ንዝኽሪ ኩሎም ሕዩራት ኤርትራውያን

19/09/2017 22:55 PM

In memory of all Eritrean Prisoners of Conscience & Political Prisoners.

ንዝኽሪ ኩሎም ናይ ሕልናን ፖለቲካን ሕዩራት ኤርትራውያን።

[Hdri Jeganuna Paltalk Room ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና]

17 - 18 September 2017

In memory of all Eritrean Prisoners 18 መስከረም 2001፡ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኣፋፌት ቤትና ዝተጨውየላን ዝተዓፈለላን ዕለት ኢያ። ነቲ ክሳብ ሽዑ ዝነበረ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልስናን ድሕሪ ናጽነት ዝኸድናዮ ጉዕዞን ገምጊምና፡ ብቅዋማዊ ህዝባዊ ስርዓትን ብግዝኣተ ሕጊን፡ ክንናባበር ዝነበረና ባህጊ፡ ብሓይሊ ምልኪ ከም ዝጽልምት ኮይኑ። እቶም  ንኩሉ ዝነበሮም ውሽጣዊ ስምዒታት ጸይሮም፡ "ድሓን ኣብ ናጽነት ንብጻሕ'ሞ ሽዑ ነርክበሉ" ኢሎም ዝተጋደሉ፡ ድሓር ግን “እዋኑ ሕጂ  ኢዩ ናብ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ንእቶ” ዝብል ሕቶታት ዘልዓሉ ጀጋኑ፡ ናብ ጎዳጉዲ ማሕዩር ዝተደብዩላ ዕለት ኢያ። እዛ ዕለት'ዚኣ እምበኣር፡ ንኹሎም ቅድሚን ድሕሪን እዛ ዕለት እዚኣ፡ ብዘይ ፍትሒ ንዝተሓየሩ፡ ንኹሉ ሕብረብሔራዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብናን፡ ሞያውያንን፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ከምኡውን ምእመናን ዘጠቓልሉ ኤርትራውያን፡ መዘከሪት ኮይና በብዓመቱ ብኹሎም ኤርትራውያን ብቓንዛ እንዝክራን፡ ቃልስና እነሐርነላን ዕለት ኢያ።

ኣብዚ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና፡ ካብ ዕለት 17 - 18 መስከረም 2017 ዝተኻየደ መደብ፡ ንዝኽሪ እዛ ዕለት፡ መቕርብን ቤተሰብን ሕዩራት ኣብ መድርኽ ቀሪቦም ምስክርነቶም ዝሃቡሉ ናይ ልዕሊ 6 ሰዓታት መደብ ኢዩ። ንኹሎም ተማራመርቲን ሞያውያንን ዝሕግዝ ኣገዳሲ ትሕዝቶ ስለዘለዎ፡ ኩልና ኤርትራውያን ብጽሞና ሰሚዕና ምስ ሕልናና ከነስተንትን ይግባእ።

ሓበሬታ፡-

1ይ ክሳብ 3ይ ክፋል ዘሎ ቪድዮ ናይ ዕለት 17 መስከረም 2017 ዝተፈነወ መደብ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካብ 4ይ -6ይ ክፋል ድማ መራሕቲ ሃይማኖታት ዝተሳተፉዎ፡ ናይ ዕለት 18 መስከረም 2017 መደብ ኢዩ።

Share with friends:


Part-1 (17 September 2017)

Part-2 (17 September 2017)

Part-3 (17 September 2017)

Part-4 (18 September 2017)

Part-5 (18 September 2017)

Part-6 (18 September 2017)

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-