ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ብመንጽር ናይ ዘመኑ ውዕል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

07/07/2019 00:45 AM

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል
ብመንጽር ናይ ዘመኑ ውዕል

“Deal of the century”

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) - ሓምለ 04/2019

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ብመንጽር ናይ ዘመኑ ውዕል

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ብመንጽር ናይ ዘመኑ ውዕል “Deal of the century”
ሓምለ 04/2019 - ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ናይ ዘመኑ ውዕል “Deal of the century” ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናይ ገበትቲ ሓያላን ምንግስታት፡ ብፍላይ ሃጸያዊት ሕ/መንግሰታት ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ እትጥቀመሉ ዘላ ሓድሽ ብልሓት ምስፍሕፋሕ መግዛእታዊ ስርዓት ኢዩ። ደሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ኸሎ ክኣ ብግህዶ ንሕበር ኣለና።

እዚ ጥበብ’ዚ ካብቲ ዝጸንሐ ናይ ገበትቲ ስልቲ፡ ማለት ኢድ ኣዙር መግዛእቲ (neo-colonialism) መሰረታዊ ፍልልይ ዘለዎ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን መልክዑ ቐይሩ ንፖለቲካዊ ነጻነት ናይ ዘይማዕበላ ሃገራት ዝነፍግ፡ ሰላሕታዊ ፖለቲካዊ ጎበጣ ኢዩ።

ብዝያዳ ንምብራህ፡ ንዓለም ለኻዊ ፖለቲካዊ ክሳድ ወይ ስትራተጂ ተቖጻጺርካ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ከም ቀደሙ ቍጠባዊ ምንጭታት ምግባት ኢዩ። ብተግባር ክርአ ኸሎ፡ ጭውያ ፖለቲካዊ ነጻነት፡ ብቝጠባዊ ጥበራ ኣደናጊርካ ንሃገራት ስሉስ ዓለም፡ ወይ ንኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ዘይነበረ ዶብ ምህንዳስ ወይ ኣልቦ ዶብ ከም ዝህልወን ጌርካ፡ ፖለቲካዊ እንታይነተን ከም ዝሃስስ ምግባር ኢዩ።

እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝነበረን ዘሎን ፖለቲካዊ ጐንጺ፡ ዘይመልክዑ ሂብካ፡ ክንድዚ ቢልዮን ንትሕተ ቅርጻ ክንህበኩም ኢና ብማለት፡ ብቝጠባዊ ጥበራ ሓላይ ተመሲልካ፡ ንልዕለ ቅርጻ ምርማስ ዝዕላምኡ ኢዩ። እንሆ ክኣ መሬት ፍልስጤም ኣብ ትሕቲ እስራኤል ከም ዝኣቱ ንምግባር ላዕልን ታሕትን ክበሃል ከሎ፡ እንዕዘቦ ዘለና ግሁድ መረዳእታ ናይ’ዚ ዘለናዮ ግዜ ኰይኑ’ሎ።

ናይ ዘመኑ ውዕል (Deal of the century) ግሎባላዊ ወይ ዓለም ለኻዊ ዕላማ ሃጸያውያን ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ፍልስጤም ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ ስለዘይኰነ፡ ንዓና ንኤርትራውያን’ውን ኣረኻኺቡልና’ሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ሕልኽልኽ ተቐይድና ንርከብ። ኣብ ዝርዝር ከይኣተና፡ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ናይ ዶብ መጐተ ሸንኰለል ከም እትብል ምግባራን፡ ብኡ ጌሩ’ውን ዶብ ኣየድልን ናብ ምባል ምስግጋሩን፡ መሰረተ-ሓሳቡ ናይ ብዓል ኢሳያስን ዶክተር ኣብይን ከምዘይኰነ፡ ኣብ ኣስተብህሎ ናይ ኣቃላልሳና ክቕረጽ ኣለዎ።

እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብመሰረቱ ንኤርትራ ኩለንተንኣ ማለት ኩሉ ዓቕምታታ፡ ጒልበተ ዕዮኣን ምንጪ ማእቶታን ከም ዝበርስን ከምዝበታተንን ጌርካ፡ ናብ ጽግዕተኛ ከም እትቕየርን ብጎሬቤታ ከም እትቐንእ ድሕሪ ምግባር፡ ብቍጠባዊ ጥበራ፡ ጽርግያ ክንሰርሓልኩም፡ ምንገዲ ባቡር ክንዝርግሓልኩም፡ ኮታ ኩሉ ትሕተ-ቅርጻ ከነሐድሰልኩም ወዘተ… እንዳበልካ ንፖለቲካዊ መንነትና ምስራዝ፡ ተተሓሒዞሞ ዘለዉ ሽጣራ ገበትቲ ሓይልታት፡ ኣብ መዝገብ ቃልስና ቀዳማይ ዓንቀጽ ክሕዝ ይግባእ።

እዝን ወድ ኸምዝን ስለዝተገንዘቡ ኢዮም: ሓያሎይ ናይ ዘመኑ ሓሰብቲ (Think tanks) ምሁራን ፖለቲከኛታት፡ ነዚ ናይ ዘመኑ ውዕል (deal of the century) ክግምግሙ ኸለዉ፡ “ብዘይ ፖለቲካዊ ሰምምዕ፡ ቍጠባዊ ውዕል ዝበሃል የለን” “There is no economic deal without political agreement”. ክብሉ ዝስምዑ ዘለዉ።

እምብኣር ኤርትራ ሃገርና፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወድዓዊ ኲነታት ተኸቢባ ስለ እትርከብ፡ ቃልስና ኣብ ፖለቲካዊ ሽቝረራ ኣትዩ፡ ከምቲ ኹሉ ግዜ ኣብ ብዙሕ ዓንቀጻተይ ዝብሎ፡ ፖለቲካዊ ዝምታ ከየጋጥመና፡ ብምስትውዓል እምበር ብሃታ-ሃታ ናይ ወረቐት ኣናብር (paper tigers) ክንከውን የብልናን።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ናይ ወረቐት ኣናብር ፈቖድኡ ከም ቃንጥሻ ጎላዕላዕ ይብሉ ስለዘለዉ፡ መድረኽ ምስግጋር ጥራይ ዘይኰነስ፡ መድረኽ ምጽራይ’ውን ከም ምኻኑ ምግንዛብ ከድልየና ኢዩ። ብሓደ ወገን እቲ ንኣሽሓት ተስፋ ናይ ዓወት ዝሃበ፡ ምንቕናቕ ነብሪ ጐልጐል ኤርትራ (መንእሰይ ኤርትራ) ይኣክል ዝባንዴርኡ ከምበልብል ከሎ፡ ኣብ ቅድሚ’ዚ ንነዊሕ ግዜ ዝተጻዕሮን እንቋዕ ድሓን መጻእካ ንብሎ ዘለናን ሃልሃልታ ናይ ቃልሲ ድማ፡ ቍጽሪ ዘይብሉ ናይ ስልጣን ምምዕዳውን ሃንቀውታን ፖለቲካዊ ሸፈድፈድን ይርአ ምህላዉ፡ ንዘስተውዕል ሃሰስ ኢሉ ዝስእኖ ኣይኰነን።

ኣብ ኲነታትና፡ ታሪኽ ሰውራና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኽልተ ሰለስተ ወለዶ ዝኣክል፡ ነባራት ተቓለስቲ ኤርትራውያን፡ ንሃገራዊ ደሞክራሲ ብናይ ብዙሕነት ሓድነት መስፈሪ ክርአ ኸሎ፡ ክንዕወተሉ ኣይክኣልናን። ራኢ ብዘለዎ ኣገባብ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ክነካይድ ብዘይ ምኽኣልና ክኣ፡ ክሳብ እዛ ክልኢት ኢዚኣ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጋዕ ገልጠምን ኩሉ ኣሉታዊ ውጽኢታቱን ንርከብ።

ሕቋን ናይ ቃልስና፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ፖለቲካዊ ሓለፋ፡ ወይ ፍሉይ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ (positive political discrimination) ክንገብረሉ ዝግብኣና፡ እዚ ኤርትራዊ ነብሪ ጐልጐል ሓድሽ ወለዶ፡ ኣብ ታሪኽና ልዕሊ ዝሓለፉ ወለዶታት ዝያዳ ዝተበደለ፡ ይኣክል ዝብል ቀንዴል ናይ ቃልሲ ኣልዒሉ ዘሎ ኢዩ። ነዚ ወለዶ’ዚ ላህመታዊ ደገፍ እንዳሃብካ፡ ቀቅድሚኡ ጸጽብጦኻ ሒዝካ ተብ-ተብ ምባል ትሕዞ ጸኒሓዊ መቐጸልታ፡ ሃላሊ ፖለቲካዊ ንድየት’ዩ።

ቀዳሞት ወለዶታት ዝተቓለስናዮ እኳ ብቐሊል ዘይግመትን ኣቃሊልካ ዘይርአን እንተዀነ፡ ደሞክራሲያዊ ንድየት ስለዘጠቓልል፡ እና-ሳዕ ኣደዳ ገዛእቲ ሓይልታት ከም እንኸውን ገይሩና ኢዩ። ሕጂ ክኣ እንሆ መልክዑ ብዝቐየረ ናብ ዝበኣሰ ሓድሽ ጥበብ ናይ ዘመኑ ውዕል (deal of the century) ዝብሃል ዘሎ፡ ከም እንገላታዕ ገይሩና’ሎ። ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ረቂቕ መድረኽ፡ ብኣረጊት ሜላ፡ ናይ ወረቐት ቅድድም ዘይኰነስ፡ ብሓድሽ መንፈስ፡ ብሓድሽ ሕልና፡ ብሓድሽ ወለዶ (ይኣክል) ንፖለቲካዊ ውራይና ከነተኣናግድ መድረኽ ክጠልበና ኸሎ፡ ክንሰምዕን ብተግባር ከነረጋግጽን፡ ቀዳሞት ዘበልና ድሉዋት ክንከውን ንጥለብ። ዓወት ምእንቲ ክረጋገጽ፡ ቀረብ ምስ ጠለብ ቀጥታዊ ዝምድና ክህልዎ ይግባእ።

መንእሰይና ማለት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንኹሉ ተኣማንነት ዝጎደሎ፡ ባዕላውን ጒጅላውን ኣተሃላልዋና፡ ክጠራንፈናን ስሕበተ-ቃልሲ (ካላሚታ ወይ ማግነት) ክኸውን ዝኽእል፡ ኣድህቦ ክንገብረሉ ዝግብኣናን፡ ንናይ ዘመኑ ውዕል ናይ ዘመኑ መኸተ ዝዀነና፡ ከም መተዓየይ ናይ እንበጽሖ ዕላማ፡ ዘዋጽኣና መሳልል ኢዩ።

እዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ተጠርጣሪ መድረኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ከምዚ ይግበር ኣሎ፡ ከምዚ ይበሃል ኣሎ፡ ይወዓዓሉልና ኣለዉ፡ ዝብሃል ትሒምሒም እንተተሰምዐ፡ እንተውሓደ ካብ ረቂቕ ምናልባትነት (abstract possibility) ሓራ ዝወጽእ ኣበሃህላ ኣይኰነን። ብግህዶ’ኳ ሰንኰፍ ኣቀላልሳ ንዕዘብ ዘለናስ፡ ብትሕተ-ባይታ ንኽካየድ ኣብ ፖለቲካዊ ሕሜታ እንታአተወ፡ ከም ትኣምራት ክውሰድ የብሉን።

ሰፊሕ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ተመኲሮ የብሉን፡ ምሁራት የብሉን ክብሃል ንሰምዕ ኢና። ብዛዕባ ምሁራት እንተድኣ ኰይኑ፡ ኣበር ዘይብሎም ብቑዓት፡ ንግዳማዊ ምስ ውሽጣዊ ተበግሶ ከተኣሳስሩ ዝኽእሉ፡ ዝኣኽሉ ዝመስሉ ኣለውና። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ቀቢጸ-ተስፋዊ ወይ መንጣሊ ኣበሃህላ፡ ክንዲ ናብ ምትብባዕ ናብ ምዝንባዕ ዝዛዘወ፡ ኣገልግሎት ዘይብሉ መልእኽቲ ኢዩ። ተመኲሮ ብዝምልከት ጒዳይ ክኣ፡ ካብ ተመኲሮ የብሎምን ኢልካ ምንእኣስ፡ ተመኲሮ ምልጋስ ዝቐለለ ስለ ዝዀነ፡ ኣበሃህላና ከነመዓራሪ ይግብኣና። ብዙሓት ካብ ናተይ ወለዶ ምሁራት’ውን፡ ነዚ ሓድሽ ወለዶ ክጓስዩን ክምልምሉን ድሉውነቶም ብንጹር መርገጽ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዝሕብሩ ኣይተሳእኑን።

ብዕምቈት ክንመራመር እንተዀንና ክኣ፡ ከምቲ ማርቲን ሪስ (Lord Martin Rees) ኣስትሮኖማዊ ዝበሎ “ ኣብ መስርሕ እተመዝግቦ ምዕባሌ፡ ንኽህሉ ዝኽእል መሰናኽል ክትቅበሎ ኣለካ” (ሐርፋፍ ኣተረጓጒማ ናተይ)። መድሃኒቱ ሓሲብካዮን ገሚትካዮን ምጽናሕን፡ መፍትሒኡ ክኣ ሃሰስ ምባልን ኢዩ። ብቐሊል መረዳእታ፡ ማይ ክሃርም ትምህለል እንተድኣ ኰንካ፡ ለኻኺማ ውሕጅ’ውን ከኸትል ከምዝኽእል ትግምት’ሞ፡ “ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ” ዝብል ምስላ ቀዳሞት ንኽትጥቀም ድሉው ትኸውን ማለት’ዩ።

ቍሩብ ክውስኸሉ እንተድኣ ኰይነ፡ ሎሚ እቲ ኣዚዩ ህቡብ ሓረግ ኰይኑ ዘሎ፡ መድረኽ ምስግጋር ዝበሃል ኢዩ። ዳርጋ ብምሉኣትና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለና ክንብሎ ንውዕልን ንሓድርን ኣለና። ዘይሓንጠጥናዮ ወረቓቕቲ’ውን የለን። እንተዀነ ግን ህቡብነት ሓቅነት ማለት ኣይኰነን popularity does not mean reality። እዚ ማለት ብሓቂዶ ኣብ መድረኽ ምስግጋር በጺሕና ኢና? ይኣክል ኣብ ውደባ ገጹ ክሰጋገር ኣብ መስርሕ ፋሕተርተር እንዳበለ ኸሎ፡ ዓቕምታትና ኣብኡ ክንዲ ዘቕንዕ፡ ኣብ ወረቓቕቲ ንውዕልን ንሓድርን’ሲ ነየናይ ውደባ ክዀናና ኾን ይኸውን። ንዝነበረና ዓይነት ውደባ እንተድኣ ዀይኑ፡ ዝነበረና ሂወት ዝርሳዕ ኣይመስለንን። ስለዚ ቅደም-ተኸተል (priorities) ከይባላሸወና መጥንቃቕ ከድልየና ኢዩ። ውጽኢት ውደባ ይኣክል ንኹሎም ሰነዳት ከመይን ምዓስን ከምዝጥቀመሎም ክእውጀልና ኢዩ። ስለዚ ሰነዳት ምድላው ክዳለዉ ይኽእሉ ኢዮም፡ ግዜን ቦታን ናይ ውደባዊ መስርሕ ግን ከጻብቡ የብሎምን።

እዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ይኣክል ይኹን፡ ኣብቲ ኻልእ ናይ ነባራት ውደባታት፡ ኩሉ ዝኣትዎ ወይ ኩሉ ዝርከቦ ኣብ ዝብል መርሖ ዝተመርኰሰ ኰይኑ’ሎ። ከም ዘረባ ማሕረ፡ ወይ ጽቡቕ ክኸውን ከሎ፡ ከም ቃልሲ ግን፡ ዕረ’ውን ዘተሓወሶ ምዃኑ ክርድኣና ኣለዎ። ብተመኩሮ ክምዘን ከሎ፡ ባይቶ ኣዋሳ ኣብ ምንታይ ሓደጋ ከምዝወደቐ ተማሂርናሉ ንኸውን። ኩሉ ዝኣትዎ፡ ኩሉ ዓይነት ሽግር ኣለዎ። እንተዀነ ግን እቲ ዘለና ኣጋጣሚ ንሱ ኰይኑ ካብ ተረኽበ፡ ምርጫና ኩሉ ዓይነት ጥንቃቐ ናይ ምጽራይ ምግባር እንተዘይኰይኑ ካልእ ዕድል የብልናን።

ኣነ ምንቅስቓስ ይኣክል እዚ ሓደጋ’ዚ ከምዘጋጥሞ ይርኣየኒ ኢዩ። ግን ካብ ተመኲሮ ብምግንዛብ፡ ከምቲ፡ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ፡ ነቲ ሓደጋታት ኣቐዲምካ ብምጥንቃቕ፡ ብናይ ቃልሲ ውሕልነት ክሕለፍን ክግጠምን ኣለዎ ። ኣብዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ወድዕነት ስለዘለና፡ መንገዲ ኣድጊ ክንከይድ ከድልየና ኢዩ። ቀደም መንገዲ ኣድጊ ኪድ መርገም’ዩ ነይሩ። ኰለል በል ማለት’ዩ። ኣድጊ ከይተጻዕነ ይዘልል ኢዩ። ምስ ተጻዕነ ግን፡ ተጎረቢሱ ምእንቲ ከይወድቕ፡ ብጥጡሕ መንገዲ ዋላ ይንዋሕ፡ እንዳተጠዋወየ ኢዩ ዝኸይድ። ስለ’ዚ እዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ክኣ፡ ብዙሕ ናይ ቃልሲ ሕልኽልኽ ስለዘለዎ፡ ንትርጒም መንገዲ ኣድጊ ካብ መርገም ናብ ምርቓ ቀይርና ክንጥቀመሉ ከድልየና ኢዩ።

ብዝተረፈ፡ ኣከያይዳና ተብ-ተብ እንተድኣ ኰይኑ፡ ናብ ዝነበርናዮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብ ካብኡ ዝገደደ ናይ ዘመኑ ውዕል ዝበልናዮ’ውን ከይንሽመም የፍርህ ኢዩ። ቀደም መንእሰያት ተምሃሮ ከለናስ፡ ናይ ኣባ ገብረሃና ዛንታ ንመሃር ኔርና። ኣባ ገብረሃና ናይ ቅኔ ሰብ ኢዮም ነይሮም። ሓደ ምዓልቲ፡ ኣባ ገብረሃና ናብ ሓደ ዓዲ ተዓዲሞም ክገሹ ኸለዉ፡ ውሕጅ ሰጊሮም ምስ ኣተዉ፡ ውራይ ስለዝነበረ፡ ስዋ ይዕደሉ’ሞ፡ ወዮ ስዋ ጥዕም እንተበልዎ፡ ማይ ኰይንዎም ኣይደፈሩዎን። ወዮም ገዛ፡ ኣባ ገብረሃና ስተዩ’ባ እንተበልዎም፡ “ይሄማ የዋልንበት ኣይደለም እንዴ” እዚ ድኣ ዝወዓልናሉዶ ’ይኰነን! ኢሎሞም ይብሃል። ስለዚ ዝነበርናዮ ዘኪርና፡ ንድሕሪት ከይንምለስ፡ ምስ ይኣክል ደው ኢልና፡ ዋላ ይንዋሕ ዘዋጽኣና መንገዲ ንምረጽ።

ይኣክል ኣብ መስርሕ ናይ ቃልሲ ክዕንቀፍ ዝነበረን ዘሎን ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣብ መንጎ ኣካላዊ ስንክልናን ፖለቲካዊ ስንክልናን (physical and political disability) ዘሎ ፍልልይ ኣዳቒቑ ምእንቲ ክርድኦ፡ እቶም ቀዳሞት ኣብ ጐድኑ ደው ኢልና ክንረድኦ ይግባእ። ነቲ ኹሉ ኣብ ሰውራና ዘጋጠመና መስዋእቲ፡ ስንክልና፡ ስደት ተዘንጊዑ ዘይኰነስ፡ ህዝብና ምእንቲ ነጻነት ሃገሩ ተቐቢሉዎን ብጓይላ ኣሰኒዩዎን ኢዩ። ነቲ ኣብ ውሽጡ ተሸጒጡ ዝነበረ ፖለቲካዊ ስንክልና ግን፡ ልዕሊ ዓቕሙ ኰይኑ ስለዝዘንግዖ፡ ዘይሓሰቦ ረኺቡ፡ ኣብ ዘይወጽእ ናይ ሓዘን ዓዘቕቲ ተሸሚሙ: መዋጽኦ ጨኒቑዎ ይርከብ ኣሎ። እቶም ነቲ ፖለቲካዊ ስንክልና ከነለልዮ ዝግብኣና ሕድርና ስለ ዘጒደልና፡ ሕጂ ንዝፈጠርናዮ ናይ ቃልሲ ሃጓፍ፡ ነዚ መንእሰይ ምድጋፍ: ነብሰ ነቐፌታ ተቐቢልና፡ ንምንቅስቓስ ይኣክል ደው ክንብል ከም ሃገራዊ ካሕሳ ክንወስዶ ይግባእ።

ብዝተረፈ ዝተቐረበ ምኣዲ እንዳሃለወ ኸሎ፡ እምባ ገዲፍካ ናብ ኲጀታት ወይ ንኣሽቱ ኲርባታት ምውራድ፡ ናይ ቃልሲ ኣድህቦ ዝጎደሎ ምዃኑ ንፍለጥ። ስለዚ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ኤሳው ንሓዉ ያእቆብ፡ ምርቓ ናይ ኣብኡ ምስ ወሰደሉ፡ በከንቱ ጻሜኩ፡ ማለት ንብላሽ ደኺመ ዝበሎ፡ ንኸንቱ ከይንደክም መንገድና ንፍለጥ። ብተወሳኺ፡ ከምቲ ቻርለስ ኮች (Charles Koch) “To admit mistakes is crucial to success” ማለት ጌጋኻ ምእማን ሕምብርቲ ዓወት ኢዩ ዝበሎ፡ (ኣተረጓጒማ ናተይ) ጌጋና ምእማን ወሳኒ ተራ ናይ ዕላማና ምዃኑ ንረዳእ። ኣብ ርእሲኡ፡ ቻርለስ ኮች እንደገና፡ “I rather live for something than die for nothing” ማለት፡ ካብ ንብላሽ ካብዛ ዓለም ዝፍለ፡ ንገለ ረብሓ ምንባር እመርጽ ዝበሎ፡ ዘርብሕ ምእንቲ ክንገብር ነሂወት ንድለያ።

እምበኣር ከምቲ ኣብ ኣርእስተይ ዘሎ፡ ደሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ከይትኣቱ፡ ንኹሉ ናይ ውሽጥናን ናይ ዞባናን፡ ናይ ዓለም ለኻዊ ኲነታትናን፡ ማለት ናይ ዘመኑ ግሎባላዊ ሓድሽ ጥበባዊ ውዕል ተገንዚብና፡ ብግሉጽነት ምስ ይኣክል ንመርሽ። ኲምራ ናይ ሰነዳት ዘይኰነስ፡ እቲ ንሰነድ ዝቐርጽ ናይ ሰባት እንታይነት፡ ናይ ቃልሲ መንነት፡ ብታሪኽ ዕግበት ክንረኽበሎም እንኽእል ምሩጻት ተቓለስቲ፡ ካብ ከስዐ ምንቅስቓስ ይኣክል ከም ዝውለድ ክንገብር ኣለና። ምእንት’ዚ ኢና ንይኣክልን እዋናዊ ማዕበሉን ክንከናኸኖ ዝግብኣና። ታሪኽ ናይ ሕብረተ-ሰብኣዊ ምዕባሌ መስትያት ስለዝዀነ፡ ብዘይ መስትያት ከይንቃለስ ንጠንቀቕ። “ለባም ተወከስ ባላ ተመርኰስ” ይበሃል ኢዩ። ታሪኽ ክኣ ብሰባት ኢዩ ዝስራሕ’ሞ፡ ታሪኽ ተወከስ፡ ባላ ተመርኰስ ኢልና’ውን ምስ ክውንነትና ከነዛምዶን ከንጥቀመሉን ንኽእል ኢና።

ብዝተረፈ ንይኣክል፡ ነብሪ ጐልጐል ኤርትራ፡ ኣብ መገሽኡ ከይዕንቀፍ፡ ከይደናገር፡ ብጻይ ክረክብ፡ መጋይሽቲ ክመርጽ ስለ ዝግባእ ብ 2013 ዝደረስኩዋ ንገረኒ ንመን ተሓጺኻ ትብል ግጥመይ ምስ ገለ ጽገና ኣሰንየ ናይ ሎሚ መልእኽተይ ክዛዝም ኢየ።

ንገረኒ ንመን ተሓጺኻ?

ኣንታ ጅግና ኣምበሳ በረኻ
ንገረኒ ንመን ተሓጺኻ?
ንገረኒ....

ምሕጻይሲ ተሓጸ ጽቡቕ ትምኒት
ጥንቃቐ ግን ግበር ካብ ዕንቅርቢት
ይሕነና ኣለዋ ኩለን ይቝነና
ከይዓብጣኻ ወይዘሮ ጽገና

ምስ ጸገመን ኢየን ምስ ሕማመን
ጽንሕ ኢለን ናብ ሰብኣይ ቀደመን
ልቢ ግበር መንእሰይ ኤርትራ
ነታ በቕሊ ህበይ ከይትሰራ

ንገረኒ………

ይብላ’ለዋ የማን ጸገም ሆይ-ሆይ
ዒላመን ኣይከደን ናይ ብኣምሆይ
ሒዝካ ካብ መጻእካ ወርቂ ሽቦ
ኣጻብዕ ናይ መን’ያ ትርከቦ

ብሽም ኲሕሊ ጽብቕቲ ከይትብላ
ማይ ኣቐብል ትሓጸቢ በላ
ብሽም ቍኖ ከይትኣቱ ’ብ ጌጋ
ሳዕሪ’ኮ ይርከብ’ዩ ኣብ ዕዳጋ

ንገረኒ……..

ወለዶ ተስፋና ወራስ ዓራት
እቶ-እቶ ኰይኑ ጥቓ ልዳት
እዚ ምኽረይ ኣብ ልብኻ ’ሕድሮ
ታሪኽ ኣሎ ኣነ ዝዝክሮ

ዋዛ ከይመስለካ መርዓ ሃገር
ልብኻ ደርቢኻ ከይትቋጸር
መርዓ እንተደሌኻ ለጋብ ሽቦ
ኣብ ሕጸ ተጠንቀቕ ብዓንተቦ

ንገረኒ………….

ተማል ትማል እዚ ኹሉ ኰደብደብ
ህግደፍ ገዲፎሞ ብዛዕባ ዶብ
ወያኔ ወያነ ንጒሆ ምድሪ
ኣበይ ድኣ ከደ ድሕሪ ቀትሪ?

ሕጂ ዘብዘብ ኰይኑ ንኢትዮጲያ
ወዮ መዝሙር ሓሶት ድሮ በልያ
ኣንታ ወዲ ጅግና ወዲ ሰውራ
ዶብ ዘይብላ ክተከውን ኤርትራ!!!!

ንገረኒ……………….

ቃል ኪዳን እኮ’ሎ ባይታ-ባይታ
ኣጸልሚትካ ናይ ምስጢር ሸመታ
ሰብ ቀዳሞት ክንደይ ዘይርኣና
ብዙሕ ኣሎ ኣብ ጽላት ልብና

ኣላሻውያን ጥላም ዝተበትኮም
ግምጥል-ግምጥል ከረውረው ኣመሎም
እምቢ ይብሉ’ሞ ጽንሕ ኢሎም ሕራይ
ኣብ ኣፍ ልዳት ትበላሾ ውራይ

ንገረኒ……….

ትኽ ኢሎም ዘይከዱ ጎቦ-ጎቦ
ከየታልሉኻ ሂቦም ጒቦ
ነሱ’ኮዩ ዘብከየና ቀደም
ሕጂ ድማ ካልኣይ ከይድገም

ይቝጸያ ’ለዋ ዕስለ ’ንስቲ
መነን’ያ ንዓኻ መናብርቲ?
ጽቡቝ ደርጊ ስኒ መሊኡ ’ሎ
ብፍሽኽታ ጥልመት ከይትዕሎ

ንገረኒ……………..

እንተ ኣቲኻያ መርዓ ሓሶት
ጥራይካ ትተርፍ ኣብ ምልሶት
ከይትዕንቀፍ ከይትብል ደርገፍገፍ
መርዓ እንዳሓሰብካ ከይትዝረፍ

ተሪር’ዩ መድረኹ ኣለልዮ
ኣይተረፈን ገና ዘበን ዋህዮ
ጥራይ ኢድካ ገዛ ከይትምለስ
እሾዂ ነጊፍካ’ዩ ፍረ በለስ

ንገረኒ ንመን ትሓጺኻ
ረጋሕ ከይትረግጽ ክንዲ ሸኻ
ብሃብታምካ ከይትኸውን ድኻ

ዕንቅፋት ከይህሉ ኣብ ኣፍ ደገ
ሕርኽራኽ ከይህሉ ዝተዘርገ
መንገድኻ ፍለጥ ዝተጸርገ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ስሳታት ተምሃሮ ከለና፡ ፕረዚደንቲ ከነዲ ምስ ተዓወተ ካብ ዝሃቦ መደረ ክጠቅስ ፍቐዱለይ።

“We observe to-day not a victory of party, but a celebration of freedom symbolizing an end as well as a beginning, signifying renewal as well as change. To those who live in huts and villages, we pledge our best efforts, help them help themselves etc…” ዝምድናዊ ትርጒም እንሆ፦ እዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘለና ዓወት ናይ ፓርቲ ኣይኰነን። የግዳስ ፌስታ ነጻነት ኰይኑ፡ ንመወዳእታን መጀመርታን ዘመልክት፡ ከምኡ ድማ ንምሕዳስን ለውጥን ዝእምት ኢዩ። ነቶም ኣብ ኣጓዱን ቍሸታትን ዝነብሩ፡ ነብሶም ምእንቲ ክሕግዙ፡ ክንሕግዞም ዝለዓለ ዓቕምና ንብጆ፡ ወዘተ... ኣገዳሲ ጥቕሲ ኰይኑ ስለዝረኸብክዎ፡ ንሕና ኽኣ ንምንቅስቓስ ይኣክል ነብሱን ህዝቡን ንኽረድእ ንርድኣዮ።

ክሳብ እንደገና ንራኸብ፡ ስናይ ቅነ፡
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)


Share with friends:

See also recent Articles by Redi Kifle ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ’ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) (Snitna Archives):-


ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ብመንጽር ናይ ዘመኑ ውዕል by Redi Kifle Bashay (Snitna 08-July-2019)

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: