ፈትልታት ይቕወዳ ገመድ ይኾና

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

03/07/2019 20:14 PM

ፈትልታት ይቕወዳ ገመድ ይኾና

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ፈትልታት ይቕወዳ ገመድ ይኾና

ፈትልታት ይቕወዳ ገመድ ይኾና። ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብሳይታት፣ ብዝተፋላለየ ምኽንያት ኣበርክቶ ጹሑፋተይ ክልግስ፣ ኣይካኣልኩን ብምንባረይ ይቕረታ ይሓትት። ኮይኑ ግን ኣብዚ ዝሓለፈ እዋናት ልዑሉን ሁቡቡን ማዕበል ይኣክል ጎስጓስ ክካየድ ከም ዝጸንሐን፣ ማዕበሉ ጌና ይቕጽልን ይማሓላለፍን / ይላገብን ምህላዉ ንኹላትና ብሩሁን ሩኡይን ኮይኑ፡ ኩሉ ኣብ ዝተፋላለየ ውድባት / ሰልፍታት፣ ምንቅስቓስት፣ ህዝባውያን ማሕበረት፣ ህዝባውያን ምልዓላት፣ ንኣብነት ሓይሊ-ዕማታት፣ ተበግሶ ኣደታት፣ ይኣክል …ወዘተ ዝብሉ ምንቅሳቓሳ፡ ናይ ሓድነት መገዲን፣ ኣብ ሓደ መኣዲ-ሓድነት ንምብጻሕ ብዝተፋላለየ መገዲ፣ መልክዕ ክዋሳኣ ጸኒሐንን፣ ገና መዕረፊኡ ዘይበጽሐ ዝቕጽል ምህላዉ’ዉን እንዕዞቦ ዞሎና እዩ።

እዚ ብዝተፋላለየ መገዲ ወይ መልክዕ ዝካየድ ዘሎ መርሆ ሓድነት፣ ነቲ መሰረት ሓድነት ሒዙ ይጓዓዝ ኣሎ ዝብል፣ ሽቶኡ’ኸ ክወቅዕ በቒዑ’ዶ ወይ ክበቅዕ ይኽእል’ዶ? ዝብል ወኸሳ ኩሎም እቶም ነዚ ንምብቃዕ ኢሎም ዝተዋሱኡን ዝጓዓዙ ዘለዉን ኣብ ስርሓቶም ዝደምደምሉ፣ ገምጋም ቅድም ብእኦም፣ ሲዒቡ ንተማራመርትን ከምኡ ነቶም ሃያሳይትን / ነቐፍትን / ወቐስቲን ፍላስፋታት ክንሰምዖምን፡ ጹሑፋቶም ከነንብብን ስለ ዝኾና ንግዜ ንገድፎ።

እቲ ቀንዲ መበገሲ ጹሑፈይ፣ እቲ ሓድነት ንምብጻሕ ዝጓዓዝ ዘሎ ኤርትራዊ ህዝባዊ ማሕበራትን፣ ምንቅስቓሳትን፣ ውልቀ ፖለቲከኛታትን ዝዋሳኡ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ክካየድ ዝጸንሐ ኣካል፣ ከም ኩሉ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ቓልስታት፣ ብሓጎጽጎጽን ላዕልን ታሕትን፣ ጀሚሩ ኣብ መገዲ ዝተርፍን፣ ዉዑይን ሩሱኑን ክትዓት ዝሓለፈ፡ ረጊኡ ፍረ ፍጹም ሓድነት ንምብጻሕ ዝጓዓዝ ዘሎ፤ ካብ 23 ስጋብ 25 ነሓሰ፡ ጽምብል / ዋዕላ / ጉባኤ ክገብር ምዃኑ ኣብ ዝተፋላለያ ማዕክናት ወይብ-ሳይታት ተዘርጊሑ ከም ዝነበረ ዝዝኸር እዩ።

እዚ ተፈቲኑ ዘይፈልጥ ኣጋባብ ፍጹም ሓድነት፣ ካብቲ ናይ ደምበ ፍትሒ ይኹን ናይ ዝተፋላለዩ ምንቅስቓሳት ፉሉይ ገይሩ ዘርእዮ፣ እዞም ካብ ዝተፋላለየ ኤርትራዊ ህዝባዊ ማሕበራት (ውድባት)፣ ምንቅስቓስት፣ ውልቀ-ፖለቲካኛታትን፣ ብርሑቕ ኣብ ፖለቲካ ህይወት ኤርትራና ዝጸንሑን፣ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት ሃገርና ብሰንኪ ውልቀ መላኺን ሰዓብቱን ዘካየድዎ ዙሩግ ፖለቲካ፡ ነጺጎም፡ ኣብ ደምበ ፍጥሒ ዝተሓወሱን፣ ነቲ ሕሉፍ ተሞክሮ ፖለቲካው’ባ በርገሳዊ’ባ ዝብል ህልከት ወጺእና፤ ከም ሃገራውያን ዲሞክራሳውያን መጠን ኣብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንኽንዓልብ ዝብል መስርሕ ተኸቲሎም ናብ መስራቲ ጉባኤ ይጓዓዙ ምህላዎም ይሕበር ነይሩን ኣሎን።

ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይትታት፣ ካብቲ እሳቶም ዝጻሓፍዎ መስርሕ ሓድነት ንምጥቃስ፡ “ እዞም ነዚ ሃገራዊ ሓላፍነት ዘበገስና ኣካላት ንፉጹም ሓድነት ብምስምማዕ፣ መስራቲ ጉባኤ፣ ኣቢልና ብሓደ ውድብን፣ ሓደ መሪሕነት ንኽንማእከል ቆሪጽና ኣሎና። እዚ ንምፍጻም ሓድነት ዚካየድ ውዳበ፣ ብጉባኤኡ ኣቢሉ ነቶም ዘቖምዎ ሰልፍታት፣ ውድባትን፣ ማሕበራትን… ብሓደ ከም ውልቀ፣ ዜጋታት፣ ኣብቲ ዝቖውም ሓደ ውዳበ ጠርኒፉ፣ ሓደ ኣሃዱ (entity) ኮይኑ ይነቅል’’።

እዚ ሓደ ካብቲ መንቀሊኦም ተበግሶ ፉሉይ ዝገብሮ፡ ካብ ዝሓለፈን ዝካየድ ዘሎ፣ ዝተፋላለዩ ናይ ሓድነት ዋዕላታት / ሰሚናራት / ጽንብላትን ኣናጻጺርካ፡ እተን ነዚ ዝተቐበላ ፖለቲካዊ ውድባት / ሰልፍታት፣ ምንቅስቓሳት፣ ቅድሚ መስራቲ ጉባኤ ዝግበር፣ ዝነበርዎ ወይ ዝሳተፍዎ / ዝዋስእዎ ዝነበሩ ዓይነተ-ውዳበ ሰሪዞም፣ ከም ሓደ ኣሃዱ (entity) ብምክፋል ምስቶም ውልቀ ሓርበኛታትን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሱኡ ዘለዉ ሓቢርካ ሓደ ዲሞክራስያዊን ሃገራውን ውድብ ምህናጽ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ኣብ ዲሞክራሲ ሓደ ዕድል ንሓደ ውልቀ ሰብ፣ ማዕረን ማዕርነትን መሰረታዊ መሰል ውልቀ-ሰብ ሕሉው ዝብል ሓረግ፣ ሕሉዉን ንጹሩን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኤርትራዊ ሓዲሽ-ኣዋዳድባ ኣብ ዲያስፖራ ክብሃል ይካኣል። [ብዘይካ ኣብ ከተማታት (ንኡሳት ጨንፈር) ዝካየድ ገዲፍካ)። እዚ ተበግሶ’ዚ ሓዲሽ ኣጋባብ ዝተኸተለን፣ ኣብ ጉዕዝኡ እናማዕበለን ተማሓየሸን ክኸይድ ትጽቢት ዝግበረሉ አወንታዊ አብነት ከብሎ ይኽእል።

እዚ ጠቒሰዮ ዘለኹ ብመሰራቲ ጉባኤ ኣቢሉ፣ ውዳበ ዝካናወን ዘሎ ኣብቲ ኣስፊርዎ ዘሎ ኑጹር ዕላማን ሰኒድዎ ዘሎ መደበ ስርሓት / ዕማማት ህንጻ-ሕግን ጠሊቕካ ምስ እተንብብ ብሓቂ እተን መሰረታውያን ዓንዲ ዲሞክራሲ፣ ሓጋጊ-ኣካል፡ ፈጻሚ ኣካል፡ ነዚኦም ዝካታተል (ፈራዲ-ኣካል)፣ ወይ ክፍሊ-ኦዲት / ክፍሊ-ምቁጽጻር / ኣጋባብ ምምሕዳር ክስታትን ቅሬታትን፡ ዝብል ስማት ዝሓዙ ስርሓት ፈራዲ ኣካል ዘካናዉኑ ኮይኑ ይስማዓኒ፣ በጋባብ ኣቃማምጥኡ ሚዛናት ክሕሉ ዝኽእል መሰርሕ ዲሞክራሲ፡ ብጉቡእ ክጥቀምን ሙዑቡል ኣሳራርሓ ከተኣታቱ ዝተቐረበን ንምትግባሩ ዝዓለምን ዝተበገስን ይመስል።

እቲ ብወገነይን ብወገን ነዚ ጽሑፍ ክቐርብ ብዘተ ዝተሓባበረትኒ ብዙ ቡቱኞሊ፣ ዝድለ ትጽቢት ዝግበረሉ ነቲ ሰፊሕ ባይታ ደምበ ፍትሒ ተጠርኒፉ፣ ኣብ ሓደ ጽላል ዝበጽሓሉ፣ ብሓደ ኣፍ ዝዛረበሉ፣ ንናይ ሓድነት ጭርሖ ተሰጊሩ፣ ንናይ ይኣክል ማዕብል መሰነይታን፣ ስሚዒት ህዝቢ ዝረውየሉ፡ ካብ ማዕበል ናብ ናዕቢ-ህዝቢ ዝሳገረሉ፣ ኣብነት ክትከዉን ንዕኡ ንምብጻሕ ብቝዕ ክትከዉን ብኣኻ ክጅመር ኣለዎ ዝብል ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እኳ ይኹን እምበር፣ እዚ ብመስራቲ ጉባኤ ኣቢሉ ዝውደብ እዉን ኣብነት ሓድነትን፣ ኩፉት ማዕጾ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኮይኑ፣ ንሓድነት እትሰርሕ ፍልይቲ ሓይሊ-ዕማም ክትህሉን ብዘይ ምቁራጽ፡ ንዝተራሓሓቑ እተቃራርብ፣ ካብ ምንጽጻግ ናብ ምትሕቑቛፍ ዝባህርያታ፣ ንሓድነት ህዝብን፣ ልእላውነት ሃገርን፣ ቀዳምነት እትህብ ብቕዕቲ ዝኮነት ክምዝዝን ኩሉ እቲ ዘካይዶ ስርሓት ጉሉጽነት ዘዘውትር፣ እቲ ተጻሒፉ ዘሎ ሰነደ ስርሓት ብጉቡእ ክካየድ ዝብል ልባዊ ምሕጽንቶናን / ትምኒትናን / ባህግናን ነቕርብ።

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራባር!

ኣቕረብቲ፡-
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን
ብዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


All Eritrean of North America untied in Washington, DC

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: