ክእረም ዝግበኦ ሓተታ፡ ኣለና መድያ፡

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

23/03/2020 23:28 PM

ክእረም ዝግበኦ ሓተታ፡ ኣለና መድያ፡

ብ`ጸጋይ ነጋሽ

ክእረም ዝግበኦ ሓተታ፡ ኣለና መድያ፡

ክእረም ዝግበኦ ሓተታ፡ ኣለና መድያ፡
ብ`ጸጋይ ነጋሽ

ንኤርትራ ዝምልከት፡ ኣብ ብረታዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ይኹን፡ ብድሕሪኡ ዝቕጽል ዘሎ፡ ፍጻሜታት፡ ክውንነታት... ብዝክኣል መጠን ከም`ቲ ዝኾኖን ዝወዓሎን ክጽሓፍን ክትረኽን ይግበእ።

ክጽብቕ ክሓምቕ፡ ክጥዕም ክመርር፡ ኩሉ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ`ያ። ታሪኽ ብዕላማ ዝብርዙ ብዙሓት እዮም። ንታሪኾም ኣጸባቢቖም ንናይ ካልእ ኣጸሊሞም፡ ዝጽሕፉን ዝስንዱን`ውን ኣለዉ። ስርዓት ሃይለሰላሴ፡ ህዝቢ ኤርትራ መወከሲ ዘይብሉ መታን ክተርፍ፡ ንዝነበረ መጽሓፍቲ፡ ካብ ቤት ንባብ፡ ካብ ቤት ትምህርትን ገዳማትን ይእክብዎ ከም ዝነበሩ ንዝክር። ክዕቅብዎ ዘይኮነስ፡ ንዐኦም ብዘገልግል ዳግም ክጽሕፍዎ`ዩ ነይሩ። ኣዝዩ ብዙሕ መጽሓፍቲ`ውን ኣብ ቅድሚ ዓይኒና ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ነዲዱ`ዩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ተኸቲሉ፡ ንታሪኽ ክብርዙን ክድልዝን ጸኒሑ`ዩ። ከቋርጾ`ውን ኣይኮነን። ስለዚ ታሪኽ ጠቀስ ጌጋታት እንኪጽሓፍ፡ ወይ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እንኪፍኖ፡ ዓገብ ክንብልን መአረምታ ከነቕርብን፡ ግቡእና`ዩ።

እዚ ክብል ከለኹ፡ ኣብ ትሕቲ "ብ/ር ጀነራል ኣብራሃለ ክፍለ፡ ሽዑ እንተዝውስን'ከ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብኣለና መድያ ብቪድዮ ንዝተማሓላለፈ ሓተታ መሰረት ገይረ፡ ነቲ ኣቐዲመ ኣብ ፌስ ቡክ ዘቕረብኩዎ መልሲ፡ ቁሩብ ኣመዓራርየ ዳግም ከቕርቦ መሪጸ። ሓቂ`ዩ ረድኢ መሓሪ ``ታሪኽ ክብርዝ ዕላማ ኣለዎ`` ወይ ``ኣብ ምብራዙ ረብሓ`` ኣለዎ ኢለ ኣይጥርጥርን። ነቲ ከይደኸመ ንስርዓት ኢሳያስ ንምቅላዕ ዝገብሮ ጻዕሪ`ውን ከተባብዖን ኣገናዕ እብሎ።

ታሪኽ ጠቀስ ይኹን ህዝቢ ጠቀስ ዛዕባ ክጽሓፍን ከሎ ግን ዝለዓለ ጥንቃቐ ምግባር ኣገዳስነቱ ኣየካትዕን። ስለዝኾነ፡ ንረድኢ መሓሪ፡ ንቕድሚት ጥንቃቐ ክገብርን ዝክኣል መጽናዕቲ ክገብረሉን ይምሕጸኖ።

ረድኢ መሓሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት (ዕለቱ ስለዘይፈለጥኩዎ) "ብ/ር ጀነራል ኣብራሃለ ክፍለ፡ ሽዑ እንተዝውስን'ከ"፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዛዕባ ሓተታ ኣቕሪቡ። ክሰምዖ ከለኹ ገሪሙኒ።ፈጠራ ወይ ድራማ ከይብሎ፡ ዘይመስል ኮይኑ። ሓቂ `ዩ ከይብሎ ከኣ ምስ`ቲ ኣብ ጫፉ ዝሓዞ ክውንነት ዘይቃዶን ዝተዛበዐን ኮይኑ ረኺበዮ። ግድን ክእረም ዘለዎ ጉዳይ ብምዃኑ ድማ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ፌስ ቡክ መልሲ ጽሒፈ። ብድሕሪ`ዚ፡ ብዙሓት ኣሕዋት`ውን ኣስዒቦም። ብዙሕ ኣመስግኖም።

መልእኽቲ ረድኢ መሓሪ/ኣለና መድያ፡ ኣብ`ዚ ተንኪፈዮ ዘለኹ ኣርእስቲ፡ (1) ኣብ ጊዜ 1977 ንዝተፈጸ ኣብ 1955 ከምዝተፈጸመ ገይሩ ኣቕሪብዎ። እቲ ፍጻሜ ኣብ ጸዓዘጋ (ሓማሴን) ዝኾነ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ከምዝኾነ፡ ዝተቐትለ ተጋዳይ ተሓኤ፡ ስዉእ ሽኮራይ ባህታ ኣብ ገረሚ/ካርነሽም፡ ብለይቲ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ኣብ ቅድሚ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ዝተቐትለ ክንሱ፡ ኣብ ሃይኮታ ዝተቐትለ ፈዳይን... ኢሉ ድራማ ዝኾነ ሓተታ ኣቕሪቡ። ዘጋገይዎ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ። ሕጂ ደድሕሪ`ቶም ዘጋገይዎ ምኻድ ኣየድልን። ርእሰ ነገር- ነቲ ጌጋ ምእራም ጥራሕ`ዩ፣ ታሪኽ ስለዝኾነ። ከምኡ`ውን ንኹሉ`ቲ ጌጋታት፡ ብብሓደ ቆንጠጥ ኢለ ዘይኮነስ፡ ነቲ ታሪኽ ክፈልጥን ዝግደስን ይሕግዝ`ዩ ዝበልክዎ ከቕርብ`የ።

ቀዳማይ፡- ኣብ ጥቅምቲ 1975፡ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህዝባዊ ሓይልታትን (ናይ ወጻኢ ልኡኽ) ስምምዕ ተፈሪሙ ነይሩ። ካልእ፡ ብፍላይ ድሕሪ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተሓኤ፡ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህዝባዊ ሓይልታትን ዝፍለጥ ርክብ ኣይነበረን።

ካልኣይ፡- ድሕሪ ውድባዊ ጉባኤ ናይ ህዝባዊ ሓይልታት፡ (ኣብ`ዚ ጉባኤ`ዚ ካብ ህዝባዊ ሓይልታት ሜዳ፡ ስሞም ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝቐየርሉ)፡ ካብ 21-23 ሚያዝያ 1977፡ ኣብ ዛግር ካርነሽም ፈላሚ ርክብ ተገይሩ። ብድሕሪ`ዚ ናብ ስምምዕ 20 ጥቅምቲ ዘብጸሐ ኣብ ዝተፋላለየ ቦታታት ርክባት ተገይሩ`ዩ።

ሳልሳይ፡ ድሕሪ`ቲ ናይ ዛግር ርክብ፡ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ሰነ ናይ 1977፡ ቀጻሊ ርክብ ተኻይዱ። እዛ ርክብ እዚኣ ኣብ`ቲ ፈነወ ናይ ኣለና ኣገዳሲት ትኸውን። ስለምንታይ፡ ኣብ`ዛ ርክብ እዚኣ እንከለዉ`ዩ ቅትለት ናይ ስዉእ ሽኮራይን ካልኦት 2-3 ዝኾኑ ተጋደልትን ብተጋደልቲ ናይ ህ/ግንባር ዝተፈጸመ።

ብድሕሪ ርክብ ሃዋሻት፡ ኢሳያስ ዘለዎም ኣባላነት መሪሕነት ህ/ግንባር፡ ብመኪና ኣቢሎም ብዓረዛ- ናብ ሊባን- ናብ ሕምብርቲ ኣተዉ። ኣብ`ዚ ህሞት`ዚ፡ ብቕትለት ናይ ብዓል ስዉእ ሽኮራይ፡ ክቱር ሕርቃንን ጓህን ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ተጋድሎ ሓርነት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ገለ ተጋደልቲ ናይ ተሓኤ ኣብ ጸዓዘጋን ከባቢኡን ዝነበሩ፡ ልዕሊ ምጽማም ስለዝበጽሐ ሕነ ክፈድዩ ተዳለዉ። እንተኾነ፡ በዓል ኢሳያስ ኣብ`ቲ ተጋደልቲ ዝገመትዎ ጊዜ ኣይመጹን።

ኣብ ጸዓጸጋ ምስ ብጽሑ ግን ኣብ`ቲ ዝተዳለወሎም ገዛ ከይኣተዉ፡ ገለ ተጋደልቲ ናይ ተሓኤ ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ፡ ክሳብ`ውን ንምትኳስ ጥይት ናብ ዓንቀር ምትሕልላፍ ደረጃ በጺሕሉ ዝነበረ ኣዝዩ ርሱን ኩነታት፡ ተጋዳይ ዑስማን ዓብደር ቃድርን (ኣቦ ዓፋን) ካልኦት ተጋደልትን፡ ኣብ መንጎ በዓል ኢሳያስን ተጋደልትን ጠጠው ኢሎም ነቲ ኩነታት ድሕሪ ብዙሕ ጻዕርን ታዕ-ታዕን ከዝሕልዎ ክኢሎም።

ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ፡ ኣብ`ዛ ዕለትን ቦታን እዚኣ ተጋ/ ኣብራሃለ ክፍለ ክርአ ዝኽእል ተራ ኣይነበሮን። ሓቂ ኣብ ጸዓዘጋ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ`ታ በዓል ኢሳያስ ዝኣተዉዋ ገዛ ምስ ተጋ/ወዲ ለማ ነይሮም። ኣብ ውሽጢ`ቲ ገዛ ዝተማላለስዎ ከም ዝነበረ ይንገር`ዩ። እዚኣ ግን፡ ዑስማን ዓብደርቃደር (ኣቦ ዓፋን)፡ ብህይወቱ ስለዘሎን፡ ዝጽሕፎ ንዘለኹ ሓበሬታ (ነቲ ናይ ጸዓዘጋ ዘረጋገጾን)፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ቃሉ ክህበና ተስፋ እገብር።

በዓል ኢሳያስ፡ ዝተረፈ ቀጻሊ ጉዕዞኦም ናብ ካርነሽም ስለዝነበረ፡ ብክፍሊ ሃንደሳ ናይ ተሓኤ ተሰንዮም ቀጺሎሞ።

ዎ ድሓንኩም

ጸጋይ ነጋሽ
03/22/2020

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ


መልሲ ካብ ረድኢ መሓሪ
(ኣዳላዊ፡ Alena Media TV)

ረድኢ መሓሪ
ሰላም ብሓበራ ኣባላት ስኒትና፡ ብክቡር ሓው ጸጋይ ነጋሽ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ብ/ጀ ኣብርሃለ ክፍለ ዝቐረበ መአረምታ ኣንቢበዮ። እናተመላላእና ክንከይድ ከም ዘለና ስለዝእስምን ድማ፡ ብልቢ ተቐቢለዮ ኢየ። ኣብ 2004 ዝሰማዕኩዎ ታሪኽ፡ ምስዚ ሎሚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ ኢለ'የ ኣቕሪበዮ። ሓው ጸጋይ ከኣ፡ ስለ እዚ መአረምታኻ የመስግነካ።
ካብ ረድኢ መሓሪ (ኣለና ሚድያ)



See also recent articles and Seminars by Mr. Tzegai Negash
ካልኦት ብ'ጸጋይ ነጋሽ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


Share with friends:


Alena Media TV (19 March 2020)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: