ወግዓዊ መግለጺ ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

06/07/2019 20:45 PM

ወግዓዊ መግለጺ
ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን
ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ።

ሓምለ 4, 2019

ወግዓዊ መግለጺ ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ

ወግዓዊ መግለጺ ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ
ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ: ሓምለ 4, 2019

ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ፈላሚ ኣኼብኡ ብውዕውዕ መንፈስ ኣካይዱ። ንሓደስቲ ኣወሃሃድቲ ብሙሉእ ድምጺ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃቡ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ዝኣመሞም ሓይሊ ዕማማት ከም መበገሲ በቲ ሓድሽ ኣወሃሃዲ ኣካል ቀሪቦም፡ ንምምሕያሾም ዝሕግዝ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝኸደ ርሱን ሃናጺ ዲሞክራስያዊ ክትዓት ኣካይዱ።

ከምዝዝከር እዚ ባይቶ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ 24-25 ግንቦት 2019 ኣብ ዝተጋበአ ህዝባዊ ሲምፖዝዩምን ዋዕላ ወከልቲ ህዝብን፡ ካብ 35 ከተማታት ብዝመጹ 88 ወከልቲ ቆይሙ፡፡ ኣብ ቅድሚ ካብ መላእ ሰሜን ኣሜሪካ ዝመጹ ተሳተፍቲ ህዝቢ ቀሪቡ’ውን ቃለ-ማሕላ ከምዝፈጻመ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን እዚ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ 35 ከተማታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ ክጽንበራ ድሉዋት ዝኾና ከተማታት ክሓቁፍ ብዘኽእል ቅርጺ ሒዙ ስርሑ ኣብ ምስልሳል ይርከብ። ብመሰረት ስምምዕ እዚ ባይቶ ነፍሲወከፍ ከተማ 3 ኣባላት ናብ ሓፈሻዊ ባይቶ ተወክል፡ ካብኣቶም ሓደ ተመሪጹ ድማ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ንክኸውን ተወሲኑ። ካብ ውሽጢ ማእከላይ ኮሚተ ከኣ ናይ ፈጻሚ ኣካል መስርሕ ምምራጽ እተወሃህድ 5 ዝኣባላታ ናይ ሓደ ወርሒ ዕድመ ዝነበራ ግዝያዊት ኣወሃሃዲት ኣካል መሪጹ ከም ዝነበረ ይዝከር። እዛ ጉጅለ 5፡ ነቶም 35 ኣባላት ማእከለይ ኮሚተ ኣብ 5 ጉጅለታት ብምምቃል፡ ኣብ ኣገባብ ኣመራርጻ ፈጻሚ ኣካል፡ ሕጹያት ክማልእዎ ዝድለ ረቛሒታትን፡ ነዚ ባይቶ ስራሑ ንምስላጥ ዘድልዩዎ ሓይሊ ዕማማትን ብቀጻሊ ድሕሪ ምዝታይ ብዕለት 23 ሰነ፡ 7 ቀወምቲን 2 ተሓጋገዝትን ብምምራጽ ስርሓ ዛዚማ።

ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ፡ 78 ካብ 88 ኣባላት ሓፈሻዊ ባይቶ ኣብዝተረኽቡሉ፡ ብዕለት 30 ሰነ 2019 ቀዳማይ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ነቲ ሓድሽ ኣወሃሃዲ ኣካል ብምሉእ ድምጺ ኣፍልጦኡ ሂቡ። ንንጥፈታት ናይታ ግዝያዊት ኣወሃሃዲት ጉጅለን ማእከላይ ኮሚቴን ድማ ገምጊሙ። ብተወሳኺ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ዝኣመሞም ሓይሊ ዕማማት በቲ ሓድሽ ኣወሃሃዲ ኣካል ቀሪቦም፡ ንምምሕያሾም ዝሕግዝ ሓሳባት ዘትዮም።

ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብዚ በጺሑዎ ዘሎ ንኽበጽሕ ልሙጽ መንገዲ ከምዘይተጓዕዘ ንኹሉ ይኽወሎ ኣይንብልን። እቲ ጸረ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ብዝተፈላለየ መንገዲ ዕዉት ስራሕና ንኸፍሽል ብዙሕ ጽዒሩ። ምዑታት ደቂ ህዝቢ ግን ብንቕሓት ስዒሮሞ ቦሎኽ ኢሎም እነሆ ኣብዚ በጺሑ። ገና ዝተረፎ ብድሆታት ኣብ መስርሕ እንዳመዓራረየ ከኣ ክስስን ምኻኑ የረጋግጽ። ንመላእ ህዝብና ንዝጎደለ እንዳመለአ ዕድመ ዓማጺ ስርዓት ኢሰያስ ንምሕጻር ኣብ ጎድንና ደው ክብል በዚ ኣጋጣሚ ይጽውዕ።

ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ፡ ንሓይልታት ጸጥታን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉ እምበር ተግበርቲ እከይ ውዲታት ስርዓት እሰያስ ከይኮኑ ብኣኽብሮት ይምሕጸን ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኩሉ ጻዕርታቱን ዓቕሙን ኣብ ምምሓው እዚ ንህዝብና ኣሳቕዩ ዝበታትን ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ከውዕሎ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ ብኣኽብሮት ይጽውዕ።

ኣብ መወዳእታ፡ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ፡ ንኩሉ ኢሰብኣዊ ተግባራት ስርዓት ኢሳያስ ብትሪ ይኹንን። ንስልታዊ ምሕያርን ቅትለትን ሓውና ስዒድ መሓመድዓሊ ይኹንን። ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ኣብ ቀብሪ ኣቦና ሓጂ ሙሳ ብሓይልታት ጸጥታ ብግፍዒ ተኣሲሮም ዘለው ንጹሃት ዜጋታትና ይኹንን! ብህጹጽ ክፍትሑ ይጽውዕ። ንማእሰርቲ ሓሙሸተ ኣቦታት ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ይኹንን! ብህጹጽ ክፍትሑ ይጽውዕ። ካብ ገዛውቶምን ካብ ማእከል ጸሎትን ዝተኣስሩ ኣመንቲ ጵንጠቆስታል ክርስትና ይኹንን! ብህጹጽ ክፍትሑ ይጽውዕ። ምዕጻውን ምህጋርን ብቤተክርስትያን እምነተ ክርስቶስ እትመሓደር ኣብ ከተማ ከረን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ይኹንን። ብተወሳኺ ከም ሕነ ምፍዳይ ንጻውዒት ዕርቅን ሰላምን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ሕሙማትን ኣለይቶምን ብሓይሊ ኣውጺእካ ምዕጻውን ምህጋርን ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ይኹንን! ብዘይ ወዓል ሕደር ኩሉ ንብረትን ትካላትን ናብ ዋንኡ ክምለስ ይጽውዕ። ይኣክል!!

በዚ ኣጋጣሚ፡ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ልዕሊ ማንም እዋን ሓድነቶም ኣትሪሮም ነዚ ፈላላዪ ንዱይ ስርዓት ዕርቃኑ ከውጽእዎ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓርነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጊን ቅዋምን ከውሕሱን፡ ፍትሒን ዲሞክራስያዊ መሰላትን ንዝተሓረሙ ወገናትና ኣለናልካ ክብሉ ብኣጽንዖት ይምሕጸን።

ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ኩሎም ዕምሪ ስልጣን ገባቲ ስርዓት ብምሕጻር፡ ልዕልና ሕግን ፍትሒን ንምንጋስ ዝቃለሱ ዘለው ሃገራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሓቢሩ ክሰርሕ ድሉው ሙኻኑ ቃል ይኣቱ። ንኹሉ ሽርሕታት ዓማጺ ስርዓት ብንቅሓት ብምፍሻል፡ ኣብ ምውሓስ ሓድነት ህዝብናን ልዑላዊ መሬትናን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ካብኡ ዝጥለብ ዘብለ ንኸበርክት ድልው ምኻኑ ደጊሙ የረጋግጽ። ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ስደትን መሰሎም ዝገሃስ ዘሎ ኤርትራውያን ብኹሉ ዓቕሙ ክጣበቕ ምዃኑ ቃል ይኣቱ።

ይኣክል ግፍዒ፡ መከራን ስደትን!

ይኣክል ግህሰት ሰብኣዊ መሰል!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ

ሓምለ 4, 2019

ብ'PDF ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


ATV:ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡24 ግንቦት 2019


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: