ድኻም ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

08/10/2019 00:55 AM

ድኻም

ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን

ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

ብዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ፡ ዮሃንስ መንግስተኣብ
(Nov.08.1992 - Oct.09.2015)

ድኻም ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

ድኻም ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ
ብዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ፡ ዮሃንስ መንግስተኣብ (Nov.08.1992 - Oct.09.2015)ን

መእተዊ

ብዙሓት ግዱሳትን ለባማት ፈላጣትን ኤሪትራውያን ሃገራውያን ኣብ ብዙሕ ማሕበረ ቁጠባዊን፣ ፖሊቲካዊን፣ ባህላዊን፣ ታሪኻዊን፣ ተርእዮታት ወዘተ ኣተኲሮም ብበሊሕ ኣእምሮ ይዋስኡ። ብቐጻሊ ድማ ብዙሕ ሃናጺን፣ ኣገዳስን፣ ርሑቕ ዝጠመተ ምኽርን፣ ትንተናን፣ ለበዋን ይህቡናን፣ ይሕብሩናን የስተምህሩናን ኣለው። እቲ ቀንዲ ዓላማ ድማ ምእንቲ ስልጥንትን፣ ብልጽግትን፣ ምዕብልትን ሃገር ንምፍጣርን ንምውናንን እዩ። ብተወሳኺ ድማ ንኹሉ መዳያዊ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሃገሩ ብላዕለዋይ ኢድ ብብቕዓት ዝወነነ መሃዝን ዕውትን ህዝቢ ንሓዋሩ ነታ ሃገር ምእንቲ ክህልዋ እዩ። ኣብዚ ኣነ ብሕጽር ዝበለ ክዝትየሉ ደልየ ዘለኹ ድማ ብዛዕባ እቲ ብናእሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ዝፍለጥ (Small and family businesses or ventures) ኣካል ናይ ብሕታዊ ጽላት ቁጠባ ሃገር እዩ። እዚ ክፍለ ጽላት እዚ ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክነሱ ስጋብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ እቲ ዝግባእ ኣቓልቦ በቶም ዝምልከቶም ዝተሓረመ ወይ ድማ ዛጊት ዘይተዋህቦ እዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ እዚ ክፍለ ጽላት ቀንዲ መንኮርኮር ዲናሚካዊ መስርሕ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ኢዩ። ተራ ናይተን ንኣሽቱን ስድራቤታውያንን ትካላት ኣብ ኩለን ቁልጡፍ ምዕባለ ንምምዝጋብ ብዕቱብ ዝነጥፋን ዝጽዕታን ዘለዋ ሃገራት ዕዙዝ ኢዩ። እዚ ዘመልክቶ ድማ እዘን ትካላት እዚኤን ኣብ ናህሪ ኩሉ መዳያዊ ሃገራዊ ምዕባለ ብፍላይ ድማ ቁጠባዊ ብራኸን፡ ዘለወን እጃም መዳርግቲ የብሉን።

ኣብ ብዙሓት መጽናዕትታን ምርምራዊ ስራሓትን ብንጹር ከም እተግልጸ፣ ካብ ብሕታዊ ቁጠባ ሃገር ብገፊሑ፣ እጃም ናይዘን ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት፡ ካብ ተስዓ ሚእታዊት ንላዕሊ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝማዕበላን ከምኡውን ኣብ ምምዕባል ዘለዋን ሃገራትን፡ ክውንነታዊ ተርእዩ እዩ። እዘን ዝተጠቕሳ ትካላት፡ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ዝፈጥረኦ ናይ ስራሕ ዕድላትን፣ ማእቶታዊ ኣድማዕነትን፣ ድንፋዔ ሰብኣዊ ጸጋን ተኽእሎን ድማ፡ ወሳኒ እዩ። ዓርሞሸሽ ኣበርክቶአን ኣብ መስርሕ (ከይዲ) ሃገራዊ ህንጸት ከኣ ዕዙዝ እዩ። ኣስተዋጽኦ ናይዘን ትካላት ብሓፈሻ ኣብ ድንፋዔ መሃዝነትን ማእቶታዊ ንጥፈትን ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) ድማ ፍሩይን ሓያልን እዩ። ብተወሳኺ፣ ኣበርክቶን ተራን ናይዘን ትካላት ኣብ ምስፍሕፋሕ፣ ምስራጽን ተግባራዊ ሞያዊ ክእለትን ምልከትን ኣብቲ መንእሰይ ወለዶ፡ ወሳኒ እዩ። እዚ ከኣ ብጭብጢ ኣብተን ኣብ ዓለምና (እንኮላይ ኣብ ኣፍሪቃ) ዘለዋ ኣብነታውያን ሃገራት ጐሊሑ ይረአ ኣሎ። ብቐጻልነትውን ካለኦት ብዙሓት ሃገራት ካብተን ዝተዓወታ ኣብነታውያን ሃገራት ትምህርትን ተሞክሮን ብምውሳድ ብዘተዋሃሃደን ዝተዋደደን መርሓ መንገዲ (Roadmap) ነዘን ትካላት እዚኤን ንምድንፋዕ ብቐጻሊ ይነጥፋ ኣለዋ። ርሑቕ ከይከድና ካብ ኣፍሪቃ፣ ከም ባዓል ጋና፣ ሞዝምቢክ፣ ሩዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ሰነጋል፣ ኮት ዱቯር፣ ከንያ፣ ግብጺ፣ ሞሮኮ ወዘተ ይጥቀሳ። ስለዚ ነዘን ትካላት ቀዳምነት ሂብካ ምትብባዕን፣ ሓጋዚ ትሕተ ቅርጽን ልዕለ ቅርጽን ኣዋዲድካ፡ በቲ ዝከኣልን ዝድለን ምምዕባል ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ብዘይ ዝኾነ ምስምስ፣ ውዓል ሕደር ዘየድልዮን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ግድነታዊ ሃገራዊ ዕማም እዩ። ኣድለይቲ ዓቕምታትን ጸጋታትን ሃገር፡ በቲ ዝድለ መቓን፡ ዝከኣል ወፍርን ተበግሶን ክህነጽን ክስውድን እንተድኣ ዝድለ ኮይኑ፣ ኩሉ መዳያዊ ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ተሳታፍነት፣ ናይ ፖለቲካዊ ኣራኣእያ ብዘየገድስ፣ ክጉሰ የብሉን። እዚ ምስ ዝግበር እዩ እቲ ኩልና እንትምነዮ ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር፡ ብሕኑን ፍጥነት ክምርሽ ዝኽእል።

ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ንኣሽቱን ስድራቤታዊን ትካላት

ንዋኒነ ንግድን ትካላዊ መሃዝነትን ኤርትራውያን በቲ ውድዓዊ ዓቕሚ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዙሕ ጊዜ ዝደጋገም ብሂል ኣሎ። ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ባዓል ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳን፣ ወዘተ ብዙሕ ይነጥፉን ኣብ ብዙሕ ትካላዊ ዋኒናት ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን ተባሂሉ ብኹርዓት ክንገርን ክጋዋሕን ንሰምዕን ንዕዘብን ኢና። ብመንጽር ንህዝብና ዝህቦ ጠቕሚ ክምዘን ከሎ ግን ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኢዩ። ካብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወጻኢ ኰንካ ምውንጫፍ፣ ኣብ ሃገርካ እቲ ቀንዲ ትካልካ ደኲንካ ክትነጥፍ ተመራጺ እዩ። ከከም ኣድላይነቱ ብዝኽፈት ዕድላት ድማ ኣብ ካለኦት ሃገራትውን ብዝተኻእለ መጠን ማልካን (ካፒታልካ) ትካላዊ ክእለትካን ኣብቲ ከርባሓኒ ይኽእል እዩ ኣትብሎ ካብ ሃገርካ ወጻኢ እውን ክትነጥፍ ትኽእል። ግን እቲ ሱርካ ኣብ ዓድካ ክኸውን ኣለዎ። ተሓግሒካ ካብ ዓድኻ ወጺኢካ፡ ኣብቲ ዘለካዮ ሃገር ኮንካ ከተስፋሕፍሕን ክትንቃሳቐስን፣ ከተመስርሕን ከምኡውን ኣብ ዋኒነ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation) ክትነጥፍን ይከኣል እዩ፡ ግን ንሃገርካ ከምቲ ዝድለ ኣየርብሕን። ነቲ ዓድኻን መበቆልካን ዝኾነ ሃገር ብዙሕ መዳያዊ ሃስያ ኣለዎ። ዛጊት ውጽኢትን ኣሉታዊ ጽልዋታቱን ድማ ብግሉጽ ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ንርእዮ ኣሎና። ንዝኾነ ትካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ንጥፈታት፡ ናቱ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ተመጢጡ ዝ`ተሓሓዝን ዝዋሃሃድን ኩሉመዳያዊ ቁጠባዊ ርክባትን ተኣሳሰርነትን ኣሎዎ (backward and forward economic link and interaction)። ንኣብነት ሓደ ናይ መገጣጠሚ ትካል ምስ ዝምስረት ወይ ዝጣየስ፣ ነቲ መስርሕ ዘድሊ ቀረባት ዘመስርሓ፣ ዘዳልዋ ከምኡውን ዘቕርባ ተማላላእቲ ትካላት ከድልያ እየን። ነቶም ኣብተን ትካላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት እውን ንመነባብሮ ዘድልዮም ኩሉ ዘቕርባ ኣመስራሕትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት ክህልዋ እየን። ከምኡ እንዳበለ ድማ ንኩሉ መዳያዊ ቁጠባ ሃገር ብቀጻልነት ብዘህጥር ኣገባብ ይቕጽል። ስለዚ ናይ ትካላዊ መሃዝነት ብቕዓትን፣ ተመኩሮን ከምኡውን ዕቑር ጸጋን ክእለትን ዝውንኑ ኣብ ሃገር ምስ ዘይህልው፡ ንኹሉ መዳያዊ ምዕባለ ቁጠባ ሃገር ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። እቲ ምህሰይቲ ድማ ናብቶም ተስፋ ዝንበረሎም ተካእቲ ወለዶ ክበጽሕ ይኽእል። እዚ ድማ ጎሲኻ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ከም እንፈልጦ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ክሊማዊ ኣቀራርጻን ምድሪ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ተባሃጊ እዩ። ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበንን ቅድሚኡን ጀሚሮም፡ ገዛእቲ ሓይልታት ብተዳጋጋሚ ኣርዑት መግዛእቶም ንኽጸውር ግዳይ ምዝመዛኦም ንኽኸውን ንህዝብና ኣገዲደሞን፣ ኣዋሪዶሞን፣ ድሂኸሞን እዮም። ርግጽ ኢዩ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብኣጠቓላሊ ክምዘን ከሎ ኣብቲ ግዝኣቱ ነበር ዝገድፎ ብዙሕ መዳያዊ ክፉእን ሕማቕን ውርሻዊ ተርእዮ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፣ ግን ሓደ ሓደ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾን ሓድግታትውን ይገድፍ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ብሰፊሑ ካብ ዝተወርሱን ዝተኣታትተውን ጽቡቕ ሓድግታት ሓደ፡- መንቋሕቋሕታ ናይ ንኣሽቱን ስድራ ቤታውን ትካላዊ (ወይ ዋኒናዊ) መሃዝነት (Small and family Businesses and Entrepreneurial Innovation and acumen) ኢዩ። እኹል ኣብነታት ናይዚ ሕላገታት ብቐሊሉ ኣብ ኤርትራ ይረኤ ኔሩ እዩ።

ህዝቢ ጥልያን ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ብቐንዲ ዝፍለጠሉ ማዕበያን ባህላዊ ኣምርን ኣለዎ። ንሱ ድማ ምውናን ክእለትን ብቕዓትን ኣብ ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላዊ (ዋኒናዊ) መሃዝነት ኢዩ ። ኢጣልያዊያን ወለዲ፡ ንደቆም ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ዝመሃርዎ ዝያዳ ኣብ ገዛ ዝምህርዎም ተግባራዊ ስነ ጥበባትን መሃዝነታዊ ክእለታትን ይበዝሑ። ንኣብነት እቶም ወለዲ ኣብ ስርሓት ንግዲ ዝነጥፉ ወይ ዝተዋፈሩ እንተኾይኖም፣ ነቶም ደቆም ገና ብንእስነቶም ከለዉ በቲ ዝግባእ ስልጠናዊ መንገዲን ተግባራዊ ተመኩሮን ከምዝዋስኡ ይገብሩ እዮም። ብተግባር ድማ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝሰልጠንሉን ዝዓበይሉን ተግባራዊ ሞያ ናብ ደቆም በቀጻሊ ከም ዝሰርጽ ይገብሩ። ኣብ ኤርትራ`ውን ብትሑት ዓቕሚ ድኣ ይኹን እምበር እዚ ሞያዊ ባህሊ’ዚውን በብደርጅኡ ይዓኩኽን ይትግበርን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ዋኒናዊ መሃዝነትን ኢደ ጥበባዊ ክእለትን ካብቲ ዝዓበየ ስጋብ’ቲ ዝነኣሰ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬድካ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢልካ ተማሂርካ ዲፕሎማን ዲግሪን ዓቲርካ ጥራይ ዝውነን ዝመስሎም ብዙሓት ሰባት ኣሎው። ዋኒናውን ሞያውን ክእለት ዝጥረን ዝሰርጽን ካብ ብዙሕ ረቛሒታት ኢዩ። ካብ ልምድን ተሞክሮን፤ ከባብያዊ ጽልዋ፣ ሓድግታት፣ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠት፣ ከምኡውን እቲ ፍሉጥ ስሩዕ ሞያዊ ስልጠና፣ ወዘተ። እንተስ ብማዕበያ፤ እንተስ ብውርሻ ንሕና ኤርትራዊያን’ውን ብኢደ-ጥበባዊ ዋኒነ ስራሓት ብልጫታት ኔሩና ኢዩ ብመንጽር ከባቢና ክረኤ እንከሎ ማለት ኢዩ። ናይዚ ሓቅነት ዝምስክሩ ብዙሓት ታሪኻዊ ጭብጥታትን ውጺኢታትን ኣለው እንተላይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት ንምዕባለ ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን ብመንግስታዊ ምሕደራ ዝተወስደ ብቑዕን ኣድላይን ስጉምቲታት ከምቲ ዝድለ ዘዕግብ ኣይኮነን። እዚ፡ ኣብ ቀጻሊ ምድኻም እዘን ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላት፡ ኣሉታዊ ኣስተዋጻኦ ብቐጻሊ ይገብር ኣሎ። እዚ ዘይቅቡል ዝሕታለ ድማ ነቲ ዝመጽእ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ብብዙሕ መዳያት ጐዳኢ እዩ። እቲ ከም ወራሲ ኮይኑ ነቲ ስድርኡ ዝገደፉሉ ትካል ከማዕብል ዝግብኦ መንእሰይ ወለዶ፡ ክወርስን ዋኒናዊ ሓድጊ ወለዱ ብዚያዳ ከማዕብልን፣ ዕድል ኣይረክብን ዘሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ድማ ጉድኣቱ ንሃገርን ህዝብን ፍሉጥ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘለው ሃጓፋትን፣ ዘየተባብዑ ደፋእቲ ረቛሒታትን (Internally instigated push factors)፡ ከምኡውን ካብ ሃገር ወጻኢ (ብፍላይ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት) ብሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘወናዉኑ ሰሓብቲ ረቛሒታት (Externally instigated pull factors) ምኽንያት፡ ብዙሓት መንእሰያት ብብዝሒ ነታ ዝፈትዉዋ ዓዶም ራሕሪሖም ስለ ዝተሰዱን ዝተበታተኑን፣ እተን ንኣሽቱን ስድራ ቤታውያን ትካላት ንግዲ ርኡይ ጉድኣት እዩ በጺሕወን። ካብቶም ትጉሃት ወለዲ ናብቲ ዝመጽእ ወለዶ ብምምሕልላፍ እንዳ ዓበያን እንዳ ሰሰናን ኣብ ክንዲ ዝኸዳን፣ ንሃገራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕብየት በቲ ዝድለ ዘበርክታን፣ ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብአን በሪሰን፣ ነድዬንን ተዓጽየንን፡ ከምዘይነበራ ኮይነን ኣለዋ። ብሓቂ ብውድዓውነት ክምዘን ከሎ፣ ከቢድ ሃስያ እዩ። ዛጊት ኣብ ባይታ ኣምጺኡዎ ዘሎ ጉድኣት እውን ከቢድ እዩ።

እቲ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ፡ ብዝለዓለ ብቕዓት ተኸሺኑን ተዳልዩን ከምኡውን ካብቲ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ሕኑን ማዕበላዊ ግስጋሰ ሰኒቑን፤ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ከምቲ ዝድለ ተቛዲሱን፤ ካብኡ ተጠቒሙን እንተዘይዓብዩ፣ ብቕዓቱ ይውሕድ። ዝገብሮ ኣስትዋጽኦ እውን ምህሙን ይኸውን። ነተን ወለዱ ዝሃነጽሉን ዘጽንሑሉን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ብዝያዳ ኣማዕቢሉ፣ ኣህጢሩን ኣስፊሑን፡ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ህንጸት ፍሩይ ኣስተውጽኦ ክገብር ዕድላትን ተኽእሎታትን ይስእን። ብዝኾነ መንገዲ ድማ ኣየድምዕን። እዚ ማለት፡ ከም ወዲ ሃገር መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብብቕዓት ዓብሊሉ፣ ነቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ከምቲ አብ ኩለን ሃገራት ዝድለ ብላዕለዋይ ኢድ ወኒኑን ኣማሓዲሩን ክነብር ኣይክእልን። እዚ እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ሳዕቤን ንኽትሓሰቦ ዘሰቅቕ ኢዩ። በቲ ሕጂ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረኤ ዘሎ፡ “ብሰንኪ መጻእተኛታት ናይ ተወሪስና፣ ብቑጠባ ተዓብሊልና፣ ተወጊንና” ዝብል፡ ብዙሕ ሽግርን ዘይምርግጋእን ከየምጽእ ጥንቃቐ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ከድልዮ እዩ። እወ ዕቱብ ጥንቃቐ ብሰንኪ ኤርትራ ዝኣተወቶ ሓድሽ መድረኽ። ነብስና ኣማዕቢልና ኣጋይሽና ንቀበል፡ ዝብል ዓቕሚ ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ኣንተዘየስሪጽና፣ እቲ ዝህሉ ሕማቕ ኣማራጺ ድማ ንኻሎኦት (መጻእተኛ) ሰብ ዓቕምን፣ ሃብትን፣ ብሉጽ ፍልጠትን ስብሒ ምድርኻ ኣረኪብካ፡ ኣብ ገዛእ ዓድኻ አገልጋሊኦምን ጊልያኦምን ኮንካ፡ ተረፍ መረፍ መኣዶምን ርፍራፎምን ምልቃም ኢዩ። ብተወሳኺ ነቶም በሃብቶም፣ ብትካላዊ መሃዝነቶምን ብሞያኦምን ትካላት ክምስርቱን፣ ክነብሩን፣ ክሰርሑን ምስ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣውፈርትን ሰብ ላዕለዋይ ሞያን ተወዳዲርካ ካብቲ ጸጋ ሃገርካ በቲ ዝድለ ተቛዳሲ ንክትከውን ከሸግር ኢዩ። እዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ (legacy)፡ ንሃገሩን ንህዝቡን ዝሓልን ዝሓምምን ሃገራዊ፡ ከሰክፎ ይግባእ። ኣብ ገዛእ ዓድኻ ናይ በላዒ ስብሒ መሬትካ ተመልካቲ ምዃን ማለት፡ መሪር ሓሞት ብሰፍነግ ምስታይ ኢዩ`ሞ፡ ካብዚ ናይ ዘመናዊ ባርነት ሂወት ኣብ ገዛእ ዓድኻን መረበትካን ይሰውረና። ንኽስውረና ድማ ኣድላይ ኩሉ መዳያዊ ስጉምቲ ምውሳድን፣ ምጽዓርን ሓባራዊ ጻዕሪ ምግባርን የድልየና። እወ ብውድዓውነት ንዘለናዮ ኩነታት ንርኣዮ። ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ የንጸላልወና ኣሎ። ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ዘሕዝን ናይ መጻኢ ተርእዮ ክንቋጻጸሮን ከነውሕዶን ንኽንክእል፡ ሕጂ ብሓባር ምስ ሓፋሽ ህዝብና ኮይንና ንትልሞን ንገብሮን ወሳኒ ቅድመ ኩነት ኢዩ። እዛ ዓለምና ኣዝያ እንዳጸበበት ትኽይድ ኣላ። ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ይራኸብ ኣሎ። ንኣብነት ብቁጠባ፣ ብማሕበራዊ ናብራ፣ ብፖለቲካ፣ ብተክኖሎጂካዊ ስነ-ፍልጠት፣ ብባህሊ፣ ብዶብ ኣልቦ ሓበሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ከምኡውን ብኻሎኦት ወሰንቲ ረቛሒታት ክጥቀስ ይከኣል። እወ ሳላ ዘቀራርበና ዘሎ ዘይተኣደነ ዓውሎማዊ ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ ዜናታትን ፍጻሜታትን ዓለምና ብደቓይቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ንኽብጽሓና ኩሉ ተኽእሎ ኣሎ።

ፍልጠትን ሓበሬታን ብቐሊሉ ኣብ ኮምፒተርና ከም ወሓዚ ዛራ ይመጸና ኣሎ። ኮነ ኢልካ ብመንግስታዊ ምሕደራ እንተ ዘይተሓጺሩ ወይ እንተ ዘይተደልዩ፡ ሎሚ ፍልጠት ንምድላብ ብዙሕ ዘኽፍሎ ዋጋ የብሉን (knowledge is cheap and ubiquitous everywhere)። እቲ ለይትን መዓልትን ክንሓስቦ ዘለና ከም ህዝቢ ድማ፣ ካብቲ ዘይተኣደነ ባሕረ ጸጋ ናይ ስልጣነን ዕብየትን ዓለምና ከምቲ ዝድለ ከመይ ጌሩ ንረብሓሉን ንኸስበሉን ኢዩ። እዚ ማለት ብኸመይ ጌርናኸ ናብ ረብሓና ክንቅይሮ ንኽእል ኢልና ብጻዕቒ ክንሓስብን ብውልቃዊ ይኹን ብእኩብ ክንጽዕረሉ ይግባእ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ክእለትን ጸጋን ድማ ተደሚሩ ሃገራዊ ጸጋታት ክምዝፈጥር ፍሉጥ እዩ። እቲ ጻዕርናን ተባላሓትነትናን ናብ ቅርዓት ከነውጸኦ ክንክእል ኣለና። ንገብሮ`ዶ ኣለና? ብናተይ ውልቃዊ ትዕዝብቲ፣ ዛጊት ኣይካኣልናን ዝሕታለና’ውን ዘተሓሳስብ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ ናይ ነብሲ ወከፍና ዝግባእና ዘይምግባር፣ ናይ መንግስታዊ ምሕደራ ጉድለታት፣ ብቑዕ ሰብ ኣብ ብቑዕ ቦታ ዘይምህላው፣ መጠኑ ዝሓለፈን ዘየድልን ቊጽጽርን፡ ብዘምጸኦ ዘይንቡር ኩነታት ብዝተፈጥሩ ማሕለኻታት ናይ ውልቀ ጻዕርን መሃዝነትን፣ ወዘተ ኢዩ። ኣብዚ ብዙሕ ክጥቀስን ክትንተንን ይካኣል። እዚ ዝሕዝን ኩነታትና ዘምጸኦ ዘሎ ሳዕቤናት እውን ብግሉጽ ንርእዮ ኣለና። ህዝብና ብኹሉ መለክዒታት ንድሕሪት ተመሊሱ። ዝጠፍአ ዕድላትን ክሳራታትን ደረት ተሳኢኑዎ። ንኣብነት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ንኣሽቱ ስድራ-ቤታዊ ትካላዊ መሃዝነት ድማ እቲ ቀንዲ ብልጫናን ተዋዳዳሪ ብሉጽነትና ከንርእየሉን ብዘየላቡ ብቐዳምነት (ወላውን ኣብ ብተዛማዲ ጽንኩር ኩነታትን) ከነማዕብሎ ዝግባእ ቁጠባዊ ጽላት ክኸውን ነይሩዎ። እቲ ዘሕዝን ድማ ጥጡሕ ባይታ ዛጊት ዘይምፍጣሩ፡ እቲ ማዕበያዊ ብሉጽነትና ብቀጻሊ ነጥፍእ ኣለና። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ብሰፊሑ ዝተራእየን ዕውት ውጺኢት ዝሃበን ዝህብ ዘሎን፡ ንሕናውን ምረባሕናሉ። ውህሉልን ዝተመስከረሉን ተወፋይነትና እንብሎ እንተድኣ ዘተባብዕ ሃዋሁው ዘይተፈጢርሉ፡ ዋጋ የብሉን። ብኣንጻሩ እዩ ዝኸውን፡ ማለት፦ ምርማስ፣ ምዝሕታል፡ ኣብነት ናይ ሕማቕ ሓድጊ ምዃን። ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ የድሊ። ብኸመይ ንገብሮ? ዕዮ ገዛና እዩ።

በሰላ ናይዚ ሕማቕ ሓድጊ ድማ፡ ከምቲ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (African National Congress or ANC) ሲርል ራማፖዛ ሕጂ ፐረዚዳነት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዘሎ ዝበሎ ኢዩ። እጠቅስ፡-“ነቲ 400 ዓመታት ዝተወጸዔ ግን ከኣ ብቁጽሪ ብገፊሕ ዝዓብለለ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ህዝቢ ብቁጠባ ምሕያል (Economic Empowerment) ዘሸግረና ኣይኰነን። እዚ እቲ ዝቐለለ ኢዩ። ንዓና እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ፣ እቲ ንኣስታት አርባዕተ ክፍላተ ዘበን ዝኣክል ነቲ ምስኪን ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ፣ ምሉእ ሰብ ኣይኮንካን፣ ንዓና ንጸዓዱ ከተገልግል ኢኻ ተፈጢርካ፣ ቁጽሪ፣ ሳይንስ፣ ወዘተ ንክትማሃር ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፣ ፍርቂ ወይ ሓውሲ ሰብ ኢኻ፣ ብስነፍልጠት ተዓጅብካ ክትምህዝን ከተማዕብልን ዘኽእል ዓቕሚ ክትውንን ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፤ እንዳተባህለ፡ ብቀጻሊ ዝኾነ ሰራምን ነውራምን ስነ ኣእምሮኣዊ ዘመተ ዝተሓጽበን፣ ዝተዳህለን ከምኡውን ወኑን ርእሰ-ተኣማንነቱን ከምዘጥፍእ ንዝተገብረ ህዝቢ፣ ሱር በተኻዊ ብዝኾነ መንገዲ ነዚ ክፉእን ረማስን ዝኾነ ውርሻዊ ተርእዮ ኣወጊድካ ብኸመይ ርእሰ ተኣማንነቱ ትመልሰሉ ኢዩ።” እዚ ማለት፡ ካብቲ ጻዕዳ ዜጋ ብዘይንእስ፡ ከድምዕን ክዳረግን ይኽእል ኢየ ኢሉ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ምእንቲ ክነብር ማለት እዩ። እዚ ንዓናውን ዓቢ ምኸሪ ኢዩ። ሕማቕ ውርሻዊ ሓድጊ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዓንቃፍን ጐዳእን ከምዝኾነ ፍሉጥ ኢዩ። ዓቕምን ትሕዝቶን (ጸጋታትን) ሃገር ዝድንፍዕ ድማ፡ ናይቲ ውልቀ ሰብ ዓቕምን ዕቑር ጸጋን ምስ ዝድንፍዕ እዩ። ግን እዛ ዝበልናኩም ግበሩ (Our way or the highway) እትብል ተመዛዚት ሓረግ ዳግም ክሕሰበላ ኣለዎ በቶም ዝምልከቶም። ንሕና ኢና ክኣልቲ ኩሉ፣ ካባና ዝበልጽ የልቦን። ሕሉፍ ተመኩሮና ዝበለጸ ኢዩ። ባህልና እዩ እንታይ ክወጾ፣ ተዓዊትናሉ ኢና፣ ተኣምር ንሰርሕ ኣሎና፣ ምባል እንተ ኣጉደልናዮ እቲ ዝበለጸን ዝሓሸን ኣማራጺ ኢዩ። ልክዕ እዩ ንሕሉፍ ተመኩሮ ኣድቂቕካ ምፍላጥን ጸጽብቑ ምውሳድ ሰናይን ሃናጺን እዩ። ግን ኣብ ጊዜን፣ መንኮርኮር ምዕባለን ዝተማእዘነ ዳይናሚካዊ መስርሕ ክንጎስዮ ዘይንኽእል ግድነታዊ ናይ ምዕባለ ሕጊ ስለዝኾነ ክንክተሎ ድማ ይግባእ። ኣድማዒ ትካላዊን ዲሞክራሲያዊን መንግስታዊ ምሕደራ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ኣብ ዝወርድ ጽፍሕታት ክህሉ ኣለዎ። ምስ ግዜን ዲናሚካውን ሞዕባለ ተዓጻጻፊ ክኸውን እውን ኣለዎ። እንተ ዘይኮይኑ ድማ ኣብ ክንዲ ኣሳላጢ ዓንቃፊ፣ ኣብ ክንዲ ንጽቡቕ ውጽኢት ደፋኢ፡ ሓንኳሊ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዚ ምስ ቀጻሊ ለውጥታት ኣሳራርሓናን፣ ምሕደራናን፣ ኣታሓሳስባና ክንልውጥን ከነማሓይሽን ናይ ግድን ይኸውን። ካልእ ኣማራጺ የልቦን። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ንነብስኻ ምጥባርን ንህዝኻን ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ምግዳፍን ኢዩ ክኸውን። ኣብ ታሪኻዊ ህቡብነትካ ተመርኲስካን ሕሉፍ ጅግንነትካ ምድማቕ ሰናይ እዩ። ግን እቲ ሕጂ ዘሎን፣ ብሕጂ ዝመጽእን ብናይ ዲያለክቲካዊ ናይ ሞዕባለ ሕግታት ተቐይዱ ስለ ዝኸይድ፡ ግድን ምስኡ ምኻድን ነቲ ዘምጸኦ ግድነታዊ ለውጢ በቲ ሓፋሽ ዝረብሓሉ መርሓ መንገዲ ምርዓምን ከድሊ እዩ። መንኮርኮር ምዕባለ ሃገር ኣወንታዊን ኣድማዕን ዝኸውን ዝተፈላለዩ ተራጻምቲ ግን ንምዕባለ ሃገር ዝሕልኑ ኣታሓሳስባታትን ኣራኣእያታትን ምስ ዝህልውን ዝታባብዑን እዩ። ብሓጺሩ፣ ተዓጻጻፍነትን ውድዓውነትን፡ ኣብ መዋእል ቀጻሊ ምዕባለ ዘይጉሰ ግድነታዊ እዩ ። ከምቲ ፈላስፋ ዳርዊን ዝበሎ፣ ‘እቶም ኣብ ንጥፈታቶም ዕውታት ኮይኖም ዝቕጽሉን ዝስውዱን ኣቶም ዝበለጹ ዝይኮኑስ፣ እቶም ምስቲ ብቐጻሊ ተለዋዋጢ ዝኾነ ውድዓዊ ናይ ምዕባለ ተርእዮን ለውጥን ብተዓጻጻፍነት ተዋሃሂዶም ዝምርሹ እዮም’። ብሓቂ ክሕሰበሉ ዘሎዎ እዩ፡ ከም ዘይጉሰ ኣማራጺ።

ዕቑር ተዋዳዳሪ ብሉጽነት ኤርትራ

ኤርትራ ኣይኮነን’ዶ ነዚ ውሕድ ህዝባ ዝኸውን፣ ንኻልእ’ውን ምኻኣለት። ብክሊማኣ፣ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኣ፣ ብታሪኻን ባህላን፣ ብዕቑር ጸጋታታ፣ በቲ ካብ 1200 ኪሎ ሜተር ዘይንእስ ካብ ሽሕ ንላዕሊ መራኽብ ንመዓልቲ ዝማላለሳሉ ስትራተጂካዊ ኣፍደገ ባሕራ፡ ምስኩሉ ዕቑር ጸጋታቱ፣ ካብ ኩሉ ድማ በቲ ዝተመስከረሉ ህርኩት ህዝባ። ብሓጺር ጊዜ ምዕብልትን ብልጽትን ክትከውን ተኽእሎ ኣለዋ ብሓቂ። ኣብዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ካብቲ ዝነበረቶ ካብ 20 ዕጽፊ ንላዕሊ ክትምዕብል ኔሩዋ። ተደጋጊሙ ዝዋሃብ ምኽንያት ኣሎ። እዚ ፍሉጥ ኢዩ። ልዑላውነትናን ሃገራዊ ህንጸትና መስገደላት ኣይነበሩናን፣ ማሕለኻታት ኣይነበሩናን፣ ኣይተጐዳእናን ማለት`ውን ኣይኮነን። ልኡላውነትና ከነውሕስ ኣሎና ብቐዳምነት፣ ሃገር ካብ ባዶ ኢያ ጀሚራ፣ ወዘተ ይባሃል እዩ። እወ እዚ ግን ናይ ኩሉ ወዲ ሃገር ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ። ሓፋሽ ህዝቢ ንንጡፍ ኩሉ መዳያዊ ተሳታፍነት ዕድል ኽኽፈተሉ ኔሩዎ፣ ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ናይ ኩሉ ዕቑር ጸጋታት ስለዝኾነ፣ ዕድል ሂብናዮ እንተንኸውን፣ ብናተይ ኣራኣእያ፡ ኣብ ከም ሰንሰለት እናተታሓሓዘ ዝኽይድ ደረቱ ዝሓለፈ ብድሆን፣ ቀጻሊ ሽግርን፣ ማሕንቖታትን ኣይምኣተናን። እዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ፖሊቲካዊ ኣራኣእይኡ ብዘየገድስ፣ ንኤርትራ ዝሓሊ ምዃኑ ምርሳዕ፣ ወይ ክትርዳእ ዘይምድላይ ወይውን ዘይምፍታን፣ ዘምጸኦ ግጉይ ኣታሓሳስባ እውን ስለ ዝነበረን ዝሎን እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ መትከሉን ኣራኣእያኡን ብዘየገድስ ሃገራዊ እዩ፣ ንሃገሩን መረበቱን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ይሓልን ይሕልውን፣ ይፈቱን ምዃኑ ክርሳዕን ክውገንን የብሉን። ኣብ ካለኦት ሃገራት ብኸምዚ ናይ ኤርትራ ዝሓለፋ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ሽቶታት እንዳወቕዓ ኢየን በጺሔንኦ። ኣብነተን ንከተል። ከም ባዓል፦ ጀርመን፣ ሲንጋፖር፣ ኮረያ፣ ሊባኖስ፣ ወዘተ ህልዋት ምሰክር ኢየን። ሎምስ ኣብ ኩለን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት እኳ እቲ መንግስታዊ ምሕደራአን ብመሳልል ምሕደራዊ ማሕውራቱ ኣቢሉ ዓርሞሸሽ ደፋኢ ሓይሊንምዕባለ ኮይኑ የገልግለን ኣሎ። እዚ ማለት ካብ ሃገራዊ ባይቶ ጀሚሩ፣ ካቢነ ምኒስተራት እንዳበለ ስጋብ እቲ ዝተሓተ ኮማዊ መንግስታዊ ምሕደራ ብግሉጽ ብመራኸቢ ሓፋሽ በቲ ዝግባእ መንገዲን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ተግባራቱን ውጥናቱን ብዕሊ ንሓፋሽ የፍልጥ ይትንትን፣ ይገልጽን ከምኡ’ውን ምኽሪ ካብ ሓፋሽ ይሓትትን እጃም ሓፋሽ ይጽበን ኣሎ። እዚ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ብዙሓት ቅልጡፍ ምዕባለ ብቀጻሊ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት። ንሕናውን በቲ ባህልናን፣ ያታናን ክብርታትናን ተሓጊዝና ክንገብሮ ክንክእል ኔሩና ሕጂውን ክንገብሮ ኣለና። ታሪኽናን ቅርስታትናን ያታዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብናን ነባሪ ምስክር እዩ፡ ኣይንጉሰዮ። ኣብዚ ዘለናዩ ጎደቦ ኣንተርኢና፣ ከምቲ ስነ ጥበባዊ በረኸት መንግስተእብ ኣብ ሓደ ቃለ መሕትት፣ “ንኻለኦት ዘውረስናዮም ካባና ካብ ሰሜን ንደቡብ ዝኸዱ እምበር ናባና ዝመጽኡስ ዳርጋ የለውን” ዝበሎ፣ ታሪኽ መስካሪ እዩ፣ ንኹርዓሉ ንርባሓሉን ድኣምበር፡ ኣይህሰስ ድርዒን ሕላገተን ናይ ህዝቢ ርእሰ ተኣማንነት እዩ።

ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። እዛ ዓለም ብፈጣን ዳናሚካዊ መስርሕ ትሓልፍ ኣላ። ሱር በተኽ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ ወርሓዊ ተርእዮ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ዓለምና ኣዝያ ትጸብብ ኣላ። ህዝቢ ኣብ ወሳኒ ጉዳይ ሃገሩ ብዝለዓለ እጃም ተኻፋሊ ክኽውን ርሒብ (ገፊሕ) ኣፍደገ ወይ ማዕጾ ክኽፈተሉ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ምሕደራን ኣካያይዳን ውጺኢቱ ዝሕቱል ይኸውን። እዚ ድማ ምኽንያት ናይ ዘይተኣደነ ህዝባዊ ፍልጠትን ኣስተዋጻኦን ምኽሳር ኣዩ ዝኸውን። ሃገራዊ ልምሰት ድማ የስዕብ። ብፍላይ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ካብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ተጠቒሙ ኣብ ኤርትራ ማሉን (ገንዘቡ) ተኽእሎኡን ከዋፍርን፣ ብገፊሕ ኣስተዋጽኦ ክገብርን፡ ነ`ባ በሎም ን`ኢታይ በለን ከይበልና፡ ዕድላት ንኽፈተሉ፣ እወ ተቢዕና ንሕናን ንሶምን ከይበልናን ቁስልና ከይሓኸኽናን። እወ ከም ደቂ ሃገር ሓንጎፋይ ኢልና፣ ዕድላት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ንኽፈተሉ ንኹሉ። እወ ንጽዓረሉ፣ ሰሓቢ ሃዋሁው እንተንፈጥረሉስ፡ ኣቤት ክንደይኮን ምረብሔት እዛ ዓደቦና ኤርትራ። እቲ ዝነበረና ብልጫታትና እውን ነበረያ ነበረ ከይኮነ ምስተጠቐምናሉ። ንህዝብና ምቹእ ባይታ እንዶ`ሞ ንፍጠረሉ። ኣብ ዓመት ሚልዮናት ዘይኮነ ቢልዮናት ርእሰ-ማል ናብ ኤርትራ ምውሓዘ ኔሩ። ብፍላይ ኣብ ደገ ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና ካብታ ዝረኽባ ሓንቲ ዶላር፣ ፍርቃ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ መዋፈራ። ብሕታዊ ትካልና እውን ብተዓጻጻፍነት ምደንፈዐ። ህዝብና እውን መሃዝን ቀጻልን ሃገራዊ ቁጠባ (creative economy) ናይ ምህናጽ ክእለት ብዝበለጸ መጥረየ። ኣብ ዝሓለፋ 28 ዓመታት`ሲ ካብዚ ዘሎ ብዝበለጸ፣ ክንደይ ህንጻ ምስተሃንጸ? ክንደይ ትካላት ምስተተኽለ? ክንደይ ትማላላኢ፣ ተታሓሓዚ ቁጠባዊ ምዕባለ ምስተራእየ? ክንደይ ሆቴላትን ናይ ቱሪዝም ትካላት (ናይ በጻሕቲ ሃገር መስሕብ) ምስተጣየሰ? ክንደይ ብቑዕ ኣብያተ ትምህርትታትን ሞያዊ መሰልጠኒ ውልቃውያን ትካላትን ምስተመስረተ። ክንደይ መንእሰያት ሰብ ዋኒን ወይ ወነንቲ ትካል (national entrepreneurs) ምስተጫጭሑ? ክንደይ መንእሰያትና ተኣምር ምሰርሑ? እዚ ኩሉ ከሎ`ስ ቁሩብ ቁራቦ ወርቂን ቡሩርን ክንረክብ`ስ ጐዳጉዲ ምኹዓትን ከባቢያዊ ብከላ ምፍጣር`ዶ ምሓሸና (environmental degradation due to mining residuals)። ንሕሰበሉ ድኣ። ንህዝቢ ኤርትራ ንፈቱን ንሓዋሩ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ንሓስብ እንተድኣ ኮይንና፣ ነቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ንኽንመልሶ ድኣ ንጽዓር እምበር ከም ኣብ ንእሽቶይ ጥርሙስ ዝኣተው ዓሳ ፈንጠርጠር ምባል ውዒሉ ሓዲሩ ጎዳእን ኣብራስን ምዃኑ ንፍለጦ።

ናይ መዋእል ዓንኬል ዳናሚካዊ መስርሕ (life cycle dynamic process) ኣብ ኩሉ ኣሎ። ግድነታዊ ኢዩ ድማ። ስለዚ ግድን እቲ ዝኣረገ ብሓድሽ ክትካእ፣ እቲ ዝሓመቐ ብዝሓሸ ክቕየር፣ እቲ ኣብቲ ግዜኡ ኣድማዕን ብቑዕን ዝነበረ ድማ በቲ ናይ ሕጂ ወድዓዊ ኩነታት ዝጠልቦ ክቕየርን ክመሓየሽን ዘይገሃስ ናይ ተፈጥሮኣዊ ዲያለክቲካዊ ሕጊ ኢዩ ። ዘይቅየር ተሞክሮና እንዳበልካ ካብ ምስ ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ናይ ለውጢ ሕግታት ምግጫውን ኣብ ነብስና፣ ህዝብናን ሃገርናን ብቐሊሉ ዘይሓውን ዘይጠፍእን ጉድኣት ካብ ምምጻእ በሰላ ካብ ምግዳፍን ዝሓሸ እንተገበርና ይምረጽ። ተፈጥሮ ሃጓፍ ኣይጻወርን እዩ ኣንታይ ድኣ ካብ ዘምጸኤ ኣምጺኡ ይመልኦ ዝባሃል ሓቂ ኣሎ። ሕጂ ድማ ንህዝና ሰፊሕ ተኽእሎን ዕድልን ሂብና ነቲ ሃጓፍና ንምላኣዮ። ነቲ ብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላትና ነተን ንእሽቱን ስድራቤታዊ ትካላትን ኣንዳ ኣማዕበልና ዘቤታዊ ተኽእሎናን ጸጋታትናን ነዕቢ። ዳሕራይ ከምቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ክግበር ዝድለ፣ ኣጋይሽና (ናብ ዓድና ቁጠባዊን ሞያውን ወፍሪ ክገብሩ ዝመጹ) ድማ በቲ ሕግታትና ስርዓትናን ዝጠልቦ መቓን ንቕበል። ነዚ ንኽንገብር ኣንተ ዘይኪእልና ወይውን እንተዳናጒናን ግና ኣቲ ኣማራጺ ፍሉጥ እዩ። ጊልያን ካላኣይ ዜጋን ኣብ ገዛእ ዓድካ ምዃን እዩ። ግን ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻ ኣንቃሓዮ ንኽፈልጦ ከምዝባሃል ንሕሰበሉ ድኣ።

በቲ ተባዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ፣ ኤርትራ ነጻ ካብ እትኽውን እነሆ 28 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ብመንጽር ብምሉእ ሓይሉ ብናይ መንኮርኮር ፈጣን ምዕባለ ንዝምርሽ መንግስትን ህዝብን ሃገርን፣ 28 ዓመታት ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ኣድማዒ ስራሕ ክስርሓሉ ይካኣል ኢዩ ወላ ምስቶም ዘለዉ ብድሆታት`ውን እንተኾነ። እኹላትን ውድዓውያንን ዝኾኑ ተሞኩሮታት ኣብዛ ዓለምና ኣለው። ንሶም ክዕወቱሉ ዝኸኣሉ ድማ ብተኣምር ዘይኮነስ ብዝሓንጸጽዎን ብዘማሓደርዎን ብዘተግበርዎን ወፍርታትን፣ ነቲ ዘለዎም ዓቕምን ትሕዝቶን ጸጋታትን በቲ ዝለዓለ ብቕዓት ሰለ ዝተጠቕምሉን ኢዩ። ብፍላይ ብዝላዓለን ዝማዕበለን ዓቐን ንህዝቦም፡ ነንሕድሕዱ ከም ዝማሃሃርን ከም ዝስልጥንን ስለ ዝገበሩ እውን ኢዩ። ከምኡውን ንጡፍ ናይ ሓፋሽ ተሳታፍነት ኣብ ኩሉ መዳያዊ ዕማማት ስለ ዘውሓሱ እዩ። ነቲ ናይ መንእሰይ ወለዶ ዓቕሚ ንምዕባይ እውን ብዙሕ ጻዕርን ሰብኣዊ ወፍርን ስለ ዝገበሩ ኢዩ። ካብ ኩሉ ብዝበለጸ ድማ ንቐጻሊ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ኣገዳስነት ናይ ናኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት፡ ዕዙዝን ልዑልን ኣተኩሮ ሂቦም ስለ ዝሰርሑሉን ዝተዓውትሉን ኢዩ። እተን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን ትካላት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሔንስ መለለዪ ኣንዱስትሪያዊ ሓያልነት ናይዘን ተዓወትቲ ሃገራት ኣብ ምዃን በጺሔን፡ ገናውን ይበጽሓ ኣለዋ።

መደምደምታ

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደልን፣ ነዞም ክቡራት ኣማሓደርትና ድማ ብትሕትናን ከዘኻኽሮም ዝፍትን ድማ፣ ሓፋሽ በቲ ዝድለ ስፍሓትን ዕምቈትን ዘየሳተፈ መንግስታዊ ምሕደራ ብዙሕ ናይ ሃገር ምዕባለ ዝሕትልናን ጉድኣትን ከምዘምጽእ ኢዩ። ዓይኒ ሓፋሽ ህዝቢ ዓይኒ ንስሪ (ኢግል) ኢዩ። ልቢ ህዝቢ ካብ መዓሙቕ ውቅያኖስ ይሰፍሕ። ፍልጠትን ብስለትን ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ኢዩ ከም ማይ ባሕሪ፡ ደረት ኣልቦ። ነዚ ጎስዮም፥- ንሕና ዝበልናኩም ግበሩ፡ ኣታ ወርቃዊት መፍትሕ ኣብ ኢድና እያ ዘላ፣ ዝብል ሕመረት መሪሕነት መንግስቲ፡ ከም ኣብ ሑጻ ዝተሃንጸ መንበሪ ገዛ ኢዩ። ሓፋሽ ኣሳታፊ ዝኾነ ስትራተጂካዊን፣ ሓይለ ዕማማዊ፡ ከምኡውን ግብራዊ ዝኾነ መንግስታዊ ምሕደራ፡ ኣድላዪ ጥራይ ዘይኮነስ ግድነታዊ ኢዩ። ክልተ ምርጫታት ኢየን ኣብ ቅድሜና ተገቲረን ዘለዋ። እዚአን ድማ፡- ወይ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዝጠቅም ስራሕን ተመኩሮን ገዲፍካ ምሕላፍ ወይ ድማ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝሕመረቱ ሕማቕን ሃሳዪን ሓድጊ ምግዳፍ። ንህዝቡ ይሓልን ይፈቱን ዝብል መንግስታዊ ምሕደራ፡ ነታ ቀዳመይቲ ምርጫ ኢዩ ዝደሊ። ግን ድልየትን ክውንነትን ነንበይኖም ክኾኑ የብሎምን። ክሳነዩ ኣለዎም። እዞም ክቡራት ኣማሓደርትና ነዚ ብዕቱብ ክሓስቡሉ እላበዎም። ተስፋይን ምንዮተይን ድማ፡ ምእንቲ እቲ መንእሰይ ወለዶ፡ እቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘለዎ እዩ። ሃገርን ህዝብን ምፍታው ድማ በዚ ዕቱብነት`ዚ ኢዩ ዝምዘን።

መታሓሳሰቢ፥

ገለ ካብዚ ጽሑፍ`ዚ ካብቲ ወድና ነፍሲሄር ዮሓንስ መንግስተኣብ (Nov.08.1992 - Oct.09.2015) ካብቲ ብ “ዳግማይ ንኽፍጠር እቲ ነብሪ፣ ድግማ ዕውት ማሕበረ ቑጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤርትራ”፣ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝተጽሕፈ ናይ ኣካዳሚያዊ ምርምር ጽሑፍ ዝተወስደ እዩ። ብሰላም ይዕረፍ፣ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ፡ ኣብቲ ንእስነቱ ንኤርትራ ሓልዩን ተገዲሱን፡ ነዚ ዘበርከተ። ሓበን ናይ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣሎ።

ድኻም ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ
እዚ ጽሑፍ እዚ ድማ ንዝኽሪ ዮሃንስ ወድና ይኹነልና።

ወለዱ ወ’ሮ ጽላት ተስፋዝጊን ዶ/ር መንግስተእብ ተስፋዮሃንስ
ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ
08/10/2019

Share with friends:


See also recent Articles by Dr. Mengsteab Tesfayohannes (Ph.D, PDC)  ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ካብ ዝቐረቡ ብ'ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Advice for All Eritreans. ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን።

 



Share with friends: