ጻውዒት ባይቶታት ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ይኣክል፡ ንምስረታ ዓለምለኻዊ ጽላል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

01/02/2020 13:20 PM

ጻውዒት
ባይቶታት ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ይኣክል
ንምስረታ ዓለምለኻዊ ጽላል

ካብ ባይቶታት ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ይኣክል፡

Urgent call from the councils of the Eritrean popular movements

ጻውዒት ባይቶታት ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ይኣክል፡ ንምስረታ ዓለምለኻዊ ጽላል
ካብ ባይቶታት ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ይኣክል፡

1. ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
2. ካናዳ
3. ዓባይ ብሪጣንያ
4. ዴንማርክ
5. ፈረንሳን
6. ሽወደንን

ዝኸበርኩም አብ መላእ ዓለም ትርከቡ ኤርትራውያን፡ ብቀዳምነት ዕዙዝ ሰላምታና ይብጻሕኩም። ብምቅጻል በቲ እተካይድዎ ዘለኩም ዘይሕለል ቃልሲ ንፍትሒን ንሓርነትን ህዝብና እናአሞገስና፡ ኣብ ስራሕኩም ዓወትን ኣሳልጦን ንምነ።

ከም ዝፍለጥ፡ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንስቅታ፡ ይኣክል ንምፍልላይ ኢሉ ብምትንሳእ፡ ነዚ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘይብሉ፡ ዘይሕጋውን፡ ገባትን ስርዓት ዕምሩ የሕጺርካ ካብ ሱሩ ንምእላይ፡ ሓድነቱን ውዳበታቱን ብምሕያል፡ ብመጀመርያ ብደረጃ ከተማታት ወከልቱ ብህዝቢ ብምምራጽ፡ ካብኡ ሓሊፉ ብዝነብረለን ሃገራት ደረጃ ተጠርኒፉ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ባይቶታትን ጽላላትን ይኣክል መስሪቱ ኣሎ። ገለ ሃገራት ድማ ኣብ ንምምስራት ይሸባሸባ ኣሎዋ።

ዝኸበርኩም አብ መላእ ዓለም ትርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ርክባትናን ምትሕሓዝናን ሓባራዊ ቃልስናን ከነደልድል መድረክ ዝጠልቦ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት እንገብሮ ቃልሲ ሓቢርና ክንሰርሕ ዘኽእለና ውዳቤታት ንምፍጣር፡ ነቲ በብሃገሩ ቆይሙ ዘሎ ባይቶታትን ጽላላትን ይኣክል ናብ ዝለዓለ ደረጃ ብምብራኽ፡ ሓደ ዓለምለኻዊ ጽላል ኤርትራውያን ባይቶ ይኣክል ንምቛም፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነቲ መስርሕ ንምጅማር ነቶም ብደረጃ ሃገር ባይቶታት መስሪትኩም ዘለኩም ጻዊዕትና ነቅርብ። እቶም ኣብ መስርሕ ምቛም ሃገራዊ ባይቶታት ዘለኩም ድማ ኣብ ዝወዳእኩሙሉ ግዜ ንምጽንባርን ኣብቲ እተካይድዎ ዘለኩም ውዳቤታት ደገፍ ንምግባርን ዘለና ቁርቡነት ንገልጽ።

ዝኸበርኩም አብ መላእ ዓለም ትርከቡ ኤርትራውያን፡ ነዚ ህዝብና ብዓቢ ሃንቐውታ ዝጽበዮ ዘሎ ምምስራት ዓለምለኻዊ ጽላል ኤርትራውያን ባይቶ ይኣክል ብዓወት ክዛዘም፡ ንኩሉ ሽርሕታትን ተጻቦኦታትን ናይዚ ኣጽናቲ ስርዓት ብንቅሓት ኣናፍሺልና፡ ብጥንቃቐ ሓድነትናን ምትእስሳርናን ከነዕቢ ዘለና ድሌት እናገለጽና፡ ሓባራዊ ናይ ቃልሲ ባይታ ፈጢርና ንህዝብናን ሃገርናን ካብ ጥፍኣት ዘድሕን ግብራዊ ስራሕ ክንዓምም ኩላትና ቅልጽምና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ከነሕብር ንላቦ።

ምልኪ ይፍረስ፡ ፍትሒ ይንገስ

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርክ

26 ጥሪ 2020


نداء عاجل من مجالس الحركات الشعبية الإرترية الولايات المتحدة الأمريكية

كندا

المملكة المتحدة

دينمارك

فرنسا

السويد

لتأسيس مظلة عالمية لمجالس الحركات الشعبية الأرترية

ايها الشعب الارتري الابي في كل أنحاء العالم اولا نهديكم تحياتنا الحارة وإذ نشكر ونثمن جهودكم وكفاحكم الذي تخوضونه من اجل الحرية والعدالة لشعبنا الابي منذ زمن طويل وكما هو معلوم لدي الجميع ثار الشعب الارتري في جميع أنحاء العالم تحت شعار كفايه للعبوديه والصمت والتفرقة وذلك لازالة هذا النظام الفاسد من جذوره وعليه قام الشعب الاريتري مؤخرا بتوحيد صفوفه وتنظيمه في عدة دول واختيار من يمثله في القيادات وأقام عدة مجالس ومظلات يستظل تحتها وكما يوجد الاريتريين المقيمين بعد دول بصدد تنظيم أنفسهم في المجالس في وقت قريب،

ايها الشعب الاريتري الكريم لقد أن الأوان لتوحيد تنظيماتنا ومجالسنا وتكثيف لقاءاتنا ومشاوراتنا لتقوية نضالاتنا وذلك بتاسيس

مجلس عالمي موحد نستظل تحته تحت مسمى كفاية،

لذلك ندعو كل التنظيمات والمجالس الشعبية الاريترية العمل في جميع أنحاء العالم لتأسيس مجلس وطني عالمي موحد في اقرب وقت ممكن وكما لا يخفى عليكم بان هذه الفرصة ظل ينتظرها الشعب الاريتري بفارق الصبر ونحن نؤكد لكم استعدادنا

القيام بكل ما يتطلب منا للمساهمة في تحرير شعبنا العظيم من قبضة العصابة الحاكمة، وذلك يتحقق فقط بوحدتنا ووقوفنا معا

لا للاستعباد نعم للعدالة

حفظ الله ارتريا وشعبها

26/1/2020


Share with friends:


ጻውዒት ባይቶታት ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ይኣክል፡ ንምስረታ ዓለምለኻዊ ጽላል
نداء عاجل من مجالس الحركات الشعبية الإرترية

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: