ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣመሪካ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

12/02/2020 22:25 PM

ጋዜጣዊ መግለጺ
ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣመሪካ

بيان صحفي
مؤتمر المرأة الإرترية في أمريكا الشمالية

Eritrean Women Conference
Washington-DC: Press Release

February 2020

Eritrean Women Conference Washington-DC

ጋዜጣዊ መግለጺ
ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣመሪካ

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ንህላዌኣ ዝደናደን ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ካብ - ይኣክል ናብ ይከኣል - ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፣ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኩሉ ክፍለ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ዝተሳተፈኦ ፣ ካብ 8 – 9 ለካቲት 2020 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዕዉት ዋዕላ ኣካይደና።

ኣብዚ ዋዕላዚ ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ነብስና ወዲብና ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብና ልዑል ተራ ክንጻወት ወሲና። ነዚ ውሳኔ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፣ ብወለንተአን ኣወሃሃድቲ ክኾና ፍቓደኛታት ዝኽና ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ፣ ነቲ ናይ ነብሰ ውደባ መስርሕ ክጅምርኦ ተወሲኑ። ተሳተፍቲ ዋዕላ ነናብ ቦታና ተመሊስና፣ ናይ ከባቢና ደቂ ኣንስትዮ ክንጥርነፍን፣ ጥርናፈና ከነሐይልን፣ ወከልትና ክንመርጽን፣ ናይ ከተማታትና ወከልቲ ብምልኣኽ ናይ ኩለን ከተማታት ወከልቲ ዘሳተፈ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ጥርናፈ ክንፈጥር ወሲና።

ከምኡውን፣ ታሪኻዊ ዋዕላ ኤርትራውያና ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪክ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕሊፍና፦

1. ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኣቱን እዩ ፣
2. ዶብና መጣልዒ ውልቀ-መላኺ ስለዘይኮነ ፣ ብቕጽበት ክሕንጸጽ፣
3. ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ብህጹጽ ክፍትሑ፣
4. ሃገርና ብቅዋምን ልዕልና-ሕግን ክትመሓደር እምበር፣ ብውልቀሰብ ክትምራሕ ኣይነፍቅድን፣
5. ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ክብል ንጽውዕ፣
6. ህዝቢ ኤርትራ ነዲሩ ዝጀመሮ ናይ ይኣክል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክቕጽልን ኩሉ ህዝቢ ክሳተፎን ንጽውዕ፣
7. ምእንቲ ፍትሒ ዝቃልሱ ሓይልታት ተቓውሞ፣ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ወዲቑሉ ኣብ ዘሎ ህሞት ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ሓደ ኢድ ኮይኖም ክሰርሑ ተደላይነቱ ህጹጽ ስለዝኾነ፣ ሓቢሮም ክሰርሑ ንጽውዕ፣
8. እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ነመላኺ ስርዓት ዘገልግላ ደቂ ኣንስትዮ ምሳና ተጸንቢረን፣ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክቃለሳ ንጽውዕ፣
9. ኣብ ምእንቲ ፍትሕን ሓርነትን ዝካየድ ቃልሲ ህዝብናን፣ ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ኣተኵርና ክንቃልሰ ኢና፣
10. ሞያውያን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን በብሞያኦም ተራኺቦም፣ ኣብ ግዚ ውድቀት ህግደፍ ሃገርና ንምህናጽ ዝገብርዎ ምድላዋትን ተበግሶታትን ንድግፍን ነተባብዕን።
11. ምልካዊ ጉጅለ ህዝቢ ክኸፋፍል ዝጥቀሙሉ ሜላታትን ሽርሕታትን ክንነቕሓሉን፣ ኣብ ክንዲ ተመቓቒልና መፍቶቱ ንኸውን፣ ነቲ ሰራም ከፋፋሊን መቓቓሊን ስልትታቱን ሽርሕታቱን ብስሙር ድምጺ ክንነጽጎን ክነፍሽሎን ንጽውዕ።

ነጻን ልዑልዊትን ኤርትራ ንዘለዓለም ትንበር
ንጡፍ ግደን ሓይልን ደቂ ኣንስትዮ ንፍትሒ ሓርነትን ይዓምብብ
ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና

ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪካ
10 ለካቲት 2020

Read in PDF ብ PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ



بيان صحفي
مؤتمر المرأة الإرترية في أمريكا الشمالية

في الوقت الحرج الذي يمثل فيه تهديد كبير لوجود إريتريا ، ، عقدت المرأة الإرترية مؤتمرا للمرأة في الفترة من 8 إلى 9 فبراير في واشنطن العاصمة. تحت شعار - كفاية ونعم نستطيع -حضر المؤتمر نساء إريتريات من جميع مناطق أمريكا وكندا.

في هذه المؤتمر ، قررت المرأة الإرترية تنظيم نفسها والمشاركة والقيام بدور فعال في الكفاح الإريتري من أجل العدالة والحرية. لهذا الغرض ، تطوعت 8 نساء لبدء عملية التنظيم. من جانبهم ، قرر المشاركون تنظيم النساء في مدنهم ، وانتخاب ممثليهم. وإرسال ممثليهم لتنظيم على مستوى أمريكا الشمالية.

علاوة على ذلك ، قرر المؤتمر ما يلي:

1. لن يتم العبث بسيادة إرتريا أو المساس بها.

2. لأن الحدود الإرترية ليست أداة قمار للديكتاتور ، يجب أن يتم ترسيمها بشكل عاجل.

3. الإفراج فوراً عن جميع السجناء السياسيين وسجناء الرأي.

4. يجب أن تدار بلدنا عن طريق الدستور وسيادة القانون ، وليس عن طريق حكم الفرد.

5. نناشد قوات الدفاع الإرترية الوقوف مع شعبها من أجل شعبهم وأمتهم.

6. ندعو جميع الإرتريين للانضمام إلى الحركة الشعبية لياقل كيفيا التي بدأت من غضب الشعب.

7. في الوقت الذي تتعرض فيه سيادتنا للخطر ، فإن وحدة قوى المعارضة التي تناضل من أجل العدالة
أمر ملح ؛ لذلك ، ندعو جميع قوى المعارضة إلى الاتحاد والعمل معا.

8. ندعو الإرتريين الذين يدعمون النظام الديكتاتوري دون علم أو بعلم.

9. سنركز جهودنا على نضال شعبنا من أجل العدالة وحقوق المرأة الإرترية

10. نشجع النساء المهنيات الإرتريات والرجال الإرتريين المهنيين على مواصلة الإعداد
والمبادرات في مجالات تخصصهم لبناء الأمة بعد زوال النظام الديكتاتوري.

11. نناشد جميع أبناء شعبنا أن يكونوا على دراية بسياسات النظام الخاصة بالانقسام والتفكك
وإدانة جميع مخططات النظام التي تؤدي إلى تقسيم شعبنا.

عاشت السيادة الإرترية واستقلالها
تزدهر دور المرأة الإرترية وطاقتها النشطة من أجل العدالة والحرية
المجد لشهدائنا الأبطال

مؤتمر المرأة الإريترية أمريكا الشمالية
10 فبراير 2020

Read in PDF قراءة في PDF  انقر هنا



Share with friends:


ERISAT: ሪፖርታጅ ዋዕላ አርትራዊያን ደቅኣንስትዮ 8 ለካቲት ዋሽንግቶን ዲሲ (Reportage)


ERISAT: ናይ3 ደቒቕ መሳጢ ስእላዊ መግለጺ ውዕሎ ደቂ ኣንስትዮ ዲሲ።


ERISAT: ዋዕላ ደቀንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲ 08 ለካቲት 2020 1ይ ክፋል

Video-1   Video-2   Video-3   Video-4  


ERISAT: ዋዕላ ደቀንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲ 08 ለካቲት 2020 2ይ ክፋል


ERISAT: ዋዕላ ደቀንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲ 08 ለካቲት 2020 3ይ ክፋል


ERISAT: ዋዕላ ደቀንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲ 08 ለካቲት 2020 4ይ ክፋል
Coming together, the importance of diversity, inclusion and Solidarity
(Presentation by Eng. Kawser Abdurahman)


ERISAT: ዋዕላ ደቀንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲ 08 ለካቲት 2020 5ይ ክፋል
Discussion ዘተ


ERISAT: ዋዕላ ደቀንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲ 08 ለካቲት 2020 6ይ ክፋል


ATV: መልእኽቲ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ብዛዕባ ዋዕላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ

Video-1   Video-2   Video-3   Video-4   Video-5   Video-6  


SNITNA: መልእኽቲ ተጋዳሊት ማና ሙሴ፡ ኣብ ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣመሪካ፡ ዋሽንግቶን ዲሲ: 08 Feb 2020

Video-1   Video-2   Video-3   Video-4   Video-5   Video-6  


ምስክርነት፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ዝወዓለ ታንከኛ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ተኽለ፡
What an honor it was to have Ato Fesahaye at the women’s event.
Special thanks to the ladies of Charlotte and Aster Tecle for telling me about him!
Thank you Elen Tesfaghiorghis for your motivational and inspiring words!
Yodit Araya was live on Facebook.


See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር:



Share with friends: