8ይ ዓመት - ዝኽሪ ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

03/10/2021 00:46 AM

03 October 2021፡ 8ይ ዓመት ዝኽሪ
ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ

ዝኽሪ ህልቂት 369 ኤርትራዊያን ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ፡ 03 ጥቅምቲ 2013።

03 October 2021: 8TH Anniversary of
Lampedusa Victims.
8th Remembrance Day of 369 Eritreans perished in the Sea of Lampedusa, on 03 October 2013

Lampedusa victims 8th Anniversary

8ይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ
8TH Anniversary of Lampedusa Victims.
03 October 2021

ሰላም ንኹልኹም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም!

ኣብ መፈለምታ ናይዛ ቅድሚ ሳልስቲ ዝተዛዘመት ወርሒ መስከረም 2021፡ ነታ ኣብ መስከረም 1961 ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት ናይ ኤርትራውያን ብሓበን ዘኪርና። ኣብ 18 መስከረም 2021 ድማ፥ ነቲ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘጋጠመ ጥልመት ሕድሪን መብጽዓን ሰማእታትና፡ ማለት፡ ትግባረ ቅዋምና ዝተኸልከለሉ፥ ናጻ ጋዜጣታትና ዝተዓጽዋሉ፡ መራሕቲን ኣርካናትን ሓርበኛታትናን ናጻ ጋዜጠኛታትናን ዝተሓየሩላን፡ በዚ ኸኣ ኣብ መላእ ኤርትራ ጸላም ዝሰፈነትላ ወርሒ ምንባራ፡ ብዓቢ ሓዘን ዘኪርናያ። ዕለት 18 መስከረም፡ ንኹሎም ቶም ቅድሚኣን ድሕሪኣን ዝተሰወሩ ኤርትራውያን እንዝክረላ ዕለትን ወርሒን ስለዝኾነት፡ ንኹሎም ግዳያት ብዓሚቕ ሕልና ኢና ንዝክራ። ስለዝኾነ ኸኣ ኢዩ፡ ኣብ ኩሉ መራኸቢ ብዙሓን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ብዕምቆት ክትዝከር ዝቐነየት።

እወ፡ እቶም ሃለዋቶም ዝተሸርበ ሓርበኛታትናን ጋዜጠኛታትናን፡ #ይኣክል! ኩሉ ዝሓለፈ ኣከያይዳና ገምጊምና፡ ጉድለታትና ኣሪምና፡ ናብ ንቡርን ቅዋማዊን ኣሰራርሓ ንምእታው፡ ስልጣን ናብ ህዝብና ከነረክብ ኣሎና ኢዮም ዝበሉ። እቲ ፊን ከም ዝበሎ ክኸይድ ዝደሊ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን፡ ካልእ ዕላማ ስለዝነበሮ፡ ናብ ማሕዩር ሰዊሩዎም። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ መናሰያትና፡ ካብ ሃገር ሃጽ ኢሎም ነፊጾም። ኣዝዩ ዘሕዝን ሓደጋታት፥ ብፍላይ ካብ 2005 ንደሓር ከጋጥሞም ከኣ ክንዕዘብ ጸኒሕናን ኣሎናን። እቶም ኣርካናትና ኣብ መስከረም 2001: ነቲ ሽዑ ምልኩ ዘግህድ ዝነበረ መራሒ ኢሳይያስ፥ ይኣክል! ክብሉዎ ከለዉ፡ ኣብ ጎኖም ተሰሊፍና እንተንነብር፡ ናይ ኣማኢታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደት ኣይምሰዓበን ነይሩ። ሃገርና ኤርትራ እውን ብኸምዚ ዘላቶ ኩነት ኣይምተዋረደትን፡ ህዝባ ኣይምተኻላበተን።

ኣብ 2013 ልክዕ ከምዛ ሎሚ፥ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2013: እቲ ንመላእ ዓለም ዘሰንበደን ዘሕዘነን፡ ናይ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ህልቂት፡ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢጣልያ (ላምፓዱሳ) ኣጋጢሙ። ሬሳታት ኤርትራውያን፡ ካብ ባሕሪ ተዘቚቑ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ንህዝቢ ዓለም ኣእውዩ። እወ፡ ንሕና ኣብ ጥዑም ቦታ እንነብር ኤርትራውያን፡ ነቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንጽቡቕ ክንጥቀመሉ ዝዓደለና ሰብኣዊ ሕልና፡ ተጠቒምና፡ ወጽዓ ናይ ህዝብና ንዓለም ክንነግር ብዘይምኽኣልናን፡ ነቲ ጠንቂ ሕሰም መንእሰያትና ካብ ሱሩን ኣብ እዋኑን ደው ከነብሎ ዘይምኽኣልናን ኢዩ። ካብዚ ድኻም`ዚ ንነብሱ ናጻ ከውጽእ ዝኽእልን ዘማኻኒን፡ ሓደ`ኳ ካባና ክህሉ ኣይግብኦን ኢዩ። ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነት ከኣ ኢዩ።

ሕልናና ኣበይ ከይዱ፡ ክቡራት ኣሓት፡ ኣሕዋት፡ ኣቦታትን ለባማትን ኤርትራውያን!?

ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ (ኢጣልያ)፡ ኣብ ኣፍደገ ምዕራባዊ ዓለም ስለዘጋጠመ ድኣ ተፈሊጡ እምበር፡ ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ፡ ኣብ ባሕሪታት ሊብያ፡ ማእከላይ ባሕሪን ምድረበዳታት ሲናይን፡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ትሕቲ-ዕድመን ሃሊቖም ኢዮም። ሎሚ ህልቂት ላምፓዱሳ፡ ሓሙናይ (8ይ) ዓመቱ ኣቕጺሩ ኣሎ። ነታ ርግምቲ መዓልቲ፡ ብሓዘን ንዝክራ ኣሎና። ንኹሎም ጉድኣት ዝበጽሖም ስድራቤታት ከኣ ጽንዓት ይሃቦም።

ክሳብ መዓስ ኢና ኤርትራውያን፡ ብኣሊፍ እናጠፋእና ክንነብር!?

እቲ ኣብ ባሕርታት ዘጋጥም ጥፍኣት ናይ ኤርትራውያን፡ ዕለታዊ ኣየቋረጸን። ንሕና ግን፡ ነቲ ዘይንቡር ሞት፡ ኣሜን ኢልና ዝተቐበልናዮን ዝደቀስናን ንመስል።

እቲ ንመንእሰያት ደቂ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ጥፍኣት፡ ኣብ ባሕሪታትን ምድረበዳን ተወሲኑ ኣይተረፈን። ሎሚ፡ ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘይምልከት ኲናት፡ ኣብ ሕምብርቲ ኢትዮጵያ (ትግራይ፡ ጎንደር፡ ክልላት ዓፋር ኢትዮጵያ ከምኡ ውን ኣብ ምድሪ ኦሮሞ) ኢዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ናይ ውግእ ሓዊ ዝጥበስ ዘሎ። ንናይ መን ረብሓ! መልሱ፡ ብሩህ ስለዝኾነ፡ ጥፍኣትና ብህጹጽ ደው ዝብለሉ ሃገራዊ ስጉምቲ ጥራይ ክንወስድ ይግባእ። ሃገር፡ ብዘይ ቅዋም፡ ብዘይ ልዕልና-ሕጊ፡ ብራዕዲን ሽበራን ክትከይድ እንተፈቒድና፡ እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ዘህልቕን ዘብርስን ዘሎ ዲክታቶሪያዊ ኣመራርሓ ዘይኮነ፡ ንሕና ከም እኩብ፡ ኩልና ኤርትራውያን ኢና ተሓተትቲ።

ህልቂት ላምፓዱሳ ኮነ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘጋጠመ ኩነታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ሓዘኑ ብእኩብ ገሊጹ፡ ነቲ ናብዚ ኩነታት ክበጽሑ ዝደፋፍአ ግጉይ ፖሊሲን ምልካዊ ምሕደራን ኤርትራ ድማ ብዓውታ ኮኒኑ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ቤተሰብ ግዳያት፡ ከምቲ ንቡር ሕብረተሰብና ብወግዒ ሓዘኑ ክገልጽ ኣይተፈቕደሉን፡ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣይኣወጁን ንቤተሰብ ግዳያት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣይሃቡን። ብኣንጻሩ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ (ኤሪቲቪ)፡ "ዘይሕጋውያን ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ" ብምባል ኢያ ኣባጭያትሎም። እቲ ኣማኢታት ሬሳታት ኤርትራውያን፡ ከም ንቡር ናብ ዓዱ ከይዱ ንቡር ሓመድ ድበ ክግበረሉ ስለዘይተኻእለ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግዝያዊ ጋህስታት ተኸዚኑ ይርከብ።

እቲ ህልቂት ኤርትራውያን ዘይዓጥጦ ምልካዊ መራሒ ኤርትራ ግን፡ ብኣንጻሩ፡ ህዝብና ንምፍርራህን ንምርዓድን፡ ዕድመ-ምልኪ ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ኩሉ ጸጋታት ሃገርና፡ ናብ ስለያዊ መሓውራቱ ብምውዓል፡ ህዝብና ኣደዳ ድኽነትን ጭንቀትን ገይሩዎ ይርከብ ኣሎ።

እስከ እዛ ኣብ ሓሙሻይ ዓመት ዝኽሪ ዝተጻሕፈት ጽሕፍቲ ደጊምኩም ርኣዩዋ። ነቲ ክሳብ ሽዑ ኣብ ህዝብና ዝወረደ ስደትን ጉድኣትን እትሕብር ስለዝኾነት።

ኣብ መወዳእታ 2018 ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን 507,300 ኢዮም። እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት 2017 ዝነበረ ቁጽሪ ኤርትራውያን (ማለት 486,000 ኤርትራውያን) ዝለዓለ ምዃኑ ኢዩ። በዚ መሰረት፥ ኤርትራ፥ ኣብ ዓለምና፥ ኣብ ምፍራይ ብዝሒ ስደተኛታት ታሽዓይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ ኣላ።

እተን ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦሙለን ዘለዉ ሃገራት፥- ኢትዮጵያ 174,000, ሱዳን 114,000, ጀርመን 55,300, ስዊዘርላንድ 34,100, ሽወደን 27,700, ኖርወይ 15,200, ነዘርላንድ 14,900, እስራኤል 14,500, ዓባይ ብሪጣንያ 13,000 ምዃኑ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብዚ ላዕለዋይ ቁጽሪ`ዚ ዘይተጸብጸቡ፡ ናይ ዑቕባ ጉዳዮም ገና ኣብ መስርሕ ምጽራይ ዝርከብ 78,600 ኤርትራውያን ከምዘለዉ እውን እዚ ጸብጻብ ወሲኹ የብርህ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ፡ ነቶም ምዝጉባት ሓገዝ ዝግበረሎም ኤርትራውያን ዑቕበኛታት ጥራይ ዝምልከት ኢዩ። ዝርዝር ጸብጻብ ኣብዚ ተወከስ

እዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት፡ መወዳእታ ናይ ኩሉ ሕሰምና ክትከውን ኩልና ኤርትራውያን፡ ፍትሒ ንምንጋስ፡ ኢደይ ኢድካ ንበሃሃል። ሕልናና ንመርምር። ንሓድሕድና ሕድገታት ጌርና፡ ብሓድነት፡ ጸበባ ህዝብና ንምርሃው፡ ንስራሕ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ፡ ነቲ ክፈላልየና ለይትን መዓልትን ዝሰርሕን፡ ኣብዚ እከይ ተግባራት ዚ ንጸጋታት ሃገርና ዘባኽንን ውልቀ-መላኺ ስርዓት፡ ኣገልገልቱ ኣይንኹን። ህዝብና ፍትሒ ክረክብ ኣለዎ። ጽሩይ ኣየር ከነስተንፍስ ኣሎና። ሕዩራትና ካብቲ ዘለዉዎ ዘይፍሉጥ ጎዳጉዲ፡ ክወጽኡ ኣለዎም። ፍትሒ፡ ኣይኮነን ዶ ንፈታዊ፡ ንጸላኢኻ እውን መሰሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ፍትሒ እናተጓዕጸጸት፡ ከምዘይረኣና ምጽቃጥን ስጉምቲ ዘይምውሳድን፡ ካብ መስርዕ ገበነኛታት ዝፈልየና ኣይኮነን። ናብ ሕልናና ንመለስ። ምእንቲ ብሓባር ክርህወና።

ንኹሎም ግዳያት፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም።

ንመላእ ቤተሰብ ድማ ጽንዓት ይሃብ።

ስኒትና.ኮም
03 October 2021


ERISAT (03 Oct 2021): 8ይ ዓመት፡ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት፡ ህልቂት ላምፔዱሳ።
ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ፡ ላምፔዱሳ።
8th year Rememberance Day, of The Lampedusa Catastrophy in which over 350 Eritreans were perished in one day, at the door-step of the Sea of Lampedusa, on 03 October 2013.


ERISAT (03 Oct. 2021): ብቀጥታ ዝመሓላላፈ ዝኽሪ 8ይ ዓመት ህልቂት ላምፐዱዛ | 8th year Lampedusa...


Global Yiakl: ፍሉይ መደብ ብዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ #ይኣክል
ብምኽንያት 3 ጥቅምቲ፡ ዝኽሪ 8ይ ዓመት ህልቒት ላምፓዱሳ።


MELA MEDIA: Documentary -
The Pain of Lampedusa 03102021 MM.
ሰነዳዊት ፊልም፦
ቃንዛ ላምፐዱዛ ቃንዛና ኾይና ሓሊፋ ኢያ'ሞ ንኹልና ስድራ ግዳያት ናይ ምጽንናዕን ደበስን ግዜ ይሃበና።


ERI-TV (News 04 Oct 2013).
ዜና ኤሪ-ቲቪ፡ ዕለት 04 ጥቅምቲ 2013


Voice of Assenna (07 Oct 2013): Interview with survivors of Lampedusa tragedy & Tewelde Tesfamariam Vacaro's call.
ERITREA: Nation in Mourning - following the Lampedusa tragedy which claimed the lives of hundreds of Eritrean immigrants.


Eri-Bahgna: መሰረት ሃገራዊ ፖለቲካ ኣብ ምስፋን ሰላምን ርግኣትን፣ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ምሕደራን፣ ሃገራዊ ልምዓትን ቁጠባዊ ዕብየትን ወሳኒ ታራ ኣለዎ!


Eritrea//TEKLINO....LAMPEDUSA, Italyhe 111 coffins were numbered


Video Assenna:ROME Demo:Mother Activist Asgedet Speaks Passionately Regarding the Lampedusa Tragedy


NEWEST VIDEO Funeral service of Eritrean Lampedusa Victims


Eritrea Lampedusa Tragedy/ @TG3L


Eritrea: Silence Kills


ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)

● ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)



ቃለመጠይቕ ምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ። Interview with Father Mussie Zerai (06 October 2014)

Father Mussie Zerai

ጸብጻብ ስደተኛታት ኣብ ዓለም 2018፡ Global Trends: Forced Displacement 2018, United Nations High Commissioner for Refugees.


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: