ግዝኣተ-ሕጊ እንታይ ማለት እዩ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

06/03/2020 18:05 PM

ግዝኣተ-ሕጊ
እንታይ ማለት እዩ?

What is the meaning of
Rule-of-Law?

ብ'ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ(ጆርጅ)
by Mr. Fessahaye Gebregiorgis,
London March 2020.

ግዝኣተ-ሕጊ እንታይ ማለት እዩ?

ግዝኣተ-ሕጊ እንታይ ማለት እዩ?
ብ`ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ (ጆርጅ) -- ለንደን፡ መጋቢት 2020

ናይ`ዚ ጽሑፍ`ዚ መሰረት "The Rule of Law" ዝብል ብ 'ቶም ቢንጋም ዝተባህለ ፍሉጥ ፈራዳይ እንግሊዛዊ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ኮይኑ፥ ብሙሉኡ ትርጉም ዘይኮነስ ንኣና ንኤርትራውያን ኣብዚ ጊዜ`ዚ ዘድልየና ጠቓሚ ሓሳባት ኣውጺእካ ንሕብረተሰብና ትምህርቲ ይኸውን እዩ ብምባል ተቐሪቡ ኣሎ። "ደለይቲ ፍትሒ" ክበሃል ከሎሲ እንታይ ዕላማ ከምዘሎ ንምብራህ እዩ።

ከምቲ መጽሓፍ ዝብሎ ብዛዕባ ግዝኣተ ሕጊ መጀመርያ ዝጸሓፈ ፕሮፈሶር ዳይሲ ካብ ኦክስፎርድ ብ'1885 እዩ። እቲ ቀንዲ ሕመረት ሓሳቡ ድማ፥ "ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ኣይኮነን። ሓደ ሕጊ ብሓደ ቤት ፍርዲ ዝመሓደር ኮይኑ ንኩሉ ሰብ ይምልከት።"

ብ'1948 አሊኖር ሩዝቨልት ዝተባህለት ኣመሪካዊት ብዛዕባ ኣድማሳዊ ኣዋጅ መሰል ወዲ ሰብ ከምዚ ትብል፥ "እዚ ኣዋጅ`ዚ ኣድላይ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ወዲ ሰብ ምእንቲ ኣንጻር ጸቕጢን ጭቆናን ተቓውሞ ከልዕል ከይግደድ`ሞ፡ መሰሉ ብሕጊ ክሕሎ ስለዘለዎ እዩ።"

ጆን ብለክ ዝተባህለ ብ`1690 ከምዚ ይብል፥ "ሕጊ ስርሑ ምስ ዘቋርጽ ዓመጽ ይጅምር።"

እዞም ኣብ ላዕሊ ዘሎዉ ሓሳባት ምዕባለ ስርዓተ ሕጊ ዘመላኽቱ ኮይኖም፡ መለለዪ ብሕጊ ዘይምእዘዝ ስርዓት ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፥

1. ፍርቂ ለይቲ ኣብ ገዛኻ ብጸጥታ ትኩሕኳሕ

2. ሃንደበት ካብ ቤተሰብካን መሳርሕትኻን ሕብረተሰብን ትስወር

3. ንይምሰል ቤት ፍርዲ ትቐርብ (ከም ፍሉይ ቤት ፍርዲ ህግደፍ ንኣብነት)

4. ንእሱራት ከም መላመዲ ሕክምና ትጥቀመሎም (ናዚ ጀርመን ኣብ ልዕሊ`ቲ ድኹማት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝበልዎን፥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳውያንን። መግዛእቲ ጣልያን`ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተመሳሳሊ፡ ኣብ ሰብ፡ መላመዲ ሕክምናዊ መጽናዕቲ የካይዱ ነሮም እዮም)

5. ብመግረፍቲ፡ ገበን ከተእምን ምፍታን

6. ናይ ተሃድሶ ካምፕ፡ ምክያድ

7. ብጋዝ፡ ሰብ ተጥፍእ (ናዚ ጀርምን)

8. ጃምላዊ፡ ዓሌት ምጽናት

9. ህዝቢ ዘይወሰኖ፡ ዓመጻዊ ኩናት ምውላዕ ( ኣብ ኤርትራ ድማ ሕዝቢ ይኹን ኣርካናት ሰውራ ኤርትራ ዘይፈልጥዎ ኩናት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፡ ብ`1998 ኣይተ ኢሳያስ ወሊዑ፡ እዚ ድማ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ተረጋጊጹ እዩ)።

ካብቲ ብዛዕባ መሰል ወዲሰብ ብዙሕ ጊዜ ዝጥቀስ ማግና ካርታ (Magna Carta) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ብ'1215 ዝተጻሕፈ ዶኩመንት እዩ። ትርጉም ማግና ካርታ "እቲ ዓቢ ቻርተር" ማለት ኮይኑ፡ ኩሉ ሰብ ዋላ መራሕቲ ከይተረፉ፡ ትሕቲ ሕጊ ምዃኖም፡ ዝእምት ዶኩመንት እዩ። ዕላምኡ፡ መሰል ሓለፋታትን ነጻነትን ናይቶም ካህናትን መሳፍንትን ዘርዚሩ፡ ስልጣን ንጉስ ከኣ ገደብ ዝገበረ ነይሩ። ማለት፡ ሽዑ ጊዜ ኣብ ሞንጎ ንጉስን ካህናትን/መሳፍንትን ዝነበረ ስልጣን፡ ንምክፍፋል እዩ ነይሩ መንቀሊኡ። እምበር፡ ኣብ መሰል ተራ ድኻ ሰብ፡ ትኹረት ኣይነበሮን። እቲ ዶኩመንት፡ 63 ዓንቀጻት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ቀንዲ ትሕዝቶኡ፦ ኣብ ምሕደራ ፍርዲ፡ ዝርዝራት መስፍናዊ መሰላትን የተኩር። መንቀሊኡ`ውን ኣብ ሞንጎ ንጉስን መሳፍንትን ዝነበረ ግርጭት ንምህዳእ እዩ ነይሩ። እቲ ንጉስ ኣብቲ ጊዜ`ቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ንምዝሓል፡ ማግና ካርታ ክእውጅ ተገዲዱ። ክሳብ ሕጂ ካብቲ ናይ መጀመሪያ ጽሑፍ 4 ቅዳሕ ብላቲን ዝተጻሕፈ ከምዘሎ ይጥቀስ። ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ድማ ከም ዓቢ ቅርሲ ተታሒዙ ይርከብ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ንሓደ ካብዚኦም፡ ኣብ ሳሊስበሪ ዝበሃል ከተማ ምስ ስድራይ ክርእዮ ዕድል ረኺበ ነይረ። ኣብዚ ዘለናሉ ጊዜ ብዙሕ ዓንቀጻት ካብዚ ጽሑፍ መወከሲ ደኣ ይገበር እምበር፡ ኣብ ዘበናዊ ሕጊ እንግሊዝ፡ ቀንዲ 3 ዓንቀጻት ጥራሕ ተወሲደን ይርከባ። ንሳተን ከኣ፦

1. ነጻነትን መሰልን ቤተ-ክህነት ዝከላኸል
2. ነጻነትን ልምድታትን ከተማ ለንደንን ካልኦት ከተማታትን ዘረጋግጽ
3. መሰል ኩሉሰብ ዝሕሉ፡ ዓንቀጽ 39

እቲ ንሒጂ ዘገድሰና ኣብ ዓንቀጽ 39 ዝርከብ ኮይኑ ከምዚ ይብል፥ "ዝኾነ ሰብ ክተሓዝ፡ ክእሰር ወይ ድማ መሰሉን ንብረቱን ክሕደግ የብሉን። ክስጎግ ወይ ከምዝስደድ ምግባር ኣይግባእን። ብዝኾነ ኣገባብ ሰብኣውነቱ ክቕንጠጥ የብሉን። ብሓይሊ ኣንጻሩ ክንዕምጽ ኣይግባእን። ዋላ`ውን ብኻልኦት ንኽትግበር እንተኾይኑ፡ ብሕጋዊ ፍርዲ ከባቢኡ ክኸውን ኣለዎ። ንማንም መሰል ወይ ፍትሒ ክንክልክል፡ ከነዳናጒ ወይ ክንሸይጥ ኣይግበርን።" ክዝንጋዕ ዘይብሉ ዋላ እዚ ደምክራሲያዊ ጽሑፍ ይውጻእ`ምበር፡ ኣብ ሃገር አንግሊዝ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ነዊሕ ቃልስን ጊዜን እዩ ወሲዱ። ንኣብነት`ኳ ናይ ባርነት ንግዲ ድሕሪኡ ኢዩ ተኻይዱ። እቲ ዘሕዝን ኣብ ኤርትራ`ውን ክሳብ ሕጂ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምባል፡ ወፍሪ ባርነት እና ተኻየደ፡ ዜጋታት ጉልበቶም ብነጻ እሞ ኸኣ ንዘይተወሰነ ጊዜ ይምዝመዝ ኣሎ። ደቂ ኣንስትዮ ክመርጻን ክምረጻን ዘፍቅድ መሰል፡ ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኢዩ ተተግቢሩ። ስለዚ ማግና ካርታ፡ ቀስ ኢሉ ዝማዕበለ`ምበር ሃንደበታዊ ሽግር ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ዝመጸ ኣይነበረን። እቲ ቀንዲ ዕላምኡ፡ ገደብ ዘይነበሮ ንጉሳዊ ስልጣን ንምድራት እዩ ነይሩ። በቲ ጊዜ`ቲ፦ ሓጋጊ፡ ፈጻሚን ፈራዲን ስልጣን ናይ ንጉስ እዩ ነይሩ። በዚ መለክዒ ክርአ ከሎ፡ ኢሳያስ፡ ካብ ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ ብምንም መገዲ ኣይፍለን። ዝኾነ ኮይኑ፡ ማግና ካርታ፡ ጥንሲ ናይ ስርዓተ ሕጊ እዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ሰብዓታት (1970ታት) ጀሚሩ፡ ሰብኣዊ መሰል ተቐንጢጡ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ስርዓት ህግደፍ ንወዲ ሰብ፡ ከም ኣቕሓ ከም ድላዩ ይገብሮ ኣሎ።

ካልእ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተረኽቦ ከኣ፡ ሃብየስ ኮርፐስ (Habeas Corpus) ዝበሃል ኣተሓሳስባ፡ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ወዲ ሰብ፡ ጠጠው ዝበለ እዩ። ሓደ ሰብ ብኣካል ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ጥራሕ እዩ ሕጋውነት ወይ ዘይሕጋውነት ማእሰርቱ ዝረጋገጽ። እቲ ዝውሰን ፍርዲ`ውን እንተኾነ ብወገን ከሳስን ተኸሳስን ይግባይ ዘፍቅድ ክኸውን ይግባእ።

ካብዚ ቀጺሉ ዝመጸ ምዕባለ፡ ንወድሰብ ብጭካነ ንምሓዝ ዘየፍቕድ፡ ታሪኽ ሕግታት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ምቁራጽ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዝምልከት እዩ።
ንኣብነት፡ ጨካን ኣተሓሕዛ እሱራት ጠጠው ዝበለለን ሃገራት፡ ከምዚ ዝስዕብ ይምልከት፥

ሃገረ እንግሊዝ ---- 1707
ፈረንሳይ ---- 1789
ጥልያን ---- 1786
ፕራሽያ ---- 1740
ሆላንድ ---- 1787
ሽወደን ---- 1734
ደንማርክ ---- 1771
ሩስያ ---- 1801
ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ -- 1791

እዚ ክበሃል ከሎ ግን፡ ኣብ ጉዕዞ፡ ዓመጽቲ ስርዓታት ምስ ዝቕልቀሉ ነዚ መሰል`ዚ ኣየተግብሩዎን ነሮም። ህልቂት ይሁዳውያን ብጊዜ ሂትለር ከም ኣብነት ዝጥቀስ ኣስካሕካሒ ፍጻሜ እዩ። ኣብ ኤርትራ፦ ዕፈና፡ ምጭዋይ፡ ይትረፍዶ ሕጋዊ መሰል ክረክብስ ይትረፍ፡ ወዲ-ሰብ ኣበይ ከምዝኣተወ እውን ኣይፍለጥን፡ ቤተ-ሰቡ ደሃዩ ኣይረኽቡ፡ ብሂወት ይሃሉ ኣይሃሉ`ውን ኣይፍለጥን።

ኣብ ንቡር ምሕደራ፡ ነቲ ጭካኔ ጠጠው ንምባል ዘገደዱ ምኽንያታት፥

1. ዕብየትን ዝርጋሐን እቲ ጭካነ፡ መጠኑ ዝሓለፈ ብምዃን

2. ብሓይሊን መግረፍትን ዝርከቡ ኑዛዜታት፡ ዘየተኣማምኑ ብምዃኖም

3. ካብ ማህረምቲ ንምድሓን ክብል ሓደ ክሱስ፡ ዝኾነ ክኣምን ስለዝኽእል

4. ነቶም ፈራዶ`ውን፡ ሞራላዊ ጸቕጢ የምጽኣሎም ብምንባሩ... ወዘተ

ካብዚ ብምቕጻል ብዛዕባ `Bill of Rights’ ብ`1689 ዝወጻ ኣዋጅ ንመልከት። እዚ ኣዋጅ`ዚ፡ ንጉሳውያን ስርዓታት ብኢደ ወነኖም ብዙሕ ሃገራዊ ውሳነታት ይውስኑ ስለዝነበሩ፡ ኣድላይነት ፓርላማ ዘቐምጥ እዩ። 3 ዓበይቲ ዕላማታት ድማ ነሮሞ፥

1. ስልጣንን ነጻነትን ፓርላማ ኣነጺሩ፡
2. ውሳነታት ፓርላማ ውሕስነት ከምዝህልዎ ገይሩ፡
3. ብዘይ ስምምዕ ፓርላማ፡ ብጊዜ ሰላም ቀዋሚ ሰራዊት ከይህሉ (በቲ ሽዑ ጊዜ ኣብ ከም፦ በዓል ሃገረ እንግሊዝ ሓደ በዓል ስልጣን ናቱ ሰራዊት ኣኪቡ ውግእ የካይድ ነይሩ)፡

ምስ እዚ ዝተኣሳሰር፡ ንዘይሕጋውነት ፈጻሚ ኣካል ዝቆጻጸር ብሓቂ ነጻ ዝኾነ ፍርዳዊ ኣካል ክህሉ ነይሩዎ። ካብኡ ተረፈ፡ ህዝቢ ግዳይ ናይ ጸቓጢ መንግስቲ እዩ ዝኸውን።

ቅዋም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USA) ሓደ ካብቶም ንምዕባለ ስርዓተ ሕጊ ዝሓገዙ ሰነዳት እዩ። ካብኡ ቀጺሉ`ውን ናይ ፈረንሳይ ኣዋጅ፡ ብዛዕባ መሰል ወዲ ሰብን ዜጋን 1789፡ ክጥቀስ ይከኣል። ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና ግን እዚ ኣዋጃት`ዚ ንዜጋታቶም ዝምልከት ደኣ`ምበር ኣብ ርእሲ ካልኦት ኣህዛብን ዓለታትን ዝኽተልዎ ዝነበሩ ኣገባብ ሕጊ፡ ፍሉይ ትሕዝቶ ኢዩ ነሩዎ። ጸለምቲ ኣመሪካ መሰሎም ንኽረኽቡ፡ ነዊሕ ጊዜ፡ ከቢድ ዝተሓላለኸ ቃልስን መስዋእትን ከምዘድለየ ኩልና ንፈልጦ ሓቂ እዩ።

ሕጊ ውግእ፥

እዚ ዘመልክት፡ ሃገራት ንኲናት ወይ ብረታዊ ጎንጺ ብኸመይ ይገጥምኦ ማለት እዩ። ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ ዝወጹ ገለ ኣዋጃት ንምጥቃስ፥

1. ኣዋጅ ኣተሓሕዛ ኣብ ኲናት ዝቆሰሉን ዝተማረኹን ሰባት ውዕል ጀነቫ (Geneva Convention)
2. ዓለምለኻዊ ኮሚቲ ቀይሕ መስቀል (International Committee of the Red Cross)
3. ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ (International Criminal Court)
4. ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰል (ፓሪስ 1948) (Universal Declaration of Human Rights)

ኣፍልጦ ሕጊ፥ (Legal Education)

ሕጊታት ይቑሙ ደኣ`ምበር፡ እንድሕሪ ዜጋታት ዘይፈሊጦሞን ተረዲኦሞን፡ ክጥቀሙሉ ኣይክእሉን። በዚ ምኽንያት ሕግታት፡ ንጹራትን ብቐሊሉ ዝርድኡን ኣብ ዝደለኻዮ ጊዜ ረኺብካ ተንብቦን፡ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ምስ ዝኽውን ከኣ፡ ኲሉሰብ መሰሉን ግቡኡን ከለሊ ይኽእል። ናይ ንግዲ ሕጊ`ውን ምስኡ ዝተሓሓዝ ኮይኑ፡ ሕግታት ወፍሪ፡ ቢዝነስ ናቶም ሕግታት ይህልዎም። ኣብዚ፡ መሰልን ግቡእን ነጋዳይ ብዝርዝር ክቕመጥ ይግባእ። ንኣብነት ኣከፋፍላ ቀረጽ፡ ቀረብ ሸርፊ ወጻኢ፡ ብንጹር ክፍለጥ ኣለዎ።

ናብ ሃገርና ኤርትራ እንተመጺና፡ እቲ ስርዓት ዝወስዶ ዝተፈላለየ ስጉምቲታት፡ ብናቱ ኣዋጃት ክርአ እንከሎ ሕጋዊ እዩ ይብል። ነገር ግን፡ ብሱሩ እቲ ስርዓት ውክልና ህዝቢ ስለዘይብሉን ብዓቢኡ`ውን ሃገራዊ ቅዋም ስለዘየለን፡ ዝኾነ ስጉምቱ ዘይሕጋዊ እዩ። ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ "2% ግብሪ ሃገር ንምሕዋይ" ተባሂሉ ዝተጀመረ፡ ፈጺሙ ሕጋዊ መሰረት ዘይነበሮን ኣብ ስምዒት ህዝቢ ዝተሞርኮሰን እዩ። ዋላ እቶም ሃንደስቱ ይኹኑ፡ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ጠቒሶም አዮም። ለውጢ ግን ኣይገበሩን፥ እኳ ደኣ ብሂወቶም ዋጋ ከፊሎም። ዳሕራይ ድማ እቲ ስርዓት ነዚ 2% ቀረጽ፡ ከም መቆጻጸሪ ህዝቢ ክጥቀመሉ ወሲኑ።

እቲ ዘሕዝን ድማ ሃገራዊ ቅዋም መኣስ ከም ዝትግበር ዝኾነ ምልክት ስለዘየለ፡ እቲ ህዝቢ፡ ብዘይ ሕጋዊ መንግስቲ ምምሕዳር ከም ንቡር እናለመዶ ከይዱ። እዚ እዩ ከኣ ዝዓበየ ሓደጋ። ዳርጋ ናብ ሃይማኖታዊ ኣምልኾ እዩ ተለዊጡ።

ዕላማ ሕጊ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ደቂሰብ ዝሕሉ ይኸውን። እዚ ማለት፡- ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን፡ ቅርዑይ ምሕደራን፡ ዘይነጻጸሉን ዝተኣሳሰሩን እዮም። እቲ ቅቡል ሕጊ፡ ስቕ ኢሉ ብሓደ ፖሊቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ መንግስቲ፡ ዝቐውም ኣይኮነን (ከም ኣዋጃት ህግደፍ ንኣብነት)።

መሰል ህይወት፥ (Rights to Life)

እዚ ናይ ሓደ ሰብ ምንባር መሰል፡ ብዙሕ ጊዜ ይስገር እዩ። ንሱ ግን ሓደ ካብቶም ቀንዲ መሰረታውያን መሰላት ወዲ ሰብ እዩ። ሓደ ሰብ ናይ ህይወት ዋሕስ እንተዘይሃልዎ፡ ብዛዕባ ካልኦት መሰላት ምዝራብ ፈጺሙ ትርጉም ኣይህልዎን። ብዛዕባ ሕልፈት ህይወት ወዲሰብ፡ ኣኣብ ሃገሩ ብዙሕ ሕግታት ኣሎ። ከከም ክብደት ወንጀል ድማ ፍርዲ ይወሃቦ። ሓድሓደ ጊዜ፡ ካብ ዘይሕጋዊ ግፍዒ ነብስኻ ምክልኻል ዘጋጥም ሕልፈተ-ህይወት ኣሎ። ምስ ኮነ ኢልካ ዝፍጸም ቅትለት ድማ፡ ሓደ ዓይነት ፍርዲ ኣይወሃብን። ምስ እዚ ዝተሓሓዙ ተወሰኽቲ ዓንቀጻት ንምጥቃስ፥

1. ዝኾነ ሰብ፡ ብጭካነ ወይ ብ`ኢሰብኣዊ ወይ ሰውነትካ ዘትሕት መቕጻዕቲ፡ ክወሃብ ኣይግባእን።
2. ዝኾነ ሰብ፡ ብባርነት ወይ ብግዱድ ዕዮ ክተሓዝ የብሉን። ኣብ ኤርትራ እቲ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ኣብነት ይውሰድ። እዚ ሕጋውነት ዘይብሉ፡ ንወዲ-ሰብ ናብ እንስሳ ዝቐየረን ትርጉም ሂወቱ ዝደምሰሰን፡ ኣገባብ ኮይኑ ንረኽቦ።

ሃገርና ኣብዚ ጎደና`ዚ ነዊሕ ጉዕዞ እዩ ዝጽበያ፡ ምኽንያቱ፡ ፍርዲ ብጥይት ዝወሃበሉ ኣጋጣሚታት ማእለያ የብሉን።

መሰል ምኽባር ውልቃውን ስድራ-ቤታውን ሂወት፥ (Right to respect for private and family life)

እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ዝኾነ ሰብ ክብሪ ሓዳሩ፡ መንበሪኡ፡ ምስ ሰባት ርክቡ፡ መሰሉ ክሕለወሉ ማለት እዩ። ከምዚ ክበሃል ከሎ፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ድሕንነት ሕብረተሰብ፡ ኤኮኖምያዊ ኲነታት ሃገር፡ ምክልኻል ሃገር፡ ረብሻን ወንጀልን፡ ምክልኻል ጥዕናን ሞራል ህዝብን፡ መሰልን ነጻነትን ካልኦት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ።

ነጻነት ምሕሳብን፡ ምዝራብን፡ ምጽሓፍን፡ እምነትን (ሃይማኖት)፥ (Freedom of thought, belief and religion)

እዚ መሰል`ዚ ዘካትቶ፥ሃይማኖት ወይ ከኣ እምነትካ ምቕያር ነጻነት፡ዝደለዮ እምነት ምስ ካልኦት ወይ ብውልቁ ከተግብርን ክኣምንን ዘፍቅድ ማለት እዩ።

ናይ ሓሳብካ ምግላጽን ነጻነት እምነትን መሰል ቅቡል ኮይኑ፥ ወሰን (ዶብ) ሃገር ዘይትንክፍ፡ መሰል ካልኦት ዝከላኸል፡ ብስቱር ዝተዋህበካ ሓበሬታ ዘይምግላጽ፡ ነጻነት ቤት ፍርዲ ምሕላው የጠቓልል። ኣብ ኤርትራ ብጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ብወተሃደራዊ ዲስፕሊን ምምራሕ ግድነት`ኳ እንተነበረ፡ ተጋዳላይ/ኣባል ሓፋሽ ውድብ ርእይቶ ምሃብ ከም ኣሉታዊ እናተራእየ፡ "እንታይ ንምፍላጥ ኢኻ ህርድግ ትብል" እናተባህለ ብዙሕ ዋጋ ተኸፊሉ እዩ። እዚ ናይ ምድሃል ጥበብ መሪሒነት፡ ድሕሪ ነጻነት`ውን ብዝረቐቐ ኣገባብ ቀጺሉ ነዛ ሃገር ኮለል ከብላ ይርከብ።

ነጻነት ምእካብን ማሕበር ምቛምን፥ (Freedom of assembly and association)

እዚ ማለት፥ ሰላማዊ ኣኼባታት ምክያድ፡ ምስ ካልኦት ኰንካ ማሕበር ምቛም እዩ። ንኣብነት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣቚምካ መሰልካ ምሕላው ብሕጊ ፍቑድ ይኸውን።

ንብረትካ ክሕለወልካ፡ ዝኾነ ሰብ ንብረቱ ክጥቀመሉ መሰሉ ይሕሎ፥ ክሳብ ንማሕበረሰብ ዘይተንከፈ። ዝኾነ ሓይሊ (መግስቲ`ውን) ንብረትካ ከም ዊንታኡ ከሕድገካ ኣይግባእን፥ ወይ`ውን ካሕሳ ከይከፈለ ንብረትካ ክውንን፡ ብሕጊ ኣይግባእን። ኣብ ኤርትራ ከም ኣብነት ንምጥቃስ፥ ብ1994 ህግደፍ መሬት ናይ መንግስቲ ኢዩ ኢሉ ምስ ኣወጀ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዝደለዮ መሬት ብዘይ ካሕሳ ካብ ህዝቢ ክምንዝዕ ጸኒሑን ኣሎን። ብተወሳኺ ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ገንዘብካ ካብ ባንክ ከምድልየትካ ከተውጽእ ኣይከኣልን። ብግቡእ ኣየጥረኻዮን እንተተባሂሉ ድማ ብስነ-ስርዓት ኢዩ ክትትል ክግበረሉ ዝግባእ። እቲ ሽግር ግን፡ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ስለዘየሎ፡ እዚ`ውን ኣይከኣልን።

መሰል ትምህርቲ፥ (Right to education) ዝኾነ ሰብ ናይ ምምሃር መሰሉ ክሕሎ ይግባእ። ውሳኔ ናይቲ ሰብ ተራ ኮይኑ፡ እቲ ዕድል ግን ክፉት ክኸውን ኣለዎ። ዝመረጾን ዝኽእሎን ክመሃር፡ ስድራቤት ድማ ከም እምነቶምን ኣረኣእያኦምን ደቆም ከምህሩ ይፍቀድ።

ግብረ-ሽበራ፥ (Terrosism) ግብረ-ሽበራ ወንጀል ስለዝኾነ፡ ብኡ መጠን ሕጊ ብግቡእ ብምጥቃም ክብዳህ ይከኣል። እዚ ንምትግባር ድማ ተኽእሎ ሕጋዊ ስጉምቲ ብምሕያል፡ ማዕረ ማዕረኡ ዲሞክራስን፡ መሰል ሰባትን ምሕላው የድሊ። ናይ ጸጥታ ሃገርን ደሞክራሲያዊ መሰል ዜጋታትን፡ ሚዛን ምሕላው፡ ካብቶም ዓበይቲ ብድሆታት ዓለምና እዮም።

መደምደምታ፥

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ሓሳባት ብዕምቆትን ብምሉእነትን ብናይ ሕጊ ፈላጣት ክቐርብኳ እንተነበሮ፥ ገለ ገለ ንሓፋሽ ህዝቢ ይጠቅም ብዝብል፡ ተተመሪጹ ቀሪቡ ኣሎ። ማለት ኣብ ኤርትራ ሃገርና ግዝኣተ-ሕጊ የሎን ክበሃል ከሎ፡ ንጹር ምእንቲ ክኸውን ሓጋዚ እዩ ብዝብል እምነት እዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ ምቅርራብ ናይ`ዚ ጽሑፍ`ዚ፡ ኣብ ፈስቡኽ "ሕገ-ኣልቦ ፖሊሲ ህግደፍን ልዑላውነት ኤርትራን" ብዝብል ኣርእስቲ ብ ተፋስማርያም ድቡስ ዝበሃል ኤርትራዊ ብየካቲት 5, 2019 ተለጢፉ ነይሩ። ምስ'ዚ ጽሑፍ`ዚ ዝማላላእ ምዃኑ ምግላጽ ይከኣል። ነዚ ካልኣይ ጽሑፍ ምውካስ ድማ ጠቓምነት ኣለዎ።

ብተወሳኺ ነዚ ጽሑፍ እዋናዊ ዝገብሮ፡ ካብ የካቲት 24 ክሳብ መጋቢት 20, 2020 ኣብ ጀነቭ መበል 43 ኣኼባ "UN Human Rights Council" ስለ ዝካየድ ምክትታሉ ሓጋዚ እዩ። እዚ ኣኼባ`ዚ ዳርጋ 100 ዝኾኑ ሪፖርት ካብ ምሉእ ዓለም ዝቐርበሉ ስለዝኾነ፡ ብምክትታል ብዙሕ ትምህርቲ ከርከቦ ይከኣልን ነዚ ጽሑፍ`ዚ ዝያዳ ክበርህን ይሕግዝ።

ብገብረግዮርጊስ ፍስሃየ(ጆርጅ)
ለንደን -- መጋቢት 2020

መወከሲ፥

1. Tom Bingham, "The Rule of Law", Penguin Books Ltd, 2011, London,UK.
2. A.V. Dicey, "An Introduction into the study of the constitution" (1885; 9th edition, Macmillan, 1945), P.188.
3. John Lock, Second Treatise of Government, chap. XVII, s.202 (1690; Cambridge University Press, 1988), p. 400

Share with friends:

Other articles by Mr. Fessahaye Gebregiorgis ካልእ ጽሑፋት ብ`ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ (ጆርጅ)


Eritrea: The Universal Declaration of Human Rights in Tigrinya

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: