6ይ ዓመት - ዝኽሪ ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

03/10/2019 00:57 AM

6ይ ዓመት ዝኽሪ
ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ

6TH Anniversary of
Lampedusa Victims.

03 October 2019

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ
(ሎንዶን፡ ዓባይ ብሪጣንያ)

Lampedusa victims 6th Anniversary

6ይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ
6TH Anniversary of Lampedusa Victims.
03 October 2019, ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን፡ ዓባይ ብሪጣንያ)

ሰላም ንኹልኹም ብልቢ ዘፍቅረኩም ኤርትራውያን፡ ተኻታተልቲ ጽሑፈይ!
እነሆ እምበኣር ድሕሪ ነዊሕ ስቕ ምባል፡ ነዛ ሕልናይ ዝደረኻ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ምሳኹም እካፈላ ኣሎኹ።

ኣብ መፈለምታ ናይዛ ቅድሚ ሳልስቲ ዝተዛዘመት ወርሒ መስከረም 2019፡ ነታ ኣብ መስከረም 1961 ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት ናይ ኤርትራውያን ብሓበን ዘኪርና። ኣብ 18 መስከረም 2019 ድማ፥ ነቲ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘጋጠመ ጥልመት ሕድሪን መብጽዓን ሰማእታትና፡ ማለት፡ ትግባረ ቅዋምና ዝተኸልከለሉ፥ ናጻ ጋዜጣታትና ዝተዓጽዋሉ፡ መራሕቲን ኣርካናትን ሓርበኛታትናን ናጻ ጋዜጠኛታትናን ዝተሓየሩላን፡ በዚ ኸኣ ኣብ መላእ ኤርትራ ጸላም ዝሰፈነትላ ወርሒ ምንባራ፡ ብዓቢ ሓዘን ዘኪርናያ። ዕለት 18 መስከረም፡ ንኹሎም ቶም ቅድሚኣን ድሕሪኣን ዝተሰወሩ ኤርትራውያን እንዝክረላ ዕለትን ወርሒን ስለዝኾነት፡ ንኹሎም ግዳያት ብዓሚቕ ሕልና ኢና ንዝክራ። ስለዝኾነ ኸኣ ኢዩ፡ ኣብ ኩሉ መራኸቢ ብዙሓን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ብዕምቆት ክትዝከር ዝቐነየት።

እወ፡ እቶም ሃለዋቶም ዝተሸርበ ሓርበኛታትናን ጋዜጠኛታትናን፡ #ይኣክል! ኩሉ ዝሓለፈ ኣከያይዳና ገምጊምና፡ ጉድለታትና ኣሪምና፡ ናብ ንቡርን ቅዋማዊን ኣሰራርሓ ንምእታው፡ ስልጣን ናብ ህዝብና ከነረክብ ኣሎና ኢዮም ዝበሉ። እቲ ፊን ከም ዝበሎ ክኸይድ ዝደሊ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን፡ ካልእ ዕላማ ስለዝነበሮ፡ ናብ ማሕዩር ሰዊሩዎም። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ መናሰያትና፡ ካብ ሃገር ሃጽ ኢሎም ነፊጾም። ኣዝዩ ዘሕዝን ሓደጋታት፥ ብፍላይ ካብ 2005 ንደሓር ከጋጥሞም ድማ ክንዕዘብ ጸኒሕና ኣሎና።

ኣብ 2013 ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት፥ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2013: ናይ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ህልቂት ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢጣልያ (ላምፓዱሳ) ዝተዓዘብናላ ዕለት ኢያ። ሎሚ ሻዱሻይ (6ይ) ዓመቱ ኣቕጺሩ ኣሎ። ላምፓዱሳ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝቢ ዓለም ዘጋጠመት ፍጻሜ ድኣ ኾይና`ምበር፡ ኤርትራውያን ዝሃለቑሉ ኣጋጣሚታት ቅድሚ ላምፓዱሳን ድሕሪኡን ኣዝዩ ብዙሕን ዘየቋርጽን ኢዩ። ኣብዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት 2019 ጥራይ ኳ፡ ኣማኢታት ስድራቤታት ተረዲኦም ኣለዉ።

ህልቂት ላምፓዱሳ ኮነ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘጋጠመ ኩነታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ሓዘኑ ብእኩብ ገሊጹ፡ ነቲ ናብዚ ኩነታት ክበጽሑ ዝደፋፍአ ግጉይ ፖሊሲን ምልካዊ ምሕደራን ኤርትራ ድማ ብዓውታ ኮኒኑ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ቤተሰብ ግዳያት፡ ከምቲ ንቡር ሕብረተሰብና ብወግዒ ሓዘኑ ክገልጽ ኣይተፈቕደሉን፡ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣይኣወጁን ንቤተሰብ ግዳያት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣይሃቡን። ብኣንጻሩ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ (ኤሪቲቪ)፡ "ዘይሕጋውያን ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ" ብምባል ኢያ ኣባጭያትሎም። እቲ ኣማኢታት ሬሳታት ኤርትራውያን፡ ከም ንቡር ናብ ዓዱ ከይዱ ንቡር ሓመድ ድበ ክግበረሉ ስለዘይተኻእለ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግዝያዊ ጋህስታት ተኸዚኑ ይርከብ።

እቲ ህልቂት ኤርትራውያን ዘይዓጥጦ ምልካዊ መራሒ ኤርትራ ግን፡ ብኣንጻሩ፡ ህዝብና ንምፍርራህን ንምርዓድን፡ ዕድመ-ምልኪ ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ኩሉ ጸጋታት ሃገርና፡ ናብ ስለያዊ መሓውራቱ ብምውዓል፡ ህዝብና ኣደዳ ድኽነትን ጭንቀትን ገይሩዎ ይርከብ ኣሎ።

እቶም ኣርካናትና ኣብ መስከረም 2001: ነቲ ሽዑ ምልኩ ዘግህድ ዝነበረ መራሒ ኢሳይያስ፥ ይኣክል! ክብሉዎ ከለዉ፡ ኣብ ጎኖም ተሰሊፍና እንተንነብር፡ ናይ ኣማኢታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደት ኣይምሰዓበን ነይሩ። ሃገርና ኤርትራ እውን ብኸምዚ ዘላቶ ኩነት ኣይምተዋረደትን፡ ህዝባ ኣይምተኻላበተን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልክዕ ከምዛ ሎም መዓልቲ፥ ንዝኽሪ ዛ ዕለት ዝጸሓፍኩዋ ጽሕፍቲ ደጊምኩም ክትርእዩዋ እምሕጸነኩም። ምኽንያቱ፡ ነቲ ክሳብ ሽዑ ኣብ ህዝብና ዝወረደ ስደትን ጉድኣትን እትሕብር ስለዝኾነት። ሎሚ ዓመት ብሕጽረት ግዜ ምኽንያት፡ ከምቲ ዝድለ ዳህሳስ ክገብር ኣይከኣልኩን፡ ግን እስከ ካብ The American Team for Displaced Eritreans ዝረኸብኩዎ ብእንግሊዘኛ ተሓቲሙ ዝወጸ ጸብጻብ ሓቢርና ንርኣዮ፥-

ኣብ መወዳእታ 2018 ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን 507,300 ኢዮም። እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት 2017 ዝነበረ ቁጽሪ ኤርትራውያን (ማለት 486,000 ኤርትራውያን) ዝለዓለ ምዃኑ ኢዩ። በዚ መሰረት፥ ኤርትራ፥ ኣብ ዓለምና፥ ኣብ ምፍራይ ብዝሒ ስደተኛታት ታሽዓይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ ኣላ።

እተን ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦሙለን ዘለዉ ሃገራት፥- ኢትዮጵያ 174,000, ሱዳን 114,000, ጀርመን 55,300, ስዊዘርላንድ 34,100, ሽወደን 27,700, ኖርወይ 15,200, ነዘርላንድ 14,900, እስራኤል 14,500, ዓባይ ብሪጣንያ 13,000 ምዃኑ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብዚ ላዕለዋይ ቁጽሪ`ዚ ዘይተጸብጸቡ፡ ናይ ዑቕባ ጉዳዮም ገና ኣብ መስርሕ ምጽራይ ዝርከብ 78,600 ኤርትራውያን ከምዘለዉ እውን እዚ ጸብጻብ ወሲኹ የብርህ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ፡ ነቶም ምዝጉባት ሓገዝ ዝግበረሎም ኤርትራውያን ዑቕበኛታት ጥራይ ዝምልከት ኢዩ። ዝርዝር ጸብጻብ ኣብዚ ተወከስ

ሎሚ ግን መወዳእታ ናይ ኩሉ ሕሰምና ክትከውን ዘሎኒ ምንዮት ወሰን የብሉን። እዚ ኣብ መላእ ዓለም ተላዒሉ ዘሎ ናይ #ይኣክል ህዝባዊ ማዕበል፡ ጅማሮ ናይቲ ክንበጽሖ እንደሊ ምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ንዕኡ ዝድግፍን ዘጎልብትን ድኣ`ምበር፡ ንዕኡ ብኣሉታ ዝጸሉ ስምብራት ከይንወስኸሉ ኣምሪረ እምሕጸነኩም። ብፍላይ ንምሁራትን ለባማትን ኤርትራውያን።

ነቲ ሽዑ (10/2013) ዝነበረ ኩነታትን ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ግብረመልሲን ንምርኣይ፡ ኣብዚ ጠውቑ
እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ተኻታታሊ ቪድዮታት ድማ ነቲ ዝኽርታትና ንምሕዳስ ብከፊሉ ዝተወስደ ኢዩ።

ንኹሎም ግዳያት፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም።

ንመላእ ቤተሰብ ድማ ጽንዓት ይሃብ።

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን፡ ዓባይ ብሪጣንያ)
03 October 2019


Eritrea//TEKLINO....LAMPEDUSA, Italyhe 111 coffins were numbered


Video Assenna:ROME Demo:Mother Activist Asgedet Speaks Passionately Regarding the Lampedusa Tragedy


NEWEST VIDEO Funeral service of Eritrean Lampedusa Victims


Eritrea Lampedusa Tragedy/ @TG3L


Eritrea: Silence Kills


ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)

● ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)



ቃለመጠይቕ ምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ። Interview with Father Mussie Zerai (06 October 2014)

Father Mussie Zerai

ጸብጻብ ስደተኛታት ኣብ ዓለም 2018፡ Global Trends: Forced Displacement 2018, United Nations High Commissioner for Refugees.



Share with friends: