Eritrea Symposium 2021 - by Eri-Platform

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

11/09/2021 19:41 PM Updated

ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2021፡
ምሕያል ተግባራዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኣብ ለውጥን ደምክራስያዊ ስግግርን
Eritrea Symposium 2021:
Strengthening the People’s Agency in Democratic Change
منتدى ارتریا 2021 تعزیز القدرات العملیة للشعب على تحقیق التغییر والانتقال الدیمقراطي
Organised by Eri-Platform,
Brussels, Belgium: 27-29 August 2021


ERITREA SYMPOSIUM 2021


ኤሪ-ፕላትፎርም (Eri-Platform)፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት (20182019 ከምኡ`ውን 2020) ዘካየዶም መጽናዕታዊ ዓውዲ-ዘተታት፡ ሕጂ`ውን ካብ 27-29 August 2021: ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2021 (Eritrea Symposium 2021)፡ ኣብ Brussels, Belgium ኣሰላሲሉ ኣሎ።

ኤሪ-ፕላትፎርም፡ ሓደ መጋባእያ ናይ፦ ኣብ ንኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዚትንክፉ ወይ ዚጸልዉ ኣገደስቲ ሃገራዊ፡ ዞባዊ ኰነ ኣህጕራዊ ጕዳያትን ፍጻሜታትን ሓቛፊ ዝርርብ ዘሳልጥ፡ ኣህጕራዊ ዘይ-መኽሰባዊ ማሕበር ኢዩ። ዕላምኡ ድማ፦ ተነጣጠፍቲ ዳያስፖራ፡ ከም ሓደ ኣገዳሲ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ መጠን፡ ኣብ መስርሓት ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን፡ ኣቀላጣፍን ደጋፍን ተራ ኪጻወቱ ንክኽእሉ ምትብባዕን ምድጋፍን ኢዩ። ብቀጻሊ ተሳትፎኦም ከኣ፡ ነቲ ምእንቲ ለውጢ ዚካየድ ጻዕሪ ኪምልእን፡ ኣብታ ፍትውቲ ሃገሮም ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ምምጻእ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ኪገብሩን ንክኽእሉ ኢዩ።

ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2021 ኣብ ሓሙሽተ ቴማዊ ፓነላት ከተኵር ኢዩ፦

ናይ ሕጂ ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2021 (Brussels, Belgium: 27-29 August 2021): ኣብ ሓሙሽተ ቴማዊ ፓነላት ኣተኲሩ ኢዩ ዘትዩ። ነፍሲ ወከፍ ፓነል፡ ብሓደ ኣላዛብን ክልተ መደርትን ዚተወደበ ኢዩ። ደድሕሪኡ ናጻ ክፉት ዘተ ተኻይዱሉ። ዝርዝራቱ፡ ኣብ ታሕቲ ስዒቡ እነሆ፦

ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2021
ምሕያል ተግባራዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኣብ ለውጥን ደምክራስያዊ ስግግርን
ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
Eritrea Symposium 2021
Keynote Address
Strengthening the People’s Agency in Democratic Change
Amb. Andebrhan Welde Giorgis
منتدى ارتریا 2021 تعزیز القدرات العملیة للشعب على تحقیق التغییر والانتقال الدیمقراطي

Read in PDF ብጽሑፍ ንምንባብ اقرأ بصيغة PDF:
Tigrinya:     Arabic:     English:


Eritrea Symposium 2021 - Highlights


ፓነል 1፡ ገምጋም እዋናዊ ኵነታት ኤርትራን ዞባን፤ Assessing the Current Situation in Eritrea and the Region
- ክፋል 1 Session 1:
ብዛዕባ እዋናዊ ኵነታት ኤርትራን ዞባናን፣ The Current Situation in Eritrea and the Region;
- ክፋል 2 Session 2:
ብዛዕባ እቲ ዚምዕብል ዘሎ ጀኦፖለቲካዊ ኵነታት፣ ዚዝቲ። The Emerging Geopolitical Reality.

ፓነል 2፡ ቃልሲ ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ዘመነ ሓሶትን ዘይሓቅነትን፤ Struggling for Justice and Democracy in the Age of Falsehood and Unreality.
- ክፋል 1 Session 1:
ብዛዕባ ሓበሬታ ብመንጽር ፕሮፓጋንዳ፦ ምምማይ ክዉንን ፈጠራን፣ Information vs. Propaganda: Sifting Fact and Fiction;
- ክፋል 2 Session 2:
ብዛዕባ ሓድሽ ሚድያ፡ ኣሃዛዊ (ዲጂታል) ዳያስፖራን ፖለቲካዊ ተነጣጣፍነትን፣ ዚዝቲ። New Media, Digital Diaspora, and Political Activism።

ፓነል 3፡ ምሕያል ተግባራዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኣብ ደሞክራስያዊ ለውጢ፤ Strengthening the People’s Agency in Democratic Change.
- ክፋል 1 Session 1:
ብዛዕባ ውሽጣዊ ደረኽቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ Internal Drivers of Democratic Change;
- ክፋል 2 Session 2:
ብዛዕባ ግዳማዊ ኣቀላጠፍቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ዚዝቲ። External Catalysts of Democratic Change.

ፓነል 4፡ እዋናዊ ብድሆታት ኤርትራዊ ተቓውሞ ኣብ ዳያስፖራ፤ Current Challenges Facing the Eritrean Diaspora Opposition.
- ክፋል 1 Session 1:
ብዛዕባ ተወዳደርቲ ኣረኣእያታት ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ፣ Contending Views of Eritrea’s National Interest;
- ክፋል 2 Session 2:
ብዛዕባ ልዑላውነት ከም ሃገርን ከም ህዝብን፣ ዚዝቲ። Sovereignty as a State and as a People.

ፓነል 5፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘቃላጥፍ ጥርናፈ፤ Coalescing to Catalyse Democratic Change.
- ክፋል 1 Session 1:
ብዛዕባ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘቃላጥፍ ጥርናፈ፣ Coalescing to Catalyse Democratic Change;
- ክፋል 2 Session 2:
ብዛዕባ ምህናጽ ሃገራዊ ማዕከን ዜና ወይ ሚድያ፣ ዚዝቲ። Building a National Media Outlet.


Share with friends:


ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2021
Eritrea Symposium 2021
View Full List of Symposium 2021 Videos ሙልእ ዝርዝራት ናይቲ ሲምፖዝዩም 2021

● View Full List of Symposium 2021 Videos ሙልእ ዝርዝራት ናይቲ ሲምፖዝዩም 2021 ብቪድዮ ንምዕዛብ፡- here ኣብዚ ጠውቑ።


● Also visit, Eri-Platform Website ናብ ወብሳይት Eri-Platform ንምብጻሕ፡- Click here ኣብዚ ጠውቑ።


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: