ህልቂት ህዝቢ ድግሳን ዕዱማትናን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

21/06/2019 23:55 PM

ህልቂት ህዝቢ ድግሳን ዕዱማትናን፡
ሰንበት 9 ሓምለ 1978 ዓ.ም።

ብኣጋጣሚ 20 ሰነ 2019።
2ይን መወዳእታን ክፋል

ብ'ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም ዓባይ ብሪጣንያ)

ህልቂት ህዝቢ ድግሳን ዕዱማትናን፡

ህልቂት ህዝቢ ድግሳን ዕዱማትናን፡ ሰንበት 9 ሓምለ 1978 ዓ.ም። ብኣጋጣሚ 20 ሰነ 2019። 2ይን መወዳእታን ክፋል።
ጽሑፍ ብ'ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም ዓባይ ብሪጣንያ)

2ይን መወዳእታን ክፋል
ኣብ ቀዳማይ ክፋል በዛ እትስዕብ ክፋል ኢየ ተፋንየኩም

“ . . . ካብቲ ቦታ ቀልጢፈ ክርሕቕ ነይሩኒ። እታ ዝቐረበት መውጽኢት ቦታ፡ እታ ቆልዓን ሰበይትን ብጽቕጥቅጥ ተዓቊቦሙላ ዝነበሩ ጸባብ ቦታ ኢያ። ንገለ ብመንጎ ኣእጋሮም፡ ንገለ ብጎድኖም ደፋፊአ፡ ነቲ ጽቕጥቅጥ ሓሊፈ ናብ ሸነኽ ሰሜን ናብቲ ክፉት ቦታ ተቐልቀልኩ። ኣነ ካብቲ ቦታ ክርሕቕ - ክጎዪ፡ ነፋሪት ለጥ ኢላ ክትሽከል፡ ፊት ንፊት ተጋጠምና። ኣዒንተይ ኣፍጢጠን ክርእያኣን ብቕድሚኣ ናይ ተኹሲ ብልጭታ ክርእን ሓደ ነይሩ፡ ፋክረስ ናይታ ነፋሪት ኣብ ኣፍ-ልበይ ክዓልብ ተራእየኒ። “በቃ፡ ንእስነተይ ኣብቂዓ ኢያ! ! . .” ዝብል ሓሳብ ኣብ ሓንጎለይ ቁልጭ በለኒ። ኣነን ሞትን ኣብ ናይ ካልኢታት ፍልልይ ዝበጻሕና ኮይኑ ተሰማዓኒ . . . ።”
መቐጸልትኡ እነሆ

ፋክረስ ናይታ ነፋሪት ግን ናብታ ብድሕረይ ዝገደፍክዋ ኣውቶቡስ እምበር ናባይ ኣይነበረን። ካብኡስ ደሓንኩ ደኣ። መናድቕን ደናጉላን እናነጠርኩ ምጉያየይ ቀጸልኩ። ኣብ ዕሙቕ ዝበለ ቦታ ምስ በጻሕኩ ግን “ህድሞ ካብ ፋክረስ ይከላኸል ኢዩ” ክበሃል እሰምዕ ስለ ዝነበርኩ፡ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ገዛውቲ ‘ዝሓሸት’ ዝበልኩዋ መሪጸ፡ ናብ ሓንቲ ዕጽውቲ ህድሞ ኣምራሕኩ። ማዕጾኣ ብረጒድ ስንሰለት ምስ ድርኩዂት ተኣሲሩ፡ ብልኬቶ ተዓጺዩ ኢዩ። ብላዕሊ ግን ናይ ቅድሚት መንደቕ፡ ምስ ቀጽቀጽ ኣይለገበን። ኣብ ቅድሚት ምስ መንደቕ ተጸጊዓ ብዝተተኽለት ዓንዲ ተደጊፈ፡ ብላዕሊ ብመንጎ መንደቕን ቀጽቀጽን፡ ናብታ ዕጽውቲ ገዛ ተንፋሒዀ ኣተኩ። በቃ - እታ ገዛ እንተልያ ክድሕን፡ እንተ ዓንያ ከኣ ምስኣ። ኣሸበሸብ ሕማቅ እንተ ኣጓነፈ፡ ሰብ ቤት- ንገዝኦም ክብሉ ክመጹ ኢዮም። ንሕማቕ ይኹን ንጽቡቕ፡ ድሕነተይ ምስታ ገዛ ክኸውን ወሲነ ኢየ። እታ ከተድሕነኒ ዝተዓቖብኩላ ገዛ፡ እንዳቦይ ወልደገብርኤል ዑቕባይ ነበረት።

ናብ ውሽጢ’ታ ገዛ ምስ ኣተኹ፡ ዝቐርብን ዝርሕቕን ድምጺ ነፈርቲ፡ ጸጸኒሑ ምስቲ ብርቱዕ ድምጺ ስዒቡ ዝስማዕ ናይ ኣድራጋ ተኹሲ ካብ ምስማዕ ሓሊፉ ዝርአ የልቦን። ምድሪ-ቤት ናይታ ገዛ’ውን፡ ከም ድላይካ ዘይትርእየሉ ጸልማት ኢዩ። ሕጂ’ውን ንግዳም ገጸይ ክርኢ ስለ ዝነበረኒ፡ በቲ መንደቕ ደይበ፡ ርእሰይ ብመንጎ መንደቕን ቀጽቀጽን ኣቐልቂለ ንማዕዶ ክቋምት ጀሚረ። ሓንቲ ሰበይቲ ካብቲ ቅርዓት ንገዛ ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ ንጸጋም፡ ነቲ ዓበይቲ ሽማግለታት ኮፍ ዝብልሉ ደናጉላ ንየማን ገዲፈን፡ ሰልፊ ሰልፊ ነቲ ቀጢን መንገዲ ሒዘን ይጎይያ። ብኡ ንብኡ ኩሉ ከባቢአን ብናይ ፋክረስ ጠያይቲ ይሕረስ። ኣብ መንጎ’ቲ በቲ ጠያይቲ ዝተላዕለ ደሮና፡ ሃሳስ ምስሊ ናይተን ሰበይቲ ዛዕ ኢሉ ክወድቕ ይረአ። እተን ሰበይቲ ብዝወደቐኦ ኣይተረፋን፡ ተንሲአን ቀስ ኢለን ከውሊ ክደልያ ኢዩ እመስለኒ፡ ናብ ገዛ እንዳቦይ ገረመድህን ከንቲባ ገጸን ተጸግዓ። ካብ ኣሳጉመአን ገለ መህረምቲ ከም ዝነበረን ፍሉጥ ኢዩ። ግን ኣይሞታን። ኣደይ’ውን ኣብቲ ኣኼባ ምንባራ ዘኪረ ከኣ “ኣደ በዓል መን ኮን ይኾና” በልኩ። ብጉያ ከይደ ከረድአን ግን ድፍረት ኣይነበረንን።

ነፈርቲ ነቲ ክቐትልኦ ዝኽእላ ቀቲለን፡ ዝከኣለን ዕንወት ኣወሪደን ከዳ። ሰማያት ዓድና ህድኣት ዓሰሎ። ኣነ’ውን በታ ዝኣተኹዋ መንደቐ ተንፋሒዀ ወጻእኩ። ናብታ ዝገደፍኩዋ ቅርዓት ክምለስ ትንዕ-ትንዕ በልኩ። ብውሽጠይ ግን “ነፈርቲ ተመሊሰን ክመጻ ኢየን። ኣጸቢቕካ ርሓቕ፡ ነብስኻ ኣውጽእ” ዝብል ሓሳብ ወረረኒ። ፋክረስ ጥራይ ዘይኮነ ዓበይቲ ቦምባታት ጽዒነን ከይምለሳ’ውን ፈራሕኩ። ዓድና፡ ብሽሾ ነፈርቲ ክትጸንት ዝተፈርዳ ኮይኑ ተሰማዓኒ። “ካብ ፋክረስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ኩሉ ተተኳሲ ዘድሕን፡ ኣብ ጸሊም ጽርግያ ዝተሰርሐ ድንድል ኢዩ” ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ከኣ፡ ናብቲ ልዕሊ ሓደ ኪ.ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ቢንቶ ሃርጋሚት በረርኩ።

ቢንቶ ሃርጋሚት በጺሐ ገለ ደቓይቕ ምስ ጸናሕኩ፡ ነፈርቲ ኣይተመልሳን። ብማዕዶ ከምዚ ኸማይ ካብቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ዝተኣልዩ ሓሓሊፎም ዝቀላቐሉ ሰባት እንተ ዘይኮይኑ፡ ሰማያት ህዱእ ኢዩ። ብኡ ንብኡ ከኣ ደሃይ ክፈልጥ ናብታ ገዲፈያ ዝኸድኩ ቅርዓትናን ቤት-ትምህርትናን ክምለስ ወሰንኩ።

ብርግጽ ቅድመይ ዝተመልሱ ሰባት ነይሮም ኢዮም። እቶም ኣብቲ ክፉት ቦታን ጸግዒ መናድቕን ዝተሃርሙ ተላዒሎም ጸንሑኒ። ካብን ናብን ብንፋስ ዝገማጠል ነጸላ፡ መዐመሚ፡ ነንበይኑ ዝሕብሩ ኣጭርቐቲ ግን ካብን ናብን ብንፋስ ከገላበጥ ይረአ ነበረ። ምስ ገለ ኣብኡ ዝጸንሑኒ ሰባት፡ ናብ ሓንቲ ክፍሊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣተና። ኣብ ቅድሚትን ኣብ መንጎ’ቲ ሰደቓታትን ዝወደቑ ሰባት፡ ዝተጨላለፈ ስሚንቶን መናድቕን፡ ገና ጨንኡ ዘይሃሰሰ ባሩድን ነታ ክፍሊ ናብ መልኣከ ሞት ኢዩ ቀይሩዋ። ኣዒንተይ ዝርአየኦ ምእማን ጸገመን። ኣነ ኣብ ገዛ እንዳ’ቦይ ወልደገብሪኤል ዑቕባይ ከም ዝተዓቖብኩ ገሊጸ ኢየ። ኣብታ ዝኣተኹዋ ክፍሊ ከኣ፡ ኣቦይ ወልደገብሪኤል ምስ በዓልቲ ቤቶም ኣደይ ብርሃኑ፡ ኣብቲ ስሚንቶ ዛዕ ኢሎም ወዲቖም ጸንሑኒ። ኣነ ዝተዓቖብኩላ ገዛ፡ ንዓይ ዘድሓነት ህድሞ፡ ክልቲኦም ዋናታታ ስኢና።

ኣቦይ ወልደገብርኤል ዑቕባይ ናይ ቤተ-ክርስትያን ክዳውንቶም ምስ ተኸድኑ ኢዮም። ሒዞማ ዝኸዱ በትሪ (ምርኩስ) ኣብ ጥቕኦም ፍንትት ኢላ ወዲቓ ነይራ። ኣርባዕቲኡ መሓውሮም ፍጹም ደሪቑ ኢዩ። ኣደይ ብርሃኑ፡ ሓንቲ ብንጹር እትረአን ሕጂ ዝዝክራን ብላዕለዋይ ግርጻነን ናብ ኣፍንጨአን ጽግዕ ኢላ ንጣር ዝሓለፈታ ክፍቲ ቦታ ብንጹር ትረአ። ንኣውድ ኣመት ዝበቅዕ ቁኖን፡ ጽሩይ ክዳውንተንን ኢየን ለቢሰን። ካልእ ብንጹር ዝረአ ዓቢ መህረምቲ ሕጂ ኣይዝክርን። ምስኦም ዝወደቑ ካልኦት’ውን ነይሮም ኢዮም። ምሉእ ኣቓልቦይ ብናይ ክልቲኦም ኩነታት ተሰሪቑ ስለ ዝነበረ ግን፡ ሕጂ ነቶም ካልኦት ኣይዝክሮምን ኢየ።

ንኽልቲኦምን፡ ነቶም ካልኦት ምስኦም ዝነበሩን፡ ንግዜኡ መጽንሒ፡ ናብቲ ቅርዓት ቀረባ ዝነበረ ናብ ገዛ እንዳቦይ ቀሺ ገረህላሰ ተኪአ ዘብጻሕናዮም እመስለኒ። ካብኡ ናብቲ ቅርዓት ተመሊስና። ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ ጽላል በርበረ-ጸሊም እንዳቦይ ድራር ህብትዝጊ፡ ሽዱሽተ (6) ሬሳታት ነበረ። ዕድሜኦም ካብ ከባቢ 10 ዓመት ዝሓልፍ ኣይኮነን። ኣብ ጸግዒ ናይቲ መናድቕ ዝተሃርሙ፡ ኣነ ቅድሚ ምምጽአይ ኣብኡ ዝተኣከቡ ክኾኑ ኣለዎም። ቀልጢፍና ክንቀብሮም ተነግረና። ቅድሚ ምቕባርና ግን መንነቶም ክንፈልጥ ነይሩና። ነቶም ሓሙሽተ ቀልጢፍና ፈሊጥናዮም። ሻዱሸይቲ ግን መን ንበላ? ርእሳን ክልቲኡ ታሕተዋይ መሓውራን ኣይነበረን። ካብ ክሳዳ ክሳብ ብርኪ እግራ ዘሎ ኣካላታ ምሉእ ኢዩ። ጽሬትን ጣዕምን ነብሳ፡ ምስቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ዓይነት ክዳውንቲ ዕባይ ገጠር ኣይኮነትን። ካብ ከተማ ዝመጸት ክትከውን ኣለዋ። ግን ጓል መን ንበላ!!! ገነትን ኣስቴርን ዝበሃላ፡ ካብ ከተማ ዝመጻ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰብ ስለ ዝነበራኒ ተጠራጠርኩ። ገጽ ከይረኣኻ’ሞ መን ክትበሃል ኢያ። ሽዑ ዝረኣኹዎ ፍሉይ መህረምቲ ናይታ ሕጻን ቆልዓ፡ ሎሚ’ውን ካብ ተዘክሮይ ኣይተረሰዐን። ዝርሳዕ’ውን ኣይኮነን። ኣብ ነብሲ ወከፍ ዝኽሪ ናይቲ ፍጻሜ፡ ቀዳመይቲ ናብ ኣእምሮይ ቅጅል ትብል፡ ምስልን ኩነታት መህረምትን ናይታ ሕጻን ኢዩ።

ነፈርቲ ከይምለሳ ስኽፍታና ኣይተወደአን። ቀልጢፍና ክንቀብሮም ተነጊሩና ኢዩ። ከይደንጎና ነቲ ክፉት ቅርዓት ገዲፍና፡ ብጥቓ’ታ ዝተቓጸለት ኣውቶቡስ ሓሊፍና፡ ገዛ እንዳ ኣቦይ ትኩእ ምራጭን እንዳቦይ ዘርኣይ መስፍንን ንየማንና ገዲፍና፡ ጸግዒ ጸግዒ ናብቲ መቓብር ወሲድናዮም። ኣብ ምብራቓዊ ጫፍ መቓብር ዓድና፡ ንኹሎም ኣብ ሓንቲ ጉድጓድ ኣእቲናዮም። ወለዲ - ጓሎም ከም ዝሞተት ንኽፈልጡ፡ ክዳን ናይታ ዘይፈለጥናያ ቆልዓ ኣትሪፍናዮ ኢና።

ኣብቲ መቓብር ግዜ ስለ ዝወሰድና፡ ብዙሕ ሰብ’ውን ስለ ዝተመልሰ፡ ዝሞቱን ዝተወግኡን ተላዒሎም ኢዮም። ናብቲ ቅርዓት ክምለስ ከለኹ፡ ኣብ ጸግዒ መንደቕ እንዳ መምህር ሕድሮም ገለ ሰባት ዕጉግ ኢሎም ረኣኹ። ኩነታቶም ክፈልጥ ናብኦም ተኣልየ። ኣብኡ’ውን ሮዚና ዘራኣይ ኣበርቲዓ ትቕንዞ ነበረት። ሓደ ኣጋር ሓኪም (ተጋዳላይ) ኢዩ ክሕክማ ጸኒሑና። ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ናይ ሰለፋ፡ ከባቢ ረቃቒቶኣ ዝረአ መህረምቲ ነይሩዋ። ቃንዛኣ ቀሊል ኣይነበረን። ብኡ ንብኡ ናብቲ ውጉኣት ዝእከብሉ ዝነበሩ ገበላ ወሲድናያ። ሽዑ ምሽት ምስ ኩሎም ውጉኣት ንሕክምና ተወሲዳ። ሮዚና - እታ ኣብ ናትና ክሊ ዕድመ ዝነበረት ኩሞለይቲ ጎርዞ ኣይደሓነትን። ሕክምና ምስ በጽሐት ህይወታ ከም ዝሓለፈ ሰሚዕና።

ካብ ቁልዕነት ናብ ናይ ንእስነት ዕድሜኡ ክሰጋገር ዝቀራረብ ዝነበረ ተኽለኣብ ገረማርያም፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድኳን እንዳ’ቦይ ባሻይ ዘርኣይ ከሎ ኢዩ ተሃሪሙ። ቀዳሞት ዝመጹ ሰባት ብህይወቱ ኣርኪቦም፡ ተሰኪሞም ናብ እሉይ ቦታ ወሲዶሞ። ምስ ካልኦት ውጉኣት ሕክምና ክበጽሕ ኪኢሉ’ኳ እንተ ነበረ፡ ክድሕን ግን ኣይከኣለን። ንሱ’ውን ኣብ ሕክምና ምስ በጽሐ ሓሊፉ።

ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ከሰተ ሃለቃ ግደ፡ ነፈርቲ ቅድሚ ምምጽአን ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቅርዓት ፋሕ ኢሎም ዝጻወቱ ዝነበሩ ቆልዑ ኢዩ። ንሱ ንምዕባዩ ሓፍቱ ወሲኽካ፡ ምስ ሽዱሽተ ቆልዑ፡ ኣብቲ መናደቕ ተጸጊዕም ካብ ዝነበሩ ሰባት ሓደ ኢዩ። ንድሕሪት ተመሊሱ ከኣ “ሸውዓተ ሰባት ኣብ ሓንቲ ቦታ፡ ኣብ መንደቕ ተጸጊዕና ከለና ኢዩ ከባቢና ብፋክረስ ተሓሪሱ። ካባና ፍርዝን ዝበለ ሙሴ ባሻይ ዘይኣይ ብኡ ንብኡ ክመውት ከሎ፡ ሓፍተይ ትርከቦም ኣርባዕተ ቆልዑ ተወጊኦም፡ ግን ኣይሞቱን። ክልተ ቆልዑ ግን ኣይተተንከፍናን። ደም ክፈሶም ምስ ረኣኹ፡ ህይወተይ ንምድሓን ንሓፍተይ’ውን ገዲፈያ ብጉያ - ካብቲ ቦታ ተኣልየ” ክብል ተዘክሮኡ ይገልጽ።

ኣብ ገበላታት እንዳቦይ ንኡስ ሃይለ ደስታ፡ እንዳቦይ መሓሪ ጓንጉል፡ እንዳ’ቦይ ተፈሪ ክፍለ . . ገለ ካብቲ ውጉኣት ተኣኪቦሙሉ ዝነብሩ ገዛውቲ ኢዩ። ዝተወግኡ ክንበጽሕ ካብን ናብን ክመላለስ ከለና፡ ወ/ሮ ዙፋን ዝተሃርመት የማነይቲ ኢዳ ብጸጋመይቲ ኢዳ ደጊፋ፡ ናብቲ ውጉኣት ዝሕከሙሉ ዝነበሩ ቦታ ገለ ረድኤት እንተረኸበት ክትከይድ ኣብቲ ቅርዓት ጎፍ ኢላትኒ። ሽዑ ወዲ ክልተ ዓመት ዝነበረ ፍጹም ደስበለ፡ ንናይ ወለዱ ዕላል ምርኩስ ገይሩ፡ ነቲ ኩነታት ብኸምዚ ይገልጾ። “ኣደይ ንዓይን ንገብሪኤላ ሓፍተይን ሒዛትና ናብ ሓንቲ ክፍሊ ኣትያ። ንዓይ ብጸጋማይ ኢዳ ሓቊፋ፡ ንጓል 4 ዓመት ገብሪኤላ ሓፍተይ ብየማናይ ኢዳ ጠሚራ ናብኣ ኣጸጊዓ ሒዛታ ነይራ። እታ ነቲ ዚንጎ ኣንኲላ ዝኣተወት ፋክረስ፡ ንገብሪኤላ ሓፍተይን ነታ ጠሚራታ ዝነበረት የማነይቲ ኢድ ኣደይን ሃሪማተን። ኣደይ - ጅማውቲ የማናይ ቅልጽማ ተበሲዑ ከይዱ፡ ሓፍተይ ግን ኣይደሓነትን” ክብል ካብ ወለዱ ንዝሰሞዖ ዕላል ብሓጺር ይደግም። ጋዜጠኛ ቲቪ ኤረ ዝነበረ ኪዳነማርያም ደስበለ’ውን “ገብሪኤላ ሓፍተይ እንታይ ከም ዘርኣያ ኣይፈልጥን፡ ሽዑ ንግሆ፡ ካብ ገዛና ክሳብ ቅርዓት ምእባድ ኣብያትና መሪር ብኽያት እናበኸየት ኢና ኣገዲድና ወሲድናያ። ገዛና ከይተመልሰታ ከኣ ኢያ ሓሊፋ” ክብል ንገለ ካብ ናይ ሽዑ ተዘክሮኡ ይገልጽ።

ሕጂ ዳርጋ ኩልና እቶም ኣብ ሓደ ክሊ ዕድመ ዝነበርና መንእሰያት ደሃይ ናይ ዘለዉን ዝተሃርሙን መዛኑና ፈሊጥና ኢና። ሓደ ሰብ ግን ድሃዩ የለን። ንባህልቢ ስዩም ተወጊኡ ወይ ወዲቑ ርእየዮ ዝብል ሰብ የለን። “ባህልቢ ኣበይ ጠፊኡ!! ሸቀልቀል ኢዩ ኮይኑ። ባህልቢ - እቲ ሕያዋይ ጻዕዳ ልቡ፡ ብዘይካ ስሓቕን ጸወታን - ተንኮል ዘይፈልጥ መንእሰይ፡ ምስቶም ካብን ናብን ዝመላለሱ ዝነበሩ ሰባት ኣይነበረን። ፍሉይ ምቅርራብ ስለ ዝነበረናን ሓደ ካብቶም መንእሰያት ስለ ዝነበረን ከኣ ኢና፡ ካብን ናብን ንሓተሉ ዝነበርና።

ነፈርቲ ምሰ መጻ፡ ባህልቢ ዘለዎም ሰባት ኣርሒቖም ኣይከዱን፡ ናብ ውሽጢ ድኳን እንዳ’ቦይ ባሻይ ዘርኣይ ኢዮም ኣትዮም። ነፈርቲ ድሕሪ ምኻደን ነቲ ድኳን ቀልጢፉ ዝኸፈቶ ሰብ ኣይነበረን። ድሒሮም ነቲ ድዃን ምስ ከፈቱዎ ግን ባህልቢ ደሙ ወዲኡ ክጸዓር ጸኒሑዎም። ምስኡ’ውን ካልኦት ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ባህልቢ ህይወት ስለ ዝነበሮ ናብቲ ውጉኣት ዝእከቡሉ ዝነበሩ ናብ እንዳቦይ መሓሪ ጓንጉል ከም ዝተወስደ ሲሚዕና፡ ክንርእዮ ከድና። ባህልቢ ኣብ ሃለፍታ (ኮማ) ኢዩ ነይሩ። ኢንፍዥን ተተኺሉዎ፡ ጸጸኒሑ ኣፉ ስለ ዘንቀሳቕስ ጥራሕ ኢዩ ብህይወቱ ምንባሩ ዝፍለጥ። ብዓይነይ ንመወዳእታ ተፋንየዮ ከይደ። ኣይጸንሐን፡ ንሱ’ውን ሕክምና ምስ በጽሐ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ሰሚዕና።

ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ፍጻሜ፡ ኩሉ ሰብ ነብሱ ክድሕን ካብቲ ቦታ ክርሕቕ ይጎዪ’ኳ እንተ ነበረ፡ ገለ ገለ ግን ገና ኣብ ቁልዕነቶም “ሞት ኮነ ህይወት ምስ ኣሕዋትና” ኢሎም ኣብ ምድሓን ኣሕዋቶም ሂወቶም ዝኸፈሉ’ውን ኣለዉ። ከባቢ 13/15 ዓመት ዝዕድሜኣ ወይኒ ቀሺ ክብርኣብ ሓንቲ ካብዚኣቶም ኢያ። ንሳ ደብዳብ ምስ ጀመረ ንለተንኪኤል ሓፍታ ሓዚላ ካብቲ ቦታ ንምርሓቕ ክትጎዪ ኢያ ፈቲና። ፈቲና ግን ኣይተዓወተትን። ንሓፍታ ሓዚላ እና ጎየየት ከላ፡ ክልቲአን ብሓንቲ ጥይት ተሃሪመን ከም ዝወደቓ ኢዩ ተነጊሩና።

እዞም ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎም፡ ገለ ካብቶም ምስሎም ገና ካብ ሓንጎለይ ዘይሃሰሰ፡ ገለ’ውን ብዓይነይ ዝረኣኹዎም ናይ ሽዑ መዓልቲ ግዳያት ኢዮም። ሎሚ ድሕሪ 41 ዓመታት፡ እሞ ኣብ ስደት፡ ዝተማልአ ስእልን ኣስማትን ክህልወካ ዝከኣል ኣይኮነን። ካብቶም ሎሚ ክንዝክሮም ዝኸኣልና፡ ሽዑ ዝሞቱ ዕሸላት ናይ ገሊኦም ኣስማት ምጥቃስ’ውን ሓጋዚ ኢዩ’ሞ፡ ካብቶም ብዙሓት ብውሑዱ እዞም ዝስዕቡ ወስ ከብል። 1. ቢዘን ዑቕቡ ተኽሎም 2. ሙሴ ባሻይ ዘርኣይ 3. ብርኽቲ ሰመረ ገርህላሰ 4. ኣምለሰት ወ/ሚካኤል ገብርህየት 5. ደስታ ሓድጉ እመስገን 6. ወይኒ ቀሺ ክብርኣብ ቀሺ በርሀ 7. ለተንኪኤል ቀሺ ክብርኣብ ቀሺ በርሀ 8. ገብርኤላ ደስበለ ወልድስላሴ 9.ተስፉ ተወልደ ተስፋማርያም 10. ገረዝጊሀር ተኽሎም ሞሳዝጊ 11. ስላም ኣስጎዶም 12.ፍረወይኒ ኪዳነ ቀላቲ. . . ሽዓ መዓልቲ ካብ ዝሞቱ፡ ሎሚ ካብ ዝዘከርናዮም ገና ልቢ ከይቆጸሩ ዝተኾልፉ ዕሸላት ኢዮም።

ኣቦይ ወልደ ገብርኤል ዑቕባይ፡ በዓልቲ ቤቶም ኣደይ ብርሃኑ፡ ኣደይ ምሕረት ተኽሉ (ሰይተ’ቦይ ፍስሓ ብርሃነ)፡ ወ/ሮ ስእላ (ሰይቲ ኣያ ሃንስ መሓሪ)፡ ወ/ሮ እዝግሃርያ (ሰይቲ ኣያ ተስፋገብርኤል ዘርእዝጊ)፡ ሽዓ መዓልቲ ካብ ዝቐበርናዮም ዓበይቲ ኢዮም።

ቀሊልን ብርቱዕን መውጋኣቲ ዝነበሮም ከባቢ 100 ዝኾኑ ውጉኣት ሽዑ ምሽት ብመካይን ተጻዒኖም ናብ ሕክምና ተወስዱ። ገና ኣብ ቆልዕነቱ ዝነበረ ተኽለኣብ ገረማርያም፡ መንእሰያት ዝነበሩ ባህልቢ ስዩምን ሮዚና ዘርኣይን፡ ኣደይ ኣለም (ሰይተ’ቦይ ተወልደ ዘውዲ) ሕክምና ምስ በጽሑ ከይደንጎዩ ሓሊፎም። ነቶም ዝተረፉ’ውን ግዜ ኣይሓገዞምን። ክራማት ናይ 1978 ዓ.ም፣ ህዝባዊ ግምባር ካብ ምሉእ ዞባ ደቡብን መንገዲ ኣስመራ ባጽዕን ዘዝለቐሉ ዓመት ኢዩ። ውድብ ኣብ ካልእ ዝዓበየ ጉዳይ ተጸሚዱ ስለ ዝነበረ፡ ይሕወዩ ኣይሕወዩ፡ ኩሎም’ቶም ውጉኣት ካብቲ ተዓቚቦሙሉ ዝነበሩ ሕክምና ተፋንዮም፡ ዓዶም ክምለሱ ነይሩዎም። ተመልሱ ከኣ። ገና ቆልዓ ዝነበረ በረኸት ደበሳይ ድራር ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፡ ወ/ሮ ኣለም ተወልደ ዑመር (ሰይቲ ኣያ ተስፉ ቀላቲ) ድሕሪ ናይ ከባቢ ክልተ ዓመት ስቓይ፡ ኣደይ ጽገ ተሰማ (ሰይተ’ቦይ በየነ ተስፋጋብር) ከኣ ድሕሪ ናይ ከባቢ ኣርባዕተ ዓመት ስቓይን ቃንዛን፡ ብሰንኪ’ቲ ግቡእ ሕክምና ዘይረኸበ ናይ ሽዑ መዓልቲ መውጋእቲ በብሓደ ስዒቦም። ካልኦት’ውን ኣብ ሞት ዘይበጽሑ፡ ኣብ ጭዋዳታቶም ዝተሸኽለ ሓጻውን፡ ኣብ ኣራኣሶምን ኣፍ-ልቦምን ዝተሸኽለ እስኩጆ፡ ሽዑ ዝተበትከ ጅማውቶም . . ንኹሉ ዝወረዶም ስቓይ ጸይሮም ክነብሩ ዝተገደዱ ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም።

እቶም ካብ ካልኦት ናይ ከባቢና ዓድታት፡ ዕድመ ተገይሩሎም ወይ ብኻልእ መገሻ መጺኦም፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ’ሞ ዝሞቱን ዝተወግኡን ሰባት፡ ኣብዚ ኣይኣተዉን። ዝሞቱን ዝተወግኡን ምንባሮም ግን ሰሚዐ ኢየ። ካብ ቦታ ፍጻሜ ርሒቅካ፡ ኣብዚ ኣብ ስደት ኮንካ ዝተማልአ ዝኽርን ስእልን ክህልወካ ስለ ዘይከኣል ግን ኣብዚ ከእትዎም ኣይከኣልኩን። ገለ ካብቶም ሽዑ መዓልቲ ዝተወግኡ፡ ካብ ደቀምሓረ ዝመጹ - ቀያሕቲ ዕምባባ ዝነበሩ’ውን ተጋደልቲ ኮይኖም፡ ምሳይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነይሮም ኢዮም።

መደምደምታ፡ - ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ካብ 1940ታት ጀሚሩ ዘካየዶ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ኮነ ኣብቲ ድሒሩ ን30 ዓመታት ዘካየዶ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ኣብ ንቡር ሰላማዊ መዓልታዊ ህይወቱ ከሎ፡ ብዘይ ሓሰቦ ኣዝዩ ብዙሕ ሰላማዊ ሰብ ኢዩ ጠፊኡ። እዞም፡ ንዘሎንና ተመሳሳሊ ሕብሪ ቆርበትን ሃይማኖታዊ እምነትን ከም ምኽንያት ተጠቒሞም፡ መሬትናን ባሕርናን ክወርሱን ክግብቱን መታን፡ ጠንቂ ብዙሕ ስቓይናን መቅዘፍትናን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ገዛእቲ፡ ድልየቶም - ንዝፈጸምዎ ግፍዕን ስቓይን ተሸፊኑን ተረሲዑን ክተርፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገና ሕጂ’ዉን ሕልሞም ኣብ ወራራት ሃጸይ ሃይለስላሰን ደርግን፡ ኣብ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ምድልዳል መግዛእታዊ መሓውራቶምን ንዝሞቱ ወታሃደራቶም ኣብ ኤርትራ ሓወልቲ ክትከለሎም ከም በዓል ሻለቃ ዳዊት ወልደገርጊሽ (ብጊዜ ደርጊ ናይ ኤርትራ ኣማሓዳሪ ዝነበረ) ብመድያ ከምዝጠለበ ዝፍለጥ ኢዩ። እዚ ንባዕሉ ሓደ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘውረድዎ ስቓይ ምንእኣስ ኢዩ። ህዝብና ንስለ ሃገራዊ ናጽነቱ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋን፡ “ምስ ተጋደልቲ ትደናገጽ ኢኻ” ተባሂሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ንዝተፈጸመ ኣሰቃቒ መቅዘፍትን ህልቂትን፡ ኣብ ኣፈ-ታሪኽ ተሓጺሩ ከይተርፍ፡ ታሪኹ ብግቡእ ክስነድን፡ ንዳሕራይ ኤርትራዊ ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ደላይ ሰላም ንዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ክንገሮን ከነፍልጦን ሓላፍነትና ኢዩ።

ህዝቢ አርትራ ንኹሎም’ቶም ዶብ ሰጊሮም ዝመጹ ጸላእቱ ኣባሪሩዎምን ስዒሩዎምን እኳ እንተኾነ፡ ዳግማይ ሎሚ’ውን ካብ ኣብራኹ ብዝወጹ ጓሓሉ ንብርሰትን ዕንወትን ተቓሊዑ ኣሎ። እነሆ ከኣ ነዞም ኣብ ዓንቀሩ ተሸኺሎም ናብ ዓጽረ-ሞት ዘብጽሕዎ መጸይቲ ኣልዩ፡ ናይ ዝሓለፈ 20 + 30 + 28 ዓመታት ተመክሮኡ ብግቡእ ገምጊሙ፡ ማእዝኑ ከስተኻኽል “ሎምስ ይኣክል” ይብል ኣሎ። ናይ ሎሚ ዘመን 20 ሰነ ከኣ “ይኣክል” ካብ ጭርሖ ናብ ግብሪ ዝሰጋገረሉ መድረኽ ተበስር ኣላ። ብኣጋጣሚ ናይዚ ከኣ፡ ህዝብና ዝሓለፎ ከቢድ ጎዕዞ ቃልስን፡ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊኡ ንዝተፈጸመ ግፍዕን ስቓይን ከይተገልጸ ተዓቢጡ ኢዩ ጸኒሑ’ሞ፡ ዝሓለፈ ታሪኽና ከይነከናን ከይወሰኽናን፡ ንዝትክኣና ወለዶ ከነመሓላልፎን ክንስንዶን ግዜ ይሓተና ኣሎ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ታደሰ ኪዳነ
በርሚንግሃም

ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ርአ


Share with friends:


See also recent articles by Mr. Tadese Kidane
ካልኦት ብ'ኣቶ ታደሰ ኪዳነ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: