ሎሚ ይኣክል ዘይበለ፡ ታሪኹ ዝሐተለ

03/04/2019 21:24 PM

ሎሚ ይኣክል ዘይበለ፡ ታሪኹ ዝሐተለ

ብ'ጎይትኦም ኢማም (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ)

ጎይትኦም ኢማም

ሎሚ ይኣክል ዘይበለ፡ ታሪኹ ዝሐተለ
ካብ ጎይትኦም ኢማም (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ)

ሎሚ ይኣክል ዘይበለ፡ ታሪኹ ዝሐተለ
ሃገሩ ዝኸሓደ፡ ካብ ህዝቡ ዘግለለ
ምስትውዓል ዝጎደሎ፡ ብማዕዶ ዝልለ
ንእሽቶ ዝተረፈቶ ንዕብዳን ጽላለ።

ሕልንኡ ዝሸጠ፡ ህዝቡ ዝጠለመ
ዕሽሽ ዝበለ፡ ናይ ኣዴታት ቁዛመ
ብሕሉፍ ዘይመሃር፥ ትምህርቲ ዝተቐስመ
ናይ ታሪኽ ጉሓፍ’ዩ፡ ፍትሒ ዝተሓስመ።

ዘሕብን ዝመስሎም፥ ንሕና ንሱ ምባል
ንምልኪ ምውሻም፡ ብኢሳያስ ምትላል
ኤርትራ ረሲዖም፥ ኢትዮጵያ ክትኮኖም ጽላል
ኣዚሮም ዘይሓስቡ፡ ክብሪ ነብሶም ምጉዳል።

ዶብ ይተሓንጸጽ፡ ትብሉ ከምዘይጸናሕኩም
ሓደ ህዝቢ ኢና ካብ በለ፡ መላኺ ኣያኹም
ምድማር ዶ/ር ኣቢይ፥ ቀልጢፍኩም ዝረዓምኩም
ኢሰፓ ናይ ኢሳያስ፡ ክትኮኑ ዝመረጽኩም።

ዘይስቆሮም ኩሎም፥ ምብታን ናይ ስድራቤት
ብርሰት ናይ ወለዶ፥ ዕንወት ናይ እንዳታት
ሰብ ዘይብላ ሃገር፡ ምብዳም ናይ ቦታታት
ፍጹም ዘይስቆሮም ናይ ሰማእታት ጥልመት።

ስራሒ ታሪኽ ተሳኢኑ፡ ኣብ’ዚ ሎሚ እዋን
ነዛ ሐጻር ሂወት፡ ክንድ’ዚ ምክንኻን
ነፍሰ-ፍትወት ሳዕሪሩ፥ ተሪፍና ቁንጪ ትዃን
በየን ክርከቡ፡ ናይ ትማሊ ጀጋኑ ፈዳይን።

ኣበይ ኢዩ ከይዱ፥ ናይ ቅድም ጅግንነት
እቲ ሃገር ዘምጽኣ፥ እቲ ሓርበኝነት
ብሓደ ሰብኣይ’ዶ፥ ሃገርካ ትዝመት
ኤርትራ እንዳጠፍኣት’ዶ፡ ስቕ ኢልካ ትዕመት።

ኣይረሳክዎምን ይኣክል ዝበሉ፥ ካብ ድሮ-ጊሓቱ
ብንግሆኡ ዝተዓዘቡ፥ ኣካይዳ ኣመቱ፥
ህዝቦም ዘይጠለሙ፥ ብመትከል ዝሞጎቱ
ኣርሒቖም ዝርእዩ፥ ንነዊሕ ዝጠመቱ፡

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከመይ ቀሲኑ ይድቅስ
መቓልስቱ ኣብ ማሕዩር፥ ጥዑይ ኣየር ከስተንፍስ
ክሳራ ኣይኮነን ኢሉና፡ ናይ ኣሸሓት ደም ክፈስስ
ባዕሉ ነጊርና፡ ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ከምዝግደስ።

ወሃዮ ንየው በላ፡ ቀደም’ዩ ተባሂሉ
በዓል በረኸት መንግስትኣብ፡ ምስ ህግደፍ ከይሓከሉ
ናይ ትንኩልና መርበብ፥ ፍሕሶ ናይ ተዃሉ
ብባዶ 3 ዝተተከአት፡ መስርሒ ናይ ጉሓሉ።

ናይ ሓሶት መጋበርያ፡ ንጠንቀቕ ካብ ምዃን
ንሕሰብ ንመራመር፥ ዝኾነ ወረ ምእማን
ምምሃር የድልየና፥ ካብ ጌጋ ኣዴና ሂዋን
እንተዘይተናኸሱ መሊኦም ኢዮም ኣትማን።

ሃገር ኣብ ሓደጋ ከላ፡ ምፍልላይ ንግደፍ
ኢደ-በይዛ ኣይንኹን፡ መሳርሒ ናይ ህግደፍ
ሓቢርካ ንቃለስ፡ ንጋባእ ንጠርነፍ
ኣይንግበሮ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ሓላፍ ዘላፍ።

ኣብ ደገ ከባእሰና ኣይግባእን፥ ስልጣን ናይ ህዝቢ
ብሩህ ኢዩ፥ መን ምዃኑ ስልጣን ተረካቢ
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ መከራ ረኻቢ
ክርህዎ ዝምህለል ዘሎ፡ ንእሽቶ ይኹን ዓቢ።

ይኣክል ንበሎ፥ ውድበይ ውድብካ
ሰሚርካ ተቓለስ፥ ከተድሕን እዛ ሃገርካ
ሰማእታት ክድበሱ፥ ክሓልፈሉ ህዝብኻ
ቀልጢፍካ በጥሶ ናይ ምልኪ ማሕለኻ።

ቀይሕ ባሕሪ ሒዝካ’ዶ ህዝብኻ ተጥሚ
ኣቃሊሱ ዝተቓለስ ህዝቢ’ዶ ትገብሮ ቆዛሚ
ጸለሎ ዝተኸድነ፡ ዝናፍቕ ንዓሚ
ንመንእሰይ ኤርትራ ገይሮዎ፡ ኣብ ስደት ከዳሚ።

ደጋፋይ ተቛዋማይ፡ ክኸውን ነበረያ-ነበረ
ዝዓግቶ የብሉን፡ ህዝቢ ምስ ሰመረ
ከምኡ ጌይሩ’ዩ፡ ህዝብና ጸላእቱ ዘባረረ
ምንጋር ኣየድልየኩምን ኢዩ፡ ናይ ትማሊ ስረ።

ጸላኢኻ ፍለጥ፥ ዋርሳይ ይከኣሎ
ብደቡብ የለን ሕጂ ጸላኢ ዝሕሎ
ይኣኽለካ በሎ፥ ኢሰያስ ዘታለሎ
ምልኪ ህግደፍ ከብቅዕ፡ ብግብሪ ይኣክል በሎ።

ኢደይ-ኢድካ ንበል፥ ሃገር ከነድሕን
ህዝብና ክርህዎ፥ ልቡ እውን ክቐስን
ደቁ ክሓቁፍ፥ ዝቐብሮ ከይስእን
ተልዓል ኤርትራዊ ዓብን ንእሽቶይን።

መንእሰይ ተለዓል፡ ተስእ ተበራበር
ብህዝባዊ ማዕበል፥ ህግደፍ ንክባረር
ዓድኻ ክትምለስ፥ ከተካይድ ንቡር ሓዳር
ኣብ ሕቕፊ ስድራኻ፥ ከትሰርሕ ክትመሃር።

ኣኺሉ ኢዩ እቲ ሰዓት፥ ህግደፍ ምስንባት
ከብቅዕ ምክልባት ኣብ መከራ ስደት
መንእሰይ ከውጽኦ ህዝቡ፡ ካብ ጸልማት ደልሃመት
መላሲ የብሉን፥ እንተንቂዱ፥ እቲ ጅግና ሓየት።

ጎይትኦም ኢማም
ጎይትኦም ኢማም (ካብ ሕ/መ/ኣመሪካ)


Share with friends:


See also recent Articles by Goitom Emam:


መልእኽቲ ብ’ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ፡ ሰገነይቲ ወርሒ 10 2018


ናይ ቃል መልእኽቲ ሓርበኛ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ፡ ንህዝቢ ኤርትራን፡ ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን



See also Related:


Share with friends: