብፍላይ ንህዝብኻ፡ ብሓፈሻ ክኣ ንኹሉ ውጹዕ ህዝቢ ዓለም ነብሰ ዕግበትን መንፈሳዊ ርውየትን ምዃኑ ክንፈልጥ ይግብኣና።

በዚ ምኽንያት እዚ ኢየ ክኣ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሕጽረታት ተመኲሮ ቃልስና ብምዝካር፡ ምኣዝን ቃልስና ብምፍታሽ፡ ብግቡእ ንህልዊ ኲነታት ብምግምጋም፡ ማእከል ናይ ቃልስና ብምልላይ፡ ነብስናን ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን ምእንቲ ክንበቅዕ፡ ከምቲ ኹሉ ምንገድታት ናብ ሮማ ዘበጽሑ፡ ኩሎም ተቓለስቲ ክኣ ናብ ይኣክል የምርሑ ክብል ከም ኣርእስቲ ዝመረጽክዎ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ መንእሰይ ነብሪ ጎልጎል ኤርትራ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ስለዝኣምን፡ ድሕሪ ኹሉ ቍጽሪ ዘይብሉ ታሪኻዊ ማሕለኻታት፡ ከምቲ ኣመንቲ ሃይማኖት ንመራሕቲ እምነቶም ኢዶም ዝህቡ፡ ኣነ ክኣ ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ነብሪ ጎልጎል ኤርትራ፡ ብዘይ ዕጥይ-ጥይ ደው ክብል፡ ኣበዚ ተሪር መገሽኡ ክተሓባበር ኢደይ ሂበ ኣለኹ:: I surrender all to the Yiakil mass movement. ተሰዲድና ክንምለስ ኢና። ክንምለስ ከለና ግን ከምቲ ሰንኮፋት ማእከል ናይ ቃልሲ ዝተሰወሮም፡ እሳያስ ናብ ልቡ ክምለሰሎም’ሞ፡ ብዋጋ ብርሰት ህዝቢ ኤርትራ ክላዘብዎ ኣብ ምንቡሃቝ ዝርከቡ ዘለዉን ዝነበሩን ዘይኰነስ፡ ኣብ ርእሲ ስርዓት ምልኪ እምነተይ ካብ ሱሩ ምምንቋስ ኰይኑ፡ ምስ ይኣክል ክሳዕ መወዳእታ ክቕጽሎ ኢየ።

ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ይትረር ይፍኰስ ክቃለስ ምውሳነይ ክኣ፡ ንእምነተይ ልበይ ዝዓርፈሉ ማእከል ናይ ቃልሲ ብምዃኑ ኢዩ። ኣብዚ ጒዕዞ’ዚ ዓበይቲ፡ ነባራት ይንጸሉ ኣለዉ ዝብል ሰላዕ-በጣዕ መዝማዚ በታኒ ናይ ዓያሹ ኣዘራርባ ቦታ የብሉን። ዓበይቲ ነባራት ነብሶም ባዕሎም ክንጽልዋ እንተደልዮም ግን፡ ናይ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፡ ናይ ብሕተውንኦም እሱራት ብምዃኖም ጥራይ ኢዩ። ኣነ ዓቢ ኢየ፡ ከምዘይ ተነጸልኩ ስለዝኣምን ክኣ እንሆ ምስ ደቀይ ደው ክክብል ከለኹ መርሓባ ጸኒሑኒ። ኩሉ ከም ምርጫኻ ኢዩ። ምርጫና እንተ ኣመዓራረና ናዓና ይሕሸና።

ብዝዀነ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ናብታ ዝናፍቓ ሕንቕንቕ እትብሎ ሃገሩ ክምለስ’ዩ። ምስ ኣብ ውሽጢ ዝሳቐዩ ዘለዉ ደቂ ሃገሩ ክኣ ክራኸብ’ዩ። ንስደት ከም ኣለዳ ክወስዶ ኢዩ። ኣለዳ ኢዩ ወፊሩ ዘሎ፡ ኣለዳ ክኣ ምምላስ ኣለዎ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ፡ ሕንቕንቕ ኢሉኒ ትብል ድርሰት ደሪሰ፡ ባርካ ከለና፡ ወፊርና ክንምለስ ምዃና እተመልክት ብ 1975 ኣብ ሩባ ሆሚብ ዝደረስኩዋ፡ ሓንቲ ጥቒሲ ካብኣ ጠቒሰ፡ ሕጂ ክኣ ክንምለስ ምዃንና ንምሕባር፡ ንምለስ ደኾን ንኸውን? ከመይ ዘይንምለስ ብእትብል ግጥመይ ከሳዕ እንደገና እንራኸብ ክፋነወኩም ኢየ።

ሕንቕንቕ ኢሉኒ
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) 1975

ሕንቕንቕ ኢሉኒ ንኽዝክረካ
ጠሊመካ ድየ ንስኻ ርሒቕካ

ኣሓና ክወፍራ ወጋሕታ ኣለዳ
ሮማዲ ክበልዓ ፋሕ ኢለን ኣብ ሜዳ
ገዛ ይምለሳ እንዳበላ እምባሕ
ሰቲኻ ዘይውዳእ ክንሕንፍፎ ብራሕ

ነቶም መሬቶም ብህደፍ ዝተመንዝዐ ናብራ ሰብ ጥሪት ኤርትራውያን ንኽትፈልጡ
ዕድል ዘይረኸብኩም፡ ኣለዳ ማለት ኣሓ ንጒሆ ወጋሕታ ወፊረን ሳዕሪ ጸጊበን ንገዛ ተመሊሰን
ክሕለባ ከለዋ ኢዩ። ንሰን ይጸግባ፡ ጸጊበን ክኣ የጽግባኻ ማለት ኢዩ።

ሕጂኸ ከምቲ ናይ ቀደምና ተቓሊስና ተዓዊትና ንምለስ ደኾን ንኸውን?

ከመይ ዘይንምለስ! ምምላስ ’ተበሉኹምከ! እመብኣር ክንምለስ ኢና እትብል
ምሰ ገለ ጽገና ናይ ጥሪ 01/2014 እንሆ’ሞ ብጽሞና ክትሰምዑኒ ክኣ እላበወኩም።



ከንምለስ ኢና
ጥሪ 01/2014 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ከመይ ዘይንምለስ፡ ምምላስ ’ተበሉኹምከ!

ከመይ ዘይንምለስ እንዳበልና ዕሰል
ስመር ጭርሖና ንቃለስ ንመሰል
ንኽእሎ’ኮ ኢና ከመይ ዘይንምለስ
ኣይ ጀጋኑ’ንዲና ደቂ ጥዑም ምለስ

ሰብ ኣደራሽ ኢና ሰብ መደበ ንእዲ
ዝባን ሕጊ ልምዶም ኣብ ኣሬባ ዓዲ
ክንወፍር ንግሆት ንተዓናጋገል
ክንምለስ ምስዮት ማዕጺድ ንቀባበል

ከመይ ዘይንምለስ፡ ምምላስ ’ተበልኹም ከታ!

ተመሊስና ’ንዲና ርኢናየን ኩለን
ተቐቢለናና ሕምባሻ ጽላለን
እወ ተመሊስና ርኢናዮም ኩሎም
ተቐቢሎሙና ምርቓ ልሳኖም

መኪትና ኣቲና ወላድ ተሓጒሳ
ይኣኽለና ’ልናዮ ናይ ጠያይት ቃርሳ
ንዓዲ መሪሽና ኣባይና ሰምቢዱ
ኣፍ ልቢ ሃሪምና ኰበሮ ውሒዱ

ከመይ ማለት ኣታ! ከመይ ዘይንምለስ፡ ምምላስ ’ተበሉኹምከ!

ዓቝረዮ ነይረ ወነይ ተላዒሉ
ኣይተባህልን ድዩ’ታ እምብልታ ’ቐብሉ
ተመሊሱ ’ንድዩ’ታ ዕርድታት ኣፍሪሱ
ጅግና ኤርትራዊ ባንዴራ ደበሱ

ከመይ ዘይንምለስ ደቂ መርሽ ክተት
ለሚድናዮ ’ንዲና ተጋዲልካ ዓወት
እንተዘንጊዕኩሞ ደብተርና ገንጽሉ
ዓይኒ ’ንተጠሊሙ ኣንብቡለይ በሉ

ኣይዞ ጎበዝ ዝልማዱ፡ ከመይ ዘይምለስ ኣታ!

ዘበንያ ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ ኰይኑ
ሰብ ኪዳን ጥራዮም ከዳዕ ተኸድኑ
ቀላጽም ጀጋኑ ዓለም ዘመስከረ
ምስ ደሙ’ኮ’ለና ዘይተሓጽበ ስረ

ኣለዋ’ኮ ዴታት ስንቂ ዘቐበላ
ተጋጊኹም ህግደፍ ኣይፋልኩምን ዝብላ
ኣለዉ’ኮ ‘ቦታት ብሴፍ ዝደበሉ
ህግደፍ ጠሊሙዎም ምሃይኦም ኣሉ

እዚ ኹሉ ተኸፊሉ፡ ከመይ ዘይንምለስ ኣታ!

ኰረሻ ጌርካዮ ዝባን መንእሰያት
ህግደፍ ዓመጸኛ መኻዚኖ ሓጥያት
ከመይ ዘይንምለስ ደቂ ነብሪ ‘ናብስ
ሰለም ስኢናዮስ ንስኻ ክትድቅስ!

ብቕልጽም ንቃለስ ብሕጊ ንፈርድ
ደይብና ጸኒሕና ብሰላም ንወርድ
ህግደፍ ደምሲስካዮ ’ቲ ዝነበረና
ብዙሓት ከለና ሒደት ተመዝንና

ንምለስ’ምበር፡ ሕማቕ’ኳ ዝምለስ! ኣይዞ ጎበዝ ከመይ ማለት!

ተመሊስና ’ንዲና መንበር ዓዲልናካ
ደቂ ገርሂ ልባ ዓያሹ ረኺብካ
ታሪኽ ገናጺልና ኩሉ ረኺብናዮ
ውሻጠ ናይ ዲያብሎስ ተመኲሮ ዋህዮ

ደጊም! ካርሸሊ ንዓኹም ንዓና ዳስ ፍቕሪ
ከስዐ ተቓለስቲ ንሱ’ያ ትፈሪ
ኣብኣ ትጸንሓኩም ዓንቀፍቲ ታሪኽና
ክንደይ ከይሰደኩም ውሕጅ ደም ህዝብና

ኣይንምለስን ደሞ? ብዓጀባ ኤዩ’ምበር

ከመይ ዘይንምለስ ጀጋኑ ወሊድና
ሕንቕንቕ ናይ ሃገር ኣበይ ክሰደና
ኣለዳ እንድኣላ ወፊራ በረኻ
ክትራኸብ’ያ ላም ክትልሕስ ምራኻ

ምእንቲ ነጻነት ዓጽሚ ተኸስኪሱ
ምእንቲ ሓርነት ደም አዳም ፈሲሱ
ምዓንጥኡ ሆየ ተስእ ተበራበር
እንታይ ስራሕ ኣለካ ክትምለስ ኢኻ’ምበር!!!

ዘይምለስ ዘይቃለስ ጥራይ ኢዩ። ኣነ’ውን ክምለሰኩም’የ’ሞ ክሳዕ ዝምለስ ሰናይ ቅነ።

ረድኢ ክፍለ (በሻይ)


Share with friends:

See also recent Articles by Redi Kifle ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ’ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) (Snitna Archives):-


ኩሎም መንገድታት ናብ ሮማ የብጽሑ፡ ኩሎም ተቓለስቲ ክኣ ናብ ይኣክል የምርሑ by Redi Kifle Bashay (Snitna 16-Aug-2019)

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: