Biography of Dr. Emabaye Weldemariam ታሪኽ ሂወት ዶክተር እምባየ ወልደማርያም

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

26/11/2021 19:14 PM

Book Release - Biography of Dr. Emabaye Weldemariam.
መመረቕታ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ዶክተር እምባየ ወልደማርያም

by Emnetu Tesfay

Biography of Dr. Emabaye Weldemariam

መመረቕታ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ዶክተር እምባየ ወልደማርያም (Book Release - Biography of Dr. Emabaye Weldemariam.) ብ እምነቱ ተስፋይ

መእተዊ

ኤርትራ፡ ከም ሃገር ካብ ትቐውም፡ ልዕሊ 130 ዓመታት ኣቚጺራ ኣላ። ኣብዚ ናይ ልዕሊ ሓደ ዘመን ዕድመኣ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታትን መዳያት ህይወትን ዓቢ ኣበርክቶን ቁምነገርን ዝገበሩ፡ ካብ ፍረ-ማህጸና ዝፈረዩ ብዙሓት ጀጋኑ ኣለውዋ። እቶም ቅድሚ ከም ሃገር ምቛማ ዝነበሩ ጀጋኑኣ ምስ እንውስኸሎም ድማ፡ እቲ ቊጽሪ ኣዝዩ ከም ዝበዝሕ ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቅያን ጅግንነትን ደቃ፡ ከምቲ ብዝሑን ዓይነቱን፡ ዳርጋ ብኣፈ ታሪኽ እንተ ዘይኮይኑ፡ ብኸምቲ ዝድለ መጠን፡ ብጽሑፍን ካልእ ውሑስ መንገድን ይስነድ የለን። ህሉዋትን መጻእትን ወለዶታት ድማ፡ ብቐሊሉ ከም ዝረኽብዎ ንምግባር ዝኻየድ ዘሎ ጻዕርታት ዘዕግብ ኣይኮነን። እዚ፡ ከም ሓደ ዜጋ ከተሓሳስበኒ ካብ ዝጅምር፡ ልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ። እዚ ሻቕሎት’ዚ፡ ኣብ በይነይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ዘሎ ሻቕሎት ምዃኑ፡ ጥርጣረ የብለይን። እዚ ዕማም ምስናድ፡ ሓላፍነት ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ምዃኑ ስለ ዝኣምን ድማ፡ ካብ ናብ ካልኦት “ከምዚ ዘይገብሩ” ኢለ ኢደይ ዘወጣውጥ፡ ቅድም፡ እቲ ብዓቕመይ ክገብሮ ዝኽእል ንኽገብር ተበግሶታት ክወስድ ጸኒሐ።

ኣብ 2015፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ስነ-ጥበብ፡ ትምህርቲ፡ ሃይማኖት . . . ወዘተ ዝኣመሰሉ ዓውድታት፡ ዓበይቲ ኣበርክቶታት ገይሮም ናይ ዝሓለፉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ታሪኽ ዝስነደሉ፡ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ከፊተ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ መርበብ’ዚ፡ ኤርትራውያን ምስ ጀጋኑኦም ንኽላለዩን፡ ብዛዕባ ቅያታቶም ብነጻ ዘንብብሉ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣርን እዩ። ኣብዚ ብ www.emnetu.com ዝፍለጥ መርበብ ሓበሬታ፡ ናይ ልዕሊ ሰላሳ ኤርትራውያን ሰብ-ቅያ፡ ታሪኽ ህይወት ክምዝግብ ክኢለ ኣለኹ። ብዙሓት ድማ፡ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣትዮም ከንብቡ በቒዖም ኣለዉ። እንተኾነ፡ ገለ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ሰነዳት ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ እንግሊዝ ይኹን፡ ካልእ ቴክኒካዊ ጸገማት፡ ብኣድማዕነት ክጥቀምሉ ከም ዝጽገሙ፡ መልሰ-ዕንጋሎ ክመጽኣኒ ጸኒሑ ። ነዚ ሕጽረታትን ሃጓፋትን ንምምላእ፡ ከም ተወሳኺ፡ ብመልክዕ መጽሓፍ፡ ታሪኽ ህይወት ጀጋኑ ከሕትም ጀሚረ ኣለኹ። ከም መቐጸልታኡ ድማ፡
እዛ “ታሪኽ ህይወት ዶ/ር እምባየ ወልደማርያም” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብቛንቋታት ትግርኛን እንግሊዝን አሕትማ ኣለኹ።

ናይ ዶ/ር እምባየ ወልደማርያም ታሪኽ ፍሉይ እዩ። እዚ ሰብ’ዚ፡ ኣብ መወዳእታ ዕስራታት፡ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ትምህርቲ ኣዝዩ ትሑት ንቕሓት ኣብ ዝነበሮ ግዜ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ፡ ብማዕረግ ዶክቶር ዝተመረቐ’ዩ ነይሩ። በዚ ሞያኡ ድማ፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ኢትዮጵያ፡ መሰረት ዘመናዊ ቅዋምን ሕጊን ዘንጸፈላ፡ ኣባል’ተን ዓበይቲ ኣህጉራውያን ውድባት (ውሕሃ፡ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ. . .) ንኽትከውን ዘኽኣላ ዜጋና እዩ። እንተኾነ፡ ኢትዮጵያውያን ገዛእቲ፡ ኤርትራዊ ብምዃኑ ጥራይ፡ ታሪኹ ምስኡ ከም ዝቕበርን ፈጺሙ ከምዝስወርን’ዮም ገይሮሞ ጸኒሖም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ብዘይካ ናይ ቀረባ ፈለጥቱን ስድራቤቱን፡ ዝበዝሕ ሰብ፡ ብዛዕባ ሞያን መንፍዓትን ዶ/ር እምባየ ኣይፈልጥን እዩ። ነዚ ጥልመትን ክፋእን ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንምኽሻሕን፡ ታሪኹ ደጊሙ ከም ዝደምቕን ንምግባር ድማ፡ ብዛዕብኡ ሓበሬታ ካብ ዝረኸብክሉ እዋን፡ ታሪኹ ብመልክዕ መጽሓፍ ንምሕታሙ ተንቀሳቂሰ።

መመረቕታ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ዶክተር እምባየ ወልደማርያም (Book Release Biography of Dr. Emabaye Weldemariam:

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ታሪኽ ህይወት ናይ ዝሓለፉ ጀጋኑ ምጽሓፍ ቀሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ናይቶም ቀዳሞት፡ መወከሲ ጽሑፋት ምርካብ ከቢድ እዩ። እቶም ከዘንትዉ ዝኽእሉ ቀዳሞት፡ ዝበዝሑ ሓሊፎም እዮም። እቶም ዝርካቦም ብህይወት ዘለዉ’ውን፡ ናይ ምዝካር ዓቕሞም ተዳኺሙ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ዕለታዊ-መዝገብ (diary) ናይ ምጽሓፍን ምዕቃብን ልምድና ድኹም ብምዃኑ፡ ነቲ ዕማም መሊሱ የካብዶ። ልዕሊ ኹሉ ከኣ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምን ሰነዳትን ዶ/ር እምባየ፡ ኮነ ኢሉ ብምስዋሩ፡ ታሪኹ ብምሉእነት ንምርካብ ኣጸጋሚ ገይርዎ። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ግን፡ ካብ ብሎጋት ኢንተርነት፡ ካብ ስድራቤቱን ናይ ቀረባ ፈለጥቱን፡ መበገሲ ሓበሬታ ብምርካበይ፡ ነዛ መጽሓፍ ከሕትማ በቒዐ ኣለኹ።

እዛ መጽሓፍ፡ ብቐንዱ ናብቲ መንእሰይን መጻኢ ወለዶን ዝዓለመት እያ። ብፍላይ፡ እቶም ኣብ ደገ ዝዓብዩ ዘለዉ ደቅና፡ ነቲ ብዛዕባ ሃገሮም ዘለዎም ድሩት ኣፍልጦ ንምስፋሕ ዝዓለመ ትሕዝቶታት ኣትዩዋ ኣሎ። ሓደ ካብኡ፡ ነታ ዶ/ር እምባየ ዝዓበየላ ከተማ ከረን ዘላሊ፡ ጽሑፋትን ስእልታትን ዝሓዘ ምዕራፋት ከም እተካትት ተገይሩ ኣሎ። እቲ ኣብ ቤቱ ዝነበረ ሰነዳት፡ ድሕሪ ሕልፈቱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ እተወሰደ፡ እቲ ክርከብ ዝተኻእለ ጥራሕ’ዩ፡ ኣብዚ መጽሓፍ ኣትዩ ዘሎ። ካልእ’ውን፡ እቲ ንሱ ኣብ ምንዳፉን ምጽዳቑን ዝተሳተፈሉ ሃገራውን ኣህጉራዊ ሰነዳት (ቅዋም ኢትዮጵያ 1931፡ ቻርተር ውሕሃ፡ ሰነድ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ) ከም ጥብቆ ተታሓሒዙ ቀሪቡ ኣሎ።

ካልእ ሽማሙንቲ ኢትዮጵያ ንዶ/ር እምባየ ዝምልከት ብምስጢር ዝሓዝዎ ሰነዳት፡ ግዜኡ ኣኺሉ ንህዝቢ ቅሉዕ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ እዛ መጽሓፍ፡ ዳግማይ ክትሕተምን ክትሰፍሕን ከም እትኽእል ምሉእ እምነት ኣሎኒ። ካብ ታሪኽ ዶ/ር እምባየ ወልደማርያም ክልተ ዓበይቲ ቁም ነገራት ክንመሃር ንኽእል። ሓደ፡ ኤርትራ ገና ዘይተዘመረሎም ዓበይቲ ቅያታት ዝሰርሑ ጀጋኑ ከም ዘለውዋን፡ ነዚ ንም’ብርባር ሰፊሕ መጽናዕታዊ ስራሓት ይጽበየና ከም ዘሎ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ድሕረት ናብ ዘመናውነት ንኽትምርሽ፡ መሰረት ኣብ ምትሓዛ ዕዙዝ እጃም ዘበርከቱን ዘገልገሉን ምሁራትን ሞያውያንን ኤርትራውያን፡ ከም ዝተጠልሙን ታሪኾም ከም ዝተሓከን፡ ብጋህዲ ንምርኣይን ንኽንመሃርን ይሕግዘና።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብዛ፡ ምስዚ ኣብ ሰዊት ዕድመኡ (46ዓመት) ዝተዀልፈን፡ ንኽርሳዕ ዝተፈርደን ዓቢ ኤርትራዊ ምሁር እተላሊ መጽሓፈይ፡ ንዘለኩም/ክን ሃናጺ ርእይቶን ነቐፌታን፡ ብኽፉት ልቢ ከምዝቕበል ብትሕትና ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ምኽንያቱ ታሪኽ ተመላሊእካ ብምዃኑ። ልዕሊ ኹሉ ከኣ፡ እዚ ዝገብሮ ዘለኹ ዕማም፡ ጭልፋ ካብ ባሕሪ ዘይኮነ፡ ጭልፋ ካብ ውቕያኖስ ጥራይ እዩ። እዚ ዕማም ምስናድ ኣዝዩ ገዚፍን ከቢድን ብምዃኑ፡ በብዓቕምና ክንሳተፍን፡ ተበግሶታት ንዝወስዱ ከነተባብዕን ከም ዝግብኣና፡ ብትሕትና ከዘኻኽር እፈቱ።

ሰናይ ንባብ!

Full Book link to the Biography of Dr. Emabaye Weldemariam, By Emnetu Tesfay: is Here.

መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ዶክተር እምባየ ወልደማርያም፡ ብ'እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብዚ ኣሎኩም።



ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ትነብሩ፣ ታሪኽ ህይወት ዝሓለፉ ጀጋኑና ንክተንብቡ
ንኣቶ ብጹዕኣምላኽ ኣርኣያ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ተለፎን ደዊልኩም ተወከሱ፡-

44 - 7958 691166


ጸሓፊ ኣቶ እምነቱ ተስፋይ፡ መን`ዩ?

Mr. Emnetu Tesfay

ኣቶ እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝካየድ ዝነበረ እዋን ቃልሲ፡ ዓቢይ እጃም ዝነበሮ፡ ሕጂ ድማ፡ ታሪኽ ህይወት፡ ናይ ፍሉይ ታሪኽን ኣበርክቶን ዝነበሮም ፍሉጣት ኤርትራውያን፡ ኣብ ምስናድ፡ ከይተሓለለ! ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን ምሁር ኤርትራዊ ሓው ኢዩ። ፍርያቱ: ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ እምነቱ.ኮም (www.Emnetu.com) ብምስናድ፡ ንኹሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ብናጻ ተነባቢ ከምዝኸውን ገይሩዎ ይርከብ። ዛጊት፡ ናይ ብዙሓት ልሉይ ተራ ዝነበሮም ብሃገር ደረጃ ኣብ ታሪኽና ክስነዱን ክፍለጡን ዘለዎም ኤርትራውያን ክጽሕፍ ኪኢሉ ኣሎ። ኣብ ዘካይዶ ታሪኽ ናይ ምጥርናፍ ስራሕ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ጻውዒት ይገብር። ገለ ካብቲ ሃብታም ተመኩሮኡ፡ ካብዚ ምስ TV-Sened Eritra (ቲቪ ሰነድ ኤርትራ) ዘካየዶ ዕላል ክንግንዘብ ንኽእል።



TV-Sened Eritra: Interview with Emnetu Tesfay (ምስ ቲቪ ሰነድ ኤርትራ፡ ዕላል ምስ ደራሲ እምነቱ ተስፋይ)


Share with friends:


See also Related:



See also Other Biographies published by Emnetu Tesfay:
ብኣቶ እምነቱ ተስፋይ ብመጽሓፍ መልክዕ ዝተዳለዋ፡ ታሪኽ ህይወት ናይ ልሉያት ኤርትራውያን ዝሕእዛ መጻሕፍቲ እውን ኣብ ታሕቲ እነሆ፦

Biography of Gen. Aman Michael Andom
ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም።

“ከም ወተሃደር ፣ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ምስ ፈረንሳዊ ናፖልዮን ዝወዳደር እዩ። ብነብሱ ዝተኣናነንን ፍሽኽታ ዘይፍለዮን መኮነንንን ብዓል ስልጣንን እዩ ነይሩ። ወተሃደራቱ ስሞም ይፈልጦምን ብስሞም ይጽውዖምን ነይሩ። ዝተረኽበ ምግብን መስተን ፣ ምስ ወተሃደራቱ ብሓባር ዩ ዝምገብ ነይሩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ጀነራል ኣማን ብወተሃደራቱ ኣዝዩ ፍቱውን ህቡብን ነበረ። ፍትሕን ሓቅን ሒዙ ከይተወላወለ ዝጎዓዘሉ ዝነበረ መንገዲ እዩ”።
“እንተኾነ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ፣ ሓደ ዘይንጸል ባህርያዊ ጠባይ ናይ ድኽመት ነይርዎ። ንሱ ድማ ፣ ልዑል እምነት ኣብቶም ኣብ ኣከባቢኡ ዝነበሩን መሳርሕቱን ምግባር እዩ። እዚ ጥርጣረን ጥንቃቐን ዘይብሉ እምነት ኣብ ሰብ ፣ ክሳዕ ህይወቱ ኣብ ምጥፋእ ኣብጺሕዎ እዩ“።

መመረቕታ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም


Biography of Gen. Aman Michael Andom
ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም።

መመረቕታ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም


Biography of Raessi Tessema Asberom ታሪኽ ህይወት ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም።

ራእሲ ተሰማ ቅርሲ ስነ-ምግባር ብሩህ ውርሻ ዝገደፈ ህያው ምልክት ሓበን እዩ። ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ንጣብ ጸሎሎ የብሉን: ኣበር ኣይርከብን።
ብሓቂ መርኣያ ሃገራውነት እውን እዩ። ጭቆና ካብ ዝመጽአ ወገን ይምጻእ ብዘየገድስ ራእሲ ተሰማ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዘይፍትሓውነት ወትሩ ምስ ተቓለሰ እዩ። ታሪኽ ንራእሲ ተሰማ ኣስበሮም ንኤርትራን ኤርትራውያንን ኩርዓት ዝገደፈ ከም ዓብዪ መራሕ ሃገር ክዝክሮ እዩ።

መመረቕታ መጽሓፍ ሓርበኛ ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም ኣብ መደብ ድርሳን


Biography of Tseggay Iyassu. ታሪኽ ህይወት ጠበቓ ጸጋይ ኢያሱ።

ጠበቓ ጸጋይ እያሱ ከም ሓደ ተውህቦ ዘሎዎ ጻዕራም ተመሃራይ ጀሚሩ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ድማ ኣዝዩ ፍሉጥ ጠበቓ፡ ክኢላ ቋንቋ፡ ደራሲ፡ መምህር፡ ርእሰ-መምህር፡ መዳራይ፡ ኪኸውን በቒዑ። ጠበቓ ጸጋይ እያሱ ብኤርትራውነቱ ዚሕበን ፍሉጥ ሓርበኛ እዩ ነይሩ። በቲ ዝውንኖ ዝነበረ ሰፊሕ ፖለቲካዊውን ሕጋውን ብልሓትን ርክባትን፡ ንናጽነት ኤርትራን ንመሰል ኤርትራውያንን፡ መጀመርያ ኣብ ኤርትራ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ሜዳን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ብትብዓት ተቓሊሱ ዝተዓወተ እዩ። እዚ፡ ኣብ ነብሱን ኣብ ስድራቤቱን ዓቢ ጕድኣት ከም ዘስዓበሉ ድማ ይፍለጥ።

መመረቕታ ሓዳስ መጽሓፍ 'ጠበቓ ጸጋይ ኢያሱ ደላዩ ነጻነትን ፍትሕን' ኣብ ዙም


Biography of Tukue Yehdego. ታሪኽ ህይወት ትኩእ ይሕደጎ።

ትኩእ ብኣእምሮን ኣካልን ሓያል ሰብ ነይሩ። እዚ ይኹን እምበር ከም ዘይዕድሚኡን ግዜኡን ኣዝዩ ትሑት ነይሩ። ሕያዋይ ነይሩ ፣ እንተኾነ ድኹም ኣይነበረን።ተባዕ ነይሩ ፣ እንተኾነ ተባኣሳይ ወይ መዕገርገሪ ኣይነበረን። ትሑት ነይሩ ፣ እንተኾነ ሓፋር ኣይነበረን። ብዓል ርእሰ-ተኣማንነት ነይሩ ፣ እንተኾነ ትዕቢተኛ ኣይነበረን። ትኩእ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝኣምን ሰብ ነይሩ ፣ ንኻልኦት ናይ ምንእኣስ ባህሪ ግን ኣይነበሮን።


Blatta Kahsay Malu. ታሪኽ ህይወት ብላታ ካሕሳይ ማሉ

ሓደ ማሰኛ ንወዲ ማሉ ከምዚ ዚስዕብ ኣውሎ ዘውደቐሉ።
‘ቈልዓ ተወሊድካ ሓየት ሉዋ፡
ኣንታ ዘይትጥሓስ ሓጹር ጋባ፡
ኣንታ ዘይፍንቀል ከውሒ ሩባ፡
የማን ዘሎ ጭርናዕ ከይቶኽባ፡
ጸጋም ዘሎ ጭርናዕ ከይቶኽባ፡
ዓደ’ቦኻ ገበርካያ ኩርባ፡
መንግስቲ ብሪጣንያ ርእያ ተዛሪባ፡
ጽልማ ለጎጭዋ ርእያ ተዓዚባ፡
ናባኻ ትብል ኣላ ዓለም ተረከባ።’
እተባህለሉ።


Biography of Dr. Embaye Woldemariam (English version)

Although Dr. Embaye Woldemariam played a signicant role in contemporary Ethiopian history, no records are available pertaining to his activities. Searching in libraries and museums, one does not find written material exclusively in his name, despite the fact that he spent his entire life serving diligently and with his utmost intellectual capacity to a country which he presumed his own. In many other countries, such a personality like him would be honoured with the erecting of a statue in his name. Unfortunately, the country which he served all his life, even went so far as to erase his name from the history books, just because to Ethiopians, he was an alien. He and Blatan Ghetta Lorenzo Taezaz are among the least mentioned political figures in the chronicles of Ethiopian history

Biography of Dr. Embaye Woldemariam. ታሪኽ ህይወት ዶክተር እምባየ ወልደማርያም

ዶክቶር እምባየ ወልደማርያም ፡ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ዝተጻወቶ ተራ ኣዝዩ ልዑል’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ንኣበርክቶኡን ተርኡን ዝምስክሩ ሰነዳት ፣ ብቐሊሉ ዝርከቡ ኣይኮኑን። እዛ ከም ሃገሩ ሓሲቡ ፣ ፍልጠቱ ከይበቐቐ ብዓቢ ትግሃትን ተወፋይነትን ፣ ንምሉእ ዕድሚኡ ዝሰርሓላ ዓዲ ፣ ኣብ ኣብያተ መጽሓፍቲ ይኹን ኣብያተ መዘክር ፣ ንዕኡ ዝምልከት ጽሑፋት ፣ ንጽድቂኳ ሓንቲ ቃል ኣይሰነደትሉን። ኣብ ካልኦት ሃገራት ፣ ከምዚ ናይ ብዓል ዶክቶር እምባየ ዝኣመሰለ ፣ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባት ፣ ንኽብሮም ብስሞም ሓወልቲ’ዩ ዝትከለሎም። እዚ በዓል ዓቢ ዉዕለቶም ዝነበረ ክቡር ሰብ ግን ፡ ኢትዮጵያውያን ከም ጓና ስለ ዝቖጽርዎ ፣ ኣብ ናይ ታሪኽ መጽሓፍቶም ስሙ ከም ዘይሰፈር ገይሮሞ። ንሱን ኣቶ ሎረንዞ ታእዛዝን ፣ ኣብ መዝገበ ፍጻመታት ታሪኽ ኢትዮጵያ ፣ ስሞም ከምቲ ዝግባእ ዘይሰፈረ ሰባት እዮም።


ታሪኽ ህይወት ደግያት መሓሪ ዓንደመስቀል ከምኡ`ውን ታሪኽ ህይወት ስነጥበባዊ ሃይለ።

እቲ ቀንዲ ደግያት መሓሪ ዓንደመስቀል ዘመስገኖምን፡ ኣርሒቖም ዝሓስቡ እዮም ነይሮም ዘብሎምን ድማ፡ እቲ ኣብ መርዓ ወዶም ኣብ ቅድሚ ራእሲ ኪዳነማርያም ርሳስ፡ ብርዕን ፍትሕን ብምጥቃስ ዘስምዕዎ ፈኸራ እዩ። እዚ ዓብዪ ትርጉም ዝሓዘን ንብራኸ ንቕሓቶም ዘንጸባርቕን እዩ ነይሩ። እታ ግጥሚ ‘ኤርትራውያን ንሃገርኩም ኤርትራ ብሰላም ከተመሓድርዋ እትኽእሉ፡ ብትምህርቲ እንተ ሰልጢንኩምን ፍትሓውያን እንተ ዄንኹምን ኢኹም፡’ ዝብል ሓያል መልእኽቲ ዝነበሮ ስለ ዝኾነ፡ ኵሉ ሳዕ ክንዝክሮን ከነተግብሮን ሓደራ ኢሎምና ስለ ዝሓለፉ እዩ።
መመረቕታ መጽሓፍ 'ክልተ ጀጋኑ ካብ ሓደ ስድራ' ደግያት መሓሪን ወዲ ወዶም ሃይለ ወልደሚካኤልን( ሃይለ ሰኣላይ)

ሃይለ ኣዝዩ ተባዕ፡ ንዘጋጠሞ ሽግራት ብዘይ ባእስን ቈየቛን ክፈትሕን ከዝሕልን ዝኽእል ሰብ’ዩ ነይሩ። ሓድሽ ነገር እንተ ርእዩ ንኽፈልጦን ንኸተግብሮን ግዜ ይወስደሉ ኣይነበረን። ብነብስኻ ምትእምማንን ኣብቲ ክትገብሮ እትደሊ ምሉእ ኣድህቦ ምግባርን፡ ሓደ ካብቲ መለለዪ ዝነበረ ባህርያት’ዩ። እቲ ምስኡ ዝተፈጥረ ጠባያት ይኹን ባህርያት፡ ተመሃራይን መምህርን ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ውን ኣይተቐየረን። ከም በርጌስ ይኹን ከም ተጋዳላይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ’ውን፡ ነቲ ዝውንኖ ስነ-ጥበባዊ ብቕዓት ካብ ምትግባር ኣየቋረጸን። እቲ ፍቕርን ኣኽብሮትን ሰብ፡ ከምኡ’ውን እቲ ምቕሉልነትን ተዋዛይነትን ምስኡ ተጓዒዙ ምስኡ ድማ ተቐቢሩ። ሃይለ፡ ኣብ ባህርያዊ ተፈጥሮ ፍሉይ ግንዛበ፡ ንፍጡራት ድማ፡ ፍሉይ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ከም ዝነበሮ ኣብ ሜዳ መቓልስቱ ብዝነበረ ሰብ ተገሊጹ ኣሎ።


ታሪኽ ህይወት ኣዝማች በርሀ ገብረኪዳን። Coming Soon

“ዓለም ስለ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ዝነብሩ ኣህዛብ እናጸዓረት ከላ ፡ ባዕሉ ኣርዑት ዝደሊ ፡ ቆራቚሮ ጸሪቡ ኣብ ክሳዱ ሰቒሉ ብቚራዓት ሕነቚኒ ዝብል ፍጡር ፡ መወዳእት ኡ ኽጸግባ እዩ።” ኣዝማች በርሀ ገብረኪዳን።
መጎሰ ብሓደ ኣድናቒ ኣዝማች በርሀ ገብረኪዳን

ድሕሪ ዋዕላ ተራእምኒ …… በዛ መሬት ኣይትምጹኒ
ነዛ ሃገር ነዛ ርተይ …… ይምርሓያ ወዲ ዓደይ
ኣይደልን አደረሽን …… ምስ ዝኾነት ንኽንቁረን
እንተኾንኩም ፈረድትና …… ስምዕዎሞ ዝድምጽና
ሓቂ ሒዝኩም ፍረዱ …… ናጽነትና እመኑልና
ኢሉ ኣዝማች በርሀ …… ብስብእነት ተሟጒቱ
የእሚኑዎም ንልኡኻት …… ደፊሩ ብትብዓት
ከይበጽሐ ግን መዕለቢኡ …… ከይተመለሰ ቲ ሕትኡ
ቀዲማቶ ታ መስዋእቲ …… ስለ መሬት ስለ ርስቲ


Biography of Kidane Kiflu ታሪኽ ህይወት ኪዳነ ክፍሉ።

Kidane Kiflu used to encourage high school students in Eritrea to advance their education. I remember during the summer holidays, he and colleagues used to organize debates at YMCA in Edaga Hamus, Asmara. Trophies were given to those who did the best. At the same time, he used to inform them about the struggle, its objectives, and the role they should play to promote it. He was selflessly committed revolutionary and teacher, who was able to raise the level of consciousness of his compatriots and juniors.
Kidane was not an ordinary person in the eyes of the Eritrean university students. There were many who considered him to be the voice of of the Eritrean people who were struggling to achieve independence of Eritrea from Ethiopian occupation. Kidane was above all a man of action.


“ኪዳነ ክፍሉ ኣብ ኤርትራ ንተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ንክነፍዑ የተባብዕ ነይሩ። ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝርከብ YMCA ኣብ ግዜ ክረምቲ ዕረፍቲ ንሱን ኣዕሩኽቱን ክትዓት የካይዱ ነበሩ።” ከምኡውን ንዕላማታት ናይ ቃልስን ክጻወትዎ ዘለዎም ተራን ይሕብሮም ነበረ። ብኣጋኡ ዉፉይ ሰውራዊ እዩ ነይሩ ፡ ከምኡውን ነብሰኣልቦነት ዝውንንን ንመዛንኡን ምንኣሱን ናብ ደረጃ ንቕሓት ከምጽእዝኽእል መምህርን ዉንዩ ነይሩ። ንኪዳነ ክፍሉ ቀ.ሃ.ስ. ዩኒቨርሲቲ ንንጡፍ ፖለቲካዊ ቃልሲ መንጠሪ ባይታ ባይታ እዩ ኮይንዎ።
ኪዳነ ክፍሉ ኣብ ኣዒንቲ ኤርትራውያን ተመሃሩ ዩኒቨርሲቲ ከም ሓደ ተራ ሰብ ኣይነበረን። ብዙሓት ድማ ንነጻነት ምንቅስቃስ ኤርትራ ኣንጻር ጎበጣ ብኢትዮጵያ መራሕ ድምጺ ኮይኑ ክመርሖም ይጽበይዎ ነይሮም። ልዕሊ ኩሉ ኪዳነ ክፍሉ ናይ ተግባር ሰብ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ትነብሩ፣ ታሪኽ ህይወት ዝሓለፉ ጀጋኑና ንክተንብቡ
ንኣቶ ብጹዕኣምላኽ ኣርኣያ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ተለፎን ደዊልኩም ተወከሱ፡-
44 - 7958 691166


Share with friends: