ይኣክል! ካብዚ'ኸ ናበይ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

30/07/2019 05:02 AM

ይኣክል! ካብዚ'ኸ ናበይ?

ብ'ፕሮፈሶር ኣርኣያ ደበሳይ
By Professor Araya Debessay
ተርጓማይ — ተወልደ ስእለ (መጋቢት 2019)

ይኣክል! ካብዚ'ኸ ናበይ?

ይኣክል! ብ ኣማኑኤል ክፍለ (ዳዋ) ዝተባህለ መንእሰይ ነባሪ ዋሺንግቶን ዲሲ ካብ ዝብገስ ጀሚሩ ንኩሉ ኤርትራዊ ዋላውን ነቶም ብጉዳይ ኤርትራ ተስፋ ቆሪጾም ስቕታ መሪጾም ዝጸንሑን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ክድግፉ ዝጸንሑ ኤርትራውያንን ክበራበሩን ናብ ሕልነኦም ክምለሱን ሓጊዙ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን "ይኣክል"! ክብሉ ክትርኢ ልብኻ ዘረስርስ እዩ፡ እንተኾነ ግን እዚ ንበይኑ ነቲ ናይ ህዝብና ስቓይ ከብቅዕ ኣብ ምግባር እኹል ስለዘይኮነ፡ ኩልና ኤርትራውያን ነዚ ናይ “ይኣክል” ማዕበል ናብ ዝበረኸ ደረጃ ከነማዕብሎ ከድልየና እዩ። ዓላማ ናይዚ ጽሑፈይ ዕድመ ናይቲ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኣሕጺርና ንሃገርና ናብ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምስግጋር ንሕና ካብ ኤርትራ ወጻኢ እንነብር ኤርትራውያን (ዲያስፖራ ኤርትራ) ብዛዕባ ክንገብሮ እንኽእልን ዝግባኣናን ነገራት ዘሎኒ ሓሳብ ከም እማመ ንምቕራብ እዩ።

እቲ ኩልና ኤትርውያን ክንስማማዓሉ ዘሎና ቀዳማይ ነጥቢ፡ኢሳያስ አብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ፡ ኣብ ሃገርና ኣውንታዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክመጽእ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ። አብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክመጽእ፡ እዚ ዘሎ ስርዓት ብዘይ ወዓል ሕደር ክእለ አለዎ። ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ብምትሕብባር፡ ነቲ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ጉጅለ ክምሕዎ ዝኽእል ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሒዙ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ጥራይ እዩ። ዲያስፖራ ኤርትራ ድማ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት በዞም ዝስዕቡ መንገድታት ናይ ምስላጥን ምትሕብባርን ተራ ክንጻወት ንኽእል።

ልብን ኣእምሮን ሓይልታት ጸጥታ ንምኽሳብ ዘተኮረ ጎስጓስ

ህዝብና ኣብ ትሕቲ ውልቀ-ምልካዊ ጉጅለ ንዝሓለፉ 28 ዓመታት ዝሳቐ ዘሎ ብሰንኪ ካብቶም ነቲ ጉጅለ ዝኽተሉ ጨካናት ሓይልታት ጸጥታ ዘለዎ ፍርሒ ዝተላዓለ ኢዩ። ሰለዚ እቲ ቀዳማይ ክንገብሮ ዝግባኣና፡ ልብን ኣእምሮን ነዚ ስርዓተ-መንግስቲ ክከላኸሉ ብገንዘብን ብረትን ክሳዕ ዓንቀሮም ዝተዓጥቁ ሓይልታት ጸጥታ ዝማርኽን ናብ ሕልነኦም ዝመልሶምን ጎስጓስ ክኸውን ኣለዎ። ንኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ተኣማንነትኩም ንሕዝቢ እምበር ነዚ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ውልቀ መላኺ ክኸውን የብሉን ኢልና ከነዘኻኽሮም ግድነት ኢዩ።

ኢሳያስ፡ እቶም ክቡር ምንጪ ሃብትና ዝኾኑ መናእስያት ሃገሮም ክገድፉ ደፋፊኡ ከይኣክል ሕጂ ድማ ብመስዋእቲ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ጀጋኑ ተጋደልቲን ሃገራውያንን ዝተዓወትናዮ ልኡላውነትና ኣብ ስግኣት ኣውዲቑዎ ኣሎ። ነዚ ከነስምር፡ ንልቢን ኣእምሮን ሓይላታት ጸጥታ ናይቲ ጉጅለ ዝስሕቡን ንሕልነኦም ዘበራብሩን ግጥምታትን ደርፍታትን ብሳተላይት ቲቪ፡ ሬድዮ፡ ሕቡእ ስነጽሑፍን ካልኦት መራኸቢታትን ክንጉስጉሶም ይግባኣና። እዚ ድሮ ተጀሚሩ ኣሎ ግን ብምዕሩግን ውሁድን መንገዲ ነቲ ዘሎ ውሕሉል ጥበብ ኣበርክቶኡ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክብ ከነብሎ ኣለና። ሽቶ መልእኽቲታትና ሓይልታት ጸጥታ ሰብኣውነት ክህልዎም ምግባርን ብረቶም ናብ ኤርትራውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ካብ ምቕናዕን ምትኳስን ክቑጠቡ ምዝኽኻሮም እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሰላማዊ (ሲቪል) ህዝቢ ምብርታዕ

እቲ ካልኣይ ጠመተና ናብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሰላማዊ ሕዝቢ ዘተኮረ ይኽውን። ህዝብና፡ ንዘሓለፉ 28 ዓመታት ዝተሳቐዮ እይኣክል ኢሳይስ፡ ልኡላውነት ሃገርና ዘስገአ ሃንዳፍ ስጉምቲ ብምውሳዱ ናይ ህዝብና ትዕግስቲ ተጸንቂቑ ኣሎ። ንሕስያ ዘይብሎም ዘይተኣደነ ሓይሊ ብዝጥቅሙ ሓይላታት ጸጥታ ብዘሕደርሉ ራዕዲ፡ ህዝብና ኣብያ ከስምዕ ኣይከኣለን። እዞም ሓይልታት ጸጥታ ብረቶም ኣብ ልዕሊ እዚ የዋህ ዝኾነ ሰላማዊ ሕዝቦም ከየቕንዑ ከንዘኻኽሮምን ከነእምኖምን እንተደኣ ክኢልና፡ እዚ ሰላማዊ ሕዝብና ካብ ናይ ቀረባ ተሞክሮ ናይ ህዝቢ ሱዳን ዝረኸቦ ጠቓሚ ኣስተምህሮ ተታባቢዑ ብሰላማዊ ሰልፊ ነዚ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ክብድሆ ይከኣል ኢዩ። ስለዚ ዲያስፖራ ኤርትራ፡ ነዚ ሰላማዊ ሕዝቢ፡ ምስዚ ስርዓት ንኽፋጠጥ ዘተባብዖ ሓያል መልዕኽቲ ግድነት ክንሰደሉ ይግባእ።

ተራ ሓይሊታት ምክልኻል

እቲ ፍሉይ ኣድህቦ ዘድልዮ ሳልሳይ ኣካል ኤርትራ ሓይልታት ምክልኻል እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ምስዚ ውልቀ መላኺ ዘይምስምማዖም ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣመስኪሮም እዮም። ለውጢ ክረጋገጽ ዝኽእል፡ ሓይሊታት ምክልኻል ብዙሕ ክሳራ ብዘየሰአዕብ መንገዲ፡ ብውሕሉልን ውሁድን ተባዕ ወተሃደራዊ ስርሒትን ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ዲያስፖራ ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣጆኹም ዝብሉን ዘበራትዑን መልእኽትታት ነቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምእላይ ኣድልዪ ስጉምቲ ንዝወስዱ ወገናት ንዋታዊ ብተወሳኺ ክልእኩ ይግባኣና።

ሓይሊታት ምክልኻል፡ እቲ ፍረጻማ ናይቶም ጀጋኑ ተጋደልቲን ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራን ዝኾነ ልኡላውነት ሃገርና ሓደ ውልቀ-ሰብ ቁማር ክጻወተሉ ክፈቕዱ ከምዘይግባእ ከነዛኻኽሮም ኣለና። ኤርትራውያን ደርስቲ፡ ገጠምቲ፡ ደረፍቲን ስነ-ጠበበኛታትን ንሓይሊታት ምክልኻል ሓደ ሰብ ሃገር እንዳዕነወ ትም ኢሎም ክዕዘቡ ከምዘይብሎም ብቐጻሊ ከዛኻኽርዎም ኣለዎም።

ተራ ዲያስፖራ ኤርትራ ድሕሪ ለውጢ

ዲያስፖራ ኤርትራ ድሕሪ ምውዳቕ እዚ ዲችታቶርያዊ ስርዓት ሃገርና ከጋጥምዋ ንዝኽእሉ ብድሆታት ብዝምልከት ተራኦም ክጻወቱ ይኽእሉ።

ምምስራት ሞያውያን ማሕበራት

ዲያስፖራ ኤርትራ፡ ሞያውያን ማሕበራት ብምምስራት ንጥፈታት ኣባላት ማሕበሮም ብምውህሃድ ሓደ ኣገዳሲ ተራ ክጻወትሉ ዝኽእልሉ ባይታ ክፈጥሩ ይግባእ። ኤርትራ ልዑል ብቕዓት ብዘለዎም ምሁራት ተባሪኻ ኢያ። ብስነ-ቁጠባውያን፡ መሃንድሳት፡ ጠበቓታት፡ ተመራመርቲ፡ መምህራን፡ ጋዜጠኛታት፡ ሰብ ሞያ ገንዘብን ባንክን ተጸባጽበቲ (ኣካውንታንት)፡ ሰብሞያ ህዝባዊ ጥዕና፡ ቱሪዝምን እንግዶትን፡ ክኢላታት ወጻኢ ጉዳያት፡ ወፍሪ፡ ዕዳጋ፡ ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ (ኣይ.ቲ) ክምኡውን አብ መጎአዚያ ዝሰርሁ ወ.ዘ.ተ.። እዞም ሞያውያን፡ ተበግሶ ወሲዶም በብዓውዶም ተወዳዲቦም ድሕሪ ለውጢ ንሃገር ክሕግዝ ዝኽእል ኣብ መምርሒታት ዘተኮረ ሰነድ ከዳልዉ ይግባእ። ምውዳቕ ናይዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ውልቀ-ምልኪ ኣብ ቀረባ እዋን ክኽውን እዩ ብዝብል እምነትን ትጽቢትን ሞያውያን ሰነዳቶም ከይዶንጎዩ ከዳልዉ ኣለዎም ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ኣድላይነት ምምስራት ሕጋውያን ዓለምለኻዊ ወከልቲ

ዲኣስፖራ ኤርትራ፡ ተወዲቦም ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ናይ “ይኣክል” መልዕኽቲታት ከመሓላልፉ ክትርኢ ልብኻ ዘረስርስ እዩ። ዝተፈላለያ ናይ ሲቪክ ማሕበራት፡ከም ናይ መናእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኤርትራውያን ጠበቓታት፡ ምሁራት፡ ስነጥበበኛታት፡ ሙዝቀኛታትን፡ ኤርትራውያን ጉጀለ ውሑዳን ዓሌታት፡ ሃይማኖታዊን ኣውራጃዊን ማሕበራት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ ካልኦትን ክዕንብባ ክትርኢ ዘበራትዕ እዩ። እዞም ጉጀለታት ብጣዕሚ ጽቡቕ ስራሕ ኢዮም ዝሰርሑ ዘለው። እንተኾነ ምናልባት ኣብዘን ጉጅለታት ኣባላት ዘይኮኑ ጉጅለ ደልይቲ ፍትሒ ሓዊስካ፡ ኣብ ሃገርና ኣውንታዊ ለውጢታት ክመጽእ ውጽኢታዊ ስራሕ ምእንቲ ክሰርሑ ኩሎም እዞም ጉጅለታት ክወሃሃዱ ኣለዎም ኢለ ይጽውዕ። ንጥፈታት ናይዞም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ጉጅለታት ዘወሃህድ ኣካል የብልናን። እዚ ኣካል ብሽም ዲያስፖሮ ኤርትራ ብሓደ ድምጺ ክዛረብ ሕጋውነትን መዝነትን ዘለዎ ኣካል ይኽወን። ብፍላይ እዚ ኣካል ምስ ንፍሉይ ጉዳይ ዝደፍኡ ጉጅለታትት ብምቅርራብ ብውክልናን ብዲፕሎማሲን ዕዮ ከሳልጥን ጽልዋ ክገብርን ኣድላይ ኮይኑ ኢዩ ዝርከብ። ተመቓቒልካ ከተድምዕ ከምዘይከኣል ክንኣምን ኣሎና። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ፡ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ሓድነት ኤውሮጳ፡ ሃገራት ዓረብ፡ ኢጋድን፡ ካልኦትን ብሕጋዊነት ዝውክለና ኣካል የድልየና ኢዩ።

ዓለምለኻዊ ወከልቲ ንሓይልታት ጸጥታ ከማሕጽኑን ንሰላምዊ ሕዝብና ከበራትዑን ዝኽእሉ ናይ ሚድያ ንጥፈታትና ከወሃህዱ ይኽእሉ፡ ብተወሳኺ እዞም ወከልቲ ንሰላማዊ ምስግጋር ባይታ ከጣጥሑልናን መሰረት ሕዝብና ሓንቲ ብሓንቲ ንዘዕነወ እዚ ጨቋኒ ስርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከወግዶ ንዘቕርቦ ዘሎ ሕቶ ድጋፍ ክረክብ ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም።

መስርሕ ምምስራት ሕጋዊ ዓለምለኻዊ ወከልቲ

ዓለምለኻዊ ወከልቲ፡ ንዲያስፖራ ኤርትራ ንምውካል ዘለዎም መዝነት ሕጋዊ ምእንቲ ክኸውን ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝረከቡ ኤርትራውያን ብሕልፊ ድማ ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ንጡፋት ጉጅለታት ኣብ መስርሕ ምርጫ ክካፈሉ ብጣዕሚ ወሳኒ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ዲያስፖራ ኤርትራ ውጽኢታዊ ዘይኮነሉ ቀንዲ ጠንቂ ምምቕቓልና ኢዩ። እዚ መስርሕ ኣብ ደረጃ ከተማ ዝጅምር ኮይኑ ፡ መጀመርታ ንኩሎም ኣብ እቲ ቦታ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ጥርናፈታትን፡ ፖለቲካውያን ውድባትን፡ ፓለተካዊ ወይ ጉጀልዊ ጸግዖም ብዘየገድስ፡ ከም ኣባላት ናይቲ ዝነብሩሉ ከተማ/ከባቢ ክመርጹን ንክምረጹን ዕድል ክዋሃቦም ይግባእ። እዘን ዘለዋና ንጡፋት ጉጅለታት ክፈርሳ ኣይኮነን ዝጽውዕ ዘለኹ። ከተሓሳስቦ ዝደሊ ጉዳይ ተሳትፎ ናይ ኩሎም ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ ዘለው ጉጅለታት ብፍላይ ድማ ዝተፈላለዩ ፓለቲካዊ ሰልፊታት ክብ ንኽብል እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ዝቐምጥሉ ከባቢ ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶም ኮይኖም ኣብቲ መስርሕ ምርጫ ክካፈሉ ካብ ዝብል እምነት ዝተላዕለ ኢዩ። እዚ ንባዕሉ ንኩሎም ኤርትራውያን ጾታኦም፡ ሃይማኖቶም፡ ዓሌቶም፡ ኣውራጃኦምን፡ ፓለቲካዊ ምትእስሳሮም ብዘየገድስ ኣኣብ ዞባኦም ዝካየድ መስርሕ ምርጫ ብመጸዋዕታ ንኽመጹን ዓቢ ጎስጓስ ከድልዩ ኢዩ።

ኣብ ኩለን ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዞባዊ መራሕቶም ምስ መረጹ እቲ ቀጻሊ ስጉምቲ እዞም መራሕቲ ተኣኪቦም ብሃገር ደረጃ ዝውክልዎም ወከልቲ ምምራጽ ይኸውን።እዚ መስርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ኣህጉርን ክካየድ ኣለዎ።

እቲ ናይ መውዳእታ ስጉምቲ ድማ ናይ ኣፍሪቃ፡ ኤስያ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣውሮፓ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ደቡብ ኣሜሪካን ካልኦት ቦታታትን ወከልቲ ዝካፈልሉ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ወከልቲ ኤርትርውያን ብምክያድ ዓለምለኻዊ ወከልቲ ኤርትርውያን ንምምራጽ ኢዩ።

ምድላው ባያታ ሰላማዊ ምስግጋር

እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ነዚ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ክምሕው ተጊሆም ዝነጥፉ ዘለዉ ወገናት ፡ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ጁባታቶም መሊኡ ዘዋፈሮም ሓይልታት ጸጥታ፡ ኩሉ ምንቅስቓሳቶም ኣዝዩ ሚስጢር ብዝኾነ መንገዲ ክሰርሑ ይግባእ። ስለዚ፡ እዞም ተባዓት ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ድሕሪ ለውጢ ንዝህሉ ሰለማዊ ምስግጋር ነጻ ኮይኖም ብዝርዝር ንምውጣን ባይታን ዕድልን የብሎምን። እቶም ዓለምለኻዊ ወከልቲ ፡ ብዓበይቲ ዓዲ፡ ናይ ቴክኒክ ክኢላታት፡ ምሁራት፡ ዝበሰሉ ፓለቲካውያን፡ ዲፕሎማሲያውያን ከመኡ ድማ ኣማኸርቲ ኤርትርውያን እንዳተሓገዙ ስእለ-መንገዲ ናይ ሰላማዊ ምስግጋር ከዳልው ትጽቢት ይግበረሎም። እዞም ዝስዕቡ፡ ገለ ካብ ልዑል ምድላው ዘድልዮም ዕማማት እዮም፣

1. ሰላምን ስርዓትን ምዕቃብ፡ ድሕሪ ምውዳቕ ሲያድ ባሬ ኣብ ሶማልያ ከምኡ’ውን ድሕሪ ምውዳቕ ምዓመር ቀዛፊ ኣብ ሊብያ እንታይ ከምተረኽበ ኩልና ንፈልጥ ኢና። ሰለዚ ተሞክሮ ሶማልያን ሊብያ ምእንቲ ከይንደግም፡ ሰላማዊ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምውሓስ ብኣጋኡ ምውጣንን ምድላውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቶም ዝምረጹ ዓለምለኻዊ ወከልቲ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋጽ ኣቕዲሞም እቲ ዝድሊ ስእለ-መንገዲ ኣብ ምንዳፍ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘለው ናይ ለውጢ ሓይሊታት ክሕግዙ ትጽቢት ይግበረሎም።

2. ምውጣን ሰላማዊ ምስግጋር፡ ዓለምለኻዊ ወከልቲ፡ ሰላማዊ ምስግጋር ንምርግጋጽ ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይሊታት ገለ ካብቲ ከበርክቱሎም ዝኽእሉ ኣገደስቲ ዕማማት እዞም ዝስዕቡ ይርከቡዎም፤
ሀ. ንኩሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ዋዕላ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ሓጺር ናይ ግዜ መደብ ምውጣን
ለ. ወክልቲ ናይ ዝምረጹሉ ዋዕላ መምርሒ ምድላው
ሐ. ነቲ ናይ መሰጋገሪ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ብጽቡቕ ንኽጅምር ክሕግዙ ዝኽእሉ ናይ ቴክኒክ ክኢላታት ኣብ ዓውዲ ቁጠባ፡ ምምሕዳር ባንኪን ክም ናይ ጥዕናን ዋሕስ መግቢን ዝኣመሰሉ ካልኦት ኣገደስቲ ወሃብቲ ኣገልጉሎት ምጉስጓስ

3. ፉሉይ ጉዳይ ዝደፍኡ ጉጅለታት (ሎቢ) ኣድቮካሲን ዲፕሎማሲን፡ ሳልሳይ ኣገዳሲ ንጠፈት ዓለም-ለኻዊ ወከልቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትርውያን ኣብ ዓውዲ ምቅርራብ ምስ ፉሉይ ጉዳይ ዝደፍኡ ጉጅለታት ኣድቮካሲን ዲፕሎማሲ ዘተኮረ ኢዩን፡፣ ሽሕኳ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንሕዝቦም ንምሕጋዝ ኢሎም ተወፋይነቶም ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ኣርኢዮም ኢዮም ። እሳቶም ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ ለመናታት ብምጽሓፍ ኣብ ኮንግረስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ጀኔቫን ኒውዮርክን ኣኼባታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድምጾም ክስማዕ ብምፍታንን ከምኡ ድማ ንቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጲያ ደብዳቤ ብምጽሕፍ ጺዒሮም ኢዮም። ግን ጻዕሮም ውጽኢት ብዘይምፍራዩ ዘሕዝን ኢዩ።
እዚ ጻዕሪ ተወፋይነት ብዘለዎም ኣክቲቪስት ወይ ድማ ጉጅለታት ዝተኻየደ ኢዮ። ነዚ ድማ ምስጋና ይገቦም። እንተኾነ ግን እቲ ጻዕሪ ብሽም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ክዛረብ ዝኽእል መዝነትን ሕግዊነትን ብዘለዎ መሪሕነት ተዋሃሂዱ ተኻይዱ እንተዝነብር ድምጺ እቶም ጻዕረኛታት ኣጸቢቑ ክስማዕ ዕብይ ዝበለ ዕድል መጋጠመ ነበረ።

4. ምቅርራብ ምስ ፉሉይ ጉዳይ ዝደፍኡ ጉጅለታት (ሎቢ) ኣድቮካሲን ዲፕሎማሲን እዚ ንጥፈት ብዓለም-ለኻዊ ወከልቲ ወይ መዝነት ብዝተወሃቦ ጉጅለ ኣዝዮም ምኩራት ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝካየድ ንጥፈት ኮይኑ እቶም ወከልቲ ወይ ድማ እቲ ጉጅለ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓድነት ኣፍሪቃ ሓድነት ኤውሮጳ ዓረብ ሊግ ድማ ብሕልፊ ማሕበራዊን ፓለቲካውን ለውጢ ክረክብ ኢሉ ሕዝቢ ኤርትራ ንዘቕርቦ ዘሎ ሕቶ ክድግፉ ንምእማን ኢዮ። እዘን ውድባትን ማሕበረሰብን ኢሳይስ ብቅዋምን ብዲሞክራሲን ዝተመረጸ መራሒ ከምዘይኮነ ክርደአን ኣለዎ።ንሱ ነዛ ሃገር ብሓጺናዊ ቅልጽም እናገዘአ ይርከብ ኣሎ። ንሱ ኣንጻር ሕዝቡ ዕቱብ ግህሰሳ ዘካይደ ክኸውን እንከሎ እዚ ከም ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት ተቖጺሩ ብናይ ሕቡራት መንግስታት መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ብግቡእ ተመዝጊቡ ኢዩ። ዓለምና ሕዝቢ ኤርትራ ብዝረኸቦም ኩሎም ሜላታት ነዚ ጨካን ውልቀ መላኺ ምውጋድ እምበር ካልእ ኣማርጺ ከምዘይብሉ ናይ ግድን ክትርዳእ ኣለዋ። ንሱ ስልጣን ብሓይሊ ስለዝወሰደ ገሃሲ ኢዩ። ስለዚ ንውልቀመላኽነቱ ክከላኸል ስነምግባራዊ ኮነ ሕጋዊ ባይታ የብሉን። ኢሳይስ ዘይሕጋዊ መራሒን ሃገራት ዘኽብረዎም ኩሎም ሰብኣዊ መሰላት ዝግህስን ኢዩ ኢልና ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ከነእምን ኣሎና።ዓለም-ለኻዊ ወከልቲ ምስ መዝነቶም ምስተመረጹ ድማ ነቲ ዝወደቐ ቁጠባ ሃገር ክትስእ ዝድሊ ሓገዝ ንምርካብ ምስ ወጻኢ ሃገራት ክዘራረቡ ኣለዎም።

እቶም ዝተመረጹ ዓለም-ለኻዊ ወክልቲ ምስ መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዕቱብ ዝርርብ ከካይዱ ትጽቢት ዝግበረሎም ክኽውን እንከሎ ድሕሪ ኢሳያስ እትህሉ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክልተ ሉእላውነት ዘለወን ጎረቤት ሃገራት ንሕዝብታተን ሰላምን ምዕባሌ ቁጠባ ኢለን ይስርሓ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣተኣታትዎ ምስ ኢትዮጲያ ብሰላምን ስኒትን ክትነብር ብርግጽ ድልየታ ኢዩ ንዝብል ነጥቢ ግድነት ክጸቕጥሉ ይግባእ። ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝካየድ ስምምዕ ኣብ ለዕሊ እዚ ዝተጠቕሰ መሰረት ሕጊ ዘሞርከሰ ክኸውን ኢዩ። መንግስቲ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ኢሳያስ ቅድም ኢሉ ዝፈረሞ ዉዕል ምስ እዚ ዝተጥቐሰ መሰረት ሕጊ ዝጻረር ኮይኑ እንተረኺብዎ ኣይጽድቖን ኢዩ።

መጠቓለልን መደምድምታን

ንምጥቕላልን ንምድምዳምን ዝኣክል ብክንደይ ጻዕሪ ዝረኸብናዮ ሉእላውነትና ዋጋ ዕዳጋ ከይዋዓለ ውልቀ መለኺ ስርዓት ነወግደሉ ግዜ ኣትዩ ኣሎ እብል። እዚ ስርዓት ብዝኾነ መንገዲ ክብሕጎግ ኣለዎ። እቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ሓይልታት ኢዮም ድማ ነዚ ስር ዓት ከውግዱ ኣብ ዝሓሸ ስፍራ ዘለዉ። እንተኾነ ግና ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ መስርሕ ለውጢ ስርዓት ኣገዳሲ ዝኾነ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ ኢዮም እዚ ድማ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለው ሓይሊታት ውጥን ብምሃብ ኢዩ። እዚ ውጥን ድሕሪ ለውጢ ስርዓት ዲሞክራሲ ሰላማዊ ስግግር ምእንቲ ክህሉ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ሓይልታት ዝሕግዝ ውጥን ኢዩ። እዚ ንባዕሉ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብሓባር ሞያዊ ማሕበራት መስሪቶም ኣብ ፓሊሲታት ዘተኮረ ውጥን ከዳልው ይሓትት። ብተውሳኺ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ንጥፈታቶም ዘወሃህዱ መዝነት ዘለዎም ሕጋዊ ዓለም-ለኻዊ ወከልቶም ክመርጹ ይሓትት። ዓለምለኻዊ ወከልቲ ብተሳትፎ ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ደልይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን መጀመርታ ብደረጃ ዞባ ደሓር ድማ ሃገር ኣብ መወዳእታ ከኣ ብደረጃ ዓለም ይምረጹ።

ኣብዚ ጉዳይ ሓለፍቲ መርበብ ኤርትራውያን ፓል ቶክ ኣመሓደርቲ ቲቪን ሬድዮን ከም ቀደሞም ዕዙዝ ተራ ክጻወቱ። በዚ ዘይሕለል ጻዕሮም ድማ ክምስገኑ ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ጽላል ይኣክል ብዓቢ ስምዒት ዝተወደቡ ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ካብ ልቢ ዝፈልፈለ ምስጋናይ የቕርበሎም። ብተወሳኺ ምስጋናይ ደኺሙና ከይበሉ ኤርትራውያን ከለዓዕሉ ዝሰርሑ ዘለው ከምኒ ሕዝባዊ ማዕበል ሰሜን ኣሜሪካ ኤርትራዊ ኮም ንፍትሒ ዋሽንግተን ሜትሮፓሊታን ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓዲ እንግሊዝ ጀርመን ስዊድን ሆላንድ ካናዳ ኣውስትራልያን ካልኦትን ማሕበር ስቪክ ውድባት ዓለም-ለኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ሕዝባዊ ምንቅስቓስ (ጂ ኣይ) ናይ ጀኔቫ ዕማም ሓይሊ ንምምራጽ ዓለም-ለኻዊ ወከልቲ ናይ ደንቨር ማኔፌስቶ ዘዳልወ ጉጅለ ምሁራት፡ ጉጅለ ህዳሴ ፡ኣባላት ሓንቲ ሃገር፡ ከምኡውን ብዩ ትዩብ ብርቱዕ መልዕኽቲ ዘመሓላልፉ ዘለዉ ከምኒ ፋኑስ መስትያትና መምህር ተመስገን ካሕሳይን ሀው ባክሪ ካልኦትን ድማ ምስጋናይ ይብጸሓዮም።


Share with friends:


እዚ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ይአክል ማዕበል ዕላምኡ ክወቅዕ እንታይ ክግበር ኣለዎ?
What should be done to achieve the aims of Yaakil?

Part 1 - Part 4

See also past articles and Seminars by Professor Araya Debessay.
ካልኦት ብ'ፕሮፈሶር ኣርኣያ ደበሳይ ዝተጻሕፉ ጽሑፋትን ሰሚናራትን፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: